መልእኽቲ ልደት ብቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ
ቅዱስ ጎርጎርዮስ (329-390 ዓ.ም) ዓርኩ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢን፣ ናይ ኢንዘናዙ ዝተባህለት ቦታ ጳጳስ ዝነበረን ኮይኑ፣ ቤተክርስቲያን ብዘይዚ፣ ነባቢ መለኮት ብምባል ትጽዉዖ። 30 ክፋላት ዘለዎ፣ ዓሙቚ ናይ ትምህርተ መለኮት ጽሑፋት ስለዘዳለወን፣ ብትምህርቱ ዉን ንብዙሕ መሰረታዊ ሕቶታት ስለዝመለሰን እዩ፣ ቤተክርስቲያን 'ቅ.ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት /st Gregory the theologian' ብምባል ናይ ክብሪ ስም ሂባቶ።
በዓል ልደት ነኽብር። ክርስቶስ ተወሊዱ፣ ንዕዑ ስገዱሉ። ክርስቶስ ካብ ሰማያት ወሪዱ፣ ተቀበልዎ። ኣብ ምድሪ ንክርስቶስ
ኣኽብሩ። «ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ» እቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣብ ምድሪ ዉን እዩ`ሞ
«. . . ሰማያት ይተሐጐሱ፣ ምድሪውን ባህ ይበላ» /መዝ 96፥1,11/። ክርስቶስ ብስጋ ተገሊጹ`ዩ`ሞ፣
ብፍርሓትን ብሓጎስን ኣምልኽዎ፤ ብፍርሓት ምኽንያቱ ሓጢኣት ስለዘለኹም፣ ብሓጎስ ምኽንያቱ ተስፋ ስለዘለኹም። ክርስቶስ ካብ ድንግል
ተወልደ። ኦ ኣንቲ ሰበይቲ፣ ኣደ ክርቶስ ኢኺ እሞ፣ ብድንግልና ንበሪ። ነዚ ኣልፋ ዝዀነ፣ መን ዘይሰግደሉ? ነዚ ኦሜጋ ዝኰነ፣
መን`ኸ ዘየኽብሮ?
ስለምንታይ ልደት ነብዕል ኣለና? ጸልማት ሓሊፉ፣ ብርሃን ኾይኑ። ግብጺ ብጸልማት ተቐጽዐት፣ እስራኤል
ግና ብዓንዲ ብርሃን በርሀት /ዘጸ 14፥20/። ኣብ ናይ ድንቁርና ጸልማት ዘሎ ህዝቢ፣ ነቲ ካብ ሙሉእ ፍልጠት ዝወጽእ ዓቢ ብርሃን
ይርአይ /ኢሳ 9፥6/። “እንሆ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።”
/2ይ ቆሮ 5፥17/። እቲ ቃል ሓሊፉ፣ እቲ መንፈስ ተገሊጹ። እቲ ጽላሎት ሓሊፉ፣ እቲ ኣማናዊ ናብ ቅድሚት መጺኡ።
መልከጼዴቅ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ብዘይ ኣደ ዝዀነ፣ ብዘይ ኣቦ ተወልደ። ቅድሚ ዓለም ብዘይ ኣደ ተወልደ፣ ኣብቲ ካልኣይ ልደቱ ግና
ብዘይ ኣቦ ካብ ድንጋል ተወልደ። ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ተሳዕረ፣ ህይወት ላዕላይ ሰማይ ዉን ተገልጸ። ክርስቶስ ኣዚዙ ኣሎ`ሞ፣ ክንጻረሮ
ኣይንፈትን። ኦ ህዝበይ፣ ህጻን ተወሊዱልና፣ ወዲ ዉን ተዋሂቡና እዩ`ሞ፣ ኣእድዉኹም ኣጣቕዑ /መዝ 47፥1/። መስቀሉ ስለዝጾረ፣
ግዝኣቱ ኣብ መንኩቡ እዩ። ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱኦ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡
መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ /ኢሳ 9፥6/። “ጎደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡” እንዳበለ
ዮሃንስ ይኣዉጅ /ማቴ 3፥3/። ኣነ ዉን ሓይሊ ናይዛ መዓልቲ ክእዉጅ እየ። እቲ ስጋዊ ዘይኰነ፣ ስጋ ለበሰ፤ ወዲ ኣምላኽ፣ ወዲ
ሰብ ዀነ። የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ /ዕብራ 13፥8/። ኣይሁድ
ይተዓንቀፉ፣ ኣህዛብ ዉን ዕሽነት ይምሰሎም /1ይ ቆሮ 1፥23/፣ መናፍቃን ዉን መልሓሶም ክሳዕ ዝቕንዞ ይለፍልፉ።
ሽዑ ናብ ሰማያት ክዓርግ እንከሎ ርእዮም ክኣምኑ እዮም። በዚ እንተዘይኣመኑ ድማ፣ ካብ ሰማያት ዳግማይ ክወርድ፣ ኣብ ዙፋን ፍርዲ
ዉን ክቕመጥ እዩ፣ ሽዑ ብግርምኡ ምስ ረኣይዎ፣ ክኣምኑ እዮም።
ትርጉም በዓል ልደት እንታይ እዩ? ልደት ማለት ቴኦፋኒ ወይ ዉን ምግላጽ
ምግሃድ ኣምላኽነት እዩ። ቴኦፋኒ ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ፣ ትርጉሙ ድማ ተጋሂዱ፣ ወይ ዉን ተገሊጹ ማለት እዩ። እዚ በዓል ክልተ
ሽም ኣለዎ። ልደትን፣ ቴኦፋኒን[1] ተባሂሉ
ይጽዋዕ። ክልቲኡ ሓደ ትርጉም ኣለዎ። ኣምላኽ ብስጋ ስለዝተወልደ፣ ተራእዩ፣ ተገሊጹ፣ ተጋሂዱ። ዘለኣለማዊ ካብ ዘለኣለም ክነሱ፣
ዘመን ተቖጽረሉ። ንህላዌኡ ምኽንያት የብሉን። ቅድሚ ናይ እግዚአብሔር
ቃል (ወልድ)፣ ካልእ ቃል ኣይነበረን። ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ ንቡር ቦታና[2]
ምስ ወደቕና፣ ምእንታና ምእንቲ ደቂ ሰባት ክብል ስጋ ለበሰ። ምንጪ ህላወና ክነሱ፣ ብልደቱ ምእንቲ ናብ ክብሪ ከብቕዓና፣ ንድኻምና
ምእንቲ ክስዕሮ፣ ተወልደ። ቴኦፋኒ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ፣ ኣስተርእዮ ናይ ኣምላኽ ስለዝዀነ እዩ። ኣብዛ መዓልቲ ብልደት ተራእዩ፣
ተገሊጹ።
በዓል ልደት ብኣምላኻዊ መንገዲ ነብዕል። እዚ ሎሚ ነብዕሎ ዘለና፣ ዓቢ
ፌስታ እዩ። ኣምላኽ ናብ ደቂ ሰባት ዝመጽኣሉ መዓልቲ እዩ። ምእንቲ ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንመስል /ኤፈ 4፥22:24/፣ ኣምላኽ ናባና ወረደ። ዝያዳ እኳ፣ ኣረጊት ሰብነትና ሓዲግና፣ ሓድሽ ሰብነት
ምእንቲ ክንለብስን፣ ናብ ኣምላኽ ዉን ምእንቲ ክንቐርብ፤ ኣምላኽ ተወልደ። ብኣዳም ሞት እንተመጽኣና፣ ብክርስቶስ ህያዋን ምእንቲ
ክንኸዉን /1ይ ቆሮ 15፥22/፤ ምስ ክርስቶስ ዳግማይ ተወሊድና፣ ምስኡ ተሰቒልና፣ ምስኡ ዉን ተቐቢርና፣ ምስኡ ዉን ክንትንስሽ
ኢና። እዚ ሓሳብ ክቕጽሎ እየ። ከምቲ መከራ ንበረኸት ዝትክኦ፣ ከምኡ ካብቲ መከራ እቲ በረኸት ክርኸብ እዩ። ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ፣
ኣብኡ ጸጋ ይዓዝዝ /ሮሜ 5፥20/ እዩ`ሞ፣ ምጥዓም[3]
ንክንድዚ ዝኣኽል ኩነኔ ካብ ኣብጽሓና፣ ሕማማተ ክርስቶስ ግዳ ክንደየናይ ኣብዚሑ ዘየጽድቐና? ስለዚ በዓልና ነብዕል፣ ግና ከምቲ
ኣህዛብ ዝገብርዎ በዓል ኣይኹን። ብዓለማዊ መንገዲ ዘይኰነስ፣ ብኣምላኻዊ መንገዲ ይኹን። ብናትና ፍትወት ተመሪሕና ዘይኰነስ፣ ልዕሊ`ዛ
ዓለም ጸብለል ኢልና፣ ንመምህርናን ጐይታናን መሲልና ነብዕል። ምኽንያቱ ናቱ ናይቲ ልዑል ኢና። ብድኻም ዘይኰነስ፣ ብጥዕናን ድሕነትን
ይኹን። ብናይ ተፈጥሮ ሕጊ ዘይኰነሲ፣ ዳግማይ ከምዝተፈጠርና ኮይንና በዓልና ነብዕል።
እምብዓር ነዚ በዓል`ዚ ከም ናይ ኣህዛብ ኣበዓዕላ ጌርና ኣይነኽብሮ።
ከመይ ማለተይ እዩ? ገበላና ብምምላእ፣ ንሳዕስዒት ብምድላዉ፣ ጎደናታት ብምስላም፣ ንዓይኒ ዝስሕብ ብምድላዉ፣ ኣእዛንና ብሙዚቓ
ብምጽማም፣ መስኮት ኣፍንጫና ብጨና ብምቅስቃስ፣ ህዋሳትና ብምልዕዓል፣ ስምዒትና ብምርዋይ፣ ከምዚ ዝኣመሰሉ መንገዲታት፣ ንሓጢኣት
ኣፍደገ ብዝኸፍት ኣገባብ ወይ ዉን ንኽፍኣት ብዘዳሉ ኣገባብ ኣበዓዕላ ክኸዉን የብሉን። ረቂቕን ዘው ዝብል ክዳን ተኺድንኻ፣ ኮሻም
ኣይትምሰል። ብወርቂ እንተጌጽኻ፣ ብብሩር እንተተሰለምካ፣ ብሕብሪታት እንተተመላካዕካ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝዓደለኻ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ብካልእ
እንተሸፈንካ፤ ኸምዚ ዝመሰለ ጽባቐ፣ ረብሓ የብሉን፤ ዋላ ነቲ ዝለመድካዮ ፈንጠዝያን ስኽራንን ወስኸሉ፣ ስዲነትን ዝሙትን ደምረሉ።
ምክንያቱ ካብ ኩፋኣት ክፋእ ጥራይ ኢኻ ትመሃር፣ ዝዘራእካዮ ትዓጽድ ኢኻ`ሞ፣ ረብሓ ካብ ዘይብሉ ዘርኢ ዝርኸብ ዓጺድን እቶትን
ንርእሱ ጥቕሚ ዘይብሉ እዩ። ዓራትና ብንብረት ተድላ ኣይነደልድሎ፣ ንኸብዲ ዉን ቦታ ኣይንሃባ፣ እምበር`ኸ ናብ ፍትወት ክመርሓና
ይኽእላ እየን። ብኽቡር ጨናታት፣ ብጥዑም ወይኒታት፣ ብዝተፈላለየ ዓይነት መግቢታት ዉን ኣይኹን። ባህሪን መሬትን ንክቡር ጉሓፍ
ኣምጺአን ከም ህያብ ክቕርባልና እነከለዋ ዉን ኣይነቀበለን፣ ምኽንያቱ እዚ ባዕሉ ተድላ እዩ። ገዛእ ርእስና ብዘይምግታእና ዉን
ንነሕድሕድና ኣይንጻረር። ልዕሊ እቲ ዘድሊ ዓቐን ዉን ኣይንድለ፣ ከምኡ ምግባር ባዕሉ ገዛእ ርእስኻ ዘይምግታእ እዩ። ከማና ካብ
ሓመድ ዝተፈጠሩ ብዙሓት ሰባት፣ ናይ ዕለት መግቢ ከምዝስእኑ፣ ጠምዮም ከምዝዉዕሉን ንዘክር።
ክርስቲያናዊ ኣበዓዕላ በዓላት ካብ ናይ ኣህዛብ ብምንታይ ይፍለ?
እምበኣር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ዂሉ፣ ንኣረማዊያን ደቂ ግሪክን፣ ኣበዓዕላ መዳያቶምን ንሕደገሎም። እዞም ኣረማዉያን ደቂ
ግሪክ፣ ጣኦታት የምልኹ፣ መስዋእቲ ዉን ይስዉኡሎም፣ ኣምላኽቲ ኢሎም ዉን ይሰምይዎም፤ ብኸብዶም ዝምለኹ፣ ብሕሩድ መስዋእቲ
ዝሕጎሱ፣ ፈጠርቲ ክፍኣት፣ መምለኽቲ ኣጋንንቲ እዮም። ንሕና ግና፣ ኣምልኮና ንእግዚአብሔር ቃል (ወልድ the Word) እዩ። ተድላ እንረኽበሉ ምንጪ
ባህታና ኸኣ፣ ቃል ኣምላኽ፡ መልኮታዊ ሕጊን፡ ታሪክን እዩ። ታሪክ ማለት ኣበጋግሳ ናይዚ በዓል ዘረድኣና ፍጻመታት እዩ፣ ነዚ
ኲሉ ግዜ ክንዝክሮ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ካብቲ ግቡእ ዘበለ ምእንቲ ከይነልግስ። ካብቲ ንዂልና ብሓድነት ዝተጸዋዕናሉ ጻዉዒት ዉን
ምእንቲ ከይንርሕቅ። ሎሚ ብዙሕ ነገር እየ ክነግረኩም መዲበ ክብራት ኣጋይሸይ። ንሓሳባተይ ዉን ብዘለኒ ዓቕሚ፣ ብንጹርን
ግቡእን መንገዲ ከቕርቦ እየ።[4]
. . . .ይቕጽል
[1] ቴኦፋኒ ወይ ዉን ኤፒፋኒ ይበሃል።
ኣብ ፍትሃ ነገስት ብዛዕባ በዓላት ኣብ ዝገልጽ ዓንቀጽ፣ ነዚ ቃል ንረኽቦ ኢና። ትርጉሙ ድማ ቴኦ-ኣምላኽ፣ ፋኒ-ተገሊጹ ማለት
እዩ። እዚ ስም ንልደትን ጥምቀትን ንጥቀመሉ ኢና። ኣብ ልደትን ጥምቀትን፣ ኣምላኽ ስለዝተገልጸ። ኣብ ግዜ ልደት፣ ካብ ድንግል
ተወሊዱ ኣምላኽነቱ ተገሊጹ። ኣብ ግዜ ጥምቀት ድማ፣ ሰለስትነትን ሓድነትን እግዚአብሔር ተገሊጹ።
[2]
fallen from well-being
[3] እጸ በለስ ብምጥዓሞም ሞት
ኣብ ኲልና ነገሰ
[4] Or do you desire (for to-day I am your entertainer) that I should set
before you, my good Guests, the story of these things as abundantly and as
nobly as I can, that you may know how a foreigner can feed the natives of the
land, and villager people of the town, and one who cares not for luxury those
who delight in it, and one who is poor and homeless those who are eminent for
wealth?
1 comments:
No its is as it is. Kemti mekera nbereket ztkeo, kemeu dma kabti mekra breket krkeb eyu.
Post a Comment