ኤጲፋንያን-ቅዱስ ጥምቅት ብቅ. ሂፖሊቱስ ዘሮም (170-235 ዓ.ም.)
ቅዱስ ሂፖሊቱስ (ብግእዝ ኣቡሊድስ) ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝነበረ፣ ሊቃዉንቲ ቤተክርስቲያን ሓደ ኮይኑ፣ ንቅዱስ ኢራንዮስ ወደ መዝሙር ከም ዝነበረ ይንገር። ቅዱስ ኤራስንዮስ ብወገኑ፣ ንሰማዕት ቅዱስ ፖሊካርፖስ ዘስሚርና ወደ መዝሙር ነበረ፣ ቅ.ፖሊካርፖስ ድማ፣ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ ወደ መዝሙር ነበረ። ካብዚ ንርዳእ እንታይ እዩ፣ ቅዱስ ሂፖሊቱስ ዝህቦ ዘሎ ትምህርቲ፣ ብሓዋርያዊ ትዉፊት ዝተሰጋገረ፣ ጽኑዕ ትምህርቲ ክርስትና እዩ። ኣብ ስንክሳር የካቲት 6 ስሙ ተጥቂሱ ንረኽቦ ኢና፣ ግን ንሱ ድዩ ካልእ ዝፈልጦ የብለይን።
ኤጲፋንያን ወይ ዉን ቴኦፋንያን፣ ዝብል ቃል ግሪካዊ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ብትግሪኛ “ኣስተርእዮ፣ ምግሃድ ሚስጢር ኣምላኽ፣ ምግላጽ ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ሰብ ብዝርድኦ መንገዲ ተረኣይ” ማለት እዩ። ጐይታ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ክጥመቕ እንከሎ፣ ሰለስትነት ናይ እግዚአብሔር ስለዝተጋህደ ድማ ናይ ጥምቀት ካልኣይ ስም ኮይኑ ንረኽቦ። «ወእም ድህረ ዝንቱ ግበሩ በዓለ ኤጲፋንያ ዘዉእቱ በዓለ ጥምቀት፣ ወይኩን በሃቤክሙ ክቡረ እስመ ቦቱ ወጠነ እግዚእነ ከመ ያርኢ መለኮቶ ኣመ ተጠምቀ በዉስተ ዮርዳኖስ በእደ ዮሃንስ። ድሕሪዚ በዓል ኤጲፋንያን ግበሩ፣ እዚ ዉን በዓል ጥምቀት እዩ፣ ጐይታና ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሃንስ ክጥመቕ እንከሎ መለኮታዊ ምዃኑ ስለዘርኣየና፣ እዚ በዓል ብኽቡር ኣብዕልዎ» ፍትሓ ነገስት፣ በእንተ በዓላት ዓ.626 4ይ መስመር።
1. ኲሉ ግብሪታት
ኣምላኽናን መድሓኒናን ብሓቂ ጽቡቕ እዩ። ኲሉ ዝረአ ዘበለ
ይኹን፣ ሓንጎል ዝርእድኦ፣ ሓሳባት ዝምርምሮ፣ ኢድ ዝድህስሶ፣ ጥበብ ዝምርምሮ፣ ሰብኣዊ ባህሪያት ዝቕበሎ. .ኮታስ፣ ኲሉ
ፍጥረት ኣምላኽ ብሓቂ ሰናይ እዩ። ልዕሊ ጽባቐ ሰማይ እስከ እንታይ ኣሎ? ልዕሊ ቅርጺ መሬት`ኸ ካልእ ዉቃበ ኣበይ ይርከብ?
ልዕሊ ጩራታት ጸሓይ ዝቕልጥፍ`ኸ? ልዕሊ ስርዓተ ጸሓይ ዝዉቅብ`ከ? ልዕሊ ግርማ ከዋኽብቲ`ኸ ዝምልክዕ፣
ወይ ልዕሊ ወቕቶም ሓልዮም ዝነፍሱ ንፋስ ኣዝመራ ዝጥዕም`ኸ፣ እንታይ ኣሎ? ክንዲ ናይ መዓልቲ ብርሃን ዝጽብቕ ኣበይ ይርኸብ?
ልዕሊ ኲሉ ግና፣ ንሰብ ዝወዳደሮ ፍጡር ኣሎ`ዶ? ኣየናይ ፍጡር እዩ ንሰብ ዝመዓራረዮ? ብርግጽ ኲሉ ፍጥረታት ኣምላኽናን መድሓኒናን
ብሓቂ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ። የግዳስ ክንዲ ማይ ኣድላይነት ዕዙዝ ዝዀነ ነገር ኣይርኸብን። ክንዲ ማይ ጌርና እንብህጎ ካልእ
ኣገዳሲ ባእታ ኣሎ ድዩ? ብማይ ንሕጸብ፣ ብማይ ንርሕስ፣ ንነጽህ፣ ንምገብ። ምድሪ ኣብ ማይ ተሲሪታ ኣላ፣ ማይ ጠሊ ይህበና፣ ማይ ንወይኒ
የቡቅል፣ ንዘራእቲ የዕንብብ፣ ንፍረታት የፍርየን፣ ንኣዉሊዕ የርሕሶ፣ ንቆጽሊ ዓርኮብኮባይ የጥልሎ፣ ንዕንባባታት ጽባቐ
ይዕድል፣ ንዕንባባ መሮር ግርማ ይዕድለን። ስለምንታይ እየ ብዛዕባ ማይ ክንድዚ ዝዛረብ ዘለኹ? እወ፣ ብዘይ ባእታ ማይ ኲሉ
ኣብ ዓለም ዘሎ ነገር ህላወ ኣይምረኸበን ኔሩ። ስለዚ ማይ ኣገዳሲ እዩ፣ ካልኦት ባእታታት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንረኽበን ኢና፣
ማይ ግና እንኮላይ ኣብ ላዕሊ ጠፈር ንረኽቦ። ነዚ ከረጋግጸልና እንከሎ፣ ነብዪ ዳዊት ባዕሉ ከምዚ በለ “ኣቱም ናይ ሰማየ
ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፣ ኣመስግንዎ” /መዝ 148፥4/።
2. ልዕልና ናይ ማይ ዘረጋግጸልና እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝገልጽናዮ ካልእ ኣዝዩ ክቡር ነገር ኣሎ። ፈጣሪ ዂሉ ዓለማት ዝዀነ ክርስቶስ፣
ንሱ ከም ዝናብ ማይ ናባና ወረደ (ሆሴ 6፥3)፣ ከም ምንጪ ማይ ኮይኑ ተገልጸ (ዮሃ 4፥14)፣ ከም ኣፍላገ ማይ ዉን ካብ
ዉሽጥና ይፈስስ (7፥38)፣ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ዉን ተጠምቀ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ናብ ቅዱስ ዮሃንስ ከም ዝመጽአን፣ ኣብ
ዮርዳኖስ ከም ዝተጠምቀን ትፈልጡ ኢኹም። ብሓቂ እዚ ነገር ክትምርምሮ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከመይ ኢሉ እቲ ንከተማ ኣምላኽ
ብሓጎስ ዝመልእ ሩባ (መዝ 46፥4)፣ ኣብ ንኢሽተይ ማይ ክተሓዝ?! እቲ ፍጹም ዘይዉሰን መንፈስ፣ ንኹሉ ሰብ ህይወት
ዝህብ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ክነሱ፤ ከመይ ኢሉ በዚ ድኽነት ዝመልኦ ማይ ክምሰልን ክግለጽን ይኽእል! ንሱ (ጐይታ) ኣብ ኲሉ
ዝርኸብ፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ድማ ዘይሰኣን፣ ሙሉእ ኣብ ኲሉ፣ ብሰባት ዘይርአ፣ ብመላእኽቲ ዉን ዘይጭበጥ ክነሱ ብሰናይ ፍቓዱ
ክጥመቕ መጸ። ነዚ ነገር ክትሰምዑ እንከለኹም ፍቑራተይ፣ ተራ ነገር ጌርኩም ኣይትሕሰብዎ፣ ግቡእ ክብሪ ጌርኩም ተረድእዎ።
ጐይታ ንሰባት ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተላዕለ፣ ናባና ወረደ፣ ብሕቡእ ዉን ማያት ከይፈለጥዎ፣ ክጥመቕ ምስ ቀረበ፣ ሽዑ “ማያት
ረአይዎ፣ ማያት ረኣዪዎ፣ ተሸበሩውን” (መዝ 77፥16)። ማያት ካብ ዶባተን ሓለፋ፣ ካብ መስመረን ዉን ፋሕ በላ። እቲ
ነቢዪ ድማ ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ ነዚ ኲነታት ስለዝተረድኦ፣ ከምዚ ብምባል ሓተተ፣ “ኣቲ ባሕሪ፣ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፧
ኣቲ ዮርዳኖስከ፣ ንድሕሪት እተመለስኪ፧” (መዝ 114፥5)። ማያት ዉን ከምዚ ብምባል መለሳ፤ ‘ፈጣሪ ዂሉ ዓለም ዝዀነ ‘ብመልክዕ ባርያ’ (ፊሊ 2፥7) ረኣናዮ፣
ንሕና ዉን ፈራሕና ምኽንያቱ ሚስጢር ድሕነት ኣይተራድእናን ኔሩ።’
3. ንሕና ግና፣ ሚስጢር
ድሕነት ስለዝተረዳእና፣ ንምሕረቱ ለበስና፣ ንሱ ንዓና ከድሕን እምበር ክፈርድ ኣይመጽአን። እቲ ቅድሚ ጐይታ ዝተላእኸ ዮሃንስ
መጥምቅ፣ ነቲ መጺኡ ዘሎ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ፣ ደሓር ግን ብሓቂ ጐይታ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፣ ነቶም ንዑ ቀው ኢሎም
ዝጥምትዎ ዝነበሩ ህዝቢ፣ ‘ስለምንታይ ንዓይ ትጥምቱኒ ኣለኹም፣
ኣቱም ዉሉድ ኣትማን?’ ብምባል ሓተቶም። “ኣነ ክርስቶስ ኣይዀንኩን” (ዮሃ 1፥20)። ኣነ ባርያ ኣምበር ጐይታ
ኣይዀንኩን፣ ተኣዛዚ እምበር ንጉስ ኣይዀንኩን፣ በጊዕ ኣምበር ጓሳ ኣይዀንኩን፣ ሰብ ኣምበር ኣምላኽ ኣይዀንኩን። ብልደት ነታ
መዃን ዝነበረት ኣደይ ማህጸና ከፊተ እየ፣ ግን ንድንግል ዉላድ ከም ትወልድ ኣይገበርኩን። ኣነ ካብ ታሕቲ እየ፣ ከብ ላዕሊ
ካብ ሰማይ ኣይወረድኹን። ልሳን ኣቦይ ክፈትሕ በቒዐ ነበርኩ (ሉቃ 1፥20)፣ ግን መለኮታዊ ጸጋ ኣየፍሰስኩን። ኣደይ ፈሊጣትኒ
ነበረት፣ ልደተይ ዉን ብኮኮብ ኣይተበሰረን (ማቴ 2፥9)። ኣነ ጥቕሚ ዘይብለይ፣ ትሕቱ እየ፣ “እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ
ቕድመይ ዝነበረ እዩ” (ዮሃ 1፥14)፣ ብስጋዊ ዘመን ድሕረይ እዩ[1]፣
ብመለኮት ግና ቅድመይ ዝነበረ እዩ። እዚ ዉን ተመራሚርካ ክትበጽሖ ኣይከኣልን። “እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡
ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።” (ማቴ 3፥11) ኣነ ትሕቲ ሕጊ እየ፣
ንሱ ግና ስልጣን ኣብ ኢዱ እዩ። ኣነ ብሓጢኣት እሱር እየ፣ ንሱ ግና ንሓጢኣት ዘርሕቕ እዩ። ንዓይ ሕጊ ይቅየደኒ እዩ፣ ንሱ
ግና ጸጋን ብርሃንን ይህብ። ኣነ ባርያ ስለዝዀንኩ ይምህር ኣለኹ፣ ንሱ ግና ንጐይቶት ዉን ይፈርድ እዩ። ንዓይ ምድሪ
መንበሪየይ እያ፣ ንሱ ግና ሰማያት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ እዩ። ኣነ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጥምቐኩም ኣለኹ፣ ንሱ ግና ዉልድነትኩም
የረጋግጸልኩም፣ ብሓዊን መንፈስ ቅዱስን ዉን የጥምቀኩም። ስለምንታይ ኣሞ ንዓይ ቀው ኢልኩም ትጥምቱኒ? ኣነ ክርስቶስ ኣይዀንኩን።
4. መጥምቀ መለኮት ቅ.ዮሃንስ ነቲ ተኣኪቡ
ዝነበረ ህዝቢ ብዛዕባ ጐይታ ከምዚ ኢሉ ክምስክር እንከሎ፣ ኲሉ ህዝቢ ብምግራም ይዕዘብ ነበረ። ብስጋዊ ዓይኖም ዉን ነቲ
ዝኸዉን ዘበል ብተመስጦ ይከታተልዎ ነበሩ፣ ዲያብሎስ ግና በዚ ነገር ኣዝዩ ሰንበደ። ምክንያቱ ዮሃንስ ዝህቦ ዘሎ ምስክርነት ኣዝዩ ዘገርም እዩ። እቲ ልዑል
ጐይታ፣ ዘሰንይዎ ኣሕሉቅ መላእክቲ ከይሓዘ፣ ገዛእ ሰብነቱ ብኽቡር ነገር ከየወቀበ፣ ትሑት፣ በይኑ፣ እሞ ኸኣ ብግልጺ ምምጽኡ፤
መለኮታዊ ክብሩ፡ ብስጋ ሰብ ሓቢኡ፣ ምእንቲ ነቲ መታለሊ ገበል ክስዕር፣ ኣርኣያ ሰብ ወሲዱ ተጋህደ። ንዮሃንስ ዉን፣
ብኣምላኻዊ ግርምኡ ዘይኰነስ፣ ከም ተራ ሰብ መሲሉ ቀረቦ። አረ እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ፣ ካብዚ ብዝዛይድ ትሕትና ዉን እምበር። ከም ሓደ ኣብ ሓጢኣት ዝነበር ተራ ሰብ
መሲሉ፣ ብዮሃንስ ንኽጥመቅ ርእሱ ኣትሓተ። ዮሃንስ መጥምቅ ድማ፣ ትሕትና ናይቲ ልዑል ምስ ረኣየ፣ በቲ ዂነት ኣዝዩ
እንዳተገረመ፣ “ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ።” (ማቴ 3፥14)። ኦ ጐይታ፣ እንታይ
ትገብር ኣለኻ? ምስ ሕጊ ዝጻረር ትገብር ኣለኻ[2]።
ብዛዕባካ ኣነ ካልእ እየ ምሂረ፣ ንስኻ ግና መጺእኻ ካልእ ትገብር ኣለኻ[3]።
ዲያብሎስ ብዛዕባኻ ካልእ ነገር ሰምዐ፣ ካልእ ነገር ዉን ተረድአ። ጐይታየይ፣ ስለምንታይ ማይ ትደሊ ኣለኻ፣ ብመለኮታዊ እሳት
እንዶ ኣጥምቐኒ? ስለምንታይ ኣብ ማእከል ፍጡራን ተገለጽኻ፣ እስከ ብመንፈስካ ግለጸለይ? ዮሃንስ መጥምቅ፣ ምእንቲ ልዕልናኻ
ክገሃድ ኣጥምቀኒ። እሺ ጐይታይ፣ ኣነ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጥምቕ ኣለኹ፣ እቶም ዝጥመቑን ዉን ኣቐዲሞም ንዂሉ ሓጢኣቶም ይናዘዙ
እዮም። ሐራይ እስከ፣ ኣጥምቐኒ ስለዝበልካኒ፣ ተኣዚዘ ክጥምቐካ፣ ግና እትናዘዞ ሓጢኣት ኣለኻ ድዩ? ንስኻ`ዶ ፍጹም ጻድቕ
ኣይኰንካን? ዋላዃ ከጥምቐካ ኣነ እንተደፈርኩ፣ ዮርዳኖስ ግና ክትቐርበካ ኣይትኽእልን። “ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡
ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧”
5. ጐይታ`ኸ እንታይ ኢሉ
መለሰ? “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ” /ማቴ 3፥15/። ዮሓንስ ንስኻ
ልዕለይ ኣይትፈልጥን ስለዚ “ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ”። ንስኻ ከም ሰብ ትሓስብ፣ ኣነ ግና ብኣምላኽነተይ መጻኢ ይፈልጥ።
ምእንቲ ትምህርቲ ክኸዉን ኣነ ነዚ ክገብር ይግብኣኒ እዩ። ዕላማ ዘይብሉ ነገር ፈጺመ ኣይገብርን። ኦ ዮሃንስ፣ ግሩም ኣምላኽ
እየ፣ ግን ብመለኮታዊ ግርማይ ስለዘይተገለጽኹ፣ ይገርመካ`ዶ ይህሉ? ቅጭን ክዳን ነገስታት ኣብ መደቀሲ ኣይትክደኖን፣ ንጉስ`ሲ
ምልኩዕ ክዳን ሓለቃ ሰራዊት እንተተኸድነ እዩ ዘምሕረሉ፣ ኣነ ድማ ናብ መስፍን ዘይዀነሲ ናብ ብጻይ (ዓርከይ) እየ መጺአ።[4]
“ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ”። ኣነ መፈጸምታ ሕጊ እየ፣ ንዂሉ ሕጊ ዉን ክፍጽም
መጻእኹ። ከምዚ እንድሕሪ ጌረ፣ ጳዉሎስ ድሕረይ ከምዚ ኢሉ ክእዉጅ ይኽእል “ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ
ንጽድቂ እዩ” (ሮሜ 10፥14)። “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ”፣ ዮሃንስ፣ ማንም ሰብ
ንጥምቐት ከይንዕቅ ንዓይ ኣጥምቐኒ። ምድራዉያን ነገስታትን፡ ሰብ ጸጋታትን ብኢድ ድኻ ካህን (ድኻ ቀሺ) ኣይጥመቕን ኢሎም ኣብያ
ምእንቲ ከይገብሩ፣ ኣነ ጐይታኻ ክነሰይ ብኣኻ ብባርያይ ኢድ ተጠመቕኩ። ኣቡኡ ዂሎም ህዝቢ፣ ምስክርነት ናይ ኣቦይ
(እግዚአብሔር ኣብ) ምስ ሰምኡ፣ ሽዑ ክብሪ ናይ ወልድ ክፈልጡ እዮም እሞ፣ ሕጂስ ደኣ ሕደግ ናብ ዮርዳኖስ ክወርድ። ነዚ ኲሉ
ምስ ኣስተዉዓለ፣ ዮሃንስ ንጐይታ ኩሉ ጽድቒ ምእንቲ ክፍጽም ሓደጎ። “ድሕርዚ ፈቐደሉ። የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ
ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ
ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ” /ማቴ 3፥16-17/።
6. እስከ ኣስትዉዕሉ
ፍቑራተይ፣ ጐይታ ዘረባ ዮሃንስ ሰሚዑ፣ ነቲ ጥምቐት እንተ ዝሓድጎ፣ ክንደይ ዝኣኽል በረኸት ምሰኣንና። ቅድሚ እዚ ግዜ ሰማያት
ተዓጽዩና፣ ሚስጢር ኣምላኽ ዉን ክንፈልጦ ኣይኸኣልናን ነበርና። ምናልባት ካብ ፍልጠት ኣምላኽ ዉን ዝያዳ ምረሓቕና ኔርና፣ ናብ
ላዕሊ ዉን ኣይምበጻሕናን። ስለዚ ብጐይታ ጥምቐት ሚስጢር ኣምላኽ ተጋሂዱልና። ጐይታ ግና ነዚ ጥራይ ኣይኰነን ዝገበረ፣
ብጥምቀቱ ዝፈጸሞ ካልእ ዓቢ ነገር ኣሎ። ነቲ ኣረጊት ሰብ ኣሐዲስዎን፣ ስልጣን ዉልድነት ዳግማይ ዓደሎ። ምኽንያቱ ሽዑ ንሽዑ፣
“እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ”። እቲ ዘይርአ ምስቲ ዝርአ ተዓርቀ፣ ሰማይዉያን ብሓጎስ ተመልኡ፣ ሕማም ዓለም ተፈወሰ፣ ሚስጢር
ተጋህደ፣ እቶም ጸላእቲ ዝነበሩ ፍቑራት ኰኑ። ኣቲ ወንጌላዊ “እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ” ኢሉ ክነግረና እንከሎ፣ ሰለስተ
ነገር ምእንቲ ከብርሃልና እዩ። ቀዳማይ፣ መርዓዊ ክርስቶስ ክጥመቀ እንከሎ፣ ጽቡቓት ኣፍደገታት ናይታ ሰምያዊት ክፍሊ መርዓ (bridal-chamber
of heaven) ምእንቲ ክኽፈት እዩ። ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ብርግቢ ኣምሳል ወረደ፣ ድምጺ ኣብ ኸኣ ካብ ሰማይ መጽአ፣ “ኣቱም
ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ” ተባሁሉ ዝተንግረ ዉን ነዚ እዩ (መዝ 24፥7)። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ
ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።
7. እቲ ፍቃር፣ ፍቕሪ
ኣመንጨወ፤ እቲ ዘይቅረብ ብርሃን፣ ብርሃኑ ገለጸ። “ፍቱው ወደይ እዚ እዩ” እዚ ብስጋ ኣብ ምድሪ ተገሊጹ ዘሎ፣ ካብ ሑቅፊ ኣቡኡ
ከይተፈልየ፣ ብግህዶ ተገለጸ። ኣብዚ ናይ ጥምቀት ኩነታት ግና፣ እቲ ዘጥምቕ ዘሎ ልዕሊ`ቲ ተጠማቓይ ኮይኑ ይርአ
ኣሎ፣ ስለዚ እዚ ኣስተርእዮ`ዚ ፍሉይ እዩ። ስለዚ ዉን፣ እግዚአብሔር ኣብ ካብ ሰማያት መንፈስ ቅዱስ ልኡኹ ኣብ ልዕሊ`ቲ ተጠማቓይ
(ጐይታ) ከምዝዓልብ ገበረ። ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ፣ እግዚአብሔር ንኖህ ዘለዎ ፍቕሪ፣ ብርግቢት ኣቢሉ ገለጸሉ፤ ሕጂ ዉን መንፈስ ቅዱስ
ከምቲ ቆጽሊ ኣዉሊዕ ሒዛ ዘበሰረት ርግቢት መሲሉ ካብ ላዕሊ ወረደ፣ ኣብ ልዕሊ`ቲ ምስክር ዘድለዮ ወልድ ዉን ዓለበ።
ስለምንታይ? ቀዳምነት ናብ ኣብ ቃል እሙን ምዃኑ ምእንቲ ክረጋገጽ፣ እት ካልእ ድማ፣ ነቲ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ዝተንግረ
ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም። ኣየናይ ትንቢት፣ “ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ ኣሎ፣
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ” (መዝ 29፥3)። ኣየናይ ድምጺ፣ “ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል
ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ።” (ሉቃ 3፥22)። “ፍቱው ወደይ ንሱ እዩ”፣ እዚ ንስኻትኩም ወዲ ዮሴፍ እትብልዎ፣ እወ ንሱ ብመለኮታዊ
ባህሪኡ “ሓደ ወደይ ንዓይ” እዩ። ብስጋ ጠምዩ፣ ግን ኸኣ ኣእላፋት ዝምግብ እዩ፤ ድኻም ተሰሚዕዎ እዩ፣ ግን ኸኣ ንድኹማት
ዕረፍቲ ዝህብ እዩ፤ ንሱ ርእሱ ዘጸግዓሉ ስፍራ ኣይነበሮን (ሉቃ 9፥58)፣ ግን ኸኣ ንዂሉ ነገር ኣብ ኢዱ ዝሓዘ እዩ።
ሕማማት ዝጠዓመ፣ ግን ኸኣ ንሕሙማት ዝፈወሰ፤ ብበትሪ ዝተወቅዐ፣ ግና ንዓለም ሓርነት ዝዓደለ እዩ፤ ኣብ ጐኑ ዝተወግአ (ማቴ
26፥67)፣ ግን ኸኣ ጎኒ ኣዳም ዘዳለወ እዩ።
8. ሕጂ ግና ዝዓበያ
ኣድህቦኹም ክትህቡኒ፣ እሓትትን እጽሊን ኣሎኹ፣ ምኽንያቱ ናብቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ነገር ክምለስ እየ፣ ናብቲ ካብ ድሕነት
ዝፈስስ መንጫዕጫዕታ። እቲ ዘለዓለማዊ (ዘይመዉት) ኣብ፣ ነቲ ዘለዓለማዊ (ዘይመዉት) ወዱ ለኣኾ፣ ቃል ናብ ዓለም ኣተወ፤ ንሰብ
ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን ምእንቲ ክሓጽቦ መጽአ። ዳግማይ ብዘይመዉት (ብዘይምሽምሽ) ነፍሲን ስጋን ወለደና፣ እስትንፋሰ (መንፈስ)
ህይወት ዉን ዓደለና፣ ካብ ምምሽምሽ ዝሕልወና ሙሉእ ድርዒ ዉን ኣልበሰና። ሰብ ዘለዓለማዊ ኰይኑ፤ ስለዚ ሰብ ዘለኣለማዊ ክኸዉን እንድሕሪ ክኢሉ፣
ኣምላኽ ዘበጸጋ (ብጸጋ ኣምላኽ) ክኸዉን በቂዑ ኣሎ ማለት እዩ። ብምሕጻብ ዝርከብ ካልኣይ ልደት፣ ካብ ማይን መንፈስን
ተወሊዱ፣ ኣምላኽ ዘበጸጋ ክኸዉን እንድሕሪ ክኢሉ ድማ፣ ካብ ሞት ምስ ተንስአ ንክርስቶስ መዋርስቱ ይኸዉን (ሮሜ 8፥17)
ማለት እዩ። እምበኣር ነዚ ጻዉዒት ተቐበሉኒ፣ ናይ ጥምቀት ኣድላይነት ክነግረኩም እየ`ሞ ስምዑ፣ ኩሉዂም ዓሌታት ናብቲ
ዘለዓለማዊ ህይወት ዝዕድል ጥምቀት ቅረቡ። ኣንቱም ኣብ ናይ ድንቁርና ጸልማት ዘለኹም ሰናይ ብስራት ሒዘልኩም መጺአ ኣሎኹ።
ካብ ባርነት ናብ ሓርነት፣ ካብ ናይ ሓጢኣት ግዝኣት ናብ ሰማያዊ መንግስቲ፣ ካብ ምምሽማሽ ናብ ዘይምምሽማሽ ምጽኡ። ምናልባት
ገለኹም፣ ከመይ ትብሉ ትዀኑ? ከመይ? ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን። እዚ ማይ ንገነት ዘጥለለ፣ ንምድሪ ዘሀብተመ፣ ነታኽልቲ
ዘቡቕል፣ እንስሳታት ዉን ዝፋረይሉ እዩ፣ እዚ ማይ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት ኣለዎ። እዚ ማይ`ዚ ሰብ ዳግማይ ዝተወልደሉ፣
ህይወት ዉን ዝረኸበሉ፣ ክርስቶስ ዝተጠምቀሉ፣ መንፈስ ቅዱስ ብርግቢ ኣምሳል ዝወረደሉ እዩ።
9. እዚ መንፈስ`ዚ እዩ፣
ኣብ መጀመርታ “ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ” ዝነበረ (ዘፍ 1፥2)።
በዚ መንፈስ`ዚ ዓለም ትንቀሳቐስ ነበረት፣ በዚ መንፈስ`ዚ ኩሉ ፍጥረት ተፈጥረ፣ በዚ መንፈስ`ዚ ኲሉ ነገር ህይወት ኣለዎ።
ንነብያት ብሓይሊ ኣምላኽ (ግብ 28፥25) ከም ዝንበዩ ዝገበረ፣ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝሓደረ፣ እዚ መንፈስ`ዚ እዩ። ኣብ
ልዕሊ ሓዋርያት ከም ልሳን ሓዊ ተመቓቂሉ ዝወረደ፣ እዚ መንፈስ`ዚ እዩ (ግብ 2፥3)። ዳዊት “ዎ ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣
ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ኢሉ ዝጸለዮ፣ ብዛዕባ`ዚ መንፈስ እዩ። ቅዱስስ ገብርኤል መላኣኽ ንድንግል ብዛዕባ`ዚ
መንፈስ ከምዚ በላ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል
እዩ” (ሉቃ 1፥35)። በዚ መንፈስ ቅዱስ፣ ጴጥሮስ ነቲ ብሩኽ ዝዀነ ቃል ተዛረበ፣ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ”
(ማቴ 16፥16)። በዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ መሰረት ዝዀነ ከዉሒ ቤተክርስቲያን ተሰረተ (ማቴ 16፥18)። እዚ መንፈስ`ዚ መጸናንዒ
እዩ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እግዚአብሔር ወልድ ምዃኑ ዝምስክር እዩ (ዮሃ 15፥26)።
10. ኦ ኣታ ሰብ፣ እምበኣር ዉልድነት ኣምላክ ተቐቢልካ፣ ዳግማይ ምእንቲ ክትዉለድ፣
ቅረብ። ከመይ? ካብ ዝሙት ርሒቕካ፣ ካብ ምቕታል፣ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ኣልጊስካ፣ ፍትወት ስጋኻ እንድሕሪ ዘመሊኽካ፣ ናይ
ትዕቢት ስምዒት ንህይወት እንድሕሪ ዘይተቖጻጸረካ፣ ኲሉ ርኹስ ዘበለ ነገራት ካባኻ እንድሕሪ ኣልጊስካዮ፣ ሓጢኣትካ እንድሕሪ
ኣንጺህካ፣ ኣጽዋር ዲያብሎስ ካብ ሰብነትካ እንድሕሪ ኣራጊፍካ፣ ዋልታ እምነት እንድሕሪ ሒዝካ፣ ጽቡቕ፤ ነቢዪ ኢሳይያስ ዝበሎ ዉን ሕጂ ንስማዕ “ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡
ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል
እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን
እዩ” (ኢሳ 1፥16-19)። ፍቑራተይ፣ እዚ ነብዪ`ዚ ኣቐዲሙ፣ ብዛዕባ ጥምቀት ዘለዎ ናይ ምንጻህ ሓይሊ እዩ ዝዛረብ
ዘሎ። ናብቲ ብምሕጻብ ዝርኸብ ልደት፣ ብእምነት እንድሕሪ መጺእኹም፤ ንዲያብሎስ ክሒድኩም፣ ምስ ክርስቶስ እንድሕሪ ሓቢርኩም፤
ካብ ጸላኢ ሰናያት ርሒቕኩም፣ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ እንድሕሪ መስኪርኩም፤ ኣርዑት ባርነት ኣውሪድኩም፣ ዉልድነት እንድሕሪ
ለቢስኩም፤ ብሓቂ ንስኻትኩም፣ ናይ ጽድቂ ብርሃን እንዳብርሃኹም ካብ ማየ ጥምቀት ጻሓይ መሲልኩም ክትወጽኡ ኢኹም። እዚ ናይ ጽድቂ ብርሃን ዝተባህለ ድማ፣ ዉሉድ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ፣ ዉልድ እንድህሪ
ኮይንና ድማ፣ ንክርስቶስ መዋርስቲ ክንኸዉን ኢና። በቲ ሓደ ወድኻ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢይሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ
ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ብዝገብሮ ጸጋን ምሕረትን፣ ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃብ ህይወት መንፈስ ቅዱስን ክብርን ግርማን ዉዳሴን ኣምልኾን
ብሕብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።
[1] ብስጋዊ ልደት ዮሃንስ መጥምቅ፣
ንጐይታ ብ6ወርሒ ይቕድሞ።
[2] ኣምላኽ ክነሱ፣ ብኢድ ሰብ
ክጥመቕ ምምራጹ።
[3] ዮሃንስ «ኣነ ክትሕት ንሱ
ክልዕል» ኢሉ፣ ኣምላኽ ልዕሊ ዂሉ ክኸብር ዝመሃረ እዩ፣ ጐይታ ግና ብዛዕባ ኣምላኻዊ ክብሩ ከይተገደሰ፣ ነብሱ ኣትሒቱ።
[4] The purple robe of kings suits not one in private
station, but military splendor suits a king: am I come to a prince, and not to
a friend? ዕላማ ናይዚ ሓሳብ፣
ክርስቶስ ከም ሓደ ምድራዊ ንጉስ እምበር ምእንታና ካሕሳ ክኸዉን ኢሉ ከምዝመጽአ፣ ሰባት ይርድእዎ ስለዘይነበሩ፣ ንምብራህ
እዩ።
ምንጪ፣- http://www.newadvent.org/fathers/0523.htm
1 comments:
Egziabher Amlak Tsegu'u yebzihalka Deacon, Qale Hiewet YesmiAlna! bHaki des zebl hiewet ziEdl tmhrti abotat!!!
Post a Comment