ምዕራፍ 23. ኣብ እዋን ጸላም
ሰብ ብዘይ ረድኤት እግዚአብሔር፣ ድኹም ፍጥረት እዩ። ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ፈተናታትን ጥርጣረን ምስ ዘጋጥሞ፣ ናብ ከምዚ ዓይነት ናይ ጸላም ግዜ ክሽመም ግድን እዩ። እዚ ከምዚ ኩነት፣ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ዘይብሉ፣ ትርጉም ኣልቦን፣ ብላሽን ይመስል ይኸዉን፤ ኮይኑ ግና ብኣገባብ እንድሕሪ ቀሪብናዮ፣ ዋላ ነዚ ከምዚ ዓይነት ግዜ ኣብ ረብሓና ከነዉዕሎ ንኽእል።
ኣብነት ናይ ቅድስት ማርያም ግብጻዊት እንድሕሪ ስዒብና፣ ነዚ ናይ ጸላም ግዜ ክንስዕሮ ይኸኣል። ነቲ ኣብ እስክንድርያ ዝነበራ ናይ ሓጢኣት ህይወት ሓዲጋ፣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘሎ በረኻ ባሕታዊት ኮይና ንኣርባዓን ሸሞንተን ክትነብር እንኰላ፣ ብዙሕ ፈተናታት የጋጥማ ነበረ።
ነቲ ናይ ቀደም ሓጢኣትን ፍትወትን ዘዘኻኽር ብዙሕ ተዘክሮታት እንዳተመላለሰ ይፍትና ነበረ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈታናታት ግና፣ ኣብ ባይታ ወዲቓ፣ ናብ ኣምላኽ ትጠርዕ ነበረት። ረድኢት እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣንዳሓተተት ዉን ትበኺ ነበረት፣ ልባ ብትሕትና ክሳዕ ዝምላእ ዉን ኣይተቋርጽን። ቀዳሞት ዓመታት ኣዝየን ኣጸገምቲን ፈተንትን ነበራ፣ ብዙሕ መዓልትታት ዉን ኣብ ሑጻ ደቂሳ ተሕልፎ ነበረት። ድሕሪ ናይ 17 ዓመት ገድሊ ግና፣ ዕረፍቲ ተረኽበ፣ ሓርነት ዉን ተዋህበት።
እምበኣር ከምዚ ዓይነት ኲነት ከጋጥምካ እንከሎ ጽናዕ፣ ተዓገስ። ናብ ማሕበራዊ ህይወት ክትምለስ ወይ ክትዘናጋዕ ኣይትድለ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስካ ዉን ኣይትሕለ፣ ንገዛእ ርእስኻ ዉን ከተዘናግዕ ኣይትፈትን፣ እኳደኣ ናብ ጐይታ የእዊ፣ ብኸ። "ዎ ኣምላኽ፣ ንምድሓነይ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።"/መዝ 70/ "ተዐጽየ፣ ምውጻእውን ስኢነ ኣሎኹ።" /መዝ 88፥8/ በሎ።
ሓቀኛ ረድኤት እንትርፎ ካብ ጐይታ ካብ ካልእ ኣይርኸብን። ንግዚያዊ ፈተናታት ክትብል፣ ዕላማካ ኣይትስሓት። ትዕግስቲኻን ጽንዓትካን ትፍተን ስለዘላኻ፣ ርእስካ ግታእ። ተጻዊርካ ነዚ ፈተና እንድሕሪ ሰጊርካዮ ድማ፣ ንኣምላኽ ኣመስግን። እንድሕሪ ወዲቕካ ድማ፣ ከይተዶናገኻ ተንስእ፣ ምሕረትን ይቕሬታን ሕተት። ዝግብኣካ ከም ዝተቐበልካ ዉን ሕሰብ፤ ዉድቐትካ ባዕሉ መቕጻዕትካ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብዙሕ ስለዝተመካሕካ፣ ዓስቢ ትምክሕትኻ ዉድቐት ኣጋጠመካ። እዚ ዉን ተሞክሮ ይኮነካ`ሎ፣ ስለዚ ነዚ ዕድል ስለዝተዋህበኻ ኣመስግን።
0 comments:
Post a Comment