Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Friday, December 27, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 21

ምዕራፍ 21.  ልዕሊ ዓቕምካ ካብ ምጽዓር ተቆጠብ

ልዕሊ ዓቕምኻ ምጽዓር ዉጽኢቱ ሓደገኛ እዩ። ሓደ ልዕሊ`ቲ ስጋዊ ተጻዋርነቱ ምዉቃዕ ፒያኖ (ሙዚቃ) ዝላመድ ሰብ፣ ምትእስሳር ጭዋዳታት (ስትራፓ) ክሕዞ ንቡር`ዩ፤ ከምኡ ዉን ልዕሊ ዓቕሙ ተጨናኒቁ መጽሓፍ ክደርስ ዝፍትን ጽሓፋይ፣ ናይ ሓሳብ ምትሕልላክ ከጋጥሞ ርዱእ እዩ። ብከምዚ ኣገባብ ልዕሊ ዓቕሙ ዝጸዓረ ሙዚቀኛ ይኹን ደራሳይ፣ ድኻምን ጓሂን ጭንቀትን ስለዝብርትዖ፣ ሓሳብን ድሌትን ሃንቀውታን ከለዎ፣ ብሰንኪ ሃዲኡን ረጊኡን ዘይምልምማዱ፣ ካብቲ ኣእዳዉ ወይ ኣእምሮኡ ኪሠርሖ ዚኽእልን ዚግባእን ብዚዛይድ ስለ ዘሥረሐ፣ ኣብ ጸገምን ቃንዛ ይወድቕ እሞ ብኀዘንን ጓህን ነቲ ኪቕጽሎ ዚደሊ ልምምዱ ከይፈተወ ንነዊኅ እዋን ከቋርጾ ይግደድ።  ሽዑ ንጊዜኡ መኅለፊ ስለ ዚስእነሉ፣ ኣብ ምብኻን ግዜ ይጽመድ፣ ንብዙኅ ክፉእ ጽልዋታትን ሓሳባትን ድማ ይቃላዕ። 

ካብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት፣ ኣብነት ክንወስድ ጽቡቕ እዩ። ከም እኒ ጾም፣ ጸሎት፣ ንቕሓት፣ ምእዙዝነት፣ ርእሰ ምልከት፤ ዝኣመሰላን ክፋል ናይ መንፈሳዊ ልምምድ እየን። ኲሉ ግዜ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናየን፣ መላመዲ መንገዲ እምበር ዕላማ ኣይኰናን፣ ናብ ዕላማ ንበጽሓለን መንገዲታት እየን። ስለዚዉን ኲሉ ግዜ ክንላመደን የድሊ፤ ዓቕምና ኣብ ግምት ከየእተና ክንለማመድ ግና ኣይግባእን። ከመይ ፣ እዚ ዚተጠቕሰ ልምምዳት፣ ልምምዳት ጥራይ እዩ። እቲ ዕላማ ካልእ እዩ። እወ ንዅሉ ልምምዳት ብምሉእ ልቢን ቅንዕናን ግና ብመጠንን ከየጋነንናን፣ ዓቕምና ኣብ ግምት ኣእቲና ክንለማመድ እዩ ዚግባእ ሉቃ 14፥28-32። ጉይታ ብኣፍ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢሉ ዝመዓደና ዉን ነዚ ዘመልክት እዩ “ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ” 1 ጴጥ 4፥7።

ስኽራን ክበሃል እንከሎ፣ ኵሉ ጊዜ ኣልኮላዊ ነገር ብምስታይ ወይ ዜስክር ነገራት ብምጥቃም ጥራይ ኣይኮነን ዚመጽእ፤ ካብ ከምዚ ልክዑ ዚኃለፎ መንፈሳዊ ልምምዳት ካብ ምፍጻም ዚመጽእ  ስኽራን ዉን ኣሎ። እቲ ብሰሪ ዓብዪ ነብሰ ምትእምማንን፡ ስዒብዎ ዚመጽእ ድሌትን ዚኽሠት ስኽራን  ልክዕ ከምቲ ብአልኮል ዚመጽእ ሓደገኛ እዩ። 

ካብ ህርፋን ዘበገሶ ቅንኢ፣ ልዕሊ ዓቕምካ ምጽዓርን ምልምማድን ይኽሰት፣ እዚ ጻዕሪ ድማ ከንቱ እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ልምምድ (ጻዕሪ)፣ ተዘሪኡ ዝቦቕልን፣ ዝርኸብ እቶትን ዂሉ ጥቕሚ የብሉን፣ ፍረ ናይዚ ዓቐኑ ዝሓለፈ ልምምድ፣ ዘይተጻዋርነት፣ ንነብስኻ ከም ጻድቕ ምውሳድ፤ ዚኣመሰሉ ሓደገኛ እዩ። ኣይፋል፣ መንፈሳዊ ህይወት ከምዚ ኣይኰነን። ከምቲ ሊቀ ነብያት ሙሴ ዝበሎ “ካብኡ ናብ የማን ኮነ ናብ ጸጋም ዘይምዝባልን” /ዘዳ5፥32/ ዝዓቕምካ ጥራይ ምግባር እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ፈጺምካ ኣይትመርኮስ።

“መንፈሳዊ ግብሪታት ሰሪሕና ከነብቕዑ፣ እተን ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተባህላ፤ ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ሓጐስ፡ ይአኽለኒ ምባል፡ ትሕትና፡ ምቅሉልነት፡ ቅንዕና፡ እምነትን ትዕግሥትን እንተደኣ ዘይረኺብና፣ ኵሉ ልምምድናን ሥራሕናን ንኸንቱ እዩ” ይብል ቅዱስ መቃርስ ግብጻዊ። ዂሉ ንጽዕሮ ጻዕሪ መንፈሳዊ ምህርቲ ንምርኻብ እዩ፣ ኮይኑ ግና እቲ ምህርቲ ናይ ጐይታ`ዩ እምበር ናትና ኣይኰነን።

ስለዚ ፣ ንርእስኻ ሓሉ፣ ጥንቁቕውን ኩን። ካብ ክቱር ልምምድ ዝተላዕለ ብቐሊሉ እትሓርቕን ዘይትጽመምን ኬንካ ንነብስኻ እንተደኣ ረኸብካያ ፣ ንጾርካ (ልምምድካ) ብቅሩብ ኣፍኩሶ። ንካልኦት ክትፈርድ፡ ክትጥርጥር፡ ክትግስጽ፣ ትምኒት እንድሕሪ ሓዲሩካ፣ ንስኻ ጌና ኣብ ጐደና ስሕተት ኢኻ ዘሎኻ። እቲ ንርእሱ ዚኽሕድ ፣ ብዝኾነ ነገር ንኻልኦት ኪነቅፍ ወይ ዉን ክግስጽ ኣይኮነሉን።

ሰብ ብዝግበሮ ነገራት ወይ ዉን ብግዳማዊ ኩነታት ‘ትርበሽ’ እንድሕሪ ኮይንካ፣ እዚ ነገራት ንምንታይ ይኽሰት ከምዘሎ ገና ኣየስተዉዓልካዮን። እዚ ነገራት ኣስተዉዒልካ ምስ ዘይትምርምሮ “ዚርብሸካ” ይመስል፣ ኮይኑ ግና ብሓቂ እንድሕሪ ኣስተዉዕሊካዮ፣ ንትዕግስቲ፣ ተጻዋርነት፣ ምእዙዝነት ንኽትመሃር ዚተዋህበካ ናይ ልምምድ ዕድላት እዩ። ትሑት ሰብ ንካልእ እንተረበሸ እምበር ንሱስ ብዝኾነ ኣይርበሽን እዩ። ስለዚ ርእስኻ ኣትሕት፡ ርእስኽእ ኅባእ። 

ናብ ክፍልኻ እቶ ንመዓጹኻውን ሸጉሮ /ማቴ 6፥6/፤ ዋላ ኣብ እኩብ ሰብ ሃሉ ፣ ልቦናኻ ኣብ ጸሎት ምስ ኣምላኽካ ይኹን። ብርግጽ ሓደ ሓደ እዋን ነዚ ምግባር ኬጸግመካ ይኽእል ይኸውን፣ ስለዚ ናብቲ ጽሞና እትረኸበሉ ቦታ ኪድ፣ ኣብኡ ኮይንኻ ካብ ማዕሙቕ ነፍስኻ ናብ ፈጣሪኻ ኣእዊ፣ ብኸ፣ ጐይታ ከኣ ኪሰምዓካ እዩ።

“ንነብስኻ ኵሉ ጊዜ ፣ ልክዕ ከም ብሽግለታ (መንኰርኰር) ጌርካ ሕሰባ፤ እታ ብሽግለታ ኣፍኩሳ ንመሬት ኪትትንኪ ከላ ብቐሊሉ ናብ ቅድሚት ትኸይድ” ቅዱስ አምብሮስ ዘሚላን። ስለዚ ንምድራዊ ነገራት ብዚምልከት ካብ ዓቐን ዚኃለፈ ኣይትሕሰብ፣ ኣይትዛረብ፣  ኣይትሕለ። ግና ሓደ ነገርውን ዘክር፣ ኣብ ምድሪ ዘይረገጸት መንኰርኰር ኣይትዘውርን እያ።

0 comments:

Post a Comment