Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Monday, December 30, 2013

ዕላማ ናይዚ ብሎግ!


 
"ንሕና ንሓቂ እምበር፣ ንሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ክንገብር ኣይከኣለናን" 2ይ ቆሮ 13፥8

ሠላመ አግዚአብሔር ምስ ኩሉኹም ኣንበብቲ ናይዛ ብሎግ ይኹን፣ ርሑስ በዓል ቅንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ንኹልና!

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ገለገለ ኣንበብቲ፣ እዛ ብሎግ ከም ናይ ተሓድሶ ጌሮም ብምሕሳብ፣ ሓደ ሓደ ርእይቶታት ክህቡኒ ቀንዮም። ገለ ኣብ ኮመንት፣ ገለ ዉን ብኢሜይል። ሰጋእ መጋእ ከይበሉ ዘለዎም ስክፍታ ስleዝገለጹለይ ብልቢ ትሓጒሰ፣ ኮይኑ ግና ዕላማ ናይዛ ብሎግ ብዘይ ምርድኦም ግን በቲ ሓደ ወገን፣ ተሰኪፈ። ስክፍታታት ንምቅላልዉን ዕላማ ናይዚ ብሎግ ምዝክኻር ግድን ኮይኑ!

ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ፖስት ዝተግበራ ጽሑፋት ዝተገልጸ፣ ዕላማ ናይዚ ብሎግ ካብ ጽሑፋት ቅዱሳን ሊቃዉንቲ፣ ከምኡ ዉን በቲ ናታቶም ትምህርቲ ምርኩስ ኮይኑ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት፣ ብቋንቋ ትግሪኛ ንምቕራብ ጥራይ እዩ። እዞም ቅዱሳን ሊቃዉንቲ እንብሎም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ዘለዉ፣ ብቅድስና ህይወቶምን፣ ብቅንዕና ትምህርቶምን ዝተመስከረሎም መማህራን ቤተክርስቲያን እዮም። ብዓቢኡ ጐይታ ዝሰረቶ፣ ሓዋርያትዉን ዝነደቕዎ፣ ሰዓብቲ ሓዋርያት በዓል ፖሊካርፐስ፣ ኢግናጥዮስ፣ ሄራንዮስ፣ ቀለሜንጦስ፣ ኢራንዮስ፣ ኣትናቴዎስ፣ ኣፈወርቅ፣ ቄርሎስ፣ ባሲልዮስ፣ ጎርጎርዮስ. . . ወዘተ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ንኲሉ ክርስቲያን ብዝርድኦ ቋንቋን ንምቕራብ ጥራይ እዩ።

ብዘይካዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ካልእ ዋላ ሓንቲ ዕላማ የብለይን። ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት ምቕራብ ዉን ንዘለኣለም ክሰዓብ ዝግብኦ ዕላማ ምዃኑ ይኣምን። ገለ ሰባት ግና፣ ስክፍትኦም ካበይ ከም ዝተበገሰ ኣይፈለጥኹን፣ "እዚ ብሎግ ናይ ተሓድሶ እዩ፣ ናይ ተሓድሶ ዕላማኻ ግደፎ. . " ካልእን ዝብል ርእይቶ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ርእይቶ ሓቂ ይሓይሽ ደንጽዩኒ! ምክንያቱ መበገሲ ናይ ከምዚ ርእይቶ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣብታ 'About me' ትብል "...ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ሲኖዶስ መንፈሳዊ ሓይሉ ተሓዲሱ ኣብ ደገን ኣብ ዉሽጢን ንዘለና ምእመናን ብቅኑዕ መንገዲ ክጓስዩና፣ ትምኒት" ኣለኒ ስለዝበልኩ፣ መበገሲ ኮይኑኩም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ደጊምኩም ኣንብብዎ "ሓይሊ ምሕዳስ" እምበር፣ ሃይማኖት ምሕዳስ ኣይብልኩን። ነብዪ ኢሳይያስ "እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።"{40፥31} በለ። ብንስሓ፣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፣ ብቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ዉን ምሕዳስ ከምዘድሊ፣ ማንም  ከምዚ ከማይ ተራ ክርስቲያን ዝፈልጦ እዩ። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክትሕደስ፣ ወይ ዉን ናይ ተሓድሶ ኣካይዳ፣ ወይ ዉን ንዑ ዝመስል ዕላማ የብለይን።

ቅዱሳን ኣቦታትና ትምህርቶምን ህይወቶምን፣ ኣማናዊ ምዃኑ ይኣምን። ናቶም ጽሑፋት ዉን ኣዝዩ ኣገዳሲን፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዉን ኣድላዪ እዩ። ብፍላይ ኣብ ዘመንና፣ ካብ ትምህርቲ ቅዱሳን ወጻኢ ብናታቶም ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝቱርጉሙ በዚሖም ኣለዉ። እዚ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጽሑፋት ፖስት ብምግባረይ፣ ተሓድሶ ጌርኩም ትሓስብዎ ተሃሊኹም፣ ንርእስኹም ኢኹም ኣብ ጌጋ ዘለኹም።

ስለዚ ክቡራት ኣንበብቲ፣ ኣብዚ ብሎግ ስክፍታ ከበጋግስ ዝኽእል ጽሑፍ ተንቢብኩም፣ ስለቲ ሓቂ ክትብሉ፣ ክትንገሩኒ ይምሕጸን። ርእይቶኹምዉን ኣብ ክንዲ ብ Anonymous ትጽሕፍዎ፣ በቲ ናትኩም ኣካዉንት እንተትገብርዎ ድማ ዘበለጸ ምዀነ። ልዕሊ ኲሉ ግና ኣብ ጸሎት ምዝካር ከይትሓምቁ ይላበው።

ኣብዛ ጽሑፍ ርእይቶኩም ክትህቡ ብትሕትና ይዕድም!!!

Sunday, December 29, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 23

ምዕራፍ 23.  ኣብ እዋን ጸላም


ከምቲ ኲነታት ኣየር ካብ ሰግለለት ናብ ጸሓያዊ ኩነት፣ ተመሊሱ ድማ ናብ ዝናባዊ ኩነታት ኣየር ዝቕየር፤ ባህሪይ ወዲ ሰብ ዉን ከምኡ እዩ። ደበናታት ክዉሕዙ ምስ ጀምሩ፣ ጸሓይ ክትሽፈን ምዃና ርዱእ እዩ። ቅዱሳን ዉን ከይተረፉ ናይ ጸላም ግዜ፡ መዓልታትን ሶሙናትን ኣለዎም። ኣብ ከምዚ ኲነት ክኣትዉ እንከለዉ፣ "ኣምላኸይ ራሕሪሑኒ" ይብሉ። እዚ ዉን፣ ብዘይ ረድኤት ኣምላኽ፣ ዋላ ሓንቲ ክእለት ከም ዘይብሎም ምእንቲ ክዝክሩ እዩ። 

ሰብ ብዘይ ረድኤት እግዚአብሔር፣ ድኹም ፍጥረት እዩ። ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ፈተናታትን ጥርጣረን ምስ ዘጋጥሞ፣ ናብ ከምዚ ዓይነት ናይ ጸላም ግዜ ክሽመም ግድን እዩ። እዚ ከምዚ ኩነት፣ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ዘይብሉ፣ ትርጉም ኣልቦን፣ ብላሽን ይመስል ይኸዉን፤ ኮይኑ ግና ብኣገባብ እንድሕሪ ቀሪብናዮ፣ ዋላ ነዚ ከምዚ ዓይነት ግዜ ኣብ ረብሓና ከነዉዕሎ ንኽእል።

ኣብነት ናይ ቅድስት ማርያም ግብጻዊት እንድሕሪ ስዒብና፣ ነዚ ናይ ጸላም ግዜ ክንስዕሮ ይኸኣል። ነቲ ኣብ እስክንድርያ ዝነበራ ናይ ሓጢኣት ህይወት ሓዲጋ፣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘሎ በረኻ ባሕታዊት ኮይና ንኣርባዓን ሸሞንተን ክትነብር እንኰላ፣ ብዙሕ ፈተናታት የጋጥማ ነበረ። 

ነቲ ናይ ቀደም ሓጢኣትን ፍትወትን ዘዘኻኽር ብዙሕ ተዘክሮታት እንዳተመላለሰ ይፍትና ነበረ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈታናታት ግና፣ ኣብ ባይታ ወዲቓ፣ ናብ ኣምላኽ ትጠርዕ ነበረት። ረድኢት እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣንዳሓተተት ዉን ትበኺ ነበረት፣ ልባ ብትሕትና ክሳዕ ዝምላእ ዉን ኣይተቋርጽን። ቀዳሞት ዓመታት ኣዝየን ኣጸገምቲን ፈተንትን ነበራ፣ ብዙሕ መዓልትታት ዉን ኣብ ሑጻ ደቂሳ ተሕልፎ ነበረት። ድሕሪ ናይ 17 ዓመት ገድሊ ግና፣ ዕረፍቲ ተረኽበ፣ ሓርነት ዉን ተዋህበት።

እምበኣር ከምዚ ዓይነት ኲነት ከጋጥምካ እንከሎ ጽናዕ፣ ተዓገስ። ናብ ማሕበራዊ ህይወት ክትምለስ ወይ ክትዘናጋዕ ኣይትድለ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስካ ዉን ኣይትሕለ፣ ንገዛእ ርእስኻ ዉን ከተዘናግዕ ኣይትፈትን፣ እኳደኣ ናብ ጐይታ የእዊ፣ ብኸ። "ዎ ኣምላኽ፣ ንምድሓነይ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።"/መዝ 70/ "ተዐጽየ፣ ምውጻእውን ስኢነ ኣሎኹ።" /መዝ 88፥8/ በሎ።

ሓቀኛ ረድኤት እንትርፎ ካብ ጐይታ ካብ ካልእ ኣይርኸብን። ንግዚያዊ ፈተናታት ክትብል፣ ዕላማካ ኣይትስሓት። ትዕግስቲኻን ጽንዓትካን ትፍተን ስለዘላኻ፣ ርእስካ ግታእ። ተጻዊርካ ነዚ ፈተና እንድሕሪ ሰጊርካዮ ድማ፣ ንኣምላኽ ኣመስግን። እንድሕሪ ወዲቕካ ድማ፣ ከይተዶናገኻ ተንስእ፣ ምሕረትን ይቕሬታን ሕተት። ዝግብኣካ ከም ዝተቐበልካ ዉን ሕሰብ፤ ዉድቐትካ ባዕሉ መቕጻዕትካ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብዙሕ ስለዝተመካሕካ፣ ዓስቢ ትምክሕትኻ ዉድቐት ኣጋጠመካ። እዚ ዉን ተሞክሮ ይኮነካ`ሎ፣ ስለዚ ነዚ ዕድል ስለዝተዋህበኻ ኣመስግን።

መንገዲ ባሕታዉያን 22

ምዕራፍ 22. ስጋዊ ነገራት ተጠቐም


ሰባት ብዉህደት ስጋን ነፍሲን ዝቘምና ኢና፣ ክልቲኤን ክፈላለያ ኣይኽእላን። "እንበለ ስጋ እትቀዉም ነፍስ" ስለዝዀነ ነፍሲ ብዘይ ስጋ ንበይና ኣይትቀዉምን። ብህይወት ክንቕጽል ዕማምና ክንዓምም እንተድኣ ኰንና ክልቲኤን ብሓባር ክህልዋን፡ ክዓያን ኣለወን። ስለዚ ስጋዊ ነገራት ኣብ መንፈሳዊ ልምምድና ክንጥቀም ጽቡቕ እዩ። ክርስቶስ ንድኻምና ይፈልጦ`ዩ፣ ስለዙ ዉን`ዩ ምእንታና ክብል፤ ቃላትን ምልክታትን፡ ምራቕን ሓመድን፡ ካልእ ስጋዊ ነገርን ከም መሳርሒ ዝተጠቕመ። ምእንታና ኪብል ካብ ጫፍ ክዳኑ ሓይሊ ንክወጽእ ፈቐደ /ማቴ 9፥20፡ 14፥36/፣ ካብ መኣረምያ ጳዉሎስ /ግብ 19፥12/፣ እወ ካብ ጻላሎት ሓዋርያ ጴጥሮስ ከይተረፈ /ግብ 5፥15/፣ ሓይሉ ከም ዝዉሕዝ ገበረ። ጐይታ ምእንታና ኪብል ብቁሳዊ ነገራት ሓይሊ ኣርኣየ፣ ኣብ ምድሓንናዉን ተጠቕመሉ።

ስለዚ ነቲ ኣብ ጉዕዞ`ዛ ጸባብ ጎደና ዝረኽበካ መከራ መዘኸርታ ምእንቲ ክኸዉን፣ ንዂሉ ምድራዊን ቁሳዊን ነገራት ተጠቐመሉ። ምጽዕዳው በረድ፣ ሰማያዊ ሕብሪ ሰማያት፣ ኣንጸባራቒ ዓይኒ ኣዕዋፍ፣ ሓይሊ ባርዕ፣ ወዘተ ምስ ህዋሳትኻ ዝራከቡ ዘበሉ ነገራት፣ እትርእዮን እትድህስሶን፣ ንፈጣሪ መዘካኸሪ ግበሮ። ልዕሊ ዂሉ ግና ነቲ ቤተክርስቲያን ብጽድቒ ኣቢላ ናብ ቅድስና ክትምርሓካ ኢላ፤ እትቕርቦ ነገራት ተጠቐመሉ /ሮሜ 6፥19/። ናይዚ ቀንዲ ኣብነት ድማ፣ ናይ ጐይታ ስግኡን ደሙን (ቁርባን)፣ ካልኦት ሚስጢራት ዉን፣ ከም ሜሮን ቀንዴል. . .፣ ከምኡ ዉን መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉ። ቤተክርስቲያን ዉን እትቐርበልካ ካልእ ነገር ዉን ኣሎ፣ ስእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቑር ወዳ፡ ቅድሳን መላእኽቲ፡ ቅዱሳን፡ ጧፍ፡ ዕጣን፡ ጸበል፡ ማይ ድጋም፡ መዝሙራት፡ ዜማታት። ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናየን ነገራት፣ ኩሉ ተጠቐመሉ፤ ንዕብየትካ፡ ምዕባለኻን፣ ምምሕያሽን ክዀነካ ኣብ ረብሓካ ኣዉዕሎ።

ነቲ ንናይ ፍቕሪ ጐይታ፣ ዘለኻ ክብሪ ብፍቅሪኻ ግለጸሉ፤ ንመስቀልን ቅዱሳን ኣሳእልን ሰዓሞ፣ ብዕምባባታት ሰልሞ። ንኽፍኣት ብስቕታ ስዒርካ፣ ነቲ ሰናይኻ ከምዝዉሕዝ ግበሮ። ብፍቕሪ ዝገብርካዮ ዘበለ ዓስቢ ኣለዎ፣ ፍቕርካ ዝያዳ ምስ ትገልጸሉ ድማ፣ ዝያዳ በረኸት ይበዝሓልካ፣ ናይ መንፈሳዊ ግብሪ ዕላማ ድማ እዚ`ዩ። ዓቢ ዉሕጅ፣ ዓቢ ሩባ ይፈጥር`ዩ እሞ፣ ብዙሕ ፍቕሪ ዉን ብዙሕ ባርኻት የዉህብ።
 
እምበኣር  ንስጋዊ ኣካልካ ኣብ መንፈሳዊ ቅልስኻ መታዓይይቲ ግበሮ። ስጋኻ ቅጽዓያ፣ ካብ ፍትወት ዓለም ዉን ሓራ ግበራ። ኣብ መከራኻ ከም ትሓብር ግበራ። ትሕትና ዲኻ ክትመሃር ትደሊይ፣ ስለዚ ንስጋኻ ዉን ከም ትሰግድ ግበራ። ንበይንኻ መዓልታዊ ስገድ፣ ግንባርካ ኣብ ባይታ ኣተንክፎ፣ መሊስካ ዉን ክርስቶስ ከም ዝመሓረካ መዘካኸሪ ክዀነካ፣ ቅንዕ ኢልካ ተንስእ።

ብተደጋጋሚ ትእምርተ መስቀል ጌርካ ገጽኻ ኣማዕትብ፣ እዚ ቃላት ዘይብሉ ሓያል ጸሎት እዩ። ትእምርተ መስቀል ማለት ብሓጺሩ ቃላት ከየናዋሕካ፣ ኣብ ህይወት ክርስቶስን ስቕለቱን ምሕባር እዩ። እዚ ሕብረት ምጉርምራም ዝረሓቆ፣ ብፍቓደኝነት ዝግበር ኣምልኾ እዩ፣ በዚዉን በረኸት ካብ ስሉስ ቅዱስ ትቕበል። ትእምርተ መስቀል ንጸላኢ ሰናያት ዘሳጉግ መሳርሒ እዩ፣ ስለዚ ነዚ መሳርሒ ብቐጻሊን ብርድኢት ተጠቐመሉ።

ኣዕኑድ ናይ ሓደ ገዛ እንድሕሪ ዘይቆይሙ፣ ተሃኒጹ ኢልና ክንድምድም ኣይከኣልን። እቲ ሓያል ሰብ ጥራይ እዩ፣ ግዳማዊ ሓገዝ ዘየድልዮ። ንስኻ ግና፣ ሓያል ዲኻ? ልዕሊ'ቶም ድኹሟት ድኹም`ዶ ኣይኰንካን? ገና ህጻን`ዶ ኣይኰንካን

Friday, December 27, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 21

ምዕራፍ 21.  ልዕሊ ዓቕምካ ካብ ምጽዓር ተቆጠብ

ልዕሊ ዓቕምኻ ምጽዓር ዉጽኢቱ ሓደገኛ እዩ። ሓደ ልዕሊ`ቲ ስጋዊ ተጻዋርነቱ ምዉቃዕ ፒያኖ (ሙዚቃ) ዝላመድ ሰብ፣ ምትእስሳር ጭዋዳታት (ስትራፓ) ክሕዞ ንቡር`ዩ፤ ከምኡ ዉን ልዕሊ ዓቕሙ ተጨናኒቁ መጽሓፍ ክደርስ ዝፍትን ጽሓፋይ፣ ናይ ሓሳብ ምትሕልላክ ከጋጥሞ ርዱእ እዩ። ብከምዚ ኣገባብ ልዕሊ ዓቕሙ ዝጸዓረ ሙዚቀኛ ይኹን ደራሳይ፣ ድኻምን ጓሂን ጭንቀትን ስለዝብርትዖ፣ ሓሳብን ድሌትን ሃንቀውታን ከለዎ፣ ብሰንኪ ሃዲኡን ረጊኡን ዘይምልምማዱ፣ ካብቲ ኣእዳዉ ወይ ኣእምሮኡ ኪሠርሖ ዚኽእልን ዚግባእን ብዚዛይድ ስለ ዘሥረሐ፣ ኣብ ጸገምን ቃንዛ ይወድቕ እሞ ብኀዘንን ጓህን ነቲ ኪቕጽሎ ዚደሊ ልምምዱ ከይፈተወ ንነዊኅ እዋን ከቋርጾ ይግደድ።  ሽዑ ንጊዜኡ መኅለፊ ስለ ዚስእነሉ፣ ኣብ ምብኻን ግዜ ይጽመድ፣ ንብዙኅ ክፉእ ጽልዋታትን ሓሳባትን ድማ ይቃላዕ። 

ካብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት፣ ኣብነት ክንወስድ ጽቡቕ እዩ። ከም እኒ ጾም፣ ጸሎት፣ ንቕሓት፣ ምእዙዝነት፣ ርእሰ ምልከት፤ ዝኣመሰላን ክፋል ናይ መንፈሳዊ ልምምድ እየን። ኲሉ ግዜ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናየን፣ መላመዲ መንገዲ እምበር ዕላማ ኣይኰናን፣ ናብ ዕላማ ንበጽሓለን መንገዲታት እየን። ስለዚዉን ኲሉ ግዜ ክንላመደን የድሊ፤ ዓቕምና ኣብ ግምት ከየእተና ክንለማመድ ግና ኣይግባእን። ከመይ ፣ እዚ ዚተጠቕሰ ልምምዳት፣ ልምምዳት ጥራይ እዩ። እቲ ዕላማ ካልእ እዩ። እወ ንዅሉ ልምምዳት ብምሉእ ልቢን ቅንዕናን ግና ብመጠንን ከየጋነንናን፣ ዓቕምና ኣብ ግምት ኣእቲና ክንለማመድ እዩ ዚግባእ ሉቃ 14፥28-32። ጉይታ ብኣፍ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢሉ ዝመዓደና ዉን ነዚ ዘመልክት እዩ “ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ” 1 ጴጥ 4፥7።

ስኽራን ክበሃል እንከሎ፣ ኵሉ ጊዜ ኣልኮላዊ ነገር ብምስታይ ወይ ዜስክር ነገራት ብምጥቃም ጥራይ ኣይኮነን ዚመጽእ፤ ካብ ከምዚ ልክዑ ዚኃለፎ መንፈሳዊ ልምምዳት ካብ ምፍጻም ዚመጽእ  ስኽራን ዉን ኣሎ። እቲ ብሰሪ ዓብዪ ነብሰ ምትእምማንን፡ ስዒብዎ ዚመጽእ ድሌትን ዚኽሠት ስኽራን  ልክዕ ከምቲ ብአልኮል ዚመጽእ ሓደገኛ እዩ። 

ካብ ህርፋን ዘበገሶ ቅንኢ፣ ልዕሊ ዓቕምካ ምጽዓርን ምልምማድን ይኽሰት፣ እዚ ጻዕሪ ድማ ከንቱ እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ልምምድ (ጻዕሪ)፣ ተዘሪኡ ዝቦቕልን፣ ዝርኸብ እቶትን ዂሉ ጥቕሚ የብሉን፣ ፍረ ናይዚ ዓቐኑ ዝሓለፈ ልምምድ፣ ዘይተጻዋርነት፣ ንነብስኻ ከም ጻድቕ ምውሳድ፤ ዚኣመሰሉ ሓደገኛ እዩ። ኣይፋል፣ መንፈሳዊ ህይወት ከምዚ ኣይኰነን። ከምቲ ሊቀ ነብያት ሙሴ ዝበሎ “ካብኡ ናብ የማን ኮነ ናብ ጸጋም ዘይምዝባልን” /ዘዳ5፥32/ ዝዓቕምካ ጥራይ ምግባር እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ፈጺምካ ኣይትመርኮስ።

“መንፈሳዊ ግብሪታት ሰሪሕና ከነብቕዑ፣ እተን ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተባህላ፤ ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ሓጐስ፡ ይአኽለኒ ምባል፡ ትሕትና፡ ምቅሉልነት፡ ቅንዕና፡ እምነትን ትዕግሥትን እንተደኣ ዘይረኺብና፣ ኵሉ ልምምድናን ሥራሕናን ንኸንቱ እዩ” ይብል ቅዱስ መቃርስ ግብጻዊ። ዂሉ ንጽዕሮ ጻዕሪ መንፈሳዊ ምህርቲ ንምርኻብ እዩ፣ ኮይኑ ግና እቲ ምህርቲ ናይ ጐይታ`ዩ እምበር ናትና ኣይኰነን።

ስለዚ ፣ ንርእስኻ ሓሉ፣ ጥንቁቕውን ኩን። ካብ ክቱር ልምምድ ዝተላዕለ ብቐሊሉ እትሓርቕን ዘይትጽመምን ኬንካ ንነብስኻ እንተደኣ ረኸብካያ ፣ ንጾርካ (ልምምድካ) ብቅሩብ ኣፍኩሶ። ንካልኦት ክትፈርድ፡ ክትጥርጥር፡ ክትግስጽ፣ ትምኒት እንድሕሪ ሓዲሩካ፣ ንስኻ ጌና ኣብ ጐደና ስሕተት ኢኻ ዘሎኻ። እቲ ንርእሱ ዚኽሕድ ፣ ብዝኾነ ነገር ንኻልኦት ኪነቅፍ ወይ ዉን ክግስጽ ኣይኮነሉን።

ሰብ ብዝግበሮ ነገራት ወይ ዉን ብግዳማዊ ኩነታት ‘ትርበሽ’ እንድሕሪ ኮይንካ፣ እዚ ነገራት ንምንታይ ይኽሰት ከምዘሎ ገና ኣየስተዉዓልካዮን። እዚ ነገራት ኣስተዉዒልካ ምስ ዘይትምርምሮ “ዚርብሸካ” ይመስል፣ ኮይኑ ግና ብሓቂ እንድሕሪ ኣስተዉዕሊካዮ፣ ንትዕግስቲ፣ ተጻዋርነት፣ ምእዙዝነት ንኽትመሃር ዚተዋህበካ ናይ ልምምድ ዕድላት እዩ። ትሑት ሰብ ንካልእ እንተረበሸ እምበር ንሱስ ብዝኾነ ኣይርበሽን እዩ። ስለዚ ርእስኻ ኣትሕት፡ ርእስኽእ ኅባእ። 

ናብ ክፍልኻ እቶ ንመዓጹኻውን ሸጉሮ /ማቴ 6፥6/፤ ዋላ ኣብ እኩብ ሰብ ሃሉ ፣ ልቦናኻ ኣብ ጸሎት ምስ ኣምላኽካ ይኹን። ብርግጽ ሓደ ሓደ እዋን ነዚ ምግባር ኬጸግመካ ይኽእል ይኸውን፣ ስለዚ ናብቲ ጽሞና እትረኸበሉ ቦታ ኪድ፣ ኣብኡ ኮይንኻ ካብ ማዕሙቕ ነፍስኻ ናብ ፈጣሪኻ ኣእዊ፣ ብኸ፣ ጐይታ ከኣ ኪሰምዓካ እዩ።

“ንነብስኻ ኵሉ ጊዜ ፣ ልክዕ ከም ብሽግለታ (መንኰርኰር) ጌርካ ሕሰባ፤ እታ ብሽግለታ ኣፍኩሳ ንመሬት ኪትትንኪ ከላ ብቐሊሉ ናብ ቅድሚት ትኸይድ” ቅዱስ አምብሮስ ዘሚላን። ስለዚ ንምድራዊ ነገራት ብዚምልከት ካብ ዓቐን ዚኃለፈ ኣይትሕሰብ፣ ኣይትዛረብ፣  ኣይትሕለ። ግና ሓደ ነገርውን ዘክር፣ ኣብ ምድሪ ዘይረገጸት መንኰርኰር ኣይትዘውርን እያ።

Wednesday, December 25, 2013

ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሓቀኛ ባባ ናታለ

ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሓቀኛ ባባ ናታለ

ሊቃዉንቲ ኣቦታት "ፈቃር"፡ "ትሑት"፡ "ኣቦ ድኻታት"፡ "ኣቦ"፡ "ሕያዋይ". . ብምባል ይጠቕስዎ። ንብዙሕ ሰናይ ተግባራት ዘማልአ ኣቦ፣ ሳሕቲ`ዩ ዝርኸብ፣ ሓደ ካብዞም ዉን ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሊቀጳጳስ ዘሚራ እዩ። ህጻናትን፣ ታሪክ ቅዱሳን ዘይፈልጡ ምእመናን ግና ብ "ባባ ናታለ" ወይ ዉን ብ "ኣቦ ናይ ክርስማስ" /Father of Christmas/ ብምባል ይዝክርዎ። ልዕሊ ዂሉ ግና ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝዝኸረሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎ። እዚ`ቦ`ዚ ንክርስቶስ ካብ ዝነበሮ ቅንኢ ተበጊሱ፣ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ምስ ረኸቦ፣ ብቦክሲ ጌሩ ኣላዲዱ ከም ዝሓደጎ ይንገር። 

ዘመን ህጻንነቱ

ኒቆሌዎስ ካብ ክልተ ሰናይ ኣካይዳ ዝነበሮም ጽኑዓት ክርስቲያናት ወለዲ፣ ኣብ መወዳእታ 3ይ ክ/ዘ ዝተወልደ ኮይኑ፣ ኣብኡ ኤጲፋንዮስ፣ ኣዲኡ ዉን ታና ይበሃሉ። እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር፣ ኣብ ጐይታ ሙሉእ እምነት ዝነበሮም፣ ንድኻታት ዘፍቅሩ፣ ኣዝዮም ሃባታማት ነበሩ፣ ኮይኑ ግና ዉላድ ኣይነበሮምን። ስሞም ዘጸዉዕ፣ ሃብቶም ዝወርስ ዉላድ ብዘይምርካቦም ዉን ቀጻሊ፣ ንኣምላኽ ይልምኑ ነበሩ። ሰማዒ ጸሎት፣ ርህሩህን ፈቃርን ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ጸሎቶም ሰሚዑ፣ ኣብ ግዜ እርግንኦም ነዚ ቅዱስ ዉላድ ሃቦም። መጽሓፍ ቅዱስን ትዉፊትን ከምዝነግረና ብብዝሒ ጸሎት ዝዉለዱ ህጻናት ቅዱሳትና ብሩኻትን እዮም። ሳሙኤል፣ ድንግል ማርያም፣ ኣቡነ ተክለሃያኖት.. ብዝሓት ካልኦትን ብብዝሒ ጸሎት ወለዶም ዝተወልዱ፣ ፍረ ነዊሕ ጸሎት እዮም። 

ዝተወልደላ ከተማ ፓታራ ትበሃል። ናይዛ ዓዲ ጳጳስ ዝነበረ ኒቆሌዎስ ይበሃል፣ ሓወቡኡ ንኒቆሌዎስ ዉን እዩ። ስሙ ዉን ካብዚ`ዩ ተወሲዱ። ኒቆሌዎስ ካብ ርኹባት ወለዲ ስለዝተወልደ፣ ብጽቡቕ ኣተዓብባብያ፣ ዝጎደለ ዘይብሉ፣ ብኣካዲያሚካዊ ትምህርቲ ዉን ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝቐሰመ ነበረ። ካብ ሓወቡኡ ድማ ኩሉ ክርስቲያንዊ ስነምግባርን፣ ቅዱሳት መጽሃፍትን ተማህረ። ዘጽንዖ ዘይረስዕ፣ ዝተማህሮ ዘስተዉዕል፣ ኣዝዩ በሊሕ ነበረ፣ ዝያዳ`ቶም መማህራን ዉን ካብ መንፈስ ቅዱስ ብቐጥታ ዝመሃሮ ይበዝሕ ነበረ። ሓወቡኡ ንኒቆሌዎስ፣ ንኹሉ ኣካይድኡ የስተዉዕለሉ፣ በቲ ክርስቲያናዊ ኣካይድኡ ዉን ኣዝዩ ይሕጐስ ስለዝነበረ፣ ዲቁና ማዕረግ ከም ዝቕበል ገበረ። ኣብ ከምዚ እዋን ዉን ወለዱ ብሞት ዓረፉ።

ኒቆሌዎስ ድሕሪ ሞት ወለዱ፣ ዓለም መኒኑ ናብቲ ሓወቡኡ ዝመርሓ ዝነበረት ገዳም ኣትዩ ቆቢዕ ሙንክስና ደፍአ፣ ወዲ 19 ዓመት ምስ ዀነ ዉን ስልጣነ ክህነት ተቐበለ። ኣብ ገዳም ብዝነበሮ ናይ ብሕትዉና ትግሃት፣ ናይ ጸሎት ህይወት፣ ናይ ስነ ምግባር ብስለትን፣ ናይ መንፈሳዊ ህይወት ገድሉን፣ ኣብቲ ገዳም ኣዝዩ ፍቱው ሰብ ንኽከዉን ኣኽኣሎ። 

ኒቆሌዎስ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ንቅድስት ሃገር እስራኤል ክበጽሕ ትምኒት ነበሮ፣ ስለዚ ዉን ናብ ሃገረ ኢየሩሳሌም ጉዕዞ ተበገሰ። ኣብ መንገዲ እንከለዉ ድማ፣ ብርቱዕ ማዕበል ተላዕለ፣ ነታ ዝነበርዋ መርከብ ዉን ክሰብራ ፈተነ። ሽዑ እቲ ትሑት ጓሳ ኔቆሌዎስ፣ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ብምቕራብ፣ ብሓይሊ ጐይታ ንማዕበል ከምዝሃድእ ገበረ።

ጳጳስ ዘሚራ

ኣብ ቅድስት ሃገር ብብሕትዉና ክነብር ምስ ጀመረ ድማ፣ ጐይታ ብራእይ ተገሊጹ፣ ብጉስነት ከገልግሎ ከምዝሓረዮ ስለዝገለጸሉ፣ ናብታ ዝተወለደላ ሃገር ንኢሽተይ ኤስያ ክምለስ ብራእይ ነገሮ። ኣብዚ ግዜ`ዚ ቅዱስ ኒቆሌዎስ፣ ብጸሎት፣ ጾም፣ ትዕግስቲ፣ ብሕትዉና፣ ስብከተ ወንጌል፣ ተኣምራት ምግባር ዝኣመሰሉ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ እኹል ሰብኣይ ኮይኑ ነበረ። 

ናብ ንኢሽተይ ኢስያ ተመሊሱ ብብሕትዉና ብጾም ብጸሎትን ንእግዚአብሔር የገልግል እንከሎ ኸኣ፣ ብሕልሙ መንበር ይርኢ እሞ፣ ወሲዶም ኣብኡ ኮፍ ኣቢሎም፣ ናይ ጳጳሳት ክዳን ይኸድንዎ፣ ሽዑ ሓደ ከምዚ ዝብል ድምጺ ዉን ሰምዐ "ነዚ ተኸደን እሞ ኣብዚ መንበር ኮፍ በል"። ነዚ ኣብ ዝሓለመሉ ግዜ ድማ፣ ናይ ሚራ ጳጳስ ቅዱስ ዮሃንስ ዓረፈ። መተካእትኡ ዝኸዉን ኣብ ምሕራይ ዉን ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ሊቀ ጳጳስ ብጸሎት ሓቢሮም ተኣኸቡ። 

ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ፣ ነቲ ሊቀ ጳጳስ መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ፣ ጐይታ ነዚ መንበር ዝኸዉን ሰብ ከምዚ ሓረየ፣ ስሙን ተግባሩን ብምንጋር፣ ኣንጊሁ ኣብ ቤተክርስቲያን እንድሕሪ ከይዱ፣ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ዝረኽቦ፣ ንሱ ምዃኑ ነገሮ። እቲ ሊቀ ጳጳስ ድማ ኣንጊሁ ቅድሚ ሰብ ተንሲኡ ናብ ቤተክርስቲያን ኸደ፣ ኣብኡ ድማ ቅድሚ ኲሉ ሰብ ኒቆሌዎስ ኣብታ ቦታ ኮይኑ ክጽሊ ረኸቦ፣ ቀሪቡ ድማ መንነቱ ሓተቶ፣ ካብ ትሕትና ዝኣኽል ስሙ ክነግር እኳ እንተዘይደለየ፣ ንሊቀ ጳጳስ ዝኣኽል መልሲ ዘይምሃብ ግና ካልእ በደል ኮይኑ ስለዝተሰምዖ ቀሰይ ኢሉ ስሙ ነገረ። በዚ ድማ `ቲ ሊቀ ጳጳስ ናይቲ ዝረኣየ ሕልሚ ሓቀኝነት ኣረጋገጸ። ንኹሎም መራሕቲ ሃይማኖት ድማ፣ ኣምላኽ ባዕሉ ዝመረጾ ሰብ ኣብ ማእኸልና ተረኺቡ ኣሎ`ሞ፣ ደጊም ኒቆሌዎስ ናይ ሚራ ጳጳስ ክኸዉን ከምዝተመርጸ ንህዝቢ ኣበሰሮም። ቅዱስ ኒቆሌዎስ ድማ ናይ ሚራ ጳጳስ ክኸዉን ተቀብአ፣ በዚ መንበረ ጵጵስንኡ`ዩ እምበኣር "ቅ.ኒቆሌዎስ ዘሚራ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ቅ.ኒቆሌዎስ ህዝቢ ብምስትምሃር፣ ንሓጢኣተኛታት ብምንዛዝ፣ ንድኹማት ብምርዳእ፣ ንድኻታት ብምዕንጋል፣ ንወንጌል ብምስባኽ፣ ንመንፋቃን መልሲ ብምሃብ፣ ልዕሊ ዂሉ ግና ንሰባት ብምጽንናዕ፣ ዝፍለጥ ኣቦ ዀነ። በዚ ዉን "ኣቦ" ብምባል፣ ልክዕ ከም ወላዲ ኣቡኦም ዝጽዉዕዎ፣ ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ ግዜ ግና፣ ናይ ዲዮቅልጢያኖስ ዘመነ ንግስነት ኰነ። እዚ ንጉስ ዉን ኣዝዩ ርጉም፣ ንክርስቲያናት ዝጽልእ፣ ንምእመናን ዝቐትል ንጉስ ነበረ። ኣብ ሙሉእ ግዝኣት ሮም ዉን፣ ማንም ክርስቲያን ኣምልኮ ናብ ኣምላኽ ከየቕርቡ፣ ወንጌል ከይስበኽ፣ ጳጳሳት ክእሰሩ ኣዘዘ። በዚ ዉን ቅዱስ ኒቆሌዎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ወታህደራት ንጉስ ኸኣ እምነቱ ንክኽሕድ ብዙሕ ኣሳቐይዎ፣ ኮይኑ ግና ብእምነቱ ጸኒዑ፣ ምእንቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብል ብዙሕ መኸራ ተቐበለ፣ ብዙሕ ስቓይ ዉን ኣብ ነበሱ ወረደ። `ዚ ቅዱስ ኣቦ ግና፣ መከርኡ ከይጸብጸበ ንህዝቢ ኣብ ምምዓድን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ መልእኽቲታት ብምሳዳድን ንህዝቡ ኣብ ምጉሳይ ቀጸለ።

ድሕሪ ነዊሕ ድማ፣ ቆስጠንጢኖስ ጻድቕ ንኲናት ስዒሩ፣ ናይ ሮም ንጉስ ኮነ። እዚ ጻድቕ ንጉስ ድማ ንዂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ክርስቲያናት ንክፍትሑ ኣዘዘ። ዳርጋ ኲሎም መራሕቲ ጳጳሳት ብሰማእትነት ዓሪፎም ኔሮም፣ ገለ ዉሑዳት ከም ቅ.ኒቆሌዎስ ዝኣመሰሉ ግና መሊሶም ንህዝቢ መጸናንዒ ክኾኑ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብህይወት ተሪፎም።

ንነዊሕ ዘመን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ መኸራ ድሕሪ ምቕባሉ ድማ፣ ናብ መንበሩ ተመሊሱ ንህዝቡ ብብዙሕ ጸጋ የጸናንዖም ነበረ። ኣጋንንቲ ብምዉጻእ፣ ሕሙማት ብምፍዋስ፣ ልሙሳት ብምቕናዕ፣ ብብዙሕ ተኣምራት፣ ክብሪ ኣምላኽ የርእዮም ነበረ። በዚ ዉን "ቅ.ኒቆሌዎስ ገባሬ ተኣምራት" ኢላ ብካልኣይ ሽም ቤተክርስቲያን ትጽዉዖ።

 ኣርዮስን ኒቆሌዎስን

ኣብ ከባቢ 325 ዓም ኣርዮስ "ኢየሱሱ ክርስቶስ ምስ ኣብ ማዕረ ኣይኰነን፣ ካብ ኣብ ይንእስ እዩ" ኢሉ ክሰብኽ ምስ ጀመረ። ንዑ ንምዉጋዝ ኲሎም መራሕቲ ኣቦታት ኣብ ኒቅያ ተኣከቡ፣ ኒቆሌዎስ ዉን ምስኦም። ኣብቲ ጉባኤ ድማ፣ ኒቆሌዎስ ንኣርዮስ ፊት ንፊት ብኣኻል ረኸቦ`ሞ፣ "ንስኻ ዲኻ ወልድ ምስ ኣብ ማዕረ ኣይኰነን ዝበልኻ" ብምባል ሓተቶ፣ ንሱ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ዉን፣ ኣብ ገጹ ከም ዝጸፍዖ ታሪክ ይሕብረና። ሓደ ካህን ወይ ዲያቆን፣ ፍጹም ኢዱ ወስ ኣቢሉ ሰብ ክሃርም ኣይፍቀዶን እዩ፣ ስለዚ በዚ ምኽንያት ድማ፣ ኲሎም እቶም ኣብ ኒቅያ ተኣኪቦም ዝነበሩ ጳጳሳት ንኒቆሌዎስ ካብ ጵጵስንኡ ክኣልይዎ ወሰኑ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፣ ቅ.ኒቆሌዎስ ራእይ ይርኢ፣ ጐይታ መጺኡ ወንጌል ይህቦ፣ ወላዲተኣምላኽ ድንግል ማርያም ድማ ክዳን ናይ ጵጵስንኡ ትኸድኖ፣ ሽዑ ነቲ ቃል ኣምላኽ ከይፈርሐ ክሰብክ ይነግሮ። ነዚ ራእይ ንሱ ጥራይ ዘይኰነ፣ ካብቶም ንዑ ካብ ስልጣን ክኣልይዎ ኢሎም ዝተኣኸቡ ኣቦታት ዉን ተራእዮም። ጐይታ ዉን "ኒቆሌዎስ ንዓይ ካብ ዘለዎ ክቱር ፍቕሪን ክብሪን እምበር፣ ብክፍኣት ኣይኰነን ኢዱ ወስ ዘበለ" ብምባል ስለዝገለጸሎም፣ ነቲ ዉሳኔ ገዲፎም፣ ብንስሓ ጥራይ ከም ዝፋነዉዎ ይንገር። ኣብቲ ናቱ ስእሊ ዉን ብጎኑ ጐይታ ወንጌል ሒዙ፣ ድንግል ማርያም ድማ ክዳን ሒዛ ይሰኣል።

ሓቀኛ ባባ ናታለ

ቅዱስ ኒቆሌዎስ ብብዙሕ ተኣምራትን፣ ብብዙሕ ካልእ ነገራትን ዝዝኸር እኳ እንተዀነ፣ ልዕሉ ኲሉ ግና በዛ ናይ ልግሲ ባህሪኡ ይፍለጥ። ኣብ ስንክሳር ታሕሳስ 10 ተመዝጊቡ ከም ንረኽቦ፣ ኣብታ ሃገር ሓደ ሰለስተ ኣዋልድ ዝነብርኦ፣ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ሃብቱ ግና ኲሉ ስለዝጠፍአ፣ መሊሱ ናብ ድኽነት ኣተወ። ንሰለስተ ኣዋልድ ደቁ ብመርዓ ንምፍናው ክሳብ ዝሰኣኖ ዉን፣ ኣዝዩ ድኻ ኰነ። ገንዘብ ዝረኽበሉ መዳይ ክሓስብ ዉን ጀመረ፣ ሽዑ ሰይጣን ናብ ልቡ ኣትዩ፣ ነተን ኣዋልድ ደቁ ዘምየን ገንዘብ ከምጽኣ፣ ሓሳብ ኣእተወሉ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ነዚ ሓሳብ ንኒቆሌዎስ ገለጸሉ። ቅ.ኒቆሌዎስ ድማ ደቁ ብዝሙት ሓጢኣት ከይረክሰን ብምባል፣ ብሰክዔት ሚእቲ ዲናረ ወርቅ ጌሩ፣ በለይቲ ሰብ ከይረኣዮ፣ ናብቲ ገዛ ብመስኮት ደርበዮ። ሰብኣይ ንግሆ ምስ ተንስአ ነቲ ገንዘብ ረኸቦ፣ በዚ ዉን ኣዝዩ ተሓጎሰ፣ ነታ ቦኽሪ ጓሉ ድማ ብቅዱስ መርዓ ኣፋነዋ። መሊሱ ዉን ነታ ካልአይቲ መመርዓዊ ምስ ሰኣኖ፣ `ዚ ቅዱስ ኣቦ፣ ብለይቲ መጺኦም፣ ብሰክዔት 100 ዲናረ ወርቂ ናብ ገዝኡ ኣእተወሉ። በዚ ገንዘብ ድማ ነታ ካልአይቲ ጓሉ ብመርዓ ኣፋነዋ። ነታ ሳልሰይቱ ጓል ከመርዕዋ ምስ ሓሰበ ድማ፣ ነዚ ገንዘብ ዝስንድወሉ መን ምዃኑ ከረጋግጽ፣ ነቲ መስኮት ዓጽዩ፣ ብግዳም ኮይኑ ክኸታተሎ ጀመረ። 

ቅ.ኒቆሌዎስ ድማ መጺኡ ከም ልማዱ ነተን ሚእቲ ዲናረ ወርቅ ብሰክዔት የእይትዩ፣ ናብቲ ገዛ ክድርብዮ ሓሰበ፣ ኮይኑ ግና መስኮት ተዓጽኡ ነበረ። ኣብቲ ግዜ`ቲ ግዜ ቁሪ ስለዝነበረ ክዳን ኣብ ጥቓ ሓዊ ጌሮም የንቅጹ ነበሩ። ቅ.ኒቆሌዎስ መእተዊ ምስ ሰኣነ ድማ፣ በቲ ናይቲ ገዛ መዉጽኢ ትኺ ነቲ ገንዘብ ደርበዮ፣ እቲ ገንዘብ ድማ ኣብ ትሕቲ ናይቲ ሓዊ ዝግበረሉ መዉዓዪ ገዛ ረኸብዎ። ክጸናጸን ዝጸንሐ ሰብኣይ ዉን መን ምዃኑ ክፈልጥ ጎዩ ኣርከቦ፣ እቲ ሕያዋይ ጳጳስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ዉን፣ ካብ ዓቢ ሓጢኣት ስለዘድሓኖ ብዙሕ ኣመስገኖ። ቅ.ኒቆሌዎስ ግና፣ ንኣምላኽ እምበር ንሱ ምስጋና ከምዘይግብኦ፣ ኣምላኽ ነቲ ሓሳብ ኣብ ልቡ ከምዝገለጹ ነገሮ፣ ካብ ሓጢኣት ንክዕቀብ ዉን መዓዶ።

ባባ ናታለ እንዳተባህለ፣ ኣብ ግዜ ቅነ ልደት ንህጻናት ህያብ ይህብ፣ ብለይቲ መጺኡ ብካልሲ ጌሩ ኣብ ጥቃ መዉዓዪ ሓዊ ይገድፎ፣ እንዳተባህለ ዝንገር ጽዉንጽዋይ ዝመስል ታሪክ መበገሲኡ እምበኣር እዚ ታሪክ ናይ ቅዱስ ኒቆሌዎስ እዩ።

ፍልሰተ ኣጽሙ

እምበኣር በዚ ዂሉ ተኣምር፣ ሕያዉነት፣ ንኣምላኹ ድሕሪ ምግልጋል ብሰላም ታሕሳስ 10 ኣብ 346 ዓም ዓረፈ። ኣብ ሚራ ብስሙ ኣብ ዝተሃንጸ ቤተክርስቲያን ዉን ተቐብረ። ኣብ ዓሰርተ ሓደ ክ/ዘ ባርባራዉያን ነታ ከተማ ክወርዋ ምስ ተበገሱ ግና፣ ሊቀ ጳጳስ ናይ ሮም ዝነበረ፣ ዓጽሚ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ናብ ባሪ-ጣልያን ከም ዝሰጋገር ገበረ። ክሳብ ሕጂ ድማ ዓጽሙ ኣብ ባሪ እትበሃል ከተማ ዓዲ ጥልያን ይርኸብ። ስብሓት ለኣብ፣ ስብሓት ለወልድ፣ ስብሓት ለመንፈስ ቅዱስ፣ ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ኒቆሌዎስ ምስ ኲልና ይኹን።  

ምንጪ፦ ስንክሳር ታሕሳስ 10፣ 
http://oca.org/saints/lives/2013/12/06/103484-st-nicholas-the-wonderworker-and-archbishop-of-myra-in-lycia

Monday, December 9, 2013

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 7

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 7ይ ክፋል. . .መወዳእታ ክፋል

ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ትሩጓሜ

ንእምነትን መንገዲ ኦርቶዶክስን ዝፈለጠ ሰብ፣ ንናይ ፕሮቴስታንት ግጉይ ኣካይዳ ፈጺሙ ክስዕብ ኣይደልይን። ኣነ ዉን ከምኦም፣ ብምሕረት ኣምላኽ ናብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ምስ ተመልስኩ፣ ዘለኒ መርገጺ እሱ`ዩ። ኮይኑ ግና እዚ ናይ ፕሮቴስታንት ሜላ፣ ንገለ ኦርቶዶክሳዉያን ከይጸለወ ኣይተረፈን። ነዚ ሜላ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣስሊኰም ከእትዉዎ ይጽዕሩ፣ ምክንያቱ ገለ ገለ መማህራን ቤተክርስቲያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ትሩጓሜ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ክገልጽዎ ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብ ቤተክርስቲያንና ግና፣ እዚ ሓድሽ ኣይኮነን፣ ምንፍቅና ኲሉ ግዜ ከምዚ`ዩ ዝገብር። ነቲ ሓቂ ብዘይንሓስቦ መንገዲ ጌሩ ክሽፍኖ ይፍትን። ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ቅዱስ ኢራኔዎስ፣ ኣብ ግዜኡ ምስ ዝነበሩ መናፍቃን ክምልሰሎም እንከሎ፣ ከምዚ በለ፡ 

“ሓቂ ብዝመሰልን፡ ከእምን ብዝኽእል ቃላት ጌሮም ነቶም ገርሂታት ኣታሊሎም ይስሕብዎም`ሞ ናብቲ ናቶም ኣካይዳ የእትዉዎም። ከምዚ ብምግባሮም ዉን ናብ ፍጹም ጌጋ የዉድቕዎም፣ ናብቲ ናታቶም ናይ ጸርፊ መንገዲ ዉን ይመርሕዎም. . . . ጌጋ ቀላዕ ኮይና ጥራያ ደው ኣይትብልን። ምክንያቱ ጌጋ ምኳና ብቀሊል ክትፍለጥ ስለዀነት። እንድሕሪ ጌጋ ተፈሊጣ ውን ትቃላዕ። ኮይኑ ግና በዝስሕብ ክዳን ተሸፊና፣ ብግዳማዊ ትርኢታ፣ ልዕሊ ሓቂ ጸብለል ኢላ ትቀዉም። ነቶም ተሞክሮ ዘይብሎም ገርህታት ዉን ኣማናዊ ሓቂ ኮይና ትረኣዮም።” [1]

ማንም ከይጋገ፣ ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ትርጓሜ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣብ ስነፍልጠታዊ መንገዲ ዝተሰረተን፤ ኣብ ኣርኬሎጂካዊ ርኽበታት ዝዉከልን ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርድኢትና፣ ኣብቲ ንመጽሓፍቲ ዝደረሰ ዋና ኣካል (እግዚአብሔር) ምፍላጥን፣ ምስዑ ዓሙቚ ዝምድና ኣብ ምፍጣርን ዝተስረተ እዩ። ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ስብነት (ኣካላት) ክርስቶስ እያ። ናይ ሓቂ ዓንዲን መሰረትን ንሳ እያ። እግዚአብሔር ንመጽሓፍ ቅዱስ ብእኣ ኣቢሉ (ብኣባላት ቤተክርስቲያን-ብሓዋርያት) ጸሓፎ፣ መሊሱ ዉን ብእኣ ኣቢሉ ከም ዝዕቀብ ገበሮ። ጸሓፊት መጽሓፍ ቅዱስን፣ ዓቃቢትን ንሳ (ቤተክርስቲያን) እያ። ቤተክርስቲያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኣት ክትርድኦ ዝበቅዐት፣ ወራሲ ናይቲ ካብ ቀዳማይ ኣዳም ጀሚሩ ዝተበገሰ ሓደ ህያዉ ትዉፊት ስለዝዀነት እዩ። እዚ ሓቂ ኣብ ቤት ፈተነ (ላብራቶሪ) ክረጋገጽ ኣይከኣልን። ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኽካን፣ ኣብ ቤተርክርስቲያን ኮይንካ ምስ ኣምላኽ ክትነብር ምስ ጀመርካ፣ እዚ ነገር ክርደኣና ይጅምር።

ፕሮቴስታንት ዝሓትዎ ሕቶ፣ ‘ትዉፊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ሓቀኛ ምዃኑ ብምንታይ ነረጋግጽ፧?’ ወይ ዉን ‘ኣማናዊ ትዉፊት ዝበሃል ኣሎ ድዩ፧?’ ዝብል`ዩ። 

እዚ ሕቶ ግና ኣዝዩ ቀሊል እዩ። ታሪክ ቤተክርስቲያን ብምፍታሽ መልሲ ይርኸብ። ፕሮቴስታንት ነቲ ኣብ 16 ክ/ዘ ዝጀመረ ታሪክ ዘይኰነስ፤ ነቲ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ኣብ 1ክ/ዘ ዝነበረ ታሪክ ክርስትና ከጽንዑ ይግባእ። ካብ 1ክ/ዘ ጀሚሩ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ጥራይ ነበረት። ካብ መጀመርያ ከምዚ ነበረ፣ ሓንቲ ቤተክርስቲያን። ብ318 ሊቃዉንት ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝተዳለወ ናይ ኃይማኖት ጸሎት ዉን ነዚ የነጽረልና “ወነአምን ብአሓቲ ቅድስት ቤተክስቲያን እንተ ላዕለ ጉባኤ ሓዋርያት/ ልዕሊ ኵሉ ብዝኾነት ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስትያን ነአምን ። ነዚ ጸሎት ዝበዝሑ ጨናፍር ፕሮቴስታንት ይቕበልዎ። ግን እዛ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ኣየነይቲ እያ፧? ሓደ ርጉጽ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ዉን፣ እዛ “ሓንቲ ቤተክርስቲያን” ዝተባህለት ነቶም በብዝደለይዎ ጫዴላ እንዳፈጠሩ፣ ኣብ ንጹር ትምህርተ ኃይማኖት ዘይሰማምዑ፣ ጉጅለታት ከምዘይተመልከት። እቲ ነዚ ጸሎት ( እንኮላይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥርነፋ ዝግብአን ጽሑፋት) ዘጽደቐ ጉባኤ፣ ነቶም ካብ ቤተክርስቲያን እምነት ዝወጽኡ ሰባት፣ ንኣርዮስ፣ ንሞናቲስት፣ ዶናቲስት ኣወጊዛ እያ። እቶም ናብ እምነት ዝተመልሱ ዉን፣ ንገሊኦም ኣጥሚቓን ቀቢኣን (ቅብኣ ሜሮን መንፈስ ቅዱስ)፣ ንገሊኦም ዉን ቀቢኣ ተቐቢላቶም። ነቶም ብእምነት ዝተፈልዩ፣ ኣጥሚቃን ቀቢኣን፣ ነቶም ናይ ስርዓታዊ ፍልልይ ክገብሩ ዝፈተኑ ኸኣ ቀቢኣ፣ መሊሳቶም (ክምለሱ ምስ ወሰኑ)። “ደሓን ኣብ ኩሉ ትምህርተ ኃይማኖት እንተዘይተሰማማዕና ጸገም የብሉን፣ ጥራይ ኣባል ናይ ቤተክርስቲያን ይኹኑ” ኣይበሉን። ኣባልነት ቤተክርስቲያን፣ ምስ ንጹር ሓድነት ትምህርተ ኃይማኖት። ኩሎም ኣብ ግጉይ እምነት ዝነበሩ፣ ክሳብ `ቲ ንጹር እምነት ዝቕበልዎ፣ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ተወጊዞም (ተኣልዮም)። ከም ትእዛዝ ሓዋርያት ምስቶም ብትምህርተ ሃይማኖት (doctrine) ዘይሰማምዑኻ፣ ሓቢርኻ ምጽላይ ክልኩል እዩ። ኣብ ቀዳሞት ክርስቲያናት፣ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ምፍላይ (ብምክንያት እምነት) ከም ዓቢ ሓጢኣት ይቁጸር ነበረ። ምናልባት ኣብ ፕሮቴስታንት፣ ካብቲ ሕብረት እምነት ዝፍለ ሰብ ከም ጅግና ይቑጸር`ዩ፣ ኣብ ዘመን ቀዳሞት ክርስቲያናት ግና ሓጢኣት እዩ። እቲ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ወደ መዝሙር ዝነበረ ናይ ኣንጾክያ ሊቃ ጳጳስ ቅ. ኣግናጥዮስ ምጥው ለኣንበሳ፣ ከምዚ ብምባል የጠንቅቐና “የሕዋተየ ኣይትጋገዩ፣ ነቶም ካብ ቤተክርስቲያን ዝተፈልዩ ዝስዕብ ዘበለ ዂሉ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስን፣ መንፍቅናዊ ትምህርቲ ዝቕበል ዘበለ፣ መከራ ክርስቶስ ዘይፈልጥ እዩ።” [2]

ፕሮቴስታንት ኣብ 16 ክ/ዘ ክፍንጨሉ ዝመረጽሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ነቲ ብናይ ሮም ፖፕ ዝግበር ዝነበረ ጌጋ ኣካይዳ ንምቅዋም እዩ። ኮይኑ ግና ቅድሚ ሮም ካብ ኦርቶዶክስ ምፍንጫላ፣ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ኣይነበረን። ነዚ ዉን`ዩ ኣብ ዘመንና፣ ብዙሓት ፕሮቴስታንት ነቲ ቅድም ዝነበረ ታሪክ ቤተክርስቲያን ዝምርምሩ ዘለዉ። “ናይ ምዕራብ ቤተክርስቲያን (ሮም ካቶሊክ፣ ፕሮቴስታንትን ዝመስልዎምን) ካብ ኦርቶዶክስ ምፍንጫላ እንታይ ከሲራ፧” ኢሎም መርሚሮም፣ ናብ ኦርቶዶክስ ዝተመልሱ ዉሑዳት ኣይኮኑን።[3]

ነቲ ቅድም ዝተላዕለ ሕቶ ክንምለሶ። እታ ሓዋርያት ዝመስረትዋ ቤተክርስቲያን ኣበይ ኣላ? ሓቀኛ ትዉፊት`ከ ኣበይ ንረኽቦ? ሓቀኛ ትዉፊት`ከ ኣሎ ድዩ? ነዚ ሕቶ ንምምላስ ሰለስተ ኣማራጺ ኣለና። ሓደ ካብዘን ምርጫታት ኸኣ ሓቂ እዩ።

1)ሓቀኛ ትዉፊት የለን፣ ነታ ጐይታ ብደም ዝመስረታ ቤተክርስቲያን ዉን ደጌታት ሲኦል ሓዪሎማ ኣለው፣ ኲሉ ኣብ ወንጌል ዘሎን፡ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝጸደቐን ጌጋ እዩ። 2)ሓቀኛ እምነት ኣብታ፣ ብፍጹም (infalible) ፖፕ እትምራሕን፣ በብግዚኡ ዝምዕብልን ዝቅየርን ዶግማ  ዘለዋ፣ ናይ ሮም ካቶሊክ ቤተክርስቲያን`ዩ ዝርኸብ። 3)ክርስቶስ ዝመስረታን፣ ሓዋርያት ዝዓቀብዋን፣ ሓንቲ ቤተክርስቲያን፣ ኦርቶዶክስ እያ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ፕሮቴስታንት ዘሎ ምርጫ፣ ተዛማዲ ትምህርቲ ሒዝካ ሰብ ዝደለዮ ክመርጽ፡ ወይ ካቶሊካዊነት፣ ወይ ዉን ኦርቶዶክሳዊነት። 

ናይ ፕሮቴስታንት መስረቶም ‘መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ’ ዝብል ስለዝዀነ፣ እዚ ዉን ኣብ ብዙሕ ክትዕ፡ ፍልልይ፡ ምፍንጫልን፡ ዘይምስምማዕን ስለዘስዓበ፤ ‘ብትምህርተ ኃይማኖት እትሰማማዕ ሓንቲ ቤተክርስያን’ ዝብል ሓሳብ ኣይቅበልዎን። ‘ሓንቲ እምነት’ ዝብል ነገር ከምዚ ፈጺሙ ክብጻሕ ዘይክእል ሓሳብ ጥራይ ጌሮም ይሓስብዎ። ብዛዕባ ‘ሓንቲ ቤተክርስቲያን’ ዘረጋግጽ መርትዖታት ክቐርበሎም ከሎ፣ ምስ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ዘይከይድ ሓሳብ`ዩ ኢሎም ይሙጉቱ። ሓቀኛ፡ ንጹርን፡ ሓድነትን ዘለዎ፣ ትምህርተ ኃይማኖት (doctrine) ከይሓዝካ፤ ከመይ ጌርካ ‘ክርስቲያናዊ ፍቅሪ’ ብዝብል ሓሳብ ትግዛእ። ኣብ ግዜና ሃይማኖታዊ ጥርናፈ (ecumenism) ዝበሃል ፍልስፍና ኣሎ። እዚ ጥርናፈ ሓቀኛ መሰረት ዘይብሉ ስለዝዀነ፣ ናይ ሓሶት ጥርናፈ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብዚ ጥርናፈ ዉን ሓቀኛ ስምምዕ ትምህርተ ሃይማኖት ዝበሃል የለን። ከማን፣ እንድሕሪ ሓደ ጉጅለ ብዛዕባ ‘ሓቂ’ ኣትሪሩ ተዛሪቡ፣ ካብቲ ጥርናፈ ይፈልይዎ። ሓንቲ ‘ሓቂ’ ኣላ ዝበሃል ነገር የለን። ኣብቲ ናቶም ርድኢት፣ ‘ሓቂ’ ተዛማዳዊ እዩ። ማለት፣ ንሓደ ሓቂ ‘ሓቂ’ ዝገብሮ ምስቲ፣ ነቲ ሓቂ ዝምርምሮ ዘሎ ሰብ ዝዛመድ እዩ። እቲ ዉሳነ ዉን ዉልቃዊ እዩ። እዚ ጥርናፈ ዉን ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይኣማናዊ (ናይ ሓሶት) መምርሒ ተሰሪቱ ንረኽቦ። እዚ ግና ‘ክርስቲያናዊ ፍቅሪ’ ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ፍቕሪ ኣብ ሓቀኛ መምርሒ ክስረት ይግባእ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ ግና ኣብታ ታሪካዊት ቤተክርስቲያን ኣይንረኽቦን፣ እኳ ደኣ ስምዒታዊነት ዝዓብለሎ ሰብኣዊ ሓሳብ እዩ። ፍቕሪ ቀንዲ ሕመረት ቤተክርስቲያን (እምነት) እዩ። ክርስቶስ ዉን ናብዚ ዓለም፣ ሓድሽ ‘ናይ ሓሳብ’ ቤትትምህርቲ ንምምስራት ኣይኰነን፤ እኳደኣ ኣፍደገታት ሲኦል ዘይሕይልዋ ቤተክርስቲያን ክምስርት`ዩ ዝመጽአ (ማቴ 16፥17)። እዛ ጐይታ ዝመስረታ ናይ ቤተክርስቲያን ማሕበር “ኣባላታ ብዉሽጢ ተፈላልዮም ክነሶም፣ ብግዳማዊ ስጋዊ ምግጥጣም ዝተጠርነፉ ኣይኮኑን። እኳደኣ ብዉሽጣዊ፡ መንፈሳዊን፡ ኣካላዊን ሓድነት ዘለዎም እዮም”[4]  እዚ ሓድነት ክህልው ዝኽእል፤ መንፈስ ቅዱስ ብዝህቦ ሓድሽ ህይወትን፡ ነቲ ቤተክርስቲያን ተመንጭዎ ሚስጢራት ተካፋሊ ብምዃን እዩ።

እምነት ክርስትና ፣ ንምእመናን ምስ ክርስቶስ ተወሃህዶም። ምእመናን ብኣካል ዝተፈላለዩ ሰባት ክነሶም፣ ናብ ሓንቲ ሰብነት (ቤተክርስቲያን) ብሓድነት ተወሃሂዶም ዝቈሙ እዮም። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ሰብነት ዝመስረታ ዉን፤ ምስ ነፍስ-ወከፍ ኣካላት ናይዛ ሰብነት (ምእመናን) ገዛእ ርእሱ ወፍዩ ብምርኻብን፣ ኣባታቶም ሓዲሩ ዝዓይን ናብ ህይወት ዝመርሕን ጸጋ መንፈስ ቅዱስን ብምዕዳልን እዩ። እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ሓዲሩ ዝዓዪ መንፈስ ቅዱስ ዉን ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ምእመናን ክቅይር ይኽእል። እዚ ዕዮ ክትግበር ዝኽእል፣ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ካብ ዉልቃዊነት  (ባዕላዊ) ኣካይዳ ኣግሊሱን፣ ፍትወት ገዛእ ስግኡ ምስ ዝቐትል እዩ[5]  

ቤተክርስቲያን ሰብነት ክርስቶስ ስለዝዀነት፣ ሓንቲ እያ። እዛ ሓንቲ ሰብነት ክትመቓቀል ዉን ፈጺሙ ኣይከዉንን። ምክንያቱ ሰብነት ክርስቶስ ክከፋፈል ስለዘይከኣል። ከምቲ ኣብን ወልድን ሓደ ዝዀኑ፣ ቤተክርስቲያን ዉን ሓንቲ እያ። እዚ ርድኢት ዓሙቕ`ዩ፣ ኣብ ግብሪ ከነስተማቕሮ ምስ ጀመርና፣ ሽዑ ክሳዕ ክንደይ ክዉን ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ቀንዲ መስረት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኮይኑ፣ እዚ ሕብረት ክዉን ክኸዉን፣ ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድን፡ ትሕትናን፡ ፍቕሪን ይሓትት[6]

ኣብ ሓድነት ቤተክርስቲያን ዘሎ እምነት፣ ክልተ ገጽ ኣለዎ፤ ታሪካዊን፡ ህሉውን ሓድነት። እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተመስረተ ሓድነት ክሳብ ሕጂ ዉን ህያው እዩ። እንታይ ማለትና`ዩ፤ ንኣብነት ቅዱሳን ሓዋርያት ብስጋ ካብዛ ዓለም ይፈለዩ እምበር፣ ሕጂ ዉን ኣብዚ ህሉው ግዜ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ኣይተፈለዩን። ከምቲ ብህይወት ኣብዛ ዓለም (ብስጋ) እንከለዉ ዝነበሮም ሕብረት፣ ሕጂዉን ኣብዚ ሓድነት ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዘለዋ ቤተክርስቲያን ኮይንና ስርዓት ቅዳሴ ቀዲስና መኣዲ ቅዱስ ቁርባን ክንሰርዕ እንከለና፣ በይንና ኣይኮናን። ብሓባር ኩላትና ኣብዚ መኣዲ ንሳተፍ ኢና፣ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለናን፣ ኣብ ሰማያት ዘለዉን ኣብዚ ኣምልኮ እግዚአብሔር ንሓብር። ከማን ዝያዳ`ቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፤ እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ቅዱሳን ምሳና ኣብ ቀረባ ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ቤተክርስቲያንና፣ ካብቶም እግዚአብሔር ዝመረጾም ብስጋ ዘለዉ መማህራን ጥራይ ኣይኮንናን ንመሃር፣ እንኮላይ እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መማህራንና እዮም። ኣብ ምድሪ ብስጋን፣ ኣብ ሰማያት ብመንፈስን ዘለዉ ክልቲኦም ይምህሩና። ንኣብነት ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ሕጂ ዉን መምህርና እዩ። ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያንና ዘልዉ ጳጳሳት ዝምህሩና፣ ናቱ ትምህርቲ ሕጂ ዉን ማዕረ ክብሪ ኣለዎ። ኣብ ትርጓሜ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀመሉ ሜላ ዉን፣ ንመጽሓፍ ብዉልቅና ዘይኰነስ ብደረጃ ቤተክርስቲያን (ብሕብረት ምእመናን) ኢና ነጽንዖን ንምርምሮን። ኣብ 4ይ ክ/ዘ ናይ ሌረንስ ጳጳስ ዝነበረ ቅ. ቪንሰት ዘሌሪንስ ዉን ብግልጺ ዝምህረና ነዚ`ዩ፡

“ገሊኦም ሰባት ‘ናይ ቀኖና መጽሓፍቲ (ቁጽሪ ናይተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠርነፋ መጽሓፍቲ) ኣየኖት ምዃነን ተፈሊጠንን፣ ንሳተን ከኣ ንዓና እኩላት እየን፤ ስለምንታይ ሕጂ ብደረጀ ቤተክርስቲያን ክቱርጎም ኣለዎ ኢልኩም ካልእ መዝነት ምዉሳኽ ኣድለየ?’ ዝብል ሕቶ የልዕሉ፡ እቲ መልሲ እዚ`ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ዓሙቕ ስለዝዀነ፣ ኣብ ኲሉ ዓለም ብሓደ ተመሳሳሊ ትርጉም ኣይትርጎምን። ሓደ ዓይነት ጥቅሲ ክነሱ፣ ብዝተፈላለየ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃቦ፤ ከም መጠን ብዝሒ ናይቶም ዝምርምርዎ ሰባት፣ ትርጉሙዉን ይበዝሕ. . . .   ብብዙሓት ሰባት ብዙሕ ዓበይቲ ጌጋታት ተኣታትዩ ኣሎ። ስለዚ እቲ ናይ ነብያትን ሓዋርያትን ጽሑፋት፣ ብሕጊ ናይታ ኣጽናፊያዊ ሓድነት ዘለዋ ቤተክርስቲያን ክትርጎም ይግባእ።

ኣብዛ ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን፣ እቲ ኣብ ኲሉ ቦታን፡ ኣብ ኩሉ ግዜን፡ ብኲሉ ሰብን ዝተኣምነ፣ ሃይማኖት ክጸንዕ ኣለዎ። ክትርጎም እንከሎ፣ ኣድማሲያዊነቱ፡ ጥንታዊነቱን፡ ሕብረቱን (ስምምዕ) ዝዓቀበ ክኸዉን ኣለዎ። እዚ`ዩ ሕጊ ናይዛ ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን። እታ ኣብ ኲሉ ዓለም ዘላ ቤተክርስቲያን እትኣምኖ ሓንቲ እምነት፣ እንድሕሪ መስኪርና፤ በዚ ኣጽናፋዊነት ይረጋገጽ። ጥንታዊነት ክረጋገጽ ድማ፣ ነቲ ካብ ጥንቲ ካብቶም ቅዱሳን ኣቦታት ዝተቐበልናዮ ኣስተምህሮታትን ትሩጓሜታትን  ጸኒዕካ ምሓዝ ይግባእ። ሕብረቱ ወይ ስምምዕ ከኣ፣ ኣስተምህሮ ናይ ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታት  ብዘይ ኣፈላላይ ኣሰማሚዕካ ምሓዝ”[7]

ብኸምዚ ኣገባብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ እንከለና፣ ብዉልቂ በይንካ ናይ ባዕልኻ ትርጉም ከተምጽእ ኣይትጽዕርን፣ እኳደኣ ነቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዓቂቡ ዘሎ ትዉፊት ኢና ክንርድኦ ንፍትን። ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ካብ ዘቆሙልና ደረት ክንሓልፍ ኣየድልይን። እንታይ ደኣ ነቲ ዝተቐበልናዮ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ምስግጋር እዩ። እዚ ንኽግበር ድማ፣ ብዙሕ ከነጽንዕ፣ ታሪክን ትምህርቲን ኣቦታትን ትሩጓሜታቶምን ከነጽንዕ ኣለና። እዚ ጥራይ ግና እኹል ኣይዀነን። ልዕሊ`ዚ ዂሉ ኣብ ህይወት ቤተክርስቲያንን ተካፈልቲ ሚስጢራታን ክንኸዉን ይግባእ። ህይወትን ዂሉ ኣብ ስርዓት ቤተክርስቲያን ጸጋ ወሃቢ ሚስጢራታን ዓሚቚ ሓድነት ክህልወና ይግባእ። ኣብታ ‘ክርስቲስያናዊ ዶግማ’ እትብል መጽሓፉ፣ ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ገሊጽዎ ዘሎ ዉን ነዚ`ዩ። ኣብታ ካብ 1-4 ክፋል ናይታ መጽሓፍ፣ ሓደ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ሰብ፣ ከመይ ዝበለ ምድላዋት ክገብር ኣለዎ፣ ኣንታይ ዓይነት መሰረታዊ ፍልጠት የድልዮ፣ እንታይ ዓይነት ህይወት ክህልዎ ይግባእ፣ ዘርዚርዎ ይርከብ. . [On Christian Doctrine, Books i-iv][8]
  1.  ካብ ትዕቢት ርሒቁ፣ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ብሙሉእ ልቡ ዘፍቅር
  2.  ብትዕቢትን ስሰዐን ዘይዀነሲ፣ እንታይ ደኣ ብእምነትን ምስጋናን ተለዓዒሉ ንፍልጠት ፍቓድ እግዚአብሔር ዘንዳይ
  3. ጹህ ኣእምሮ ዘለዎ፣ ልቡ ብትሕትና ዝተመልአ፣ ንዓለም ዝሞተ፣ ካብ ደቂ ሰባት ክብረት ዘይጽበይን፣ ንሰባት ዉን ዘይፈርሕን 
  4. ብዘይካ ምስ ክርስቶስ ምንባር፣ ምስኡ ሓድነት ምፍጣርን፣ ፍልጠት ክርስቶስ ጥራይ ዘንዳይን እምበር ካልእ ዘይደሊ
     
  5. ንጽድቂ ዝጠምይን ዝጸምእን  
  6. ኣብ ግብሪ ምሕረትን ፍቕሪን ብቅንዕና ዝሳተፍ ክኽዉን ይግባእ።
እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ እዚ ዂሉ ነገራት የድልየና። ነዘን ነገራት ዘማልአ ሰብ ዉን፣ ብዝያዳ ኣብ ትምህርቲ ኣቦታት`ዩ ዝያዳ ዝዉከል። ምክንያቱ ቅዱሳን ኣቦታት ነዘን ኩለን መምዘኒ ኣማሊኦም እዮም። ፍቕሪ፣ ትሕትና፣ ምሕረት፣ ሰናይ ሓሳብ፣ እምነት ምስ ግብሪ ኲሉ ኣብ ህይወቶም ግሁድ ነበረ።
ካብ ናይ ፕሮቴስታንት መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት`ኸ እንታይ ንመሃር፧? ናታቶም መጽናዕቲ ብዙሕ ነገር ጠቒሙና እዩ። ብዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ክንርድኦ ዘይተኻእለ ታሪኻት ክበርሃልና ክኢሉ ኣሎ። ስለዚ ገለ ካብቲ ናታቶም ርኽበታት እንቕበሎ ነገራት ኣሎ፣ ክንጥቀመሉ ድማ ጽቡቕ እዩ።ግን ምስ ትዉፊትን ትምህርቲ ቤተርስቲያን ምስ ዝሰማማዕ ጥራይ እዩ!
ከምቲ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ ዝገለጾ ማለትና እዩ። ንሱ ኣብ ኣጠቃቕማ ናይ ፓጋንስ መጽሓፍቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዛረቦ ከምዚ በለ “ካብቶም መርዛማት ለመምቲ እንስሳታት፣ ጠቐምቲ ቅመማት ኣዉጺእና ንመድሃኒት ከም ንጥቀመሉ፣ ካብ ዓለማዉያን መጽሓፍቲን ጽሑፋትን ዉን ነቲ ናታቶም ኣምልኾ ጣኦታት ነጺግና፣ ኣብ ኣመራምራ ነገራትን መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ዝሕግዙ ሜላታትን ግና ካባታቶም ንወስድ[9]። ስለዚ ካብ ዉልቃዉነት፣ ዘመናዉነት፣ ኣካዲያሚካዊ ጸብለልታነት. . ካብ ዝኣስመሰሉ ናይ ዘመንና ጣኦታት ተዓቂብና፣ ነቲ ካባታቶ ዝርኸብ ጥቕሚ ዘለዎ መረዳእታ ኣብ ረብሓና ከነዉዕሎ ጽብቕ እዩ። ብፍላይ ብታሪካዊን ሊንጉስቲካዊን ሜላታት ኣብ ርድኢት መጽሓፍ ቅዱስ ብርሃን ዝህቡ መጽናዕቲታት እንተተጠቀምናሎም፣ ብዝያዳ ነቲ ትዉፊት ቤተክርስቲያን ክንርዳእ ክሕግዘና እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ትምህርቲ ከእትዉ ምስ ዝፍትኑ፣ ወይ ካብተን ብቀኖና ዝጸደቓ መጽሓፍቲ ወጻኢ ካልእ መወከሲታት ከእትዉ ምስ ዝፍትኑ፣ ወይ ምስ ትዉፊት ቤተክርስቲያን ምስ ዝጻረሩ፣ ንኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ ሙሉእ ንሙሉእ ክንነጽጎ ይግባእ። ወትሩ ነታ “ኣብ ኲሉ ግዜን ብዂሉ ቦታን” ዘላ ኣጻናፋዊት ቤተክርስቲያንና ዉን ክንዝክራ ይግባእ።
ከምዚ ዓይነት መርገጺ ብምሓዝናን፣ ወይከምዚ ብምባልናን፣ ነዚ ናትና ኣካይዳ ከም ሓደ ድርቅናን ዱንቅርናን ጌሮም ዝርድእዎ ፕሮቴስታንት እንተሃልዮም፤ ቅድም ቀዳድም እቶም፣ ነቲ ክልተ ሽሕ ዘመናት ዘቑጸረ ትምህርቲ ክርስትና ክነጽጉ ወይ ከም ዘይነበረ ጌሮም ክጓስይዎ ዝፍትኑ መማህራኖም ዓገብ ይበሉ። ኻብ መዓስ`ዩ ናይ ዶክትሬት ማዕረግ ዘለዎ ሰብ ጥራይ`ዩ ሚስጢራት እግዚአብሔር ክርዳእ ዝኽእል ዝተባህለ?! ወይስ ካብ መዓስ`ዩ ናይ ፒ.ኤች.ዲ ደረጃ ትምህርቲ ምርምር ዝገበረ ሰብ ዘቕረቦ ሓሳብ፤ ልዕሊ እምነት`ቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ክርስቲናን፣ ልዕሊ`ቶም ንእግዚአብሔር ብሙሉእ ልቦም ዘገልገልዎ ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ልዕሊ`ቶም ምእንቲ ስም ጐይታ ክብሉ መከራ ዝተቐበሉ፡ ማእሰርቲ ዝተጻወሩ፡ ደሞም ዘፍሰሱን፡ ሓሰረ ጸርፊ ዝተቐበሉን ሰማእታትን፡ ተሰኸምቲ መስቀልን፣ ሚዛን ዝተዋህቦ?! ክርስትና ኣብ ጥጡሕን ምቾት ብዝመልኦ ናብራ እትምሃሮ ፍልጠት ድዩ፤ ዋላስ መስቀልካ ጾይርካ እትስቀለሉን ብሞት እትምስክረሉን ህይወት? እቲ ድርቅናን ዱንቅርናን እምበኣር፣ እቶም ነቲ ቅዱስ ትዉፊት ባዕሉ እንታይ ምዃኑ ከይፈለጡ፤ ልዕሊኡ ፈላጣት ኮይኖም ዝቐርቡን እዩ። እቶም ምጽእ ኢሎም ልዕሊ ሰቦም ፈላጣት ኮይኖም ዝቐርቡን፣ ልዕሊ ማንም ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኣት ተረዲእናዮ ኢና ዝብሉ፣ ንሳቶም እዮም ትዕበተኛታት።

መደምደምታ

ብሉጽ ዉጽኢት ናይ ቅዱስ ትዉፊት ቤተክርስቲያን እምበዓር፤ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ነዚ መጽሓፍ ጥልቐቱን ዕብየቱን ክንርድኦ ንኽእል ዉን ኣብ ከመይ ዝበለ በሪኽ ነገር ተሰሪቱ ከም ዘሎ ምስ ንርድኦ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ተሰሪቱሉ ዘሎ በሪኽ ጎቦ ኸኣ ትዉፊት እዩ። ካብዚ ተሰሪትዎ ዘሎ ቦታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ንኣልዮ ግና፣ ከዊሒ ምዃን ተሪፉ፣ ወናኒኡ ናብ ዝደለዮ ቅርጺ ክሰርሖ ናብ ዝኽእል ኣብ ኢድካ ከም ዘሎ ጭቃ ክቕየር እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዝደለኻዮ ትርጉም ከምዝጥዕመኻ ጌርካ ምቱርጓም ዉን ክብረት ዘይብሉ ዓቢ ጌጋ እዩ። ዋላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕልና ከነርእይ ይኹን፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ደስ ናብ ዝብለና ትርጉም ክንህቦ ኣይግባእን። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ ኣለና፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽና ቅዱስ ቃላት እዩ። መልእኽቱን ትርጉሙን ክንርዳእ ግና፣ ኣብ ኣእጋር ቅዱሳን ኣቦታት ኮፍ ኢልና ንመሃር፣ ምክንያቱ ንሳቶም “ሰማዕቲ ጥራይ ዘይዀኑሲ ገብርቲ ቃል ዝዀኑ” /ያዕ 1፥22/ ብዝነበሮም ህይወት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክርድኡ ዝበቕዑ መማህራን እዮም። ናብቶም ንሓዋርያት ዝፈለጥዎም ናብ በዓል ቅዱስ ኣግናጤዎስ ናብ በዓል ቅዱስ ፖሊካርፐስ ንኺድ፤ ብዛዕባ መልእክቲ ሓዋርያት ሕቶ ተሃልዩና፣ ንሕተቶም ጽሑፋቶም ነንብቦ። ብገዛእ ርእስኻ ተመሪሕካ ብትዕቢት ዝንበር ህይወት ሓዲግና፣ ንቤተክርስቲያን ንወከሳ።
ስብሓት ለእግዚአብሔር!
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!


[1] A Cleveland Coxe, trans., Ante-Nicene Fathers, vol. i, The Apostolic Fathers with Justin Martyr and Irenaeus (Grand Rapids: Eerdmans Publishing Company, 1989), p 315.
[2] መልዕክቲ ቅዱስ ኣግናጤዎስ ዘኣንጾክያ ናብ ፊላደልፊያ 53
[3] In fact a recent three volume systematic theology, by Thomas Oden, is based on the premise that the "ecumenical consensus" of the first millennium should be normative for theology [see, The Living God: Systematic Theology Volume One, (New York: Harper & Row, 1987), pp ix — xiv.]. If only Oden takes his own methodology all the way, he too will become Orthodox.
[4] The Holy New Martyr Archbishop Ilarion (Troitsky), Christianity or the Church?, (Jordanville: Holy Trinity Monastery, 1985), p. 11.
[5] Ibid., p. 16.
[6] Ibid., p. 40.
[7] St. Vincent of Lérins, trans. Rudolph Morris, The Fathers of the Church vol.7, (Washington D.C.: Catholic University of America Press, 1949), pp. 269-271.
[8] St. Augustine, "On Christian Doctrine," A Selected Library of the Nicene and Post-Nicene Fathers, series 1, vol. ii, eds. Henry Wace and Philip Schaff, (New York: Christian, 1887-1900), pp. 534-537.
[9] St. Gregory Nazianzen, "Oration 43, Panegyric on Saint Basil," A Selected Library of the Nicene and Post-Nicene Fathers of the Christian Church, series 2, vol. vii, eds. Henry Wace and Philip Schaff (New York: Christian, 18871900), p. 398f.