ምዕራፍ 17. ጸሎት-3ይ ክፋል
ሓደ
ንግሆ ንግሆ ስፖርት ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ፣ ድልዱል ነብሲ ስለዘለዎ
ወይ ዉን ልዕሊ ሰቡ ሓያል ስለዝዀነ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ነቲ ዘይብሉ ክረክብ፣ ማለት ጭዋዳታቱ ነከደልድል እዩ። ብፍላይ ነዚ
ነገር`ዚ ብሙሉእ ድሌት እንድሕሪ ፈጺምዎ፣ ደሓር ዉን ክዕቅቦ ይኽእል።
ስለዚ፣ ጸሎት ክትለማመድ ከሎኻ፣ ገለ መለሳ ንገዛእ ርእስኻ ከይደለኻ ቀዲምካ ክትጽሊ`ዩ ዚግባእ። እንተደኣ ዕድለኛ ኴንካ`ሞ ኣብ ናይ በይንኻ ክፍሊ ትድቅስ ኮይንካ፣ ነዚ ዚስዕብ ካብ መጽሓፍ ጸሎት ዚተወስደ ልምምድ ደረጃ ብደረጃ ቃል ብቃሉ ከተተግብሮ ትኽእል፣
- ካብ ምድቃስካ ምስ ተበራበርካ፣ ነዛ መዓልቲ ቅድሚ ምጅማርካ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ዚርኢ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብትሕትና ደው ኢልካ፣ ንገጽካ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብካ ከምዚ በል “ብስም አብ፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን”
- ንቅዱስ ሥላሴ ብምጽዋዕ፣ ምእንቲ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ካብ ዓለማዊ ጉዳያት ነጻ ክትገብሮም፣ ንገለ እዋን ስቕ በል። ሽዑ ንሕሊናኻ ናብ ላዕሊ ምስ ሰቐልካ ከምዚ ኢልካ ብህድአት ብዘይ ታህዋኽ ፣ ብምሉእ ልብኻ ጸልይ።
- “ኦ ኣምላኸይ ንዓይ ንኃጥእ መሓረኒ”፣ ድኅሪኡ እቲ ካልእ ልሙድ ጸሎታት ኣከታቲልካ ጸልይ ማለት ቀዲምካ ብስም አብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን አሐዱ ኣምላክ በቅድስት ሥላሴ እአምንን እምሕጸንን ዚብል ጸሎት፣ መጀመርታ፣ ድህሪኡ ኦ ጐይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና፣ ኦ ጐይታ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና (ነኣኩተከ)፣ ድኅሪኡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና (ኣቡነ ዘበሰማያት)፣ ድኅሪኡ ጸሎተ ሃይማኖት. . .። ኣብ ክንዲ ብታህዋኽ ነዘን ጸሎታት ምድጋመን፣ እቲ ዚሓይሽ ንገሊኤን ካብ መጽሓፍ ጸሎት ምንባበን ይምረጽ። እዘን ጸሎታት ኣብቲ ውህሉል ተሞክሮ ቤተ ክርስቲያን ዝተመርኮሳ ስለ ዝኾና፣ ብአአን ኣቢልካ ናብቲ ዓብዪ ኅብረት ዚጽልዩ ሰባት ትጽንበር። ንስኻ በይኻ ኣይኮንካን ዘሎኻ፣ ኣብቲ ኣካል ጐይታ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፣ ንስኻ ሓንቲ ዋህዮ ኢኻ። ብመገዲዘን ጸሎታት ኣቢልካ ንአካልን ንልቢን ኣእምሮን ዚኸውን ትዕግሥቲ ብምህናጽ እምነትካን ትመሃር።
v
እታ ምልእቲን ቅንዕትን ጸሎት፣ `ታ`ክንጽልያ ከሎና ንቃላታ ብሓሳብናን ስምዒታትናን እናኣስተንተንና እንጽልያ
ጸሎት
እያ።
እምበኣር
ኣብ
እዋን
ጸሎት፣
ትግሃት
ኣዝዩ
ኣድላዪ
እዩ።
ኣብ ግዜ
ጸሎት
ሓሳባትካ
ኪዛውኑ
ነጻ
ኣይትልቀቖም፣
ደጊምካን
ደጋጊምካን
ንሓሳባትካ
እሰሮም
መቝሖም፣
ከም
ብሓድሽ
ድማ
ኣብታ
ምጽላይ
ዘቋረጽካላ
መስመር
ኣትኂዝካ
ደጊምካ
መሊስካ
ጀምር።
መጽሓፍ
ጸሎት
እንተዘይብልካ፡
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ
መዝሙር ዳዊት ክትጥቀም ትኽእል። ከምዚ ብምግባር ትዕግሥቲን ንቕሓትን ትመሃር።
ኣብ ኣንፊ መስኮት ደው ዚበለ ሰብ ነቲ ካብ ደገ ዚመጽእ ድምጺ ይሰምዕ፣ ከይሰምዐ ኪተርፍ ዉን ኣይኮነሉን። እንተኾነ ነቶም ድምጺታት ከከም ድሌቱ፣ ኣቓልቦኡ ኪህቦም ወይ ኪነፍጎም ይኽእል። እቲ ዚጽልይ ሰብ ዉን እናጸለየ ከሎ፣ ብቀጻሊ ዘይግቡእ ሓሳባት፡ ስምዒታትን፡ ኣእምሮኣዊ ተምሳጥን ጦብላሕታን፡ ናብ ኣእምሮኡ እናመጹ የሸግርዎ። ነዚ ኣድካሚ ኣሰልካዪ ዋሕዚ ደው ንምባል፣ ብፍጹም ኣይከኣልን`ዩ፣ ዳርጋ ከምቲ
ንአየር
ኣብ
ሓደ
ክፍሊ
ካብምንፋስ
ምኽልካሉ ዘይከኣል።
እንተኾነ
ኣቓልቦና
ክንህቦምን
ክንነፍጎምን
ይከኣለና።
ስለዚ
ኣብ
እዋን
ጸሎት
ነቶም
ጣልቃ
ዚኣትዉ
ነገራት
ኣቓልቦ
ብምኽላእ
ኣብ
ጸሎት
ጥራይ
ብምጽማድ
ብኸምዚ
ምጽላይ
ክንለማመድ ንኽእል።
“ጸሎት
ብልምምድ
ጥራይ
ዚክአል
ግብሪ
እዩ”
ይብሉ
ቅዱሳን።
ክትጽሊ ከሎኻ ንስኻ ባዕልኻ ስቕ በል። ክትጽሊ ከሎኻስ ኣብዚ ምድሪ ንእትደልዮም ሥጋዊ ድሌታት ኪማልኡልካ ዘይኮነሲ፣ እንታይ ደኣ “ይኩን ፈቃድከ/ፍቓድካ
ይኹን”
ኢልካ
ክትጽሊ
እዩ።
ንእግዚአብሄር
ኣምላኽ
ከም
ናትካ
ባርያ ወይ
ተለኣኣኺ
ጌርካ
ብምሕሳብ
ንድሌታትካ
ከማልአልካ
ምሕታት
ኣይግባእን።
ንስኻ
ንባዕልኻ
ጸጥ በል፣
እቲ
ጸሎት
ንባዕሉ
ይዛረብ።
“ጸሎትካ አርባዕተ ክፋላት ዘማልእ ኪኸውን ይግባእ” ይብል ቅዱስ ባስልዮስ፣ “ኣምልኾ፣ ምስጋና፣ ሓጢኣትካ ምንዛዝን፣ ጥርዓን ብዛዕባ ድሕነት ነፍስኻን”። ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳይ ኣይትገደስ፣ ወይ ኣይትጸሊ ግና “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም” /ማቴ 6፥33/።
እቲ ብጸሎቱ ኣቢሉ፣ ንድሌቱ
ወይ
ትምኒቱ
ምስ
ፍቓድ
ኣምላኽ
ዘየጋጥሞ (ዘየሳንዮ)
ሰብ፣
ኣብ
ዚሠርሖ
ነገራት
ዕንቅፋት
የጋጥሞ፣
ብቀጻሊ
ድማ ኣብ
መጻወድያ
ጸላኢ
ይወድቕ።
እዚ
ሰብ`ዚ
ቅሬታ፡ ቁጥዐ፡
ጓሂ፡
ስምባድ፡
ርባጸ፣
ጭንቀት
የጋጥሞ።
ኣብ
ከምዚ
ዚኣመሰለ
ኵነተ
ኣእምሮ
ኮይኑ
ድማ ማንም
ሰብ
ኪጽሊ
ኣይኽእልን።
ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ናይ ወቀሳ ስምዒት የሕዲርካ ዝግበር ጸሎት፣ ዘይጽርዩ ጸሎት እዩ። ኣብ ጸሎትካ ንብጻይካ ክትወቅስ፣ ወይ ዉን ቂም ሒዝካ ክትጽልዪ ኣይግባእን፣ እዚ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ እዩ። ኣብ ጸሎትካ፣ ክትገንሕ
እንድሕሪ ኮይንካ፣ እታ ሓንቲ እትግናሕ ኣካል፣ ገዛእ ነብስኻ ጥራይ እያ። ርእሰ መግናሕቲ ሕመረት ጸሎትካ ግበሮ። ብርእሰ መግናሕቲ
ኲሉ ጸሎትካ ኣቕርቦ፣ ንካልኦት ሰባት ክትወቅስ ኣይትፈትን፣ ንገዛእ ነብስካ ጥራይ ዉቀሳ። ‘ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ክንመሃሮ፧’
ትብል ትኸዉን፤ እቲ መልሲ ዉን፣ “ብጸሎት ነዚ ክትመሃሮ ኢኻ”።
ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ነቕጺ ወይ ድርቂ
ኣይትፍርሃዮ።
እቲ
ሕይወት
ዚህብ
ነጠብጣብ
ዝናብ
ካብ
ላዕሊ
እምበር፤
ካብቲ
ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ
እሾኽን
ተዀርባን
ዘፍሪ
(ዘፍ.
3፥18)
ተሪር
ሓመድ
ኣይኮነን። ፍሉይ ስምዒት፣
ወይ ተኣምራታዊ ተምሳጥ፣ ዘስዕብ ኩነታት ኣይትጸበ። ጸሎት ንዕግበት ኢልካ ዝፍጸም ኣይኰነን። “ተሽገሩን ጕሀዩን ብኽዩን” /ያዕ
4፥9/፣ መዋቲ ምዃንካ እንዳዘኸርካ፣ ምሕረት ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕተት። እቲ ዝተረፈ ግብሪ ኣምላኽ እዩ ክኸዉን!
3 comments:
My favorite part on prayer.
Kale hywet!
http://eotc.tv/
http://eotc.tv/
Post a Comment