ምዕራፍ 16 ጸሎት 2ይ ክፋል
ኣብቲ
ዝሓለፈ ምዕራፍ ብዛዕባ ጸሎት መሰረታዊ ርድኢት ሒዝና ኣለና። ቅዱሳን ኣቦታት ጸሎት ኢሎም ዝዛረቡሉ, ነቲ ሓሓሊፉ እንገብሮ፣ ኣብ
መኣዲ፡ ናይ ንግሆ፡ ናይ ሠርክ ጸሎት ጥራይ ኣይኰነን፤ ጸሎት ንዕዖም ብዘይምቑራጽ ንዝግበር ጸሎት፣ ማለት ናይ ጸሎት ህይወት እዩ።
“ከየባተኽኩም ጸልዩ” /1ይ 5፥17/ ዝብል ትእዛዝ፣ ብቐጥታ ዝዉሰድ እዩ። ብምልኣት ዉን ክትግበር ይግባእ።
ጸሎት
ናይ ጥበባት ጥበብ ፣ ናይ ሳይንቲስት ሳይንስ እዩ። ጥበበኛ ንሕብሪ፡ ቃላት፡ ጭቃ ወሲዱ፣ ብናቱ ሓሳብ ጌሩ፣ ዝተፈላለየ ጽባቐ
ዘለዎ ናይ ስነ ጥበባት ስርሃት የፍሪ። ጸሎተኛ ዉን ከምኡ እዩ። ናይ ጸሎተኛ ሰብ መሳርሒ ንጥረ ነገራት፣ ገዛእ ሰብነቱ`ዩ፤ ብጸሎቱ
ኣቢሉ ንገዛእ ሰብነቱ መንፈሳዊ ጽባቐን ቅርጺን የትሕዛ። ቅድም ንገዛእ ርእሱ፣ ደሓር ዉን ንካልኦት ከጸባብቕ እዩ።
ተመራመርቲ ስነፍልጠት ነቲ ህሉው ነገርን ንፍጥረታትን የጽንዕ፤ ጸሎተኛ ሰብ ከኣ ካብ ፍጥረታት ተበጊሱ ናብቲ ልዑል ፈጣሪ ይቐርብ።
ኣብ ፍጥረት ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ምንጪ ፍጥረታት ይግደስ። ፍቕሩ ዉን ካብ ርህራሀ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ካብቲ ምንጪ ጽባቐ እዩ፤ ካብ
መስርሕ ህይወት ኣይኰነን እንታይ ደኣ ኣብቲ ምንጪ ህይወት ይዉከል፤ ኣብቲ ናቱ ስምዒት ኣይሙርከስን፣ እንታይ ደኣ ኣብቲ ምንጪ
ህሊናዊ ንጽህና ዝዀነ፣ ልዑል ፈጣሪ እዩ።
ጥበበኛን
ሳይንቲስትን ናብቲ ዝዓለምዎ ደርጃ ክበጽሑ፣ ብዙሕ ይጽዕሩ። ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ እንከለዉ፣ እግዚአብሔር ክገልጸሎም ጥራይ ኣይጽበዩን፣
እንታይ ደኣ ይጽዕሩን፣ ይደኽሙን። ከምኡ እንተዝኸዉን ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣይመፍረዩን። ሙዚቀኛ ጣዕሚ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ቃንዩ ምእንቲ
ክመልኮ፣ ብዙሕ ይላመድ። እምበኣር እዚ ዓዉዲ ክንድዚ ዝኣክል ጻዕሪ ካብ ሓተተ፣ ኣብ ልቢ ንዝግበር ስራሕ`ከ ደኣ፧? ልቢ ሰብ እኳ
ምስ ኩሉ ብልሓቱ፣ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዘድልዮ።
“ንኣምላክ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” /ያዕ 4፥8/። ስለዚ እቲ ተብግሶ ካባና እዩ። ሓደ ስጉምቲ ናብ እግዚአብሔር እንድሕሪ ቀሪብና፣ ንሱ ዓሰርተ ስጉምቲ ናባና ይቐርብ። ኣብነት ጥፉእ ወዲ ንዘክር፣ ኣምላኽ `ቲ ጥፉእ ወዱ ክመጽእ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ (15፥20)።
ናብ
ኣምላኽ ክትቀርብ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ቀዳመይ ስጉምቲ ካባኻ ክብገስ ኣለዎ፣ ዋላ `ቲ`መንገዲ ብሩህ ኮይኑ ኣይረኣየካ ኣይትገደስ፣ ጥራይ ተበገስ። ኣበጋግሳኻ
ደርገፍገፍ ስለዝበዝሖ ኣየሻቕልካ፣ ፍርሕን ጥርጥርን ከይወርሰካ ግና ተጠንቀቕ። ጸላኢ ሰናያት ብዛዕባ `ቲ ትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ
እንተሓጨጨልካ፤ ኣይትሳነፍ። 'ትርጉም ዘይብሉን ከንቱ ድኻምን' ምዃኑ ከእምነካ እንተፈተነ፣ ቦታ ኣይትሃቦ። ዲያብሎስ ጸላኢና ሓንቲ
ተፍርሖ ነገር እንተሃልያ ጸሎት እያ። ስለዚ ጸልይ!
ሓደ
ናይ ምንባብ ፍቅሪ ከማዕብል ዝደሊ ህጻን፣ ብዙሕ ብምንባብ ነዚ ልምዲ ከጥርዮ ይኽእል። ቋንቋ ክትለምዶ እንድሕሪ ኮይኑ፣
ደጋጊምካ ክትዛረቦ ይግባእ። ብዙሕ ምስ ደጋገምካዮ፣ ብዙሕ ትለምዶ፣ ብዙሕ ዉን ትፎትዎ። ፍትወት ምስ ልማድ ይምዕብል። ልምምድ ዉን
ናብ ክእለት ይመርሓካ። ብልምምድ ክእለት ምስ እተጥሪ ዉን፣ ነቲ ልምምድካ ኣዚካ ክትፎትዎ ኢኻ።
ኣብ ጸሎት ዉን ሓደ ዓይነት መንገዲ`ዩ፣ ብግብሪ ከይተበገስካ ዝጥረይ ክእለት የለን። ቅድም መለኮታዊ ሓይሊ ክዓስለካ`ሞ፣ ብድሕሪኡ ክትጽልይ ትጽበ ተሃሊኻ፣ ዕሽነት እዩ። ከምቲ ክንዛረብን ክንሓስብን ዝተፈተርና፣ ሰብ ክጽልዪን ዉን`ዩ ተፈጢሩ። “ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን አቐመጦ” /ዘፍ 2፥15/ እዛ ገነት ኢልዋ ዘሎ ቦታ፣ ኣብ ልቢ`ያ ትርከብ። ንልቢ ዝመስል ገነት`ሞ ኣበይ ክርከብ፧?
እታ ሰኣን ገዛእ ርእስኻ ዘይምግታእኻ ዝሰኣንካያ ገነት፣ ከም ኣዳም ክትዓያን ክትህልዋን ይግባእ። ካብዛ ገነት ምስ ተባረርካ፣ ቆጽሊ
በለስን፣ ደበሎን ኢኻ ተኸዲንካ፤ እዚ ናይቲ ሓላፊን በስባሲን ነገራት ዓለም ምሳሌ እዩ /ዘፍ 3፥21/። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ`ታ
ናብ ኦም ህይወት እትወስድ ቀጣን መንገዲ፣ ናይ ሴፍ ሃልሃልታ ኣሎ፣ እዚ ሃልሃልታ ሓዊ ፍትወት ዓለም እዩ። ነዚ ፍትወት ዓለም ዝሰዓረ ዘበለ
ኲሉ፣ ካብታ ኣብ ማእኸል ኢደን ዘላ ኦም ህይወት ክበልዕ ግደ ኣለዎ /ራእ2፥7/።
ነዚ
ዓወት ክትረኽቦ ኣዝዩ ከቢድ እዩ! “ኣዳም ሓንቲ ሕጊ ሓንሳብን ጥራይ ጥሒሱ፣ ንስኻ መዓልታዊን ኣብ ሰዓት ሰዓትን፣ ንዂለን ትጥሕሰን”
ቅዱስ እንድርያስ ዘቄርጤስ። ስለዚ ጸሎት ኣዘዉትር። ከም ሓደ ደረቀኛን ነቃጽን ሰብ፣ ካብ ጸሎትካ ከይተፈለይካ፣ ጸኒዕካ ጸልይ።
ብጸሎትካ ናብ ላዕላይ ስማይ ኣመልክት።
ኣብ
ብዙሕ ኣጋጣሚ ከም ንዕዘቦ ሓደ ደርቐኛን ነቓጽን ሰብ ብዛዕባ በደሉ ኣይፍለጦን። ኣብ ጸሎትዉን ከምኡ ይኹን። ልበይ ነቃጽ`ዩ ኢልካ
ኣይትፍራሕ፣ ጥራይ ኣብ ጸሎትካ በርትዕ። ጸሎት ነቲ ተሪር ልብኻ
ከፍኹሶ እዩ።
0 comments:
Post a Comment