Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Thursday, May 16, 2013

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 4

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 4ይ ክፋል . . . ካብ ዝሓለፈ ክፋል መቐጸልታ


ለ. “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ዝብል ትምህርቲ ንገዛእ መለክዒታቱ ዘየማልእ እዩ

ቀንዲ ዓንደ ሕቆ ትምህርቲ ፕሮቴስታንት፣ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሉ ነገር ምላሽ ዝህብ ናይ መወዳእታ በያኒ መጽሓፍ፣ ምዃኑ ስለዝኣመኑ፣ ካልእ ኹሉ ይነጽግዎ። ኮይኑ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓሳብ ይቃወሞ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ፣ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ” እኹል እዩ፣ ኣይብልን። ስለዚ ነዚ ቀንዲ ትምህርቲ ባዕሉ፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ መለክዒ፣ ቅቡል ኣይኮነን። እስከ ፕሮቴስታንት፣ ነዚ ትምህርቶም ዝሕግዞም፣ መርትዖ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀርቡልና ንበሎም። ብዉሑዱ፣ ክልተ ሰለስተ መርትዖታት ክቕሩብልና መድለየ፣ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎ “ነገር ዚቐዉም ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር እዩ” (2 ቆሮ 13፥1)። ግን ኣብ ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ንድለ፣ ንትምህርቲ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ዝብል ዝድግፍ ሓንቲ ጥቅሲ ከማን ኣይንረኽብን። ዝቐራረቦ ከማን የለን። ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብመርሒነት መንፈስ ቅዱስ ከምዝተጻሕፈ፣ ፍጹም ሓቀኛ፣ መዝነት ዘለዎን፣ ኣድላዪን ምዃኑን፣ ይምስክር እዩ። “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ”፣ ንኣመንቲ ክርስትና ዘድሊ ግና ኣይብልን። ንምእማት ዝኣክል ዉን እንተዝርከብ፣ ቅዱሳን ኣቦታት ምመሃርዎ ኔሮም። ግን ማንም ኣቦ ከምዚ ኢሉ ኣይመሃረን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኮነ፣ ትዉፊት ዉን ንክርስትና ኣድላዪ እዩ (2 ተሰ 2፥15፡ 1 ቆሮ 11፥2)። ሕጽር ብዝበለ ኣዘራርባ፣ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ንዝብል ትምህርቲ ፕሮቴስታንት፣ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ይጻረሮ ምዃኑ ክንርዳእ የድሊ።

ሐ. መጽሓፍ ቅዱስ ንምቱርጓም ዝጥቐሙሉ ሜላ ጌጋ ምዃኑ

መጽሓፍ ቅዱስ ሂብካ፣ ሰባት ብዉልቆም ክርድእዎን ከጽንዕዎን ምሕዳግ፣ ርእሱ ዝኸኣለ ዘይምስምማዕ ከምዚፈጥር ርዱእ እዩ። ቀዳሞት ጀመርቲ ፕሮቴስታንት፣ ሰባት ብዉልቃዊ መንፋዕቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድእዎ ምግባር፣ ኣብ መሰረታዉያን ትምህርቲ ክርስትና ከይተረፈ ዘይምስምማዕ ከምዚፍጠር፣ ኣብቲ ሽዑ ብዘጋጠሞም ፈተናታት፣ ተገንዚቦሞ እዮም። ኣብ ህይወት ማርቲን ሉተር ከይተረፈ ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ጉጅለታት “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እመን” ዝብሉ፣ ግን ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከምዚብል ዘይሰማምዑ፣  ተፈጢሮም ኔሮም። ሉተር ኣብ ግዚኡ፣ ምንቅስቃስ ፕሮቴስታንት ክጅምር እንከሎ፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ወይ ብቅቡል ምኽንያት (persuaded by Scripture, or by plain reason) እንድሕሪ ዘይተረዳእኹ ነዚ ዝምህሮ ነገር ፈጺመ ኣየቋርጽን፣ ኢሉ ኔሩ። ድሒሩ ፣ ምስ ትምህርቲ ሉተራን ኣብ ዝትፈላለየ ነጥብታት ዘይሰማምዑ፣ ኣናባብቲስት (Anabaptists) ዝበሃሉ ጉጅለ ምስ ተፈጥሩ ግና፣ ኣባላት ሉተራን ንበሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ኣናባብቲስት ቀንጸልዎም። “ነፈሲ ወከፍ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ክርድኦ መሰሉ እዩ” ዝብል መደርኦም ደኣ እንታይ ኮይኖም ዘይተግበርዎ፧!

“መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ካብ ዝብል ዶግማ፣ ፕሮቴስታንት ብዙሕ ምፍልላይ ገጢምዎም። ኣብ ክንዲ ምልስ ኢሎም፣ ነቲ መንስኤ ጸገም ዝኮነ ትምህርቶም ዳግመ ግምት ዝገብርሉ፣ ካልእ ሓሳባት ከውሕዙ ጀመሩ። ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ፣ ነቲ ካልእ ጉጅለ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብቅኑዕ መንገዲ የንብብዎ የለዉን፣ ብምባል ነንሕድሕዶም ይወጋገዙ። ነቲ ዝፍጠር ዘሎ ምፍልላይ መፍትሒ እንተኾነ ኸኣ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቶሮጓጉማ ዝሕግዙ ሜላታት ክጥቀሙ ጀመሩ። ዋላዃ እዘን ሜላታት፣ ነቲ በብግዚኡ ዝፍጠር ምፍልላይ ደዉ ከብልኦ ኣይኽኣሉ፣ ግን ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ጥቅሚ ዉዒለን እየን። ነተን ዝዉትራት ሜላታት በብሓደ ንፈትሸን።

ሜላ ቁ.1፦ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቃል ቶርጉሞ፣ መልእኽቱ ርዱእ እዩ

ነዚ ሜላ ቀዳሞት መስረቲ ፕሮቴስታንት እዮም ክጥቀሙሉ ዝጀመሩ፣ ግን ቀጻልነት ዘለዎ ፍታሕ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኮይኑ ግና ኣብቶም ወንጌላዉያን፣ ካሪዝማቲክን፣ ክሳብ ሕጂ ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ። “መልእክቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር እዩ፣ ተጻሑፉዉን ዘሎ ኹሉ ንጹር እዩ”  ብዙሕ ግዜ ዝደጋግምዎ ሓረግ እዩ። እዚ ሜላ ግና፣ ኣብቲ ንሶም ዘይቅበልዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቅስታት ክመጽእ ኸሎ፣ ይቕየር እዩ። ንኣብነት እንተወሲድና፣ ጐይታ ንሓዋርያት ሓጢኣት ናይ ምስትስራይ (ምፍታሕ) ስልጣን ከምዝሃቦም (ዮሃ 20፥23)፣ ብዛዕባ ቁርባን “እዚ ስጋይ እዩ. . . . ደመይ እዩ” (ማቴ 26፥26፡28)፣ ከምኡዉን ቅ.ጳዉሎስ ንደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቤተክርስቲያን ርእሰን ክሽፍና ከመ ዘለወን ክምህር እንከሎ(1 ቆሮ 11፥1-16)፣ እዚ ሜላ`ዚ ኣብ ትግባረ ኣይዉዕልን፣ ይቕየር። ስለምንታይ እዘን ጥቅስታት ቃል ብቃል ዘይቱርጎማ!፧
ይቕጽል. . . . 

0 comments:

Post a Comment