ምዕራፍ 2. ሰማያዊ መዋጥርን ፍታሕ ብተዋህዶን. . . መቐጸልታ
ኣብ ዝሓለፈ 3 ክፋላት መጽሓፍ "ስግው ቃል" ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ብዛዕባ ኣዳም ከመይ ከዝተፈጥረን ከምዝተጋገየን፣ እግዚአብሔር ዉን ከመይ ጌሩ ከድሕኖ ከምዝመረጸን፣ ርኢና። ቃለ አብ ንምንታይ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ ዉን ገሊጽና። ሕጂ ዉን ብዛዕባዚ ዝያዳ የብርሆ።
8. እምበኣር በዚ
ምክንያት`ዩ፣ እቲ ዘይነገራዊ፣ ዘይመዉትን፣ ስጋዊ ዘይኮነን ቃለ ኣብ ናብ ዓለም ዝመጽአ። ከምዚ ክበሃል ከሎ፣ ቅድም ርሒቁ ኔሩ ማለት አይኮነን። ካብ ፍጠረት ዓለም ፈጺሙ ርሒቁ ኣይፈልጥን፣ ፍጥረት ዉን ብዘይብኡ፣ ንበይኑ ተፈልዩ ኣይፈልጥን። ምስ ኣብ ብሓድነት እንከሎ፣ ንመላዕ ዓለምዉን መሊእዋ
ነበረ። ናብ ዓለም መጽአ ክንበል ከለና፣ ብሓድሽ መልክዕ መጽአ ማለት'ዩ። ብፍቕሩ ገዛእ ርእሱ ገለጸልና፣ ነዚ ዉን ከማና ትሕት
ብምባል፣ ናብቲ ናትና ደረጃ ለጠቕ ኢሉ ብምዉራድ ስጋ ለቢሱ ናብ ዓለምና ኣተወ። እቲ ልክዕ ከምኡ (ከም ቃል) ሓሳብ እግዚአብሔር
ኣብ ዝገልጽ፣ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ብብልሽዉና ኣቢሉ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስለዝነገሰት ናብ ጥፍኣት የምርሕ ነበረ። ዉጽኢት ናይ ሕጊ
ምጥሓስ ዝዀነት፣ ብልሽዉና ተቖጻጺራቶም ነበረት። ሕጊ ከይተፈጸመ እቲ ዉሳኔ ክሰዓር ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ንሱ ባዕሉ ብኢዱ ዝፈጠሮ ፍጡር ክጠፍእ ማለት ዉን ዘበት። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ኣብ ሓጢኣት እንዳጠሓሉ ይኸዱ ከምዘለዉን፣
ሞት ዉን ሙሉእ ንሙሉ ተቆጻጺራቶም ከም ዘሎ፣ ጐይታ ረኣየ።
ሰብ ዓቕሙ ድሩት ከምዝዀነን፣ ነቲ ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ዝነበረ ሞት ዉን ክንጻወሮ ከምዘይንኽእልን፣ ፍጥረት እግዚአብሔር ዉን ብኸንቱ ይጠፍእ ከምዘሎ ምስ ረኣየ፣ ብደቂ ሰባት ፍቕሪን ሓልዮትን ተደሪኹ፣ ከድሕነና ናብ ዓለምና ኣተወ። ከማና ስጋ ለቢሱ ዉን ኣብ ማእከልና ሓደረ። ክርአ ጥራይ ኢሉ ኣይኮነን፣ ስጋ ሰብ ዝለበሰ። ከምኡ እንተዝኸዉን ካልእ መንገዲታት ምመረጸ። ካልእ ዝሓሸን ዝጸበቐን ነገራት ምመረጸ። ግን ከማና ሰብ እዩ ኮይኑ። ስግኡ ዉን ካብ ማንም ኣይኮነን። ካብታ ሕፍንቲ፣ ኣበሳ ኮነ መንቅብ ዘይብላ፣ ብሩካቤ ስጋ ዘይረኸሰት፣ ንጹሕ ስጋ ዝሓዘት ድንግል እዩ ወሲድዎ። ካብኣ ዉን ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ስጋ ብምልባስ ሰብ ኮነ። ንሱ እዚ ሓያል ገባሬ ኩሉ ዝዀነ ኣምላኽ፣ ባዕሉ ኣዩ ነዚ ስጋ መቅደሱ ንኽከዉን ኣብ ማሕጸን ድንግል ዘዳለዎ። ምስ ኣዳለዎ ዉን መሳርሒ ንኽገብሮ፣ ክሓድረሉን፣ ክግለጸሉን ንገዛእ ርእሱ ወሰዶ። በዚ ስጋዚ ዉን ኢና ንሕና ዝፈለጥናዮ። ኩሉ ስጋ (ሰብ) ኣብ ግዝኣት ሞትን ጥፍኣትን ስለዝነበረ፣ ከማና ስጋ ሰብ ብምልባስ፣ ኣብ ክንዲ ኩላትና ገዛእ ርእሱ ንሞት ኣግዝአ፣ ህይወቱውን ንኣብ (እግዚአብሔር አብ) መስዋእቲ ክትኸውን ወፈያ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስጋ (ሰብ) ንዝነበረ ሞት፣ ኣብ ሰብነቱ ብምጿር፣ ኣብ ክንዲ ክላትና ሞተ፣ ሓይሊ ሞት ዉን ተሳዕረ፣ ብሞቱዉን ንሕና ምስኡ ሞትና፣ በዚ ዉን ኣብ ልዕሊ ኩልና ንዝነበረ ሞት ተሰረዘ። ስለዘፍቀረና ነዚ ኩሉ ገበረልና። ንደቂ ሰባት ካብ ዘልዓለማዊ ምምሽማሽ (corruption) ናብ ናይ ዘልዓለማዊ ህይወት (to incorruption) ክመልሰና፣ ገዛእ ስግኡ ናብ ሞት መደባ፣ ብጸጋ ትንሳኤኡ ዉን ኣድሓነና። ከምቲ ሓዊ ንሓሰር ህሙክ ዝጠፍእ፣ ከምኡዉን ሞት ብትንሳኤ ተሳዕረ።

9. ነቲ ኣብ ልዕሊ
ኹሉ ሰብ ነጊሱ ዝነበረ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት (corruption) ብሞት ጥራይ`ዩ
ክስዓር ዝኸኣል፣ ነዚ ዉን ቃል (The
Word) ኣቐዲሙ ፈሊጥዎ። ግን ከኣ ንሱ ማለት ቃል፤ ወዲ ኣምላኽን፣ ሞት ብባህሪኡ ዘይሰማምዖን (ክመዉት ዘይኽእል መለኮታዊ) እዩ። እምበኣር ሞት ዝሰማምዖ
ስጋ ሰብ ብምዉህሃድ ነዚ ክልተ ነገር ተግበረ፣ በቲ መዋቲ ስግኡ ንሞት ይጥዕም፣ በቲ ዘይመዉት መለኮቱ ኸኣ ንዓና ህይወት ይህብ።
ቃል መላኮታዊ (ኣምላካዊ) ስለዝኾነ፣ ብሞቱ ንሞት ኩላትና (ካብ ፍጥረት ዓለም
ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ዓለም ንዝዉለድ) ካሕሳ ክኸዉን ይኽእል፤
በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብባህሪኡ ሓጢኣት ዘይሰማምዖ ንጹሕ ስለዝኮነ፣ ንኹላትና ከንጽሃና ይኽእል፣ ነዚ ዉን ብጸጋ ናይ ትንሳኤ ፈጸሞ።
ነቲ ብምንም ዓይነት ሓጢኣት ዘይረኸሰ ኣካላቱ (ስግኡ) ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ፣ መስዋእቲ ኾነ። በዚ ሞቱ ኣቢሉ ኸኣ ነቲ ኣብ የሕዋቱ
(ኣብ ደቂ ሰባት) ነጊሱ ንዝነበረ ሞት ሰዓሮ። ቃል ልዕሊ ኹሉ ዝኰነ ፍጹም መለኮታዊን ኣምላኻዊን እዩ፣ ስለዚ ንቤት መቅደስ ስግኡ
(ኣካላቱ) ኣብ ክንዲ ኩሉ ሰብ ወኪሉ መስዋእቲ ክትኸዉን ምስ ወፈያ፣ ብሞቱ ዕዳና ደምሰሰልና (ካሕሳና ኮነልና)። ሞት ዘይሰማምዖ
(ዘይመዉት) ወዲ ኣምላኽ ምሳና ምስ ስጋዊ ባህርይና ስለዝተወሃሃደ፣ ብተስፋ ትንሳኤ ናብ ዘይምምሳን ተሰጋጊርና (clothed
with incorruption)። ሰባት በዚና ድሒንና፣ ቃል፣ ስጋ
ሰብ ተዋሃሂዱ ስለዝተገልጸ፣ ብሞት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ ምምሳን (ዘልኣለማዊ ጥፍኣት corruption)
ንዘልኣለም ሰዓሮ።
ሕሰብዎ እሞ ሓደ ፍጹም ሓያል ንጉስ ኣብ ሓንቲ ከተማ ኣትዩ፣ ኣብ ሓንቲ ገዛ ጋሻ ኮይኑ እንተዘዕርፍ፤ ኣብ ሓንቲ ገዛ ጥራይ ስለዝሓደረ፣ መላእ እታ ከተማ ትኸብር፣ ዉሕስነታ ይሕሎ፣ ጸጥታን ሰላምን ኣብ ኩላ `ታኸተማ ይነግስ። ሸፋቱ ዉን ነታ ከተማ ኣይደፍርዋን። ንጉሰ ነገስት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ`ዩ ጌሩ። ናብ ምድርና መጺኡ ኣብ ስጋ ሰብ ሓዲሩ ኣብ ማዕኸልና ተገለጸ፣ ንሱ እቲ ንጉስ ኣብ ማእኸልና ስለዝሓደረ ዉን እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ መግዛእቲ ሞትን ምምሳንን ንዘለኣለም ሓይሉ ተሳዕረ። ንሱ እቲ ወዲ ኣምላኽ፣ ጐይታን መድሓኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ኣንተዘይሓድር ኔሩ፣ ንዘለኣለም ምጠፋእና ኔርና፣ ሞትዉን ምገዝኣና።

10. እዚ ኹሉ
ስራሕ፣ ግብሪ ናይቲ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር እዩ። ካልእ ኣብነት ዉን ንዉሰድ። ሓደ ንጉስ ንኽብሩ መግለጺ እትበቅዕ ሓንቲ ከተማ
ሃኒጹ፣ ሰባት ክቕመጥዋ ሂብዎም ንበል። እቶም ተቐማጦ ግና፣ ብሰንኪ ሸለልተኝነቶም ብጉብእ ስለዘይሓለዉዋ፣ ጸላእቲ መጺኦም ነታ
ከተማ ኣዕነዉዋ። ሕጂ እዚ ሰናይን ፍጹምን ዝኾነ ንጉስ እንታይ ይግበር፧?
መግለጺ ክብሩ ስለዝኾነት ነቶም ጸላእቲ ስዒሩ፣ ነታ ከተማ መሊሱ ይሃንጻን፣ ናብ ናይ ቀደም ክብራ ዉን ይመልሳን። እምባኣር እግዚአብሔር ወልድ ነዚ እዩ ጌሩ። ወልድ ማለት ወዲ`ቲ ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር አብ፣ ሰባት እንታይ ከምዝገብሩ ይፈልጥ እዩ፣ እንዳፈለጠ ዉን`ዩ ዝፈጠሮም። ግን ብናቶም ጌጋ ሞት ምስ ኣምጽኡ፣ ገዛእ ኣካላቱ ንሞት ብምዉፋይ ንሞት ሰዓሮ፣ ብትምህርቱ ኣቢሉ ዉን ኣብ ደቂ ሰባት ንዝነበረ ሸለልተኝነት ኣረሞ። ከምዚ ኢሉ ከኣ፣ ንሰብ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ መለሶ። ደቀ መዝሙርቱ ዉን ነዚ እዮም ዝመሃሩና፣ “እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና። ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” /2ይ ቆሮ 5፥14-16/። ኣብ ካልእ ዉን ከምዚ ይብል “ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ ኢየሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ አሎና። እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽሞ ተገብኦ።” /ዕብ 2፥9-10/። ኣብዚ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ፤ ንደቂ ሰባት ካብ ዘልኣለማዊ ምምሳን ከድሕኖም ዝኽእል ንሱ በይኑ እቲ ብመጀመርታ ዝፈጠሮም ቃል (ክርስቶስ) ምዃኑ የረድኣና። ብምቕጻል እዚ ሓዋርያ`ዚ ፣ ስለምንታይ ቃል ከምዝተሰገወ ምክያት ክህብ እንከሎ፣ ነቶም ስጋ ለበስ ብመስዋእቱ ከድሕኖም ምዃኑ ይምህረና። “እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።” /ዕብ 2፥14/። ስግኡ መስዋእቲ ብምግባር ክልተ ነገር ገበረ፣ ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ዝነበረ ሞት ተሳዕረ፣ ተስፋ ትንሳኤ ብምሃብ ከኣ ሓድሽ ህይወት ፈጠረልና። ሞት ብምክንያት ሰባት ኣቢሉ ኣብ ልዕሌና ጸኒዑ ነበረ፣ ቃል ስጋ ስለዝተዋሃሃደ ከኣ ንዘለኣለም ተሳዕረ፣ ሓድሽ ህይወት ዉን ረኸብና። ነዚ ዉን`ዩ እቲ ኣማናዊ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ ዝበለ፣ “ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።” /1ይ ቆሮ 15፥21/። ስለዚ ደጊም ንሕና ክንመዉት ከለና፣ ከምቲ ቀደም ንሞት ዝተፈርዱ ኣይኮናን፣ እኳ ደኣ ከምቶም ተስፋ ትንሳኤ ዝጽበዩ ኢና። ነዚ ዉን እቲ ገባሬ ኩሉ ዝዀነ እግዚአብሔር ኣብ ግዚኡ ክገልጾ እዩ (1ይ ጢሞ 6፥15)። እምበኣር ቃል ስጋ ዝኾነሉ ቀዳመይቲ ምክንያት እዚ ዝገልጽናዮ እዩ። ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ካልእ ስለዘሎ በብሕደ ክንፍትሾ ኢና።

0 comments:
Post a Comment