Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Friday, May 24, 2013

ስግው ቃል 4

3. ሰማያዊ መዋጥርን፣ ፍታሕ ብተዋህዶን. . . ይቕጽል


11. ሰባት ብዉልቃዊ ጻዕሮም ንኣምላኽ ክፈልጥዎ ኣይኽእሉን፣ እግዚአብሔር ባዕሉ`ዩ መንነቱ ዝገለጸሎም። ሰብ ብባህሪኡ ዉሱንን ድሩትን ስለዝኾነ፣ ነቲ ዘይዉሰን፣ ዘይምርመርን፣ ረቂቅን ዝኾነ እግዚአብሔር ክፈልጦ ኣይኽእልን። ክፈጥረና እንከሎ ዉን ኣምላኽ ነዚ ነገር ይፈልጥ እዩ። ስለዚዉን ነቲ ናቱ ፍልጠት ንክህልዎም ገበረ፣ ምኽንያቱ ፍልጠት ናይ ፈጣሪኦም ዘይብሎም እንተኾይኖምሲ፣ እንታይ ጥቅሚ ኣለዎ፧ ፍጡር ህላወ ፈጣሪኡ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ ደኣ`ሞ እንታይ ዕላምኡ፧ ብዛዕባ`ቲ ናብ ህላወ ዘምጽኦም (ዝፈጠሮም)፤ ጥበብ ኣምላኽ ዝኾነ ቃል፣ ዘይፈልጡ እንድሕሪ ኮይኖም ደኣ ከመይ ጌርና ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢሮም ክንብል (How could men be reasonable)፧ ንእግዚአብሔር ዘይፈልጥዎ እንድህሪ ኮይኖም፣ ካብ ኣራዊት ዝፍለይሉ ምክንያት የብሎምን። እግዚአብሔር`ከ ንዕዑ ክፈልጥዎ መደብ እንተዘይብሉ፣ ንምንታይ ደኣ ፈጢርዎም ክንብል ኢና፧ ግን እዚ ሕያዋይ ኣምላኽ፣ ነዚ ፍልጠት ዓዲልዎም እዩ። ክፈጥሮም ኣንከሎ ብመልክዑን ብምስሉን ጌሩ ፈጠሮም፣ ማለት ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስሉ። ልክዕ ብመልክዕን ምስሊን ጐይታን ኢና ተፈጢርና። 
ስለምንታይ እንቴልና፧ ንሰብ፣ ሓጎስን ትርጉም ዘለዎ ህይወትን ዝፈጥረሉ፣ ንፈጣሪኡ ምፍላጥ እዩ። ስለዚ ደቂ-ሰባት ኣብ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ግደ ስለዘለዎም ነቲ ሓቀኛ ፍልጠት፣ ማለት ምስሊ ቃል ኣብ ህይወቶም ኣሎ። በዚ ምስሊ ኣቢሎም ንኣቦ  (እግዚአብሔር ኣብ) ክፈልጥዎ ይኽእሉ። ግን ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ ሰባት ዓያሹ ኢዮም። ሒደት ጸጋ ምስተቐበሉ፣ ካብ እግዚአብሔር ኣግለሱ።  ገዛእ ርእሶም ዉን ኣርኸሱ። ኣብ ህይወቶም ዝነበረ ፍልጠት ኣምላኽ ኣጥፍእዎ። ተመሊሶም ዉን ካልእ ኣማልኽቲ ሰርሑ። ኣብ ክንዲ እቲ ሕይዋይን ኣማናዊ ኣምላኽ፣ ካልእ ጣኦታት ሰርሑ። ቅዱስ ጳዉሎስ ዉን “ኣብ ክንዲ ፈጣሪ. . . . .ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡” /ሮሜ 1፥25/ ይብል። ሕሉፍ ሓሊፎም ዉን እቲ ንእግዚአብሔር ጥራይ ዝግባእ ኣምልኮን ክብሪን፣ ንዕንጨይቲ፣ ኣእማንን ሰባትን ቀየርዎ። ስጋዊ ፍትወቶም ከዕግቡ ዉን፣ ርኹሳት መናፍስቲ፣ ከም ኣማልኽቲ ጌሮም ከምልኹ ጀመሩ። ነዞም ኣማልኽቲ ዉን፣ እንስሳታትን ሰባትን ሰዉኡሎም። ከምዚ ብምግባሮም ዉን መመሊሶም ናብ ዓዘቅቲ ክኣትዉ ጀመሩ። ብዘይካ እቲ ብዓይኒ ዝርአ፣ ካልእ ፍጹም ትርጉም ዘይብሉ ጌሮም ስለዝቖጸርዎ፣ ጥበብ ብምባል፣ ዝተፈላለየ ጥንቆላታትን፣ ሽርሕታትን ኣብ ህይወቶም ኣተኣታተዉ። ንህይወት ኩሉ ሰብ ዉን ምስ ከዋኽብቲን ዛዕጎልን ኣዛመድዎ። ክፍኣት፣ ሕጊ ምጥሓስ፣ ሓጢኣት፣ ኣብ ኹሉ ቦታ ነገሰ። ኣምላኽ ይኹን ቃሉ ተረሲዑ። 

እዚ ኹሉ ክገብሩ እንከልዉ ግና ሱቕ ኢሉ ንክጠፍኡ ኣይሓደገሞን። ገዛእ ርእሱ ብብዙሕ መንገዲ የግህደሎም ነበረ። ብቡዝሕ መንገዲን ኩነትን ገዛእ ርእሱ ገለጸሎም።


12. ሰባት ክሳዕ ክንደይ ድሩታት ምዃኖም እግዚአብሔር ይፈልጥ። ዋላ`ዃ እቲ ኣብኦም ሓዲሩ ዝነበረ፣ ጸጋ መልክዕ ኣምላክ፣ ፍልጠት ኣምላኽንቃልን ክህቦም እንተኸኣለ፣ ግን በዚ ጥራይ ኣይተወሰነን። እግዚአብሔር ብስነ-ፍጥረታት ኣቢሉ መንነቱ ገሊጹ እዩ። ብጸጋ ክፈልጥዎ እንተዘይከኣሉ፣ ብተሞክሮ ንኣምላኽ ከለልይዎ ገበረ። እዚ ጥራይ ዉን ኣይነበረን። ሰባት ነቲ ኣብኦም ሓዲሩ ዝነበረ ጸጋ፣ ብዝያዳ ከቃልልዎ ስለዝጀመሩ፣ ኣምላኽ ምእንቲ ናብ ዝያዳ ጌጋ ከይወድቁ ኢሉ፣ ሕጊ ሃቦም፣ ነብያት ዉን ኣተንስኣሎም። እዞም ነብያት ዉን ደቂ ዓዶምን፣ መናብርቶምን እዮም። ምናልባት፣ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም፣ ኣምላኾም ክፈልጡ እንድሕሪ ጸጊምዎም፣ ነቶም ኣብ ጎኖም ዘለዉ ቅዱሳን ነብያት ብምጥማት፣ ኣካይድኦም ብምዕዛብ፣ ፍልጠት ኣምላኽ ንክረኽቡ ገበሮም። ምክንያቱ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ብዙሕ ይመሓር እዩ። 

እምበኣርከስ፣ ንኣምላኽ ዝፈልጡሉ ሰለስተ መንገዲ ሂብዎም። ቀዳማይ፣ ኣብ ሰማያትን፣ ኩሉ ፍጥረታትን ብምዕዛብ፣ ነዚ ኩሉ ዝፈጠረን ዝመሓድርን፣ ሓይሊ ከምዘሎ ብምስትዉዓል፣ ናይዚ ኩሉ ነገር ገዛኢ፣ ቃለ ኣብ ምዃኑ ምፍላጥ። ንቃል ፈሊጦሞ ማለት ከኣ፣ ን ኣቦ ምፍላጥ እዩ። ካልኣይ፣ እንድሕሪ እዚ ከቢድዎም፣ ኣብ ጎኖም ምስ ዘለዉ ቅዱሳን ብምዝርራብ፣ ብዛዕባ እግዚአብሔር እንታይነት ክመሃሩ ይኽእሉ። ንሱ ኣብኡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሓቀኛ ኣምላኽ ፈሊጦሞ ማለት ኸኣ፣ ኣምልኾ ጣኦት ርኹስ ምዃኑ ክርድኡ ይኽእሉ። ከም ሳልሳይ ደረጃ ኸኣ፣ ምናልባት እዚ ኹሉ ምስላጥ እንተኣብዩ፣ ቀባሕባሕን ነው ነጀዉን ምባል ሓዲጎም፣ ሕጊ ኣምላኽ ጥራይ ብምሕላዉ ሰናይ ህይወት ክመርሑ ይኽእሉ። ነቢያትን፣ ሕጊታት ኣምላኽን ንኣይሁድ (ንእስራኤላዉያን) ጥራይ ኣይኮነኑ ተዋሂቡ። ንኩሉ ዓለም እዩ። ዋላዃ ናብ ኢስራኤላዉያን እንተተላእኹ፣ ብእስራኤላዉያን እዮም ተቐቲሎም። ሕጊን፣ መማህራን ነብያትን፣ ፍልጠት ኣምላኽ እትመሃረሉ ቅዱስ ቤትትምህርቲ እዩ። እቲ ዝግበር መንፈሳዊ ህይወት ዉን ንሙሉእ ዓለም እዩ። ፍቕሪን ሓልዮትን እግዚአብሔር ኣምላኽ መዐቀኒ ዘይብሉ እዩ። የግዳስ ሰባት በንጻሩ፣ ብርኹሳት መናፍስቲ ተታሊሎምን፣ ብስጋዊ ፍትወቶም ተታሒዞምን፣ ናብ ኣምላኽ ቅንዕ ኢሎም፣ ሓቂ ከናድዩ ኣይመረጹን። ሓጢኣቶም ኣዝዩ ስለዝበዝሐ ዉን፣ ካብቲ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ለጠቕ ኢሎም፣ ናብ እንስሳ ተቀየሩ። እንስሳዊ ባህሪ ኣማዕበሉ። ኣብ ክንዲ መልክዕ ኣምላኽ ዝዀነ ህላዊነት ቃል ዘግህዱ፣ ከም እንስሳ ተዋረዱ።
. . . . ይቕጽል

Thursday, May 16, 2013

እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧?

ሰለስተ መዓልቲ

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ተገሊጹ ኣብዚ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ፣ ብትምህርቱ፣ ተኣምራቱ፣ ሰናይ ግብሩን ጌሩ ስልጣን ከም ዘለዎ ንኣይሁድ ከርእዮም እንከሎ ኲሉ ግዜ ዝሓትዎ ሕቶ፣ "እንታይ ትእምርቲ ተርእየና" ዝብል ነበረ። ጐይታ ዉን ንኲሉ ተመሳሳሊ ሕቶታት "ድሕሪ 3 መዓልቲ" ትብል ቃል ኣትሓሒዙ፣ (ማቴ 12፥38-42፣ ሉቃ 11፥29-32፣ ዮሃ 2፥13-22) ስልጣን ከም ዘለዎ ይምልሰሎም ነበረ። እንታይ ማለቱ እዩ፣ ቅዱሳን ኣቦታትና ኸ ብዛዕባዚ እንታይ ይብሉ። ሓቢርና ንርአ፣

ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 12 ከነንብብ እንከለና፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ጐይታ ሰንበት ምዃኑን፣ ኣብ ሰንበት ኸኣ ጽቡቅ ነገር ክግበር ከም ዝግባእ ምስ ኣረድኦም፣ ነቲ ልሙስ ኢዱ ሰብኣይ ፈወሶ። ድህሪዚ ዉን ንሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ዓባስን ዕዉሩን ቀጺሉ ፈወሶ። ነዚ ነገር ምስ ረኣዩ፣ ብዙሓት ክድነቑ ምስ ጀመሩ፣ ፈሪሳዉያን ግና ጋኔን ዝሓደሮ እዩ፣ ብቡኤል ዜቡል ኣጋንንቲ ዘዉጽእ በልዎ። ሽዑ እታ  "ነንሕድሕዳ እትፈላለ ዂላ መንግስቲ ትወድቕ. ." ትብል ፍልጥቲ ትምህርቲ መሊስሎም። ሽዑ ክምህሮም እንከሎ ዉን ስልጣን ከም ዘለዎ ኮይኑ ስለዝመሃሮም ሽዑ መማህራን ከምዚ ኢሎም ሓቲቶም፣ "ኦ መምህር ካባኻ ትእምርቲ ክንርኢ ንደሊ ኣለና" /ማቴ 12፥38/።

"እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧?" ዝብል ሕቶ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜታት ንጐይታ ዝተሓቶ ሕቶ እዩ /ማር 8፥12 ሉቃ 11፥29/። እዘን ሕቶታት ዝተሓተለን ህሞትን ኲነታትን ከመይ ዝበላ እየን እንቴልና፣ ድርጋ ኲለን ተመሳሳሊ ኰይነን፣ ጐይታ ስልጣኑ ዘርኣየሉ ተኣምራትን፣ ሓይሊን ዝገበረሉን ግዜ እዩ፣ እቶም ግቡዛት ፈሪሳዉያን ነዛ ሕቶ ዝሓተትዎ። እቲ ዝነበረ ኲነታትን፣ ጐይታ ዝመሃሮን፣ ፈሪሳዉያን ዝሓተትዎን፣ ንሱ ዝመለሶን መልሲ ምስ ነስተዉዕለሉ፣ ዝያዳ ብሩህ ይኸዉን። ምናልባት ብታህዋኽ ምስ ንሓልፎ፣ ነቲ ዝተሓተ፣ ዘይመለሰ ኮይኑ እዩ ዝርኣየና። ግን በንጻሩ እዩ። እንታይ ትእምርቲ ተርእየና ማለት፣ እንታይ ክእለት፣ እንታይ ስልጣን፣ ወይ እንታይ ሓይሊ ኣለኻ እዮም ዝብልዎ ዘለዎ። ምክንያቱ ትእምርቲ መግለጺ ሓይሊ ስለዝዀነ። 

ኣብ ዮሃንስ ወንጌል 2 ዉን ተመሳሳሊ ነገር ንረኽብ። ጐይታ ነቶም ኣብ ዉሽጢ ቤተመቅደስ ኮይኖም ዘሽርፉን፣ ዝሻየጡን ዝነበሩ፣ ብጩግሯፍ ኣሳጒጉ ምስ ኣዉጽኦም፣ ተመሳሳሊ ሕቶ ሓተትዎ፣ ዝመለሰሎም መልሲ ዉን ምስቲ ካልኦት ወንጌላት ተመሳሳሊ እዩ። "ነዚ ክትገብር ስልጣን ከምዘሎካ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧?" ንሱ ዉን ምስ 3 መዓልቲ ዝተሓሓዘ መልሲ መለሰ። "ነዚ ቤተመቅደስ ኣፍርስዎ፣ ኣነ ኸኣ ብሠለስተ መዓልቲ ከልዕሎ እዩ" በሎም። ደሓር ዉን በዛ ዝተዛረባ ጌሮም እዮም ከሲሶሞ። ኣብዚ ግና ኣጸቢቕና ክንምርምር ኣለና። እንታይ እዩ ሓይልኻ፣ እንታይ እዩ ክእለትካ፣ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና ምስ በልዎ፣ ብዛዕባ ሠለስተ መዓልቲ እዩ ተዛሪብዎም። ቤተመቅደስ ኢልዎ ዘሎ ንስግኡ እዩ /ዮሃ 2፥21/፣ "ኣፍርስዎ" በሎም። ማለት ንዓይ ነዚ ስጋይ ቅተሉኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከተንስኣ እየ፣ በሎም። ኣፍረስቲ ባዕሎም መማህራን ሕጊ ፈሪሳዉያን እዮም፣ ዘፍርስዎ ማለት ዝቐትልዎ ዉን ንስግኡ ማለት ንክርስቶስ እዮም ክቐትልዎ፣ ሓይሉ ስልጣን ክእለቱ ድማ ብትንሳኤኡ ከርእዮም እዩ። 

ኣብ ማቴዎስን ሉቃስን ዉን ተመሳሳሊ መልሲ እዩ "ብዘይ ትእምርቲ ነቢይ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይኪወሃቦን እዩ። ከምቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሠለስተ መዓልቲን ሠለስተ ለይቲን ከምዝገበረ ከምኡ ከኣ ወዲ ሰብ ሠለስተ መዓልቲን ሠለስተ ለይቲን ኣብ ዉሽጢ ምድሪ ክገብር እዩ"። ኣብዚ ዉን ከም ናይ ወንጌል ዮሃንስ እዩ። እንታይ ትእምርቲ ተርእየና ኢሎም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንሞት ስዒሩ ከም ዝትንስእ እሞ፣ ልዕሉ'ዚ ዝዓቢ ሓይሊን ተኣምራትን ከምዘየሎ ኣነጸረሎም። ስለዚ ትእምርቲ ማለት ስልጣን ጐይታ እንታይ እንቴልና፣ ሞት ናይ ምስዓር ሓይሊ እዩ። "ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ።" /ራእ 1፥17/። ልዕሊ'ዚ ሞ እንታይ ስልጣን ኣሎ። ልዕሊ'ዚ ዝብርትዕ ተኣምራት የለን። ልዕሊ'ዚ ዝኸብር ክእለት ኣይተራእየን።

ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ሠልሰተ መዓልቲ ልሙድ ዘረባ እዩ። ንኣብነት እግዚአብሔር ንኣብራሃም ንሓደ ወድኻ ንይስሓቅ ሰዉኣለይ ምስ በሎ፣ ናብቲ ዝስዉኣሉ ሞርያ ዝበሃል ጎቦ ሠለስተ መዓልቲ እዮም ተጓዒዞም /ዘፍ 22/። ኣብ ሚድራሽ ዝብሃል ትዉፊት ኣይሁድ ዝሓዘ መጽሓፍ ዉን፣ ስለስተ መዓልቲ ልሙድ ዘረባ ምዃኑን፣ ብፍላይ ምስ ሓራ ምዉጻእን፣ ናጽነት ምእዋጅን፣ ንሞት ምስዓርን ዝጥቀሙሉ መግለጺ ምኳኑ የረድኣና። እቲ መድሓኒ ዝብል ትሩጓሜ ስም ዘለዎ፣ ሆሴእ ዉን ከምዚ ይብል "ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ፣ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና ኣዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።" /ሆሴእ 6፥2/። ብዛዕባ ሞት ከምዝሰዓር ዝነግር ትንቢት ዉን ኣብዚ ኢና ንረኻቦ "ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም፣ ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት፣ ፌራኻ ኣበይ ኣሎ ኣታ ሲኦል፣ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ ጣዕሳ ካብ ኣዒንተይ ተሐብኤት።" /ሆሴእ 13፥14/። ስለዚ ጐይታ ነቲ ንሳቶም ዝፈልጥዎ ልሙድ ዘረባ፣ ልሙድ ኣገላልጻ ጌሩ እዩ፣ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ዘረድኦም ዘሎ። ኣየስተዉዓልዎን እምበር!!

ገለ ሕንከት ዘይብሎም መማህራን፣ ስኣን ትዉፊት ዘይምርማር፣ ነቲ 3 መዓልቲን ለይቲን ማዕረ ንምምጻእ፣ ጐይታ ሓሙስ ተሰቒሉ ይብሉ። እዚ ግን ዓቢ ጌጋ እዩ። ከም ልማድ ኣይሁድ፣ ሓደ መዓልቲ ዝበሓል፣ ካብ ጸሃይ ዕርበት ክሳብ ጸሓይ ዕርበት እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓት ትሽዓተ (በቆጻጽራ ቤ/ክ ብፈረንጂ ሰዓት 3) ምስ ሞተ፣ ቅድሚ ጸሃይ ዕርበት እዩ ተቀቢሩ። ስለዚ ዝተቀብረሉ መዓልቲ ዓርቢ እዩ። ካብ መዓልቲ ሓንቲ ሰዓት ተለዒልካላ፣ ሓንቲ መዓልቲ እያ ትቑጸር። ቀዳም ዉን ሙሉእ መዓልቲ ኣላ፣ ካብ ሰንበት ዉን ሓንቲ ስዓት ስለዘልዕለላ፣ ብድምር ሰለስተ መዓልቲን ሰለስተ ለይቲን ንብል። እምበዓር ሓይሊ ጐይታ እዚ ስለዝዀነ፣ ንሞት ዝሰዓር ኣምላኽ ሒዝና፣ ኣብ ትሕቲ እርዑት ሓጢኣት ኣይንሸመም። ኣምላኽ ጸግኡን ምሕረቱን የብዝሕ! ኣሜን

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 5

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 5ይ ክፋል . . .መቀጸልታ

ሜላ ቁ.2፦ መንፈስ ቅዱስ ቅኑዕ ርድኢት ይህብ

ኣብ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማምዑ፣ ፕሮቴስታንትናዊ ሕዳሴ ብዝብል ምንቅስቓስ ቡዙሓት ጉጅለታት ክፍጠሩ ምስ ጀመሩ፣ እቲ ካልኣይ ፍታሕ ኮይኑ ዝቐርብ፣ መንፈስ ቅዱስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቅኑዕ ኣብ ምቱርጓም ይሕግዘና፣ ዝብል እዩ። ርግጸኛ ክንሙገተሉ ንኽእል ነገር እንተሃልዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ነንሕድሕዱ ዝጋጨው ቱርጉም ወይ ርድኢት ኣይህብን። እኳ ደኣ ቅኑዕ፣ ሓድነት ዘለዎ፣ ሓቐኛን ዘይቅየርን ትርጉም'ዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ዝህብ። ስለዚ ነንሕድሕዶም ዘይሰማምዑ ጉጅለታት፣ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዎም ክበሃል ኣይከኣልን። ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ፕሮቴስታንት፣ ነቲ ምስኣቶም ብትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ክርስቲያን ከምዘይኮነ ይቖጽርዎ። እዚ ሜላ`ዚ ብቑዕ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣብ ታሪክ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዝተረድኡ ሓደ ጉጅለ ፕሮቴስታንት ጥራይ ምረኸብና ኔርና። ካብዞም በሽሓት ዝቑጸሩ ጉጅለታት፣ ኣየኖት እዮም እቶም ሓቀኛ ጉጅለ፧ ናይዚ ሕቶ መልሲ፣ ኣብቲ ትሓቶ ሰብ እዩ ዝሙርኮስ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እታ ናቱ ጉጅለ ቅንዕቲ ምዃና እዩ ዝምስክር።  

ኣብ ግዜና ብዝተወሰነ ደረጃ ንሓቂ ኣዛሚዶም (relativized the Truth) ዝዛረቡ ሰባት ብዙሓት እዮም። ብዙሓት ፕሮቴስታንት ተዛማዲ ሓቂ ዝምስክሩ ኣለዉ። ብዙሓት ከኣ ንሕና ጥራይ ኢና ንሓቂ ዝተረዳእና ዝብሉ ኣለዉ። ኣብ ባይታ፣ ንሓቂ ኣዛሚዶም ዝዛረቡ ካብቶም ንሕና ጥራይ ኢና ሓቀኛ ኢሎም ዝዛረቡ ይበዝሑ። ግጅለ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ እንዳተወሰኸን እንደተፈንጨለን ምስ በዝሐ፣ ንሕና ጥራይ ኢና ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝተረዳእናዮ፣ ምባል ዘሕፈሮም ኣይተሳእኑን። ነቲ ኣብ መንጎ ጉጅለታት ዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ዉን “ፍቅሪ” ብዝብል ምስምስ ክሽፍንዎ ይርአ። ብዙሓት ፕሮቴስታንት ኣብ ሞንጎኦም ንዘሎ ፍልልይ “ጸገም ኣይኮነን” ይብሉ። ነፍሲ ወከፍ ግጅለ “ገለ ክፋል ሓቂ” ኣለዎ፣ ምልኣት ሓቂ ዝሓዘ ግን የሎን ይብሉ። ብከምዚ`ዩ እምበኣር ኢኩመኒዝም ዝበሓል ምብግጋስ ዝተጀመረ። ኢኩመኒዝም (Ecumenism) ንኩለን ቤተክርስቲያናት ሓደ ንምግባር ዝተበገሰ ምንቅስቃስ እዩ። ናይዚ ዉጽኢት ዉን እንተርኢና፣ ዳርጋ ብዙሓት ክርስቲያናት ነቶም ካልኦት ክርስቲያናት ገለ ክፋል ሓቂ ኣለዎም ብምባል ሕብረት ክፈጥሩ ጀሚሮም እዮም። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቶም ካልኦት እምነታት ዉን፣ ገለ ክፋል ሓቂ ኣለዎም ብምባል ክቅበልዎም ክሓብርዎም ይረኣዩ ኣለዉ። ናይ ዘመንና ፕሮቴስታንት በጺሖም ዘለዉ ፍሉጥ መደምደምታ ኸኣ፣ ነቲ ዘሎ ፍልልይ ገዲፍካ ካብ ኩለን ሃይማኖታት ገለ ክፋል ሓቂ  ወሲድካ ኣብ ሓደ ዕትሮ የእቲካ ትሓዋዉሶ እሞ፣ ሽዑ ድምር ናይዚ ኩሉ ምልኣት ሓቂ ክርከብ እዩ፣ ይብል።

ሜላ ቁ.3፦ እቲ ንጹር ክፋል ጽሑፍ ነቲ ንጹር ዘይኮነ የብርሃዮ
እዚ ሜላዚ ዝሓሸን ዝጸበቀን ይመስል። ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ክትርድኦን፣ እቲ ንጹር ነቲ ዘይንጹር መቶርጎሚ ኮይኑ ክንጥቀመሉ፣ ቀሊል ይመስል። እዚ ከመይ እዩ ዝብል ሕቶ እንተልዒልና፣ ንኣብነት ኣብ ገለ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዘይንጹር (ዘይብሩህ ወይ ዘይርዱእ) ጽሑፍ ንረኽቦ፣ ኣብ ካልእ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተመሳሳሊ ሓሳብ ዝያዳ በሪሁን ነጺሩን ንረኽቦ። ብሓጺሩ ነቲ ዘይብሩህ ክፋል በቲ ንጹር ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ምቱርጓም። ሉተራዊ መምህር ቱቢንገን ንፓትሪያሪክ ኤርሚያስ 2ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳቤ ዉን ተመሳሳሊ ሓሳብ ንረኽብ፡

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብባዕሉ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ምትርጓም እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ፣ ስለዚ ካብዚ ዝሓሸ ካልእ መንገዲ የለን። ምክንያቱ ኩሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብመርሒነት ሓደ መንፈስ ማለት ብምልዕዓል መንፈስ ቅዱስ እዩ ተጻሒፉ። መንፈስ ቅዱስ ኸኣ ፍቓዱ ፍሉጥ እዩ፣ ነቱ ንሱ ከመሓላልፎ ዝደለየ ሓሳብ ከኣ ባዕሉ ይገልጾ እዩ።

እዚ መንገዲ እዝዩ ንጹር ይመስል፣ ንፕሮቴስታንት ግን ካብ ምፍንጭጫል ኣየድሓኖምን። ኣብዚ ሜላ ዘሎ ዓቢ ጉድለት እቲ ንጹርን ዘይንጹርን ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ምዃኑ ምፍላዩ ስለዘጸግም እዩ። ኣየናይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዩ “ንጹር” ኣየናይ እዩ “ዘይንጹር”፧?

እቶም ‘ሓደ ክርስቲያን ሓንሳብ እንድሕሪ ድሒኑ ንዘልኣለም ድሒኑ ኣሎ’ ኢሎም ዝኣምኑ ባብቲስት፡ ነዚ ትምህርቲ ዝሕግዞም ብዙሕ “ንጹር” ጥቅስታት ኣለዎም። ንኣብነት “ከመይ ኣግዚአብሔር ዉህበት ምስ ሃበን ምስ ጸዉዐን ኣይጠዓስን እዩ” /ሮሜ 11፥19/፣ “እተን ኣባጊዐይን ድምጸይ ይሰምዓ እየን፥ ኣነ ከኣ ኣለልየን፣ ንሳተንዉን ይሰብዓኒ እየን። ኣነ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ህይወት እህበን፣ ንዘለዓለም ድማ ኣየጥፍአን እየን፣ ካብ ኢደይዉን ዚምንዝዐን ሓደ እኳ የልቦን።” /ዮሃ 10፥27-28/። እዚአን ጥቅስታት ንባብቲስት ‘ንጹር” እየን፣ ስለዚዉን ኣብ ትምህርቶም ‘ሓንሳብ እንድሕሪ ኣሚንካ ንዘለዓለም ድሒንካ Eternal security’ ዝብል ዶግማ ኣለዎም። ኮይኑ ግና ነዚ ትምህርቲ ዝጻረር ካልእ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽቡ እንከለዉ ‘ዘይንጹር’ ብምባል በቲ ‘ንጹር’ ኢሎም ንትምህርቶም ዝሰማማዕ ጥቅሲ መረዳእታ ይገብርሉ። ንኣብነት ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝገለጽናዮ ትምህርቶም ዝጻረር ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፣ “ጻድቕ ዝነበረ ሰብ ሓጢኣት ኪገብር እንተጀመረ፣ እቲ ቕድም ዝነበሮ ጽድቂ ኣይኬድሕኖን እዩ” /ሕዝ 33፥12/። እዚ ትምህርቲ ባብቲስት፣ ኣብ እምነት ሜቶዲስት ቦታ የብሉን። ሜቶዲስት በንጻሩ፣ ሓደ ክርስቲያን ኣሚኑ ከብቅዕ፣ ናብ ናይ ሓጢኣት መንገዲ እንድሕሪ ተመሊሱ፣ ከምዘይድሕን ይኣምኑ። ስለዚ እዘን ኣብ ላዕሊ ብባብቲስት ንጹርን ዘይንጹርን ተባሂለን ዘለዋ ጥቅስታት፣ ንሜቶዲስት በንጻሩ እየን። ማለት፣ እተን ንዘለዓለም ከም ትድሕን ዝምህራ ጥቅሲታት፣ ንሜቶዲስት ‘ዘይንጹር’ እየን (ንባብቲስት ግና ‘ንጹር’)፣ ክርስቲያን ካብ መንገዲ ኣምላኽ እንድሕሪ ርሒቁ ከምዘይድሕን ዝምህራ ጥቅሲታት ከኣ ንሜቶዲስት ‘ንጹር’ እየን (ንባብቲስት ዘይንጹር)። ካብዞም ክልተ ጉጅለታት ብዛዕባዚ ሓሳብ ክዘራረብ እንተንሰምዖም፣ ተመሳሳሊ ጥቅሲ በብተራ እንዳጥቀሱ፣ ግን ከኣ ከምዘይሰማምዑ መስተዉዓልና። ስለምንታይ፣ ምክንያቱ ነቲ ሓደ ‘ንጹር’ ዝኾነ ነቲ ካልእ ‘ዘይንጹር’ እዩ።
ይቕጽል. . . .

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 4

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 4ይ ክፋል . . . ካብ ዝሓለፈ ክፋል መቐጸልታ


ለ. “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ዝብል ትምህርቲ ንገዛእ መለክዒታቱ ዘየማልእ እዩ

ቀንዲ ዓንደ ሕቆ ትምህርቲ ፕሮቴስታንት፣ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሉ ነገር ምላሽ ዝህብ ናይ መወዳእታ በያኒ መጽሓፍ፣ ምዃኑ ስለዝኣመኑ፣ ካልእ ኹሉ ይነጽግዎ። ኮይኑ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓሳብ ይቃወሞ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ፣ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ” እኹል እዩ፣ ኣይብልን። ስለዚ ነዚ ቀንዲ ትምህርቲ ባዕሉ፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ መለክዒ፣ ቅቡል ኣይኮነን። እስከ ፕሮቴስታንት፣ ነዚ ትምህርቶም ዝሕግዞም፣ መርትዖ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀርቡልና ንበሎም። ብዉሑዱ፣ ክልተ ሰለስተ መርትዖታት ክቕሩብልና መድለየ፣ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎ “ነገር ዚቐዉም ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር እዩ” (2 ቆሮ 13፥1)። ግን ኣብ ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ንድለ፣ ንትምህርቲ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ዝብል ዝድግፍ ሓንቲ ጥቅሲ ከማን ኣይንረኽብን። ዝቐራረቦ ከማን የለን። ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብመርሒነት መንፈስ ቅዱስ ከምዝተጻሕፈ፣ ፍጹም ሓቀኛ፣ መዝነት ዘለዎን፣ ኣድላዪን ምዃኑን፣ ይምስክር እዩ። “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ”፣ ንኣመንቲ ክርስትና ዘድሊ ግና ኣይብልን። ንምእማት ዝኣክል ዉን እንተዝርከብ፣ ቅዱሳን ኣቦታት ምመሃርዎ ኔሮም። ግን ማንም ኣቦ ከምዚ ኢሉ ኣይመሃረን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኮነ፣ ትዉፊት ዉን ንክርስትና ኣድላዪ እዩ (2 ተሰ 2፥15፡ 1 ቆሮ 11፥2)። ሕጽር ብዝበለ ኣዘራርባ፣ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ንዝብል ትምህርቲ ፕሮቴስታንት፣ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ይጻረሮ ምዃኑ ክንርዳእ የድሊ።

ሐ. መጽሓፍ ቅዱስ ንምቱርጓም ዝጥቐሙሉ ሜላ ጌጋ ምዃኑ

መጽሓፍ ቅዱስ ሂብካ፣ ሰባት ብዉልቆም ክርድእዎን ከጽንዕዎን ምሕዳግ፣ ርእሱ ዝኸኣለ ዘይምስምማዕ ከምዚፈጥር ርዱእ እዩ። ቀዳሞት ጀመርቲ ፕሮቴስታንት፣ ሰባት ብዉልቃዊ መንፋዕቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድእዎ ምግባር፣ ኣብ መሰረታዉያን ትምህርቲ ክርስትና ከይተረፈ ዘይምስምማዕ ከምዚፍጠር፣ ኣብቲ ሽዑ ብዘጋጠሞም ፈተናታት፣ ተገንዚቦሞ እዮም። ኣብ ህይወት ማርቲን ሉተር ከይተረፈ ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ጉጅለታት “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እመን” ዝብሉ፣ ግን ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከምዚብል ዘይሰማምዑ፣  ተፈጢሮም ኔሮም። ሉተር ኣብ ግዚኡ፣ ምንቅስቃስ ፕሮቴስታንት ክጅምር እንከሎ፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ወይ ብቅቡል ምኽንያት (persuaded by Scripture, or by plain reason) እንድሕሪ ዘይተረዳእኹ ነዚ ዝምህሮ ነገር ፈጺመ ኣየቋርጽን፣ ኢሉ ኔሩ። ድሒሩ ፣ ምስ ትምህርቲ ሉተራን ኣብ ዝትፈላለየ ነጥብታት ዘይሰማምዑ፣ ኣናባብቲስት (Anabaptists) ዝበሃሉ ጉጅለ ምስ ተፈጥሩ ግና፣ ኣባላት ሉተራን ንበሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ኣናባብቲስት ቀንጸልዎም። “ነፈሲ ወከፍ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ክርድኦ መሰሉ እዩ” ዝብል መደርኦም ደኣ እንታይ ኮይኖም ዘይተግበርዎ፧!

“መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ካብ ዝብል ዶግማ፣ ፕሮቴስታንት ብዙሕ ምፍልላይ ገጢምዎም። ኣብ ክንዲ ምልስ ኢሎም፣ ነቲ መንስኤ ጸገም ዝኮነ ትምህርቶም ዳግመ ግምት ዝገብርሉ፣ ካልእ ሓሳባት ከውሕዙ ጀመሩ። ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ፣ ነቲ ካልእ ጉጅለ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብቅኑዕ መንገዲ የንብብዎ የለዉን፣ ብምባል ነንሕድሕዶም ይወጋገዙ። ነቲ ዝፍጠር ዘሎ ምፍልላይ መፍትሒ እንተኾነ ኸኣ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቶሮጓጉማ ዝሕግዙ ሜላታት ክጥቀሙ ጀመሩ። ዋላዃ እዘን ሜላታት፣ ነቲ በብግዚኡ ዝፍጠር ምፍልላይ ደዉ ከብልኦ ኣይኽኣሉ፣ ግን ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ጥቅሚ ዉዒለን እየን። ነተን ዝዉትራት ሜላታት በብሓደ ንፈትሸን።

ሜላ ቁ.1፦ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቃል ቶርጉሞ፣ መልእኽቱ ርዱእ እዩ

ነዚ ሜላ ቀዳሞት መስረቲ ፕሮቴስታንት እዮም ክጥቀሙሉ ዝጀመሩ፣ ግን ቀጻልነት ዘለዎ ፍታሕ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኮይኑ ግና ኣብቶም ወንጌላዉያን፣ ካሪዝማቲክን፣ ክሳብ ሕጂ ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ። “መልእክቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር እዩ፣ ተጻሑፉዉን ዘሎ ኹሉ ንጹር እዩ”  ብዙሕ ግዜ ዝደጋግምዎ ሓረግ እዩ። እዚ ሜላ ግና፣ ኣብቲ ንሶም ዘይቅበልዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቅስታት ክመጽእ ኸሎ፣ ይቕየር እዩ። ንኣብነት እንተወሲድና፣ ጐይታ ንሓዋርያት ሓጢኣት ናይ ምስትስራይ (ምፍታሕ) ስልጣን ከምዝሃቦም (ዮሃ 20፥23)፣ ብዛዕባ ቁርባን “እዚ ስጋይ እዩ. . . . ደመይ እዩ” (ማቴ 26፥26፡28)፣ ከምኡዉን ቅ.ጳዉሎስ ንደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቤተክርስቲያን ርእሰን ክሽፍና ከመ ዘለወን ክምህር እንከሎ(1 ቆሮ 11፥1-16)፣ እዚ ሜላ`ዚ ኣብ ትግባረ ኣይዉዕልን፣ ይቕየር። ስለምንታይ እዘን ጥቅስታት ቃል ብቃል ዘይቱርጎማ!፧
ይቕጽል. . . . 

Friday, May 10, 2013

ርሑስ በዓል ትንሳኤ

ርሑስ በዓል ትንሳኤ!



ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን፣ ሞተ ወኬዶ ለሞት፣ ለእለ ዉስተ መቃብር፣ ወሃበ ህይወተ፣ ዘለዓለም ዕረፍት።
ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ፣ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ፣ ኣብ መቓብር ንዝነበሩ፣ ህይወትን ዘለዓለማዊ ዕረፍትን ሃቦም።
Christ is Risen from the Dead, by death hath he trampled down death and those in the graves hath he bestowed life.Khristós Anésti! Alithós Anésti!
ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን፣ በዓቢይ ሓይል ወስልጣን፣ 
ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ፣ ብዓቢይ ሓይሊን ስልጣንን
ኣሰሮ ለሰይጣን፣ ኣግዓዞ ለዓዳም፣ ንሰይጣን ኣሰሮ፣ ንኣዳም ኣድሓኖ
ሰላም እምይእዜሰ፣ ኮነ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ኮይኑ
ፍስሓ ወሰላም! ሓጎስን ሰላምን!!

እዚ ቃል እዚ ኣብ ኲለን ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርሲያን ብምምልላስ ዝበሃል ናይ ትንሳኤ ሰላምታ ወይ The Paschal Greeting ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸሎት እዩ። ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚሩ ክሳብ በዓለ ሃምሳ (ን50 መዓልቲ) ናይ ሰላምታ መክፈቲ እዩ። ኣብ ምድሪ ሓበሻ እንርኸብ ኦርቶዶክሳዉያን ኸኣ፣ ነዚኣ ጸሎት ኣብ ግዜ ቅዳሴ ቅድሚ ምንባብ ወንጌል ኣብ ግዜ ዑደት ታቦት ንጽልያ። እታ ናይ ትንሳኤ ሰላምታ ኸእ ምስዚኣ ትመሳሳል ኮይና ቅሩብ ፍልይ ትብል። ንሕና ክልተ ሰላምታ ኣለና። እታ ሓንቲ ብምቅብባል እንብላ ኮይና፣ እታ ሓንቲ ከኣ ኣብ መንጎ ቅዳሴ ብዜማ ንብላ። እዚ ጸሎት ዘመሓላልፎ መልዕክቲ ኣሎ። መልክእኽቱ እንታይ እዩ? ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና እንታይ እዩ? ኣብ ትንሳኤ ህይወትና እንታይ ተራ ኣለዎ?

ትንሳኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓወት ኲሉ ዓለም እዩ። ዂሉ ዓለም፣ ካብ ኣዳም ክሳብ መወዳእታ ዘመን ዝመጽእ ሰብ፣ ድኻ ይኹን፣ ሃብታም፣ ንጉስ ይኹን ባርያ፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ብሕብረት እንሑገሰሉ፣ ዓወት ክርስቶስ፣ ዓወትና እዩ። ዲያብሎስ ብሞት ኣቢሉ ንኲሉ ሰብ ይገዝእ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኲሉ ሰብ ዉን ሓጢኣት ብሞት ኣቢሉ ይገዝኣና ነበረ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ ዉን ነቲ ዝገዝኣና ሞት ስዒሩ፣ ሓራ ኣዉጽኣና። እዚ ሓርነት ብዂሎም ሰባት ዝበዓል፣ መዓልቲ ናጽነትና እዩ። 

እዚ ዓወት፣ ናይ ሓባር እዩ። ምናልባት ሰብ ዓወት ክረኽብ እንከሎ፣ ናይ ዉሑዳት እዩ። ሓደ ንጉስ ክዕወት እንከሎ፣ እቶም ናቱ ወገን ዝዀኑ ይሕጎሱ፣ እቶም ጸላእቱ (ኣንጻሩ) ግና ይጉህዩ። ኣብ ናይ ጐይታናን ኢየሱስ ዓወት ግና ኲሉ ሰብ ተሓጒሱ። ምክንያቱ እዚ ዓወት ናይ ኲሉ ሰብ ድሕነት ዝተኣወጀሉ፣ ስለዝዀነ። ናቱ ዓወት ንዂሉ ፍጡር ባህታ ዝፈጥር እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸልማት ንዘለዉ፣ ብርሃን ዝኩልዕ። ንነፍሲ ዂሉ ኣዳም ዉን ብባህታ ዝመልእ እዩ።

ብሓቂ ስዉር ዓወት ክነሱ፣ ናብ ኲሉ ፍጡር፣ ምዉት ይኹን ህያው፣ ዝተጋህደ እዩ። ትንሳኤኡ ናይ ፈድፋድ እዩ። ሓንቲ ኣደ ንደቃ ብተደጋጋሚ ግዜ ማለት ሓንሳብ፣ ዳግማይ፣ ሳልሳይ. . . ግዜ ከብ ተመን ከተድሕኖም እንከላ፣ ብሓቂ ለጋስ ሕያወይቲ ትበሃል። ግን ሓንሳብ ንሓዋሩን፣ ንዘለኣለም ምእንቲ ከተድሕኖም፣ ናብ ጉድጓድ ተመን ከይዳ፣ ነቲ ቤቱ ከተንድዶ እንከላ፣ ዝያዳ ለጋስነታ ይግለጽ። ጐይታ ዉን ከምዚ እዩ ጌሩ። ነቲዂሉ ግዜ ብሞት ኣቢሉ ናብ ሓጢኣት ዝመርሓና ዝነበረ ንዲያብሎስ ስዒሩ ዝተሳዕረት ዓለም ሂቡና።

እዚ ዓወት እዚ ብሓቂ ፈዉሲ እዩ። እዚ ፈዉሲ ዘለኣለማዊ እዩ። ንኣህዛብ ዓለም፣ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስ ሓራ ኣዉጺኡ፣ ዘለዓለማዊን፣ ንጹሓትን ዝገበረ እዩ። ሓጢኣት ዘለዎ ዘለዓለማዊነት ትርጉም የብሉን። ዘለዓለማዊነት ምስ ንጽህና ግና እቲ ዝበለጸን፣ ፍስሓን ሓጎስን ዝህብ እዩ። እዚ ዓይነት ናይ ድሕነት ስራሕ ከኣ እዩ፣ ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእክቲ ዝሕጎሱሉ።
በዚ ዓወት'ዚ መን'ከ ዘይሑገስ፧? ምእንታና ክብል እምበር፣ ምእንቲ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን፣ ነዚ ናይ ትንሳኤ ዓወት ዝሃበና። ትንሳኤኡ፣ ንዓና'ዩ ዝያዳ ክብሪን ፍስሃን፣ ፈጢሩ ድሕነት ዝዀነልና እምበር፣ ንዕዑ (ንጐይታ) ዋላ ሓንቲ ለዉጢ ኣይገበረሉን። ስለዚ በዚ ድሕነት ኣዚና ንተሓጎስ!!!

"እዚኣ መዓልቲ፣ መዓልቲ ትንሳኤ እያ። እምበኣር ናብ ኣምላኽ መስዋእቲ ነቕርበሉ። ንሱዉን ሰብነትና እዩ። ናቱ ስለዝኰንና፣ ነቲ ዝተፈጠርናሉ ምስሊ ዓቂብና፣ ንዕዑ ንወፍዮ። ክሳዕ ክንደይ ክቡራት ምኳንና ንረዳእ። ህላወ 
ፈጣሪና ፣ ነግህድ። ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሚስጢር ዉን ንረዳእ።" ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ (ነባቤ መለኮት)
ስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር! ኣሜን።

ስግው ቃል 4

ምዕራፍ 2. ሰማያዊ መዋጥርን ፍታሕ ብተዋህዶን. . . መቐጸልታ


ኣብ ዝሓለፈ 3 ክፋላት መጽሓፍ "ስግው ቃል" ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ብዛዕባ ኣዳም ከመይ ከዝተፈጥረን ከምዝተጋገየን፣ እግዚአብሔር ዉን ከመይ ጌሩ ከድሕኖ ከምዝመረጸን፣ ርኢና። ቃለ አብ ንምንታይ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ ዉን ገሊጽና። ሕጂ ዉን ብዛዕባዚ ዝያዳ የብርሆ።  
8. እምበኣር በዚ ምክንያት`ዩ፣ እቲ ዘይነገራዊ፣ ዘይመዉትን፣ ስጋዊ ዘይኮነን ቃለ ኣብ ናብ ዓለም ዝመጽአ። ከምዚ ክበሃል ከሎ፣ ቅድም ርሒቁ ኔሩ ማለት አይኮነን። ካብ ፍጠረት ዓለም ፈጺሙ ርሒቁ ኣይፈልጥን፣ ፍጥረት ዉን ብዘይብኡ፣ ንበይኑ ተፈልዩ ኣይፈልጥን። ምስ ኣብ ብሓድነት እንከሎ፣ ንመላዕ ዓለምዉን መሊእዋ ነበረ። ናብ ዓለም መጽአ ክንበል ከለና፣ ብሓድሽ መልክዕ መጽአ ማለት'ዩ። ብፍቕሩ ገዛእ ርእሱ ገለጸልና፣ ነዚ ዉን ከማና ትሕት ብምባል፣ ናብቲ ናትና ደረጃ ለጠቕ ኢሉ ብምዉራድ ስጋ ለቢሱ ናብ ዓለምና ኣተወ። እቲ ልክዕ ከምኡ (ከም ቃል) ሓሳብ እግዚአብሔር ኣብ ዝገልጽ፣ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ብብልሽዉና ኣቢሉ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስለዝነገሰት ናብ ጥፍኣት የምርሕ ነበረ። ዉጽኢት ናይ ሕጊ ምጥሓስ ዝዀነት፣ ብልሽዉና ተቖጻጺራቶም ነበረት። ሕጊ ከይተፈጸመ እቲ ዉሳኔ ክሰዓር ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ንሱ ባዕሉ ብኢዱ ዝፈጠሮ ፍጡር ክጠፍእ ማለት ዉን ዘበት። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ኣብ ሓጢኣት እንዳጠሓሉ ይኸዱ ከምዘለዉን፣ ሞት ዉን ሙሉእ ንሙሉ ተቆጻጺራቶም ከም ዘሎ፣ ጐይታ ረኣየ። 

ሰብ ዓቕሙ ድሩት ከምዝዀነን፣ ነቲ ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ዝነበረ ሞት ዉን ክንጻወሮ ከምዘይንኽእልን፣ ፍጥረት እግዚአብሔር ዉን ብኸንቱ ይጠፍእ ከምዘሎ ምስ ረኣየ፣ ብደቂ ሰባት ፍቕሪን ሓልዮትን ተደሪኹ፣ ከድሕነና ናብ ዓለምና ኣተወ። ከማና ስጋ ለቢሱ ዉን ኣብ ማእከልና ሓደረ። ክርአ ጥራይ ኢሉ ኣይኮነን፣ ስጋ ሰብ ዝለበሰ። ከምኡ እንተዝኸዉን ካልእ መንገዲታት ምመረጸ። ካልእ ዝሓሸን ዝጸበቐን ነገራት ምመረጸ። ግን ከማና ሰብ እዩ ኮይኑ። ስግኡ ዉን ካብ ማንም ኣይኮነን። ካብታ ሕፍንቲ፣ ኣበሳ ኮነ መንቅብ ዘይብላ፣ ብሩካቤ ስጋ ዘይረኸሰት፣ ንጹሕ ስጋ ዝሓዘት ድንግል እዩ ወሲድዎ። ካብኣ ዉን ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ስጋ ብምልባስ ሰብ ኮነ። ንሱ እዚ ሓያል ገባሬ ኩሉ ዝዀነ ኣምላኽ፣ ባዕሉ ኣዩ ነዚ ስጋ መቅደሱ ንኽከዉን ኣብ ማሕጸን ድንግል ዘዳለዎ። ምስ ኣዳለዎ ዉን መሳርሒ ንኽገብሮ፣ ክሓድረሉን፣ ክግለጸሉን ንገዛእ ርእሱ ወሰዶ። በዚ ስጋዚ ዉን ኢና ንሕና ዝፈለጥናዮ። ኩሉ ስጋ (ሰብ) ኣብ ግዝኣት ሞትን ጥፍኣትን ስለዝነበረ፣ ከማና ስጋ ሰብ ብምልባስ፣ ኣብ ክንዲ ኩላትና ገዛእ ርእሱ ንሞት ኣግዝአ፣ ህይወቱውን ንኣብ (እግዚአብሔር አብ) መስዋእቲ ክትኸውን ወፈያ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስጋ (ሰብ) ንዝነበረ ሞት፣ ኣብ ሰብነቱ ብምጿር፣ ኣብ ክንዲ ክላትና ሞተ፣ ሓይሊ ሞት ዉን ተሳዕረ፣ ብሞቱዉን ንሕና ምስኡ ሞትና፣ በዚ ዉን ኣብ ልዕሊ ኩልና ንዝነበረ ሞት ተሰረዘ። ስለዘፍቀረና ነዚ ኩሉ ገበረልና። ንደቂ ሰባት ካብ ዘልዓለማዊ ምምሽማሽ (corruption) ናብ ናይ ዘልዓለማዊ ህይወት (to incorruption) ክመልሰና፣ ገዛእ ስግኡ ናብ ሞት መደባ፣ ብጸጋ ትንሳኤኡ ዉን ኣድሓነና። ከምቲ ሓዊ ንሓሰር ህሙክ ዝጠፍእ፣ ከምኡዉን ሞት ብትንሳኤ ተሳዕረ።
9. ነቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሰብ ነጊሱ ዝነበረ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት (corruption) ብሞት ጥራይ`ዩ ክስዓር ዝኸኣል፣ ነዚ ዉን ቃል (The Word) ኣቐዲሙ ፈሊጥዎ። ግን ከኣ ንሱ ማለት ቃል፤ ወዲ ኣምላኽን፣ ሞት ብባህሪኡ ዘይሰማምዖን (ክመዉት ዘይኽእል መለኮታዊ) እዩ። እምበኣር ሞት ዝሰማምዖ ስጋ ሰብ ብምዉህሃድ ነዚ ክልተ ነገር ተግበረ፣ በቲ መዋቲ ስግኡ ንሞት ይጥዕም፣ በቲ ዘይመዉት መለኮቱ ኸኣ ንዓና ህይወት ይህብ። ቃል  መላኮታዊ (ኣምላካዊ) ስለዝኾነ፣ ብሞቱ ንሞት ኩላትና (ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ዓለም ንዝዉለድ) ካሕሳ ክኸዉን ይኽእል፤ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብባህሪኡ ሓጢኣት ዘይሰማምዖ ንጹሕ ስለዝኮነ፣ ንኹላትና ከንጽሃና ይኽእል፣ ነዚ ዉን ብጸጋ ናይ ትንሳኤ ፈጸሞ። ነቲ ብምንም ዓይነት ሓጢኣት ዘይረኸሰ ኣካላቱ (ስግኡ) ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ፣ መስዋእቲ ኾነ። በዚ ሞቱ ኣቢሉ ኸኣ ነቲ ኣብ የሕዋቱ (ኣብ ደቂ ሰባት) ነጊሱ ንዝነበረ ሞት ሰዓሮ። ቃል  ልዕሊ ኹሉ ዝኰነ ፍጹም መለኮታዊን ኣምላኻዊን እዩ፣ ስለዚ ንቤት መቅደስ ስግኡ (ኣካላቱ) ኣብ ክንዲ ኩሉ ሰብ ወኪሉ መስዋእቲ ክትኸዉን ምስ ወፈያ፣ ብሞቱ ዕዳና ደምሰሰልና (ካሕሳና ኮነልና)። ሞት ዘይሰማምዖ (ዘይመዉት) ወዲ ኣምላኽ ምሳና ምስ ስጋዊ ባህርይና ስለዝተወሃሃደ፣ ብተስፋ ትንሳኤ ናብ ዘይምምሳን ተሰጋጊርና (clothed with incorruption)። ሰባት በዚና ድሒንና፣ ቃል፣ ስጋ ሰብ ተዋሃሂዱ ስለዝተገልጸ፣ ብሞት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ ምምሳን (ዘልኣለማዊ ጥፍኣት corruption) ንዘልኣለም ሰዓሮ። 

ሕሰብዎ እሞ ሓደ ፍጹም ሓያል ንጉስ ኣብ ሓንቲ ከተማ ኣትዩ፣ ኣብ ሓንቲ ገዛ ጋሻ ኮይኑ እንተዘዕርፍ፤ ኣብ ሓንቲ ገዛ ጥራይ ስለዝሓደረ፣ መላእ እታ ከተማ ትኸብር፣ ዉሕስነታ ይሕሎ፣ ጸጥታን ሰላምን ኣብ ኩላ `ታኸተማ ይነግስ። ሸፋቱ ዉን ነታ ከተማ ኣይደፍርዋን።  ንጉሰ ነገስት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ`ዩ ጌሩ። ናብ ምድርና መጺኡ ኣብ ስጋ ሰብ ሓዲሩ ኣብ ማዕኸልና ተገለጸ፣ ንሱ እቲ ንጉስ ኣብ ማእኸልና ስለዝሓደረ ዉን እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ መግዛእቲ ሞትን ምምሳንን ንዘለኣለም ሓይሉ ተሳዕረ። ንሱ እቲ ወዲ ኣምላኽ፣ ጐይታን መድሓኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ኣንተዘይሓድር ኔሩ፣ ንዘለኣለም ምጠፋእና ኔርና፣ ሞትዉን ምገዝኣና።
10. እዚ ኹሉ ስራሕ፣ ግብሪ ናይቲ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር እዩ። ካልእ ኣብነት ዉን ንዉሰድ። ሓደ ንጉስ ንኽብሩ መግለጺ እትበቅዕ ሓንቲ ከተማ ሃኒጹ፣ ሰባት ክቕመጥዋ ሂብዎም ንበል። እቶም ተቐማጦ ግና፣ ብሰንኪ ሸለልተኝነቶም ብጉብእ ስለዘይሓለዉዋ፣ ጸላእቲ መጺኦም ነታ ከተማ ኣዕነዉዋ። ሕጂ እዚ ሰናይን ፍጹምን ዝኾነ ንጉስ እንታይ ይግበር፧? 

መግለጺ ክብሩ ስለዝኾነት ነቶም ጸላእቲ ስዒሩ፣ ነታ ከተማ መሊሱ ይሃንጻን፣ ናብ ናይ ቀደም ክብራ ዉን ይመልሳን። እምባኣር እግዚአብሔር ወልድ ነዚ እዩ ጌሩ። ወልድ ማለት ወዲ`ቲ ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር አብ፣ ሰባት እንታይ ከምዝገብሩ ይፈልጥ እዩ፣ እንዳፈለጠ ዉን`ዩ ዝፈጠሮም። ግን ብናቶም ጌጋ ሞት ምስ ኣምጽኡ፣ ገዛእ ኣካላቱ ንሞት ብምዉፋይ ንሞት ሰዓሮ፣ ብትምህርቱ ኣቢሉ ዉን ኣብ ደቂ ሰባት ንዝነበረ ሸለልተኝነት ኣረሞ። ከምዚ ኢሉ ከኣ፣ ንሰብ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ መለሶ። ደቀ መዝሙርቱ ዉን ነዚ እዮም ዝመሃሩና፣ “እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና። ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” /2 ቆሮ 5፥14-16/። ኣብ ካልእ ዉን ከምዚ ይብል “ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ ኢየሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ አሎና። እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽሞ ተገብኦ።” /ዕብ 2፥9-10/። ኣብዚ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ፤ ንደቂ ሰባት ካብ ዘልኣለማዊ ምምሳን ከድሕኖም ዝኽእል ንሱ በይኑ እቲ ብመጀመርታ  ዝፈጠሮም ቃል (ክርስቶስ) ምዃኑ የረድኣና። ብምቕጻል እዚ ሓዋርያ`ዚ ፣ ስለምንታይ ቃል ከምዝተሰገወ ምክያት ክህብ እንከሎ፣ ነቶም ስጋ ለበስ ብመስዋእቱ ከድሕኖም ምዃኑ ይምህረና። “እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።” /ዕብ 2፥14/። ስግኡ መስዋእቲ ብምግባር ክልተ ነገር ገበረ፣ ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ዝነበረ ሞት ተሳዕረ፣ ተስፋ ትንሳኤ ብምሃብ ከኣ ሓድሽ ህይወት ፈጠረልና። ሞት ብምክንያት ሰባት ኣቢሉ ኣብ ልዕሌና ጸኒዑ ነበረ፣ ቃል ስጋ ስለዝተዋሃሃደ ከኣ ንዘለኣለም ተሳዕረ፣ ሓድሽ ህይወት ዉን ረኸብና። ነዚ ዉን`ዩ እቲ ኣማናዊ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ ዝበለ፣ “ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።” /1ይ ቆሮ 15፥21/። ስለዚ ደጊም ንሕና ክንመዉት ከለና፣ ከምቲ ቀደም ንሞት ዝተፈርዱ ኣይኮናን፣ እኳ ደኣ ከምቶም ተስፋ ትንሳኤ ዝጽበዩ ኢና። ነዚ ዉን እቲ ገባሬ ኩሉ ዝዀነ እግዚአብሔር ኣብ ግዚኡ ክገልጾ እዩ (1 ጢሞ 6፥15)። እምበኣር ቃል ስጋ ዝኾነሉ ቀዳመይቲ ምክንያት እዚ ዝገልጽናዮ እዩ። ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ካልእ ስለዘሎ በብሕደ ክንፍትሾ ኢና። 

Friday, May 3, 2013

ተግሳጽ ዘ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሠርክ ዓርብ


መጽሓፍ ከምዝምህረና፣ ነፍስና ብሕጊ ኣምላኽ ትነብር እንተደኣ ኮይና፣ ሓይሊ ጸልማትን ኣጋንንትን ኣይክስዕሩናን እዮም። በንጻሩ ካብ ሕጊ ኣምላኽ እንድሕሪ ርሒቅና ግና፣ ክሕይሉናን ክስዕሩናን ይኽእሉ።

የሕዋተየ  ነስተዉዕል። ገዛ ርእስኻ ከተድሕን እንተደሊኻ፣ ኣብ ሃብቲ ጥበብ እግዚአብሔርን፣ ሃብቲ ምሕረቱን ህይወትካ የእትዎ። ገዛእ ርእስኻ ኣብዚ ሃብቲ፣ ከም ትሕንብስ ግበራ።  ኣእዳዉኻ ብትእምርተ መስቀል ዘርግሕ፣ ብመስቀል ኣቢልካ ዉን፣ ኣብ ባሕሪ ህይወት ሓንብስ፣ ናብ ኣምላኽ ዉን ክትበጽሕ ኢኻ። 

ምንፍቅና ዘሽግር ኮይኑ ዘሎ፣ ነቶም ካብታ ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን ዝርሕቁ ዘለዉ ሰባት እዩ። ማለት፣ ኲሉ ሓጢኣት፡ ዝሙት፣ እኲይ ዘረባ፣ ፍቕሪ ገንዘብ (ምንጪ ኲሉ ሓጢኣት ዝዀነ) ዝስዕሮም ዘሎ፣ ካብ ቤተክርስቲያን ስለዝረሓቁ`ዩ። ትእምርተ መስቀል ግና ኣብ ዂሉ ፍጥረት ተዘርጊሓ ኣላ።

ጸሓይ ብርሃና እንድሕሪ ዘይዘርጊሓ፣ ከምዝበረቐት ኣይክፍለጥን። ወርሒ ዉን ብርሃና ኣይክፍለጥን። ኣብ ሰማይ ዝንፍራ ኣዕዋፍ፣ ኣክናፈን እንድሕሪ ዘይዘርጊሐን፣ ክነፍራ ኣይክእላን። መርከብ ዉን ጋንጽላኣ እንድሕሪ ዘይዘርጊሓ፣ ካብ ወደብ ክትብገስ ኣይትክእልን።

ሊቀ ነብያት ሙሴ፣ ኣእዳዉ ኣመሳቂሉ ምስ ዘርግሐ፣ ንኣማሌቃዉያን ሰዓሮም። ዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ደሓነ፣ ዮናስ ካብ ዓሳ ንበሪ፣ ቅድስት ቴክላ ዉን ናብ ኣናብስ ጉድጓድ ምስ ተደርበየት፣ ብትእምርቲ መስቀል ደሓነት። ሶሱና ካብ ኢድ እቶም ክልተ ረባናት፣ ዮዲት ካብ ሆሎፌርኔስ፣ ሰለስቱ ደቂቅ (ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል) ካብ እቶን ሓዊ፣ እዞም ኩሎም ብትእምርተ መስቀል እዮም ድሒኖም። ከምዚ ዉን ተባሂሉ`ዩ፦
"ብቅዱስ ቃል ኣምላኽ፣ መለኮታዊ ሕብስቲን፣ ደም ክርስቶስን ጌራ ክትምግበካ እያ`ሞ፣ መዕረፊት ወደብኻ ቤተክርስቲያን ትኹን።"
ስብሓት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ!
በረከቱ ለቅዱስ ኣትናቴዎስ ይኩን ምስሌነ፣ ኣሜን!
ምንጪ መጽሓፈ ሕማማት፣ ኣብ ሠርክ ናይ ዓርቢ ስቅለት ዝንበብ። 


ተግሳጽ ዘቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ


ፍቑራት ምእመናን፣ ብዛዕባ ኣስቆረታዊ ይሁዳ እንታይ ክንብል ኢና። ንጐይትኡ ኣሕሊፉ ዝሃበ ይሁዳ ብምንታይ ንገልጾ። ንሱ ሓደ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ክነሱ ናብቶም ሊቃነ ካህናትን ሽሟሙንትን ከይዱ፣ "ኣነ ኣሕሊፈ ክህበኩም፣ ክንደይ ትኸፍሉኒ፧" በሎም። ሰላሳ ዲናር ክኸፍልዎ ተሰማምዑ። 

እንታይ ዓይነት ዕሽነት`ዩ፧ ክንደይ ዝኣኽል ድንቁርና`ዩ፧ እንታይ ዓይነት ፍቕሪ ገንዘብ`ዩ፧ ትርእይዎ ዶ ምንጪ ዂሉ ክፍኣት!!

ንገንዘብ ስለዝፍቀረ፣ ነቱ ሕያዋይ መምህሩን፣ ጻድቕ ጐይትኡን ኣሕሊፉ ሸጦ። ፍቕሪ ገንዘብ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ነስተዉዕል። ፍቕሪ ገንዘብ፣ ኲሉ ዓይነት እኩይ ምግባራት ይፍሕስ፣ ልዕሊ ናይ ዲያብሎስ ምትላል ዉን ይብርትዕ። 

ሓደ ሰብ ብፍቅሪ ገንዘብ እንድሕሪ ተሳዒሩ፣ ባርያ ገንዘብ ኮይኑ ይተርፍ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት፣ ንገዛእ ርእሶምን ንካልኦትን ከድሕኑ ኣይኮነሎምን። ባህሪያዊ ሕጊ ኣይገዝኦም፣ ዕጉሳት ዉን ኣይኮኑን። እስከ ርኣዩ፣ ፍቕሪ ገንዘብ ንይሁዳ፣ ካብ ከመይ ዝበለ በረኸትን ጸጋን`ዩ ኣርሒቅዎ። 
ብዛዕባ ናይ መንግስተ ሰማያት ጽባቐን፣ በረኸትን ጐይታ ብግልጺ፣ ይምህሮም ነበረ፣ ገሃነም ዉን ኣዝዩ ከም ዘስካሕክሕ ገሊጽሎም`ዩ። ስቃይ ሓጥኣን ኣዝዩ መሪር ምዃኑ ኩሎም ጽቡቕ ጌሮም ፈሊጦም ኣለዉ። ግን ፍቅሪ ገንዘብ ንይሁዳ ኣስቆረታዊ ስዒራቶ። ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቶም ምእንቲ ነፍሶም ዝጋደሉ የኽብሮምን፣ ይባርኾምን`ዩ እሞ፣ እሞ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ንርሓቅ።
ስብሓት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ!
በረከቱ ለቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ የሓሉ ምስለ ኩልነ፣ ኣሜን!
ምንጪ መጽሓፈ ሕማማት፣ ዘነግሕ ዓርብ!

ተግሳጽ ዘቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ


ክርስቶስ ስለዘፍቀረና፣ መጺኡ ባዕሉ ምእንታና ሞይቱልና። ብሓጢኣት ንገዛእ ርእስና ምስ ኣማሰንናያ፣ ፈጢሩ ሱቅ ኢሉ ኣይሓደገናን። ካብ ሰማያት መጺኡ፣ ምእንታና መከራ ጸጊቡ፣ ህይወቱ ሂቡና። ከም ሓኪም ክፍዉሰና፣ ብግህዶ መጽአ። 

ካብ ሕማምና ክፍዉሰና ጥራይ ኣይኰነን ዝምጽአ፣ እንታይ ደኣ፣ እንኮላይ ካብቲ ብባርነት ጌሩ ዝገዝኣና ዝነበረ ሞት ከተንስኣና እዩ። ካብ ባርነት ሞት ሓራ ኣዉጺኡና። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ምስኡ ንዘለዓለም ብህይወት ክንነብር፣ ሞይቱልና። 

ንሱ ጐይታ ክነሱ፣ ኣብ መከራና ተሳቲፉ። እሞ`ከ እቲ ኣብ ባርነት ዘሎ ሰብ፣ ከመይ ጌሩ ይድሕን፧! ጐይታ ንሞት ኣብ ትሕቲ እግሩ ረጊጹ፣ ሰዓሮ! ስኦል ድምጺ ናይ ጐይታ ምስ ሰምዐት ሰንበደት! ጐይታ ነቶም ኣብ ባርነት ሞት ዝነበሩ ከምዚ ኢሉ ኣዋጅ ኣወጀሎም፡-
"ኣብ ጽላል ሞትን፣ ኣብ ዉሽጢ ጸልማትን ዘሎኹም፣ ኲሉኹም፣ ካብ ባርነትኹም ተፈትሑ። ኣነ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚአብሔር ኣምላኽ`የ፣ ህይወት ይሰብከልኹም ኣሎኹ`ሞ ካብ ባርነት ተፈትሑ"
ሲኦል ጥራያ ተረፈት!

ስብሐት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስን
በረከት ቅዱስ ኣቦና ምስ ኩልና ይኹን!
ምንጪ መጽሐፈ ሕማማት!