Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Friday, January 31, 2014

ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ

ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ



22 ጥሪ ቤተክርስቲያንና ንኣበ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ እትዝኽረሉ ዕለት እዩ። ክንዲ ርእሰ መነኮሳት ቅ.እንጦንስ ጌሩ ንዓለም ዝጸለወ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ የለን። ኣብ ዂሉ ዓለም ብስሙ ዝተዶኸና ብዙሓት ገዳማት ኣለዋ። ንሎሚ እንበኣር ምስ ቅዱስ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት ዝተግበረ ዕላል ሒዘ ቐሪበልኩም ኣለኹ።


ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ክቡራት ኣንበብቲ እዛ ብሎግ፣ ንሎሚ ዕላል ምስ ሓደ ዓቢ ቅዱስ ኣቦ ሒዘልኩም ቀሪብ ኣለኹ፣ ነዚ መደብ ከካዉን ነዊሕ ዘመናት ፈቲነ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ተራኺብና። እዚ ኣቦ`ዚ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣቦታት ቤተክርስቲያንን፣ ንዓለም ካብ ዝጸለዉ ተጠቐስቲ መራሒን ኮይኑ፣ ምንጪ ብዙሓት ትምህርቲ እዩ። ደረጃ ትምህርቱ ትሑት ዲግሪ ዘይብሉ ክነሱ፣ ምንጪ መቦቆላዊ ሓሳብ እዩ፤ ክህነት ዘይብሉ ክነሱ፣ ንምዕራብን ምብራቕን ክርስቲያናት ብህይወቱ ዝጸለወ እዩ፤ ብዛዕባ ፖለቲካ ዘይግደስ ክነሱ፣ ብብዙሓት ኣቦታትን ነገስታትን ዝፍተዉ እዩ፤ ምስ እግዚአብሔር ምእንቲ በይኑ ክነብር ዓለም ሓዲጉ ዝመነነ ክነሱ፣ ልቢ`ቶም ኣብ ኲሉ ዘመናት ዘለዉ ክርስቲያናት ዝማረኸ እዩ። 

ከም ሰብ ኣነ ጸሓፋይ እየ፣ መንፈሳዊነት ዘይብለይ ድርቡይ እየ፣ ምስዚ ክቡር ኣቦይ ኮፍ ኢለ ከዕልል ምብቀዐይ፣ ንዓይ ዓቢ በረኸት እዩ።

ቅዱስ እንጦንስ የቐንየለይ. . . ኣነ ዉን ብመልክዕ ኣምላኽ ምስ ዝተፈጥረ ሰብ ኮፍ ክብል ምብቐዐይ ዓቢ ዕድል እዩ። 

ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ብሓቂ ሕያዋይ ኢኻ! እምበኣር ሕጂ ናብ ቃለ መሕትትና ክኣቱ፣ በየን ክንጅምር ኣባ?

ቅዱስ እንጦንስ ብሓጢኣተይ እንተጀምርና`ኸ?

ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- እዋእ ገና ዕላልና ጅምር ክነብልሲ፣ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ክትዛረብ! ቅድሚ ሕጂ ምስ ብዙሓት ቃለ መሕትት ጌረ እየ`ሞ፣ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ብምዝራብ ክጅምር ዝደሊ ኣየጋጠመንን። ዓለም ኲሉ ብቅዱስ እንጦንስ እያ ትፈልጠካ።  

ቅዱስ እንጦንስ እወ፣ ግን እዚ ጌጋ እዩ፣ ዓለም ተጋግያ ኣላ፣ ከምዚ ኢላ ክትፈልጠኒ ኣይግባኣን።

ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ተጋግያ? ከመይ ማለት እዩ? ብሓቂ ትሕትናኻ ትገለጽ ኣለኻ።

ቅዱስ እንጦንስ እዚ ትሕትና ኣይኰነን፣ ገዛእ ርእስካ ብግቡእ ምፍላጥ እዩ። ንስኻ ከም ትሕትና ጌርካ ትሓስቦ፣ ኣነ ግና ገዛእ ርእስኻ ብቅኑዕ መንገዲ ምፍላጥ ምዃኑ እዩ ዝርድኣኒ። ቅዱስ ጳዉሎስ`ዶ “ቀዳማይ ሓጢኣተኛ” እየ ኣይበለን።

ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ብዛዕባ ህይወትካ እስከ ነዕልል፣ ወዲ`በይ ሃገር ኢኻ ?

ቅዱስ እንጦንስ ክብጣዊ እየ፣ ኣብ ተቤይድ ዝበሃል ቦታ ኣብ ከባቢ 250 ዓ.ም. ተወሊደ። ወለደይ ዝጽኑዓት ክርስቲያናት ኔሮም።

ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- “ክብጣዊ” እንታይ ማለት እዩ? ተቤይድ`ኸ ኣበይ ትርኸብ?

ቅዱስ እንጦንስ “ክብጢ” ብግሪክ፣ ዓረብን ላቲንን፣ ኮይኑ “ግብጻዊ” ማለት`ዩ፣ ብፍሉይ ንግብጻዉያን ክርስቲያናት ዝተዋህበ ስም እዩ። ተቤይድ ድማ ኣብ ላዕላይ ግብጺ እትርከብ ንኢሽተይ ዓዲ ኮይና፣ ብሕርሻ ዝናበሩ ሕያዎት ህዝቢ ዝሓዘት እያ።

ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ናብ ዳሕራይ ህይወትካ ክወስደካ፣ ኣብ ህይወት ነጥቦ መቐይሮ ዝኾነካ ኣጋጣሚ ኣሎ`ዶ?

ቅዱስ እንጦንስ እወ ብርግጽ ኣሎ። ሓንቲ ጥቅሲ እያ ንህይወተይ ዝቐየረቶ። “ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዓበኒ፡” (ማቴ 19፥21)።

ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡ኣዝዩ ይገርም! በዛ ሓንቲ መስመር ጥራይ ንህይወትካ ቀዪርካ?

ቅዱስ እንጦንስ እወ ብሓቂ በዛ ሓንቲ መስመር ጥራይ እየ ንህይወተይ ቀዪረ፣ ግን እዛ ሓንቲ መስመር ብጐይታ ዝተንግረት ቃል እያ።

ፍኖተ ኣትናቴዎስ፡- ድፍረት ከይኑ ከይሰምዓካ እምበር፣ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ። ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ዓለም ካብ ዝርኸብ ጸቕጢ ዝበዝሖ ሓቀኛ ህይወት ሓዲግኻ፣ ናብቲ ቀሊል ህይወት ገዳም ዝኣተኻ? ኣብኡ ፈተና የለን፣ ስራሕን ጭንቂን ዉን የለን፣ ኲሉ ሰላም እዩ?

ቅዱስ እንጦንስ፦ ጥዑምን ቀሊልን ህይወት`ዶ ኢልካዮ! እስኸ ክሓተካ? ኣብ ኣፍደገ ገዛኻ ሃንደበት ዝጥሕሩ ድምጺ ኣራዊት እንተትሰምዕ`ሞ፣ ክጥሕሩኻ ኢሎም ድማ ብዂሉ ወገን እንተዝዕምሩ፣ ጥዑም ህይወት`ዶ ምበልካዮ?!

ፍ.ኣ፦ እዋእ?!

ቅ.እ.፦ ሃንደበት ንስኻ ኣብዘይተጸበኻዮ ግዜ፣ ኣጋንንቲ መጺኦም ትንፋስኻ ክሳብ ትሓልፍ እንተዝቕጥቅጡኻ፣ ኣብቲ ዘልኻዮ ቦታ ድማ፣ ኣይ ምዉት ኣይ ጥዑይ ጌሮም እንተዝሓድጉኻ፣ ቀሊል ህይወት`ዶ ምበልካዮ?

ፍ.ኣ፦ እንታይ ትብል ኣለኻ?

ቅ.እ.፦ ኣጋንንቲ ብቐጻሊ ኣብ መንገድኻ ወርቂ እንተዝሓድጉልካ፣ ወይ ድማ ብምስሊ ዘማዊት ሰበይቲ ተገሊጾም እንተዝፍትኑኻ፣ ወይ ድማ ብዘፍርሕ ምስሊ ተጋሂዶም ክቐትሉኻን ክጥሕሩኻን እንተዝፍትኑ፤ ነዚ ኹሉ ኣጋጣሚታት ፈተናታት`ዶ ኣይምበልካዮን?

ፍ.ኣ፦ ፍጹም ከምዚ ኣይተጸበኽዎን!

ቅ.እ.እወ ሓቕካ ዘይትጽበዮ እዩ። እዚ እቲ ዘሕዝን ናይ ገዳም ህይወት እዩ። ብዙሕ ገድሊን መኸራን ኣለዎ።

ፍ.ኣ፦ እሞ ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ህይወት፣ ከመይ ጌሩ ሰብ ክጻወሮ  ይኽእል?

ቅ.እ.፦ ንሕና ብስጋ ጥራይ ኢና ንጋደል፣ ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ልዕሊ ዂሉ እኹል እዩ፣ በቲ ናቱ ሓይሊ ድማ ኲሉ ይኸኣል።

ፍ.ኣ፦ ከመይ ማለት እዩ? እስከ ኣረድኣኒ?

ቅ.እ.፦ መግበይ ኲሉ ግዜ ህብስቲ ምስ ማይን ጫዉን እዩ። ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ይበልዕ፣ ኣብ ባይታ ይድቅስ፣ ካብ ጸጉሪ ዝተሰርሒ ክዳንን፣ ቆርበት ከብቲን ይኽደን፣ ቅናት ይቕነት. . . ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ይገብር። ሓሳበይን ኲሉ ድሌታተይን ንክርስቶስ ሂበዮ፣ በቲ ናቱ መጋቢነትን ሓይሊን ኸኣ ንዂሉ ክሰግሮ ክኢለ። ኲሉ ግዜ ንዓይ ከድሕን ይመጽእ።

ፍ.ኣ፦ ከምዚ ነገር ከም ዘሎ ፍጹም ይፈልጥ ኣይነበርኩን። እስከ ንቀጽል ኣባ! ኣብ ሳልሳይ ክ/ዘ ኢኻ ዝነብርካ፣ ኣብቲ ግዜ ድማ ብዙሕ ስነፍልጠታዊ ምርምር ኣይነበረን፣ ኣብ ከምዚ ዘመን ምንባርኻ ቅሩብ ሕርኽርኽ`ዶ ይብለኻ? ማለት ኣብ ስነፍልጠታዊ ምዕባለ ዘይነበረሉ ዘመን ብምንባርኻ ይስማዓኻ`ዶ?

ቅ.እ.፦ ምናልባት! ግን ሓደ ነገር ምዝኻር ጽቡቕ እዩ። ዓለም ሕጂ ብዙሕ ስነፍልጠታዊ ምዕባለታት ኣለዋ፣ ኮይኑ ግና ኣብ ስነምግባርዊ ድንቁሩና ከኣ ትርኸብ። ብዙሕ ምርምርን ፍልጠትን ኣሎ፣ የግዳስ ማዕረ ምስኡ ድማ ካብ ባህሪያዊ ነገራት ወጻኢ ይግበር፣ ካብ ልሙዳዊ ኣካይዳ ዝረሓቀ ህይወት፣ ካብ ሕሊና ዝረሓቀ ኣካይዳ ኸኣ ኣሎ።

ፍ.ኣ፦ ብርግጽ ሓቕካ ኣለኻ፣ ኣነ ዉን ብዛዕባ`ዚ ከዛርበኻ ደልዬ ኣለኹ። ወደ መዝሙርካ ዝነበረ ዝመዝገቦ ብሂል ናትኻ ኣሎ። ብሓቂ እዛ ብሂል ንዓይ ኣዝያ ስለዝመሰጠትኒን፣ ምስዚ ሕጂ ዝበልካዮዉን ስለትኸይድ፣ ብዛዕባኣ ክሓትት።

ሰባት ኲሎም ጸለለል ዝብሉሉ ግዜ ክመጽእ እዩ። ሽዑ ሓደ ከምኦም ዘይተጸለለ ሰብ ምስ ዝርእዩ፣ ኣርኪቦም ይሕዝዎ እሞ ‘ካባና ዝተፈለኻ ስለዝዀንካ፣ ጽሉል ኢኻ’ እንዳበሉ ይቕጥቅጥዎ፣

ብሓቂ ንስኻ ከምዚ ኢልካ ተዛሪብካ ዲኻ?

ቅ.እ.፦ እወ ከምዚ ኢለ ተዛሪበ እየ። ኣብ ደቂ ሰባት ሓባራዊ ጽላለ ዝበሃል ኣኻይዳ ኣሎ። ንሓደ ሓድሽ ነገር ምናልባት ሓደ ሰብ በይኑ እንድሕሪ ጌርዎ፣ ጽላለ ኮይኑ ይዉሰድ ይከዉን፣ ኮይኑ ግና ኲሉ ሰብ ብሓባር እንድሕሪ ነቲ ነገር ፈጺምዎ፣ ከም ጽላለ ኣይዉሰድን።

ፍ.ኣ፦ ንኣብነት?

ቅ.እ.፦ ንኣብነት ንዓይ፣ ጠበንጃ ሒዝካ ናብ ሓደ ገዛ እንዳቶከስካ ምኻድ ጽላለ ኮይኑ ይስመዓኒ፣ ኮይኑ ግና ንካልኦት ሰባት ኣእሚነ፣ ከማይ ጠበንጃ ሒዞም ሰባት ከሳጉጉ እንተዝጅምሩ፣ ማንም ሰብ ጽሉላት ኣይብሎምን። በዚ ምክንያት ድማ ኣብ ዓለም ድሌትኻ እትፍጽመሉ መስርሕ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ዘይልሙድን ስግንጢር ነገራትን ብሕብረት ይገብሩ ኣለዉ፣ ምኽንያቱ ዝበዝሐ ህዝቢ ነዚ ንሳቶም ዝገብርዎ ዘለዉ ነገራት “ባህሪያዊ” ጌሩ ስለዝሓስቦ እዩ። ዳርጋ ዂሉ ሰብ ኣብ ግዜና ተጸሊሉ ስለዘሎ፣ እቶም ነቲ ሓቂ ርእዮም ዝፈርዱ ሰባት፣ በዞም ብሕብረት ዝተጸለሉ ጉጅለ  “ድንዙዛት ፍቕሪ ዘይብሎም ናይ ቀደም ሰባት” ተባሂሎም ይጽረፉ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ።

ፍ.ኣ፦ እዚስ ብሓቂ ኣብዚ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ እዩ። ካልእ ብሂል ዉን ኣለኒ፣


“ተኣዛዝነትን ምሕራምን ንሓደ ሰብ፣ ኣብ ልዕሊ ኣራዊት ንኽስልጥን ይገብሮ” 


እንታይ ማለት እዩ? ብሓቂ ሰብ እንድሕሪ እዙዝን፣ ካብ ብዙሕ ነገራት ዝሕረም እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ኣራዊት ክስልጥን ይኽእል ድዩ? ንተመንን ዕንቅርቢትን ክገዝአን ይኽእል?

ቅ.እ.፦ ሓሳበይ ኣይተረዳእኻዮን፣ “ኣራዊት” ተባሂሎም ዘለዉ፣ ነቶም ናይ ግዳም እንስሳታት ማለተይ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ነቶም ኣብ ስጋና ዝነግሱ`ሞ ኣራዊታዊ ባህሪ ከነርኢ ዝገብሩና ጠባያት፣ ማለት ትዕቢት፡ ፍትወት፡ ቅንኢ፡ ፍርሒ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው፣ እዚኦምን መሰላቶምን እየ፣ ኣራዊት ዝበልክዎም። ሓደ ሰብ ነዞም ኣብ ህይወቱ ዝገዝእዎ “እንስሳታት” ክስዕሮም እንድሕሪ ደልዩ፣ እዙዝን፣ ተሓራሚን ክኸዉን ይግባእ። ንመንፈሳዊ ኣብኡ፣ ንካልኦትን ክእዘዝ ኣለዎ። ካብ ዓቐኑ ዝሓለፈ ምቾትን፣ ብልዒን ድማ፣ ተሓሪሙ ክጸዉም ኣለዎ። ከምዚ እንድሕሪ ጌሩ ኣብ ልዕሊ`ዘን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን ባህሪያት ክስልጥንን፣ ክገዝአንን ይኽእል። እቲ ዝገርም ናይ 21 ክፍለ ዘመን መናእሰያት፣ ንተኣዛዝነትን፣ ምሕራምን ኣይድግፍዎን፣ ኣዝዩ ይገርም እዩ።

ፍ.ኣ፦ ሓንቲ ዝሰማዕክዋ ዛንታ ኣላ። 


ሓደ ግዜ ኣሕዋት ንሓደ መነኮስ ኣብ ቅድሚ ኣባ እንጦንስ፣ ብዙሕ ወደስዎ። እቶም ኣሕዋት ናብኡ ምስ መጽኡ፣ ኣባ እንጦንስ፣ እቲ መነኮስ ነቲ ዉዳሴ ከምዝተቐበለ፣ ንጸርፊ ድማ ይቕበሎ`ዶ ይኸዉን ብምባል ከረጋግጽ ፈተኖ። እቲ መነኮስ ግና ንጸርፊን ንዕቐትን ክቕበል ኣይከኣለን። ሽዑ ኣባ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፣ “ንስኻ ብግዳማ ኣዝያ ዝወቐበት፣ ብዉሽጣ ግና ብጎሓሉትን ሰረቕቲን ዝዓነወት፣ ንኢሽተይ ዓዲ ኢኻ።”

እንታይ እዩ እቲ መልእኽቲ?

ቅ.እ.፦ ዝዀነ ሰብ ክሙገስ እንከሎ፣ ብሓጎስ ይቕበሎ እዩ። በዚ ግና ናይ ሓደ ሰብ ትሪ ክትፈልጦ ኣይከኣልን። እዃ ደኣ ጸርፊ ብጸጋ ዝቕበል እንድሕሪ ኮይኑ እዩ፣ ናይቲ ሰብ ብርትዐን ትሪን ዝረጋገጽ። ንዓሰርት ሰባት ወሲድካ፣ ብዙሕ እንተ ኣድኒቕካዮምን ንኢድካዮምን፣ ኣብ ገጾም ብዙሕ ፍልልይ ኣይትርእይን። በንጻሩ እንድሕሪ ጸሪፍካዮም ግና፣ ኣብ ገጽ ነፈሲ ወከፎም ብዙሕ ነገር ከተንብብ ትኽእል። ሓደ ሰብ ንጸርፊን ንዕቐትን ብጸጋን ብሰላምን ክቕበሎ እንድሕሪ ዘይክኢሉ፣ ካብቲ ሓቀኛ ስነምግባርን ትሩፋትን ፍጹም ርሑቅ እዩ።

ፍ.ኣ፦ እዚ ዝበልካዮ ቅድሚ ሕጂ፣ ኣብ ርእሰይ ፈጺመ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን።

ቅ.እ.፦ እዚ ነገር ኣዝዩ ክብጻሕ ዘይኽእል ይመስል ይከዉን፣ ግን ኣምላኽ እዩ ሓይሊ ዝህብን፣ ሞቶር ኮይኑ ዘንቀሳቕሰካን። ሰብ ኣእጋሩ ኣብ መንገዲ ድሕነት እንድሕሪ ኣንቢሩ፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ይመርሖ፣ ጸግኡ ዉን ድርኺት ኮይኑ ይሕግዘና።

ፍ.ኣ፦ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ወደ መዝሙርካ ዝነበረ ኣትናቴዎስ ክሓተካ። ንሱ ብዛዕባ ታሪክ ህይወትካ ዘዘንቱ ገድልኻ ዝጸሓፍ እዩ። ኣብታ “ህይወት ቅዱስ እንጦንስ” ትብል መጽሓፍ፣ ከምዚ ብምባል ጽሒፉ።


“ኣብ ሕሉፍ ህይወቱ ኣይነብርን፣ ኣብ ጸጽባሕ ከም ጀምሪ ኮይኑ ይብገሰ፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ብምሕሳብ ግዜ ኣየሕልፍን. . . ብቀጻሊ ይጋደልን ይተግህን ነበረ። ከምቲ ጳዉሎስ ናይ ድህሪተይ ገዲፈ ናብ ቅድሚት ይመጣጠር ኣለኹ ዝበሎ፣ ንሱ ዉን ናይ ድሕሪት እንዳገፈ፣ ናብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ነገር ክበጽሕ ይጽዕር ነበረ።”


እዚ እንታይ ማለት እዩ? ብመንፈሳዊ ህይወትካ እንድሕሪ ትዓቢ ሃሊኻ፣ ስለምንታይ መዓልታዊ ከም ሓድሽ ጀማሪ ምዃን ኣድለየ? ሓንቲ መዓልቲ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ኣይትሓይሽን ድያ? ስለምንታይ መዓልቲ ከም ሓድሽ ጀማሪ ትጅምር?

ቅ.እ.፦ ብህይወተይ ሕጉስ ኣይነበርኹን። ዋላ ሽሕ ግዜ ንኣምላኽ ከሐጉስ ይጽዓር፣ መዓልታዊ ሓጢኣተይ ይዝኽር ነበርኹ። ስለዚዀነ ድማ ንመዓልቲ ከም ሓድሽ ጀማሪ ጌረ ክቕበላ ወሰንኩ፣ ከምኡ ድማ ገብርኹ። ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ ህይወቱ ይዓቢ ከምዘሎ ከረጋግጽን ክፈልጥን ጽቡቕ እዩ፣ ምስኡ ማዕረ ማዕረ ድማ፣ መዓልታዊ ክሕደስ ኣለዎ። ነቲ ናይ ትማሊ ሓጢኣት ብንስሓ ደምሲስካ ብምሕዳስን፣ ነዛ ሓዳስ መዓልቲ`ዚኣ ንእግዚአብሔር ዘሐጉሰሉ ንዑ ተመስግነሉን ሓድሽ ኣጋጣሚ ምዃኑ ምዝኻር የድሊ። ኣብ ሙሉእ ዘመነይ ዝተጠቀምኩሉ መምርሒ ናይ ህይወተይ እዚ እዩ። 

ፍ.ኣ፦ ብሓቂ እዚ ዝተገብረ ዕላል መሃሪን ሃናጺን እዩ፣ ኣማኢት ሰባት ስለምንታይ ዓለም መኒኖም ኣሰርካ ብምስዓብ ናብ ገዳም ከምዝኣተዉ  ሕጂ ፈለጥኩ። ህይወትካ ክሰዓብ ዝግብኦ ኣርኣያዊ ገድሊ እዩ፣ ክሰዓብ ዉን ይግባእ! 

ቅ.እ.፦ ምሽ. . . ይገርም እዩ፣ እቶም ንዓይ ዝሰዓቡ ተጋግዮም ኣለዉ።

ፍ.ኣ፦ እንታይ ማለትኻ እዩ?

ቅ.እ.፦ ንሳቶም ንዓይ ይስዕቡኒ ነበሩ፣ ኣነ ግና ንኣምላኽ ይስዕብ ነበርኩ። ንሳቶም ንዓይ ከም ቁጽሪ ሓደ ይሰርዑኒ ነበሩ፣ የግዳስ ኣነ ቁጽሪ ክልተ እየ፣ እግዚአብሔር እዩ ቁጽሪ ሓደ ክኸዉን ዝግብኦ። ንሱ እቲ መራሒ ኣብ ዝመርሖም ድማ፣ ኲሉ ግዜ ክስዕብዎ ይግባእ።
 
ፍኖተ ኣትናቴዎስ፦ ብሓቂ ኣባ በረከትኩምን ጸሎትኹምን ኣይፈለየና። የቐንየልና!

ስለቲ ዘይንገር ዉህብትኡ፣ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹን!
በረኸት ቅዱስ እንጦንስ ኣበ መነኮሳት ምስ ኩልና ይኹን!

ምንጪ፣ http://suscopts.org/resources/literature/248/getting-to-know-the-fathers..



Saturday, January 18, 2014

ኤጲፋንያን-ቅዱስ ጥምቀት ብ ቅዱስ ሂፖሊቱስ ዘሮም

ኤጲፋንያን-ቅዱስ ጥምቅት ብቅ. ሂፖሊቱስ ዘሮም (170-235 ዓ.ም.)

ቅዱስ ሂፖሊቱስ (ብግእዝ ኣቡሊድስ) ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝነበረ፣ ሊቃዉንቲ ቤተክርስቲያን ሓደ ኮይኑ፣ ንቅዱስ ኢራንዮስ ወደ መዝሙር ከም ዝነበረ ይንገር። ቅዱስ ኤራስንዮስ ብወገኑ፣ ንሰማዕት ቅዱስ ፖሊካርፖስ ዘስሚርና ወደ መዝሙር ነበረ፣ ቅ.ፖሊካርፖስ ድማ፣ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ ወደ መዝሙር ነበረ። ካብዚ ንርዳእ እንታይ እዩ፣ ቅዱስ ሂፖሊቱስ ዝህቦ ዘሎ ትምህርቲ፣ ብሓዋርያዊ ትዉፊት ዝተሰጋገረ፣ ጽኑዕ ትምህርቲ ክርስትና እዩ። ኣብ ስንክሳር የካቲት 6 ስሙ ተጥቂሱ ንረኽቦ ኢና፣ ግን ንሱ ድዩ ካልእ ዝፈልጦ የብለይን።

ኤጲፋንያን ወይ ዉን ቴኦፋንያን፣ ዝብል ቃል ግሪካዊ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ብትግሪኛ “ኣስተርእዮ፣ ምግሃድ ሚስጢር ኣምላኽ፣ ምግላጽ ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ሰብ ብዝርድኦ መንገዲ ተረኣይ” ማለት እዩ። ጐይታ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ክጥመቕ እንከሎ፣ ሰለስትነት ናይ እግዚአብሔር ስለዝተጋህደ ድማ ናይ ጥምቀት ካልኣይ ስም ኮይኑ ንረኽቦ። «ወእም ድህረ ዝንቱ ግበሩ በዓለ ኤጲፋንያ ዘዉእቱ በዓለ ጥምቀት፣ ወይኩን በሃቤክሙ ክቡረ እስመ ቦቱ ወጠነ እግዚእነ ከመ ያርኢ መለኮቶ ኣመ ተጠምቀ በዉስተ ዮርዳኖስ በእደ ዮሃንስ። ድሕሪዚ በዓል ኤጲፋንያን ግበሩ፣ እዚ ዉን በዓል ጥምቀት እዩ፣ ጐይታና ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሃንስ ክጥመቕ እንከሎ መለኮታዊ ምዃኑ ስለዘርኣየና፣ እዚ በዓል ብኽቡር ኣብዕልዎ» ፍትሓ ነገስት፣ በእንተ በዓላት ዓ.626 4 መስመር።


1. ኲሉ ግብሪታት ኣምላኽናን መድሓኒናን ብሓቂ ጽቡቕ እዩ።  ኲሉ ዝረአ ዘበለ ይኹን፣ ሓንጎል ዝርእድኦ፣ ሓሳባት ዝምርምሮ፣ ኢድ ዝድህስሶ፣ ጥበብ ዝምርምሮ፣ ሰብኣዊ ባህሪያት ዝቕበሎ. .ኮታስ፣ ኲሉ ፍጥረት ኣምላኽ ብሓቂ ሰናይ እዩ። ልዕሊ ጽባቐ ሰማይ እስከ እንታይ ኣሎ? ልዕሊ ቅርጺ መሬት`ኸ ካልእ ዉቃበ ኣበይ ይርከብ? ልዕሊ ጩራታት ጸሓይ ዝቕልጥፍ`ኸ? ልዕሊ ስርዓተ ጸሓይ ዝዉቅብ`ከ? ልዕሊ ግርማ ከዋኽብቲ`ኸ ዝምልክዕ፣ ወይ ልዕሊ ወቕቶም ሓልዮም ዝነፍሱ ንፋስ ኣዝመራ ዝጥዕም`ኸ፣ እንታይ ኣሎ? ክንዲ ናይ መዓልቲ ብርሃን ዝጽብቕ ኣበይ ይርኸብ? ልዕሊ ኲሉ ግና፣ ንሰብ ዝወዳደሮ ፍጡር ኣሎ`ዶ? ኣየናይ ፍጡር እዩ ንሰብ ዝመዓራረዮ? ብርግጽ ኲሉ ፍጥረታት ኣምላኽናን መድሓኒናን ብሓቂ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ። የግዳስ ክንዲ ማይ ኣድላይነት ዕዙዝ ዝዀነ ነገር ኣይርኸብን። ክንዲ ማይ ጌርና እንብህጎ ካልእ ኣገዳሲ ባእታ ኣሎ ድዩ? ብማይ ንሕጸብ፣ ብማይ ንርሕስ፣ ንነጽህ፣ ንምገብ። ምድሪ ኣብ ማይ ተሲሪታ ኣላ፣ ማይ ጠሊ ይህበና፣ ማይ ንወይኒ የቡቅል፣ ንዘራእቲ የዕንብብ፣ ንፍረታት የፍርየን፣ ንኣዉሊዕ የርሕሶ፣ ንቆጽሊ ዓርኮብኮባይ የጥልሎ፣ ንዕንባባታት ጽባቐ ይዕድል፣ ንዕንባባ መሮር ግርማ ይዕድለን። ስለምንታይ እየ ብዛዕባ ማይ ክንድዚ ዝዛረብ ዘለኹ? እወ፣ ብዘይ ባእታ ማይ ኲሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገር ህላወ ኣይምረኸበን ኔሩ። ስለዚ ማይ ኣገዳሲ እዩ፣ ካልኦት ባእታታት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንረኽበን ኢና፣ ማይ ግና እንኮላይ ኣብ ላዕሊ ጠፈር ንረኽቦ። ነዚ ከረጋግጸልና እንከሎ፣ ነብዪ ዳዊት ባዕሉ ከምዚ በለ “ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፣ ኣመስግንዎ” /መዝ 148፥4/።

2. ልዕልና ናይ ማይ ዘረጋግጸልና እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝገልጽናዮ ካልእ ኣዝዩ ክቡር ነገር ኣሎ። ፈጣሪ ዂሉ ዓለማት ዝዀነ ክርስቶስ፣ ንሱ ከም ዝናብ ማይ ናባና ወረደ (ሆሴ 6፥3)፣ ከም ምንጪ ማይ ኮይኑ ተገልጸ (ዮሃ 4፥14)፣ ከም ኣፍላገ ማይ ዉን ካብ ዉሽጥና ይፈስስ (7፥38)፣ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ዉን ተጠምቀ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ናብ ቅዱስ ዮሃንስ ከም ዝመጽአን፣ ኣብ ዮርዳኖስ ከም ዝተጠምቀን ትፈልጡ ኢኹም። ብሓቂ እዚ ነገር ክትምርምሮ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከመይ ኢሉ እቲ ንከተማ ኣምላኽ ብሓጎስ ዝመልእ ሩባ (መዝ 46፥4)፣ ኣብ ንኢሽተይ ማይ ክተሓዝ?! እቲ ፍጹም ዘይዉሰን መንፈስ፣ ንኹሉ ሰብ ህይወት ዝህብ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ክነሱ፤ ከመይ ኢሉ በዚ ድኽነት ዝመልኦ ማይ ክምሰልን ክግለጽን ይኽእል! ንሱ (ጐይታ) ኣብ ኲሉ ዝርኸብ፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ድማ ዘይሰኣን፣ ሙሉእ ኣብ ኲሉ፣ ብሰባት ዘይርአ፣ ብመላእኽቲ ዉን ዘይጭበጥ ክነሱ ብሰናይ ፍቓዱ ክጥመቕ መጸ። ነዚ ነገር ክትሰምዑ እንከለኹም ፍቑራተይ፣ ተራ ነገር ጌርኩም ኣይትሕሰብዎ፣ ግቡእ ክብሪ ጌርኩም ተረድእዎ። ጐይታ ንሰባት ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተላዕለ፣ ናባና ወረደ፣ ብሕቡእ ዉን ማያት ከይፈለጥዎ፣ ክጥመቕ ምስ ቀረበ፣ ሽዑ “ማያት ረአይዎ፣ ማያት ረኣዪዎ፣ ተሸበሩውን” (መዝ 77፥16)። ማያት ካብ ዶባተን ሓለፋ፣ ካብ መስመረን ዉን ፋሕ በላ። እቲ ነቢዪ ድማ ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ ነዚ ኲነታት ስለዝተረድኦ፣ ከምዚ ብምባል ሓተተ፣ “ኣቲ ባሕሪ፣ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፧ ኣቲ ዮርዳኖስከ፣ ንድሕሪት እተመለስኪ፧” (መዝ 114፥5)። ማያት ዉን ከምዚ ብምባል መለሳ፤ ‘ፈጣሪ ዂሉ ዓለም ዝዀነ ‘ብመልክዕ ባርያ’ (ፊሊ 2፥7) ረኣናዮ፣ ንሕና ዉን ፈራሕና ምኽንያቱ ሚስጢር ድሕነት ኣይተራድእናን ኔሩ።’

3. ንሕና ግና፣ ሚስጢር ድሕነት ስለዝተረዳእና፣ ንምሕረቱ ለበስና፣ ንሱ ንዓና ከድሕን እምበር ክፈርድ ኣይመጽአን። እቲ ቅድሚ ጐይታ ዝተላእኸ ዮሃንስ መጥምቅ፣ ነቲ መጺኡ ዘሎ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ፣ ደሓር ግን ብሓቂ ጐይታ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፣ ነቶም ንዑ ቀው ኢሎም ዝጥምትዎ ዝነበሩ ህዝቢ፣ ‘ስለምንታይ ንዓይ ትጥምቱኒ ኣለኹም፣ ኣቱም ዉሉድ ኣትማን?’ ብምባል ሓተቶም። “ኣነ ክርስቶስ ኣይዀንኩን” (ዮሃ 1፥20)። ኣነ ባርያ ኣምበር ጐይታ ኣይዀንኩን፣ ተኣዛዚ እምበር ንጉስ ኣይዀንኩን፣ በጊዕ ኣምበር ጓሳ ኣይዀንኩን፣ ሰብ ኣምበር ኣምላኽ ኣይዀንኩን። ብልደት ነታ መዃን ዝነበረት ኣደይ ማህጸና ከፊተ እየ፣ ግን ንድንግል ዉላድ ከም ትወልድ ኣይገበርኩን። ኣነ ካብ ታሕቲ እየ፣ ከብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ኣይወረድኹን። ልሳን ኣቦይ ክፈትሕ በቒዐ ነበርኩ (ሉቃ 1፥20)፣ ግን መለኮታዊ ጸጋ ኣየፍሰስኩን። ኣደይ ፈሊጣትኒ ነበረት፣ ልደተይ ዉን ብኮኮብ ኣይተበሰረን (ማቴ 2፥9)። ኣነ ጥቕሚ ዘይብለይ፣ ትሕቱ እየ፣ “እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ” (ዮሃ 1፥14)፣ ብስጋዊ ዘመን ድሕረይ እዩ[1]፣ ብመለኮት ግና ቅድመይ ዝነበረ እዩ። እዚ ዉን ተመራሚርካ ክትበጽሖ ኣይከኣልን። “እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።” (ማቴ 3፥11) ኣነ ትሕቲ ሕጊ እየ፣ ንሱ ግና ስልጣን ኣብ ኢዱ እዩ። ኣነ ብሓጢኣት እሱር እየ፣ ንሱ ግና ንሓጢኣት ዘርሕቕ እዩ። ንዓይ ሕጊ ይቅየደኒ እዩ፣ ንሱ ግና ጸጋን ብርሃንን ይህብ። ኣነ ባርያ ስለዝዀንኩ ይምህር ኣለኹ፣ ንሱ ግና ንጐይቶት ዉን ይፈርድ እዩ። ንዓይ ምድሪ መንበሪየይ እያ፣ ንሱ ግና ሰማያት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ እዩ። ኣነ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጥምቐኩም ኣለኹ፣ ንሱ ግና ዉልድነትኩም የረጋግጸልኩም፣ ብሓዊን መንፈስ ቅዱስን ዉን የጥምቀኩም። ስለምንታይ ኣሞ ንዓይ ቀው ኢልኩም ትጥምቱኒ? ኣነ ክርስቶስ ኣይዀንኩን።

4. መጥምቀ መለኮት ቅ.ዮሃንስ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ብዛዕባ ጐይታ ከምዚ ኢሉ ክምስክር እንከሎ፣ ኲሉ ህዝቢ ብምግራም ይዕዘብ ነበረ። ብስጋዊ ዓይኖም ዉን ነቲ ዝኸዉን ዘበል ብተመስጦ ይከታተልዎ ነበሩ፣ ዲያብሎስ ግና በዚ ነገር ኣዝዩ ሰንበደ።  ምክንያቱ ዮሃንስ ዝህቦ ዘሎ ምስክርነት ኣዝዩ ዘገርም እዩ። እቲ ልዑል ጐይታ፣ ዘሰንይዎ ኣሕሉቅ መላእክቲ ከይሓዘ፣ ገዛእ ሰብነቱ ብኽቡር ነገር ከየወቀበ፣ ትሑት፣ በይኑ፣ እሞ ኸኣ ብግልጺ ምምጽኡ፤ መለኮታዊ ክብሩ፡ ብስጋ ሰብ ሓቢኡ፣ ምእንቲ ነቲ መታለሊ ገበል ክስዕር፣ ኣርኣያ ሰብ ወሲዱ ተጋህደ። ንዮሃንስ ዉን፣ ብኣምላኻዊ ግርምኡ ዘይኰነስ፣ ከም ተራ ሰብ መሲሉ ቀረቦ። አረ እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ፣ ካብዚ  ብዝዛይድ ትሕትና ዉን እምበር። ከም ሓደ ኣብ ሓጢኣት ዝነበር ተራ ሰብ መሲሉ፣ ብዮሃንስ ንኽጥመቅ ርእሱ ኣትሓተ። ዮሃንስ መጥምቅ ድማ፣ ትሕትና ናይቲ ልዑል ምስ ረኣየ፣ በቲ ዂነት ኣዝዩ እንዳተገረመ፣ “ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ።” (ማቴ 3፥14)። ኦ ጐይታ፣ እንታይ ትገብር ኣለኻ? ምስ ሕጊ ዝጻረር ትገብር ኣለኻ[2]። ብዛዕባካ ኣነ ካልእ እየ ምሂረ፣ ንስኻ ግና መጺእኻ ካልእ ትገብር ኣለኻ[3]። ዲያብሎስ ብዛዕባኻ ካልእ ነገር ሰምዐ፣ ካልእ ነገር ዉን ተረድአ። ጐይታየይ፣ ስለምንታይ ማይ ትደሊ ኣለኻ፣ ብመለኮታዊ እሳት እንዶ ኣጥምቐኒ? ስለምንታይ ኣብ ማእከል ፍጡራን ተገለጽኻ፣ እስከ ብመንፈስካ ግለጸለይ? ዮሃንስ መጥምቅ፣ ምእንቲ ልዕልናኻ ክገሃድ ኣጥምቀኒ። እሺ ጐይታይ፣ ኣነ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጥምቕ ኣለኹ፣ እቶም ዝጥመቑን ዉን ኣቐዲሞም ንዂሉ ሓጢኣቶም ይናዘዙ እዮም። ሐራይ እስከ፣ ኣጥምቐኒ ስለዝበልካኒ፣ ተኣዚዘ ክጥምቐካ፣ ግና እትናዘዞ ሓጢኣት ኣለኻ ድዩ? ንስኻ`ዶ ፍጹም ጻድቕ ኣይኰንካን? ዋላዃ ከጥምቐካ ኣነ እንተደፈርኩ፣ ዮርዳኖስ ግና ክትቐርበካ ኣይትኽእልን። “ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” 

5. ጐይታ`ኸ እንታይ ኢሉ መለሰ? “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ” /ማቴ 3፥15/። ዮሓንስ ንስኻ ልዕለይ ኣይትፈልጥን ስለዚ “ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ”። ንስኻ ከም ሰብ ትሓስብ፣ ኣነ ግና ብኣምላኽነተይ መጻኢ ይፈልጥ። ምእንቲ ትምህርቲ ክኸዉን ኣነ ነዚ ክገብር ይግብኣኒ እዩ። ዕላማ ዘይብሉ ነገር ፈጺመ ኣይገብርን። ኦ ዮሃንስ፣ ግሩም ኣምላኽ እየ፣ ግን ብመለኮታዊ ግርማይ ስለዘይተገለጽኹ፣ ይገርመካ`ዶ ይህሉ? ቅጭን ክዳን ነገስታት ኣብ መደቀሲ ኣይትክደኖን፣ ንጉስ`ሲ ምልኩዕ ክዳን ሓለቃ ሰራዊት እንተተኸድነ እዩ ዘምሕረሉ፣ ኣነ ድማ ናብ መስፍን ዘይዀነሲ ናብ ብጻይ (ዓርከይ) እየ መጺአ።[4] “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ”። ኣነ መፈጸምታ ሕጊ እየ፣ ንዂሉ ሕጊ ዉን ክፍጽም መጻእኹ። ከምዚ እንድሕሪ ጌረ፣ ጳዉሎስ ድሕረይ ከምዚ ኢሉ ክእዉጅ ይኽእል “ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ” (ሮሜ 10፥14)። “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ”፣ ዮሃንስ፣ ማንም ሰብ ንጥምቐት ከይንዕቅ ንዓይ ኣጥምቐኒ። ምድራዉያን ነገስታትን፡ ሰብ ጸጋታትን ብኢድ ድኻ ካህን (ድኻ ቀሺ) ኣይጥመቕን ኢሎም ኣብያ ምእንቲ ከይገብሩ፣ ኣነ ጐይታኻ ክነሰይ ብኣኻ ብባርያይ ኢድ ተጠመቕኩ። ኣቡኡ ዂሎም ህዝቢ፣ ምስክርነት ናይ ኣቦይ (እግዚአብሔር ኣብ) ምስ ሰምኡ፣ ሽዑ ክብሪ ናይ ወልድ ክፈልጡ እዮም እሞ፣ ሕጂስ ደኣ ሕደግ ናብ ዮርዳኖስ ክወርድ። ነዚ ኲሉ ምስ ኣስተዉዓለ፣ ዮሃንስ ንጐይታ ኩሉ ጽድቒ ምእንቲ ክፍጽም ሓደጎ። “ድሕርዚ ፈቐደሉ። የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ” /ማቴ 3፥16-17/።

6. እስከ ኣስትዉዕሉ ፍቑራተይ፣ ጐይታ ዘረባ ዮሃንስ ሰሚዑ፣ ነቲ ጥምቐት እንተ ዝሓድጎ፣ ክንደይ ዝኣኽል በረኸት ምሰኣንና። ቅድሚ እዚ ግዜ ሰማያት ተዓጽዩና፣ ሚስጢር ኣምላኽ ዉን ክንፈልጦ ኣይኸኣልናን ነበርና። ምናልባት ካብ ፍልጠት ኣምላኽ ዉን ዝያዳ ምረሓቕና ኔርና፣ ናብ ላዕሊ ዉን ኣይምበጻሕናን። ስለዚ ብጐይታ ጥምቐት ሚስጢር ኣምላኽ ተጋሂዱልና። ጐይታ ግና ነዚ ጥራይ ኣይኰነን ዝገበረ፣ ብጥምቀቱ ዝፈጸሞ ካልእ ዓቢ ነገር ኣሎ። ነቲ ኣረጊት ሰብ ኣሐዲስዎን፣ ስልጣን ዉልድነት ዳግማይ ዓደሎ። ምኽንያቱ ሽዑ ንሽዑ፣ “እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ”። እቲ ዘይርአ ምስቲ ዝርአ ተዓርቀ፣ ሰማይዉያን ብሓጎስ ተመልኡ፣ ሕማም ዓለም ተፈወሰ፣ ሚስጢር ተጋህደ፣ እቶም ጸላእቲ ዝነበሩ ፍቑራት ኰኑ። ኣቲ ወንጌላዊ “እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ” ኢሉ ክነግረና እንከሎ፣ ሰለስተ ነገር ምእንቲ ከብርሃልና እዩ። ቀዳማይ፣ መርዓዊ ክርስቶስ ክጥመቀ እንከሎ፣ ጽቡቓት ኣፍደገታት ናይታ ሰምያዊት ክፍሊ መርዓ (bridal-chamber of heaven) ምእንቲ ክኽፈት እዩ። ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ብርግቢ ኣምሳል ወረደ፣ ድምጺ ኣብ ኸኣ ካብ ሰማይ መጽአ፣ “ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ” ተባሁሉ ዝተንግረ ዉን ነዚ እዩ (መዝ 24፥7)። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።

7. እቲ ፍቃር፣ ፍቕሪ ኣመንጨወ፤ እቲ ዘይቅረብ ብርሃን፣ ብርሃኑ ገለጸ። “ፍቱው ወደይ እዚ እዩ” እዚ ብስጋ ኣብ ምድሪ ተገሊጹ ዘሎ፣ ካብ ሑቅፊ ኣቡኡ ከይተፈልየ፣ ብግህዶ ተገለጸ። ኣብዚ ናይ ጥምቀት ኩነታት ግና፣ እቲ ዘጥምቕ ዘሎ ልዕሊ`ቲ ተጠማቓይ ኮይኑ ይርአ ኣሎ፣ ስለዚ እዚ ኣስተርእዮ`ዚ ፍሉይ እዩ። ስለዚ ዉን፣ እግዚአብሔር ኣብ ካብ ሰማያት መንፈስ ቅዱስ ልኡኹ ኣብ ልዕሊ`ቲ ተጠማቓይ (ጐይታ) ከምዝዓልብ ገበረ። ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ፣ እግዚአብሔር ንኖህ ዘለዎ ፍቕሪ፣ ብርግቢት ኣቢሉ ገለጸሉ፤ ሕጂ ዉን መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ቆጽሊ ኣዉሊዕ ሒዛ ዘበሰረት ርግቢት መሲሉ ካብ ላዕሊ ወረደ፣ ኣብ ልዕሊ`ቲ ምስክር ዘድለዮ ወልድ ዉን ዓለበ። ስለምንታይ? ቀዳምነት ናብ ኣብ ቃል እሙን ምዃኑ ምእንቲ ክረጋገጽ፣ እት ካልእ ድማ፣ ነቲ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ዝተንግረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም። ኣየናይ ትንቢት፣ “ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ ኣሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ” (መዝ 29፥3)። ኣየናይ ድምጺ፣ “ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ።” (ሉቃ 3፥22)። “ፍቱው ወደይ ንሱ እዩ”፣ እዚ ንስኻትኩም ወዲ ዮሴፍ እትብልዎ፣ እወ ንሱ ብመለኮታዊ ባህሪኡ “ሓደ ወደይ ንዓይ” እዩ። ብስጋ ጠምዩ፣ ግን ኸኣ ኣእላፋት ዝምግብ እዩ፤ ድኻም ተሰሚዕዎ እዩ፣ ግን ኸኣ ንድኹማት ዕረፍቲ ዝህብ እዩ፤ ንሱ ርእሱ ዘጸግዓሉ ስፍራ ኣይነበሮን (ሉቃ 9፥58)፣ ግን ኸኣ ንዂሉ ነገር ኣብ ኢዱ ዝሓዘ እዩ። ሕማማት ዝጠዓመ፣ ግን ኸኣ ንሕሙማት ዝፈወሰ፤ ብበትሪ ዝተወቅዐ፣ ግና ንዓለም ሓርነት ዝዓደለ እዩ፤ ኣብ ጐኑ ዝተወግአ (ማቴ 26፥67)፣ ግን ኸኣ ጎኒ ኣዳም ዘዳለወ እዩ።

8. ሕጂ ግና ዝዓበያ ኣድህቦኹም ክትህቡኒ፣ እሓትትን እጽሊን ኣሎኹ፣ ምኽንያቱ ናብቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ነገር ክምለስ እየ፣ ናብቲ ካብ ድሕነት ዝፈስስ መንጫዕጫዕታ። እቲ ዘለዓለማዊ (ዘይመዉት) ኣብ፣ ነቲ ዘለዓለማዊ (ዘይመዉት) ወዱ ለኣኾ፣ ቃል ናብ ዓለም ኣተወ፤ ንሰብ ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን ምእንቲ ክሓጽቦ መጽአ። ዳግማይ ብዘይመዉት (ብዘይምሽምሽ) ነፍሲን ስጋን ወለደና፣ እስትንፋሰ (መንፈስ) ህይወት ዉን ዓደለና፣ ካብ ምምሽምሽ ዝሕልወና ሙሉእ ድርዒ ዉን ኣልበሰና። ሰብ ዘለዓለማዊ ኰይኑ፤ ስለዚ ሰብ ዘለኣለማዊ ክኸዉን እንድሕሪ ክኢሉ፣ ኣምላኽ ዘበጸጋ (ብጸጋ ኣምላኽ) ክኸዉን በቂዑ ኣሎ ማለት እዩ። ብምሕጻብ ዝርከብ ካልኣይ ልደት፣ ካብ ማይን መንፈስን ተወሊዱ፣ ኣምላኽ ዘበጸጋ ክኸዉን እንድሕሪ ክኢሉ ድማ፣ ካብ ሞት ምስ ተንስአ ንክርስቶስ መዋርስቱ ይኸዉን (ሮሜ 8፥17) ማለት እዩ። እምበኣር ነዚ ጻዉዒት ተቐበሉኒ፣ ናይ ጥምቀት ኣድላይነት ክነግረኩም እየ`ሞ ስምዑ፣ ኩሉዂም ዓሌታት ናብቲ ዘለዓለማዊ ህይወት ዝዕድል ጥምቀት ቅረቡ። ኣንቱም ኣብ ናይ ድንቁርና ጸልማት ዘለኹም ሰናይ ብስራት ሒዘልኩም መጺአ ኣሎኹ። ካብ ባርነት ናብ ሓርነት፣ ካብ ናይ ሓጢኣት ግዝኣት ናብ ሰማያዊ መንግስቲ፣ ካብ ምምሽማሽ ናብ ዘይምምሽማሽ ምጽኡ። ምናልባት ገለኹም፣ ከመይ ትብሉ ትዀኑ? ከመይ? ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን። እዚ ማይ ንገነት ዘጥለለ፣ ንምድሪ ዘሀብተመ፣ ነታኽልቲ ዘቡቕል፣ እንስሳታት ዉን ዝፋረይሉ እዩ፣ እዚ ማይ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት ኣለዎ። እዚ ማይ`ዚ ሰብ ዳግማይ ዝተወልደሉ፣ ህይወት ዉን ዝረኸበሉ፣ ክርስቶስ ዝተጠምቀሉ፣ መንፈስ ቅዱስ ብርግቢ ኣምሳል ዝወረደሉ እዩ።

9. እዚ መንፈስ`ዚ እዩ፣ ኣብ መጀመርታ  “ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ” ዝነበረ (ዘፍ 1፥2)። በዚ መንፈስ`ዚ ዓለም ትንቀሳቐስ ነበረት፣ በዚ መንፈስ`ዚ ኩሉ ፍጥረት ተፈጥረ፣ በዚ መንፈስ`ዚ ኲሉ ነገር ህይወት ኣለዎ። ንነብያት ብሓይሊ ኣምላኽ (ግብ 28፥25) ከም ዝንበዩ ዝገበረ፣ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝሓደረ፣ እዚ መንፈስ`ዚ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ከም ልሳን ሓዊ ተመቓቂሉ ዝወረደ፣ እዚ መንፈስ`ዚ እዩ (ግብ 2፥3)። ዳዊት “ዎ ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ኢሉ ዝጸለዮ፣ ብዛዕባ`ዚ መንፈስ እዩ። ቅዱስስ ገብርኤል መላኣኽ ንድንግል ብዛዕባ`ዚ መንፈስ ከምዚ በላ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ” (ሉቃ 1፥35)። በዚ መንፈስ ቅዱስ፣ ጴጥሮስ ነቲ ብሩኽ ዝዀነ ቃል ተዛረበ፣ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” (ማቴ 16፥16)። በዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ መሰረት ዝዀነ ከዉሒ ቤተክርስቲያን ተሰረተ (ማቴ 16፥18)። እዚ መንፈስ`ዚ መጸናንዒ እዩ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እግዚአብሔር ወልድ ምዃኑ ዝምስክር እዩ (ዮሃ 15፥26)።

10. ኦ ኣታ ሰብ፣ እምበኣር ዉልድነት ኣምላክ ተቐቢልካ፣ ዳግማይ ምእንቲ ክትዉለድ፣ ቅረብ። ከመይ? ካብ ዝሙት ርሒቕካ፣ ካብ ምቕታል፣ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ኣልጊስካ፣ ፍትወት ስጋኻ እንድሕሪ ዘመሊኽካ፣ ናይ ትዕቢት ስምዒት ንህይወት እንድሕሪ ዘይተቖጻጸረካ፣ ኲሉ ርኹስ ዘበለ ነገራት ካባኻ እንድሕሪ ኣልጊስካዮ፣ ሓጢኣትካ እንድሕሪ ኣንጺህካ፣ ኣጽዋር ዲያብሎስ ካብ ሰብነትካ እንድሕሪ ኣራጊፍካ፣ ዋልታ እምነት እንድሕሪ ሒዝካ፣ ጽቡቕ፤ ነቢዪ ኢሳይያስ ዝበሎ ዉን ሕጂ ንስማዕ “ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ” (ኢሳ 1፥16-19)። ፍቑራተይ፣ እዚ ነብዪ`ዚ ኣቐዲሙ፣ ብዛዕባ ጥምቀት ዘለዎ ናይ ምንጻህ ሓይሊ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ናብቲ ብምሕጻብ ዝርኸብ ልደት፣ ብእምነት እንድሕሪ መጺእኹም፤ ንዲያብሎስ ክሒድኩም፣ ምስ ክርስቶስ እንድሕሪ ሓቢርኩም፤ ካብ ጸላኢ ሰናያት ርሒቕኩም፣ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ እንድሕሪ መስኪርኩም፤ ኣርዑት ባርነት ኣውሪድኩም፣ ዉልድነት እንድሕሪ ለቢስኩም፤ ብሓቂ ንስኻትኩም፣ ናይ ጽድቂ ብርሃን እንዳብርሃኹም ካብ ማየ ጥምቀት ጻሓይ መሲልኩም ክትወጽኡ ኢኹም። እዚ ናይ ጽድቂ ብርሃን ዝተባህለ ድማ፣ ዉሉድ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ፣ ዉልድ እንድህሪ ኮይንና ድማ፣ ንክርስቶስ መዋርስቲ ክንኸዉን ኢና። በቲ ሓደ ወድኻ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢይሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ፍቕሪ ሰብ ኢሉ ብዝገብሮ ጸጋን ምሕረትን፣ ምሳኻ ማዕረ ምስ ዝኾነ ወሃብ ህይወት መንፈስ ቅዱስን ክብርን ግርማን ዉዳሴን ኣምልኾን ብሕብረት ምስኡ ናትካ እዩ። ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።


[1] ብስጋዊ ልደት ዮሃንስ መጥምቅ፣ ንጐይታ ብ6ወርሒ ይቕድሞ።
[2] ኣምላኽ ክነሱ፣ ብኢድ ሰብ ክጥመቕ ምምራጹ።
[3] ዮሃንስ «ኣነ ክትሕት ንሱ ክልዕል» ኢሉ፣ ኣምላኽ ልዕሊ ዂሉ ክኸብር ዝመሃረ እዩ፣ ጐይታ ግና ብዛዕባ ኣምላኻዊ ክብሩ ከይተገደሰ፣ ነብሱ ኣትሒቱ።
[4] The purple robe of kings suits not one in private station, but military splendor suits a king: am I come to a prince, and not to a friend? ዕላማ ናይዚ ሓሳብ፣ ክርስቶስ ከም ሓደ ምድራዊ ንጉስ እምበር ምእንታና ካሕሳ ክኸዉን ኢሉ ከምዝመጽአ፣ ሰባት ይርድእዎ ስለዘይነበሩ፣ ንምብራህ እዩ።

ምንጪ፣- http://www.newadvent.org/fathers/0523.htm

Saturday, January 11, 2014

መልእኽቲ ልደት ብቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ

መልእኽቲ ልደት ብቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ


ቅዱስ ጎርጎርዮስ (329-390 ዓ.ም) ዓርኩ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢን፣ ናይ ኢንዘናዙ ዝተባህለት ቦታ ጳጳስ ዝነበረን ኮይኑ፣ ቤተክርስቲያን ብዘይዚ፣ ነባቢ መለኮት ብምባል ትጽዉዖ። 30 ክፋላት ዘለዎ፣ ዓሙቚ ናይ ትምህርተ መለኮት ጽሑፋት ስለዘዳለወን፣ ብትምህርቱ ዉን ንብዙሕ መሰረታዊ ሕቶታት ስለዝመለሰን እዩ፣ ቤተክርስቲያን 'ቅ.ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት /st Gregory the theologian' ብምባል ናይ ክብሪ ስም ሂባቶ።


በዓል ልደት ነኽብር። ክርስቶስ ተወሊዱ፣ ንዕዑ ስገዱሉ። ክርስቶስ ካብ ሰማያት ወሪዱ፣ ተቀበልዎ። ኣብ ምድሪ ንክርስቶስ ኣኽብሩ። «ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ» እቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣብ ምድሪ ዉን እዩ`ሞ «. . . ሰማያት ይተሐጐሱ፣ ምድሪውን ባህ ይበላ» /መዝ 96፥1,11/። ክርስቶስ ብስጋ ተገሊጹ`ዩ`ሞ፣ ብፍርሓትን ብሓጎስን ኣምልኽዎ፤ ብፍርሓት ምኽንያቱ ሓጢኣት ስለዘለኹም፣ ብሓጎስ ምኽንያቱ ተስፋ ስለዘለኹም። ክርስቶስ ካብ ድንግል ተወልደ። ኦ ኣንቲ ሰበይቲ፣ ኣደ ክርቶስ ኢኺ እሞ፣ ብድንግልና ንበሪ። ነዚ ኣልፋ ዝዀነ፣ መን ዘይሰግደሉ? ነዚ ኦሜጋ ዝኰነ፣ መን`ኸ ዘየኽብሮ?


ስለምንታይ ልደት ነብዕል ኣለና? ጸልማት ሓሊፉ፣ ብርሃን ኾይኑ። ግብጺ ብጸልማት ተቐጽዐት፣ እስራኤል ግና ብዓንዲ ብርሃን በርሀት /ዘጸ 14፥20/። ኣብ ናይ ድንቁርና ጸልማት ዘሎ ህዝቢ፣ ነቲ ካብ ሙሉእ ፍልጠት ዝወጽእ ዓቢ ብርሃን ይርአይ /ኢሳ 9፥6/።  “እንሆ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።” /2 ቆሮ 5፥17/። እቲ ቃል ሓሊፉ፣ እቲ መንፈስ ተገሊጹ። እቲ ጽላሎት ሓሊፉ፣ እቲ ኣማናዊ ናብ ቅድሚት መጺኡ። መልከጼዴቅ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ብዘይ ኣደ ዝዀነ፣ ብዘይ ኣቦ ተወልደ። ቅድሚ ዓለም ብዘይ ኣደ ተወልደ፣ ኣብቲ ካልኣይ ልደቱ ግና ብዘይ ኣቦ ካብ ድንጋል ተወልደ። ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ተሳዕረ፣ ህይወት ላዕላይ ሰማይ ዉን ተገልጸ። ክርስቶስ ኣዚዙ ኣሎ`ሞ፣ ክንጻረሮ ኣይንፈትን። ኦ ህዝበይ፣ ህጻን ተወሊዱልና፣ ወዲ ዉን ተዋሂቡና እዩ`ሞ፣ ኣእድዉኹም ኣጣቕዑ /መዝ 47፥1/። መስቀሉ ስለዝጾረ፣ ግዝኣቱ ኣብ መንኩቡ እዩ። ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱኦ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ /ኢሳ 9፥6/። “ጎደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡” እንዳበለ ዮሃንስ ይኣዉጅ /ማቴ 3፥3/። ኣነ ዉን ሓይሊ ናይዛ መዓልቲ ክእዉጅ እየ። እቲ ስጋዊ ዘይኰነ፣ ስጋ ለበሰ፤ ወዲ ኣምላኽ፣ ወዲ ሰብ ዀነ። የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ /ዕብራ 13፥8/። ኣይሁድ ይተዓንቀፉ፣ ኣህዛብ ዉን ዕሽነት ይምሰሎም /1 ቆሮ 1፥23/፣ መናፍቃን ዉን መልሓሶም ክሳዕ ዝቕንዞ ይለፍልፉ። ሽዑ ናብ ሰማያት ክዓርግ እንከሎ ርእዮም ክኣምኑ እዮም። በዚ እንተዘይኣመኑ ድማ፣ ካብ ሰማያት ዳግማይ ክወርድ፣ ኣብ ዙፋን ፍርዲ ዉን ክቕመጥ እዩ፣ ሽዑ ብግርምኡ ምስ ረኣይዎ፣ ክኣምኑ እዮም። 


ትርጉም በዓል ልደት እንታይ እዩ? ልደት ማለት ቴኦፋኒ ወይ ዉን ምግላጽ ምግሃድ ኣምላኽነት እዩ። ቴኦፋኒ ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ፣ ትርጉሙ ድማ ተጋሂዱ፣ ወይ ዉን ተገሊጹ ማለት እዩ። እዚ በዓል ክልተ ሽም ኣለዎ። ልደትን፣ ቴኦፋኒን[1] ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክልቲኡ ሓደ ትርጉም ኣለዎ። ኣምላኽ ብስጋ ስለዝተወልደ፣ ተራእዩ፣ ተገሊጹ፣ ተጋሂዱ። ዘለኣለማዊ ካብ ዘለኣለም ክነሱ፣ ዘመን ተቖጽረሉ። ንህላዌኡ ምኽንያት የብሉን። ቅድሚ ናይ እግዚአብሔር ቃል (ወልድ)፣ ካልእ ቃል ኣይነበረን። ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ ንቡር ቦታና[2] ምስ ወደቕና፣ ምእንታና ምእንቲ ደቂ ሰባት ክብል ስጋ ለበሰ። ምንጪ ህላወና ክነሱ፣ ብልደቱ ምእንቲ ናብ ክብሪ ከብቕዓና፣ ንድኻምና ምእንቲ ክስዕሮ፣ ተወልደ። ቴኦፋኒ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ፣ ኣስተርእዮ ናይ ኣምላኽ ስለዝዀነ እዩ። ኣብዛ መዓልቲ ብልደት ተራእዩ፣ ተገሊጹ።


በዓል ልደት ብኣምላኻዊ መንገዲ ነብዕል። እዚ ሎሚ ነብዕሎ ዘለና፣ ዓቢ ፌስታ እዩ። ኣምላኽ ናብ ደቂ ሰባት ዝመጽኣሉ መዓልቲ እዩ። ምእንቲ ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንመስል /ኤፈ 4፥22:24/፣ ኣምላኽ ናባና ወረደ። ዝያዳ እኳ፣ ኣረጊት ሰብነትና ሓዲግና፣ ሓድሽ ሰብነት ምእንቲ ክንለብስን፣ ናብ ኣምላኽ ዉን ምእንቲ ክንቐርብ፤ ኣምላኽ ተወልደ። ብኣዳም ሞት እንተመጽኣና፣ ብክርስቶስ ህያዋን ምእንቲ ክንኸዉን /1ይ ቆሮ 15፥22/፤ ምስ ክርስቶስ ዳግማይ ተወሊድና፣ ምስኡ ተሰቒልና፣ ምስኡ ዉን ተቐቢርና፣ ምስኡ ዉን ክንትንስሽ ኢና። እዚ ሓሳብ ክቕጽሎ እየ። ከምቲ መከራ ንበረኸት ዝትክኦ፣ ከምኡ ካብቲ መከራ እቲ በረኸት ክርኸብ እዩ። ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ፣ ኣብኡ ጸጋ ይዓዝዝ /ሮሜ 5፥20/ እዩ`ሞ፣ ምጥዓም[3] ንክንድዚ ዝኣኽል ኩነኔ ካብ ኣብጽሓና፣ ሕማማተ ክርስቶስ ግዳ ክንደየናይ ኣብዚሑ ዘየጽድቐና? ስለዚ በዓልና ነብዕል፣ ግና ከምቲ ኣህዛብ ዝገብርዎ በዓል ኣይኹን። ብዓለማዊ መንገዲ ዘይኰነስ፣ ብኣምላኻዊ መንገዲ ይኹን። ብናትና ፍትወት ተመሪሕና ዘይኰነስ፣ ልዕሊ`ዛ ዓለም ጸብለል ኢልና፣ ንመምህርናን ጐይታናን መሲልና ነብዕል። ምኽንያቱ ናቱ ናይቲ ልዑል ኢና። ብድኻም ዘይኰነስ፣ ብጥዕናን ድሕነትን ይኹን። ብናይ ተፈጥሮ ሕጊ ዘይኰነሲ፣ ዳግማይ ከምዝተፈጠርና ኮይንና በዓልና ነብዕል።


እምብዓር ነዚ በዓል`ዚ ከም ናይ ኣህዛብ ኣበዓዕላ ጌርና ኣይነኽብሮ። ከመይ ማለተይ እዩ? ገበላና ብምምላእ፣ ንሳዕስዒት ብምድላዉ፣ ጎደናታት ብምስላም፣ ንዓይኒ ዝስሕብ ብምድላዉ፣ ኣእዛንና ብሙዚቓ ብምጽማም፣ መስኮት ኣፍንጫና ብጨና ብምቅስቃስ፣ ህዋሳትና ብምልዕዓል፣ ስምዒትና ብምርዋይ፣ ከምዚ ዝኣመሰሉ መንገዲታት፣ ንሓጢኣት ኣፍደገ ብዝኸፍት ኣገባብ ወይ ዉን ንኽፍኣት ብዘዳሉ ኣገባብ ኣበዓዕላ ክኸዉን የብሉን። ረቂቕን ዘው ዝብል ክዳን ተኺድንኻ፣ ኮሻም ኣይትምሰል። ብወርቂ እንተጌጽኻ፣ ብብሩር እንተተሰለምካ፣ ብሕብሪታት እንተተመላካዕካ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝዓደለኻ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ብካልእ እንተሸፈንካ፤ ኸምዚ ዝመሰለ ጽባቐ፣ ረብሓ የብሉን፤ ዋላ ነቲ ዝለመድካዮ ፈንጠዝያን ስኽራንን ወስኸሉ፣ ስዲነትን ዝሙትን ደምረሉ። ምክንያቱ ካብ ኩፋኣት ክፋእ ጥራይ ኢኻ ትመሃር፣ ዝዘራእካዮ ትዓጽድ ኢኻ`ሞ፣ ረብሓ ካብ ዘይብሉ ዘርኢ ዝርኸብ ዓጺድን እቶትን ንርእሱ ጥቕሚ ዘይብሉ እዩ። ዓራትና ብንብረት ተድላ ኣይነደልድሎ፣ ንኸብዲ ዉን ቦታ ኣይንሃባ፣ እምበር`ኸ ናብ ፍትወት ክመርሓና ይኽእላ እየን። ብኽቡር ጨናታት፣ ብጥዑም ወይኒታት፣ ብዝተፈላለየ ዓይነት መግቢታት ዉን ኣይኹን። ባህሪን መሬትን ንክቡር ጉሓፍ ኣምጺአን ከም ህያብ ክቕርባልና እነከለዋ ዉን ኣይነቀበለን፣ ምኽንያቱ እዚ ባዕሉ ተድላ እዩ። ገዛእ ርእስና ብዘይምግታእና ዉን ንነሕድሕድና ኣይንጻረር። ልዕሊ እቲ ዘድሊ ዓቐን ዉን ኣይንድለ፣ ከምኡ ምግባር ባዕሉ ገዛእ ርእስኻ ዘይምግታእ እዩ። ከማና ካብ ሓመድ ዝተፈጠሩ ብዙሓት ሰባት፣ ናይ ዕለት መግቢ ከምዝስእኑ፣ ጠምዮም ከምዝዉዕሉን ንዘክር።



ክርስቲያናዊ ኣበዓዕላ በዓላት ካብ ናይ ኣህዛብ ብምንታይ ይፍለ? እምበኣር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ዂሉ፣ ንኣረማዊያን ደቂ ግሪክን፣ ኣበዓዕላ መዳያቶምን ንሕደገሎም። እዞም ኣረማዉያን ደቂ ግሪክ፣ ጣኦታት የምልኹ፣ መስዋእቲ ዉን ይስዉኡሎም፣ ኣምላኽቲ ኢሎም ዉን ይሰምይዎም፤ ብኸብዶም ዝምለኹ፣ ብሕሩድ መስዋእቲ ዝሕጎሱ፣ ፈጠርቲ ክፍኣት፣ መምለኽቲ ኣጋንንቲ እዮም። ንሕና ግና፣ ኣምልኮና ንእግዚአብሔር ቃል (ወልድ the Word) እዩ። ተድላ እንረኽበሉ ምንጪ ባህታና ኸኣ፣ ቃል ኣምላኽ፡ መልኮታዊ ሕጊን፡ ታሪክን እዩ። ታሪክ ማለት ኣበጋግሳ ናይዚ በዓል ዘረድኣና ፍጻመታት እዩ፣ ነዚ ኲሉ ግዜ ክንዝክሮ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ካብቲ ግቡእ ዘበለ ምእንቲ ከይነልግስ። ካብቲ ንዂልና ብሓድነት ዝተጸዋዕናሉ ጻዉዒት ዉን ምእንቲ ከይንርሕቅ። ሎሚ ብዙሕ ነገር እየ ክነግረኩም መዲበ ክብራት ኣጋይሸይ። ንሓሳባተይ ዉን ብዘለኒ ዓቕሚ፣ ብንጹርን ግቡእን መንገዲ ከቕርቦ እየ።[4]

. . . .ይቕጽል


 






[1] ቴኦፋኒ ወይ ዉን ኤፒፋኒ ይበሃል። ኣብ ፍትሃ ነገስት ብዛዕባ በዓላት ኣብ ዝገልጽ ዓንቀጽ፣ ነዚ ቃል ንረኽቦ ኢና። ትርጉሙ ድማ ቴኦ-ኣምላኽ፣ ፋኒ-ተገሊጹ ማለት እዩ። እዚ ስም ንልደትን ጥምቀትን ንጥቀመሉ ኢና። ኣብ ልደትን ጥምቀትን፣ ኣምላኽ ስለዝተገልጸ። ኣብ ግዜ ልደት፣ ካብ ድንግል ተወሊዱ ኣምላኽነቱ ተገሊጹ። ኣብ ግዜ ጥምቀት ድማ፣ ሰለስትነትን ሓድነትን እግዚአብሔር ተገሊጹ።
[2] fallen from well-being
[3] እጸ በለስ ብምጥዓሞም ሞት ኣብ ኲልና ነገሰ
[4] Or do you desire (for to-day I am your entertainer) that I should set before you, my good Guests, the story of these things as abundantly and as nobly as I can, that you may know how a foreigner can feed the natives of the land, and villager people of the town, and one who cares not for luxury those who delight in it, and one who is poor and homeless those who are eminent for wealth?