ምዕራፍ 19. ንጸሎት ከሰንዮ ዝግባእ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ምድላዋት
ንጸሎት
ከምቲ ኣቐዲምና ዝገልጽናዮ ጌርና እንዳጸለና ከነስና፣ ንስጋዊ ኣካላትና ብዘይ ልጓም ምሕዳግ ግና ጽቡቕ ኣይኰነን። “ኣካል ዘይጭነቐሉን
ልቢ ዘይትጉህየሉን ጸሎት፣ ዳርጋ ከም ዘይግዚኡ ዝተወልደ ናጽላ ህጻን እዩ” ይብል ቅዱስ ይስሓቅ ሶርያዊ፣ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ጸሎት
ነፍሲ ዘይብሉ ጸሎት እዩ። ከምዚ ዓይነት ጸሎት፣ ኣብ ዉሽጣ ርእሰ ብቕዓት ዝጾረት፣ ትዕቢት ዉን ንልባ መሊእዋ ኣሎ፣ ስለዚ ዉን ንገዛእ
ርእሳ ሓንቲ ካብቶም ጽዉዓት ጥራይ ዘይኰነትሲ፣ ሓንቲ ካብቶም ሕሩያት ጌራ ዉን ትሓስባ /ማቴ 22፥14/።
ሱር
ናይ ብዙሕ ጌጋ ስለዝዀነት፣ ካብ ከምዚ ዓይነት ጸሎት ተጠንቀቕ። ልቢ ኣብ ስጋዊ ነገራት እንድሕሪ ተቘሪና፣ መዝገብና ዉን ኣብ ስጋዊ
ነገራት ጥራይ ተኣሲሩ ክተርፍ እዩ። እቲ ዘገርም ዉን በዚ ስጋዊ ሓሳብካ ንሰማያት ዝበጻሕካ ኮይኑ ይስመዓካ።
ብኸምዚ ኣገባብ ትሕጎስ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ሓጎስካ ርኹስ
እዩ፣ ገዛእ ርእስኻ ስለዘይትገትእ ዉን ብስምዒት ትዛረብ። ብቤተክርስቲያን መምህር ክትኸዉን ከይመደብትኻ ዉን፣ ንካልኦት ክትምህር
ክትግስጽን ክትቕይርን ትፍትን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብስጋዊ ሓሳባትካ ክትርጉሞ ትፍትን፣ ሰባት ክጻረሩኻ እንከለዉ ድማ ትቑጣዕ።
ነቲ ናትካ ሓሳባት ከተረጋግጽዉን ኣብ ዉዕዉዕ ሞገተ ትሳተፍ። እዚ ዂሉ ዉን ገዛ ርእስኻ ስለዘይገታእኻን፣ ንልብኻ ዉን ስለዘይሓትካን
እዩ።
ሓቀኛ
ሓጎስ ሰላማዊን ቀጻሊን እዩ፣ ሓዋርያ ቅ.ጳዉሎስ ዉን ኲሉ ግዜ ክንሑጎስ ይምዕደና /1ይ ተሰ 5፥16/። ሓቀኛ
ሓጎስ ካብ ንብዓት ይምንጩ። ልቢ ብዉሽጣ ክትነብዕ እንዀላ ሓጎስ ይርከብ። ንሳ ባዕላን፣ ኲሉ ዓለምን፣ ካብ ሓቀኛ ብርሃን ኣምላኽ ብምርሓቃ
ልቢ ትጉህይ። በዚ ነገር ዉን ልቢ ትሓዝን እሞ ትነብዕ፣ እዚ ንብዓት ዉን ሓጎስ ይፈጥር፣ ምክንያቱ “ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ
እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” /ማቴ 5፥4/፣ “ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።” /ሉቃ 6፥21/ ስለዝበለ
ጐይታ።
ሓቀኛ ሓጎስ ስንኻ ፍሽኽ ብምባል ዝግለጽ ኣይኰነን። ሓቀኛ ሓጎስ ኣብ ደበስ ዝርኸብ ሓጎስ እዩ። ልቢ፣ ንምሕረት እግዚአብሔር
ምስ ተረድአትን፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ድኽመት ድማ ምስ ኣስተዉዓለትን፣ ሽዑ ካብ መዓሙቚ ልቢ ሓጎስ ይፍልፍል።
ሓደ
ነገር ግን ኣስተዉዕል። ሓሳቡ ኣብ ምድራዊ ነገር ዝገብረ ሰብ ዉን ክሕጎስ ይኽእል እዩ፣ ኮይኑ ግና ሓሳቡ ኲሉ ግዜ ዝቀያየር፣
ብስጋዊ ነገር ኣዝዩ ዝሓዝን፣ ዝቁጣዕን ዝርበሽን ዉን እዩ። ዝሓሰቦ ስጋዊ ነገራት ምስ ዘይማላእ ዉን ኣዝዩ ይጉሂ። ስለዚ ገዛእ
ስጋኻ ብጾም ቅጽዓያ፣ ኣካላትኻ ዉን ግታእ፣ ልሳንካ ዉን እሰራ።
ብዝሒ ዘረባ ጸረ ጸሎት እዩ። ዋሕዚ ዘረባ ንቃላት ጸሎትኻ ክዓግቶ
ይኽእል። ስለዚ ዉን ኢና ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንዂሉ ዘይጠቅም ዘረባ ጸብጻብ ክንህበሉ ኢና /ማቴ 12፥36/። ንገዛኻ ብጽሬት ክትሕልዎ
እንድሕሪ ደሊኻ፣ ዶሮና ተሰኪምካ ኣብ ኣፍደገ ገዛኻ ኣይትኣትዉን፤ ስለዚ ልብኻ ብንጽህና ምእንቲ ክትዕቅባ፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወት
ብምዕላል፣ ዘይጠቅም ዘረባ ብምዝራብ ኣይተርክሳ።ኻብ ከንቱ ዕላል፣ ካብ ሓሜትን፣ ካብ ዋዛ ፈዛዛን ረሓቕ።
ልሳን ሓዊ እያ፣ ንኢሽቶይ ሓዊ ንብዙሕ ዱር ተቃጽሎ /ያዕ 3፥5-6/። ሓዊ ንፋስ እንድሕሪ ዘይረኺቡ ግና ይጠፍእ። ስለዚ ንስኻ ዉን ንስጋዊ ፍትወትካ ንፋስ እንድሕሪ ዘይሂብካዮ ክጥፍእ እዩ።
ንኣብነት ሕርቃን ብዉሽጥኻ እንድሕሪ ተላዒሉ፣ ብስቕታ ክትዓግቶ ፈትን፣
ብግዳም ከምዘይርአ ግበሮ። ብዉሽጥካ ናብ ጐይታ ጸልይ፣ ንሱዉን ኑዛዜኻ ሰሚዑ ክምሕረካ እዩ። ከምዚ ብምግባርካ ዉን ነቲ ዝተበጋገሰ
ሓዊ ከምዝጠፍእ ትገብሮ ኣለኻ። ካልኦት ብዘገብርዎ ጌጋ እንድሕሪ ተረቢሽካ፣ ኣሰር ሴምን ያፌትን ኣብነት ጌርካ፣ ብስቕታ ክትሽፍኖ
ፈትን /ዘፍ 9፥23/። ከምዚ ብምግባርካ፣ ንካልኦት ክትፈርድ ዝደፍኣኻ ዝነበረ ድሌታት ከተጥፍኦ ይኸኣል። ስቕታ ብንቁሕ ጸሎት
ከተሰንዮ ዝበለጸ እዩ። ከምቲ ጥርሙዝ ብጥዑም ነገር ዝምላእ፣ ስቕታካ ዉን ብጸሎት ዝተመልአ ይኹን፣ ብንቁሕ ጸሎት ይመላእ!
ሓደ
ንጥበብ ጸሎት ክመልክ ዝደሊ ሰብ፣ ንልሳኑ ጥራይ ኣይኰነን ክሕልዋ ዘለዎ፤ ንኩሉንትናዊ ህይወቱ እንዳመርመረ፣ ኲሉ ግዜ ጥንቁቕ
ክኸዉን ዉን ይግብኦ /ገላ 6፥1/። ኣብ ዉሽጢ ርእስና መሕብኢ ኮይነን ዘገልግላ ብዙሕ ዉሽጠ ዉሻጦ ክፍልታት ኣለዋ፤ ኣብዚን ዉሽጣዊ
ክፍሊታት ብዙሕ ተዘክሮታት፣ ሕማቕ ሓሳባትን፣ ናይ ፍትወት ስምዒታትን ተሓቢአን ኣለዋ፤ እዘን ኲለን ሓሳባትን ሕማቕ ተዘክሮታትን
ክቕየዳ ኣለወን።
ንጸሎትካ ከራኽሶ ስለዝኽእል ንከምዚ ዓይነት ተዘክሮታት ኣይተላዕለን፣ ንናይ ቀደም ሓጢኣትካን፡ ክፉእ ልማዳትን
ኩሉ ክፍኣትን ቕተሎ። ከምቲ ከልቢ ናብቲ ዝተፍኦ ዝምለስ፣ ንስኻ ዉን ከምኡ ኣይትግበር /ምሳ 26፥11/። ፍትወት ከላዕለልካ ስለዝኽእል
ሓሳባትካ ከም ድሌቱ ክዛወር ድማ ናጻ ኣይትግደፎ።
ዲያብሎስ ዝዋግኣሉ
ቀንዲ መንገዲ ብሓሳብና (imagination) እዩ። በዚ ሓሳባዊ ስእሊ ጌሩ ናብቲ ናቱ ፍቓዱ ከም ንኣቱ ይገብረና፤ በቲ ዝተበገሰ
ፍትወት ዘለዓዕል ሓሳባት ተሳሒብና ናብቲ ናቱ መንገዲ ምስ ኣተና ዉን፣ ብግብሪ ከም ንሓጥእ ይገብረና። ኣብቲ ሓሳባዊ ዓለምና ናይ
ጥርጥርን ጭንቀትን ዘርኢ ይዘርእ፣ ብስነመጎታዊ ምክንያታትን መርትዖታትን እንዳሰነየ ዉን ናብቲ ናቱ መንገዲ የእትወአና፣ ረብሓ
ኣብ ዘይብሉ ሓሸዉየ ከም ንጽመድ ይገብር፣ ንነፍሲ ረብሓ ዘይብሉ ሕቶ ኣብ ህይወትና የበግስ፣ መሊሱ ዉን ኣብ ኣእምሮና ባዕሉ መልሲ
ይህበና፣ ከምዚ ጌሩ የታልለና።
ንኸምዚ ዓይነት ኩሉ ሓሳባት “ኣቱም ሕሱማት ካባይ ርሐቑ” በሎም (መዝ 119፥115)፣ “ኺድ ረሓቕ ሰይጣን” በልዎ /ማቴ 4፥10/።
0 comments:
Post a Comment