Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Wednesday, November 6, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 20

ምዕራፍ 20. ጾም

ጾም ንቁሕ ንኽትከዉን ይሕግዝ፣ ክትጸዉም ከለኻ ዓቕምካ ክኸዉን ይግባእ። ልዕሊ ዓቕምካ ወይ ዉን ትሕቲ ዓቕምካ ኣይትጹም። ከምዚ እንድሕሪ ኣዘዉቲርካ ንቑሕ ትኸዉን። “ዝዀነ ሰብ ከብዱ ጸጊቡ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ነገራት ክሓስብ የብሉን” ይብሉ ባሕታዉያን ኣቦታትና። ነቲ ኣዝዩ ጽጉብ ሰብ ዋላ`ቲ ግሁድ ዝዀነ ሚስጢረ ሥላሴ ዉን ይሽፈኖ እዩ። 
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ነርባዓ መዓልቲ ብምጿምን ንሰይጣን ብምስዓርን፣ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ንሕና`ዶ ካብኡ ንዓቢ ኢና? “እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ” /ማቴ 4፥11/። እዞም መላእኽቲ ንዓኻ ዉን ከገልጉሉኻ ድሉዋት ኣለዉ።
“ጾም ለፍላፊ ካብ ምዃን ትሕልወና” ይብል ቅ.ዮሃንስ ክሊማኮስ። ርህራሀ ኣብ ህይወትና ከም ዝህልወና ትገብር፣ ንተኣዛዝነት ድማ ድሉዋት ትገብረና፣ ጾም። ጾም ኣብ ልብና ዝነገሰ ትረት-ልቢ ካብ ሱር ሞንቂሳ ከተዉጽኣልና ትኽእል፣ ክፋእ ሓሳባት ዉን ትስዕር። ጾም ናብ ገነት አተብጽሕ ኣፍደገ እያ፣ ከብዲ ክትጠምይ እንኸላ፣ ልቢ ትትሕት።  እንዳጾመ ዝጽልይ ሰብ፣ ንቁሕ ጸሎት የቕርብ። ኣእምሮ ናይቲ ነብሱ ዘይገትእ ሰብ ግና ኩሉ ግዜ ብርኹስ ሓሳብን ስምዒትን ከምዝተገዝአ እዩ።

ጾም መግለጺ ፍቕሪን ተወፋይነትን እዩ። ምድራዊ ጽጋብ ብምሕዳግ ሰማያዊ ጸጋ ዝርከበሉ እዩ። መብዛሕቱና ብዛዕባ እኽለ-ማይ ክንሓስብን፣ ኣብ ማእድና እንቕርቦ ዓይነት መግቢ ብምሕሳብ ጥራይ ብዙሕ ግዜ ነጥፍእ ኢና፣ ካብ ከምዚ ዓይነት ባርነት ሓራ ምዉጻእ ንመንፈሳዊ ህይወት ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ዉን ጾም ናብዚ ዓይነት ሓርነትን እተብጽሕ መንገዲ እያ። 

ኣንጻር ስጋዊ ፍትወትን፣ ነብሰ ፍትወትን ኣብ ዝግበር መንፈሳዊ ገድሊ፣ ጾም እቲ ቀንዲ መሳርሒ እዩ። ጾም ምስ ጸሎት፣ እቲ ዝዓበየ ዉህብቶ እዩ። ኣምላኽ ካብ ዝሃበና ዝዓበየ መሳርሒ ድማ እዘን ክልተ መንገዲ እየን፣ ጾምን ጸሎትን። ነዘን መንገዲ ብግቡእ ዝጥቀመለን ሰብ ዉን ብዙሕ መንፈሳዊ ረብሓ ይረክብ። ኣብ ግዜ ጾም፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ናይ ምጿም ዓቕሚ ዝዓደለ ኣምላኽ ምስጋና ይበዝሕ። 
ጾም፣ ቅድሚ ሕጂ ኣስተማቒራካዮ ኣብ ዘይትፈልጦ ጣዕሚ መንፈሳዊ ህይወት ትመርሓካ። ኣብ ከባቢካ ዘሎ ጽባቐን፣ መግለጺ ተስፋ ህይወትን ብምስትምቓር ብዉሽጥካ ከም ትሕደስ ትገብረካ። ዓይንካ ተኸፊቱ ብዝይዳ ከም እተስተዉዕል ትገብር። ብሓሳባት ተገዚእካ ብዕሽነት ትገብሮ ዝነበርካ ግብሪ ርሒቑ፣ ብንቕሓት ንነፍስኻ ክትሕልዋ ትሕግዘካ። ጸገማት ከጋጥሙኻ እንከሎ ዉን፣ ጾም ብትሕትናን ብጸጋን ከምትቕበሎ ትገብረካ። ጾም፡ ጸሎትን፡ ንቅሓትን ሓቢረን ምስ ዝሰርሓ፣ እቲ ኽክፈተልና እንደልዮ ማዕጾ ይረሓወልና።
ኣብ ገድሊ ቅዱሳን ኣቦታት፣ ጾም መዐቐኒ ፍቕሪ እዩ። እቲ ብዙህ ዘፍቅር፣ ብዙሕ ይጸዉም፣ እቲ ብዙሕ ዝጸዉም ዉን ብዙሕ በረኸት ይረክብ። እቲ ብዙሕ ዘፍቅር ብዙሕ ይሕደገሉ እዩ`ሞ ነገሩ፤ እቲ ብዙሕ ዝጸዉም ብዙሕ ይረክብ /ሉቃ 7፥47/።
ቅዱሳን ኣቦታት ዓቕምና ክንጸዉም ይምዕዱና። ልዕሊ`ቲ ስጋዊ ኣቕምካ ምጿም ግቡእ ኣይኰነን፣ ምክንያቱ እዚ ንነፍሲ እንኰላይ ክሃስያ ስለዝኽእል። ብሃንደበት ዉን ምጿም ኣየድልይን፣ ዂሉ ነገር ቀስ እንዳበለ ክዓቢ ይግባእ፣ ብምልምማድ ክምዕብል እዩ ጽቡቕ። ኲሉ ሰብ ብመንጽር`ቲ ዘለዎ ጥዕናን ዓይነት ስራሕን ክጸዉም ይኽእል።

ዂሉ ብልዒ ኣምላኽ ዝሃበና እዩ፣ ስለዚ መግቢ ምፍንፋን ጌጋ እዩ። ኣብ ግዜ ጾም ግና፣ መቕረት ዝበዝሖ፣ ብዙሕ ቅመማት ጌሩ ዝተደለወ መግቢ ከነወግድ ይግባእ። ስጋ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ጸባ፣ ጠስሚ፣ ብሓጺሩ ንስጋዊ ዕግበት ንከማልእ ኢሉ ዝተዳለወ ብልዒ ዘበለ ኲሉ ኣይትብላዕ። ብቐረባ ዝርኸብን፣ ሕሱርን  ዘበለ መግቢ ጥራይ ተመገብ። ንኸብድኻ ንመዓልቲ ከጻንሓ ዝኽእል ዓቐን ዉን ብላዕ፣ ክሳብ እትጸግብ፣ ወይ ዉን ከብድኻ ክሳብ ዝትርበብ ኣይትብላዕ።

መንገዲ ባሕታዉያን 19

ምዕራፍ 19. ንጸሎት ከሰንዮ ዝግባእ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ምድላዋት

ንጸሎት ከምቲ ኣቐዲምና ዝገልጽናዮ ጌርና እንዳጸለና ከነስና፣ ንስጋዊ ኣካላትና ብዘይ ልጓም ምሕዳግ ግና ጽቡቕ ኣይኰነን። “ኣካል ዘይጭነቐሉን ልቢ ዘይትጉህየሉን ጸሎት፣ ዳርጋ ከም ዘይግዚኡ ዝተወልደ ናጽላ ህጻን እዩ” ይብል ቅዱስ ይስሓቅ ሶርያዊ፣ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ጸሎት ነፍሲ ዘይብሉ ጸሎት እዩ። ከምዚ ዓይነት ጸሎት፣ ኣብ ዉሽጣ ርእሰ ብቕዓት ዝጾረት፣ ትዕቢት ዉን ንልባ መሊእዋ ኣሎ፣ ስለዚ ዉን ንገዛእ ርእሳ ሓንቲ ካብቶም ጽዉዓት ጥራይ ዘይኰነትሲ፣ ሓንቲ ካብቶም ሕሩያት ጌራ ዉን  ትሓስባ /ማቴ 22፥14/።


ሱር ናይ ብዙሕ ጌጋ ስለዝዀነት፣ ካብ ከምዚ ዓይነት ጸሎት ተጠንቀቕ። ልቢ ኣብ ስጋዊ ነገራት እንድሕሪ ተቘሪና፣ መዝገብና ዉን ኣብ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ተኣሲሩ ክተርፍ እዩ። እቲ ዘገርም ዉን በዚ ስጋዊ ሓሳብካ ንሰማያት ዝበጻሕካ ኮይኑ ይስመዓካ። 

ብኸምዚ ኣገባብ ትሕጎስ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ሓጎስካ ርኹስ እዩ፣ ገዛእ ርእስኻ ስለዘይትገትእ ዉን ብስምዒት ትዛረብ። ብቤተክርስቲያን መምህር ክትኸዉን ከይመደብትኻ ዉን፣ ንካልኦት ክትምህር ክትግስጽን ክትቕይርን ትፍትን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብስጋዊ ሓሳባትካ ክትርጉሞ ትፍትን፣ ሰባት ክጻረሩኻ እንከለዉ ድማ ትቑጣዕ። ነቲ ናትካ ሓሳባት ከተረጋግጽዉን ኣብ ዉዕዉዕ ሞገተ ትሳተፍ። እዚ ዂሉ ዉን ገዛ ርእስኻ ስለዘይገታእኻን፣ ንልብኻ ዉን ስለዘይሓትካን እዩ።


ሓቀኛ ሓጎስ ሰላማዊን ቀጻሊን እዩ፣ ሓዋርያ ቅ.ጳዉሎስ ዉን ኲሉ ግዜ ክንሑጎስ ይምዕደና /1 ተሰ 5፥16/። ሓቀኛ ሓጎስ ካብ ንብዓት ይምንጩ። ልቢ ብዉሽጣ ክትነብዕ እንዀላ ሓጎስ ይርከብ። ንሳ ባዕላን፣ ኲሉ ዓለምን፣ ካብ ሓቀኛ ብርሃን ኣምላኽ ብምርሓቃ ልቢ ትጉህይ። በዚ ነገር ዉን ልቢ ትሓዝን እሞ ትነብዕ፣ እዚ ንብዓት ዉን ሓጎስ ይፈጥር፣ ምክንያቱ “ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” /ማቴ 5፥4/፣ “ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።” /ሉቃ 6፥21/ ስለዝበለ ጐይታ። 

ሓቀኛ ሓጎስ ስንኻ ፍሽኽ ብምባል ዝግለጽ ኣይኰነን። ሓቀኛ ሓጎስ ኣብ ደበስ ዝርኸብ ሓጎስ እዩ። ልቢ፣ ንምሕረት እግዚአብሔር ምስ ተረድአትን፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ድኽመት ድማ ምስ ኣስተዉዓለትን፣ ሽዑ ካብ መዓሙቚ ልቢ ሓጎስ ይፍልፍል። 


ሓደ ነገር ግን ኣስተዉዕል። ሓሳቡ ኣብ ምድራዊ ነገር ዝገብረ ሰብ ዉን ክሕጎስ ይኽእል እዩ፣ ኮይኑ ግና ሓሳቡ ኲሉ ግዜ ዝቀያየር፣ ብስጋዊ ነገር ኣዝዩ ዝሓዝን፣ ዝቁጣዕን ዝርበሽን ዉን እዩ። ዝሓሰቦ ስጋዊ ነገራት ምስ ዘይማላእ ዉን ኣዝዩ ይጉሂ። ስለዚ ገዛእ ስጋኻ ብጾም ቅጽዓያ፣ ኣካላትኻ ዉን ግታእ፣ ልሳንካ ዉን እሰራ። 

ብዝሒ ዘረባ ጸረ ጸሎት እዩ። ዋሕዚ ዘረባ ንቃላት ጸሎትኻ ክዓግቶ ይኽእል። ስለዚ ዉን ኢና ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንዂሉ ዘይጠቅም ዘረባ ጸብጻብ ክንህበሉ ኢና /ማቴ 12፥36/። ንገዛኻ ብጽሬት ክትሕልዎ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ዶሮና ተሰኪምካ ኣብ ኣፍደገ ገዛኻ ኣይትኣትዉን፤ ስለዚ ልብኻ ብንጽህና ምእንቲ ክትዕቅባ፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወት ብምዕላል፣ ዘይጠቅም ዘረባ ብምዝራብ ኣይተርክሳ።ኻብ ከንቱ ዕላል፣ ካብ ሓሜትን፣ ካብ ዋዛ ፈዛዛን ረሓቕ።

ልሳን ሓዊ እያ፣ ንኢሽቶይ ሓዊ ንብዙሕ ዱር ተቃጽሎ /ያዕ 3፥5-6/። ሓዊ ንፋስ እንድሕሪ ዘይረኺቡ ግና ይጠፍእ። ስለዚ ንስኻ ዉን ንስጋዊ ፍትወትካ ንፋስ እንድሕሪ ዘይሂብካዮ ክጥፍእ እዩ። 
ንኣብነት ሕርቃን ብዉሽጥኻ እንድሕሪ ተላዒሉ፣ ብስቕታ ክትዓግቶ ፈትን፣ ብግዳም ከምዘይርአ ግበሮ። ብዉሽጥካ ናብ ጐይታ ጸልይ፣ ንሱዉን ኑዛዜኻ ሰሚዑ ክምሕረካ እዩ። ከምዚ ብምግባርካ ዉን ነቲ ዝተበጋገሰ ሓዊ ከምዝጠፍእ ትገብሮ ኣለኻ። ካልኦት ብዘገብርዎ ጌጋ እንድሕሪ ተረቢሽካ፣ ኣሰር ሴምን ያፌትን ኣብነት ጌርካ፣ ብስቕታ ክትሽፍኖ ፈትን /ዘፍ 9፥23/። ከምዚ ብምግባርካ፣ ንካልኦት ክትፈርድ ዝደፍኣኻ ዝነበረ ድሌታት ከተጥፍኦ ይኸኣል። ስቕታ ብንቁሕ ጸሎት ከተሰንዮ ዝበለጸ እዩ። ከምቲ ጥርሙዝ ብጥዑም ነገር ዝምላእ፣ ስቕታካ ዉን ብጸሎት ዝተመልአ ይኹን፣ ብንቁሕ ጸሎት ይመላእ!


ሓደ ንጥበብ ጸሎት ክመልክ ዝደሊ ሰብ፣ ንልሳኑ ጥራይ ኣይኰነን ክሕልዋ ዘለዎ፤ ንኩሉንትናዊ ህይወቱ እንዳመርመረ፣ ኲሉ ግዜ ጥንቁቕ ክኸዉን ዉን ይግብኦ /ገላ 6፥1/። ኣብ ዉሽጢ ርእስና መሕብኢ ኮይነን ዘገልግላ ብዙሕ ዉሽጠ ዉሻጦ ክፍልታት ኣለዋ፤ ኣብዚን ዉሽጣዊ ክፍሊታት ብዙሕ ተዘክሮታት፣ ሕማቕ ሓሳባትን፣ ናይ ፍትወት ስምዒታትን ተሓቢአን ኣለዋ፤ እዘን ኲለን ሓሳባትን ሕማቕ ተዘክሮታትን ክቕየዳ ኣለወን። 

ንጸሎትካ ከራኽሶ ስለዝኽእል ንከምዚ ዓይነት ተዘክሮታት ኣይተላዕለን፣ ንናይ ቀደም ሓጢኣትካን፡ ክፉእ ልማዳትን ኩሉ ክፍኣትን ቕተሎ። ከምቲ ከልቢ ናብቲ ዝተፍኦ ዝምለስ፣ ንስኻ ዉን ከምኡ ኣይትግበር /ምሳ 26፥11/። ፍትወት ከላዕለልካ ስለዝኽእል ሓሳባትካ ከም ድሌቱ ክዛወር ድማ ናጻ ኣይትግደፎ። 

ዲያብሎስ  ዝዋግኣሉ ቀንዲ መንገዲ ብሓሳብና (imagination) እዩ። በዚ ሓሳባዊ ስእሊ ጌሩ ናብቲ ናቱ ፍቓዱ ከም ንኣቱ ይገብረና፤ በቲ ዝተበገሰ ፍትወት ዘለዓዕል ሓሳባት ተሳሒብና ናብቲ ናቱ መንገዲ ምስ ኣተና ዉን፣ ብግብሪ ከም ንሓጥእ ይገብረና። ኣብቲ ሓሳባዊ ዓለምና ናይ ጥርጥርን ጭንቀትን ዘርኢ ይዘርእ፣ ብስነመጎታዊ ምክንያታትን መርትዖታትን እንዳሰነየ ዉን ናብቲ ናቱ መንገዲ የእትወአና፣ ረብሓ ኣብ ዘይብሉ ሓሸዉየ ከም ንጽመድ ይገብር፣ ንነፍሲ ረብሓ ዘይብሉ ሕቶ ኣብ ህይወትና የበግስ፣ መሊሱ ዉን ኣብ ኣእምሮና ባዕሉ መልሲ ይህበና፣ ከምዚ ጌሩ የታልለና። 
ንኸምዚ ዓይነት ኩሉ ሓሳባት “ኣቱም ሕሱማት ካባይ ርሐቑ” በሎም (መዝ 119፥115)፣ “ኺድ ረሓቕ ሰይጣን” በልዎ /ማቴ 4፥10/።