Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Sunday, September 29, 2013

ናይ ክርስቶስ ባህሪ ብብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ

ናይ ክርስቶስ ባህሪ 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን። ኣብ ሳዋ ኣብ 2004 ንታዓሊም ምስ ወረድና`ዩ ነዛ መጽሓፍ ቶርጊምናያ። ካብቲ ሽዑ ግዜዉን ኣብ ኮምፒዩተር ተጻሒፋ ተኣሪማ፣ ብመማሃራን ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ቤተክርስቲያን ተራእያ፣ ብዙሓት ኣድናቆቶም ዝገለጹላ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ ኣዝያ ኣገዳስቲን፣ መስረት እምነት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን እተረድእ፣ ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። ለነቀነ ነቲ ኣብ ኮምፑተረይ ሓደገዮ ዝወጻእኩ ጽሑፋት፣ ንኢሽተይ ሓፈትይ ብዲቪዲ ጌራ ምስ ሰደደትለይ፣ እየ መሊሰ ድሕሪ 9 ዓመት ክርእያ በቂዐ። ብወገነይ ዉን ነዛ ጽሕፍቲ ገለ ሰባት ኣንቢቦም ይረብሑላ ይዀኑ ብምባል ፖስት ይገብራ ኣለኹ።

መእተዊ 

ኣምር ናይ ክርስቶስ ባህሪ ኣብ መበል ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ 451 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ቤተክርስቲያናት ምፍልላይ ዝፈጠረ ኣምር እዩ። ቤተክርስቲያናት ሓድነት ክፈጥሩ ተባሂሉ ጻዕሪ ክግበር ምስ ጀመረ ነዚ ኣምር እዚ ክንዛተየሉ ኔሩና። ስለዚ ከኣ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ንዘተ ትምህርተ መለኮት ብዘጥዕም መንገዲ ነቲ ንሳ ትኣምነሉ ኣምር ብመጽሓፍ መልክዕ ክተዳሉ ኔርዋ። 

እዚ ኣምር (ናይ ክርስቶስ ባህሪ) ኣብ ቅዱስ ማርቆስ ኮሌጅ ትምህርተ መለኮት ብኣይ ዝተዋህበ ትምህርቲ እዩ። ከም ክፋል ትምህርቲ “ንጽጽር ትምህተ መለኮት” ኣብ ገዳም ቅዱስ ቢሾይ ኣብ 1984 ዓ.ፈ እዩ ተዋሂቡ። እቲ ዝቀረበ ትምህርቲ ንተማሃሮ ተባሂሉ ተሓቲሙ ኔሩ። ተመሳሳሊ ትምህርቲ ብእንግሊሽ ተቶርጊሙ ኣብ ካናዳ ኣብ 1980 ዓ.ፈ. ተዳልዩ ኔሩ። እዚ መጽሕፍ እዚ ንናይ ትምህርተ መለኮት ተመሃሮ ብዓረብ ክቀርብ ስለዝነበሮ ተሓቲሙ ቀሪቡ። 

ናይ መጀመርያ ዘተ ትምህርተ መለኮት (Theological dialogue) ኣብ 1971 ዓ.ፈ. ብPro-Oriented group ተወዲቡ ኣብ ቬይና ኦስትሪያ ተጌሩ። ኣብቲ ዘተ ብካቶሊካዉያንን ብቤተክርስቲያንናን ተቀባልነት ዘለዎ ቅኑዕ ፍልጠት ኣምር ናይ ክርስቶስ ባህሪ ክንሰማማዕ በቒዕና። እቲ ዘተ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ ኔሩ። ምክንያቱ ነቲ ገጽ ኩሉ ቤተክርስቲያናት ከዊሉ ዝነበረ ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ዝተፈጥረ ፍልልይ መዕለቢ ስለዝተገብረሉ። ሕጂ ግና ብከምዚ መንገዲ ንምርድዳእ ክፉት ኮይኑ ይርኸብ። 

ካብ 1988 ዓ.ፈ. ጀሚሩ ን17 ዓመት ምስ ካቶልካዉያን ፍልልይ ድሕሪ ምጽንሑ ሕጂ ክንሰማማዕ ክኢልና ኢና። እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ገጽ እዚ መጽሓፍ እዚ ይርኸብ። 

ኣብ ገዳም ቅዱስ ቢሾይ ብ1989 ዓ.ፈ. ምስ የሕዋትና ባይዛንታይን ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዓሙቕ ዘተ ተጌሩዉን እዩ። ብዒስራ ወከልቲ ናይ ትምህርተ መለኮት ሊቃዉንትን ብናይ ወከልቲ ቤተ ክህነት ኣብ 1990 ዓ.ፈ. ኣብ ጀኔቫዉን ኣኬባ ተጌሩ እዩ። 

ካብዚ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ተበጊስና እምበኣር ንኩሉ ክርስቲያን ህዝብና ብመርትዖታት ኣሰኒና ነቲ ቅኑዕ ኣምነትና ክንገልጸሉ ከም ዝግባኣና ፈሊጥና። ኣብ ጥቕምቲ 1991 ዓ.ም. ከኣ ብPro-Oriented group ዝተወደበ ዳግማይ ዘተ ስለዘለናን። ብጽሑፍዉን ክነቕርብ ስለዝተሓተትናን ነዚ መጽሓፍ ብምሕታም ነቕርበለኩም ኣለና። እዚ መጽሓፍ`ዚ ብእንግሊሽን ብዓረብን ቀሪቡልኩም ኣሎ ኣንቢብኩም መንፈሳዊ በረኸት ተቀበሉ። 
ኣምላኽ ይባርኽኩም! ፖፕ ሺኖዳ 3ይ
ብpdf ከተንብብዋን download ክትገብሩዋን ኣብዚ ታሕቲ ጠዉቑ

Saturday, September 14, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 17


 ምዕራፍ 17. ጸሎት-3ይ ክፋል


ሓደ ንግሆ ንግሆ ስፖርት ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ፣ ድልዱል  ነብሲ ስለዘለዎ ወይ ዉን ልዕሊ ሰቡ ሓያል ስለዝዀነ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ነቲ ዘይብሉ ክረክብ፣ ማለት ጭዋዳታቱ ነከደልድል እዩ። ብፍላይ ነዚ ነገር`ዚ ብሙሉእ ድሌት እንድሕሪ ፈጺምዎ፣ ደሓር ዉን ክዕቅቦ ይኽእል።

ስለዚ፣ ጸሎት ክትለማመድ ከሎኻ፣ ገለ መለሳ ንገዛእ ርእስኻ ከይደለኻ ቀዲምካ ክትጽሊ` ዚግባእ። እንተደኣ ዕድለኛ ኴንካ` ኣብ ናይ በይንኻ ክፍሊ ትድቅስ ኮይንካ፣ ነዚ ዚስዕብ ካብ መጽሓፍ ጸሎት ዚተወስደ ልምምድ ደረጃ ብደረጃ ቃል ብቃሉ ከተተግብሮ ትኽእል፣

  • ካብ ምድቃስካ ምስ ተበራበርካ፣ ነዛ መዓልቲ ቅድሚ ምጅማርካ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ዚርኢ እግዚአብሔር ኣምላኽ  ብትሕትና ደው ኢልካ፣ ንገጽካ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብካ ከምዚ በል  ብስም አብ፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን
  • ንቅዱስ ሥላሴ ብምጽዋዕ፣ ምእንቲ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ካብ ዓለማዊ ጉዳያት ነጻ ክትገብሮም፣ ንገለ እዋን ስቕ በል። ሽዑ ንሕሊናኻ ናብ ላዕሊ ምስ ሰቐልካ ከምዚ ኢልካ ብህድአት ብዘይ ታህዋኽ ብምሉእ ልብኻ ጸልይ።
  •   ኣምላኸይ ንዓይ ንኃጥእ መሓረኒ ድኅሪኡ እቲ ካልእ ልሙድ ጸሎታት ኣከታቲልካ ጸልይ ማለት ቀዲምካ ብስም አብ ወልድን መንፈስ ቅዱስን አሐዱ ኣምላክ በቅድስት ሥላሴ እአምንን እምሕጸንን ዚብል ጸሎት፣ መጀመርታ፣ ድህሪኡ ኦ ጐይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና፣ ኦ ጐይታ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና (ነኣኩተከ) ድኅሪኡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና (ኣቡነ ዘበሰማያት) ድኅሪኡ ጸሎተ ሃይማኖት. . . ኣብ ክንዲ ብታህዋኽ ነዘን ጸሎታት ምድጋመን፣ እቲ ዚሓይሽ ንገሊኤን ካብ መጽሓፍ ጸሎት ምንባበን ይምረጽ። እዘን ጸሎታት ኣብቲ ውህሉል ተሞክሮ ቤተ ክርስቲያን ዝተመርኮሳ ስለ ዝኾና፣ ብአአን ኣቢልካ ናብቲ ዓብዪ ኅብረት ዚጽልዩ ሰባት ትጽንበር። ንስኻ በይኻ ኣይኮንካን ዘሎኻ፣ ኣብቲ ኣካል ጐይታ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፣ ንስኻ ሓንቲ ዋህዮ ኢኻ። ብመገዲዘን ጸሎታት ኣቢልካ ንአካልን ንልቢን ኣእምሮን ዚኸውን ትዕግሥቲ ምህናጽ እምነትካን ትመሃር።
v
እታ ምልእቲን ቅንዕትን ጸሎት፣ `ታ`ክንጽልያ ከሎና ንቃላታ ብሓሳብናን ስምዒታትናን እናኣስተንተንና እንጽልያ ጸሎት እያ። እምበኣር ኣብ እዋን ጸሎት ትግሃት ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ግዜ ጸሎት ሓሳባትካ ኪዛውኑ ነጻ ኣይትልቀቖም፣ ደጊምካን ደጋጊምካን ንሓሳባትካ እሰሮም መቝሖም፣ ከም ብሓድሽ ድማ ኣብታ ምጽላይ ዘቋረጽካላ መስመር ኣትኂዝካ ደጊምካ መሊስካ ጀምር። መጽሓፍ ጸሎት እንተዘይብልካ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መዝሙር ዳዊት ክትጥቀም ትኽእል። ከምዚ ብምግባር ትዕግሥቲን ንቕሓትን ትመሃር።

ኣብ ኣንፊ መስኮት ደው ዚበለ ሰብ ነቲ ካብ ደገ ዚመጽእ ድምጺ ይሰምዕ፣ ከይሰምዐ ኪተርፍ ዉን ኣይኮነሉን። እንተኾነ ነቶም ድምጺታት ከከም ድሌቱ፣ ኣቓልቦኡ ኪህቦም ወይ ኪነፍጎም ይኽእል። እቲ ዚጽልይ ሰብ ዉን እናጸለየ ከሎ፣ ብቀጻሊ ዘይግቡእ ሓሳባት፡ ስምዒታትን፡ ኣእምሮኣዊ ተምሳጥን ጦብላሕታን፡ ናብ ኣእምሮኡ እናመጹ የሸግርዎ። ነዚ ኣድካሚ ኣሰልካዪ ዋሕዚ ደው ንምባል፣ ብፍጹም ኣይከኣልን`ዩ፣ ዳርጋ ከምቲ ንአየር ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብምንፋስ ምኽልካሉ ዘይከኣል። እንተኾነ ኣቓልቦና ክንህቦምን ክንነፍጎምን ይከኣለና። ስለዚ ኣብ እዋን ጸሎት ነቶም ጣልቃ ዚኣትዉ ነገራት ኣቓልቦ ብምኽላእ ኣብ ጸሎት ጥራይ ብምጽማድ ብኸምዚ ምጽላይ ክንለማመድ ንኽእል። ጸሎት ብልምምድ ጥራይ ዚክአል ግብሪ እዩ” ይብሉ ቅዱሳን።
 
ክትጽሊ ከሎኻ ንስኻ ባዕልኻ ስቕ በል። ክትጽሊ ከሎኻስ ኣብዚ ምድሪ ንእትደልዮም ሥጋዊ ድሌታት ኪማልኡልካ ዘይኮነሲ፣ እንታይ ደኣ ይኩን ፈቃድከ/ፍቓድካ ይኹን ኢልካ ክትጽሊ እዩ። ንእግዚአብሄር ኣምላኽ ከም ናትካ ባርያ ወይ ተለኣኣኺ ጌርካ ብምሕሳብ ንድሌታትካ ከማልአልካ ምሕታት ኣይግባእን። ንስኻ ንባዕልኻ ጸጥ በል፣ እቲ ጸሎት ንባዕሉ ይዛረብ።
“ጸሎትካ አርባዕተ ክፋላት ዘማልእ ኪኸውን ይግባእ” ይብል ቅዱስ ባስልዮስ፣ኣምልኾ፣ ምስጋና፣ ሓጢኣትካ ምንዛዝን፣ ጥርዓን ብዛዕባ ድሕነት ነፍስኻን”። ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳይ ኣይትገደስ፣ ወይ ኣይትጸሊ ግና “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም” /ማቴ 6፥33/።

እቲ ብጸሎቱ ኣቢሉ፣ ንድሌቱ ወይ ትምኒቱ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘየጋጥሞ (ዘየሳንዮ) ሰብ ኣብ ዚሠርሖ ነገራት ዕንቅፋት የጋጥሞ፣ ብቀጻሊ ድማ ኣብ መጻወድያ ጸላኢ ይወድቕ። እዚ ሰብ` ቅሬታቁጥዐ፡ ጓሂ፡ ስምባድ፡ ርባጸ፣ ጭንቀት የጋጥሞ። ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ኵነተ ኣእምሮ ኮይኑ ድማ ማንም ሰብ ኪጽሊ ኣይኽእልን።

ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ናይ ወቀሳ ስምዒት የሕዲርካ ዝግበር ጸሎት፣ ዘይጽርዩ ጸሎት እዩ። ኣብ ጸሎትካ ንብጻይካ ክትወቅስ፣ ወይ ዉን ቂም ሒዝካ ክትጽልዪ ኣይግባእን፣ እዚ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ እዩ። ኣብ ጸሎትካ፣ ክትገንሕ እንድሕሪ ኮይንካ፣ እታ ሓንቲ እትግናሕ ኣካል፣ ገዛእ ነብስኻ ጥራይ እያ። ርእሰ መግናሕቲ ሕመረት ጸሎትካ ግበሮ። ብርእሰ መግናሕቲ ኲሉ ጸሎትካ ኣቕርቦ፣ ንካልኦት ሰባት ክትወቅስ ኣይትፈትን፣ ንገዛእ ነብስካ ጥራይ ዉቀሳ። ‘ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ክንመሃሮ፧’ ትብል ትኸዉን፤ እቲ መልሲ ዉን፣ “ብጸሎት ነዚ ክትመሃሮ ኢኻ”።

ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ነቕጺ ወይ ድርቂ ኣይትፍርሃዮ። እቲ ሕይወት ዚህብ ነጠብጣብ ዝናብ ካብ ላዕሊ እምበር፤ ካብቲ ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ እሾኽን ተዀርባን ዘፍሪ (ዘፍ. 318) ተሪር ሓመድ ኣይኮነን። ፍሉይ ስምዒት፣ ወይ ተኣምራታዊ ተምሳጥ፣ ዘስዕብ ኩነታት ኣይትጸበ። ጸሎት ንዕግበት ኢልካ ዝፍጸም ኣይኰነን። “ተሽገሩን ጕሀዩን ብኽዩን” /ያዕ 4፥9/፣ መዋቲ ምዃንካ እንዳዘኸርካ፣ ምሕረት ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕተት። እቲ ዝተረፈ ግብሪ ኣምላኽ እዩ ክኸዉን!