ምዕራፍ 14. ትሕትናን ንቕሓትን
ኣብ መንፈሳዊ ገድሊ ዘሎ ሰብ ኣርባዕተ ኣገደስቲ
ነገራት የድልዮ፣ ትሕትና፡ ንቅሓት፡ ፍቃደኝነትን (ክፋእ ንምቅዋም ድሉው ምዃን)፡ ጸሎትን። መንፈሳዊ ገድሊ ማለት ብረድኤት እግዚአብሔር
ኲሉ ተጻብኦ ዲያብሎስ ምቅዋም እዩ። ናይ ክፋእ ሓሳባት ካብ ልቢ ክምንጭዋ እንከለዋ፣ ገና ኣብ ንኡስ ሓይሊ (እቲ ሓሳብ ከይሓየለ)
እንከሎ፣ ኣብ ከዊሒ ከነራጽመን ይግባእ /መዝ 137፥9/።
ትሕትና`ቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እዩ።
ትዕቢት ሓንሳብን ንሓዋሩን ብትሕትና ጥራይ`ዩ ክሰዓር ዝኽእል። ንጸላኢ ሰናያትን መንገዶምን ንምልላይ፣ ንቅሓት የድልየና። ንቁሕን ጥንቅቑን ምዃን፣ ዉዲት ዲያብሎስ ገና
ክብገስ እንከሎ ከነለልዮ የኽእለና፣ በዚ ዉን ንልብና ብንጽህና ክንዕቅባ ንኽእል፣ ክፋእ ሓሳባት ዉን ናብ ልብና ኣይኣቱን። ዉዲት ዲያብሎስ ምስ ኣለለካዮ፣ ሽዑ ነዚ ክፋእ ንምቅዋም ድሉውነት የድሊ፣
ስለዚ ንክፋእ ናይ ምጽራር ፍቓደኝነት የድልይ። እዚ ኲሉ ሃልዩና
ዉን፣ «ብዘይ ብኣይ ዋላ ሓንቲ ነገር ክትገብሩ ኣይትኽእሉን»
ስለዝበለ /ዮሃ 15፥5/፣ ናይዚ ኲሉ ገድሊ ኣብ ጸሎት`ዩ
ዝዉሰን፣ ስለዚ ጸሎት ዉን የድሊ።
ብኣብነት ጌርና ክንርድኦ፣ ንቁሕ (ትኩር) እንድሕሪ
ኰይንና፣ መጻርርትና ዲያብሎስ ገና ክቐርበና እንከሎ፣ ከነለልዮ ንኽእል። ነስተዉዕል ስለዘለና፣ ዉዲት ጸላኢ ናብ ልብና ከይቀረብ
እንከሎ፣ ክንፈልጦ ኢና። እዚ ዉዲት ተባሂሉ ዘሎ ንኣብነት ብዛዕባ ሰባት ክፋእ ነገር ምሕሳብ፣ ክኽዉን ይኽእል። ስለዚ ነቲ ዝቐርብ
ዘሎ ዉዲት ኣለሊናዮ፣ እቲ ክፋእ ናይ ምቅዋም ድልዉነት (ክፋእ ናይ ምጽራር ፍቃደኝነት) ኣብ ዉሽጥና ይለዓዓል`ሞ በዚ ኣቢልና
ዉን ነቲ ክፋእ ክንጻረሮ ንኽእል። እቲ ክፋእ ዉን ካባና ይርሕቅ። ኮይኑ ግና እዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ዕግበት ይፈጥረልና`ሞ፣
ኣነነትን ትቢትን ከጥቅዓና ይጅምር፣ እቲ ዝረኸበካዮ ዓወት ዉን መሊሱ ዉድቀት (መንፈሳዊ ስዕረት) ይቕየር። እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ
ምኽንያት ዉን ትሕትና ኣብ ህይወትና ስለዘየለ እዩ።
በንጻሩ ነዚ ቃልሲ፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ክቃለሰልና እንድሕሪ ሂብናዮ፣ ዕግበት ዝበሃል ስለዘይስምዓና፣ ልብና ኲሉ ግዜ ናጻ ትኸዉን። ስም እግዚአብሔር ሓያል እዩ፣ በግባቡ እንድሕሪ ተጠቂምናሉ ዉን ንስም እግዚአብሔር ዝመዓራረ ሓይሊ ከምዘየለ ክንፈልጥ ኢና። እዚ ኲናት ዕረፍቲ ዘይህብ ምሒር ጥንቃቀ ዘድልዮ እዩ። ክፋእ ሓሳባት ገና ክብገስ እንከሎ፣ ተኸታቲልና ክንምርምሮ ኣለና። እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ናይ ክፋእ ርሱን መንትግ ዝበሎ ነዚ`ዩ (ኤፈ 6፥15)፣ እዘን መንትግ እንዳነፈራ ዝመጽኣ ርሱን ሓይሊ ዘለወን ፈተናታት እየን። ዕረፍቲ ዉን ኣይህባን። ስለዚ ንሕና ዉን ብዘይ ዕረፍቲ ናብ እግዚአብሔር ከነእዉይን ክንሓትትን ይግባእ። “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” /ኤፈ 6፥12/።
ቅዱሳን ኣቦታት ንመስርሕ ግብሪ ሓጢያት ኣብ ኣርባዕተ ደረጃታት ይኸፍልዎ። ድርኺት `ቲ ቐዳማይ ደረጃ ኮይኑ፣ መበጋገሲ እዩ። እዚ ናይ ሓጢኣት ድርኺት ሒዝዎ ዝመጽአ ምብግጋስ እንድሕሪ ስዒብናዮ፣ ናብ ጥምጥም (ቃልሲ) ንኣቱ። ሳልሳይ ደረጃ ፍትወት ይለዓዓል፣ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ሓጢኣት ብግብሪ ይፍጸም። እዘን ደረጃታት ኣዝየን ዝቐራረባን፣ ክትፈላልየን ዉን ኣዝየን ዘጸግማ ስለዝዀና፣ ነንሕድሕደን ዝተካኽኣ ክኾና ይኽእላ። ኮይኑ ግና በብደረጅአን ክንፈልየን ንኽእል ኢና፣ ኣብ መንጎ`ዘን ደረጃታት ዘሎ ጸቢብ ፍልልይ ዉን ክንሞልቀሉ ዘኽእል ዕድል ይህበና። ሓጢኣት ክንፍጽም ዘበጋግስ ድርኺት፣ ልክዕ ከም ሓደ ሸቃጢ (ሽያጢ) ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። ሓደ ሽያጢ ንብረቱ ምእንቲ ክሸይጥ ገዛ ገዛ እንዳኸደ፣ ይኩሕኩሕ። ኣፍደገ እንድሕሪ ከፊትናሉ፣ ብዛዕባ ሒዝዎ ዘሎ ንብረት ምእንቲ ክንዕድግ ጎስጓሱ ይጅምር፣ ከነቋርጾ ዉን ይኸብድ። ሓንሳብ ጎስጓሱ ምስ ፈለመ ኣየቋርጽን፣ እቲ ንብረት ዋጋ ዘይብሉ ከምዚ ዀነ እንዳረኣናዮ ክነሱ፣ ዋጋ ከም ዘለዎ ክቡር ነገር ጌሩ ይጉስጉስን፣ ይዛረብን። ብድሕሪዚ ጥምጥም ወይ ዋጋ ዕዳጋ ይስዕብ። ቀጺሉ ምግዛእ ይኸዉን፣ እቲ ዝበዝሐ ግዜ ብዘይ ድሌትና ኢና ንዕድግ። እምበኣር መስርሕ ሓጢኣትን፣ ሸቐጥን ሓደ እዩ። እቲ መጻርርትና ዲያብሎስ ብዝኣልሞ ዉዲት ተታሊልና፣ ኣብ መንገዲ ሓጢኣት ንወድቕ።
ብዛዕባ ናይ ሓጢኣት ድርኺት ነቢይ ዳዊት ከምዚ ይብል፣ “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ” /መዝ 1፥1/፣ “ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፣ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ።” /መዝ 101፥10-11/ ብዛዕባ ናይ ሓጢኣት ጥምጥም (ዋጋ ዕዳጋ) ሊቀ ነቢያት ሙሴ ከምዚ በለ “ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ” /ዘጸ 23፥32/። ነዚ ዂሉ ዝገብር ሰብ “ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍርን እዩ።” /መዝ 127፥5/።
መጽሓፍ ከም ዝምህረና ሰይጣን ናብ ብርሃን መልኣኽ ናይ ምልዋጥ ልምዲ ኣለዎ /2ይ ቆሮ 11፥14/። ስለዚ ኩሉ ግዜ ጥንቃቐን ዕቱብነትን የድሊ። ንልቢ ካብ ናይ ሓጢኣት ድፍኢት፣ ስምዒት፣ ፍትወት፣ ከነንጽሃ ይግባእ። እዚ ማለት፣ ነቲ ናይ ሓጢኣት ድፍኢት ወይ ድርኺት ኣለሊና ክንፈልዮን ከነልግሶን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ብናትና ሓይሊ ዉን ኣይኸኣልን፣ ብሓይሊ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ዝኸኣል። ስለዚ ንሱ ኲሉ ከምዘሳልጦ ኣሚንና፣ ገዛእ ርእስና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፍና ንሃቦ። ምኽንያቱ “እግዚአብሔር ንከተማ እንተዘይሓለወ፣ ሓለዉቲ ንከንቱ ይተግሁ” /መዝ 127፥2/።
እዚ
ቃልሲ ብመስረቱ ኣብኻ ከም ዝዉሰን ኣይትዘንግዕ። ከምቲ መጽሓር ኦሪት ዘዳግም ዝብሎ፣ ልብኻ ናይ በሊያል ሓሳብ መአኸቢ ከይከዉን
ተጠንቀቕ /15፥9/። ልብኻ ማንም ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክፋእ ሓሳባት ዝመላለሰሉ ዕዳጋ ኸይከዉን ሓልዎ። ልብኻ በዓቲ ጎሓሉት እንድሕሪ
ኮይኑ፣ ንሰረቕቲን ከተርቲን ዝመችአ ይኸዉን። ቅዱሳን መላኣኽቲ ዉን ካባኻ ይርሕቁ። ሰላምን ጐይታ ሰላም ክርስቶስን ኣብ ከምዚ ቦታ ኣይርኸቡን። ስለዚዉን እዩ
ብቃሉ ወደ መዝሙሩ ቅዱስ ያዕቆብ ኣቢሉ “ልብኹም ኣንጽሁ” ዝበለና
/ያዕ 4፥8/። ንሱ ዉን ባዕሉ ብቓሉ ከምዚ በለ “ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን
ጸልዩን።” /ማር 13፥33/። ምክንያቱ ንሱ ኣብ ዘይተጸበናዮ ግዜ ምስ መጽአ፣ ደቂስና እንድሕሪ ጸኒሕናዮ “ኣይፈልጠኩምን”
ክብለና እዩ /ማቴ 25፥12/። እታ ሰዓት ሕጂ እያ፣ እንተዘይኮነ ኣብታ ትቕጽል ክትመጽእ እያ። መንግስቲ ኣምላኽ ግና ብምጽብባይ
ኣይትመጽእን። ኲሉ ግዜ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ልብና ኣለዋ።
ሓላዊ እንድሕሪ ዘይሓለወ፣ እግዚአብሔር ዉን ኣይሕልዉን፣ ግን እግዚአብሔር እንድሕሪ ዘይሓለወ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይተግህ። ስለዚ ኣፍደገ ልብኻ ማንም ከይኣትዋ፣ ተጊህካ ሓልዋ፤ ነዚ እንዳገበርካ ዉን ከየዕረፍካ ረድኤት እግዚአብሔር ሕተት።
ንጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስ፣ በይንኻ ክትቃለሶ ኣይትፈትን።
ንኣሽሓት ዘመናት ዝኣኽል ተሞክሮ ስለዘልዎ፣ ከመይ ጌሩ ብዉዲት ከዉድቐካ፣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ከጥቅዓካ እንከሎ ዉን ገዛእ ርእስኻ
ክትከላኸል ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነት እዩ። ስለዚ በይንኻ ክትቃለስ ፈጺምኻ ኣይትሕሰቦ። ኩሉ ግዜ ናብ ላዕሊ ጠምት፣ ንሱ ጐይታ ባዕሉ
ምእንታኻ ክዋግኣልካ፣ ለምኖ። ንሱ ዉን መልኣኹ ሰዲዱ ከድሕነኻ እዩ። ብቅድሜኻን ድሕሬኻን ብጎንኻን ክሕልወካ እዩ።
ፈተናታት እንድሕሪ በዚሑካ፣ ብሸለልተኝነት ኣይትሕለፎ፤
ፈተነ፡ መርመራ፡ እንዳበልካ ገዛእ ርእስካ ኣይተሳንፍ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ግዜኻ ብከንቱ ተሕልፍ ኣለኻ፤ እዚ ዉን ንሰይጣን
ዓወት እዩ። ስለዚ ማዕበላት ዉዲት ዲያብሎስ ክመጽኣኻ እንከሎ፣ ብኣግኡ ናብ እግዚአብሔር ኣመልክት። ኦ ጐይታ ንዓይ ንሓጥእ መሓረኒ!
ኢልካ ጸልይ። ብኣግኡ እንድሕሪ ተቃሊስካዮ፣ እቲ ፈተና ቀልጢፍካ ክትስዕሮ ትኽእል።
ኣብ
ገዛእ ርእስኻ ኣይትመካሕ። ይኽእል`የ፣ ክገብር`የ ኣንዳበልካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ኣይትወከል። ብሓይልኻን ብክእለትኻን ኣይትወከል።
ዓቢ ይኹን ንኡስ ፈተና፣ ብዉልቃዊ ሓይልኻ ክትቃለሶ ኣይትድለ። በንጻሩ፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይልኻ ጥራይ እንድሕሪ ተወኪልካ፣
ከም ትወድቕ ዘኽር። ‘ክወድቕ እየ’ ኢልካ ገዛእ ርእስካ ኣዘኻኽራ። ባዕላዊ ተኣማንነት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ
እንድሕሪ ዘይተወኪልካ፣ ካብ ዉድቀት ክትድሕን ትኽእል። ስለዚ ወርትግ ሓደ ሓሳብ ኣብ ልብኻ ይሃሉ፣ ኣዚኻ ድኹምን ዓቕሚ ከምዘይብልካን
ተረዳእ። ነታ ንኢሽቶይ ዉዲት ዲያብሎስ ክትቃወም ክእለት ከምዘይብልካ ተረዳእ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ዲያብሎስ ፈጺሙ ኣይክቃለሰካን።
እግዚአብሔር ጸግዕኻን ትዉከሎ ዕርድኻን እንድሕሪ ኰይኑ፣ ክፋእ ዘበለ ኣይክቐርበካን እዩ /መዝ 91/። ንስኻ ግና ክርስቲያን ከም
ምዃንካ፣ ካብ ሓጢኣት ተዓቀብ።
ሕጂ
ዉን ሓደ ነገር ኣስተዉዕል፣ ኣብቲ ዝቕጽል ጉዕዞኻ ዉድቀት ከጋጥመካ ይኽእል፤ ብሰንኪ `ዚ ዉድቐት ዉን ክትጣዓስ ንቡር እዩ። ኮይኑ
ግና “ኣነ ከምዚ ክገብር ኣይግብኣንን፣ ኣነ ከምዚ ክፍጽም ኣይነበረንን” ብዝዓይነቱ፣ መንፈስ ትጠዓስ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ኣብ ጌጋ
መንገዲ ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣዚ ምልክታት፣ ባዕላዊ ተኣማንነት እዩ። ከምዚ ኢልካ ትጠዓስ ዘለኻ ዉን፣ እዚ ባዕላዊ ተኣማንነትካ
ስለዝተተንከፈ እዩ።
እቲ
ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይዉከል ሰብ፣ ብጹእ እዩ። `ቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይተኣማመን ሰብ፣ እግዚአብሔር ብዝሰደሉ ረድኢት ሕጉስን ኣመስጋኒን
እዩ፣ በዚ ዉን ዉድቐት ኣይቀርቦን፣ ንፈተና ዉን ይሰግሮ። ዋላ ዉን እንተቀደቐ፣ ብቕጽበት ተሲኡ ናብ ኣምላኽ ይምህለል። ብምስጋና
ዉን ናብ እግዚአብሔር ይምዕቆብ።
ከም
ሓደ፣ ሰብ ኲሉ ከቀባጥረሉ ኣብ ባይታ ደቂሱ ዝበኪ ሕንቑቅ ቆልዓ፣ ኣይትኹን። ዋላ ብዙሕ መህሰይቲ ይዉረድካ፣ ኣብ ዉድቐትካ ደቂስካ
ኣይትፋሓስ። ተንስእ፣ ነቲ ኲናት ዉን ቀጽሎ። እቲ ዝዋጋእ`ዩ ይቆስል እዩ፣ እዚ ዉን ንቡር እዩ። መላኣኽቲ ጥራይ እዮም ዘይወድቑ።
እግዚአብሔር ክምሕረኻ፣ ብሸለልተኝነትኻ ዉን ናብ ዉድቐት ኣሕሊፉ ከይህበካ፣ ኣዚኻ ለምኖ።
ምክንያት
ዉድቀትካ፣ ከም ኣዳም ኣብ ሰበይቲ ወይ ኣብ ተመን ወይ ኣብ ካልእ ግዳማዊ ኩነት ኣይትግበሮ። ምክንያት ዉድቀትካ ባዕልካ ጥራይ
ምዃንካ ዘክር። ጐይታ ኣብ ልብኻ ክኸብር ስለዘይገብርካን፣ ሰረቕትን ከተርትን ኣትዮም ክሰርቑኻ ስለዝፈቀድኻ ኢኻ፣ ዝወደቕካ። ስለዚ
ናብ ኣምላኽ ጸልይ። እዚ ነገር ዳግማይ ከየጋጥም ኣዚኻ ለምኖ።
ሓደ መነኮስ ሓደ ግዜ “ኣብ ገዳም እንታይ ኢኹም ትገብሩ?” ኢሎም ሓተትዎ፣ ንሱ ዉን “ንሕና ንወድቕ ንትንስእ፣ ንወድቕ ንትንስእ፣ ንወድቕ ንትንስእ” ብምባል መለሰ። ኣስተዉዕል ኣብ ዉሕዳት ደቓይቅ ዉን ትኹን፣ ብዘይ ዉድቐት ኣይትሓልፍን፣ ብዉሕዱ ሓንሳብ ትወድቕ ኢኻ። ስለዚ ኣምላኽ ምሕረቱ ከብዝሓልኻ ጸልይ።
ድሕነት
ብጸጋ ጥራይ ምዃኑ ዘኽር /ኤፈ 2፥5/፣ ስለዚ ንምሕረት፣ ንጸጋ፣ ንይቕሬታ ጸልይ። ከምቲ ሓደ ንሞት ዝተፈርደ ገበነኛ፣ ምሕረት
ምእንቲ ክረኽብ፣ ኣበርቲዑ ዝልምን፣ ንስኻ ዉን ከምኡ ናብ እግዚአብሔር ለምን። ንገዛእ ርእስኻ ከም ሓደ ኣብ ቅድሚ ጐይትኡ ምሕረት
ዝልምን ባርያ ጌርካ ዉሰዳ። ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኸምዚ ህሞት የእቲኻ፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተማህለል፣ ምሕረት ዉን ለምን።
ብድሕሪዚ ምዕዶ ቅዱስ ይስሓቅ ሶሪያዊ ሰዓብ፤ “ምእንቲ ነቲ ናብ
ላዕሊ ዝወስድ መንገዲ ክትረኽብ፣ ነቲ ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ ጾር ሓጢኣት ደርብዮ”።
0 comments:
Post a Comment