Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Thursday, August 15, 2013

ትንቢት ፍልሰት ቅድስት ድንግል ማርያም

ትንቢት ፍልሰት ቅድስት ድንግል ማርያም


"ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን፡ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።"

እዚ መዝሙር  (መዝ 132፥8) ኩሎም ነብያተ እስራኤል ዝዝምርዎ ዝንበረ ናይ ዳዊት መዝሙር እዩ። ነዚ ቃል ኣጸቢቕና ምስ ንምርምሮ ብዙሕ ሚስጢር ሓዚሉ ንረኽቦ። እዚ መዝሙር ብቐንዱ ናይ ዕርገት መዝሙር እዩ፣ ወይ 'መዝሙር ምድያብ' ይበሃል። ኣብዚ መዝሙር እግዚአብሔር ማሕደር ዝዀኖ ስፍራ፣ ከምዘናደየን፣ ደሓር ዉን ንጽዮን ከምዝረኸበን፣ ኮይኑ፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከመር ጌሩ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሓዲሩ፣ ካብ ስጋኣ ስጋ፣ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ከምዘድሓነና ዘረድእ እዩ።

መዝሙር 132 

"ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዳዊት ኵሉ መከራኡ ዘክረሉ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሐለ፣ ቦታ እግዚኣብሄር፣ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፣ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፣ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፣ ነዒንተይ ድቃስ፣ ንዀበሮ ዓይነውን ሰለምታ ኣይህብን፣ ኢሉ። ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዔ፣ ዘክረሉ። እንሆ፣ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ። ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፣ ቅዱሳንካ ድማ እልል ይበሉ። ምእንቲ ዳዊት ባርያኻ ኢልካ ገጽ ቅቡእካ ኣይትምለስ። እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉ፣ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፣ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ። እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፣ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፣ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ። ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፣ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም። ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፣ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ። ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፣ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዲ ኼንጸባርቕ እዩ።"
ልቢ ኣምላክ ንጉስ ዳዊት ኣብ መዋእለ ህይወት ዘመኑ፣ ኣጽኒዑ ዝለመነሉ ነገር፣ ቤት እግዚአብሔር ንክሃንጽ እዩ። ንሱ ኣብ ሙልኩዕ ግሩም ቤተመንግስቲ እንዳተቐመጠ፣ ታቦት እግዚአብሔር ግና ኣብ ድንኳን ምንባራ ይሓዝን ነበረ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና፣ ደም ሰብ ስለዘፍሰስካ፣ ንስኻ ኣይክትሃንጸለይን፤ እቲ ካባኻ ዝወጽእ ዉላድኻ ንሱ ክሃንጸለይ እዩ /1ይ ዜና 28፥3/ በሎ።

ናይ ሠራዊት ጐይታ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ሽሕ እኳ ንዳዊት ህንጻ ቤተ መቕደስ ንከይሃንጸሉ እንተነግሮ፣ ካልእ ዝዓበየ ሚስጢር ግና ገሊጺሉ እዩ። ኣምላኽ ብደበና ተገሊጹ ንዝራኸበላ ዝነበረት ታቦት ማሕደር ዝኸዉን ህንጻ ንክሃንጸሉ ኣይመረጾን፣ ኮይኑ ግና ሚስጢር ናይታ ንሱ ብስጋ ክሓድረላ ዝመረጻ ኣማናዊት መቅደስ ቅድስት ድንግል ማርያም ገሊጺሉ።

ካብ መጀመርታ ናይዚ መዝሙር ምስ ነሰዉዕለሉ፣ ዳዊት ብዛዕባ 'ቦታ እግዚኣብሄር፣ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን' ንኽረክብ ሃሰዉ ብምባል ይጅምር እሞ፣ ደሓር ኣብ ፍቅዲ 6 'ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ' ብምባል ነቲ ዝደለዮ ነገር ከም ዝረከበ ንርዳእ። ኤፍራታ ተባሂላ ዘላ፣ እታ ደሓር ጐይታ ብስጋ ዝዉለደላ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዉለደላ ቦታ ቤተልሔም እተመልክት እያ። ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ ዝተባህለ ዉን፣ ኣብ በረካ ኣብ መብልዒ ማል ኣብ በዓቲ ንዝተፈጸመ ኩነተ ልደት ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንከረድእ እዩ። ነዚ ዘረጋግጸልና፣ ነብዪ ሚክያስ ዝተነበዮ "ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤትልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ" ሚክያስ 5፥2 እዩ ነዘን ክልተ ትንቢት ኣንቢብና ምስ ንምርምረን፣ ምዙሕ ምትእስሳር ከም ዘለወን ክንርዳእ ንኽእል። መዝሙር 132ን ከምኡ ዉን ሚክያስ 5ን፣ ክልቲኦም ነብያት፣ ብዛዕባ ሓደ ንዘለኣለም ዝገዝእ ንጉስ ከም ዝወጽእን፣ እዚ ንጉስ ዉን ኣብ ኤፍራታ ቤተልሔም ምዃኑ እዩ። እዚ ዉን ብዛዕባ ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሰብኣ ሰገል "እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ" ኢሎም ንሄሮድስ ምስ ሓተትዎ፣ ካብ መማህራን መጽሓፍ ቅዱስ ሓቲቱ ዝመለሰሎም መልሲ ነዚ የረጋግጸልና። ምክንያቱ ልዕሊ ክርስቶስ ዝዓቢ ንጉስ ኣበይ ክርከብ፣ ንሱ ዉን ኣብ ቤተልሔም ናይ ይሁዳ፣ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ በረኻ ብትሕትና ተወልደ። ነዚ ዉን ኣብዛ መዝሙር ኣብ ፍቕዲ 13-15 ብዛዕባ ንጽዮን ከምዝሓረየ፣ ንዕኣ ዉን ናይ ዘለኣለም መዕረፊት ክትኸዉን፣ ማለት ንዘለዓለም ኣደ ጐይታ ተባሂላ ክትስመ፣ ከምዝመረጻ ይነግረና።  እምበኣር እዛ መዝሙር፣ ብዛዕባ እግዚአቢሔር ኣምላኽ ብስጋ ዝሓድረሉ እትነግር ምዃና ርዱእ እዩ፤ ማለት ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስን፣ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያምን ዝተነግረ ትንቢት እዩ።

ኣብ መንጎ`ዚ መዝሙር ድማ ሓደ ዓቢ ሚስጢር ኣሎ። ልበ ኣምላኽ ንጉስ ዳዊት፣ ብዛዕባ ማህደር ኣምላኽ ምስ ተነበየ፣ ኣስዒቡ ከምዚ ብምባል ይቕጽል፣ "ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን፡ ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ"። ካብ ጥንቲ ኣቦታትና ከም ዝነግሩና እዚ ትንቢት ናይ ፍልሰታ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። ከመይ፧

ዳዊት ንእግዚአብሔር "ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ" ኢልዎ። ኩልና ብቀሊሉ ክንርድኦ ንኽእል፣ ኣቐዲሙ (ካብ ፍቕዲ 1-7) ብዛዕባ ስጋዊ ልደቱ ስለዝተነበየ፣ ሕጂ ናብ ካልእ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ንክመጽእ፣ ዳዊት ንእግዚአብሔር ይሓቶ`ሎ። እዚ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ዘትባህለ ዉን፣ ዝፏን እግዚአብሔር ዝርከበሉ፣ መነበረ ጸባዖት፣ ማለት ኣብ ሰማያት እዩ። ስለዚ፣ ብሓጺሩ ዳዊት፣ ንእግዚአብሔር ወልድ ናብ ሰማያት ንኽዓርግ፣ ይሓትት ኣሎ፣ ማለት ትንሳኤ ክርስቶስ ይነግረና ኣሎ። እግዚአብሔር ወልድ ንሞት ስዒሩ ከምዝትንስእ ዳዊት ኣቐዲሙ በዚ ትንቢት ኣቢሉ፣ ኣረጋጊጹልና።

ኣብዚ ናብ ሰማያዊ ክብሪ ምድያብ ግና፣ እግዚአብሔር ጥራይ በይኑ ዘይኰነስ፣ እንኰላይ "ንስኻን፡ ታቦት ሓይልኻን ተንስእ" ብምባል ናይ ሓይሉ ታቦት ዉን ምስኡ ክትትንስእ እያ። እዛ ታቦት ሓይሊ እግዚአብሔር ዝተባሕለት ዉን እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።

ታቦት፣ ካብ ብሉይ ኪዳን ከም ንርድኦ፣ ናይቲ ኣምላኽ ብኢዱ 10 ትእዛዛት ዝጸሓፈሉ፣ ጽላት ማሕደር እዩ። ኣብዚ መንበረ ታቦት ዉን ኮይኑ ናይ ሠራዊት ጐይታ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ንሙሴን ህዝቢ እስራኤልን ሕጊታት ይነግሮምን፣ ይመርሖምን ነበረ። ከምቲ ኣቦታትና ሓዋርያት ዝነገሩና፣ ብሉይ  ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ሓድሽ ኪዳን ጽላሎት`ዩ፣ ታቦት ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ሚስጢረ ስጋዌ ጽላሎት እዩ። ሙሴ ናይ ክርስቶስ፣ 10 ትእዛዛት ናይ ቃል ወንጌል፣ ሳንዱቅ ታቦት ከኣ ናይ ድንግል ማርያም ጻላሎት እዩ። ካብ ሰማይ ዝወረደ 10 ትእዛዛት (ሕጊ ኣምላኽ) ኣብ ጽላት ብኢዳ እግዚአብሔር ተጻሒፉ፣ ኣብ ሳንዱቅ ታቦት ይሓድር። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዉን፣ ካብ ሰማየ ሰማያት ወልደ እግዚአብሔር ቃል ወሪዱ፣ ጸጋን ሓቂን መሊእዎ፣ ኣብ ማእከልና ሓደረ፣ /ዮሓንስ 1/ ኣብ ማህጸን ድንግል ማርያም ሓዲሩ፣ ካብ ስጋኣ ስጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፤ ስጋን መለኮትን ኣወሃሂዱ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኣድሓነና። ስለዚ ካብዚ ኩሉ ንርድኣ "ታቦት ሓይሊ ኣምላኽ" ተባሂላ ዘላ፣ ጐይታ ማሕደር (ታቦት) ክትኮኖ ዝመረጻ፣ በታ ካብኣ ዝወሰዳ ስጋ ዉን፣ ንሞት ስዒሩ፣ ሓይሊ ትንሳኤኡ ዘበሰረሉ፣ ንእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ።

ስለዚ መዝ 132፥8 ዝተነግረ ትንቢት ናይ ትንሳኤን ዕርገትን፣ ናይ እግዚአብሔር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ስጋዊ ልደቱ ታቦት ዝዀነቶ፣ ቅድስት ድንግል ማርያም ዉን፣ ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ፣ ናብ ሰማያት፣ ከም ትድይብ እዩ። ንጐይታ ታቦት ዝኰነ ስጋ ድንግል ማርያም ስለዝዀነ፣ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ዉን ካብዛ ምድራዊት ዓለም፣ ናብ ሰማያት ከምዝዓርግ እዩ።

ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ሊቀ ጳጳስ ናይ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቅዱስ ሞደስቶስ ዘኢየሩሳሌም፣ ብዛዕባ`ዚ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይገልጾ፣


"ፍልሰት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣቐዲሙ ተነጊሩ እዩ። ከምቲ ዳዊትን ኩሎም ኣባሓጎታታን "ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን፡ ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ" ብምባል ዝዘምርዎ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽና ዉን ነታ ታቦት ንጽሕንኡ ዝዀነት (ድንግል ማርያም) ካብ ጽዮን ናብኡ ጸዉዓ። ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ካብታ ዘለዓለማዊ ድንግል ዝዀነት ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ተጸኒሱን፣ ህያዉን  ኣስተዉዓሊን ስጋ ለቢሱን እዩ`ሞ፣ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዉን ናብኡ ወሰዳ። ነቲ ኣካላዊ ስጋኣ ከም ዘይማስን ገበሮ፣ ልዕሊ ኩሉ ክብሪ፣ ብዙሕ ክብሪ ኣልበሳ፤ በዚ ዉን ኣብቲ ናቱ ክብሪ ከም ትሳተፍ ገብራ። ዘማራይ ዳዊት ዉን "እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።" ዝበሎ ነዚ ክነግር እዩ /መዝ 45፥9/።
ናይቲ ወሃቢ ህይወትን፣ ንሞት ዝሰዓረን፣ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ክብርቲ ኣደ ስለዀነት፤ ምእንቲ ንዘለዓለም ብዘይምምሽማሽ ክትነብር፣ ካብ ሞት ኣተንሲእዋ እዩ። ንሱ በይኑ ብዝፈልጦ መንገዲ፣ ካብ መቃብር ኣተንሲኡ፣ ናብኡ ወሲድዋ። ኣምላኽ ንውዱ ማህደር ክትኸዉን ዝሃነጻ ቤት ንሳ እያ፣ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ንዘለዓለም ክትነብር ዉን፣ ብኽብሪ ተቀቢሎም ኣዕሪፎማ። ሓዳ ኣካል ካብ ሥላሴ ንዝዀነ ወልድ፣ ማሕደር ኮይና`ያ`ሞ፣ ናብ ዝበለጸ ቦታ ደዪባ ኣላ። ልዕሊ ኩሉ ፍጡር ዉን፣ ንሳ ትኸብር። ልዕሊ ኩሎም ቅድሳን መላእክቲን፣ ሊቃነ መላእኽቲን ንሳ ትበልጽ። ክርስቶስ ብፍጹም ተዋሕዶ፣ ኣብ ማህጸና ሓደረ፤ በዚ ዉን ናይቲ ኣማናዊ ሰማያዊ መርዓዊ ንክርስቶስ፣ ሓቀኛ መርዓት ኮነቶ፤ ስለዚ ኣብ ሰማያት ንዘሎ፣ ፍጹም ንጹህ ዝዀነ መንፈሳዊ ክፍሊ፣ ሰማያዊ ክፍሊ፣ . . . .ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣተወት። ኣደ፣ ናይቲ ፈጣሪኦም ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክትከዉን ስለዝተመርጸት፣ በዚ ካብ ኪሩቤል ትዓቢ፣ ካብ ሱራፊኤል ዉን ትበልጽ፤ ሕጂ ዉን ኣብ መንግስተ ሰማያት ኣብ ማእኽሎም ትነብር ኣላ።"
በረኸት ጾመ ፍልሰታ ምስ ኹልና ይኹን! 

Wednesday, August 14, 2013

ፍልሰታ-ቅነ ቅድስት ድንግል ማርያም

ፍልሰታ-ቅነ ቅድስት ድንግል ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ኣብ ኲሉ ዓለም ዘለና ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስቲያናት፣ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ክሳብ ኪዳነ ምሕረት (ካብ ዕለት1-16 ግእዝ) ፍልሰታ ብምባል፣ ብጾም ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ እንቐርበሉ፣ ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልብና ነሐደስሉ ቅነ ኣሎ። ዳርጋ ኲሉ ኦርቶዶክሳዊ ነዛ ጾም ማዕረ ጾም ኣርባዓ የኽብርዋ እንተበልኩ ዉን፣ ምግናን ኣይመስለንን። ኣብ ሃገርና ኣብ ኩለን ቤተክርስቲያናትን፡ ገዳማትን ካብ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 4፡00 -7፡00 መልክዓ ፍልሰታ ዘለዎ ስብሓተ ነግሕ፡ ኪዳን ሊጦን ብምብጻሕ፣ ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዉን ን16 መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ቅዳሴ ብምቅዳስ፣ ፍሉይ መንፈሳዊ ሃዋሁ ዘለዎ ቅነ ነሕልፍ። ብፍላይ ሰናብቲ ናይዚ ጾም፣ ሰዓታትን መዝሙራትን ብምቋምን ቅዳሴ ብምቅዳስን ዝህሉ መንፈሳዊ መደባት ኣዝዩ ልቢ ይምስጥ። በዚዉን ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለና ልባዊ ተወፋይነት ነርኢ። ወርሒ ነሓሰ፣ ወርሒ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ኣብ ጸሎትና ዉን፣ ልዕሊ ስጋዊ ፍልጠት፤ ፍቕሪ ወዳን በረኸታን ምስትምቓር ንመርጽ።
"ይቴክዝ ኣብድ፣ ሶበ ልበ ጥበብ ዉሕዶ፤ በኢያእምሮቱ ኣብዝኀ ሕማመ ዘይፈድፍዶ፤ ብፁዕሰ ለፍቅርኪ ዘይፀመዶ፤ ብቅድመ ሥዕልኪ እግዝእትየ ለለጊዜ ያነሥእ እዶ፤ ተስፋሁ ይረክብ ወይፌጽም መፍቅዶ። ዓሻሲ ስጋዊ ጥበብ ስለዝዉሓዶ ይትክዝ፤ ከይተርድኦ ዉን ዘይጠቕሞ ሕማም የብዝሕ፤ እቲ ብጹእ ግና ብፍቅርቂ ተታሒዙ`ሎ፤ ተስፋ ዝገብሮ ንኽረክብን፡ ፍቓዱ ክፍጸመሉን፤ ኣብ ቅድሚ ሥእልኺ  እንዳሰገደ የመስግነኪ።"
ክርስትና ብባዕላዊን ዉልቃዊነትን ዝተዓብለለ ናይ ግሊ ህይወት ዘይኰነስ፣ ዝያዳ ብሕብረትን ሓድነትን ዝንበር ሓባራዊ ህይወት እዩ። በዚ ምኽንያት'ዚ ዉን እያ፣ ቤተክርስቲያንና ሓባራዊ ጸሎት፡ ጾም፡ ናይ ምስጋና ሰዓታት፡ ማሕሌት፡ ወዘተ ስርዓት ኣዳልያ፣ ብሕብረት ናብ ኣምላኽ ክንቐርብን፡ ብፍቕሪ ነንሕድሕድና ክንህነጽን ትገብር። ብፍላይ ኣብዚ ቅነ ፍልሰታ እቲ ሓባራዊ ኣምልኾ ዝያዳ ዝገሃደሉ ግዜ እዩ። ኣብዚ ሕብረት፣ ኣብ ምድሪ ዘለና ክርስቲያናት ጥራይ ዘይኮንናስ፣ እንኮላይ እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ቅዱሳን ብጸሎት ይሓብሩና።

ስለምንታይ ግን ነዚ ቅነ ንቅድስት ድንግል ማርያም፧ ፍልሰታ`ኸ እንታይ ማለት እዩ፧ ምስ ድሕነት ነፍስና`ኸ እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ፧ ኣብዚ ብሎግ ዝያዳ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጽሑፍ ከዉጽእ ዕላማይ ከምዝዀነ ኩልና ንዝኽሮ ይመስለኒ። እምበኣር ንሎሚ ታሪክ ፍልሰታ ክንርእይ ኢና። ኣብ ቀጻሊ ዉን ቅዱሳን ሊቃዉንት ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝመሃርዎ ከዉጽእ እየ።
"ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ መካነ ፍሥሓ ወኑዛዜ፡ ኀበ ኢይሬእይዎ ለላህ ወኢይሔይልዎ ለትካዜ፡ ማርያም ህሉት ዉስተ ልበ ኣምላክ እምቅድመ ግዜ፡ ትፍሥሕትሰ ተፈሣሕኩ ብፍልሰትኪ ይእዜ፣ ገጸ ዚኣኪ እሬኢ ማዕዜ። ትርጉም፣ መከራን ትካዘን ዘይብሉ፣ ናይ ፍስሓን ኑዛዜን ቦታ ንዝዀነ ናይ ስጋኼ ፍልሰት ሰላም እብል፣ ማርያም ኩሉ ግዜ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ነበርኺ፣ ኣብ ግዜ ፍልሰትኪ ሓጎስ ተሓጉሰ፣ ገጽኺ ኮን መዓስ እየ ዝርእዮ።"  
ፍልሰታ ማለት 'ፈለሰ' ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ከምቲ ተኽሊ ዘሪእኻ ኣብ ሓደ ቦታ ምስ ጸደቐ፣ ናብ ቀዋሚ ጀርዲን ተሳግሮ፣ ከምኡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምስግጋር እዩ። እምበኣር 'ፍልሰታ' ማለት ስጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ምድሪ ናብ ሰማያት ዝፈለሰሉ ወይ ዝተሳገረሉ በዓል እዩ። ነዚ ዉን እዩ "ፍልሰተ ስጋሓ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም [ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ዝፈለሰሉ] ዝበሃል።

ታሪካዊ ፍጻመ 

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ጓል 15 ምስ መልአት፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምዉላዳ፣ ምስኡ ኣብ ዝዉዓሎ እንዳወዓለት፡ ኣብ ዝሓደሮ እንዳሓደረት 33 ዓመት ሙሉእ፣ ኣብ ስብከት ወንጌል ከይተፈለየቶ፣ ክሳብ መስቀል ሰዓበቶ። ኣብ መስቀል ዉን ጐይታ ነቲ ኣዝዩ ዝፍቅሮ ወደ መዝሙሩ ን ዮሃንስ "እነሆ ኣዴኻ" ብምባል ሓላፍነት ሃቦ። ቅዱስ ዮሃንስ ዉን ናብ ቤቱ ወሰዳ፤ ምስኡ ዉን 15 ዓመት፣ ብድምር 64 ዓመት ኣብዚ ምድሪ ብስጋ ነበረት።

ከምቲ ትዉፊት  ቤተክርስቲያን ዝነግረና፤ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝርኸብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ፣ ምስ ብዙሓት ደናግል፣ ፍርሓት እግዚአብሔርን፣ ንጽህናን እንዳመሃረተ፣ ከም ኣደ እንዳሓብሓበት ትነብር ነበረት። ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሃንስን ዉን ካብ ጎና ኣይተፈለዩን። ብከምዚ መንገዲ ብቅድስናን ብንጽህናን፣ ንኣምላኽ እንዳመስገነት ንምእመናን እንዳመሃረት እንኮላ፣ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ዕለት 20 ጥሪ፣ ሃዋርያት ናብ ድንግል ማርያም ምስ ቀረቡ ገጻ ናይ ሓዘን ምልክት ከምዝዓሰሎ ኣስተዉዓሉ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝዀነት ዉን ተወከስዋ፣ ንሳ ዉን ጐይታ ግዜ ዕረፍታ ብራእይ ከምዝገለጸላ ነገረቶም። ኣብቲ ራእይ፣ ፍረ ማህጸና ዝዀነ ወልደ እግዚአብሔር ቃል፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓዋርያት ይቕርብ እሞ፣ ኣብ ኢድ ሓዋርያት ዉን ነዊሕ ዓለባ ነበረ። 'ስለምንታይ እዮም ደቀመዛሙርትኻ ዓለባ ሒዞም ዘለዉ፧' ኢላ ትሓቶ`ሞ ንሱ ንስጋኣ ዝግነዘሉ ምዃኑ ነገራ። በዚ ራእይ ዉን ግዜ ዕረፍታ ከምዝኣኸለ ተረድአት።

ሓዋርያት ዉን ነዚ ነገር ምስ ሰምኡ፣ ኣዝዮም ጉኋዩ፣ ናብ ጐይታ ዉን ከምዝ ብምባል ጸሎቶም ኣቕረቡ "ኦ ጐይታ ክሳብ ሕጂ ናይቲ ወሃቢ ህይወት ሕማማትካ ኣይረሳዕናዮን፣ ሕጂ ኸኣ ነዛ ኣደ ካባና ብምዉሳድ መሊስና ኣብ ሓዘን ክንኣቱ ኢና። ዘኽታማት እንድሕሪ ኮይንና፣ ከመይ ዝበለ ሓዘን ኮን ይከዉን ክበጽሓና፧"

ኣብ ከምዚ ኩነት እንከለዉ፣ ኣብ ደብረ ዘይት ዝነበራ ዳናግል ኩለን ተኣኪበን ናብቲ ቤት ኣተዋ። ኣብ ኣእዳወን ዉን ኩለን ቀንዴል ሒዘን ነበራ። ነዚ ምስ ረኣየት፣ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ "ደቀይ ስለምንታይ ደኣ ከምዚ ኢልክን ተኣኪብክን መጺኽን፧" በለተን። ንሳተን ዉን "ኣብ ግዜ ጸሎት እንከለና 'ኦ ደናግል ደብረ ዘይት፣ ተንስኣ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣደ ህይወት ድንግል ማርያም ኪዳ፣ ጽባሕ ነፍሳ ካብ ስጋኣ ክፍለ እዩ'። ዝብል ድምጺ ሰማዕና ንሕና ዉን ነዚ ቃል ሰሚዕና ናብዚ መጺእና" በልዋ። ንሳ ዉን ነዚ ምስ ሰምዐት፣ ንኣምላኽ ኣመስገነት። ካብኦም ፍልይ ኢላ ዉን ጸሎት ክትጽልይ ጀመረት፣

ጸሎት ቅድስት ድንግል ማርያም

"ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብ ናይ እግዚአብሔር ኣብ ኣፍ ወጺእኻ፣ ኣብ ማህጸነይ ትሽዓተ ወርሒ ዝነበረካ፣ ዘለዓለማዊ ቃል፣ የመስግነካ ኣለኹ። ማዕከን ሰናያት ዝዀንካን፣ ንኹሉ ስጋ እትምግብን፣ ካብ ኣጥባተይ ብኣፍኻ ጸባ ዝሰተኻን፣ ስምኻ ይባረኽ። ክትጽወር ዘይትኸኣል ክነስኻ፣ ኣብ ማህጸነይ ተጾይርካ ኢኺ`ሞ ተመስገን። ብሓይሊ ቃልካ ንኲሉ ዝሓዝካ፣ ኣብ ሑቕፈይ ሓደርካ። ህይወት ኣቦና ኣብራሃም፣ መጽናንዒ ኢሳይያስ፣ ንእስራኤል ዝባረኽካ፣ ትንቢት ክትፍጽም ዝመጻእኻ ናይ ነቢያት ነብዪ፣ ስምካ ይባረኽ። ኣብ ቃልሲ መድሓኒ፣ ኣብ ድኻም ፈራዲ፣ ብሩኽ ኩን። ጽድቒ እትፈርዲ፣ ናይ ሓቀኛ ነገስታት ኣክሊል ዝዀንካ ተባረኽ። መላኣኽቲን ሊቃነ መላኣኽቲን ዘመስግኑኻ፣ ሱራፌል ዝዝምሩልካ፣ ኪሩቤል ድምጺ እንዚራ ዝነፍሑልካ፣ ብሩኽ ኢኻ። ትብዓት ናይ ሰማእታት፣ ኣክሊል ዓወቶም ዝዀንካ፣ ተመስገን። ናይ ደናግል ተስፋ፣ ብርሃን ቀንዴሎም ኢካ። ብመኣዛ ጨናኦም ናብ ኲሉ ዓለም ዞይሮም ዝስብኹካ፣ ስብከተ ሓዋርያት ንስኻ ኢካ። ንስኻ ወደይን ኣምላኸይን ኢኻ። ምሕረትካን ረድኤትካን እሓትት ኣለኹ፣ ኣይትግደፈኒ፣ ካባይ ዉን ኣይትርሓቕ። ነፍሰይ ካብዚ ማእሰርቲ ሓራ ጌርካ፣ ኣብ ቅድሜኻ ንምስክርነት ደው ኣብለኒ። ምሕረትካ ይስዓበኒ፣ ጸልማት ካባይ ይርሓቅ፣ ብርሃንካ ይገለጽ፣ ኣፍ ጸላኢ ይተዓበስ። ህያው ዝዀነ ምሕረትካ ንነፍሰይ ኣብዝሓላ። እወ ኣምላኸይን ወደይን፣ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፣ ነዛ ፍርሓትን ስግኣትን ዘለዋ ልበይ፣ ብርሓንካ ፈንወላ። ናይ ነፍሰይ ፍቕራ ንስኻ ጥራሕ ኢካ`ሞ ናባይ ነዓ። ቅዱስ መንፈስካ ብመንገዲ ሓቂ ይመርሓኒ። ጐይታይን ኣምላኸይን ብናይ ጽድቂ መዝሙር ኣብ ቅድሜኻ ቀሪበ፣ ንኽሰግደልካን ከመስግነካን ኣብቅዓኒ። ክብሪን ምስጋናን ዉዳሴን ንዓኻን፣ ነቲ ሠናይ ኣቦኻን፣ መንፈስ ቅዱስን ሕጂን ንዘለዓለምን ይግባእ። ኣሜን"

ዕረፍቲ 

ከምዚ ኢላ ጸሎት ምስ ወድአት፣ ኩሎም ሓዋርያት፣ ከካብ ዝነብርኦ ናይ ስብከት ኣሕጉር፣ ክፋነውዋ ተኣኻኸቡ። ብዘይካ ቶማስዉን ኩሎም ኣብ ኢየሩሳሌም መጽኡ። ሽዑ እቲ ዝነበርዎ ገዛ ሃንደበት፣ ብመብረቅን ነጎድጓድን መሰረቱ ተንቀጥቀጠ። ኣብ መንጎ ከኣ፣ ጐይታ ብሰረገላ ሓዊ ኣብ ማከሎም ተራእየ፣ ምስኡ ዉን ሊቀ ነብያት ሙሴ፡ መዘምር ንጉስ ዳዊት፡ ኩሎም ነብያትን ነበሩ። እቲ ቦታ ብብርቱዕ ብርሃን መልአ፣ ኩሎም ዉን በቲ ትርኢት ሰንቢዶም ኣብ ምድሪ ሰገዱ። ካብ ማእኸል `ቲ ትኪ፣ ብጥዑም ድምጺ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "ሰላም ለኪ ኦ ድንግል ማርያም ወላዲተይ፣ ኩሉኩም ደቀ መዛሙርተይ 'ሰላም ለኪ' በልዋ፣ ኩልኽን ደናግል ሰላም ለኪ በልኣ" በለ። ነዚ ደሃይ ምስ ሰምዑ ኩላቶም ተጸናንዑ፣ ብግምባሮም ተደፊኦም ዉን ሰገድሉ።

ናብ ወላዲቱ ብምጥማት ዉን "ጸሎትክን ልማኖኽን ሰሚዐ፣ ካብቲ የማን ሓይሊ ዘሎ ዙፋን ኣብን መንፈስ ቅዱስን፣ መጺአ ኣሎኹ። ኦ ድንግል ኣደይ እምበኣር ንዒ ካብዚ ንኺድ፣ ኣብ ሰፈር ጻድቃን ቦታ ተዳልዩልኪ ኣሎ`ሞ ንዒ ካብዚ ሓጥኣን ዝመልእዎ ዓለም ንኺድ። ኦ ሕያወይቲ ወላዲተይ፣ ካብዚ ተፈለዪ፣ ስለምንታይ ኣብታ ንነብያት ዝቐተለት፣ ንልኡኻተይ ኣብ ዝጨፍጨፈት፣ ምድራዊት ኢየሩሳሌም ይሓድገኪ፧ ኣብ ከተማ ኣብን መንፈስ ቅዱስን፣ ኩሎም ሰማያዉያን ቅዱሳን ንዓኪ ይጽበዩ ኣለዉ`ሞ ናብኡ ንኺድ። ኣብ ሰማያት ኣብታ ጽብቕቲ ከተማ ስፍራ እንከሎ፣ ስለምንታይ ኣብታ ብሓመድን እምኒን ዝተሃንጸት ገዛ ትነብሪ። ኦ ርህርህት ኣደይ፣ ኣብ ምድሪ መሕደሪተይ ነበርኪ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ሰማየ ሰማያት ኣብቲ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ዝቕመጠሉ፣ ስፍራ ንዒ ኣብኡ የዕርፊ። ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ዝገብረና መለኮታዊ ባህሪየይ ጾይርኪ ኢኪ`ሞ ናብ ቦታ ዕረፍትኪ እተዊ። ኦ ፍቅርቲ ኣደይ፣ ካብዚ ንብዓትን ጓሂን ዝመልኦ ቦታ፣ ናብቲ ፍስሃን ሓጎስን ዝመልኦ ሃገር፣ ካብ ዓዲ ምዉታን ናብ ዓዲ ህያዋን፣ ንዒ ተንስኢ ናብኡ ምሳኡ ንዕናይ" በላ።

ነዚ ምስ ሰምዑ፣ ኩሎም ሓዋርያትን ደናግልን፣ ድንግል ማርያም ካብኦም ክትፍለ ስለዝዀነት ኣዝዮም ሓዘኑ። እተን ደናግል ዉን ከልቅሳ ጀመራ፣ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ዉን ከምዚ ኢላ ከተጸናንዐን ጀመረት፣ "ደቀየ ስለምንታይ ብሓዘንክን ንልበይ ተጉህይኦ ኣለኽን፧ ኩሉ ስጋ ሞት ክጥዕም`ዶ ጽሑፍ ኣይኰነን፧ ኣነ ዉን ከምቲ ኣብዛ ምድሪ ዝነብር ኩሉ ሰብ ናብ ሓመድ ክምለስ ኣለኒ። ንሱ ከም ዘይሓድገክን ተስፋ ሂቡክን እዩ`ሞ፣ ኣይትጉሃያ፣ምክንያቱ ንሱ ጐይታ፣ ኩሉ ግዜ ምሳኽን ኣሎ፣ ልብኽን ይጽናዕ" በለተን። ኣስዒባ ዉን "ብሩኻት ደቀይ፣ ምስቲ ሓቀኛ መርዓዊ፣ ክርስቶስ ዝኣተክንኦ፣ ቃል ኪዳን ኣይትጥለማ። ንሱ ክመጽእ እንከሎ፣ ናብቲ ሰማያዊ መርዓ ምስኡ ምእንቲ ክወስደኽን፣ ቀንዴልክ ዘይቲ መሊእኽን፣ ብርሃን ኣብሪህኽን፣ ተዳሊኽን ተጸበይኦ" ብምባል ተማሕጸነተን  ናብ መድሓኒ ዓለም ተመሊሳ ዉን ከምዚ በለቶ "ኦ ፍቑር ወደይ፣ ድሕሪ ዕረፍተይ፣ ጉህዩ ንዘሎ ልቦም ከተጸናንዕ ይልምነካ ኣለኹ፤ በቲ ዝበጽሖም መከራን፣ ኣብ ኢድ ጨካናት ኣይሁድ ዝበጽሓካ ሕማማተ መስቀልን ልቦም ጉህዮ ኣሎ። ብመስማር ተሸንኪርካ፣ ብጦር ተወጊእኻ፣ መላእ ሰብነትኻ ብደም ተኣሊኹ ርኢናካ ኔርና። ማይ ጸሚኡካ፣ ኣብ ክንዲ ጽሩይ ማይ ሓሞት ከስትዩካ፤ ኣክሊል እሾኽ ኣብ ርእስኻ ክደፍኡልካ፤ ምእንቲ ድሕነትና ዝተወጋእካዮ፣ ኩሉ ርኢና ኢና። ካብ ሞት ስለዝተንሳእኻ ግና፣ በዚ ተሓጉሶም። ትንሳኤኻ፣ እንተዘይንርኢ፣ ኩልና ምሞትና ኔርና። ኣነ ዉን፣ ሳላ ምሕረትካ፣ ክሳብ ሕጂ መደዓዓሲ ኮይነዮም ኔረ"

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፣ "ኦ ርህርህት ወላዲተይ፣ ኣዳም ሕገይ ምስ ጠሓሰ፣ ኣብ ልዕሊኡ 'መሬት ኢኻ`ሞ ናብ መሬት ክትምለስ ኢካ' ኢለ ፈረድኩሉ። ኣነ ዉን በቲ ካባኺ ወሲደ ምስ መለኮት ዘወሃሃድክዎ ሰብነት ኣቢለ ንሞት ጥዒመ . . . .ሕጂ ዉን ኣነሲ ሞት እንተዘይትጥዕሚ ምፈተኹ፣ ከም ኢልያስን ሄኖክን ብህያዉነት እንተትነብሪ ምመረጽኩ፣ እንተኾነ ግን ንሳቶም ዉን ንሞት ክጥዕሙ እዮም። እቲ ኣባታቶም ዝተገብረ ኣባኺ እንተዝኸዉን ግና፣ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሓጥኣን፣ ንገዛእ ርእሶም ሰማያዊ ሓይሊ ጌሮም ክሓስብዋ እዮም። እቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ናይ ድሕነት ስራሕን፣ መለኮት ምስ ስጋ ኣወሃሂደ ዝተቀበልክዎ መከራን፣ ከም ሕልሚን ሃተውተዉን ወሲዶም ከንቱ ክሓስብዎ እዮም። ሓሳባት ደቂ ሰባት ዝምርምር ኣምላኽ እየ" በላ። ናብ ሓዋርያት ግልጽ ኢሉ ዉን "ደቀ ማዝሙርተይ፣ ኣብዚ ዝነግረኩም ተስፋ እመኑ፣ ንቅሩብ ግዜ ኣይክትርእይዋን ኢኹም፣ ድሓር ባዕላ ክትግለጸልኩም እያ። ካብ ዕለተ ዕረፍታ ክሳብ ዕለተ ፍልሰታ፣ 206 መዓልቲታት ቁጸሩ፣ ሽዑ በዚ ስጋዚ ናብ ሰማያት ናብ ኣብን፡ መንፈስ ቅዱስን ክትዓርግ እንከላ ክትርእይዋ ኢኹም፣ ኣብኡ ዉን ኣብ የማን ደዉ ኢላ፣ ምእንታኹም ክትልምን እያ"።

ቀጺሉ ዉን "ናብቲ ቅዱስ ቦታ፣ ናይ ማዕጠንቲ ዘለዎ ክፋል እተዉ`ሞ፣ ኣብኡ ንፍቕርቲ ወላዲተይ ምእንቲ ከኽብራ፣ ካብ ኣቦይን መንፈስ ቅዱስን ዝተሰደ መግነዝን፣ ጥዑም ሽቶን ክትረኽቡ ኢኹም" በሎም። ንሳቶም ዉን ናብኡ ከይዶም ነቲ ዝተባህለ ረኸብዎ`ሞ ናብኡ ኣምጽኡሉ። ንሱ ዉን ክዝርግሕዎ ኣዘዞም። ከምቲ ዝኣዘዞም ምስ ገብሩ፣ ንወላዲቱ ከምዚ በላ "ኦ ንግስቲ ኩለን ኣንስቲ፣ ንዒ ኣብዚ የዕርፊ፣ ካብዚ መከራ፡ ሓዘንን፡ ጓህን ዘልዋ ስፍራ፤ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲን፣ ዘለዓለማዊ ፍስሃን እተዊ" በላ። ድንግል ማርያም ብድድ ኢላ፣ ኣእዳዋ ዘርግሐት፣ "ኣዶናይ፡ ኤልሻዳይ፡ መሲሕ፡ ረቢ፡ ኣማኑኤል፤ ናባኻ ዉሰደኒ ወደይ። ኣብ ቅድሜኻ ተረኺበ፣ ምእንቲ ክሰግደልካ፣ ኣፍደገታት ቅዱስ መንግስትኻ ኣብ ቅድመይ ይከፈታ። ክብሪን ምስጋናን ዉዳሴን ንዓኻ ጉይታይን፣ ነቲ ሠናይ ኣቦኻን፣ ወሃቢ ህይወት መንፈስ ቅዱስን ሕጂን ንዘለዓለምን ይግባእ። ኣሜን" ብምባል ጸለየት። ጸሎታ ምስ ወድአት፣ ኣብቲ  መግነዝ ደቀሰት፣ ኣዒንታ ዉን ናብ መድሓኒናኣ ኣቕነዐት፣ ብኡንብኡ ነፍሳ ካብ ስጋኣ ተፈልያ፣ ኣብ ኢዱ ተማዕቆበት። ሓዋርያት ዉን ብክቡር ጨና ጌሮም፣ ገነዝዋ። ኣብ ሓድሽ መቃብር ክቀብርዋ ዉን ነቲ ስጋኣ ሒዞሞ ኸዱ።

"ሰላም ለግንዘተ ሥጋኪ ብእደ ሓዋርያት ኣርጋብ፤ ብአፈወ ዕፍረት ቅዱው ዘሐሳብ ሴቱ ዕጹብ፤ ማርያም ድንግል ውለተ ህሩያን ሕዝብ፤ ረሰይኩኪ እግዝእትየ ህየንተ እም ወኣብ፤ ይኅጽነኒ ከመ ጥብ ፍቅርኪ ሓሊብ። ረጋቢት ብዝምሰሉ ሓዋርያት ንዝተግብረ ምግናዝ ስጋኺ ሰላም ይብል፤ ብዙሕ ብዝውግኡ ጥዑም ጨና ጌሮም ገነዙኺ፤ ድንግል ማርያም ጓልቶም ሕሩያት ህዝቢ ኢኺ፤ ኣብ ክንዲ ወለደይ (ኣቦይን ኣደይን) ንዓኺ መሪጸ ኣለኩ፤ ጸባ ዝዀነ ፍቕርኪ ከም ጡብ ይመግበኒ።"

ቀብሪ

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ምስ ኩሎም ደናግልን፡ ኣመንቲን፣ ኮይኖም ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ጼሮም፣ ናብ ጌተ ሴማኒ፣ ናብ መቃብር ቦታ ከዱ። ኣብ መንገዲ ዉን ጭፍራ ኣይሁድ ተጓነፍዎም። ጭፍራ ኣይሁድ ነንሕድሕዶም፣ ሓዋርያት ናይ መን ስጋ ከምዝጾሩ ተሓታተቱ። ስጋ ወላዲተ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ዉን፤ ነቲ ስጋ ኣሕዲጎም ከቃጽልዎ ተሰማምዑ`ሞ፣ ሓደ ታዉፎንያስ ዝስሙ ድልዱል ጎበዝ ነቲ ስጋ ካብ ሓዋርያት መንጢሉ ከምጽኦ ነገርዎ። ጭፍራ ኣይሁድ ቀሪቦም ነቶም ኣመንቲ ከጋፍዕዎም ጀመሩ፣ ታዉፎንያስ ቀሪቡ ዉን ነቲ ስጋ ክወስድ ኢዱ ሰደደ፣ ብኡንብኡ፣ ካብ ሰማይ ደበና ወረደ፣ ነቶም ጭፍራ ኣይሁድ ዉን ኣዒንቶም ከም ዘይርኢ ገበሮም፣ ኢድ `ቲ ብሓይሉ ዝምካሕ ታዉፎንያስ ዉን፣ ብሃልሃልታ ሴፍ ቅዱስ መላኣኽ ተቆሪጻ ተረፈት። ብዘይካ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ፣ ካልኦት ሓዋርያት ዉን ብመጥቃዕቲ ኣይሁድ ተሰናቢዶም ፋሕ ኢሎም ሃደሙ። ጭፍራ ኣይሁድ `ቲ ዝዀነ ነገር ምስ ኣስተብሃሉ፣ ዓቢ ጌጋ ከምዝ ዝፈጸሙ ኣሚኖም ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሎም ምሕረት ለመኑ "ኦ ጐይታና ክርስቶስ፣ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርና፣ ሕጂ ኸኣ ደቂ ኣብራሃም ኢና`ሞ መሓረና፣ ኣዒንትና ኣብራሃልና፣ ንሕና ዉን ናብ ግርማ መልኮታዊ ብርሃንካ ክንቀርብ ኢና። ብኣኻን በታ ሓፍትና ዝዀና ድንግል ወላዲትካን ክንኣምን ኢና" በሉ። ኣምላኽና መድሓኒናን ክርስቶስ፣ ርህሩህ ስለዝዀነ፣ ኣዒንቶም ኣብራሃሎም፣ ኢድ ታዉፎንያስ ዉን ከምቲ ቀደም ዝነበረቶ ጥዕይቲ ኾነት፤ ኩላቶም ዉን ብጐይታ ኣሚኖም ናብ ማሕበር ሓዋርያት ተሓወሱ። እንተ ስጋ ቅድት ድንግል ማርያም ግና፣ መልኣኽ እግዚአብሔር ምስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ጌሩ ናብ ሰማያት፡ ወሰዶ። ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ህይወት ዉን ኣንበሮ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ነዚ ሚስጢር ርእዩ ናብ ምድሪ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። ሓዋርያት፣ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ከመይ ኰነ፣ ኢሎም ሓተትዎ፣ ንሱ ዉን ኣብ ትሕቲ ዕጸ ህይወት ኣብ ገነት ከም ዝዓረፈ ነገሮም። 

ፍልሰታ

ሓዋርያት ብመሰረት`ቲ ጐይታ ኣቐድሙ ዝነገሮም ተስፋ፣ 206 መዓልቲ ጸብጺቦም፣ ዕለት ሓደ ነሐሰ (ባሕቲ) ክልተ ሱባኤ ጾም ኣተዉ። ንክልተ ሶምን ብፍቕሪ፡ ጸሎት፡ ናይ ለይቲ ምስጋናን፡ ጾምን ኣቢሎም፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ልማንኦም ኣቕረቡ። ጐይታ ዉን በቲ ዝኣተወሎም ተስፋ፣ ዕለት 14 ነሓሰ ስጋ ድንግል ማርያም ካብ ገነት መሊሱ ንሓዋርያት ሃቦም። ሓዋርያት ዉን ንስጋ ድንግል ማርያም ገኒዞም ኣብቲ ቅድም ዘዳለዉዎ ስፍራ፣ ኣብ ጌተ ሰማኒ ቀበርዎ።  ጐይታ ዉን ነፍሳ ምስ ስጋኣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣወሃሂዱ፣ ብክብሪ መላኣኽቲ ናብ ሰማያት ኣዕረጋ። እቲ ኣብ ኣብ ህንዲ ሃገር፣ ወንጌል ዝሰብኽ ዝነበረ ሓዋርያ ቶማስ ግና፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይተሳተፈን ነበረ። ናብዚ ሱባኤ ከርክብ፣ ብደመና ሰማይ ተጻዒኑ እንዳመጽአ እንከሎ፣ ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ዉን ምስ ነፍሲ ተወሃሂዱ፣ ድሕሪ ቀብሪ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፣ ተንሲኡ ናብ ሰማያት ክዓርግ፣ ኣብ ደበና ተራኸቡ። ሓውርያ ቶምስ ዉን፣ "ትንሳኤ ወድኺ፣ ድሕሪ ኹሉ ርእየ፤ ሕጂ ኸኣ ትንሳኤኺ ከይረኣኹ፧" ብምባል ጉህዩ ናብ መሬት ክጸድፍ በለ። ርህርህተ ሕሊና ድንግል ማርያም ግና፣ ነዚ ነገር ብዘይብኡ፣ ማን ከም ዘይረኣየ ኣበሰረቶ። ምልክት ምእንቲ ክኸዉን ዉን፣ ነቲ ተገኒዛትሉ ዝነበረት ጨርቂ ሃበቶ። በዚ ተጸናኒዑ ቶማስ ናብ ሓዋርያት ከደ።

ቅዱስ ቶማስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፣ ብዛዕባ ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ከመይ ኮነ፣ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ዉን ከም ዝቐበርዋ ነገርዎ። ንሱ ዉን፣ "ሞት ብጥሪ ቀብሪ ብነሓሰ ከመይ ኣቢሉ ይኸዉን፧" በሎም። ሓዋርያት ኸኣ ንምእማን ብምዱንጓዩ እንዳገንሑ፣ ስጋ ድንግል ማርያም ናብ ዝተቐብረሉ ቦታ ወሰድዎ። ነቲ እምኒ ናይቲ መቃብር ኣልዒሎም ኣርኣይዎ፤ እንተዀነ ግን እቲ ስጋ ኣብቲ ቦትኡ ኣይነበረን። ቅዱስ ቶምስ ዉን፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድሕሪ ቀብራ፣ ናብ ሰማያት ክትዓርግ እንከላ፣ ኣብ ደበና ከምዝተራኸቡ`ሞ፣ ንምልክት ዉን መግነዛ ከምዝሃበቶ ነገሮም፣ ነቲ ዓለባ ዉን ኣርኣዮም። ሓዋርያት ዉን ነቲ ዓለባ ንበረኸት ክኸዉን ተማቐልዎ።

ከምቲ ኣቐዲሞም፣ ዮሓንስ ዝረኣዩ ንክርእዩ፣ ሱባኤ ዝኣተዉዎ፣ ደጊሞም ዉን ቶማስ ንዝረኣዮ ዓቢ ጸጋ ክርእዩ፣ ኣብ ዓመቱ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ድሕሪ ክልተ ሱባኤ ዉን ጐይታ ምስ ቅዱሳን መላኣኽቲን፣ ነብያትን፣ ሰማእታትን ብሓባር ኮይኑ፣ ንድንግል ማርያም ሒዙ ኣብ ማእኸሎም ተረኽበ። ዘማራይ ንጉስ ዳዊት ዉን መዝሙር ምድያብ "ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።" እንዳበለ ኣብ ማእኸሎም ይዝምር ነበረ። በዚዉን ጐይታናን ኣምላኽና መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምስ ሓዋርያት ኮይኑ ቅዳሴ ቀዲሱ፣ ስግኡን ደሙን ኣቐቢሉ፣ ንዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣርኣዮም።

መልእኽቲ ቅዱሳን ኣቦታት

ንፍልሰት ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ጌሮም ብዙሓት ቅዱሳን ሊቃዉንታ ኣስተምህሮ ሂቦምን፣ ነዚ ታሪካዊ ፍጻመን፣ ተስፋ ድሕነትና ዝዀነ ዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣርጊጾም መስኪሮምልና ኣለዉ። ገለ ካብኦም ቅዱስ ቴዎድዮስ ዘእስክንድርያ እዩ። ንሱ ነዚ ዕረፍቲ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ንህዝቢ ምሂሩ ምስ ወድአ ከምዚ ብምባል ይምዕድ፣
"እምበኣር ታሪክ ናይዛ ምእንቲ ኹሉ ደቂቀ ኣዳም (ደቂ ኣዳም) ክትብል ናብ ክብሪ ዝዓረገት፣ ምልዕተ ጸጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ነጊርናኩም ኣለና። ስለዚ ኹልና በቲ ዘለና ዓቅሚ፣ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ከነፍሪን፣ ሽማ ክንጽዉዕን ይግባእ። ኣንጻር ፍትወት ስጋ ኣበርቲዕና ንቃለስ፤ ካብ ሸለልተኝነት ርሒቕና ብጸሎት ንትጋህ፤ ንቃል ኣምላኽ ዉን ኩሉ ግዜ ንዘኽሮን ሕጊ ኣምላኽ ዉን ንሓሉ፤ ንምድሪ ህያዋን ክንወርስ ለዋሃት ንኹን፤ ዉልድ ኣምላኽ ምእንቲ ክንስመ ገብርቲ ሰላም ንኹን፤ 'ንጹሓት ልቢ ንኣምላኽ ኪርእይዎእዮም እሞ ብጹዓን እዮም' ዝብል ጽሑፍ ኣሎ`ሞ ኣበር ዘይብልና ንጹሓት ልቢ ንኹን፣ ሽዑ ንእግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ክንርእዮ ኢና፤ ምእንቲ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ክምሕረና ንዝተጨነቑ ምሕረት ንግበር፤ ኩሉና ብዓቕምና ንድኻታት ንርዳእ፣ ሽዑ ኣብ ግዜ ፍርዲ ምሕረት ክንረኽብ ኢና። መዘክርታ ቅዱሳን ዉን ኩሉ ግዜ ኣብ ቤትና ንግበር፣ ምኽንያቱ ብእኦም ኣቢልና ጸጋ ካብ ክርስቶስ ክንቀብል ኢና፣ ነፍስና ስጋናን ዉን ድሕነት ክትወርስ እያ። ልዕሊ ኩሉ ግና ነዛ ድንግል ንዘኽራ! ንሳ ልዕሊ ኩሎም ቅዱሳን ናብ ኣምላኽ ዝቐረበት እያ። 
ሕጂ ዝብለኩም ስምዑ፣ ኣንቱም ተጠራተርቲ ዉን ኣስተብህሉ። ሓደ ምድራዊ ሰብ፣ ምስ ንጉስ ምሕዝነት ክህልዎ እንከሎ፣ ወይ ናይ ስጋ ዘመድ ምስ ዝኸዉን ኣዝዩ ሕቡንን ሕጉስን እዩ። ኣብ ግዳም ምስ ሰባት ክዛረብ እንከሎዉን፣ ምስ ንጉስ ቀረባ ዝምድና ከምዘለዎ እንዳጠቐሰ ይነግር። እቶም ህዝቢ ዉን ነዚ ሰሚዖም ንዕዑ ኣዝዮም የኽብርዎ፣ ምኽያቱ ናብ ንጉስ ኣዝዩ ቀረባ ስለዝዀነ። እዚ ምስ ምድራዊ ንጉስ ክንድዚ ዝኣኽል ዝምድና ዘለዎ ሰብ ክንድዚ ከሳልጥ ከምዝኽእል፣ ካብ ተኣምነሉ፤ እታ ምስቲ ሰማይን ምድሪን ዝፈጠረ፣ ንጉሰ ነገስት ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱ ክርስቶስ ብስጋ ኣዲኡ ምስ ዝዀነት ድንግል ማርያም፣ ዝምድና ዝመስረተ ግዳ ክንደየናይ ኣብዚሑ በረኸት ዘይረክብ። ንሳ ናብቲ ንጉስ ዝዀነ ወዳ ከይዳ፣ ስለ ትልምነሉ፣ እዚ ሰብ`ዚ ኩሉ ግዜ በረኸት ካብ ኣምላኽ ክቕበል እዩ። ናብ ንጉስ ቀሪባ ምሕጽንታን ልማኖን ካብ ምቕራብ ማንም ዝኽልክላ የልቦን። ናብቶም ብምልጅኣ ዝምሕጸኑ ዉን ከተድሕኖም ትኽእል። እስከ ከምዚ ዓይነት ክብሪ ዘለዎ መን እዩ፧ መኖም ካብ ቅዱሳን እዩ ከምዚ ክገብር ዝኽእል፧ እግዚአብሔር በቶም ዝቐርብዎ ኣዝዩ ሕጉስ እዩ። በቶም ምስኡ ዘለዉ፣ ዘመስግንዎ ቅዱሳን መላእኽቲን ሰባትን ይሕጎስ። ንሕና ዉን ምሕረት ኣምላኽ በዚሑልና ዘሎ፣ ሳልኦም እዩ። በዚ ዉን ንኹሎም ቅዱሳን ነመስግኖም። እምበኣር ኣምላኽ በቶም ምስኡ፣ ዝሕጎስ ካብ ኮነ፤ በቶም ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘፍቅሩ ሰባት ዉን ይሕጎስ እዩ። ብፍላይ ዕለት 16(ኪዳን ዝተቐበለቱን ዝፈለሰትሉን)ን 21(ዕለተ ዕረፍታ)ን፣ ከም መጠን ሃብቶም ዝኽራ ንዝዝኽሩ ሰባት፣ ብዙሕ ጸጋ ይህብ። ምክንያቱ ጽሑፍ እዩ፣ ጣሳ ዝሑል ማይ ብስም ካብዞም ነኣሽቱ ንጽሙእ ዘስተየ፣ ዓስቡ ክዉሃቦ እዩ። ኣምላኽ "ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፣ ጸሚአ ኣስቲኩምኒ" ብምባል ምሕተኡ ክብዝሓልና እዩ፣ ቃል ኪዳኑ ዉን ኣይርስዕን።

ስብሓት ለእግዚአብሔር!
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!

Thursday, August 8, 2013

ድንግል ማርያም ኣብ ድርሳን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ 2

ድንግል ማርያም ኣብ ድርሳን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ 2


መበል 26 ክፋል፥35

35. ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ብስራተ ገብርኤል ኣመልኪቱ ኣብ ዝደረሶ ድርሳን ከምዚ በለ። መልኣክ ንቅድስት ድንግል ማርያም ከምዚ ኢሉ ኣበሰራ፣ "ተፈሥሒ ኦ ማርያም እቲ ካባኺ ዝተሰገወ ናይ እግዚአብሔር ቃል ከምቲ መርዓዊ ካብ ዉሻጠ ገዝኡ ዝወጽእ፣ ከምኡ ዉን ንሱ ካባኺ ወጽአ።" መዝ 19፥5

36.   "ተፈሥሒ ኦ ማርያም፣ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ በጊዕ (ኣዳም) ክደሊ ዝመጽአ፣ ምስ ረኸቦ ዉን ኣብ መንኮቡ ዝተሰከሞ፣ ኣማናዊ ጓሳ ካባኺ ተወልደ። ተፈሥሒ ኦ ማርያም፣ ብኣኺ ምክንያት፣ እቲ ብሰንኪ ሔዋን ናብ ሲኦል ክንድርበ ዝተፈርደና ማእሰርቲ ተበቲኹ"  ማቴ 18፥12-14 ዮሓ 1፥11 ዘፍ 3፥16

37. "ተፈሥሒ ኦ ማርያም ንስኺ እግዚአብሔር፣ ኣብ ብሩህ ደበና ተጻዒኑ ናባኺ ዝኣተወላ ቅድስቲ ምድሪ ኢኪ። ተፈሥሒ ኦ ማርያም  ኣብ ቅዱሳን ሓዲሩ ዝነብር እግዚአብሔር ካባኺ ተወልደ። ተፈሥሒ ኦ ማርያም እቲ ቅድሚ ፍጥረት ዓለም ዝነበረ፣ ምስ ኣብን፡ መንፈስ ቅዱስን ሓቢርና ንሰግደሉ፣ እግዚአብሔር ወልድ ካባኺ ክዉለድ ፈተወ።" ዘጸ 3፥2-5 ኢሳ 19፥1 መዝ 118፥27  132፥13

 38. "ተፈሥሒ ኦ ማርያም፣ ነቲ ኣነ ሓዋሪኡ ዝዀንኩ ወላዲቱ ኢኺ። ተፈሥሒ ኦ ማርያም፣  ካባኺ ምስ ተወለደ ማሕተም ናይ ድንግልናኺ  ከምዘይቅየር ዝገበረ ንኣማኑኤል ወሊድኽልና። ሕዝ 44፥1-3

39. ናይ ማህጸንኪ መሰረት ከየተነቓነቐ፣ ንኣምላኽ ዝወልድኪ፣ ኦ ማርያም ሰላም ይብለኪ። ማሕተም ናይ ድንግልናኺ  ከየተወቅየረ ንንጉስ ክርስቶስ ዝወለድክልና፣ ኦ ማርያ ሰላም ይብለኪ፤ ንቅዱስ መድሓኒና ብምዉላድኪ ኣደን ኣገልጋሊትን ኮይንኪ ኢኺ። ሞገስ ናይ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፣ ኦ ማርያም ሰላም ይብለኪ። ሉቃ 1፥28-39

ድንግል ማርያም- ብቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ቅድስት ድንግል ማርያም- ብ ቃል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ


ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ናይ ቁስጥቲንያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ዮሃንስ፣ ብዙሕ ድርሳናት ዝደረሰ፣ ናይ ጥበብ ሰብ ነበረ። ቤተክርስቲያን ስለቲ ንሱ ዝገብሮ ወንጌል ናይ ምስባኽ ጻምኡን፣ ጥዑም ትምህርቱን "ኣፈ-ወርቅ" ማለት ወርቂ-ዝኣፉ፡ ጥዑማት ልሳኑ፡ ክቡር ዘረብኡ ብምባል ብናይ ክብሪ ሽም ጌራ ትጽዉዖ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዝደረሶ ጽሑፋት፣ ካብ ሃይማኖተ ኣበው ዝተወስደ ከምዚ ይመስል።

መበል 11 ክፋል-ገጽ 241፥3

3. ጐይታ ከመይ ጌር ካብ ድንግል ከም ዝተወልደ፣ ኣብ ዝነግር ድርሳኑ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል፣ ከምዚ በለ። ጐይታ ካብ ድንግል ክዉለድ እንከሎ፣ ድንግልናኣ ዓቂቡ፣ ብዘይ ሙስና ተወልደ። እታ ቀዳመይቲ ሔዋን ድንግል ነበረት፣ ዲያብሎስ ዉን ኣስሓታ፤ ንድንግል ማርያም ግና ገብርኤል ኣብሰራ። /ዘፍ 3፥1-7 ሉቃ 1፥26-38/

4. ንሔዋን ዲያብሎስ ኣስሓታ፣ ነቲ ምኽንያት ሞት ዝዀነ ንቃየል ዉን ወለደት። ማርያም ግና፣ መልኣኽ ምስ ኣበሰራ ንቃል ብሥጋ ወለደቶ፣ ንሱ ንኹልና ናብ ዘለዓለም ህይወት ዝመርሕ እዩ። ዮሃ 1፥1-14 1ይ ጢሞ2፥14

5. ናይ ሔዋን ቃል፣ ዕጸ-በለስ ኣምጽአት (ሔዋን ክትበልዕ ዝገበረቶ ድሌት ናብ ዕጸበለስ መሪሕዋ)፣ በዛ ፍረ ዕጸ-በለስ ዉን ኣዳም ካብታ ሓጎስ ዝመልኣ ገነት ተሶግገ። እቲ ካብ ድንግል ዝተወልደ ቃል (ጐይታ) ግና መስቀል መድሓኒ ምዃኑ ኣግሓደ፣ በዛ ዕንጨይቲ መስቀል ዉን ብየማን ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን) ምስ ኣቡኡ ኣዳምን ካልኦት ቀዳሞት ኣቦታትን ናብ ተድላ ገነት ኣተወ። ዘፍ 3፥24 ሉቃ 23፥41-44 1ይ ቆሮ  1፥18 

6. ጣኦት ዘምልኹን ዘይኣመንቲን፣ ኣይሁድ ምስ ካህናቶምን፣ ወልድ ብዘይ ኣደ ካብ ኣብ ከምዝተወልደ ኣይኣምኑን ነበሩ`ሞ፤ ነዚ ምእንቲ ከረጋግጸሎም ናይ እግዚአብሔር ቃል (ወልድ) ሕማም ብዝሰማምዖ ሥጋ ካብ ድንግል ተወልደ። ድንግልናኣ ከየተለወጠ፣ ንዝተወልዶ ልደቱ ምእንቲ ከግህድ ዉን፣ ሕማም ዝሰማምዖ ስጋ ብዘይ ምልዋጥ ከምዝጸንዕ ገበሮ።  ማቴ1፥18-25

7. ከምቲ ድንግልናኣ ከየተለወጠ ዝተወልደ፣ ከምኡ ዉን መለኮት ቅዱስ ካብ መለኮታዊነቱ ከየተለወጠ፣ ኣምላኽ ንሠለስትነቱ ብዝስማማዕ ኣገባብ ተወልደ። ሉቃ 1፥35-38

8. ደቂ ሰባት ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ሓዲጎም፣ ንመልክዕ ሰብ ጣዖት ሰሪሖም፣ ንጣኦት ብምስጋድ ንፈጣሪኦም ንእግዚአብሔር ኣቅንእዎ። ብሰንኪ እዚ ምክንያት ዉን ቃለ እግዚአብሔር (ወልድ)፣ ነዚ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ጣኦት ንኸጥፍእ፣ ብመልክዕ ሰብ ተገልጸ፣ ኣምልኮ ዉን ንዕዑ ጥራይ ከምዝግባእ ኣረድኣና። ክብሪን ምስጋናን፣ ስልጣንን ንዕዑ ንዘለዓለም ዓለም ይግባእ ኣሜን። ሮሜ 1፥20-25 ዘዳ 7፥4 32፥15-22 ማቴ 4፥10   

Saturday, August 3, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 15

ምዕራፍ 15. ጸሎት 1


ጸሎት፤ ቀዳማይን፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሒን እዩ። ኣብ ናይ መንፈሳዊ ገድሊ ወሳኒን ኣድላዪን ዉን እዩ። ከመይ ከም ዝጽለ ተማሃር፣ ጸሎት ኣዘዉትር፣ ሽዑ እቲ ዘሸግረኻ ጸላኢ ሰናያት ክትስዕሮ ትኽእል።

ጸሎትን እምነትን ከም መንገብገብ ኮይኖም ናብ ሰማያት ክብ ከብሉና ይኽእሉ። ከምቲ ብሓንቲ ክንፊ ክትነፍር ዘይከኣል፣ ጸሎት ብዘይ እምነት፣ ከምኡ ዉን፤ እምነት ብዘይ ጸሎት፣ ትርጉም ኣልቦ እዩ። እምነትኻ ድኹም እንድሕሪ ኰይኑ፣ ናብ ጐይታ ጸልይ፣ “ኦ ጐይታ እምነት ወስኸኒ” በሎ። ከምቲ ጐይታ ዝተናገሮ፣ ክንዲ ኣድሪ ትኣኽል እምነት ናብ ዓባይ ገረብ ክትዓቢ ትኽእል እያ`ሞ፣ እምነት ይሃልዉኻ።

ንፋስን ጸሓይን ዝደለየ ሰብ መስኮቱ ይኸፍት። ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ኮፍ ኢሉ፣ ጸሓይ የላን፣ ንፋስ የለን እንተበለ ግና፣ እዚ ዕሽነት ጥራይ`ዩ ዝቑጸር። ከብዚ ኣብነት ንሕና ዉን ትምህርቲ ንዉሰድ። ናይ እግዚአብሔር ሓይሊን ጸጋን፤ ኣብ ኲሉ ቦታን፣ ኲሉ ግዜን ክረከብ ይኽኣል፤ ኮይኑ ግና ብዘይ ድሌትን፣ ከምቲ ዝግብኣና ጌርና ከይጸለናን፣ ክንረኽቦ ኣይከኣልን።

ጸሎት ግብራዊ`ዩ፣ ኣዝዩ ዉጽኢታዊን ዉን። ዉጽኢት ብልምምድ ይመጽእ። ከምቲ ንሓደ ቋንቋ ብዝርርብ ትለምዶ፣ ብጸሎትዉን ንጸሎት ክንላመዶ ንኽእል።

ብዘይ ጸሎት ነቲ ንደልዮ ክንረኽብ ኣይንኽእልን። ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንምቕራብን፣ ምስኡ ሕብረትን፡ ሓድነትን ንምፍጣር ኣብ ንገብሮ ጉዕዞ፣ `ቲ ፈላሚን፣ ቀንዲን፤ ጸሎት እዩ። ብልጭታ ብርሃን ጐይታ እንስተማቕረሉ መንገዲ፣ እንታይ ከም ንደሊ ንነግረሉ ቋንቋ፣ መንፈሳዊ ድሌት ኣልዓዒሉ ድርኺት ዝዀነና ሓይሊ፣ ጸሎት እዩ።

“መሰረት ዓለምና (ህይወትና) ጸሎት እዩ” ቅዱስ ዮሃንስ ክሊማኮስ። “ኣድማስ፣ ቤተክርስቲያን ክርስቶስ ዝዓረፈትሉ ሸሓኒ`ዩ፤ እዛ ቤተክርስቲያን ኸኣ ነንሕድሕዳ ብጸሎት ሓቢራ ኣላ” ሓደ ቅዱስ ኣቦ ዝተዛረብዎ። ጸሎት፤ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዝራኸበሉን ዝወሃሃደሉን መንገዲ እዩ። ጸሎት ካብቲ ፈተና ዝበዝሖ ስጋዊ ህይወት፣ ናብቲ ሓርነት ዘለዎ መንፈሳዊ ህይወት ንሰጋገረሉ፣ ድልድል እዩ። ካብ ፍላጻታት ንድሕነሉ ዕርዲ፣ ንጥርጥር ነዳኽመሉ መሳርሒ፣ መኸራ ዘርሕቅ፣ ቁጥዐ ዘዝሕል፤ ጸሎት እዩ። ጸሎት፣ ንነፍሲ መግቢ፡ ንኣእምሮ ብርሃን፡ ነቲ ዝመጽእ ሰማያዊ ሓጎስ ኣብዚ ሕጂ ህልው ኹነት እነስተማቕረሉ እዩ። ነቲ ብሓቂ ዝጽልይ ሰብ፣ ጸሎት ዂሉ`ዩ፤ ጉዳዩ ዘቕርበሉ መጋብኣያ፣ ዳኛ፣ ፍርዲ፤ ኲሉ ካብ ጸሎቱ ክረኽቦ እዩ። መልሱ ንኽረክብ ግድን ክጽበ የብሉን። ሽዑ ሽዑ መልሱ ክረኽብ እዩ።

ጸሎትን ንቕሓትን ሓደ እየን። ምኽንያቱ ብጸሎት ኣቢልካ፣ ናብ ልብኻ ክፋእ ከይቐርብ ትሕልዋ። ነቒሓ እትሕሉ ዓይኒ፣ ገለ ነገር ክንቀሳቐስ እንከሎ ቅልጡፍ ስጉምቲ ከም ትወስድ፣ `ታ ብጸሎት ዝነቕሐት ልቢ ዉን ከምኡ እያ።

ሳሬት ዉን ተመሳሳሊ ህይወት ኣለዋ። ኣብ ማእኸል `ቲ ዝኣለመቶ ዓለባ ኮፍ ኢላ፣ ብጥቓኣ ንዝመላለሱ ሓሳኹ ትጸናጸን`ሞ ቐቲላ ትምገቦም። ጸሎትዉን ኣብ ማእኸል ልብና ኰይኑ ይጸናጸን፤ ገለ ጎዳእቲ ነገራት ናብ ልብና ክሶልኩ ምስ ዝፍትኑ፣ ይቐትሎም።

ጸሎት ምቁራጽ ማለት ቦታኻ ምግዳፍ ማለት እዩ። ክትሕልዉ ጸኒሕካ፣ መሊስካ ድሌቶም ንኽገብሩ ሱቕ ምባል እዩ። ኣፍደገ ክፉት እንድሕሪ ኮይኑ፣ ሰረቕቲ ይኣትዉ`ሞ፣ ነቲ ንዘመናት ዝረሃጽካሉ ሃብቲኻ ይሰርቑኻ። ሰራቒ ንኽሰርቐኻ፣ ነዊሕ ግዜ ኣየድልዮን፣ ብዉሕድ ካልኢት ንዂሉ ንብረትኻ ይሰርቆ። ንኣብነት ሕርቃን፣ ኣብ ዉሽጢ ሒደት ካልኢት ከጥቅዓና ይኽእል።

Friday, August 2, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 14

ምዕራፍ 14. ትሕትናን ንቕሓትን


ኣብ መንፈሳዊ ገድሊ ዘሎ ሰብ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ነገራት የድልዮ፣ ትሕትና፡ ንቅሓት፡ ፍቃደኝነትን (ክፋእ ንምቅዋም ድሉው ምዃን)፡ ጸሎትን። መንፈሳዊ ገድሊ ማለት ብረድኤት እግዚአብሔር ኲሉ ተጻብኦ ዲያብሎስ ምቅዋም እዩ። ናይ ክፋእ ሓሳባት ካብ ልቢ ክምንጭዋ እንከለዋ፣ ገና ኣብ ንኡስ ሓይሊ (እቲ ሓሳብ ከይሓየለ) እንከሎ፣ ኣብ ከዊሒ ከነራጽመን ይግባእ /መዝ 137፥9/።

ትሕትና`ቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ትዕቢት ሓንሳብን ንሓዋሩን ብትሕትና ጥራይ`ዩ ክሰዓር ዝኽእል። ንጸላኢ ሰናያትን መንገዶምን ንምልላይ፣ ንቅሓት የድልየና። ንቁሕን ጥንቅቑን ምዃን፣ ዉዲት ዲያብሎስ ገና ክብገስ እንከሎ ከነለልዮ የኽእለና፣ በዚ ዉን ንልብና ብንጽህና ክንዕቅባ ንኽእል፣ ክፋእ ሓሳባት ዉን ናብ ልብና ኣይኣቱን።  ዉዲት ዲያብሎስ ምስ ኣለለካዮ፣ ሽዑ ነዚ ክፋእ ንምቅዋም ድሉውነት የድሊ፣ ስለዚ ንክፋእ ናይ ምጽራር ፍቓደኝነት የድልይ። እዚ ኲሉ ሃልዩና ዉን፣ «ብዘይ ብኣይ ዋላ ሓንቲ ነገር ክትገብሩ ኣይትኽእሉን» ስለዝበለ /ዮሃ 15፥5/፣ ናይዚ ኲሉ ገድሊ ኣብ ጸሎት`ዩ ዝዉሰን፣ ስለዚ ጸሎት ዉን የድሊ።

ብኣብነት ጌርና ክንርድኦ፣ ንቁሕ (ትኩር) እንድሕሪ ኰይንና፣ መጻርርትና ዲያብሎስ ገና ክቐርበና እንከሎ፣ ከነለልዮ ንኽእል። ነስተዉዕል ስለዘለና፣ ዉዲት ጸላኢ ናብ ልብና ከይቀረብ እንከሎ፣ ክንፈልጦ ኢና። እዚ ዉዲት ተባሂሉ ዘሎ ንኣብነት ብዛዕባ ሰባት ክፋእ ነገር ምሕሳብ፣ ክኽዉን ይኽእል። ስለዚ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ዉዲት ኣለሊናዮ፣ እቲ ክፋእ ናይ ምቅዋም ድልዉነት (ክፋእ ናይ ምጽራር ፍቃደኝነት) ኣብ ዉሽጥና ይለዓዓል`ሞ በዚ ኣቢልና ዉን ነቲ ክፋእ ክንጻረሮ ንኽእል። እቲ ክፋእ ዉን ካባና ይርሕቅ። ኮይኑ ግና እዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ዕግበት ይፈጥረልና`ሞ፣ ኣነነትን ትቢትን ከጥቅዓና ይጅምር፣ እቲ ዝረኸበካዮ ዓወት ዉን መሊሱ ዉድቀት (መንፈሳዊ ስዕረት) ይቕየር። እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ዉን ትሕትና ኣብ ህይወትና ስለዘየለ እዩ።

በንጻሩ ነዚ ቃልሲ፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ክቃለሰልና እንድሕሪ ሂብናዮ፣ ዕግበት ዝበሃል ስለዘይስምዓና፣ ልብና ኲሉ ግዜ ናጻ ትኸዉን። ስም እግዚአብሔር ሓያል እዩ፣ በግባቡ እንድሕሪ ተጠቂምናሉ ዉን ንስም እግዚአብሔር ዝመዓራረ ሓይሊ ከምዘየለ ክንፈልጥ ኢና። እዚ ኲናት ዕረፍቲ ዘይህብ ምሒር ጥንቃቀ ዘድልዮ እዩ። ክፋእ ሓሳባት ገና ክብገስ እንከሎ፣ ተኸታቲልና ክንምርምሮ ኣለና። እቲ ቅዱስ ሓዋርያ ናይ ክፋእ ርሱን መንትግ ዝበሎ ነዚ` (ኤፈ 615) እዘን መንትግ እንዳነፈራ ዝመጽኣ ርሱን ሓይሊ ዘለወን ፈተናታት እየን። ዕረፍቲ ዉን ኣይህባን። ስለዚ ንሕና ዉን ብዘይ ዕረፍቲ ናብ እግዚአብሔር ከነእዉይን ክንሓትትን ይግባእ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን /ኤፈ 612/

ቅዱሳን ኣቦታት ንመስርሕ ግብሪ ሓጢያት ኣብ ኣርባዕተ ደረጃታት ይኸፍልዎ። ድርኺት ` ቐዳማይ ደረጃ ኮይኑ፣ መበጋገሲ እዩ። እዚ ናይ ሓጢኣት ድርኺት ሒዝዎ ዝመጽአ ምብግጋስ እንድሕሪ ስዒብናዮ፣ ናብ ጥምጥም (ቃልሲ) ንኣቱ። ሳልሳይ ደረጃ ፍትወት ይለዓዓል፣ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ሓጢኣት ብግብሪ ይፍጸም። እዘን ደረጃታት ኣዝየን ዝቐራረባን፣ ክትፈላልየን ዉን ኣዝየን ዘጸግማ ስለዝዀና፣ ነንሕድሕደን ዝተካኽኣ ክኾና ይኽእላ። ኮይኑ ግና በብደረጅአን ክንፈልየን ንኽእል ኢና፣ ኣብ መንጎ`ዘን ደረጃታት ዘሎ ጸቢብ ፍልልይ ዉን ክንሞልቀሉ ዘኽእል ዕድል ይህበና። ሓጢኣት ክንፍጽም ዘበጋግስ ድርኺት፣ ልክዕ ከም ሓደ ሸቃጢ (ሽያጢ) ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። ሓደ ሽያጢ ንብረቱ ምእንቲ ክሸይጥ ገዛ ገዛ እንዳኸደ፣ ይኩሕኩሕ። ኣፍደገ እንድሕሪ ከፊትናሉ፣ ብዛዕባ ሒዝዎ ዘሎ ንብረት ምእንቲ ክንዕድግ ጎስጓሱ ይጅምር፣ ከነቋርጾ ዉን ይኸብድ። ሓንሳብ ጎስጓሱ ምስ ፈለመ ኣየቋርጽን፣ እቲ ንብረት ዋጋ ዘይብሉ ከምዚ ዀነ እንዳረኣናዮ ክነሱ፣ ዋጋ ከም ዘለዎ ክቡር ነገር ጌሩ ይጉስጉስን፣ ይዛረብን። ብድሕሪዚ ጥምጥም ወይ ዋጋ ዕዳጋ ይስዕብ። ቀጺሉ ምግዛእ ይኸዉን፣ እቲ ዝበዝሐ ግዜ ብዘይ ድሌትና ኢና ንዕድግ። እምበኣር መስርሕ ሓጢኣትን፣ ሸቐጥን ሓደ እዩ። እቲ መጻርርትና ዲያብሎስ ብዝኣልሞ ዉዲት ተታሊልና፣ ኣብ መንገዲ ሓጢኣት ንወድቕ።

ብዛዕባ ናይ ሓጢኣት ድርኺት ነቢይ ዳዊት ከምዚ ይብል፣ ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ /መዝ 11/ ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፣ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ። /መዝ 10110-11/ ብዛዕባ ናይ ሓጢኣት ጥምጥም (ዋጋ ዕዳጋ) ሊቀ ነቢያት ሙሴ ከምዚ በለ ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ /ዘጸ 2332/ ነዚ ዂሉ ዝገብር ሰብ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍርን እዩ። /መዝ 1275/

መጽሓፍ ከም ዝምህረና ሰይጣን ናብ ብርሃን መልኣኽ ናይ ምልዋጥ ልምዲ ኣለዎ /2 ቆሮ 1114/ ስለዚ ኩሉ ግዜ ጥንቃቐን ዕቱብነትን የድሊ። ንልቢ ካብ ናይ ሓጢኣት ድፍኢት፣ ስምዒት፣ ፍትወት፣ ከነንጽሃ ይግባእ። እዚ ማለት፣ ነቲ ናይ ሓጢኣት ድፍኢት ወይ ድርኺት ኣለሊና ክንፈልዮን ከነልግሶን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ብናትና ሓይሊ ዉን ኣይኸኣልን፣ ብሓይሊ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ዝኸኣል። ስለዚ ንሱ ኲሉ ከምዘሳልጦ ኣሚንና፣ ገዛእ ርእስና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፍና ንሃቦ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንከተማ እንተዘይሓለወ፣ ሓለዉቲ ንከንቱ ይተግሁ /መዝ 1272/

እዚ ቃልሲ ብመስረቱ ኣብኻ ከም ዝዉሰን ኣይትዘንግዕ። ከምቲ መጽሓር ኦሪት ዘዳግም ዝብሎ፣ ልብኻ ናይ በሊያል ሓሳብ መአኸቢ ከይከዉን ተጠንቀቕ /15፥9/። ልብኻ ማንም ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክፋእ ሓሳባት ዝመላለሰሉ ዕዳጋ ኸይከዉን ሓልዎ። ልብኻ በዓቲ ጎሓሉት እንድሕሪ ኮይኑ፣ ንሰረቕቲን ከተርቲን ዝመችአ ይኸዉን። ቅዱሳን መላኣኽቲ ዉን ካባኻ ይርሕቁ።  ሰላምን ጐይታ ሰላም ክርስቶስን ኣብ ከምዚ ቦታ ኣይርኸቡን። ስለዚዉን እዩ ብቃሉ ወደ መዝሙሩ ቅዱስ ያዕቆብ ኣቢሉ “ልብኹም ኣንጽሁ” ዝበለና /ያዕ 4፥8/። ንሱ ዉን ባዕሉ ብቓሉ ከምዚ በለ “ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን።” /ማር 13፥33/። ምክንያቱ ንሱ ኣብ ዘይተጸበናዮ ግዜ ምስ መጽአ፣ ደቂስና እንድሕሪ ጸኒሕናዮ “ኣይፈልጠኩምን” ክብለና እዩ /ማቴ 25፥12/። እታ ሰዓት ሕጂ እያ፣ እንተዘይኮነ ኣብታ ትቕጽል ክትመጽእ እያ። መንግስቲ ኣምላኽ ግና ብምጽብባይ ኣይትመጽእን። ኲሉ ግዜ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ልብና ኣለዋ።

ሓላዊ እንድሕሪ ዘይሓለወ፣ እግዚአብሔር ዉን ኣይሕልዉን፣ ግን እግዚአብሔር እንድሕሪ ዘይሓለወ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይተግህ። ስለዚ ኣፍደገ ልብኻ ማንም ከይኣትዋ፣ ተጊህካ ሓልዋ፤ ነዚ እንዳገበርካ ዉን ከየዕረፍካ ረድኤት እግዚአብሔር ሕተት።

ንጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስ፣ በይንኻ ክትቃለሶ ኣይትፈትን። ንኣሽሓት ዘመናት ዝኣኽል ተሞክሮ ስለዘልዎ፣ ከመይ ጌሩ ብዉዲት ከዉድቐካ፣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ከጥቅዓካ እንከሎ ዉን ገዛእ ርእስኻ ክትከላኸል ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነት እዩ። ስለዚ በይንኻ ክትቃለስ ፈጺምኻ ኣይትሕሰቦ። ኩሉ ግዜ ናብ ላዕሊ ጠምት፣ ንሱ ጐይታ ባዕሉ ምእንታኻ ክዋግኣልካ፣ ለምኖ። ንሱ ዉን መልኣኹ ሰዲዱ ከድሕነኻ እዩ። ብቅድሜኻን ድሕሬኻን ብጎንኻን ክሕልወካ እዩ።

ፈተናታት እንድሕሪ በዚሑካ፣ ብሸለልተኝነት ኣይትሕለፎ፤ ፈተነ፡ መርመራ፡ እንዳበልካ ገዛእ ርእስካ ኣይተሳንፍ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ግዜኻ ብከንቱ ተሕልፍ ኣለኻ፤ እዚ ዉን ንሰይጣን ዓወት እዩ። ስለዚ ማዕበላት ዉዲት ዲያብሎስ ክመጽኣኻ እንከሎ፣ ብኣግኡ ናብ እግዚአብሔር ኣመልክት። ኦ ጐይታ ንዓይ ንሓጥእ መሓረኒ! ኢልካ ጸልይ። ብኣግኡ እንድሕሪ ተቃሊስካዮ፣ እቲ ፈተና ቀልጢፍካ ክትስዕሮ ትኽእል።

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣይትመካሕ። ይኽእል`የ፣ ክገብር`የ ኣንዳበልካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ኣይትወከል። ብሓይልኻን ብክእለትኻን ኣይትወከል። ዓቢ ይኹን ንኡስ ፈተና፣ ብዉልቃዊ ሓይልኻ ክትቃለሶ ኣይትድለ። በንጻሩ፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይልኻ ጥራይ እንድሕሪ ተወኪልካ፣ ከም ትወድቕ ዘኽር። ‘ክወድቕ እየ’ ኢልካ ገዛእ ርእስካ ኣዘኻኽራ። ባዕላዊ ተኣማንነት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ እንድሕሪ ዘይተወኪልካ፣ ካብ ዉድቀት ክትድሕን ትኽእል። ስለዚ ወርትግ ሓደ ሓሳብ ኣብ ልብኻ ይሃሉ፣ ኣዚኻ ድኹምን ዓቕሚ ከምዘይብልካን ተረዳእ። ነታ ንኢሽቶይ ዉዲት ዲያብሎስ ክትቃወም ክእለት ከምዘይብልካ ተረዳእ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ዲያብሎስ ፈጺሙ ኣይክቃለሰካን። እግዚአብሔር ጸግዕኻን ትዉከሎ ዕርድኻን እንድሕሪ ኰይኑ፣ ክፋእ ዘበለ ኣይክቐርበካን እዩ /መዝ 91/። ንስኻ ግና ክርስቲያን ከም ምዃንካ፣ ካብ ሓጢኣት ተዓቀብ።

ሕጂ ዉን ሓደ ነገር ኣስተዉዕል፣ ኣብቲ ዝቕጽል ጉዕዞኻ ዉድቀት ከጋጥመካ ይኽእል፤ ብሰንኪ `ዚ ዉድቐት ዉን ክትጣዓስ ንቡር እዩ። ኮይኑ ግና “ኣነ ከምዚ ክገብር ኣይግብኣንን፣ ኣነ ከምዚ ክፍጽም ኣይነበረንን” ብዝዓይነቱ፣ መንፈስ ትጠዓስ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣዚ ምልክታት፣ ባዕላዊ ተኣማንነት እዩ። ከምዚ ኢልካ ትጠዓስ ዘለኻ ዉን፣ እዚ ባዕላዊ ተኣማንነትካ ስለዝተተንከፈ እዩ።

እቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይዉከል ሰብ፣ ብጹእ እዩ። `ቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይተኣማመን ሰብ፣ እግዚአብሔር ብዝሰደሉ ረድኢት ሕጉስን ኣመስጋኒን እዩ፣ በዚ ዉን ዉድቐት ኣይቀርቦን፣ ንፈተና ዉን ይሰግሮ። ዋላ ዉን እንተቀደቐ፣ ብቕጽበት ተሲኡ ናብ ኣምላኽ ይምህለል። ብምስጋና ዉን ናብ እግዚአብሔር ይምዕቆብ።

ከም ሓደ፣ ሰብ ኲሉ ከቀባጥረሉ ኣብ ባይታ ደቂሱ ዝበኪ ሕንቑቅ ቆልዓ፣ ኣይትኹን። ዋላ ብዙሕ መህሰይቲ ይዉረድካ፣ ኣብ ዉድቐትካ ደቂስካ ኣይትፋሓስ። ተንስእ፣ ነቲ ኲናት ዉን ቀጽሎ። እቲ ዝዋጋእ`ዩ ይቆስል እዩ፣ እዚ ዉን ንቡር እዩ። መላኣኽቲ ጥራይ እዮም ዘይወድቑ። እግዚአብሔር ክምሕረኻ፣ ብሸለልተኝነትኻ ዉን ናብ ዉድቐት ኣሕሊፉ ከይህበካ፣ ኣዚኻ ለምኖ።

ምክንያት ዉድቀትካ፣ ከም ኣዳም ኣብ ሰበይቲ ወይ ኣብ ተመን ወይ ኣብ ካልእ ግዳማዊ ኩነት ኣይትግበሮ። ምክንያት ዉድቀትካ ባዕልካ ጥራይ ምዃንካ ዘክር። ጐይታ ኣብ ልብኻ ክኸብር ስለዘይገብርካን፣ ሰረቕትን ከተርትን ኣትዮም ክሰርቑኻ ስለዝፈቀድኻ ኢኻ፣ ዝወደቕካ። ስለዚ ናብ ኣምላኽ ጸልይ። እዚ ነገር ዳግማይ ከየጋጥም ኣዚኻ ለምኖ።

ሓደ መነኮስ ሓደ ግዜ “ኣብ ገዳም እንታይ ኢኹም ትገብሩ?” ኢሎም ሓተትዎ፣ ንሱ ዉን “ንሕና ንወድቕ ንትንስእ፣ ንወድቕ ንትንስእ፣ ንወድቕ ንትንስእ” ብምባል መለሰ። ኣስተዉዕል ኣብ ዉሕዳት ደቓይቅ ዉን ትኹን፣ ብዘይ ዉድቐት ኣይትሓልፍን፣ ብዉሕዱ ሓንሳብ ትወድቕ ኢኻ። ስለዚ ኣምላኽ ምሕረቱ ከብዝሓልኻ ጸልይ።

ድሕነት ብጸጋ ጥራይ ምዃኑ ዘኽር /ኤፈ 2፥5/፣ ስለዚ ንምሕረት፣ ንጸጋ፣ ንይቕሬታ ጸልይ። ከምቲ ሓደ ንሞት ዝተፈርደ ገበነኛ፣ ምሕረት ምእንቲ ክረኽብ፣ ኣበርቲዑ ዝልምን፣ ንስኻ ዉን ከምኡ ናብ እግዚአብሔር ለምን። ንገዛእ ርእስኻ ከም ሓደ ኣብ ቅድሚ ጐይትኡ ምሕረት ዝልምን ባርያ ጌርካ ዉሰዳ። ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኸምዚ ህሞት የእቲኻ፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተማህለል፣ ምሕረት ዉን ለምን። ብድሕሪዚ ምዕዶ ቅዱስ ይስሓቅ ሶሪያዊ ሰዓብ፤  “ምእንቲ ነቲ ናብ ላዕሊ ዝወስድ መንገዲ ክትረኽብ፣ ነቲ ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ ጾር ሓጢኣት ደርብዮ”።