Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Sunday, June 2, 2013

ኣሰር ቅዱሳን ምስዓብ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፣ ርእሰ መኣዝና ክርስቶስ፣ ኣብ መሰረተ ነቢያትን ሓዋርያትን፣ ዝተመስረተት ሓቀኛን፣ እንኮን እምነት ኮይና፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ብምትክኻእ ሓዋርያዊ ስልጣን ተታሓሒዛ፣ ዝበጽሐት እያ። ኦርቶዶክሳዊ ምኳነይ ካብ ኲሉ ዘሐብነኒ ነገር እንተሃለወ፣ መንፈሳዊ ሃብታ እዩ። ንጹር ርድኢት እምነትና፣ ፍሉይ ሰማያዊ ስርዓት ኣምልኰ፣ ትሩጓሜ መጽሓፍ ቅዱስን፣ ጉዕዞ መንፈሳዊ ህይወትን ኰታስ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ክንወርስ ዘድልየና ዘበለ፣ ኲሉ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣሎ። ካባና ዝድለ ንትምህርቲ ኣቦታት ምፍታሽ እዩ። 

"ኣቦታትና ንሓዋርያዊ እምነት ብትዉፊት ኣረኺቦምና፣ ኣነ ዉን ነቲ ዝተቀበልክዎ፣ ዋላ ሓደ ነገር ከይመላእኹ፣ ከየጉደልኩ፣ ንዓኹም ወፍየዮ ኣሎኹ። ነቲ ዝተማሃርክዎ፣ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰማሚዐ ኣስፊረዮ ኣሎኹ።" ቅ. ኣትናቴዎስ ሃዋርያዊ

ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጽሑፋት ምንባብ ማለት፣ ኣዝዩ ዓቢ ጸጋ ምቕባል እዩ። ኣብ ዘመና ብዙሕ ጽሑፋትን መጽሓፍቲን ይጸሓፉ ኣለዉ። ግን ኣይ ከም ቅዱሳን ኣቦታት። ናታቶም ጽሑፍ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቓነየ፣ ኣብ ህይወት ከተተግብሮ ቀሊልን፡ ርዱእን፣ ትሩጓሜ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርደኣና ኣገባብ ዝተዳለወ፣ ዝያዳ ምስ መዓልታዊ ህይወትናን ተሞክሮናን ኣዛሚዶም ዘረድእ እዩ። ጽሑፋቶም ምስ ኣንበብኩ ዝስመዓኒ ስምዒት፣ ኣብ ክንዲ ንካልኦት ሰባት ምፍራድ፣ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሓጢኣት ክዝክር ይድርከኒ፣ ኣብ ክንዲ ብድርቅና ምክታዕን ጽልኢ ምሕዳርን፣ ብትሕትና ምርድዳእን፣ ምጽላይን፣ ኣብ ክንዲ ትርጉም ዘይብሉ ዕላል ምስታፍ፣ መጽሓፍቲ ምንባብ፣ ኣብ ክንዲ ተባህለ ኢልካ ብሃሰሰ ለባም ምስጓም፣ ነቲ ሓቂ ፈሊጥካ ኣብ ርድኢትካ ጸኒዕካ ደዉ ምባል ይምህረኒ። 

ስለዚዉን እየ ከም ሰብ መጠን፣ ነቲ ዘንበብክዎ ምስ ሰብ ከካፍሎ ሓሲበ፣ ነዛ ብሎግ ዝጀምርክዎ። ንኡስ፣ ድኹም፣ መዓልታዊ ሓጥኣት ዝገዝኣኒ፣ ስንፍና ዘለኒ እየ። ፈላጥ ስለዝዀንኩ ኣይኮነን፣ ነዚ ብሎግ ዝጀምርክዎ፣ ንሰብ ከካፍል ስለዝደለኹ ጥራይ እዩ። "ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ" ከም ዝበለ ጐይታ፣ ዝያዳ በረኸት ንምቕባል ዉን እዩ/ግብ 20፥35/። ኮይኑ ግና ነቲ ዝካፍለኩም ነገር ሙሉእ ኦርቶዶክሳዊ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለኒ። እቲ እንኮ መረጋገጺ መንገዲ ከኣ፣ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጽሑፋት ምቅራብ እዩ።

ኣብተን ናይ ምብራቅ ቤተክርስቲያን ዝበሃላ (ክልቲኤን ኦርቶዶክስ)፣ ካብ ግሪክ፣ ቅብጢን ዓረብን ናብ ኢንግሊሽ ዝተቶርገማ፣ ብጹሓት መጽሓፍቲ ብቀሊሉ ክንረክበን ክኢልና ኣለና። http://www.ccel.org/ ሓደ ካብተን ብናጻ ጽሑፋት ቅዱሳን ኣቦታት ክንረኽበለን ዝክእላ ናይ ኢንተርነት ገጻት እየን። ኣብዚአን ጽሑፋት ዝረኽብክዎ፣ መንፈሳዊ ፍልጠት ዉን መዳርግቲ የብሉን። 

የግዳስ ካብ ኢንግሊሽ ዘንበብክዎ ምስ ሰባት ከማክሮም፣ ከለዂ፣ ካብ ግእዝ እንተዘይኰይኑ ብጥርጥር ይቅበልዎ፣ ወይ ዉን ይነጽግዎ። ልዕሊ ኲሉ ዉን ከምዚ ዓይነት ንቕጽ ዝበለ መርገጺ (naivety) ብጣዕሚ የሕዝነኒ። ዝዀነ ጽሑፍ በቲ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ዘይኰነ ዝግመት፣ እቲ ጽሑፍ ምስ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ዝኸይድ ድዩ ኣይኰነን ኢልካ ብምምርማር'ዩ፣ ኣማናዊነቱ ዝረጋገጽ። እቲ ካልኣይ ዉን ኲሉ ጽሑፋት ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ሃገርና ጥራይ እዩ ዝርኸብ ኢልካ ምእማን ዉን፣ ብናተይ ርድኢት ርእስኻ ሓፍ ምባል ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ምናልባት ፍርሒ ዘንቀሎ ስክፍታ ክኸዉን ይኽእል ዝብል ዉን ግምት ኣለኒ። ግን ንፍርሒ፣ ብድርቅና ዘይኰነስ፣ ነቲ ሓቂ ክትፈልጥ ብምጽዓር እዩ፣ ክረጋገጽ ዘለዎ።

ከም ዉልቀ ሰባ ንዓይ መምርሒ ኰይነን ዘገልግላኒ፣ መወከሲታት እዚኣተን እየን። ካብ መጽሓፍቲ ትምህርተ ሃይማኖት፣ ሃይማኖተ ኣበዉ። ኃይማኖተ ኣበዉ፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦታት ዝመሃርዎ ትምርህቲ ዝሓዘለ እዩ። ኣብዚ መጽሓፍ ብዛዕባ ሚስጢረ ሥላሴን፣ ሥጋዌን፣ ብዙሕ መግለጺታት ኣሎ። ብተወሳኺ፣ ትሩጓሜ መጽሓፍቲ ዉን ንረኽብ። ብፍላይ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን፣ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮትን ካልኦትን። እዛ ብትግሪኛ ጀሚረያ ዘለዂ ናይ ቅ. ኣትናቴዎስ መጽሓፍ "ሥጉው ቃል"ዉን፣ ኣብዚ መጽሓፍ ኃይማኖተ ኣበው፣ ብግእዝ "ትሥጉተ ዘእግዚአብሔር ቃል" ብዝብል ኣርእስቲ ንረኽባ ኢና (ኃይማኖተ ኣበው ምዕራፍ 23 ገጽ 68 ዘቅዱስ ኣትናቴዎስ)።

ኣብ መንፈሳዊ ህይወት፣ መምርሒን፣ ትምህርቲን ዝህባኒ ካልአይቲ መጽሓፍ፣ መጽሓፈ መነኮሳት እዩ። እዚ መጽሓፍ ሰለስተ ክፋላት ዘለዎ ኮይኑ፣ ማር ይስሓቅ፣ ፍሊጵስዩስን፣ ኣረጋዊ መንፈሳዊን ዝበሃሉ ቅዱሳን ኣቦታት ዝደረስዎ ኣዩ። ካብ ቀዳሞት መናንያን ዝተወርሰ፣ ትምህርቲ፣ ኣብነታዊ ታሪክን፣ መምርሒን እዩ። ዳርጋ ንኲሉ ኣርእስቲታት መንፈሳዊ ገድሊ፣ ዝምልስ ትሕዝቶዉን ኣለዎ። እታ 8 ክፋል በጺሓ ዘላ  መንገዲ ባሕታዉያን ዉን ምስ ማር ይስሓቅ ሙሉእ ብሙሉእ ተመሳሳሊ እያ። ቅሩብ ዝፈልዮ፣ ማር ይስሓቅ ን መነኮሳት ዝተዋህበ መምርሒ ክኸዉን እንከሎ፣ መንገዲ ባሕታዉያን ግና፣ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለና መምርሒ ንክትኸዉን እዩ፣ ኩሉ መምርሒ ሕጊታት ካብ መጽሓፍ መነኮሳት ኮይኑ፣ ኣብ ትግባረ ክዉዕል እንከሎ ግና፣ ንዓና ብዝጥዕም መንገዲ እዩ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ንዝነበሩ ህዝበ ኢስራኤል፣ መምርሒ ሕጊ መጽሓፍ ኔርዎም፣ ብሙሉኡ 5 መጽሓፍቲ ሙሴ ነዚ ሕጊ ይነግሮም።። ንዓና ነቶም ክርስቲያናት ግና፣ ኲሉ ሕጊታት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣይንረኽቦን ኢና። ስለዚዉን እዩ ኣቦታትና ነዚ ክፈትሑ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ጉባኤ እንዳ ሰርዑ፣ እንዳ ተመያየጡን፣ ንሕና ክርስቲያናት ብከመይ ዝበለ ሕጊ ክንምራሕ ከምዝግብኣና፣ ሕጊ ሰሪዖምልና ኣለዉ። ምክንያቱ ኲሉ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ሕጊ፣ ንዓና ንክርስቲያናት ስለዝይጠቕመና። ኣብ ብሉይ ካብ ዝነበሩ ሕጊታት፣ ገሊኡ ተሳዒሩ፣ ገሊኡ ተወሲኽዎ፣ ገሊኡ መንፈሳዊነቱ ለቢሱ፣ ገሊኡ ግና ጸኒዑ ከም ዝነብር (ፍትሃ ነገስት ኣንቀጽ 45፥1563-1568)። ኣብ ኩለን ጉባኤታት ዝተሰርዐ፣ ሕጊታት ኣብ ፍትሓ ነገስት ንረኽቦ። ኣብ ዝዀነ እዋን እንታይ ከንገብር ከምዝግብኣና፣ መምርሒ ኮይኑ ዘገልግለና መበገሲ ሕጊ ፍትሓ ነገስት እዩ። 

ኣብ ስርዓት ኣምልኰን ጸሎትን ከኣ፣ መጽሓፈ ቅዳሴ፣ መዝሙረ ዳዊት፣ ጸሎት ሰዓታታ፣ ካልኦት መጽሓፍቲ ጸሎትን ሓገዝቲ ወሰንቲ እየን። ንመዓልታዊ ኣብነትን፣ መዓልታዊ በረኸትን፣ መጽሓፈ ስንክሳር; ገድሊ ቅዱሳን ዝነግር ኣብነት ጌርና ክንስዕቦም ዝግብኣና ዛንታ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ዝንግር መጽሓፍ እዩ። 

ከም ሕጊ ነዚአን መጽሓፍቲ ዘየንብብ፣ ኦርቶዶክሳዊ፣ ዳርጋ፣ ርብዒ ናይ ሃይማኖቱ ከማን ኣይፈለጠን፣ ምበልኩ። ዝብዝሐ ግዜ፣ ሚስጢራት ቤተክርስቲያን ዝብል ኮርስ ተማሂርና ምስ ወዳእና፣ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን በዚ ዘብቅዐ እዩ ዝመስለና። እስከ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ነዚአን ጽሑፋት ክንምርምረን ንፈትን። ነዚአን ኩለን መጽሓፍቲ ኣብ http://ethiopianorthodox.org/reference.html ዝብል ናይ ኢንተርኔት ገጽ ክትረክብዎም ትኽእሉ። ካብ ብዕላል ተመሪሕካ፣ ዝንበር ህይወት፣ መጽሓፍቲ ቅዱሳን ኣቦታት ኣንቢብካ ዝፈሪ፣ መንፈሳዊ ገድሊ ኣዝዩ ይበልጽ እዩ እሞ፣ ጉዕዞ ኣማናዊ ፍልጠትን ሓቀኛ መንፈሳዊ ህይወትን፣ ሓቢርና ንሶጉም።
ክብሪን ምስጋናን ንኣምላኽ ኣቦታትና ይኹን!

0 comments:

Post a Comment