Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Friday, June 28, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 9

ምዕራፍ 9. ንዓለም ምስዓር


ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢ ሓቀኛ ፍልጠት ብርቡሽ ልቢ ክንቀርቦ ኣይንኽእልን" በለ። ስለዚ ንልብና ካብ ዚርብሽን ዘይርግኣት ዘለዓዕልን ዝኾነ ነገር ካብ ምግባር፣ ምርሳዕ ዘስዕብ ነገር፣ ውዕውዕ ስምዒት  ወይ ድማ ፍትወት፣ ክንቍጠብ ይግባእ። ክሳዕ ዚከኣለና ንነብስና ካብ እንጽርጽሮት ተርባጽ ሸቐልቐል፣ ከንቱ ዝኾነ ነገር ካብ ምስራሕ፤ ሓራ ክንገብራ ኣለና እወ፣ ንጐይታ ከነገልግል ከሎና ብዛዕባ ካልእ ብዙሕ ነገራት ክንጭነቕ ኣይግባእን፣ ግና ሓደ ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ዘክር ምኽንያቱ ሓደ ነገር እዩ ዘድሊ ሉቃ 1041

ሰብነትካ ክትሕጸብ እንተኾንካ ቀዲምካ ክዳንካ ተውጽእ ኣብ ልቢ ዉን ተመሳሳሊ`ዩ ምእንቲ እቲ መንጽሂ መጺእ ንኸጽርያ፣ ልቢ ካብ ዓለማዊ መልክዕ (ስጋዊ ፍትወት) ሓራ ክትኸዉን ኣለዋ ጥዕና ዚህብ ጩራ ጸሓይ ኣብ ቈርበትና ኪበጽሕ እንተኾይኑ ቀዲምና ክንከፍቶን ዕርቃንና ክንቀውምን ` ዘሎና። እቲ ህይወት ዝህብን ዝፍዉስን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዉን ከምኡ እዩ።  

ስለዚ፣ ክዳንካ ኣውጽእ። ካልኦት ሰባት ከየፍለጥካ ብሕቡእ ንርእስኻ ክሓድ። ኵሉ ንዕግበትን ሓጐስን፣ ምቾትን ምዝንጋዕን፣ ኵሉ ዘስሕቕን ንዓይኒ ንእዝኒ ንትንሓግ  ንካልእ ሕዋሳት ፍትወት ዘለዓዕል ኲሉ ሓሳብ ኣርሕቅ እቲ ዘይሃንጽ  የፍርስ፤ "ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡" /ማቴ 1230/ ከምዚበለ ጐይታ፣ ኣንጻር ኣምላካዊ ሓሳባት ዝቀዉም ዘበለ ኲሉ ነገር ከነፍርሶ ይግባእ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድሌታትካን ባዕበራዊ ልማዳትካን ቅረፎ። ነዚ ድማ ብህድአት  ብዘይ ሃንደበታዊ ምቅይያር  ግና ብዝተማለአ መንገዲ ፈጽሞ ነቲ ምስ ደጋዊ ዓለም ዚኣስረካ ገመዳት በቢቅሩብ ብተኮ። እዞ ገመዳት ዝተባህሉ፣ ዕድመታት፡ ለይታዊ ትልሂት፡ ፍትወት ገንዘብ፡ ስጋዊ ዕግበት፡ ዝሙት፡ ትዕቢት እየን። እዚአን ነገራት፣ ኣንጻር ነፍሲ ኲናት ዝእዉጃ፣ ናብ ዓለማዊ ፍትወት ኣሲረን ዝሕዛን፣ ባሪያ ሓጢኣት ዝገብራን እየን። ነዚኣተን ምፍቃር ማለት ንኣቦ ምጽላእ እዩ /1 ዮሃ 2፥16/

እምበኣር፣ ዓለም ዝተባህለት መን እያ፧ ዓለም ክበሃል እንከሎ፣ ከምዚ ኪድ ኢልካ ክትጭብጣ ትኽእል ሓጢኣት ጌርካ ኣይትዉሰዳ። "ዓለም"፣ ከምቲ ቅዱስ ማቃርስ ግብጻዊ ዝገለጾ፣ "ንልቢ ብጸላም ከቢቡ፣ ካብ ኦም ህይወት ዘርሕቅ ፍትወት" ኣዩ። ዓለም፣ ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዘይብሉ፣ ዉሽጥና ብምምላእን ብምርዋይን፣ ብዝርአን ዝድህሰስን ስምዒታዊ ብዝዀኑ ነገራት ከዕግበና ዝፍትን እዩ /ዮሐ 1725/። ዓለም ንሓሳብናን፣ ድሌታትናን ትቆጻጸረና። ቅዱስ ይስሓቅ ሶርያዊ ከምዚ ብምባል ንፍትወት ዓለም ይገልጻ፡ "ሃብቲ፡ ጥሪት፡ ንብረት፡ ገንዘብ ንምዉናን፤ ስጋዊ ዕግበታትና ከነርዉይ ምጽዓር፤ ስልጣን ክንረኽብ ላዕሊን ታሕቲን ምባል (እዚ ሱር ቅንኢ እዩ)፤ ንኹሉ ሰብ ምስዓርን፡ ዉሳኔ ንምሃብ ምህዋኽን፤ ብዘለኻ ሓይሊ ተመኺሕካ ትዕቢት ምርኣይ፤ ገዛእ ርእስኻ ሓፍ ሓፍ ምባልን፡ ብዂሉ ሰብ ክትፍተው ምድላይን፤ ምስጋናን ሞገስን ምጽባይ፤ ስጋዊ ድልዳለን፡ ጽባቐን ምብሃግ፤ እዚ ዂሉ ዓለማዊን፣ ካብ ዓለምን እዩ። ብዘይንፈልጦ መንገዲ ኣታሊሎም ዉን ኣርዑት ጾር የሰክሙና።"


እንድሕሪ ገዛእ ርእስኻ ካብዚ ዓይነት ፍትወት ሓራ ከተውጽኣ ደሊካ፣ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተገልጻ ዝርዝር ረኣየን`ሞ፣ ገዛእ ርእስካ መርምር። ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክትቐርብ፣ እንታይ ዓይነት ገድሊ ተጋዲልካ፧ ንነብስካ ሕተታ። ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑ እዩ፣ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። ናብ በረኽቲ ቦታታት ክንድይብ ንኽእል፣ ነቲ ጸበብቲ ሩባታትን ማሕንቆታትን ምስ ንሰግር እዩ። ነቲ ኣብ ጸበብቲ ሩባታት ዘሎ ፍትወታትን ድሌታትን ምስ ንስዕሮ፣ ናብ በሪኽ ቦታ ክንበጽሕ ይኸኣል። ማንም ንኽልተ ጐይተት ክግዛእ ዝኽእል ከምዘየልቦ ኣስተዉዕል /ማቴ 624/ ኣብ በሪክ ቦታን፣ ኣብ ጸቢብ ሩባን ኣብ ሓደ ግዜ ክንኸዉን ኣይንኽእልን። 

ጾር ምእንቲ ክቐለልካን፣ ናብ በሪኽ ጐቦ ንምድያቡ ዉን ንኽፎክሰልካ፣ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት፣ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ። ንኣብነት፡ ናብ እንዳ ሲነማ ወይ ቲያትር ንክትኸይድ ብጾትካ ምስ ዝዕድሙኻ፤ ንገዛእ ርእስካ ከምዚ ኢልካ ሕተታ፡ 'ምእንቲ ገዛእ ርእሰይ ድዩ ወይስ ምእንቲ ዕግበት ካልኦት` ዝኸይድ ዘለኹ፧ ኣብዚ ፓርቲ` ገዝእ ስጋይ ክሽንክራ ይኽእል`ዶ፧ ኣብዚ መገሻ ገዛእ ርእሰይ ብምዝንጋዕ እንታይ ይረብሕ፧ ነዚ መጽሓፍ ኣንቢበ እንታይ ይጥቀም፧ ደቂሰ ብምንባበይ፣ ስጋይ ይገዝኣን ይቀጽዓን ኣሎኹ` /1 ቆሮ 9፥27/፧ እዚአን ሕቶታት ከም ናትኻ ልምዲን ድኹም ጎኒን፣ ክበዝሃን ክቕየራን ይኽእላ። ምክንያቱ ኲሉ ሰብ ዝተፈላለየ ድኽመትን ልምዲን ኣለዎ። ወንጌል ዉን ነዚ`ዩ ዘረጋግጸልና። ኣብዚአን ነገራት ኣዚና እሙናት ንኹን። ምክንያቱ ኣብ ዉሑድ ዝተኣምነ፣ ኣብ ብዙሕ ዉን እሙን ክኸዉን እዩ /ሉቃ 16፥10/። ሕማም ኣይትፍራሕ። ምክንያቱ እዚ ሕማም`ዚ ካብቲ ፍትወት ስጋ ዝዓብለሎ መጻብቦ ከዉጽኣኻ ይኽእል።

ንነብስኻ ምሕረት ከይገበርካ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዚጠቐስናዮ ሕቶታት ብቀጻሊብምድግጋምን ንነብስኻ ሕተታ። እዞም ሕቶታት ግና ንነብስኻ ጥራይ ደኣ ኢኻ እትሓታ እምበር ንካልእ ሰብ ኣይኮነን። ንማንም ሰብ ከምዚ ኢልካ ክትሓቶ፣ ኣረ ምሕታትስ ይትረፍ ኣብ ኣእምሮኻ እኳ ክትሓስቦ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ንውሽጥኻ ናብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት እንተደኣ ክትሓትት ጀሚርካ፣ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ናይ ፍርዲ መንበር ኮፍ ኣቢልካ ንርእስኻ ከም ዝፈረድካያ ኣስተውዕል። ነቲ ብኽንደይ ገድሊ ዝረኸብካዮ ርእሰ-እዳበ ከኣ በዚ ነገር እዚ ሰበርካዮ፣ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ዓሠርተ ስጉሚ ግና ንድኅሪት ከድካ፣ ከምኡ እንተደኣ ኬንካ ድማ ብስድነትካ ክትነብዕ፣ ብፍሽለትካን ትዕቢትካን ክትበኪ ጥራይ እዩ ዘሎካ።

Sunday, June 2, 2013

ኣሰር ቅዱሳን ምስዓብ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፣ ርእሰ መኣዝና ክርስቶስ፣ ኣብ መሰረተ ነቢያትን ሓዋርያትን፣ ዝተመስረተት ሓቀኛን፣ እንኮን እምነት ኮይና፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ብምትክኻእ ሓዋርያዊ ስልጣን ተታሓሒዛ፣ ዝበጽሐት እያ። ኦርቶዶክሳዊ ምኳነይ ካብ ኲሉ ዘሐብነኒ ነገር እንተሃለወ፣ መንፈሳዊ ሃብታ እዩ። ንጹር ርድኢት እምነትና፣ ፍሉይ ሰማያዊ ስርዓት ኣምልኰ፣ ትሩጓሜ መጽሓፍ ቅዱስን፣ ጉዕዞ መንፈሳዊ ህይወትን ኰታስ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ክንወርስ ዘድልየና ዘበለ፣ ኲሉ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣሎ። ካባና ዝድለ ንትምህርቲ ኣቦታት ምፍታሽ እዩ። 

"ኣቦታትና ንሓዋርያዊ እምነት ብትዉፊት ኣረኺቦምና፣ ኣነ ዉን ነቲ ዝተቀበልክዎ፣ ዋላ ሓደ ነገር ከይመላእኹ፣ ከየጉደልኩ፣ ንዓኹም ወፍየዮ ኣሎኹ። ነቲ ዝተማሃርክዎ፣ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰማሚዐ ኣስፊረዮ ኣሎኹ።" ቅ. ኣትናቴዎስ ሃዋርያዊ

ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጽሑፋት ምንባብ ማለት፣ ኣዝዩ ዓቢ ጸጋ ምቕባል እዩ። ኣብ ዘመና ብዙሕ ጽሑፋትን መጽሓፍቲን ይጸሓፉ ኣለዉ። ግን ኣይ ከም ቅዱሳን ኣቦታት። ናታቶም ጽሑፍ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቓነየ፣ ኣብ ህይወት ከተተግብሮ ቀሊልን፡ ርዱእን፣ ትሩጓሜ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርደኣና ኣገባብ ዝተዳለወ፣ ዝያዳ ምስ መዓልታዊ ህይወትናን ተሞክሮናን ኣዛሚዶም ዘረድእ እዩ። ጽሑፋቶም ምስ ኣንበብኩ ዝስመዓኒ ስምዒት፣ ኣብ ክንዲ ንካልኦት ሰባት ምፍራድ፣ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሓጢኣት ክዝክር ይድርከኒ፣ ኣብ ክንዲ ብድርቅና ምክታዕን ጽልኢ ምሕዳርን፣ ብትሕትና ምርድዳእን፣ ምጽላይን፣ ኣብ ክንዲ ትርጉም ዘይብሉ ዕላል ምስታፍ፣ መጽሓፍቲ ምንባብ፣ ኣብ ክንዲ ተባህለ ኢልካ ብሃሰሰ ለባም ምስጓም፣ ነቲ ሓቂ ፈሊጥካ ኣብ ርድኢትካ ጸኒዕካ ደዉ ምባል ይምህረኒ። 

ስለዚዉን እየ ከም ሰብ መጠን፣ ነቲ ዘንበብክዎ ምስ ሰብ ከካፍሎ ሓሲበ፣ ነዛ ብሎግ ዝጀምርክዎ። ንኡስ፣ ድኹም፣ መዓልታዊ ሓጥኣት ዝገዝኣኒ፣ ስንፍና ዘለኒ እየ። ፈላጥ ስለዝዀንኩ ኣይኮነን፣ ነዚ ብሎግ ዝጀምርክዎ፣ ንሰብ ከካፍል ስለዝደለኹ ጥራይ እዩ። "ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ" ከም ዝበለ ጐይታ፣ ዝያዳ በረኸት ንምቕባል ዉን እዩ/ግብ 20፥35/። ኮይኑ ግና ነቲ ዝካፍለኩም ነገር ሙሉእ ኦርቶዶክሳዊ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለኒ። እቲ እንኮ መረጋገጺ መንገዲ ከኣ፣ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ጽሑፋት ምቅራብ እዩ።

ኣብተን ናይ ምብራቅ ቤተክርስቲያን ዝበሃላ (ክልቲኤን ኦርቶዶክስ)፣ ካብ ግሪክ፣ ቅብጢን ዓረብን ናብ ኢንግሊሽ ዝተቶርገማ፣ ብጹሓት መጽሓፍቲ ብቀሊሉ ክንረክበን ክኢልና ኣለና። http://www.ccel.org/ ሓደ ካብተን ብናጻ ጽሑፋት ቅዱሳን ኣቦታት ክንረኽበለን ዝክእላ ናይ ኢንተርነት ገጻት እየን። ኣብዚአን ጽሑፋት ዝረኽብክዎ፣ መንፈሳዊ ፍልጠት ዉን መዳርግቲ የብሉን። 

የግዳስ ካብ ኢንግሊሽ ዘንበብክዎ ምስ ሰባት ከማክሮም፣ ከለዂ፣ ካብ ግእዝ እንተዘይኰይኑ ብጥርጥር ይቅበልዎ፣ ወይ ዉን ይነጽግዎ። ልዕሊ ኲሉ ዉን ከምዚ ዓይነት ንቕጽ ዝበለ መርገጺ (naivety) ብጣዕሚ የሕዝነኒ። ዝዀነ ጽሑፍ በቲ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ዘይኰነ ዝግመት፣ እቲ ጽሑፍ ምስ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ዝኸይድ ድዩ ኣይኰነን ኢልካ ብምምርማር'ዩ፣ ኣማናዊነቱ ዝረጋገጽ። እቲ ካልኣይ ዉን ኲሉ ጽሑፋት ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ሃገርና ጥራይ እዩ ዝርኸብ ኢልካ ምእማን ዉን፣ ብናተይ ርድኢት ርእስኻ ሓፍ ምባል ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ምናልባት ፍርሒ ዘንቀሎ ስክፍታ ክኸዉን ይኽእል ዝብል ዉን ግምት ኣለኒ። ግን ንፍርሒ፣ ብድርቅና ዘይኰነስ፣ ነቲ ሓቂ ክትፈልጥ ብምጽዓር እዩ፣ ክረጋገጽ ዘለዎ።

ከም ዉልቀ ሰባ ንዓይ መምርሒ ኰይነን ዘገልግላኒ፣ መወከሲታት እዚኣተን እየን። ካብ መጽሓፍቲ ትምህርተ ሃይማኖት፣ ሃይማኖተ ኣበዉ። ኃይማኖተ ኣበዉ፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦታት ዝመሃርዎ ትምርህቲ ዝሓዘለ እዩ። ኣብዚ መጽሓፍ ብዛዕባ ሚስጢረ ሥላሴን፣ ሥጋዌን፣ ብዙሕ መግለጺታት ኣሎ። ብተወሳኺ፣ ትሩጓሜ መጽሓፍቲ ዉን ንረኽብ። ብፍላይ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን፣ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮትን ካልኦትን። እዛ ብትግሪኛ ጀሚረያ ዘለዂ ናይ ቅ. ኣትናቴዎስ መጽሓፍ "ሥጉው ቃል"ዉን፣ ኣብዚ መጽሓፍ ኃይማኖተ ኣበው፣ ብግእዝ "ትሥጉተ ዘእግዚአብሔር ቃል" ብዝብል ኣርእስቲ ንረኽባ ኢና (ኃይማኖተ ኣበው ምዕራፍ 23 ገጽ 68 ዘቅዱስ ኣትናቴዎስ)።

ኣብ መንፈሳዊ ህይወት፣ መምርሒን፣ ትምህርቲን ዝህባኒ ካልአይቲ መጽሓፍ፣ መጽሓፈ መነኮሳት እዩ። እዚ መጽሓፍ ሰለስተ ክፋላት ዘለዎ ኮይኑ፣ ማር ይስሓቅ፣ ፍሊጵስዩስን፣ ኣረጋዊ መንፈሳዊን ዝበሃሉ ቅዱሳን ኣቦታት ዝደረስዎ ኣዩ። ካብ ቀዳሞት መናንያን ዝተወርሰ፣ ትምህርቲ፣ ኣብነታዊ ታሪክን፣ መምርሒን እዩ። ዳርጋ ንኲሉ ኣርእስቲታት መንፈሳዊ ገድሊ፣ ዝምልስ ትሕዝቶዉን ኣለዎ። እታ 8 ክፋል በጺሓ ዘላ  መንገዲ ባሕታዉያን ዉን ምስ ማር ይስሓቅ ሙሉእ ብሙሉእ ተመሳሳሊ እያ። ቅሩብ ዝፈልዮ፣ ማር ይስሓቅ ን መነኮሳት ዝተዋህበ መምርሒ ክኸዉን እንከሎ፣ መንገዲ ባሕታዉያን ግና፣ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለና መምርሒ ንክትኸዉን እዩ፣ ኩሉ መምርሒ ሕጊታት ካብ መጽሓፍ መነኮሳት ኮይኑ፣ ኣብ ትግባረ ክዉዕል እንከሎ ግና፣ ንዓና ብዝጥዕም መንገዲ እዩ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ንዝነበሩ ህዝበ ኢስራኤል፣ መምርሒ ሕጊ መጽሓፍ ኔርዎም፣ ብሙሉኡ 5 መጽሓፍቲ ሙሴ ነዚ ሕጊ ይነግሮም።። ንዓና ነቶም ክርስቲያናት ግና፣ ኲሉ ሕጊታት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣይንረኽቦን ኢና። ስለዚዉን እዩ ኣቦታትና ነዚ ክፈትሑ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ጉባኤ እንዳ ሰርዑ፣ እንዳ ተመያየጡን፣ ንሕና ክርስቲያናት ብከመይ ዝበለ ሕጊ ክንምራሕ ከምዝግብኣና፣ ሕጊ ሰሪዖምልና ኣለዉ። ምክንያቱ ኲሉ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ሕጊ፣ ንዓና ንክርስቲያናት ስለዝይጠቕመና። ኣብ ብሉይ ካብ ዝነበሩ ሕጊታት፣ ገሊኡ ተሳዒሩ፣ ገሊኡ ተወሲኽዎ፣ ገሊኡ መንፈሳዊነቱ ለቢሱ፣ ገሊኡ ግና ጸኒዑ ከም ዝነብር (ፍትሃ ነገስት ኣንቀጽ 45፥1563-1568)። ኣብ ኩለን ጉባኤታት ዝተሰርዐ፣ ሕጊታት ኣብ ፍትሓ ነገስት ንረኽቦ። ኣብ ዝዀነ እዋን እንታይ ከንገብር ከምዝግብኣና፣ መምርሒ ኮይኑ ዘገልግለና መበገሲ ሕጊ ፍትሓ ነገስት እዩ። 

ኣብ ስርዓት ኣምልኰን ጸሎትን ከኣ፣ መጽሓፈ ቅዳሴ፣ መዝሙረ ዳዊት፣ ጸሎት ሰዓታታ፣ ካልኦት መጽሓፍቲ ጸሎትን ሓገዝቲ ወሰንቲ እየን። ንመዓልታዊ ኣብነትን፣ መዓልታዊ በረኸትን፣ መጽሓፈ ስንክሳር; ገድሊ ቅዱሳን ዝነግር ኣብነት ጌርና ክንስዕቦም ዝግብኣና ዛንታ ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ዝንግር መጽሓፍ እዩ። 

ከም ሕጊ ነዚአን መጽሓፍቲ ዘየንብብ፣ ኦርቶዶክሳዊ፣ ዳርጋ፣ ርብዒ ናይ ሃይማኖቱ ከማን ኣይፈለጠን፣ ምበልኩ። ዝብዝሐ ግዜ፣ ሚስጢራት ቤተክርስቲያን ዝብል ኮርስ ተማሂርና ምስ ወዳእና፣ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን በዚ ዘብቅዐ እዩ ዝመስለና። እስከ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ነዚአን ጽሑፋት ክንምርምረን ንፈትን። ነዚአን ኩለን መጽሓፍቲ ኣብ http://ethiopianorthodox.org/reference.html ዝብል ናይ ኢንተርኔት ገጽ ክትረክብዎም ትኽእሉ። ካብ ብዕላል ተመሪሕካ፣ ዝንበር ህይወት፣ መጽሓፍቲ ቅዱሳን ኣቦታት ኣንቢብካ ዝፈሪ፣ መንፈሳዊ ገድሊ ኣዝዩ ይበልጽ እዩ እሞ፣ ጉዕዞ ኣማናዊ ፍልጠትን ሓቀኛ መንፈሳዊ ህይወትን፣ ሓቢርና ንሶጉም።
ክብሪን ምስጋናን ንኣምላኽ ኣቦታትና ይኹን!