Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Thursday, March 7, 2013

ስግዉ ቃል 3


ምዕራፍ 2. ሰማያዊ መዋጥርን፣ ፍታሕ ብተዋሕዶን

ክቡራት ምእመናን ምናልባት ኣርእስቲ ናይዛ ምዕራፍ ምስ ኣንበብኩም ቅሩብ ግር ይብለኩም ይኸዉን። እቲ ናይ ኢንግሊሽ ኣርእስቱ The Divine Dilemma and its Solution in the Incarnation እዩ ዝብል። ብቀጥታ ክቱርጉሞ ዝመረጽኩ ዉን እዛ ምዕራፍ ኣጋጢሙሙ ንዝነበረ መዋጥር ብንጹር ስለትምህር እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ነዚ ኣርእስቲ ክህብ እንከሎ፣ ኣምላኽ ተዋጢሩ ንኽብል ዘይኮነስ፣ ነቲ ኩነታት ንምግላጽ እዩ። ማለት ኣብ ዉሽጢ ህይወት ደቂ-ሰባትን ኣጋጢሙ ንዝነበረ ዉጥረት ንምግላጽ እዩ። ብዝያዳ ነዘን ክልተ ቁጽሪ ምስ ኣንበብኩም ቅሩብ ክበርሃልኩም እዩ
6. ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ፣ ሞትን ጥፍኣትን ነጊሱ ስለዝነበረ፣ ኩል ሰብ ናብ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት የምርሕ ከምዝነበረ ርኢና። እቲ በመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢሩ፣ ብህላዌኡን ምንቅስቃሳቱን ግብሪ ቃል ዘዘንቱ ዝነበረ ሰብ፣ ናብ ሞት የምርሕን፣ ግብሪ እግዚአብሔር ዉን ይጠፍእ ኣሎ። እቲ ብሰንኪ ሕጊ ምጥሓስ ዝመጽአ ሕጊ ሞት ኣብ ልዕሌና ኣስፋሕፊሑ ነበረ፣ ካብዚ ዉን ማንም ክሞሉቕ ኣይኽእልን። ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ዘዋጥርን፣ ዘይግቡእን እዩ። እግዚአብሔር ሕጂ ተመሊሱ ነቱ ንሱ ዝተዛረቦ ቃል ክልዉጥ ማለት፣ “ንሰብ ደሓን ኣይኽትመዉትን ኢኻ፣” ክብሎ ዘይሕሰብ እዩ። ግን ከኣ እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠረ፣ ግብሪ ቃል ዝዀነ ሰብ፣ ብሰንኺ ጥፍኣት ናብ ዘልኣለማዊ ሞት ክምለስ ዉን ቅቡል ኣይኮነን። ሰይጣን ብዝፈጠሮ ምትላል፣ እቲ ፍጡር እግዚአብሔር ዝዀነ ሰብ ናብ ሞት ከምርሕ ማለት፣ ምስ ሰናይ ባህርያት ኣምላኽና ኣይሰማማዕን። ኣምላኽ ኣብ ሰብ ዝገበሮ ስራሕ፣ እንተ ብናይ ሰባት ሸለልተኝነት እንተ ብሰይጣን ምትላል፣ ንኸንቱ ክተርፍ ግቡእ ኣይኮነን።
ኣእምሮ ተዓዲልዎ ዝተፈጥረ፣ ዓቢ ግብሪ ኣምላኽ ናብ መንገዲ ጥፍኣት፣ ናብ መንገዲ ዘለኣለማዊ ሞት የምርሕ ኣሎ። እምበኣር እዚ ካብ ኾነ፣ እቲ ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር እንታይ ይግበር፧ ሞትን ጥፍኣትና ኣብ ልዕሊ ሰባት ነጊሱ ክነብር ድዩ ሱቕ ኢሉ ክርእዮም፧ ከምዚ እንድሕሪ ኮይኑ ደኣ`ሞ ንምንታይ ንሰብ ይፈጥሮ፧ ካብ ተፈጢሩ ናብ ሞት ከምርሕ፣ ብመሰረቱዉን እንተዘይፍጠር ይሓይሽ። ብተወሳኺ፣ ኣቲ ብኢዱ ኣኽቢሩ ብፍሉይ ኣገባብ ብመልክዑን ብምስሉን ዝፈጠሮ ሰብ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ክጠፍእ ኸሎ ሱቕ ኢሉ ክርእዮ ማለት፣ ብሓቒ ምስቲ ባህሪያዊ ሓይሊ እግዚአብሔር ዘይሰማማዕ እዩ። ክመዉት እንከሎ ሱቕ ኢሉ እንተርእይዎ፣ ዳርጋ ኣምላክ ገለ ሕጽረት ማለት ዓቕሚ ይዉሕዶ`ዩ ዘብል። ካብ ኣይፈጠረን ኢልካ ምዝራብ፣ ንሰብ ፈጢርዎ ግን ኣየድሓኖን ኢልካ ክትዛረብ ከለኻ፣ ኣምላኽ ገለ ሕጽረታት ከምዘለዎ እዩ ዘስምዕ። ሎቱ ስብሓት እግዚአብሔር ከምኡ ኣይኮነን። ስለዚ እግዚአብሔር፣ ሰብ ብጥፍኣት ተዋሒጡ ናብ ሞት ከምርሕ እንከሎ፣ ሱቕ ኢሉ ክርእዮ ዘይከኣል እዩ፤ ምክንያቱ ምስቲ ናቱ ባህሪ ኣይሰማማዕን።
7. ጉዳይ በዚ ኣየብቅዕን፣ ከምቲ ዓንተዎ ዝበልናዮ፣ ኣቡኣ ንሓቂ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እግዚአብሔር፣ ነቲ ኣቐዲሙ ንሰብ  ብዛዕባ ሞት ዝተዛረቦ ቃል፣ መታን ንሕና ንዘለዓለም ክንነብር፣ ዳግመ ግምት ጌሩ ክቕይሮ ማለት፣ ዘይሕሰብ እዩ። ከምኡ እንተጌሩ ኣምላኽ ቃሉ ይቕይር ስለዘሎ፣ ሓሳዊ ክኸዉን እዩ። ነብሱ ሓሳዊ ክገብራ ኣይኽእልን። ምክንያቱ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓቀኛ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ እንታይ ይግበር፧ ሰባት ሓጢኣቶም ክንዛዙ ድዩ ክጽበይ፧ ምናልባት እዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ይመስል፣ ምክንያቱ፣ ብሰንኪ ሕጊ ምጥሓስ ናብ ጥፍኣት የምርሑ ኔሮም፣ ንስሓ ብምእታዎም ከኣ፣ ሞት ካብኦም ኣልገሰ፣ ኢልኻ ክትዛረብ ጽቡቕ ይመስል። እዚ ግና ምስ ኣምላኻዊ ፍርዲ ኣይሰማማዕን። ምክንያቱ ዋላ ሓጢኣቶም ተናዚዞም ንስሓ ስለዝኣተዉ፣ ኣምላኽ ዝፈረዶ ፍርዲ ክቅይሮ ማለት እቲ ክትመዉት ኢኻ ትብል ቃል እንተተሳዒራ፣ ሕጂዉን እግዚአብሔ ዘይሓቀኛ ይኸዉን ኣሎ። ንስሓ ምናልባት ሓጢኣት ካብ ምስራሕ ደው የብለኻ ይኸዉን፣ ግን ካብቲ ባህሪያዊ ጉድለታት ኣየድሕነካን። ማለት ሰብ ካብ ዘይምንባር ዝተፈጥረ ብባሕሪኡ ህይወት ዘይብሉ ግዚያዊ እዩ፣ ስለዝኾነ ኸኣ ብንስሓ እዚ ባህሪያዊ ነገር ኣይቕየርን። እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሕጊ ምጥሓስ ጥራይ ኮይኑ እንተዝኸዉን ማለት እቲ ናይ ሞትን ጥፍኣትን ነገራት እንተዘይህሉ ኔሩ፣ ብሓቂ ንስሓ ፍታሕ ምኾነ። ግን፣ ሰብ ሕጊ ምስጠሓሰ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ከም ጸጋ ሓዲሩ ዘነበረ መልክዕ ኣምላኽ ርሒቕዎ፣ ከም ዉጽኢቱ ዉን ኣብ ትሕቲ ሞትን ጥፍኣትን ወደቐ፣ እዚዉን ባህሪያዊ እዩ። ምክንያቱ ሰብ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ተፈጢሩ፣ ሕጊ ምስ ጠሓሰ ኸኣ ናብ ዘይምንባር (ሞትን ጥፍኣትን) ተመልሰ። ንስሓ ካብዚ ጸገም ኣየድሕንን። ነዚ ንሕና ዘድልየና መድሓኒ ካበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧ በየናይ መንገዲ ኢና ክንድሕን ንኽእል፧ እቲ ካብ መጀመርታ ካብ ዘይምንባር ዝፈጠረና ቃል፣ ሕጂዉን ከድሕነና ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ከምቲ ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላዉ፣ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዝፈጠረና፣ ሕጂ ዉን ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ ሞትን ጥፍኣትን ክርሕቀልና ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ናይ ኣብ ቃል ስለዝኾነ፣ ልዕሊ ኩሉን ፍሉይን እዩ፣ ዳግማይ ክፈጥርን ክሕድሰናን፣ ኣብ ክንዲ ኩላትና ክሳቐ ዝኽእል ንሱ እዩ። በዚ ዉን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣብ ኣምባሳደር ኮነልና።

1 comments:

welde atnatiwos said...

ሰላም ኣምላክ ምሳካ ይኩን፡አግዘኣብሄር ሓይልን ጽንዓትን ይሃብካ።ብዛዕባ'ታ ስግው ቃል መጽሓፍ በጃካ ባ ቲ ዝተረፈ ምዕራፋታ ቀጽለልና፡ብሃንቀውታ ኢና ንጽበያ ዘሎና።ብዝተረፈ ስለቲ ትህበና ትምህርቲ ቃለ ህይወት የስመዓልና።

Post a Comment