Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Tuesday, March 19, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 6

ምዕራፍ 6. ትምኒትን ምቾትን ኣርሕቅ



"ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።" /ሉቃ 13፥24/። እዚ ቃል፣ ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መንገዲ ብዙሓት ከምዘይመርጽዋ የረድኣና። ንሕና ግና በዛ ቀጣን መንገዲ  ንምእታዉ ክንጋደል ይግባእ።

እዛ መንገዲ ጸባብ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምክንያት፣ ገዛእ ስጋና ክንመልኽን ክንገዝእን ስለዘይንደሊ እዩ። በዚ ምክንያት ዉን ብዙሕ ትምኒታትን ፍተወትን የሕዲርና። እዚ ስጋዊ ፍትወት በብቅሩብ እዩ ዝምዕብል። ኣብ ልብና ቅሩብ ቦታ እንተረኺባ፣ ስጋዊ ፍትወት ባዕላ እያ ትዓቢ። ምናልባት ኣይሰርቕናን ንኸዉን፣ ግን ንሓሚ፤ መስተ ኣይንሰትይን ንኸዉን ግን ብስሰዐ ብዙሕ ቡንን ሻሂን ንሰቲ። ከምዚ ብምግባርና ዉን፣ ስጋና ዝደለየቶ እንዳረኸበት፣ ሸዉሃታ እንዳዕገበት ከምትነብር ንገብራ። ብኸምዚ ዉን ትምኒትን ፍትወትን ኣብ ስጋና ይስልጥን። ፍትወት ስጋ ኩሉ ግዜ፣ ንካልኦት ዓበይቲ ሓጢኣት ትስሕብ። ንሓጢኣት ካብ ሱሩ ክንቡንቅሶ ዘይከኣልና ዉን ብሰንኪ ፍትወት ስጋ እዩ። እዚ ፍትወትን ትምኒትን ስጋን ኸኣ ሓልዮት ስጋ የሕዲሩልና።

ምንጪ ኲሉ ክፍኣትን ሓጢኣትን ስለዝዀነት፣ ስጋዊ ሓልዮት ኣርሕቕ፣ ንትምኒት ስጋ ዉን ቅተል። ሓልዮት ስጋ ትምኒት ስጋ ፈጢሩ። እዚ ትምኒት ኸኣ፣ ብግዲኡ ብዛዕባ ገዛ ርእሳኻ ጥራይ ከም ትሓስብ ጌሩኻ። ስሱዕን ፍቕሪ ብጻይ ዘይብልካን ኮይንኻ። ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጎረቤትን ብጻይን፣ ፍትወት ስጋኻ ጥራይ ትግደስ። ብኸምዚ ዉን ዕጹው ኢኻ። ምስ ኻልኦት ሰባት ዝምድና ርኽብን የብልካን። እምበኣር ካብዚ ማእሰርቲ ንገዛእ ርእስኻ ሓራ ግበር። ካብ ሓልዮት ስጋን ትምኒትን ዉጻእ፣ ሽዑ ሓጢኣት ካባኻ ክትርሕቅ እያ።

ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ስለዝኾነ፣ ንኹሉ ትምኒት ቅተል። ባህጊ ምቾትን ስጋዊ ሓልዮትን ኣጥፍእ። ብኹሉ መንገዲ ተቃለስ፣ ንኹሉ ኣጽዋር ዕጠቕ`ሞ ትንፋስ ከይሃብካ ነዛ ትምኒት ቅተላ። ስጋ ዋላ ብዙሕ ሃባ፣ ኣይትዓግብን፣ ስለዚ ቀጻሊ ንስጋዊ ፍትወት ኣይትገዛእ። ስጋ ዝደለየቶ ኣይተማልእ፣ እሰራ። ነዚዉን ብዘይምቁራጽ ኣዘዉትሮ። ቀጻልነት ዘለዎ ነገር ሓይሊ ኣለዎ። ግን ብቃል ኣምላኽ ክምገብ ይግባእ።

ዲያብሎስ ኲሉ ግዜ መስሎኺ ከምዘናድይ ኣይትዘንግዕ፣ ስለዚ ኣፍደገኻ ጽቡቕ ጌርካ ዕጸዎ፣ ናይ ድሕሪት ማዕጾ ዉን ኣይትክፈቶ። ኲሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ጽናሕ፣ ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ብዝተፈላለየ ሜላ እዩ ዝምጽእ።

ንኣብነት ካብዚአን ነገራት እንታይ ረብሓ ረኺብኻ፧ ኣብ ተሪር ነገራት ክትድቅስ ጀሚርካ፣ ግን ኣብ ምዉቕ ዝበለ ማይ ተኣሊኽካ ትዉዕል?! ሽጋራ ንክትገድፋ ምሒልካ፣ ግን ሙሉእ መዓልቲ ቁምነገር ኣብ ዘይብሉ ዕላላት ተጸሚድካ ተሕልፎ?! ምልፍላፍ (ከንቱ ዝዀነ ብዙሕ ዘረባ) ሓዲጋካዮ፣ ግን ጥቕሚ ዘይብሉ ልበወለድ ከተንብብ ትርከብ?! ልበወለድ ምንባብ ገዲፍካዮ፣ ግን ኸኣ ኣብ ሕልሚ ቀትሪን ዘየድሊን ትካዘን ሓሸዉየ ከተብል ትዉዕል?!

እዚ ስጋኻ ከተዕግብ እትገብሮ፣ ብዝተፈላለየ መዳያት ዝተገልጻ ስጋዊ ፍትወት እዩ።
ሃብቲ፣ ጽጋብ፣ ምቾት፣ ጽቡቅ ብምብላዕ፣ ጽቡቕ ክዳን ምግባር፣ . . . ዝኣመሰሉ ናይ ትምኒት ነገራት ኣይትፍቶ፣ ከማን በንጻሩ፣ ድኽነት፣ ጥሜት፣ ድኻም፣ ጸገም. . .ዝኣመሰሉ ናብ ትሕትና ዝመርሑ ነገራት ብጸጋ ንምቕባል ልብኻ ድሉው ግበሮ።  እተን ጐይታ ክንገብረን ዝኣዘዘና ነገራት፣ ከም፡ ጥቅሚ ዘይብሉ ቃላት ከይንዛረብ፣ ስጋና ከይነፍቕር፣ ንመራሕቲ (በዓል ስልጣን) ክንእዘዝ፣ ንጓል ኣንስተይቲ ብትምኒት ዘይምጥማት፣ ዘይምሕራቕ፣. . .ዝኣመሰላ ነገራት፣ ብሕቡእ ግበረን። እዜአን ዂለን ንክስዕበንን ክንትግበርንን እየን ተነጊረናና፣ ስለዚ ሱቕ ኢልና ኣይንግደፈን። "ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።" እዩ ዝበለ ጐይታ /ማቴ 16፥24/። ህይወትና ቐቢጽና፣ ፍቓድና ናብ ኣምላኽ ከንግዝእ ንበገስ፣ ሽዑ ምሕረት ኣምላኽ ክዝሓልና`ዩ።

Saturday, March 16, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 5

ምዕራፍ 5. ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድን ልብኻ ምንጻህን


እምበኣር ሕጂ ናብቲ ዝዓበየ ዕማም ክንኣቱ፣ ንሱ ዉን፣ ፍተውት ገዛእ ርእስኻ ምቁጽጻር እዩ። እዚ ማለት ገዛእ ርእስኻ ምክሓድ ወይ ምምላኽ እዩ። ነዚ ዘይርአ ኲናት ንክትዕወተሉ ገዛእ ርእስኻ ክትቀጽዕ ይግባእ። ፍትወት ገዛእ ስጋኻ ኣብ ዝነገሶ ልቢ፣ ብንጽህና ክትጽልይ ኣሸጋሪ`ዩ፣ "ይኲን ፈቃድከ/ ፍቓድካ ይኹን" ኢላ ልቢ ክትጽልይ ኣይትኽእልን። ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ እንድሕሪ ዘይንዒቕካ፣ ናብቲ ዝዓበየ ክብሪ ክትበቅዕ ኣይትኽእልን። ኣብ ስጋዊ ሓርነትካ ጥራይ እንድሕሪ ተጸሚድካ፣ ኣማናዊ ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነገሶ፣ ኣማናዊ ሓርነት ኣይክህልወካን።
"ስጋዊ ሓርነት ኣይትብሃግ፣ ሓርነት ክወሃበካ እዩ" ይብሉ ቅዱሳን ኣቦታት።ምድሪ እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካ። እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ፥ ተባሂሉ ኣዳም። ረሃጹ`ዩ፣ እሾኹ።
ቅዱሳን ኣቦታት፣ ብዉሕድ ነገር ክንጅምር ይምዕዱና። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ከምዚ ይብል፣ "ነዛ ንእሽቶይ ሓዊ ከመይ ከምትጠፍእ ዘይተመሃርካ`ሲ፣ ከመይ ጌርካ ነቲ ብርቱዕ ባርዕ ከተጥፍእ ትኽእል።"  ቅዱሳን ኣቦታት ዉን ከምዚ ይብሉ፡ "ካብ ዓቢ ፈተና ክትድሕን፣ ነተን ንኣሽቱ ፍትወታት ቅተለን፣" ። እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፍለ ኣይኮነን፣ ኲሉ ከም ሰንሰለት ዝተሓሓዘ እዩ።

ሕማቅ ኣመል ዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ ይምዕብል። ኣብ ህይወትካ ዘሎ፣ ኲሉ ክፋእ ኣመል፤ ንኡስ ብዝመስሉ ነገራት ተተሓሒዘን ዝመጽኣ እየን። ሽኮራዊ ነገር ብምፍታው፣ ዘረባ ብምዝዉታር፣ ኲሉ ነገር ክንፈልጥ ካብዘለና ህንጡይነትን፣ ኣብ ዘይጉዳይና ጦብሎቕ ምባል ስለንፎትዉን እዩ፤ ብዙሕ ሕማቕ ኣመል ኣጥሪና ዘልና። ኲሉ ድሌታትናን ክፋእ ኣመልናን፣ ካብቲ ገዛእ ርእስና ከነዕግብ ኢልና ንገብሮ ባዕላዊ ፍቓድ ዝተበገሰ እዩ።

ገዛእ ፍቓድና ከነማልእ ንነብሮ ህይወት`ዩ፣ ዝጎድኣና ዘሎ። ድሕሪ ዉድቐት ኣዳም፣ ፍቓድ ደቂሰባት  ናብ ስጋዊ ፍትወት ጥራይ እዩ ዝጎይይ። ከምኡ ስለዝዀነ ኸኣ፣ እቲ ቃልሲ ምስ ገዛእ ርእስና ኮይኑ። ማለት እዚ ሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ፣ ኣንጻር ስጋዊ ፍቓድና እዩ።  ብካልእ ኣገላልጻ ንገዛእ ፍቓድና ናብ ፍቃድ ኣምላኽ ምግዛእ እዩ። እዚ ብምዘይምድንጓይ ሕጂ ክፍጸም ኣለዎ። 
ዝዀነ ነገር ክትሓትት፣ ስጋካ ዝድርኸካ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣይትሕተት። ክልተ ኩባያ ቡኒ ክትሰቲ እንድሕሪ ቃሕ ኢልካ፣ ሓንቲ ጥራይ ስተ። መመሊስካ ሰዓት ክትርእዮ እንድሕሪ ረቢጹካ፣ ሰዓት ኣይትርአ። ሽጋራ ክትሰቲ ቃሕ እኒቴሉካ፣ ግደፎ። ደገ ክትወጽእ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ገዛ ኮፍ በል። እዚ ገዛእ ርእስኻ ምግታእ ይበሃል፣ እዚ ሜላ`ዚ ገዛእ ፍቓድካ ናብ ፍቓድ ኣምላኽ ከተግዝእ ይሕግዘካ።
ምናልባት ገሌኹም፣ "ብሓቒ እዚ ዂሉ የድልይ ድዩ፧?" ኢልኩም ትሓቱ ትህልዉ። ነዚ ሕቶ ቅዱሳን ኣቦታት ብሕቶ ይምልስዎ። "ዕትሮ፣ ነቲ ኣብ ዉሽጡ ዘሎ ርስሓቱ ከይጽረኹም፣ ጽሩይ ማይ ምመላእኹሞ`ዶ? ገዛኹም ረሳሕን ትርኪምርኽን መሊኡ እንከሎ፣ ክቡር ጋሻ  መአንገድኩምሉ`ዶ? ፍጹም ዘይመስል እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከምዝበሎ፣ ነቲ ንጹህ ጐይታ ንኽንርእዮ፣ ከምኡ  ገዛእ ርእስና ከነንጽህ ኣለና" /1ይ ዮሃ 3፥3/።

ስለዚ ልብና ነንጽህ! ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኲሉ ጋዕ-ገልጠምን፣ ተርኪምርኽን ኣዉጺእና ንጉሓፎ። ነቲ ረሳሕ ባይታ ንወልዉሎ፣ መስኹቲዉን ይነገግፍ፣ ንፋስን ብርሃንን ክኣትዎ ዉን ይከፈት። ማሕደር ኣምላኽ ድሉው ይኹን። ብድሕሪዚ ነቲ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ኣረጊት ክዳንና ንደርብዮ፣ ሓድሽ ክዳን ዉን ንኸደን። ንዕዑ ድሉው ዘይኮነ ክዳን ምስ ንኽደን፣  ካብቲ መርዓ ከይንሱገግ /ሊቃ 13፥28/።

ጉይታ ብሓዋርያቱ ጌሩ ተመሳሳሊ ትእዛዝ ኣዚዙና። "ልብኹም ኣንጽሁ" /ያዕ 4፥8/። ቅዱስ ጵዉሎስ ዉን ይደግሞ "ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ" /2 ቆሮ 7፥1/። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ከምዚ በለ "ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኵርዓት፡ ዕሽነት። እዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ።" /ማር 7፥21-23/። ንግቡዛት ፈሪሳዉያን ኸኣ "ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ።" /ማቴ 23፥26/።


ንምንታይ ልብና ነንጽሆን ነጽርዮን ከምዘለና ግን ቅኑዕ ርድኢት ይሃልወና፤ ምእንቲ ክጥዕመና ወይ ንክምችኣና ኣይኮነን። ነዚ መዕረፊ ጋሻ ዝዀነ ልብና፣ ነዳልዎን ነጽርዮን ዘለና፣ ንዉልቅና ኣይኮነን፣ ነቲ ጋሻ ንክጥዕሞን፣ ንክፎትዎን እዩ። ምእንቲ እቲ ኣብ ልብና ዝኣቱ ክቡር ጋሻና ክሕጎስን ባህ ክብሎን፣ ክፎትዎን እዩ። “ባህ`ዶ ይብሎ ይኸዉን፧?” ንገዛእ ርእስና ንሕተታ። ተሓጒሱ`ዶ ይኣትዉ ይኸዉን፧? ዂሉ ሓሳብና ናብኡ እዩ።
ስለዚ ተዓጠቕ፣ ልብኻ ኣጽርዮ፣ ዝዀነ ህያብ ክትረኽብ ዉን ትጽቢት ኣይትግበር።
ሰልስተ ዓይነት ጠባያት ኣብ ሰብ ኣሎ። ቀዳማይ ስጋዊ ሰብ፣ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝሓስብ፣ ዋላ ንካልኦት ይህሰይ ኣይግድሶን፣ ብዛዕባ ስግኡ ጥራይ ይሓስብ። ካልኣይ ባህሪያዊ ሰብ፣ ንገዛእ ርእሱን፣ ንካልኦትን ከሐጉስ ይደሊ። እቲ ሳልሳይ መንፈሳዊ ሰብ፣ እዚ ንኣምላኽ ጥራይ ከሐጉስ ይደሊ፣ ዋላ ሞት ይምጻእ።

እቲ ቀዳማይ ካብ ናይ ሰብ ደርጃ ወሪዱ ዳርጋ ናብ እንስሳ ገጹ ዝኸደ`ዩ። እቲ ካልኣይ ባህሪያዊን ልሙድን ኮይኑ፣ እቲ ሳልሳይ ግና ካብ ደረጃ ደቂ ሰባት ክብ ዝበለ ኮይኑ፣  ብክርስቶስ ዝንበር ህይወት እዩ።

መንፈሳዊ ሰብ መንፈሳዊ ነገር ጥራይ ይሓስብ፣ ብንስሓ ሓደ ሓጥእ ኣብ መላእኽቲ ዝግበር ሓጎስ ክሰምዕ ይብህግ። እቲ ዝናሳሕ ሓጥእ ዉን ንሱ ምዃኑ ይዝክር። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ይሃልዉካ። በዚ ተስፋ ጥራይ ክትጽዕር ይግባእ። ጐይታ፣ ቅድም መንግስቱን ጽድቁን ክንደሊ፣ (ማቴ 6፥33) ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ፍጹም ዝዀነ ንሕና ዉን ፍጹማት ክንኸዉን እዩ ዝኣዘዘና (ማቴ 5፥48)።

ስለዚ ኣይትሳነፍ፣ በርቲዕኻ ተቃለስ። ነቲ ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ ኩሉ ስጋዊ ባህሪያት፣ እንስሳዊ ጠባያት ጽርግርግ ኣቢልካ ኣጥፍኣዮ። ዋላ ሓንቲ ኣሰር ዉን ኣይትሕደግ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ እንስሳዊ ኣካይዳ፣ ኣየናይ ምዃኑ መርሚርካ፣ ካብ ሱሩ ሞንቂስካ ንክትቡንቁሶ፣ ዕላማካ ይኹን። ምክንያቱ “ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ።” /ገላ 5፥17/።

ነዚ ዂሉ ክትገብር እንከለኻ ግን ሓደ ነገር ኣስተዉዕል። ምናልባት ገዛእ ርእስኻ ከተድሕን ብዙሕ ስለዝጻዓርካ፣ ብሰንኪ`ዚ ኸኣ ትዕቢት ክወርሰካ እንድሕሪ ጀሚሩ፣ ቀልጢፍካ ነዚ ሓሳብ ካብ ልብኻ ኣርሕቆ። ትዕቢት ዝዓበየ ሕማም እዩ። ስለዚ ገዛእ ርእስኻ መርምር፣ ትዕቢት ከይሕዘካ ዉን ኣዚኻ ተጠንቀቕ። ገዛእ ርእስኻ ከም ጻድቕ ከይትሓስባ!

መንገዲ ባሕታዉያን 4

ምዕራፍ 4. ስቕታን ዘይርአ ኲናትን


ብዛዕባ ዕላማ ምንጻርን፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ከይንምካሕ፣ ተዘራሪብና፣ እቲ ህይወት ዉን ኣብ ልቢ ከምዝጅምር ርኢና። እምበኣር ሕጂ ናብ ኲናት ክንኣቱ። እዚ ኲናት ዘይርአ እዩ። ብስቕታ ኣብ ልቢ ዝግበር ቃልሲ። ግንባር ናይዚ ኲናት ልቢ፣ ኣብ ምዓሙቚ ዉሽጥና ዝኻየድ ቃልሲ። ቅዱሳን ኣቦታት "ሚስጢርኩም ከይወጽእ ኣፍኩም ኣይትኽፈቱ" ይብሉ። ዉዕይ ሻሂ ዝሓዘ ፔርሙስ፣ ከፍትካ እንድሕሪ ገዲፍካዮ፣ እቲ ሓፋ ይኸይድ`ሞ፣ እቲ ሻሂ ይዝሕል፣ ክትሰትዮዉን ኣይትደልን።

ስለዚ ንስኻ ዉን ብዛዕባ`ዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ዕላማ፣ ምስ ማንም ሰብ ኣይተዕልለሉ። ብዛዕባ`ዚ ጀሚርካዮ ዘላኻ ህይወት፣ ብዛዕባ ከጋጥመኻ ዝኽእል ፈተናታት፣ ብዛዕባ ረኺብካዮ ዘለካ ተሞክሮ፣ ዋላ ሓንቲ ኣይትዛረብ፣ ትም በል። እዚ ጉዳይ ኣብ ክልቴኹም ጥራይ ይኹን፣ ኣብ መንጎኻን እግዚአብሔርን። ብተወሳኺ፣ ኣባት ነፍስኻ። 

ስቕታ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምልፍላፍን ብዙሕ ምዝራብን፣ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ንከተድህብ ይገብረኻ። ዓባስ ዂን። ሱቕ ክንብል ከለና፣ ድምጺ ናይቲ መሓሪ ኣምላኽ ክንሰምዕ ንኽእል። ብስቕታ፣ ምስቲ ዂሉ ዝሰምዕ ጐይታ፣ ክናፍርና ከይከፈትና ክነዕልል ንኽእል። በዚዉን ኣብ ኣምላኽ ዘለና እምነት ዝያዳ ይሕይል። ዂሉ ጻዕርኻ ናብኡ ይኸዉን። እምነትኻን ትምክሕትኻን ኣብ ኣምላኽ ይኹን። ደጊም ናብ ሰማያዊ ህይወት እዩ ጉዕዞኻ፣ ኣብ ሰማያት ድማ ዘረባ ኣየድልይን።

ካብዛ ሰዓት ጀሚርካ ኲሉ ዘጋጥመካ ነገር፣ ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ፣ ኣምላኽ ንሰናይካ ኢሉ ዝለኣኾ ምዃኑ ክትርዳእን ክትኣምንን ይግባእ። ንዓኻ እንታይ የገድስ ኣምላኽ ይፈልጥ፤ ፈተና ድዩ፣ ዓወት፣ ሃብቲ ድዩ ድኽነት፤ ኣብታ ግዜ`ቲ እንታይ ከምዘድልየኻ  ንሱ ይፈልጥ። ነገራት ብወዝቢ ኣየጋጥምን። ኲሉ ነገር ንክትመሃረሉ እዩ ዝጎንፈካ። ስለዚ ነዚ ሓሳብ ኣጸቢቕካ ክትርዳእ ፈትን። እዚ ዓይነት ርድኢት እዩ፣ ኣብ እግዚአብሔር ዘለኻ እምነት ከተዕቢ ዝሕግዘኻ።

ሕጂ ዉን ቅዱሳን ኣቦታት ከምዚ ይብሉ፣ "ንገዛእ ርእስኻ ገና ታተ ኢሉ እግሪ ምትኻል ዝመሃር ህጻን፣ ወይ ጋና ድምጺ ቃላት ከጽሪ ዝፍትን ቆልዓ ጌርካ ጠምታ"። ኣብዚ ሕጂ ኣቲካዮ ዘለኻ ኲናት፣ ኲሉ ክእለትኻን፣ ዓለማዊ ጥበብኻን ዋጋ ይብሉን። ዋላ ሃብትካ ኰነ፣ ስልጣንካ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለካ ዕበየት ዉን እንተዀነ፣ ምንም ረብሓ የብሉን። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘይዉዕል ሃብቲ፣ ጾር እዩ። ኣብ ልቢ ዘይሰፍር ፍልጠት ድንቁርና እዩ፤ መሊሱ ኸማን ትዕቢት ይፈጥረልካ። ኣቦታት ንኸምዚ ዓይነት ፍልጠት ዕሩቕ ይብልዎ፣ ፍቕርን ርህራሀን ስለዘይብሉ። ስለዚ ደጊም ኲሉ ዘለኻ ፍልጠት ደርብዮ፣ ጥበበኛ ንኽተከዉን ኣብ ቅድሚኡ ዓሻ ዂን፤ ምእንቲ ሃብታም ክትከዉን፣ ጨርቃም ኲን፤ ምእንቲ ክትሕይል፣ ድኹም ዂን።

መንገዲ ባሕታዉያን 3

ምዕራፍ 3. ግራት ልብኻ


ጀሚርካዮ ዘለኻ ህይወት ልክዕ ናይ ሓረስታይ ህይወት እዩ። እቲ ግራት፣ ማይ፣ ዘርኢ፣ ሙቐት ጸሓይ፣ ኲሉ`ዚ ዉህብቶ ኣምላኽ እዩ፣ እቲ ዕዮ ግና ናይቲ ሓረስታይ።

ሓረስታይ ጽቡቕ እቶት ንክረኽብ፣ ኣበርቲዑ ክጽዕር ኣለዎ። ንግሆን ምሸትን ክዓዪ ይግባእ፣ ክኹስኩሶ፣ ክጽህዮን፣ ካብ ባልዕ ክከላኸሎን ካብ ኣዕዋፍ ክሕልዎን ይግባእ። ኲሉ ግዜ ተጊሁ ክሰርሕ ይግባእ፣ ብዘይ ዕረፍቲን፣ ብዘይ ምስልካይን ክሕልዎ ዉን ኣለዎ። ዋላ ነዚ ኲሉ ጻዕሪታት ምስ ገበረ፣ ናይዚ ሕርሻ እቶት ኣብ ሓደ ዓቢ ሓይሊ ይምርኮስ፣ ኣብ እግዚአብሔር

ክንሕልዎን ክንከናኸኖን ተዋሂብና ዘሎ ዕዮ፣ ግራት ልብና እዩ፣ እቶቱ ኸኣ ዘለዓለማዊ ህይወት።
ዘለዓለማዊ ህይወት እዩ፣ ምክንያቱ ብግዜን ቦታን ዘይዉሰን፣ ብግዳማዊ ኩነታት ዘይጽሎ፣ ኣማናዊ ሓርነት ዘለዎ፣ ገደብ ኮይኑ ዝዓግቶ ዘይብሉ፣ ፍቕሪ፡ ምሕረትን፡ ብርሃንን ዝመልኦ ህይወት ስለዝዀነ። ብመንፈስ ዝንበር፣ መንፈሳዊ ኩነታት ዘለዎ፣ መንፈሳዊ ህይወት እዩ። ኣብዚ ምድሪ ይጅምር፣ መወዳእታ ዉን ይበሉን፤ ማንም ምድራዊ ሓይሊ ዘየናዉጾ ሕይወት እዩ፤ እዚ ህይወት ኣብ ልቢ ይጅምር።

ቅዱስ ይስሃቅ ሶርያዊ ከምዚ ይብል "ጸላኢኻ ከም ኣቀራርባኻ እዩ፣ ዝሕይለካ እሞ፣ ገዛእ ርእስኻ ቅጻዕ። ምስ ገዛእ ርእስኻ ተዓረቕ (ሰላም ግበር)፣ ሽዑ ሰማይን ምድሪን ምሳኻ ክዕረቕ እዩ። ናብ ዉሽጣዊ ህይወትካ (ልብኻ) እተው፣ ሽዑ ናብ ውሽጢ ሰማያዊ ድንዃን ዉን ክትኣቱ ኢኻ። ክልትኤን ሓደ እየን፣ ናብ ልብኻ ምእታዉ ማለት፣ ናብ ሰማያዊ ድንዃን ምእታዉ እዩ። ናብታ ቀዳመይቲ ክትኣትዉ ከላኻ፣ ናብታ ዳሕረወይቲ ዉን ኣቲኻ ኣለኻ። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘብጽሕ መሳልል፣ ኣብ ዉሽጥኻ`ዩ ዘሎ፣ ኣብ ነፍስኻ ብምስጢር ክትረኽቦ ኢኻ። ጾር ሓጢኣት ቀንጢጥካ ደርብዮ እሞ፣ ሽዑ ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ዘብጽሓካ ህይወት ክትረኽብ ኢኻ።" 

ኣቦታትና ሰማያዊ ድንኳን ዝብልዋ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ እዩ፣ መንግስተ ሰማያት ዉን ካልእ ስማ። መንግስተ ሰማያት ማለት ብሓጺሩ ክርስቶስ እዩ። ብክርስቶስ ምንባር ማለት ዘለዓለማዊ ህይወት ምንባር እዩ።

መንገዲ ባሕታዉያን 2

ምዕራፍ 2. ዉልቃዊ ሓይልኻ ኣይክጠቕመካን


ቅድም ቀዳድም ነዚ ዘክር፣ ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ኣይትመርኮስ፣ ቅዱሳን ኣቦታት ብሓደ ቃል ዝመክሩና ነዚ እዩ። ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኲናት ብርቱዕ እዩ፣ ስለዚ ስጋዊ ሓይልኻ ዋላ ሓንቲ ኣይክገብረልካን። ኣብ ዉልቃዊ ሓይልካ እንድሕሪ ተሞርኪስካ፣ ብዙሕ ግዜ ክትወድቅ ኢኻ፣ ነዚ ህይወት ዉን ኣይክትቅጽሎን። እቲ ዘድልየካ ዓወትን ብርተዐን፣ እግዚአብሔር ጥራይ`ዩ ክህበካ ዝኽእል።


ኣብ ዉልቃዊ ሓይልኻ፣ ንከይትዉከል ወስን። ብዙሓት ነዚ ዉሳኔ ብዘይምዉሳኖም፣ ወዲቖም ኣለዉ። ነዚ ሓሳብ ክትስዕሮ ይግባእ። እንድሕሪ ዘይስዒርካዮ፣ ናብ ቅድሚት ክትስጉም ኣይኮነልካን። ሓደ ሰብ፣ ፈላጥ፣ ኲሉ ክግበር ሓይሊ ዘለዎ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣትሓሳስባ ጥራይ ዝዉከል፣ እንድሕሪ ኮይኑ`ሲ፣ ከመይ ጌሩ ካብ ካልኦት ሰባት ምዕዶ ክቕበል ይኽእል፧? ከምዚ ዓይነት ትምክሕቲ ኣብ ዘለዎ ልቢ፣ ብርሃን ኣምላኽ ክኣቱ ኣይኽእልን። "ኣቱም ንገዛእ ርእስኹም ፈላጣትን መስተዉዓልትን ጌርኩም እትሓስቡ ወይለኹም" /ኢሳ 5፥21/ ይብል ነብይ ኢሳይያስ። ቅዱስ ጳዉሎስ ዉን ደጊሙ ከምዚ ይብል "ኣይትተዓበዩ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትመክሑ" /ሮሜ12፥16/። መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ብልሒታትን ኣስተዉዓልትን ተሓቢኣ፣ ንህጻናት ግና ተገሊጻትሎም ኣላ /ማቴ11፥25/።

ስለዚ ኣብ ልብና ዘሎ ትምክሕቲ ነዉጽኣዮ። ኣብ ገዛእ ርእስና ትዉክልቲ ብምግባር ዝነበረና ኣካይዳ ንግደፎ። እዚ ነገር ኣብ ገለ ኩነታት ኣዝዩ ዓሙቚ ስለዝኾነ፣ ክሳዕ ክንደይ ከምዘሸግረና ዉን ኣይንፈልጦን። ማለት ኣብ ህይወት ገለ ሰባት እዚ ሓሳብ ኣዝዩ ሱር ሰዲዱ ንረኽቦ፣ ከምኡ ስለዝዀነ ዉን ህይወት ናይቶም ሰባት ኣዝዩ ብዙሕ ሕልክላካት ኣለዎ።

ኣብ ህይወትና ዝገሃድ ዘሎ ዝተፈላለየ ሽግር፣ ናይ ነፍስናን ስጋናን መከራ፣ ኩሉ ጭንቀትን ሽግርን፣ ካብ ምንታይ ድዩ ዝብገስ ዘሎ፤ ካብቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ስስዐ፣ ትምክሕቲ፣ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ካብ ምፍታዉን፣  ኣብ ዉልቃዊ ሓይልና ጥራይ ንዉከል ስለዘለናን እንድዩ። እስከ ናብ ሕይወትካ ምልስ ኢልካ ጠምታ፣ መዓልታዊ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ከተዕግብ እንዲኻ ተጸሚድካ ትዉዕል። ገዛእ ስጋኻ ጥራይ ስለትፎትዋ ዉን፣ ኩሉ ግዜ እሱር ኢኻ። ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት እሱር ስጋ ኢኻ። ንግሆ ትትንስ እሞ 'ሕጂ ከምዚ ክሰትይ እየ'፣ 'መሊሰ ከምዚ ክሰርሕ እየ''ከምዚ ዉን ክበልዕ እየ''ከምዚ ዉን ከንብብ እየ' ትብል። ረኣዮ እሞ፣ ሙሉእ ግዜኻ ብዛዕባ ስጋኻ ጥራይ ክትሓስብ ተሕልፎ። ነገራት ከምቲ ዝሓሰብካዮ ምስ ዘይሰልጠካ ዉን፣ ኣዚኻ ተሓርቕን ትቁጣዕን።

ዉሽጥኻ ኣጸቢቕካ መርምሮ`ሞ ከምኡ ጸገም ከምዘለኻ ክትርዳእ ኢኻ። ሰባት ክቃወሙኻ እንከልዉ፣ ተሓርቕ እንዲኻ፣ እዚ መርኣያ ናይቲ ጸገም እዩ። ዉጽኢት ናይዚ ኣብ ባርነት ሓጢኣት ከም ንነብር ጌርና። "ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ" /2ይ ቆሮ 3፥17/።

ብስጋዊ ስምዒት ተባሒትካ፣ ከመይ ጌርካ ሓርነት ክህልወካ፧? ጐይታ እንታይ ድዩ ኢሉና፣ ን ኣምላኽ ዝያዳን ከነፍቅርን፣ ንብጻይና ከም ነፍስና ከነፍቅርን እንድዩ፧ ከምኡ ንገብር ዶ ኣሎና፧? በንጻሩ ሓሳብና ብዉልቃዉ ጉዳይና እንድዩ ተባሒቱ ዝዉዕል፧?

ስለዚ ዝዀነ ሰናይ ነገር ካባኻ ከምዘይርከብ ተረዳእ። ምናልባት ንካልኦት ሰባት ናይ ምፍቃር ሰናይ ሓሳብ እንተሕዲርካ፣ ካብ ዉልቅካ ከም ዘይኮነ ፍለጥ፣ ካብቲ ምንጪ ኲሉ ሰናይ ነገር፡ ወሃቢ ህይወት ኣምላኽ ዝተዋህበካ ዉህብቶ ምዃኑን፣ ንሱ ኣብ ህይወትካ ዘግሃዶ ሓይሉን እዩ። ሰናይ ነገር ናይ ምግባር ሓይሊ ዉን፣ ብናይ ዉልቅካ ክእለት ዝሰልጥ ዘይኮነስ፣ ዉህብቶ ስሉስ ቅዱስ እዩ።

መንገዲ ባሕታዉያን 1

ምዕራፍ 1. ዕላማኻ ጽኑዕን ንጹርን ይኹን

                                        
ብሰም አቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ አምላኽ አሜን።
ነፍስኻ ከተድሕናን ዘለዓለማዊ ህይወት ክትወርስ ድሌት እንተድኣ ሃልዩካ፣ ካብ ትህኪት ተንስእ፣ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብካ ከምዚ በል፡ "በስመ ኣቦን ወድን፣ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን"

እምነት ብግብሪ እምበር፣ ብምምርማር ኣይትመጽእን። ኣምላኽ መን ምዃኑ ንኽትፈልጥ ብግብሪ ተበገስ። ዘረባን፣ ምርምርን ኣይኮነን ዝጠቅም፣ ንእግዚአብሔር ብተሞክሮ ጥራይ ኢኻ ክትፈልጦ ትኽእል። ንፋስ ንክትረኽብ መስኮት ትኸፍቶ፣ ጸሓይ ክትጽሎ ዉን ናብ ደገ ኢኻ ትወጽእ። እምነት ዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ እያ ትዓቢ። ቅዱሳን ኣቦታት ከምዝመሃሩና፣ ዕላማ ብኮፍ ወይ ብትጽቢት ኣይብጻሕን። ህይወት ናይቲ ጥፉእ ወዲ ኣብነትና ንግበሮ፣ "ተንሲኡ ኸኣ ናብ ኣቡኡ ተመልሰ" /ሉቃ 15፥20/።

ሽሕ እኳ ኣብ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ሃሉ ብዘየገድስ፣ ኩሉ ግዜ ናብ ኣምላኽ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። እግዚአብሔር ዶንጊኻ ኢሉ ኣይክመልሰካን። ኣብራሃም ክጽዋዕ እንከሎ ወዲ 75 ዓመት እዩ ኔሩ። እቶም ኣብ ዓሰርተ ሓደ ሰዓት ዝመጽኡ ሸቃሎ፣ ማዕረ እቶም ኣብ ቀዳመይቲ ሰዓት ዝመጽኡ ሸቃሎ ተከፊልዎም። እዚ ጽሑፍ ንከንቱ ኣይኮነን። 

ተሃዊኽካ ዉን ኣይክብለካን። ዱር ብንኢሽቶ ሓዊ እንድዩ ዝጠፍእ፣ እሞኸ ደኣ፣ ነፍስኻ ክትቃጸል ክትጠፍእን ክትዓንዉን እንከላሲ፣ ሱቕ ኢልካ ክትርእያ ዲኻ፧?

ኣብ ግዜ ጥምቀትኻ ዝተቀበልካዮ ጸጋ ኣሎ። ንጸላኢ ሰናያት ዉን ክትቃለስ ዉን ተኣዚዝካ ኣለኻ። እምበኣር ጸጋ ኣልዕል እሞ፣ ተቃለስ። እቲ ኣብ ከንቱ ድኻምን፣ ትህኪትን ኮይንካ ዘሕለፍካዮ ዘመን ዉሑድ ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ሓድሽ ጀምር። ምክንያቱ ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝተቀበልካዮ ጸጋ ዉልድነትን፣ ቅድስናን ኣርኪስካዮ ኢኻ።

ስለዚ ብቅጽበት ተንስእ፣ ኣይትዶንጊ! ዕላማኻ 'ደሓር'፣ ወይ 'ጽባሕ'፣ ወይ 'ምሸት'፣ ወይዉን 'ነዚ ዝሰርሖ ዘለኹ ምስወዳእኹ' እንዳበልካ ኣይተናዉሓዮ። ምክንያቱ ምንዋሕ ሰዓታት፣ ጉሉ ግዜ ሓደገኛ እዩ። 

ዕላምካ ልባዊን ጽኑዕን ምዃኑ ብግብርኻ ከተርእይ ትኽእል፣ ብቅጽበት ምስትብገስ እዩ። ኣረጊት ሰብነትካ ገዲፍካ ሓድሽ ህይወት ከምዝጀምርካ፣ ሓድሽ መንገዲን፣ ሓድሽ ዕላማን ከምዝሓዝካ ብተበግሶኻ ኣርእይ። እምበኣር ተበገስ፣ ኣይትፍራሕ! "ኦ ጐይታ እብገስ ኣሎኹ እሞ ደግፈኒ" በሎ። ምክንያቱ ልዕሊ ኲሉ ዘድልየካ፣ ናይ ጐይታ ረድኤት እዩ። ኣብ ዕላማኻ ጽናዕ፣ ናብ ድሕሪት ኣይትጠምት። እታ ናብ ድሕሪት ምስ ጠመተት፣ ናብ ዓንዲ ጨዉ ዝተቀየረት ሰይቲ ሎጥ ዘክራ /ዘፍ 19፥26/። ኣረጊት ሰብነትካ ደርቢኻዮ ኣሎኻ፣ እምበኣር ኣብኡ ይኹን፣ ግደፎ። ከም ኣብራሃም "ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድኻን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ዉጻእ፣ ናብቲ ኣነ ዘርእየኻ ምድሪ ኸኣ ኺድ።" ዝብል ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕካ ኣለኻ /ዘፍ12፥1/። እምበኣር ኲሉ ሓሳብካን ልብኻን ናብታ ምድሪ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ይኹን።


መንገዲ ባሕታዉያን

መእተዊ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምለክ ኣሜን

ጾም ካብ ዝጅምር ድሮ ሶምን ሓሊፉ፣ ከም መደብ ንናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መጽሓፍ ፖስት ክገብር እኳ እንተነብረ፣ ብምክንያት ዓቢይ ጾም 'ኣብ ብሎግካ ፖስት ግበሮ' ኢሉ ሓደ ዓርከይ ኣዝያ ጽብቅቲ መጽሓፍ ሰዲዱለይ። ምስ ኣንበብክዋ ዉን ኣዝዬ ተሓጉሰ፣ ምክንያቱ እዛ መጽሓፍ ኣዝያ ጽብቕቲን መንፈሳዊ ህይወት ብንጹር እትምህርን ስለዝዀነት። ብተወሳኺ፣ ነዚ ቀሰይ ኢለ ክስጉሞ ዝሓሰብክዎ ብሎግ፣ ተሳታፋይ ስለዝረኸብኩ። ብዝዀነ ናብ ቀንዲ ኣርእስቲ ክምለስ።

The way of the Ascetics, ትብል መጽሓፍ`ዩ፣ ሓደ ብክርስቶስ ዝዛመዶ መንፈሳዊ ሓወይ ናብ ትግሪኛ ቶርጊሙ ዝሰደደለይ። ኣስቄጥስ (Ascetics) ብግእዝ፣ ካብ áskēsis  ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝትወስደት ኮይና፣ ቱርጉሟ ምልምማድ፣ ገዛእ ርእስካ ካብ ፍትወት ዓለም ምንጻህ፣ ብጾም ጸሎትን ስግደትን፣ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሓቢርካ ምዕያይ ማለት እዩ። ነዚ ኣካይዳ ዝያዳ ዝተሞከሩሉን እዛ መጽሓፍ ዉን ከም ቀንዲ ኣብነት ጌራ እትጠቅሶምን፣ ከኣ ንባሕታዉያን ኣቦታት እያ። ስለዚ ዉን ሓዉና ነዛ መጽሓፍ "መንገዲ ባሕታዉያን" ክብል ዝቶርጎማ። 

ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር ናይ ቤተክርስቲያንና ነቲ ኣብ ላዕላይ ግብጺ ዝርከብ ገዳም ኣስቄጥስ ብዙሕ ግዜ ተጠቂሱ ንረኽቦ ኢና። እዚ ገዳም 'ኣስቄጥስ' ስም ዝተዋህቦ፣ ዓዉዲ መንፈሳዊ ህይወት ዝማዕበለሉን፣ ኣቦታትን ኣዴታትን ገዛእ ርእሶም ካብ ፍትወት ዓለም ንምጻህ ዝተላመድሉ ቦታ ስለዝዀነ እዩ። ኣብዚ ቦታ`ዚ፣ ብዙሓት ቅዱሳን ንክርስቶስ መሲሎም፣ ከም መላእክቲ ናይ ቅድስና ህይወት የሕሊፎም፣ ንዓና ነዞም ኣብ ዓለም እንነብር ዉን ብዙሕ መንፈሳዊ መንገዲ ኣዉሪሶምና ኣለዉ።

ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ፣ ሓደ ኣብ ፊንላንድ ዝነብር ኦርቶዶክሳዊ በዓል ሓዳር ኮይኑ፣ ካብ መጽሓፍቲ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ክሊማኮስ "The Conference & The ladder" ኣዋጺኡ፣ ንዓና ነዞም ኣብ ዓለም (ብሕጊ መዉስቦ)  እንነብር ንክንግልገለላ ብምሕሳብ እዩ ዘዳለዋ።

"መንገዲ ባሕታዉያን" ከመይ ጌርና በታ ጸባብ ኣፍደገ ክንኣቱ እተስተምህረና፣ መባእታዊት መጽሓፍ ኮይና፣ ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ንልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመት ዝማዕበለ፣ ህይወት ክርስትና እተርድኣና፣ ኩሉ ሰብ ብዝርድኦ መልክዕ ዝተዳለወት፣ ኣዝያ ጽብቅቲ ስራሕ እያ። መነኮሳትን ባሕታዉያን ኣቦታትን ኣዴታትን ዘሕለፍዎ ህይወት፣ ከም ተሞክሮ ብምዉሳድ፣ ገድሊ ቅዱሳን ብዕምቆት ብምምርማር፣ ከመይ ጌሮም ኣሰር ክርስቶስ ከምዝሰዓቡ፣ ትምህረናን፣ ንዓና ዉን መንገዲ ትሕብረናን።

"መንገዲ ባሕታዉያን" ንናይ ቅ.ዮሃንስ ክሊማኮስ ጽሑፋት እተዘኻክርን፣ ካብ ዓለማዊ (ሓጢኣታዊ) ህይወት ተፈሊና፣ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንክነምርሕ እትድርኽን፣ ኣዝያ ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። ዓለም ንመንፈሳዊ ህይወት ጸማም እዝኒ ኣብ ዝሃበትሉ ዘመን፣ ከምዚ ዓይነት ብሉጽ ጽሑፍ፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ዓቢ ጾም ናይ ከምዚ ዓይነት ህይወት እንነብረሉ ስለዝዀነ፣ ኣንቢብኩም መንፈሳዊ ህይወትኩም ክተዕብዩ፣ ይምነየልኩም። ስብሓት ለእግዚአብሔር!

ብክርስቶስ የሕዋትኩም!



Friday, March 15, 2013

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 3

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 3ይ ክፋል . . .መቀጸልታ


ግጉይ ግምት ቁ.3፦ ብዘይ ሓገዝ ቤተክርስቲያን፣ ዝኾነ ሰብ ባዕሉ ብዉልቁ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርጉም ይኽእል።

ቀዳሞት መራሕቲ ፕሮቴስታንት፣ ን “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ዝብል ዶግማ ክማጎትሉ ከለዉ፣ ከም መርትዖ ዝጠቕስዎ ነዚ ሓሳብ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ፣ ብምስትዉዓል ኣንቢብዎ ብቀሊሉ ክርድኦ ዝኽእል፣ ንጹርን መጽሓፍ እዩ፣ ስለዚ ሓገዝ ቤተክርስቲያን ኣየድልይን፣ ይብሉ። ነዚ ሓሳብ ዉን ኣብ ጽሑፋቶምን፣ መልእክቲታቶምን ንረኽቦ። ንኣብነት እንተ ወሲድና፣ 30 ዓመት ድሕሪ ሞት ማርቲን ሉተር፣ ዝነበር ቱቢንገን (Tubingen) ዝበሃል ሉተራን መምህር፣ ምስ ናይ ቁስጥንጢንያ ሊቀጳጳስ ኤርሚያስ 2 (Patriarch Jeremias II) ኣብ ዝተጸሓሓፍሉ ደብዳቤ ነዚ ሓሳብ ንረኽቦ። ኣብቲ ንሱ ዝለኣኾ መልእክቲ ከምዚ ይብል፦

ገለ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጹም ጌጋ ዘይብሉ ይዛረቡ፣ ግን ኣብ ካልእ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዝተሓብአ ሚስጢር ከመዘለዎ ትርኢ። ነዚ ክትርዳእ፣ ኸኣ መንፈስ እግዚአብሔር ዘለዎም ኣቦታት ክገልጹልካ የድልይ፣ ትብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣብ ገሊኡ ምስቲ ኩነታት ክዛረብ እንከሎ፣ ብዙሕ ግሉጽ ዘይኮነ ጽሑፍ ንረኽብ፣ ኮይኑ ግና ኣብ ካልእ ቦታ፣ እቲ ሓሳብ ብዝያዳ ንጹር መንገዲ ተገሊጹ ይርከብ። ስለዚ ብዘይ ገለ ጸገም ዋላ ተራ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦ ይኽእል እዩ።”

ናይ ሉተራን መማህራን፣ ጽሑፋት ቅዱሳን ኣቦታት ንጥቀም ኢና፣ ይብሉ፣ መሊሶም ከኣ ኣድላዪ ከምዘይኾነ ይሙጉቱ። መጽሓፍ ቅዱስን መግለጺ ቅዱሳን ኣቦታትን ምስ ዝጋራጨዉ፣ ክንጸግ ዝግብኦ ኣቦታት እዮም፣ ይብሉ። እቲ ሓቂ ግና ንሱ ኣይኮነን፣ መግለጺ ኣቦታት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጋራጨወን፣ ምስቲ ናታቶም ኣተሓሳስባ ወይ ርእይቶ ግን ይጋራጨው እዩ። ስለዚ ብካልእ ኣዘራርባ፣ ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፣ መግለጺ ቅዱሳን ኣቦታት ምስቲ ናታቶም ዉልቃዊ ርእይቶ ምስ ዘይሳነይ፣ ክንጸግ ዝግብኦ ዉልቃዊ ርእይቶኦም እምበር፣ ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት ክኸዉን የብሉን። ምክንያቱ እዞም ብቅድስንኦም ንክርስቶስ መሲሎም ብመንገዲ ጽድቂ ምድራዊ ህይወቶም ዘሕለፉ እዮም። ስለዚ ቀዳምነት ንትምህርቲ ኣቦታት ብምሃብ፣ ዉልቃዊ ሓሳባት ከነጽንሖ ይግባእ። ካብ ዉልቃዊ ሓሳባቶም ተበጊሶም እዮም ብዙሓት ናይ ዘመንና መማህራን ሉተራን፣ ከም ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ትንሳኤ. . .ወዘተ፣ ዝኣመሰሉ መሰራታዊ ትምህርቲ ክርስትና ዝነጽግዎ ዘልዉ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ነቲ መበገሲ ትምህርትና ዝብልዎ መጽሓፍ ቅዱስ ከይተረፉ ይጠራጠርዎ ኣለዉ። ንከምዚ ኣካይድኦም ዝተዓዘበ ፓትሪያሪክ ኤርሚያስ 2 ከምዚ ብምባል መለሰሎም፣  

“እምበኣር ንትዉፊት ቤተክርስቲያን ካብ ዉልቃዊ ሓሳብ ርሒቅና፣ ብቅኑዕ ልቢ ንቀበሎ። “ኣምላኽ ኪፈጥረና ኸሎ ቅኑዓት ገይሩ ፈጠረና፣ ንሕና ግና ብልሓት ኣብዚሕና ንህወትና ሕልኽልኽ ኣእቶናላ።” (መክ 7፥29) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ትዉፊት ቤተክርስቲያንን ዝተወግዘ ትምህርቲ ክንመሃር ኣየድልየናን። እቲ ክቡር ሓዋርያ ጵዉሎስ ነዚ`ዩ ኣጠንቂቑና “ሕጂዉን ሓደ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ዚጻረር ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም ደጊመ “ዉጉዝ ይኹን” እብል ኣሎኹ” (ገላ 1፥9)።”
. . . ይቕጽል።

Thursday, March 7, 2013

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 2

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ . . . . 2ይ ክፋል

ግጉይ ግምት ቁ.2፦ መሰረት ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን መጽሓፍ ቅዱስ ኔሩ፣ ትዉፊት ግና ሰባት ድሕሪ ግዜ ዘተኣታተዉዎ ብልሽዉና እዩ።

ብፍላይ ኣብቶም ወንጌላዉያንን ካሪዝማቲክን ዝበሃሉ ጉጅለታት፣ እቲ “ትዉፊት” ዝብል ቃል፣ ክርስቲያናዊ መልክዕ ዘይብሉ፣ ን “ስጋዊ”፡ “ብመንፈስ ምዉት ዝኾነ”፡ “ኣዕናዊ” ወይ “ንኣጉል ኣኽራሪነት” ዝምልከት ቃል ጌሮም ይርድእዎ። ንሓድሽ ኪዳን ከንብቡ ከለዉ ዉን፣ ትዉፊት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጻረር ኮይኑ ይስምዖም፣ ብኸምዚዉን ንትዉፊት የወግዝዎ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ቤተክርስቲያን ስርዓት ቅዳሴ ኔርዋ፣ ዝበሃል ፈጺሞም ኣይቅበልዎን። ከምቲ ናቶም ኣባሃህላ፣ “ቤተክርስቲያን ምስ ተበላሸወት እዩ፣ እዚ ናይ ቅዳሴ ስርዓት ተኣታትዩ” ይብሉ። እዞም ሰባት ግና፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌሮም ኣጽኒዖም፣ ጽሑፋት ቀዳሞት ኣቦታት መርሚሮም፣ ታሪክ ቀዳሞት ክርስቲያናትን ቤተክርስቲያንን ምስ ዝፍትሹ፣ ሓደ ፍሉይ ነገር ይበርሃሎም። ንኣብነት፣ ቀዳሞት ክርስቲያናት ሰንበት ሰንበት ናብ ቤተክርስቲያን ዝማልእዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን፣ ኣብቲ ግዜ ቀሊል ናይ ሕትመት መሳርሒ ስለዘይነበረ፣ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ክህልወካ ኣጸጋሚ ኔሩ። ዉሕዳት ሰባት ጥራይ እዮም፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም። ኣብ ክንድዚ ኸኣ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ቤተክርስቲያን ንኣምልኾ ኣብ ትእከበሉ ስፍራ ይቕመጥ፣ ወይ ኸኣ ሓላፍነት ብዝተዋህቦ ኣገልጋሊ ይተሓዝ ኔሩ። መብዛሕቱአን ቤተክርስቲያናት ሙሉእ መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ኣይነበረንን፣ ዋላ ሓድሽ ኪዳን እንተኾነ ኣይነበረንን። ምክንያቱ ሓድሽ ኪዳን ክሳብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣይተወድአን ኔሩ፣ ደሓር ዉን ብቀኖና ዝጸደቀ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ፣ ቀዳሞት ክርስቲያናት መጽሓፍ ቅዱስ አየጽንዑን ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ የጽንዕዎን ይምርምርዎን ኔሮም፣ ግን ብዉልቂ ዘይኮነሲ፣ ብሕብረት እዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ክርስቲያናት ንመጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ይመርምርዎን የጽንዕዎን ኔሮም። ምክንያቱ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፣ ሓድሽ ኪዳን ኣይተዛዘመን ኔሩ። ስለዚ ከምዚ ካብ በልና፣ ኣብዚ ዓበይቲ ሕቶታት ክለዓል ግድንዩ። ቀዳሞት ክርስቲያናት ብዛዕባ ወንጌል፣ ብዛዕባ ህይወትን ትምህርቲን ጐይታ፣ ብዛዕባ ስርዓት ኣምልኮ፣ ብዛዕባ ባህሪያት ጐይታናን መድሓኒናን ክርስቶስ. . .ወዘተ ከመይ ጌሮም ክፈልጡ ከኣሉ፧ ኣብቲ ግዜቲ ካብ ሓዋርያት ዝተረኸብዎ ኣፈ ታሪካዊ ትዉፊት ጥራይ ኔርዎም። ብቐጥታ ካብ ሓዋርያት ዝተማህሩ ብዙሓት ምእመናን ኔሮም። ግን ድሕሪ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፣ ኩሎም ሓዋርያት ብሰማእትነት ስለዝሓለፉ፣ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ ምእመናን ካብ ትዉፊት እዮም ንክርስትና ዝተማህሩ። ድሒሮም ዝመጽኡ ወልዶ ብሓድሽ ኪዳን ኣቢሎም ንጽሑፋት ሓዋርያት የንብቡ እኳ እንተነበሩ፣ ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን ግና ንኩሉንትናዊ ህይወት ክርስትና ዳርጋ ካብ ትዉፊት እያ ተቀቢላቶ።

እዚ ዉን ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ብግልጺ ንረኽቦ። ንኣብነት ኣብ ጽሑፋት ቅ. ጳዉሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ንርአይ፦
“እምበኣር ኣቱም ኣሕዋትና! ጸኒዕኩም ቁሙ፣ ነቲ ብቓል (ቃላዊ ትምህርቲ) ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም ትዉፊት ከኣ ሓዝዎ።” (2 ተሰ 215) (Therefore, brethren, stand fast and hold the traditions which ye have been taught, whether by word [i.e. oral tradition] or our epistle)

ትዉፊት ዝብል ቃል ብግሪክ “ፓራዶሲስ paredosis” ብእንግሊሽ ኸኣ “ትራዲሽን tradition” ይበሃል። ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ትዉፊት ክትምህር ከላ ነዛ ቃል እያ ትጥቀም። ፕሮቴስታንት ኣብ ዘሕትምዎ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ቃል ናብቲ ንዕዖም ዝጥዕሞም ቃል ይቅይርዋ ኮይኖም እምበር፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቅ ጌርና ምስ ንምርምሮ ዝያዳ ክበርሃልና`ዩ። ትዉፊት፡ ፓራዶሲስ፡ ትራዲሽን ማለት ብሓጺሩ “ዝተወፈየ ወይ ዝተሰጋገረ” ማለት እዩ። ቃል ብቃሉ ካብ ኣወፈየ ዝብል ግሲ ዝተወስደ ኮይኑ፣ ትርጉሙ ምስግጋር ወይ ምትሕልላፍ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ እዛ ቃል ብኣወንታዊን ኣሉታዊን መልክዕ ተገሊጻ ንረኽባ። ኣብቲ ንናይ ፈሪሳዉያን ናይ ሓሶት ትምህርቲ ክግለጽ እንከሎ ትዉፊት ብምባል ብኣሉታዊ መልክዑ ይገልጾ (ማር 7፥3፡5፡8)፣ ኣብቲ ናይ ቤተክርስቲያን ቅኑዕ ትምህርቲ ክዛረብ እንከሎ ኸኣ ብኣወንታዊ መልክዑ ተገሊጹ ንረኽቦ። ስለዚ ናይ ፈሪሳዉያን ትዉፊት ግጉይ ዝገብሮ፣ ናይ ቤተክርስቲያን ትዉፊት ግን ቅኑዕ ዝገብሮ እንታይ እዩ፧ እቲ ምንጪ! ሓደ ትውፊት ቅኑዕ ወይ ግጉይ ዝበሃል ብምንጩ እዩ። ጐይታ ኢየሱስ፣ ምንጪ ናይ ፈሪሳዉያን ትዉፊት “ትዉፊት (ስርዓት) ሰብ the tradition of men” ብምባል ናይ ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጳዉሎስ ግን በቲ ሓደ ወገን፣ ናይ ክርስትና ትዉፊት ሓቀኛ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል “ብዂሉ ስለ እትዝክሩንን፣ ከምቲ ዝመሃርኩኹም [paredoka, a verbal form of paradosis] ጌርኩም ነቲ ትዉፊት [paradoseis] ስለ ዘጽናዕኩምዎን ኣመስግነኩም ኣሎኹ።” (1ይ ቆሮ 11፥2)። ነዚ ትዉፊት ግን ብመጀመርታ ካበይ ረኺብዎ፧ “እቲ ንኣኻትኩም ዘምሓላለፍኩልኩም ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ [paredoka] እየ” (1ይ ቆሮ 11፥23)። ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ነዚ ከተመልክት እያ ሓዋርያዊ ትዉፊት ትብለና “በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት” (ይሁዳ 3)። ምንጪ ናይ ቤተክርስቲያን ትዉፊት፣ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ባዕሉ፣ ብቐጥታ ናብ ሓዋርያት ኣወፈዮ። በቲ ዝገብሮ፡ ዝምህሮን፡ ዝዛረቦን ኣሰጋጊርዎ። ኹሉ ንሱ ዝገብሮን ዝመሃሮን ኣብ መጽሓፍ ኣይሰፈረን “ኲሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዝኸዉንሲ፣ ነቲ ዝተጻሕፈ መጽሓፍቲ ዂሉ እዚ ዓለም እኳ ኣይምኣኸሎን ይመስለኒ።” (ዮሃ 21፥25)። ሓዋርያት ነዚ ካብ ጐይታ ዝተቐበልዎ ፍልጠት ናብ ቤተክርስቲያን ኣዉሪሶማ። ቤተክርስቲያን “ናይ ሓቂ ዓንዲን መሰረትን” (1 ጢሞ 3፥15) ክትከዉን ዝኸኣለት ነዚ ሃብቲ`ዚ ስለዝዓቀበቶ እዩ።

ሓድሽ ኪዳን በዚ መንገዲ ኣነጺሩ የረድኣንና። ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን ብሓዋርያት ኣቢላ ካብ ጐይታ ዝተቐበለቶ ናይ ቃልን ጽሑፍን ትዉፊት ኔርዋ። ኣብቲ መጀመርያ እቲ ጽሑፋዊ ትዉፊት፣ ሙሉእ ኣይነበረን። ገሌአን ቤተክርስቲያናት ክፋል ጥራይ እዩ ኔርወን፣ ማለት ገሌአን ቤተክርስቲያናት መልእክቲታት፣ ገሌአን ኸኣ ወንጌል ኔርወን። ቀስ ብቀስ ማለት ድሕሪ ግዜ እዘን ጽሑፋት ተጠርኒፈን ሓድሽ ኪዳን ተባህላ። ቤተክርስቲያን ነቶም ቅኑዓት (authentic) ጽሑፋት ከመይ ጌራ ክትፈልየን ከኣለት፧  ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፣ መናፍቃን ናይ ሓሶት ትምህርቲ ከመሓላልፉ ብስም ሓዋርያት ጌሮም ዘዳልዉዎ ጽሑፋት ኔሩ። ቤተክርስቲያን ነቲ ናይ ሓዋርያት (ሓቀኛ) ካብቲ ናይ ሓሶት (መናፍቃን) ከመይ ጌራ፣ ክትፈልዮ ከኣለት፧ እቲ ብቃል ዝተወራረሱ ትዉፊት እዩ፣ ቤተክርስቲያን ነዚ ዉሳነ ክትዉስን ዝሓገዛ። 

ፕሮቴስታንት ንቅዱስ ትዉፊት ፍጹም ዝቃወሙሉ ምኽንያት፣ ንሳቶም ዝፈልጥዎ፣ ነቲ ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ዘሎ ትዉፊት እዩ። ናይ ሮም ትዉፊት፣ ኣብ ስልጣን ብዝተሾመ ፖፕ ዝቀያየርን፣ ቅድም ዘይነበረ ሓድሽ ትምህርቲ ዝፈጥርን እዩ (ንኣብነት ፍጹምነት ናይ ፖፕ Papal Infallibility)። ብኣንጻሩ ናይ ኦርቶዶክስ ትዉፊት ኣይቅየርን ኣይዓብይን። እቲ ቅድም ዝተረኸበቶ ክሳብ ሕጂ ኣሎ። ቤተክርስቲያን ካብ መናፍቃን ዕንቅፋታት ክገጥማ እንከሎ፣ ነቲ ሓቂ ካብቲ ጌጋ ፈልያ ብንጹርን ዓሚቕን መንገዲ ተኸላኪላ እያ፣ ኮይኑ ግና እቱ መሰረታዊ ሓቂ ኣይቅየርን። ምናልባት ኣብ ታሪካዊ ጉዕዞኣ፣ ቤተክርስቲያን ንዝሓለፈቶ ተሞክሮ ትምሃረሉ እያ፣ ነቶም ካብቲ ህይወት ዝቦቐሉ ቅዱሳን ኣይትርዖምን፣ ነቲ እምነት ብሓቂን ቅኑዕን መንገዲ ስለዝገለጽዎ፣ ጽሑፋቶም ዓቂባቶ ኣላ። ምክንያቱ “በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት” (ይሁዳ 3) ክንጸንዕ ስለዘለና።

ግን፣ ቤተክርስቲያን ንሓዋርያዊ ትዉፊት ከም ዝዓቐበት እንታይ መረጋገጺ ኣለና፧ ሓጺር መልሲ፣ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣብ ቤተክርስቲያን ከም ዝዕቀብ ጌርዎ፣ ምክንያቱ ከምኡ ከምዝገብር ቃል ኣትዩልና እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንቤተክርስቲያኑ ኣብ ከዉሒ ከምዝሓንጻን፣ ኣፈደገታት ስኦል ዉን ከምዘይሕይልዋ ተማባጺዑልና እዩ (ማቴ 16፥18)። ክርስቶስ ባዕሉ ርእሲ ቤተክርስቲያን እዩ (ኤፈ 4፥16)፣ ቤተክርስቲያን ኸኣ ኣካሉ (ኤፈ 1፥22-23)። ቤተክርስቲያን ንሓዋርያዊ ትዉፊት ኣጥፊኣቶ እንቴልና፣ እቲ ሓቂ ኣብ ቤተክርስቲያን የለን፣ ቤተክርስቲያን ዉን ማዕከን ሓቂ ኣይኮነትን ማለት እዩ። ምክንያቱ ቤተክርስቲያን ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ስለዝኾነት (1 ጢሞ 3፥15)። ፕሮቴስታንት ዝደጋግምዎ ልሙድ ኣገላልጻ ታሪክ ቤተክርስቲያን፣ ካብ ዘመን ቆስጠንጢኖስ ክሳብ ዘመነ ሕዳሴ (16 ክ.ዘ. ምንቅስቃስ ፕሮቴስታንት ዝጀመረሉ) ቤተክርስቲያን ኣብ ጥፍኣት ጉዕዞ ኔራ፣ ይብሉ። እዚ ማለት ካብ ዘመን ሓዋርያት ክሳብ ክሳብ ዘመን ቆስጠንጢኖስ ቤተክርስቲያን ኣብ ቅዱስ መንገዲ ኔራ፣ ደሓር ግን ክሳብ ምንቅስቃስ ፕሮቴስታንት ዝጅምር፣ ቤተክርስቲያን ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ኔራ፣ እዩ። በቲ ካልእ ኣገላልጻ፣ ንልዕሊ 1200 ዓመት ኣፈደጋታት ስኦል ንቤተክርስቲያን ሓይሎማ ኔሮም፣ ማለት እዩ። በዚ ናቶም ኣበሃህላ ንቃል ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ የፍርስዎ ኣለዉ። ኣይኮነን ንክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ዘመናት፣ ንሓንቲ መዓልቲ ዉን ትኹን፣ ቤተክርስቲያን ኣካል ክርስቶስ ካብ ምዃን እንድሕሪ ኣቛሪጻ፣ ኣፈደገታት ስኦል ሓይሎማ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ንኹሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተስፋታት ጐይታ ኣይተፈጸመን ማለት እዩ። እዚ እንድሕሪ ኮይኑ እቲ ሓቂ፣ ጐይታ ብፍረ ኣድሪ መሲሉ ንዕብየት ቤተክርስቲያን ክምህር እንከሎ፣ ከምዚ ኢሉ ክገልጾ ምተገብአ፥ ሓንቲ ክትቦቅል ዝጀምረት ኣታኽልቲ እሞ ዝተዶቕሰት፣ ድሕሪ ግዜ ኣብ ክንዳኣ ካልእ ፍረ ቦቒላ ዝዓበየት። ኮይኑ ግና ጐይታ፣ ሓንቲ ንኢሽቶ ፍረ ኣድሪ ትቦቅል እሞ፣ ቀስ ኣንዳበለት ናብ ዓቢ ገረብ ትዓቢ፣ ካብ ኲለን ኣሕምልቲ ዉን ዝዓበየት ኦም ትኸዉን (ማቴ 13፥31-32) እዩ ዝበለ።  

ገሊኦም ኸኣ፣ ውሑዳት ሓቐኛ ኣመንቲ ፕሮቴስታንት ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ በዓቲታት ተሓቢኦም ኒሮም፣ ይብሉ፣ መርትዖ ግን የብሎምን። ብጴንጤቆስጤን የሀዋ መሰኻኽር ከም ኣብነት ዝጥቀሱ፣ ዋልደስያንስ (Waldensians) ዝበሃሉ ጉጅለ እንተ ወሲድና፣ ኣብ 12 ክፍለ ዘመን እዮም ኔሮም። እዞም ሓቐኛ ኣመንቲ ዝብልዎም፣ ኣብ ዘመን ግዝኣት ሮማ ይግፍዑ ኔሮም ንበል እሞ፣ ደሓር ግና ክርስትና ናጻ ሃይማኖት ምዃኑ ምስ ተኣወጀ ስለምንታይ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነብርዎ ቦታታት ወጺኦም ብናጽነት እምነቶም ዘይገለጹ፧ ብሓቂ እዞም ኔሮም ዝበሃሉ ጉጅለታት ንልዕሊ ሽሕ ዓመታት ንኹሉ መሰናኽላት ተጻዊሮም ኔሮም፣ እንተተባሂሉ ስለምንታይ ገለ መርትዖታት ወይ ኣሰር ዘይርከብ፧ ብሓቂ እዚ ዝብልዎ ሓሳብ ሓቂ እንተዝኸዉን ገለ ታሪካዊ ድዩ ትምህርታዊ ሰነድ ምተረኽበ።

ገሊኦም ዉን፣ ንታሪክ ቤተክርስቲያን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ነዚ ዝስዕብ ሕቶ የልዕሉ። ኣብ ታሪክ ቤተክርስቲያን፣ ነንሕድሕዶም ዘይሰማምዑ መማህራን ኔሮም፣ ስለዚ ከመይ ጌርና ሓዋርያዊ ትዉፊት ተዓቂቡ ንብል፧ ወይ ኸኣ፣ ሓደ ግጉይ ኣካይዳ ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ ዝገሃድ፣ ካብቲ ሓዋርያዊ ትዉፊት ከመይ ጌሩ ክፍለ ይከኣል፧ ነዚ ሕቶ ዘልዕልዎ ምስ ናይ ሮም ኣካይዳ ብምትሕሓዝ እዩ። ኣብ ናይ ሮም ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ሓድሽን ግጉይን “ትዉፊት ዝብልዎ” ኣካይዳ ኣታኣታትዮም እዮም። እዚ ዝኾነሉ ምክንያት፣ ምዕራብ ላቲናዉያን፣ ኣብ ትዉፊት ዘለዎም ግጉይ ርድኢት እዩ። ኦርቶዶክስ ካብ ምዕራባዊ ቤተክርስቲያን ብቐንዱ ክትፍለ ዘኽኣላ፣ ኣብ ትዉፊት ዘልዋ ሓቐኛ ርድኢት እዩ፣ መሰረታዊ ትዉፊት ዘይቕየርን፣ ኣድማሳዊን (ዓለምለኻዊነቱ ዝሓለወ) እዩ። ሓቀኛ ሓዋርያዊ ትዉፊት ኣብ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ከይተቀየረ ንነዊሕ ዘመናት ይጸንዕ። ንሓቐኛ እምነት ክትረኽቦ እንተደሊኻ፣ ቤተክርስቲያን ካብ ቅድም ጀሚራ፣ ኣብ ሙሉእ ታሪኻ፣ ኣብ ኹለን ቤተክርስቲያን ዝርኸብ እምነት ርኸቦ፣ ንሱ እዩ እቲ ሓቂ። ኣብ ታሪክ ዘየለ፣ ዘይጸንሐ፣ ዘይነበረ ትምህርቲ፣ ክሕደት እዩ። ሓቂ ምዃኑ መረጋገጺ ኣብ ኣድማሳዊነቱ ዉን እዩ። እዚ ክበሃል ኸሎ ግና፣ ካብ ቤተክርስቲያን ዝተፈለዩ መናፍቃን ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን፣ ቅዱስ ጳዉሎስ ከም ዝገለጾ “እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግሃድስ ኣብ ማዕከልኩም ምፍልላይ (ምንፍቅና) ኪኸዉን ግዲ እዩ።”  (1 ቆሮ 11፥19)።
. . . . . .ይቅጽል

ስግዉ ቃል 3


ምዕራፍ 2. ሰማያዊ መዋጥርን፣ ፍታሕ ብተዋሕዶን

ክቡራት ምእመናን ምናልባት ኣርእስቲ ናይዛ ምዕራፍ ምስ ኣንበብኩም ቅሩብ ግር ይብለኩም ይኸዉን። እቲ ናይ ኢንግሊሽ ኣርእስቱ The Divine Dilemma and its Solution in the Incarnation እዩ ዝብል። ብቀጥታ ክቱርጉሞ ዝመረጽኩ ዉን እዛ ምዕራፍ ኣጋጢሙሙ ንዝነበረ መዋጥር ብንጹር ስለትምህር እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ነዚ ኣርእስቲ ክህብ እንከሎ፣ ኣምላኽ ተዋጢሩ ንኽብል ዘይኮነስ፣ ነቲ ኩነታት ንምግላጽ እዩ። ማለት ኣብ ዉሽጢ ህይወት ደቂ-ሰባትን ኣጋጢሙ ንዝነበረ ዉጥረት ንምግላጽ እዩ። ብዝያዳ ነዘን ክልተ ቁጽሪ ምስ ኣንበብኩም ቅሩብ ክበርሃልኩም እዩ
6. ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ፣ ሞትን ጥፍኣትን ነጊሱ ስለዝነበረ፣ ኩል ሰብ ናብ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት የምርሕ ከምዝነበረ ርኢና። እቲ በመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢሩ፣ ብህላዌኡን ምንቅስቃሳቱን ግብሪ ቃል ዘዘንቱ ዝነበረ ሰብ፣ ናብ ሞት የምርሕን፣ ግብሪ እግዚአብሔር ዉን ይጠፍእ ኣሎ። እቲ ብሰንኪ ሕጊ ምጥሓስ ዝመጽአ ሕጊ ሞት ኣብ ልዕሌና ኣስፋሕፊሑ ነበረ፣ ካብዚ ዉን ማንም ክሞሉቕ ኣይኽእልን። ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ዘዋጥርን፣ ዘይግቡእን እዩ። እግዚአብሔር ሕጂ ተመሊሱ ነቱ ንሱ ዝተዛረቦ ቃል ክልዉጥ ማለት፣ “ንሰብ ደሓን ኣይኽትመዉትን ኢኻ፣” ክብሎ ዘይሕሰብ እዩ። ግን ከኣ እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠረ፣ ግብሪ ቃል ዝዀነ ሰብ፣ ብሰንኺ ጥፍኣት ናብ ዘልኣለማዊ ሞት ክምለስ ዉን ቅቡል ኣይኮነን። ሰይጣን ብዝፈጠሮ ምትላል፣ እቲ ፍጡር እግዚአብሔር ዝዀነ ሰብ ናብ ሞት ከምርሕ ማለት፣ ምስ ሰናይ ባህርያት ኣምላኽና ኣይሰማማዕን። ኣምላኽ ኣብ ሰብ ዝገበሮ ስራሕ፣ እንተ ብናይ ሰባት ሸለልተኝነት እንተ ብሰይጣን ምትላል፣ ንኸንቱ ክተርፍ ግቡእ ኣይኮነን።
ኣእምሮ ተዓዲልዎ ዝተፈጥረ፣ ዓቢ ግብሪ ኣምላኽ ናብ መንገዲ ጥፍኣት፣ ናብ መንገዲ ዘለኣለማዊ ሞት የምርሕ ኣሎ። እምበኣር እዚ ካብ ኾነ፣ እቲ ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር እንታይ ይግበር፧ ሞትን ጥፍኣትና ኣብ ልዕሊ ሰባት ነጊሱ ክነብር ድዩ ሱቕ ኢሉ ክርእዮም፧ ከምዚ እንድሕሪ ኮይኑ ደኣ`ሞ ንምንታይ ንሰብ ይፈጥሮ፧ ካብ ተፈጢሩ ናብ ሞት ከምርሕ፣ ብመሰረቱዉን እንተዘይፍጠር ይሓይሽ። ብተወሳኺ፣ ኣቲ ብኢዱ ኣኽቢሩ ብፍሉይ ኣገባብ ብመልክዑን ብምስሉን ዝፈጠሮ ሰብ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ክጠፍእ ኸሎ ሱቕ ኢሉ ክርእዮ ማለት፣ ብሓቒ ምስቲ ባህሪያዊ ሓይሊ እግዚአብሔር ዘይሰማማዕ እዩ። ክመዉት እንከሎ ሱቕ ኢሉ እንተርእይዎ፣ ዳርጋ ኣምላክ ገለ ሕጽረት ማለት ዓቕሚ ይዉሕዶ`ዩ ዘብል። ካብ ኣይፈጠረን ኢልካ ምዝራብ፣ ንሰብ ፈጢርዎ ግን ኣየድሓኖን ኢልካ ክትዛረብ ከለኻ፣ ኣምላኽ ገለ ሕጽረታት ከምዘለዎ እዩ ዘስምዕ። ሎቱ ስብሓት እግዚአብሔር ከምኡ ኣይኮነን። ስለዚ እግዚአብሔር፣ ሰብ ብጥፍኣት ተዋሒጡ ናብ ሞት ከምርሕ እንከሎ፣ ሱቕ ኢሉ ክርእዮ ዘይከኣል እዩ፤ ምክንያቱ ምስቲ ናቱ ባህሪ ኣይሰማማዕን።
7. ጉዳይ በዚ ኣየብቅዕን፣ ከምቲ ዓንተዎ ዝበልናዮ፣ ኣቡኣ ንሓቂ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እግዚአብሔር፣ ነቲ ኣቐዲሙ ንሰብ  ብዛዕባ ሞት ዝተዛረቦ ቃል፣ መታን ንሕና ንዘለዓለም ክንነብር፣ ዳግመ ግምት ጌሩ ክቕይሮ ማለት፣ ዘይሕሰብ እዩ። ከምኡ እንተጌሩ ኣምላኽ ቃሉ ይቕይር ስለዘሎ፣ ሓሳዊ ክኸዉን እዩ። ነብሱ ሓሳዊ ክገብራ ኣይኽእልን። ምክንያቱ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓቀኛ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ እንታይ ይግበር፧ ሰባት ሓጢኣቶም ክንዛዙ ድዩ ክጽበይ፧ ምናልባት እዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ይመስል፣ ምክንያቱ፣ ብሰንኪ ሕጊ ምጥሓስ ናብ ጥፍኣት የምርሑ ኔሮም፣ ንስሓ ብምእታዎም ከኣ፣ ሞት ካብኦም ኣልገሰ፣ ኢልኻ ክትዛረብ ጽቡቕ ይመስል። እዚ ግና ምስ ኣምላኻዊ ፍርዲ ኣይሰማማዕን። ምክንያቱ ዋላ ሓጢኣቶም ተናዚዞም ንስሓ ስለዝኣተዉ፣ ኣምላኽ ዝፈረዶ ፍርዲ ክቅይሮ ማለት እቲ ክትመዉት ኢኻ ትብል ቃል እንተተሳዒራ፣ ሕጂዉን እግዚአብሔ ዘይሓቀኛ ይኸዉን ኣሎ። ንስሓ ምናልባት ሓጢኣት ካብ ምስራሕ ደው የብለኻ ይኸዉን፣ ግን ካብቲ ባህሪያዊ ጉድለታት ኣየድሕነካን። ማለት ሰብ ካብ ዘይምንባር ዝተፈጥረ ብባሕሪኡ ህይወት ዘይብሉ ግዚያዊ እዩ፣ ስለዝኾነ ኸኣ ብንስሓ እዚ ባህሪያዊ ነገር ኣይቕየርን። እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሕጊ ምጥሓስ ጥራይ ኮይኑ እንተዝኸዉን ማለት እቲ ናይ ሞትን ጥፍኣትን ነገራት እንተዘይህሉ ኔሩ፣ ብሓቂ ንስሓ ፍታሕ ምኾነ። ግን፣ ሰብ ሕጊ ምስጠሓሰ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ከም ጸጋ ሓዲሩ ዘነበረ መልክዕ ኣምላኽ ርሒቕዎ፣ ከም ዉጽኢቱ ዉን ኣብ ትሕቲ ሞትን ጥፍኣትን ወደቐ፣ እዚዉን ባህሪያዊ እዩ። ምክንያቱ ሰብ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ተፈጢሩ፣ ሕጊ ምስ ጠሓሰ ኸኣ ናብ ዘይምንባር (ሞትን ጥፍኣትን) ተመልሰ። ንስሓ ካብዚ ጸገም ኣየድሕንን። ነዚ ንሕና ዘድልየና መድሓኒ ካበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧ በየናይ መንገዲ ኢና ክንድሕን ንኽእል፧ እቲ ካብ መጀመርታ ካብ ዘይምንባር ዝፈጠረና ቃል፣ ሕጂዉን ከድሕነና ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ከምቲ ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላዉ፣ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዝፈጠረና፣ ሕጂ ዉን ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ ሞትን ጥፍኣትን ክርሕቀልና ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ናይ ኣብ ቃል ስለዝኾነ፣ ልዕሊ ኩሉን ፍሉይን እዩ፣ ዳግማይ ክፈጥርን ክሕድሰናን፣ ኣብ ክንዲ ኩላትና ክሳቐ ዝኽእል ንሱ እዩ። በዚ ዉን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣብ ኣምባሳደር ኮነልና።

Friday, March 1, 2013

ስግው ቃል 2


ምዕራፍ 1. ስነ-ፍጥረትን ዉድቀትን. . .

3.   ርእይቶ ደቂ ሰባት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኮይኑ፣ ድፍረት ዝመልኦ ዕሽነቶም ኸኣ ብትምህርቲ ክርስቲያናዊ እምነት እዩ ዝግለጽ። ንሕና ንፈልጦ እዚ’ዩ፣ ንኣድማስ ዝፈጠረ ጥበብን ኣእምሮን ኣሎ፣ ዓለም ባዕላ ዝተፈጥረት ዘይኮነትሲ እግዚአብሔር ኣምላኽ `ዩ ፈጢርዋ። ኣምላኽ  ድሩት ዘይኮነሲ፣ ፍጹም ዘይዉስን እዩ፣ ስለዚ ንዓለም ካብ ህሉው ነገር ዘይኮነስ፣ ካብ ዘይምህላዉን ካብ ዘይምንባርን ማለት እም ሃበ ኣልቦ እዩ ፈጢርዋ። ኣምላኽ ንዂሉ ነገር ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ብቃል ኣቢሉ ፈጠሮ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት “ኣምላኽ ብምጀመርታ ሰማይን ምድሪን ፈጠረ ” ይብል /ዘፍ 1፥1/። ከምኡ ዉን ኣብታ ናይ ሄርማስ ጓሳ (The Sheperd of Hermas) ትብል መጽሓፍ ዉን ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ንረኽብ “ ቅድም ቀዳድም ነዚ ነገር ፍለጥ፣ ሓደ ኣምላኽ ከምዘሎን፣ ንኲሉ ነገር ዝፈጠረን ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ንዂሉ ዘዳለወ ዉን ንሱ ሓደ ኣምላኽ ምኳኑ እመኑ።” / The Shepherd of Hermas, Book II. I /። ቅ.ጳዉሎስ ዉን ኣብ መልእክቱ ነዚ የረድኣና፣ “ዓለም ብቃል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፣ ከም ኡዉን እቲ ዚርኤ ካብ ዘይርኤ ከም ዝዀነ ብእምነት ነስተዉዕሎ ኣሎና።” /ዕብ 11፥3/። እግዚእብሔር ሰናይን፣ ምንጪ ዂሉ ሰናያትን እዩ። ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ ኣምላኽ ኸኣ በቃቕ ወይ ነፋግ ክኸዉን ፍጹም ኣይኽእልን። ነፋግ ወይ በቃቕ ስለዘይኾነ ኸኣ፣ ብቃሉ ማለት ብጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንዓለም ካብ ዘይምንባር (እም ሃበ ኣልቦ) ናብ ምንባር ፈጠራ። ካብዞም ኹሎም ፍጥረታት ዓለም፣ ንዘርኢ ሰብ ጥራይ ፈልዩ ፍጹም ጸጋን ምሕረትን ኣዳለወሉ። ሰብ ብባህሪኡ ከም እንስሳ ግዚያዊ ፍጡር እዃ እንተኾነ፣ ኣብ ካልኦት እንስሳታት ዘይርከብ ፍሉይ ትዕድልቲን ጸጋን ግን እግዚአብሔር ዓዲልዎ እዩ። እዚ ፍሉይ ጸጋ ወይ ትዕድልቲ ኸኣ፣ ንወልደ ኣምላኽ ክመስሉ፣ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ምዉናን እዩ። ብኸምዚ ኸኣ ንወልደ ኣምላክ ይመስሉ። ስለዚ ሰብ ክነብር እንከሎ፣ መልክዕን ኣእምሮን ኣምላኽ እዩ ዘግህድ ወይ ዝገልጽ። ብዝተወሰነ ደረጃ ደኣ ይኹን እምበር፣ ኣብ ገነት ንዘልዓለም ብቅድስና ክነብሩ`ዩ ተመዲቡ።
ኾይኑ ግና፣ ሰብ ብናጻ ፍቃድ ዝተፈጥረ ስለዝኮነ፣ ዝሓሸን ዝደለዮን ክመርጽ ይኽእል። ኣምላኽዉን ካብ መጀመርታ፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዘሕደሮ ጸጋ ብክልተ ቅድመ ኩነት ከምዝሕሎ ገበሮ።  እዘን ክልተ ቅድመ ኩነት፣ ቦታን (ገነት)፡ ሕጊን (ዕጸ-በለስ ንከይበልዑ)  እየን። እግዚአብሔር ኣብቲ ናቱ ቦታ ኣብ ገነት ኣንቢሩ ሓንቲ ከልካሊት ሕጊ ኸኣ ሃቦም። ጸጋኦም ዓቂቦም፣ ናይ ቅድም ቅድስንኦም ብፍቕሪ ሓልዮም እንተነበሩ፣ እታ ቃንዛ፣ ሕማም ኮነ ጓሂ ዘይብላ ናይ ገነት ህይወት ንኽነብሩን፣ ብድሕሪኡ ዉን ንዘልኣለም ህያዋን ኮይኖም ኣብ መንግስተ ሰማያት ይነብሩ።  ግን ዝተዋህቦም ጸጋ ዉልድነት ደርብዮም፣ ናብ ክፍኣት ዘንቢሎም፣ ካብ መንገዲ ኣምላኽ እንተልገሱ ግና፣ ኣብ ትሕቲ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ሞት ይወድቁ፣ ኣብ ገነት ዉን ኣይነብሩን። እንታይ ደኣ፤ ካብ ገነት ወጻኢ ይሞቱ፣ ኣብ ትሕቲ ሞትን ጥፍኣትን (ምምሽማሽን) ኸኣ ወዲቆም ይነብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዉን ንሕጊ እግዚአብሔር ክነግር እንከሎ፣ ነዚ ሓሳብ`ዩ ዘረድኣና፣ “ካብ ኲሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፣ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፣ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመዉት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ ” /ዘፍ 2፥16/። “ሞት ክትመዉት ኢኻ” /"Ye shall surely die"/ ክብል ከሎ ሞት ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ፣ ኣብ ኲነት ሞትን ምምሽማሽን ይጸንሕ ማለቱ’ዩ።
4. ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ቃል ስጋ ምዃኑ ገዲፍና፣ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰባት ምዝራብና፣ ይገርመካ ይኸዉን። ክልቲኡ ነጥቢ ግን ምትሕሓዝ ኣለዎ። ናትና ጌጋ፣ ንቃል ካብ ሰማይ ኣዉረዶ፣ ናትና ምጥሓስ ሕጊ፣ ፍቕሩ ንኽገልጽ ገበሮ። ኣምላኽ ክረድኣናን፣ ከድሕነናን ኣብ ማዕከልና ተረኽበ። ስጋ ንክወሃሃድ ምኽንያት ዝኾንናዮ ንሕና ኢና። ምእንቲ ድሕነትና ክብል ብፍቕሪ፣ ስጋ ለቢሱ ተወልደን ተገልጸን። ኣምላኽ ንሰብ፣ መንፈስ ዝተወሃሃደ ስጋ ጌሩ ብምፍጣር ንዘልኣለም ንኽነብር’ዩ መዲብዎ። ሰብ ግን፣ ካብ ሕጊ ኣምላኽ ኣልጊሱ ናብ ናይ ክፍኣት መንገዲ ዘንበለ፣ ከም ዉጽኢቱ ዉን ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሞት ወደቐ። ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣምላኽ ዝፍጠሮም ዂነት (state) ዝጸንሕ፣  ናብ መስርሕ ዘልኣለማዊ ጥፍኣትን ምምሽማሽን ይኸይድ ነበረ። ሞትዉን ፍጹም ገዚኣቶ ነበረት። ሰብ ሕጊ ምጥሓሱ ናብቲ ናይ ቀደም ቦህሪኡ ናብ ዘይምንባር  (ዘልኣለማዊ ሞት) ከምዝምለስ ኾነ። ቅድም ዉን ካብ ዘይምንባር (ዘይምህላው) ናብ ምንባር (ምህላው) እዩ ተፈጢሩ፣ ሕጂ ኸኣ ብሰንኪ ጥፍኣት ተመሊሱ ናብ ናይ ቀደም ዂነት ማለት ናብ ዘይምህላው ይኸይድ ነበረ። 
ናይ ቃል (ወልድ) ህላወን ፍቕሪን  እዩ ናብ ምንባር ዝጸዉዓና፣ ስለዚ ነቲ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ኣምላኽ ምስ ሰኣኑ (ምስ ኣጥፍኡ) ኸኣ፣ ናብ ዘይምንባር ይምለሱ። እምበርከ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘልዓለማዊ፣ ክፍኣት ግን ኣንጻር ሰናይ ነገር ስለዝዀነ ህላወ የብሉን። ሰብ ካብ ዘይምንባር ስለዝተፈጥረ (he was made from nothing)፣ መዋቲ እዩ፣ ኮይኑ ግና መልክዕን ምስሊን አምላኽ ኸኣ ኣለዎ። ነዚ ምስሊን መልክዕን ኣምላኽ፣ ሕጊ ብምሕላው ብቀጻሊ እንድሕሪ ዓቒብዎ፣ ንዘልኣለም ህያው ኮይኑ ክነብር ይኽእል። ሰሎሞን ዉን ነዚ ከብርሃልና እንከሎ ኣብ መጽሓፈ ጥበብ ከምዚ ይብል፣ “ምሕላው ሕጊ ከም ዘይትመዉት ምርግጋጽ ማለት እዩ።” /ጥበብ 6፥18/። ሰብ ንጹህ፣ ቅዱስን ምዃኑ፣ ምስ እግዚአብሔር የመሳስሎ፣ ከምቲ መጽሓፍ ዝብሎ “ኣነስ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ ኩላትኩም ዉልድ እቲ ልዑል ኢኹም፡ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፣ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዉን ክትወድቁ ኢዂም፣ በልኩ።” /መዝ 82፥6/።
5. ኲነት ደቂ ሰባት እምበኣር ከምዚ እዩ ኔሩ። እግዚአብሔር ካብ ዘይምህላዉ ፈጢርዎም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብጸጋ ቃሉ ኣቢሉ፣ ህይወት ኣልቢስዎም ነበረ። ከምኡ ህያዉ ኮይኖም ክነብሩ ፈጠሮም። ሰባት ግና ብምኽሪ ዲያብሎስ፣ ካብቲ ዘለዓለማዊ መንገዲ ኣልጊሶም ናብቲ ናብ ጥፍኣት መንገዲ ኣቅንዑ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥፍኣት ዉን ባዕሎም ኣወጁ። ዘለዓለማዊ ኩነኔ ብሞት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊኦም ነገሰ። ከምቲ ዓንተቦ ዝበልክዎ፣ ሰባት ብተፈጥሮኦም መወትቲን ግዚያዊን እኳ’ንተዀኑ፣ ካብ ሕብረት ቃል ዝረኸብዎ ጸጋ ግና ነዚ ሕጊ ተፈጥሮ ክስዕሩ ኣኽኢልዎም። ነዚ ዉህበት ጸጋ እንድሕሪ ዓቂቦሞ ኸኣ ንዘለዓለም ይነብሩ። ህላወ ቃል ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዉን ካብዚ ተፈጥሮኣዊ ሞት (ዘይምንባር)  ዓቂብዎም። “እግዚአብሔር ንሰብ ዘይመዉት ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። እወ ብመልክዑ ዘለዓለማዊ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ሞት ግና ብቅንኣት ሰይጣን እያ ናብ ዓለም ዝኣተወት።” /ጥበብ 2፥23-24/ ኢሉ ንጉስ ሰሎሞን ዝተዛረቦ ዉን ነዚ ከረድኣና እዩ። እዚ ምስዀነ ዉን፣ ሰባት ክሞቱ ጀመሩ፣ ዘለኣለማዊ ምምሽማሽ ዉን ኣብ ኩሎም ነገሰ፣ ናብ ናይ ቀደም ተፈጥሮኣዊ ደረጃዉን ከምዝምለሱ ገበሮም። ምክንያቱ፣ ሕጊ ብምጥሓሶም ካብ እግዚአብሔር ዝተበየነ መቅጻዕቲ ስለዝዀነ። ንሓጢኣት ሓንሳብ ምስ ጀመርዎ፣ ብኡ ኣቢሎም ቀጸልዎ፣ ሞትን ዘልዓለማዊ ምምሽማሽን ኣብ ልዕሊኦም ነገሰ። በገቢረ ሓጢኣት ዉን ካብ ሕማቕን ክፉእን፣ ናብ ዝገደደ ክፍኣት ቀስ እንዳበሉ ዉን ንኩሉ ደረት ክሳዕ ምስጋር በጽሑ። ልክዕ ከም ሓደ ሸዉሃቱ ዝተኸፍተሉ ሃርጋፍ ዉን፣ ሓደስቲ ሓጢኣት ብምምሃዝ ሽውሃት ሓጢኣቶም ኣርወዩ። ዝሙትን ቅጥለትን ኣብ ኹሉ እዩ፣ ዓመጽን ቅትለትን ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርግሐ፣ ሕጊ ተሳዒሩ፣ ፍትሒ ተናዒቁ። ዂሉ ዓይነት ሓጢኣት ብኩሉ ሰብ (ብሕብረት ይኹን ብዉልቂ) ተፈጸመ። ከተማ ምስ ከተማ፣ ሃገር ምስ ሃገር ኲናት ገጠሙ፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተለዓለ። ኣብ ኲላ ምድሪዉን ጃንዳዊ ህልቀትን ኲናትን ዀነ። ነንሕድሕዶም ዉን ብግብሪ ክፍኣት ይቀዳደሙ ነበሩ። ዘይተፈጥሮኣዊ ሓጢኣት ዉን ነበር። ሰማዕት ዝዀነ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያ፣ ቅ.ጳዉሎስ ነዚ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፣ “ደቂ ኣንስትዮኦም ከይተረፋ ነቲ ባህርያዊ ግብረ ስጋ ናብ ዘይባህርያዊ ለወጥኦ፣ ሰብኡትዉን ከምኡ ነቲ ምስ ጓል ኣንስትዮ ዚፍጸም በህርያዊ ግብረ ስጋ ሓዲጎም ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ነደዱ፣ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነዉሪ ገበሩ፣ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተት ግቡእ መቕጻዕቲ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣዉረዱ።” /ሮሜ 1፥26-27/።