Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Wednesday, February 26, 2014

ጸሎት፡ ጾምን ምሕረትን- ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለወርቅ


ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለወርቅ (ክሪሶሎገስ) ካብ 380-450 ዓ.ም. ናይ ራቬና ትበሃል ዓዲ ጳጳስ ዝነበረ፣ ሓደ ካብቶም ሊቃዉንት ቤተክርስቲያን እዩ። እዚ ብመሪሕነት ራእይ ካብ እግዚአብሔር፣ ጳጳስ ኮይኑ ዝተሾመ ኣቦ፣ ብዙሕ ትሩጓሜ፣ መልእኽቲታትን፣ ዝተፈላለዩ ትምህርተ ሃይማኖታዊ ጽሑፋትን፣ ኣንጻር ኣርዮስን ኣዉጣኺን ዝኣመሰሉ መናፍቓን ብዙሕ ጽሑፍ ዝጸሓፈ እዩ። እዛ ጽሕፍቲ ድማ ምስ`ዚ ሒዝናዮ ዘለና ቕነ ስለትኸይድ፣ ፖስት ይገብራ ኣለኹ።
የሕዋተየ፣ ንሰናይ ግብሪ ዘጽንዓ፣ ንተወፋይነትና ዘራጉዳ፣ ንእምነትና ዉን ዘትርራ ሰለስተ ነገራት ኣለዋ። እዚኣተን ድማ፣ ጸሎት፡ ጾምን፡ ምሕረትን እየን። ብጸሎት ኣፍደገ ትኹሕኩሕ፣ ብጾም ትህብ፣ ብምሕረት ድማ ትቕበል። ጸሎት፡ ጾምን፡ ምሕረትን፣ እዘን ሰለስተ ሓደ እየን፣ ንኹልና ዉን ህይወት ይህባና።

ጾም ናይ ጸሎት ነፍሲ (እስትንፋስ) እዩ፣ ምሕረት ድማ ናይ ጾም ደም እዩ። ማንም ሰብ ነዘን ሰለስተ ክፈላልየን ኣይግባእን፣ ዝፈላለያ ዉን ኣይዀናን። ንሓንቲ ካብዚአን ጥራይ ሒዝካ፣ ግን ድማ ነተን ካልኦት እንድሕሪ ሓድግኻየን፣ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብልኻን። እምበኣር ካብ ጸለኻ፣ ምስኡ ድማ ጾም ጹም፣ ትጸዉም እንድሕሪ ኮይንኻ ድማ፣ ምሕረት ግበር። ጸሎት ልማኖኻ ክስማዓልካ እንተደሊኻ ንስኻዉን ናይ ካልኦት ልማኖ ስማዕ። እዝንኻ ንካልኦት ዘይትዓጹ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ኣምላኽ ጸሎትኻ ክሰምዕ እዝኑ ትኸፍት ኣለኻ ማለት እዩ።

ክትጸዉም እንከለኻ፣ ናይ ካልኦት ጾም ድማ ተመልከት። እግዚአብሔር ጾምኻን ጥሜትኻን ክፈልጠልካ እንተደሊኻ፣ ንስኻ ዉን ናይ ካልኦት ጥሜት ተረዳእ። ምሕረት ክትረኽብ ተስፋ ተገብር እንድሕሪ ኮይንኻ፣ ንስኻ ዉን ምሕረት ግበር። ርህራሀ ክትርኢ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ንካልኦት ራህርህ። ሃብ ምእንቲ ክትቕበል። ካልኦት ንዓካ ሓቲቶምኻ ንስኻ ግና ከልኪልካዮም ከተብቅዕ፣ መሊስካ ግና ነቲ ንስኻ ዝከልካዮም፣ ካብ ካልኦት ትሓትት እንድሕሪ ኮይንካ፣ ልማኖኻ ዳርጋ ጸርፊ እዩ።
ኩላትና ክንስዕቦ ዝግባእ ሓባራዊ ሕግና እዚ ይኹን፣ "ከምቲ ካልኦት ንዓኻ ምሕረት ክገብሩልካ ትደልዮ፣ ንስኻ ዉን፡ ብሓደ ዓይነት መንገዲ፡ ብሓደ ዓይነት ብፍጥነት፡ ብሓደ ዓይነት ለዋህነት፣ ንካልኦት ምሕረት ግበር።" 
ስለዚ፣ ጾም፡ ጸሎትን፡ ምሕረትን ብሓድነት ቀሪበን ካብ እግዚአብሔር ምእንቲ ኲሉ ይለምና፣ ምእንቲ ኲሉ ሓደ ጥርዓን ይኹን። ከምዚ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ስሉስ ሓይሊ ዘለዎ፣ በረኸት ዘዉህብ ጸሎት ክኾነልና እዩ።

ንካልኦት ሰባት ብምንዓቕ ዘዉረድናዮ መኸራ ንምክሓስ፣ ጾም ንጹም። ብጾም ኣቢልና ንገዛእ ስጋና መስዋእቲ ጌርና ናብ ኣምላኽ ነቕርባ። "መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር ልቢ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።" ብምባል እቲ ዘማራይ ከም ዝነገረና፣ ካብዚ ዝዓቢ ካልእ ኣምላኽ ዝሕጎሰሉ መስዋእቲ የለን።

 ነፍሲኻ ናብ ኣምላኽ መስዋእቲ ጌርካ ወፍያ፣ ማለት ብጾምካ ኣቢልካ ንነፍሲኻ መስዋእቲ ጌርካ ወፍያ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ነፍስኻ ምሳኻን ናትኻን ክነሳ፣ ብፍቃድኻ ናብ እግዚአብሔር ትዉፍያ ኣለኻ ማለት እዩ፣ በዚ ዉን መስዋእትኻ፣ ቅዱስ መስዋእቲ፡ ንጹህ ቁርባን፡ ህያዉ መስዋእቲ ይኸዉን። ገዛእ ርእሱ ንኣማላኽ ዘየወፍይ ዘበለ ኲሉ ምሕረት ኣይግበረሉን። ምኽንያቱ ገዛእ ርእስኻ ክትዉፍየሉ ዘኽእለካ ብዙሕ መንገዲ ኣሎ። ስለዚ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከተቕርብ ኣይከኣልን።

እዚ ዂሉ መስዋእቲኻ ተቀባልነት ክረኽብ፣ ምሕረት ወስከሉ። ናይ ማይ ምሕረት እንድሕሪ ዘይሰትያ፣ ጾምካ ፍረ ኣይክትህብን። ምሕረት እንድሕሪ ነቒጹ፣ ጾም ዉን ይነቅጽ። ከምቲ ዝናብ ንምድሪ ዝኸዉን፣ ምሕረት ድማ ንጾም እዩ። ዋላ ግራት ልብኻ ኮስኩሶ፡ መሬት ጠባይኻ ዉን ጸሃዮ፡ ዂሉ ክፍኣትኻ  ሞንቁሶ፡ ሰናይ ግብሪ ዉን ዝርኣሉ፤ እንድሕሪ ናይ ምሕረት ፈልፋሊ ማይ ዘይኸፊትካሉ፣ ጾምካ ፍረ ኣይከቡቅልን።

ክትጸዉም እንከለኻ፣ ንስኻ ተርእዮ ምሕረት ዉሑድ እንድሕሪ ኮይኑ፣ እቶትኻ ዉን ዉሑድ ይኸዉን። ኣብ ጾምኻ፣ ብምሕረት ኣቢልካ ዘፍሰስካዮ ዘበለ ኲሉ፣ ናብ ቆፎኻ እዩ ተመሊሱ ዝኣቱ። ስለዚ ክትቁጥብ እንዳበልኻ ኣይተጥፍእ፣ የግዳስ ገንዘብኻ ዝረዎ እሞ፡ ዝያዳ ክትረኽብ። ንድኻታት ሃብ፣ ንገዛእ ርእስኻ ዉን ክትቕበል ኢኻ። ንካልኦት ምሃብ ዝኣበኻዮ ዘበለ ዂሉ፣ ንርእስኻ ዉን ኣይክትዕቅቦን ኢኻ።

Sunday, February 23, 2014

ጾም-ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ




ጾም መድሃኒት እዩ። መድሃኒት ፣ ብኣገባብ ንዝተጠቕመሉ ብዙሕ ረብሓ ዝህብ፣ በንጻሩ ኣብ ኢድ ኣጠቃቅሙኡ ዘይፈልጡ ተሞክሮ ዝጎድሎም ሰባት ግን ጥቕሚ ዘይብሉ ነገር እዩ። ሓደ መድሓኒት ዝወስድ ሰብ፣ ሰዓት ክንደይ ክወስዶ ኣለዎ፣ ክንዲ ምንታይ ዓቐን፣ ኣካላትኻ እንታይ ዓይነት ምልክታት ምስዘርእይ እዩ `ዚ መድሃኒት ዝዉሰድ፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ወቕቲን ኩነታት ኣየርን እዩ ዝዉሰድ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ነጥቢታት ብግቡእ ክርዳእ ኣለዎ። እዘን ነጥቢታት ተጎስየን ብሸለልተኝነት ምስ ዝረኣያ ግና፣ እቲ መድሃኒት ካብ ዝህቦ ረብሓ ዝያዳ ሃስይኡ ክበዝሕ ይኽእል። እምበኣር ንስጋዊ ኣካላትኻ ክትፍዉሳ ክንድዚ ዝኣኽል ጥንቃቐ ዘድሊ ካብ ኾነ፣ ንነፍሲ ካብቲ ዘለዎ ሕማቕ ልምዲታትን ሓሳባትን ክትፍዉሳ፣ ንኹሉ ሸነኻቱ ምምርማርን፣ ንነፍሲ ወከፍ ብዕምቈትን ምስትዉዓልን ምግንጻል የድሊ።
 
ጾም ክበሃል እንከሎ ንኲሉ መዳያት ህይወትኻ ምቕያር እዩ፣ ኣብ ጾም እተቕርቦ መስዋእቲ፣ ብልዒ ምግዳፍ ዘይኰነሲ፣ ካብ ሓጢኣት ምርሓቅ እዩ። እቲ ጾም ክበሃል ከሎ፣ ብዛዕባ መግቢ ጥራይ ዝመስሎ ሰብ፣ ንጾም ዘይተረድአን፣ ኣብ ልዕሊ ጾም ዉን ዘላግጽን ዘሽካዕልልን እዩ። 


ትጽዉሙ ዲኻ/ኺ? ጾምካ ብግብሪ ኣርእየኒ (ኣርእይኒ)። ኣየናይ ግብሪ? 
ድኻ እንድሕሪ ርኢኻ ራህርሃሉ፣ 
ጸላኢኻ እንድሕሪ ረኺብካዮ ተዓረቆ፣ 
ብኲሉ ህይወቱ ዝተኻወነሉ ዝሓለፈሉን ዝሰለጦን ብጻይኻ እንድሕሪ ርኢኻ ብዛዕብኡ ኣይትቅናእ፣ 
ኣብ መንገዲ ጽብቕቲ ጓል እንድሕሪ ርኢኻ ሱቕ ኢልካ ሕለፋ።

ብካልእ ኣዘራርባ፣ ኣብ ጾም ኣፍካ ጥራይ ኣይኰነን ክጸዉም ዘለዎ፣ እንታይ ደኣ፤ ዓይኒ ትጹም፡ ኢድን እግሪን ይጹማ፡ ኲሉ ኣካላት ሰብነት ይጹም። ኢድ ትጹም፣ ብስሰዐ ዘይናታ ከብ ምድላይን፣ ካብ ስርቂን ትጹም። እግሪ ዉን ትጹም፣ ሕማቕ ነገር ናብ ምርኣይ ዝመርሕ መንገዲ ኣይትኺድ። ዓይኒ ዉን ንናይ ካልኦት ሰባት መልክዕን፣ ቁንጅና ገጻት ካብ ምርኣይን፣ ትጹም። ስጋ ምብላዕ`ዶ ሓዲግካ ኣለኻ? እምበኣር ኣቶኪርካ ብዝሙታዊ መንገዲ እንዳጠመትኻ ብዓይኒካ ጌርካ ስጋ ሰብ ካብ ምብላዕ ዉን ኣቋርጽ። እዝኒኻ ዉን ትጹም። ብዛዕባ ካልኦት ሕማቕ ዘረባ ካብ ምስማዕን፣ ሓሜትን፣ እከይ ዘረባ ካብ ምቕባልን፣ እዝኒኻ ትጹም።


ኣፍኻ ዉን ጸጋ ዘይብሉን፣ ጸርፊታትን ሕማቕ ዘረባ ካብ ምዉጻእን ትጹም። ዓሳን ዶርሆን ካብ ምብላዕ ጾይምኻ ከተብቕዕ፣ ስጋ ሓዉኻ ትበልዕን ትሕይኽን እንድሕሪ ኮይንካ ደኣ፣ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? እቲ ዝጸርፍን፣ ዝፈርድን፣ ከምቲ ስጋ ሓዉ ዝበልዐን፣ ስጋ ደቂ ሰባትዉን ዝዘልዘልን እዩ። “ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።” ብምባል ቅ.ጳዉሎስ ዘጠንቀቐና ዉን ነዚ ከመልክት ደልዩ እዩ /ገላ 5፥15/።

ምናልባት ኣብ ስጋ ብጻይኻ (ጎረቤትኻ) ስንኻ ኣይተከልካን ትከዉን፣ ኮይኑ ግና ሕማቕ ዘረባ ብምዝራብ ኣብ ነፍሱ ነኪስካዮን ኣቁሲልካዮን ኢኻ። ከምዚ ብምግባርኻ ድማ፣ ኣብ ልዕሌኻ፣ ኣብ ልዕሊ ብጻይኻን ኣብ ካልኦትን፣ ክግመት ዘይኽእል ዉርደትን ሃስያ ኣዉሪድካ ኣለኻ።

ፍቑራተይ፣ ምናልባት ጥዕና ጸገም ስለዘለኹም ሙሉእ መዓልቲ ክትጾሙ እንድሕሪ ዘይኪኢልኩም፣ ማንም ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ኣይክወቕሰኩምን። እቲ ንሕና ዘለና ጐይታ ትሑትን መፍቀሪ ሰብን እዩ፣ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ነገር ዘይሓትት ርህሩህ እዩ። ካብ መግቢ ክትኽልከል፣ ወይ ድማ ባዶ ከብድና ክንዉዕል፣ ወይ ዉን ስለ ጾም ጥራይ ኢልኻ ክትጸዉም፣ ኣይኰነን ንሱ ዝደልይ። ንሱ ካባና ዝደለዮ፣ ገዛእ ነፍሲና ካብ ዓለማዊ ፍትወት ኣርሒቕና ናብ መንፈሳዊ ነገራት ምእንቲ ክንዉፈይ እዩ። ንቁሓት ኰይንና ገዛእ ርእስና ብምቁጽጻርን፣ ኲሉ`ቲ ድሌትናን ሓሳብትናን ናብ መንፈሳዊ ነገራት ብምድሃብ፣ ንዕለት ተድልየና ጥራይ ብምብላዕ ዝተረፈ ግና ህይወትና ብሙሉኡ ንሰናይ ግብሪ እንድሕሪ ወፊና፣ ብሓቂ ጾም ባዕሉ ኣይመድልየናን፣ ምኽንያቱ ኲሉ`ቲ ጾም ትህቦ ክንረኽቦ ስለዝዀንና። ኮይኑ ግና ንሕና ደቂ ሰባት ዘይግዱሳትን፣ ላንጋ ላንጋ ኢና፣ ንፍትወትን ምቾትን ቀልጢፍና እንግዛእ ድኹማት ኢና። ስለዚ ዉን እዩ መፍቀሬ ሰብ ዝዀነ እግዚአብሔር ፍቃርን ሓላይን ኣቦ ስለዝዀነ፣  ጾም ፈዉሲ ምእንቲ ክዀነና ኣዘዘልና። ብጾም ኣቢልና ድማ እቲ ፍትወትናን ስጋዊ ድሌትናን ገቲእና፣ ዓለማዊ ሓሳብና ናብ መንፈሳዊ ግብሪ ከነሰጋግሮ ንኽእል። ስለዚ ካብዞም ኣብዚ ዝተኣኸብኩም ሰባት፣ ብሰንኪ`ቲ ዝለኹም ጥዕናዊ ጸገም ብዘይ መግቢ ክትጸንሑ እንድሕሪ ዘይትኽእሉ እንድሕሪ ኮይኑኩም፣ ነዚ ጥዕናዊ ጸገምኩም ፈዉስዎ፣ ጾም ዉን ይጽንሓልኩም፣ ኮይኑ ግና ከብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣይትርሓቁ፣ እዃ ደኣ ብዝያዳ ኣብኡ ተገደሱ።

ጾም ጥራይ ኣይኰነን ናብ ኣምላኽ ዘቕርበካ። ካብ ብልዒ ምኽልካል ዝበለጹ ካልእ ብዙሕ ናብ እግዚአብሔር ብትብዓት ከብጽሑና ዝክእሉ መንገዲታት ኣለዉ። ስለዚ እቲ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገም ተገዲዱ ዝበልዕ ሰብ ማለት ዘይጸዉም ሰብ፤ ብዝያዳ ይጸልዪ፡ ብዙህ ምጽዋት ብምሃብ ንድኻታት ይርዳእ፡ መለኮታዊ ቃል (ቃል መጽሓፍ ቅዱስ) ክሰምዕ ዉን ብዙሕ ሃረር ይበል። ከምዚ ብምግባርና ድማ እቲ ጥዕናዊ ጸገም መዐንቀፊ ወይ ዉን ዓንቃጺ ነገር ኣይኽከዉንን። ገዛእ ርእሱ ምስ ጸላእቱ ይዕረቃ፣ ካብ ምምራርን ምጉርምራምን ነፍሱዉን የርሕቃ። ብሓቂ ከምዚ እንድሕሪ ጌሩ፣ እዚ ሰብ`ዚ ሓቀኛ ጾም ጾይሙ ኣሎ ማለት እዩ። ጐይታ ዉን ካባና ዝደልዮ ነዚ`ዩ። ብጾም ኣቢልና ናይ ስጋ ዕንደራ መዕገቲ ብምግባር፣ ስጋና ንትእዛዝ ኣምላኽ ከም ትእዘዝ ንምግባር እዩ፣ ካብ ብልዒ ክንክልከል ዝኣዘዘና። ብሰንኪ`ቲ ጥዕናዊ ጸገም ዘስዓቦ ምኽንያት ክንጸዉም ኣይከኣልናን ንኸዉን፣ ኮይኑ ግና ገዛእ ርእስና ብምድላዉ፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ነገራት ክንገብር ዘይንግደስ እንድሕሪ ኮይንና፤ ሚዛኑ ኣብ ዘይሓለወ መንገዲ ኣለና ማለት`ዩ። ምኽንያቱ ብጾም ኣቢልና ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽንናዮ ነገራት (ማለት ገዛእ ርእስኻ ምግታእ) ከነጥሪ እንድሕሪ ዘይክኢልና፤ ንሕና ከምቶም ብዘይተገዳስነቶም፡ መድሃኒት ናይ ጾም ክጥቀሙሉ ዘይከኣሉ ሰባት ኢና። እዚ ነገር ካባና ካብ ሰማዕኩሞ፣ እምበኣር ኣንቱም ክትጾሙ እትኽእሉ ኩሉኹም፣ ምስጋና ዘብዝሕ ድሌታትን ከተጥርዩን፣ ብትኽሩነት ክትቃለሱን፣ እላበወኩም።

እቲ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገም ክጸዉም ዘይኽእል፣ ነዚ መንፈሳዊ መግቢ ምእንቲ ከይሓድግ ኣተባብዕዎ። ነቲ ኣብዚ ንብሎ ዘለና ድማ ናብ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣሰጋግርዎ። እቲ ብመጠኑ ዝበልዕ ዘይኰነሲ፤ እቲ ዘይግዱስን ዝሕቱልን ዝዀነ ጥራይ እዩ፣ ነዚ ቃል ክሰምዕ ዘይበቅዕ፣ በልዎ። ብትብዓትን ብግህዶን ድማ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎም፤ “እቲ ዝበልዕ ንክብሪ ኣምላኽ ይበልዕ፣ እዚ ዝየበልዕ ድማ ንክብሪ ኣምላኽ ኣይበልዕን፣ በዚ ዉን ንኣምላኽ የስምሮ እዩ”። / እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።/ 1 ቆሮ 10፥31። እቲ ዝጸዉም ንኣምላኽ የኽብሮ እዩ፣ ምክንያቱ ንዂሉ ድኻማት ጾም ይጻወር ስለዘሎ። እቲ ዝበልዕ ዉን ንኣምላኽ የኽብሮ እዩ፣ ምኽንያቱ እዚ ነገር ንድሕነት ነፍሲ ስለዘይሃሲ። ንድሕነት ነፍሲ ከዋርዳ ዝኽእል ባዕሉ ምስዝፈቕድ ጥራይ እዩ። መፍቀሬ ሰብ ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንድሕሪ ደሊና፡ ኣብቲ ናቱ ሓይሉ ክንሳተፈሉ ዘኽእለና ብዙሕ መንፈሳዊ መንገዲታት ነጊሩና ኣሎ። ኣብዚ ክንዝርዝሮም ኣይከኣልን።

ነቶም ኣብ ጾም ዘየለዉ፣ ምእንቲ ሕፍረት ከይስምዖም ብምባል፣ እኹል ተዛሪብና ኣለና። ምኽንያቱ እቶም ዘይጾሙ ሰባት ነዉሪ ዝገበሩ ኮይኑ ክስምዖም የብሎምን፣ ነዉሪ ዘምጽእ ሕማቕ ግብሪ ደኣ እምበር፣ ብልዒ ኣይኰነን። ሓጢኣት እዩ እቲ ዝዓበየ ነዉሪ። ሓጢኣት እንድሕሪ ጌርና ሕፍረት ጥራይ ዘይኰነ ክስመዓና ዘለዎ፣ እኳ ደኣ ከምቶም ቁስሊ ዘለዎም ሰባት ዝሽፈንዎ ንሕና ዉን ክንሽፈን ይግባእ። ዋላ ከምኡ ኮይንና ግና፣ ክንሃድም የብልናን፣ እንታይ ደኣ ተቐላጢፍና ናብ ንስሓን ምስጋናን ክንምለስ ይግባእ። ጐይታ፣ ነቲ ብሸለልተኝነት ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ቀልጢፍና ክንናዘዝን፣ ዳግማይ ኣብቲ ሓጢኣት ከይንወድቕን፣ ብኡ ከነቋርጽን፣ እዩ ዝደሊ። ብመጠን ንበልዕ እንድሕሪ ኮይንና፣ በዚ ክንሓፍር ኣይግባእን። ምኽንያቱ ፈጣሪና ብብልዒ እትድገፍ ኣካላት እዩ ዝሃበና፣ ብዘይብልዒ ድማ ደዉ ክትብል ኣይትኽእልን። ጥራይ ብዙሕ ካብ ምብላዕ ንቆጠብ፣ እዚ ንስጋዊ ምቾትን ጥዕናን መርኣያ ስለዝዀነ።

እምበኣር ነቲ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ብኣቦን መንፈስ ቅዱስን፣ ዝተዋህበና ተስፋ ሰናይ ነገራት ምእንቲ ክንወርስ፣ ንዂሉ ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ዕብዳን ካባና ነርሕቅ። ኣሜን!

ምንጪ፦ “ጾም” ካብ ዝብል ትምህርቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቅ ዝተወስደ ትምህርቲ።

Friday, February 14, 2014

ስም ጐይታ ኢየሱስ-ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ


ካብ መበል ታሽዓይ ክፋል ትርጓሜ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝተወስደ ሓጺር ትምህርቲ!

"ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።" ቆላ 317


ስም ክርስቶስ ኣብ ዝተጸዉዓሉ ኣጋጣሚ፣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እንድሕሪ ጌርና፣ ናብ ርኽሰትን ሓጢኣትን ዘምርሕ ነገር ኣይክህሉን፣ ኲሉ ቅዱስን ንጹህን ይኸዉን። ዋላ እንተበላዕካ፣ ዋላ እንተሰተኻ፣ ኣብ ትገሸሉን፣ ኣብ ትምርዓወሉን፣ ኣምላኽ ንክሕግዘካ እንዳጸዋዕካ፣ ኲሉ ብስም እግዚአብሔር ግበሮ። ቅድሚ ዝዀነ ንገር ምስራሕካ፣ ጸሎት ግበር፣ ብድሕሪኡ ስራሕካ ኣሳልጥ። ቅድሚ ምዝራብካ፣ ነዚ ስም ዘክሮ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ ኲለን መልእክቲታትና ስም ጐይታ ነቐድም። ምክንያቱ ስም እግዚአብሔር ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ተስፋ ኣሎ። ስም ኣማሓዳሪ ዘለዎ ደብዳቤ ርዝነት ካብ ሃለዎ፣ ብዝያድ እዃ ስም ክርስቶስ ዝበለጸ ክብረትን ርዝነትን ኣለዎ። ትገብሮ ዘበሎ ቅድም ስም እግዚአብሔር ብምጽዋዕ ጀምር፣ መላእኽቲ ምጽዋዕ ኣየድልየካን። ክትበልዕ ዲኻ? ቅድሚን ድሕሪን መኣዲ፣ ንእግዚአብሔር ኣመስግን። ክትድቅስ ዲኻ? ቅድሚን ድሕሪን ምድቃስካ ንእግዚአብሔር ኣመስግን። ኣብዛ ዓለም ትግበሮ ዘበለ ኲሉ ስሙ ከይጸዋዕካ ዋላ ሓንቲ ኣይትዕየ። ስም ጐይታ ጸዊዕካ ስራሕ ምስ ትሰርሕ፣ ግብሪታትካ ኲሉ ይባረኽን ይስስንን። ስሙ ኣብዝተጸዉዓሉ ቦታ፣ ኣብኡ ብዙሕ በረኸት ኣሎ። ስም ጐይታ ንኣጋንንቲ ካብ ሰጎገ፣ ሕማማት ካብ ፈወሰ፣ ክንደየናይ ኣብዚሑ ስራሕካን ሽቐጥካን ዘይባርኸልካ።


"ብቃል ኮነ ብግብሪ" ምባሉ እንታይ ከመልክት ደልዩ እዩ? ዂሉ እትሓትዎ ወይ ዉን እትገብርዎ ማለቱ እዩ። ንኣብራሃም ዘኽሮ፣ ንባርይኡ ክልእኮ እንከሎ፣ ብስም እግዚአብሔር ልኢኽዎ። ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ንጎሊያድ ቀተሎ። ብሓቂ ስሙ ዓቢ እዩ። ያዕቆብ ንደቁ ክልእኾ እንከሎ "እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሀብኩም" /ዘፍ 4314/ብምባል ኣፋነዎም። ስለዚ ዉን ድማ ኲሉ ነገር ኣስለጡ። ምክንያቱ ነቲ ዂሉ ዝኽእል ኣምላኽ ረዳኢና እንድሕሪ ጌርናዮ፣ ብዘይብኡ ዉን ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይንገብር እንድሕሪ ኮይንና፣ ኲሉ ነገር ክሰልጠና እዩ። ስሙ ብምጽዋዕ እንድሕሪ ኣክቢርናዮ፣ ንሱ ድማ ተመሊሱ ብታርኡ ስራሕና ብምብራክ የኽብረና። ስም እግዚአብሔር ወልድ ጸዉዕ፣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ድማ ኣመስግን። ምክንያቱ ወልድ ኣብ ዝተጸዉዓሉ፣ ኣቦ ዉን ይጽዋዕ፥ ኣቦ ኣብ ዝተመስገነሉ ኣብኡ ወልድ ዉን ይምስገን።[1]



ነዘን ነገራት ብቃል ጥራይ ዘይዀነ፣ እንኮላይ ብግብሪ ክንትግብረን ንጽዓር። ነዚ ስም ዝመዓራረ የለን፣ እዚ ስም` ኣብ ኲሉ ቦታ ኣዝዩ ግሩም እዩ። "ስምካ" በለ ዘማራይ "ዝፈሰሰ ቕብኢ እዩ" /መሃ 13/ ነዚ ስም ዝጸዉዕ ድማ፣ ብምኡዝ ጥዑም ሽቶ ይምላእ። "ስለዚ ሓደ እኳ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይከኣሎ" ዉን ተነጊሩና ኣሎ /1 ቆሮ 123/ እዚ ስም እዚ ኣዝዩ ግሩም ግብሪታት ገበረ፣ ስለዚ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኢልኻ ብእምነት እንድሕሪ ጸሊኻ፣ ንዂሉ ነገር ፈጺምካ ኣሳሊጥካ ኣለኻ። ኣዝዩ ዓቢይ ነገር ከም ዝፈጸመልካ ድማ ክትርኢ ኢኻ። 

እዚ ስም`ዚ ንሰብ ፈጠረ፣ ነቶም ዝተረፉ ድም ብጥምቀት ወለዶም (ሰርሖም)[2]። ስለዚ ድማ እዩ፣ ነዚ ስም`ዚ ተጠቂምኻ ንሕማም ክትግስጾ እንከለኻ፣ ሕማም ይስንብድ። 

ዲያብሎስ በዚ ስም` ኣዝዩ ቀናእ እዩ፣ ስለዚ ዉን ንሕና ኣብቲ ናቱ ቅንኢ ምእንቲ ክንሳተፍ፣ ስም መላእኽቲ ኣተኣታተወ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጻዉዒት ናይ ኣጋንንቲ ጥራይ እዩ (ኣጋንንቲ ጥራይ እዮም ስም ኣምላኽ ሓዲጎም ስም መላእኽቲ ዝጽዉዑ) ስለዚ ንስኻ ካብዚ ስም ወጻኢ ካልእ ስም ኣይትጸዉዕ፣ ናይ መላእኽቲ ይኹን፣ ናይ ሊቃነመላእኽቲ፣ ዋላ ናይ ኪሩቤል ይኹን ኣይትጸዉዕ። ከምዚ ኢልኻ ክትጽዉዕ እንዀለኻ ድማ ንሳቶም ዉን ኣይቅበሉኻን። ከምዚ ዓይነት ክብሪ ኣይደልዩን። ንጐይትኦም እንድሕሪ ዘይኽቢሮሞ፣ ንሱ ካብ ክብረቶም ክኣልዮም እዩ። "ኣኽቢረኻ እየ እሞ፣ ንዓይ ጸዉዓኒ" ብምባል ኣዚዙና ኣሎ፣ ከምዚ ኢሉ ድሕሪ ምእዛዙ` ንሕና ከነዋርዶ ኢና
[ኣብዚ ጽሑፍ`ዚ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፣ ስም መላእኽቲ ማዕረ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጽዉዖም ከምዘይግባኣና እዩ ዝነግረና ዘሎ፣ ብርግጽ ቅዱሳን መላእኽቲ ክብሪ እዃ እንተለዎም፣ ክብሮም ግና ማዕረ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ኣብ ቦታ ኣምላኽ ዉን ከነእትዎም ኮነ፣ ማዕረ ስም መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ክንጽዉዖም ከምዘይግባእ የረድኣና። ቅዱሳን መላእኽቲ ግና ክብሪ ከም ዝግብኦም ንጹር እዩ፣ ዋላ ኣብ ናይ ማቴ 10፡40 ትርጓሜኡ፣ ነዚ ነገር የብርሆ። እዚ ዝብል ዘለኹ ምናልባት ገለ ሰባት ነዛ ጽሕፍቲ ኣንቢብኩም 'ቅዱሳን መላእኽቲ ክብሪ ኣይግብኦምን' ንኸይትብሉ እዩ።)


ነዚ ጽውዒት እዚ ብእምነት ግበሮ፣ ከምኡ እንድሕሪ ጌርካ ኣጋንንቲ ሕማማትን ክእዘዙልካ እዮም፣ ኣዚዝካዉን ከተርሕቆም ኢኻ። ምናልባት ዉን ስም ኣምላኽ ብእምነት ጸዊዕካ ከተብቅዕ፣ እቲ ሕማም እንድሕሪ ዘየልገሰ፣ እቲ ስም ኣምላኽ ሓይሊ ስለዘይብሉ ዘይኰነስ፣ እንታይ ደኣ እቲ ሕማም ጥቕሚ ስለዘለዎ እዩ[3] " ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ" /መዝ 4810/ በዚ ስም` ዓለም ተፈወሰት፣ ባርነት ኣልገሰ፣ ዲያብሎስ ተሳዕረ፣ ሰማያት ዉን ተኸፍተ። ብስሙ ተሓዲስና ኢና። ብሓቂ ብስሙ እንድሕሪ ተሓዲስና፣ ጩራ ብርሃን ከነንጸባርቕ ኢና፣ ኣብ ሰማእታትን ጸወርቲ መስቀልን ነዚና ተመልኪትና። ንሳቶም ስለዘፍቀርዎ፣ ነቲ ተስፋ ዝትዋህቦም ሰናይ ነገራት ንኽረኽቡ፣ ብምሕረትን ጸጋን ብቁዓት ኮይኖም ተረኺቦም፣ ንሕና ድማ ነዚ ነገር እዚ ሰለዝተረዳእና፣ ጸኒዕና ክንነብር ተስፋ ረኺብና፣ ነቲ ዓቢ ክብሪ ምእንቲ ክንረኽብ፣ ንእግዚአብሔር ምእንቲ ከነሐጉሶ ንነብር ኣለና።

ምንጪ፣ NPNF, John Chrysostom Homilies on the Epistle of Collossians, Homily 9.

[1] Invoke the Son, give thanks to the Father. For when the Son is invoked, the Father is invoked, and when He is thanked, the Son has been thanked.
[2] ነቲ መጀመርታ ኣዳም ምስ ፈጠረ፣ ካልኦት ካብኡ ኢዮም ተወሊዶም፣ ስለዚ ንዘርኢ ሰብ ምስ ኣድሓኖ፣ ብጥምቀት ዳግማይ ወልለደና፣ ማለት ናቱ ገበረና።
[3] እቲ ሕማም ንረብሓኻ ስለዝዀነ።