Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Tuesday, October 22, 2013

ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ወንጌል

ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ወንጌል-ኒኮላይ ቨሊሚሮቪች

ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፣ "ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ" በለቶም። ዮሃ 2፥5

ንኹሎም ኣመንቲ ዝኸዉን ናይ ፍስሃ ቃል እምበኣር እዚ እዩ። ንሳ እዛ ኣብ ምድሪ ኣንከሎ ምስኡ ፍጹም ሓድነት ዝነበራ፣ ሕጂ ዉን ኣብ ሰማያት ምስ መድሓኒና ክርስቶስ ኣላ። ፍጹም ቀረባ ስለዝዀነት ዉን፣ ንኣመንቲ እንዳተገልጸት ተጸናንዖም፣ ትረድኦም፣ ትምዕዶም፣ "ንሱ እዚ ወደይ፣ ኣምላኸይ ዝዀነ፣ ዝብለኹም ዘበለ ዂሉ ግበሩ" ዉን ትብል።

ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ከምዚ ብምባል እያ መኺራቶም። እቶም ኣገልገልቲ ነቲ ናታ ምኽሪ ሰሚዖም ኣብ ግብሪ ኣዉዓሉ፣ ተኣምራት ድማ ተገብረ። ናይዛ መርዓት እግዚአብሔር ኣብ ዝዀነት ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ዉሑዳት ቃላት ኣብ ወንጌል ተጻሒፈን ንረኽበን፣ ዉሑዳት ይኹና እምበሪ፣ ኣዝየን ዝበለጻ ትእዛዛት እየን። ኣብ ምድራዊ ህይወታ ካብ ዝሃበቶ ትእዛዛት፣ እታ ዝበለጸትን፣ ኣገዳሲትን ትእዛዝ እዚኣ እያ። "ንሱ ዝብለኹም ኲሉ ግበሩ"።
"ንሱ ንዂሉ ይፈልጥ፣ ንሱ ንዂሉ ክገብር ይኽእል፣ ንሱ ንዂሉና የፍቅር፣ ስለዚ ናብ ካልእ ኣይትጠምቱ፣ ንዕዑ ጥራይ ስምዑ፣ ንዕዑ ጥራይ ተኣዘዙ።" ትብለና ኣላ ድንግል።
ኣብዚ ምድሪ እንኰላ ሓደ ዓቢ ሓላፊነት ተቐበለት፣ መላእ ህይወታ ንጐይታ ወፈየቶ፣ ምእንትኡ ክትብል ዉን ተነብር ነበረት፣ ንካልኦት ዉን ናብኡ ናብቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ጐይታ ትመርሕ ነበረት። ኣብ ሰማያት ኮይና ዉን ነዚ ሓላፊነት ትፍጽሞ ኣላ፣ ንዂሉ ኣማኒ ናብ ድሕነት ትመርሕ ኣላ።
ኣብ ሙሉእ ታሪኽ ቤተክርስቲያን፣ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ንምእመናን ንሱ `ቲ ኣምላኽ ዝብሎ ዘበለ ዂሉ ንኽንገብር ሚሂራትና። ሕጂ ዉን፣ ኣብቲ ሰማያዊ ክብሪ ኮይና፣ ኣብ ማእኸል ምእመናን እንዳተገልጸት፣ ንሱ ዝብሎ ንክፍጽሙ ትምዕድ ኣላ።
 እዚ`ዩ ናታ ወንጌል፣ ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ወንጌል። ኣርባዕተ ወንጌል ኣይጸሓፈትን፣ ግና ኣርባዕተ ቃላት ተዛሪባ "ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ"።
ኦ ኣሕዋተየ፣ ንሳ ትብሎ ንስማዕ፣ ንዕዓ ዉን ንተኣዘዛ። ልዕሊ ስጋዊ ኣዴና፣ ነዛ ሰማያዊት ኣደ ንተኣዘዛ፤ ምክንያቱ ንሳ ናትና ሰናይ ነገር እትደሊ ኣደ እያ። ንሳሲ ንሕና ኣብቲ ሰማያዊ ዘለኣለማዊ ንግስነት ወዳ ብሓባር ክንነብር ኣዩ ሓሳባ።
ኦ ንጽሕቲን ቅድስትን ድንግል፣ ነዚ ቃል ጐይታ ክንገብሮ ርድእና። ንዓክን ንወድኽን ክብሪን ምስጋና ይኹን፣ ንዘለኣለም ኣለም፣ ኣሜን!
ምንጪ: www.monachos.net

ትርጉም ክርስትና-ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን

ትርጉም ክርስትና-ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኒሱን


ሓደ ግዜ ኣብ ከተማ እስክንድርያ ንሰባት ብምዝንጋዕ ዝፍለጥ ሓደ ሰብ ነበረ ይበሃል። እዚ ሰብ`ዚ ንሓንቲ ህበይ ከም ትስዕስዕ ጌሩ ኣሰልጠና፣ እታ ህበይ ዉን ከምቲ ዋንኣ ዘላመዳ ጌራ፣ ነቲ ዝድርፈላ ሙዚቃ ኣሰማሚዓ ትስዕስዕ ነበረት። ኣብ ቅድሚ ሰባት ቀሪባ ክትስዕስዕ እንኮላ ግና፣ ህበይ ዘይኮነስ ሰብ መሲላ ኔራ ትቐርብ። እቲ ሰብኣይ ነታ ህበይ ክዳን ደቂ ሰባት ከዲኑ፣ ማስኬራ ኣብ ገጻ ሸፊኑ የሳዕስዓ ነበረ። ኣብ ቅድሚ እኩብ ህዝቢ ኣቕሪቡ ናይ ምዝንጋዕ መደባት ክገብር እንከሎ ዉን፣ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጌሩ ሰብ ኣምሲሉ የቕርባ እሞ፣ ሙዚቀኛታት ሙዚቃን ደርፊን ክገብሩ ምስ ጀመሩ፣ እታ ሰብ ተመሲላ ዝቐረበት ህበይ ዉን ግሩም ዝዀነ ሳዕስዒት ተቕርብ ነበረት። ነበርቲ `ታ ከተማ ዉን በቲ ነገር ኣዝዮም ይድነቑን፣ ይዘናግዑን ነበሩ። ካብዞም እኩባት ሓደ ግና፣ ኣዝዩ በሊሕ ሰብ ነበረ፣ እታ ትስዕስዕ ዘላ ዉን፣ ህበይ ምዃና ከስተዉዕል ከኣለ። መንነት ናይታ ትስዕስዕ ዉን ኣብ ቅድሚ እኩባት ህዝቢ ክገልጾ ደለየ። ከምቲ ልሙድ ህዝቢ ተኣኪቦም፣ ሙዚቃ ምስ ጀመረ፣ ሰብ መሰል ህበይ ከምቲ ሙዚቃ ድምጺ ረምታ ከበሮን ኣሳንያ ክትስዕስዕ ጀመረት፣ ህዝቢ ዉን ከጣቁዑ፣ ክሽልሙን፣ 'ወካዕካዕ' ኢሎም ክስሕቁን ጀመሩ። ሽዑ እቲ በሊሕ ሰብ፣ ህበይ እቲፎትዎ ዓይነት ፍረ ሉዝ ሒዙ ብምምጻእ፣ ኣብ ባይታ `ቲ ትስዕስዓሉ ዝነበረት ቦታ ፋሕ ኣበሎ። ወዮ ትስዕስዕ ዝነበረት ህበይ፣ ሳዕሲዕታ ገዲፋ፣ ናብቲ ኣዝያ እትፎቶ ፍረ ሉዝ ኣብ ምእራይ ተጸምደት። እንዳነጠርት ብምእራይ ዉን ናብ ምብላዕ ተጓየት፣ `ቲ ገጻ ክሽፍን ተባሂሉ ዝተገብረላ ማስኬራ ኣፍ ስለዝኸልከላ ዉን፣ ከየተዶናገየት ብጽፍራ ጌራ ነቲ ማስኬራ ኣለየቶ። ብኡንብኡ ዉን መልክዓ ተፈልጠ። ብሳዕስዒታ ክድነቑን ክዘናግዑን ዝጸንሑ ህዝቢ፣ ሓቐኛ መልክዕ ህበይ ምስ ረኣዩ፣ ልዕሊ`ቲ ሳዕስዒታ፣ `ቲ ክፉእ መልክዓ ከምዘስሓቆም ይንገር።

ሰብ ባህሪኡ ዘይዀነ ምስሊ ሒዙ ኣብ ቅድሚ እኩባት ሰባት ስለዝተመላለሰ ጥራይ እኹል ኣይኰነን፣ ምክንያቱ ከምቲ ፍረ ሉዝ ሓቀኛ መንነት ናይታ ህበይ ዘጋለጸት፣ እቲ ሰብ ዉን ክጋለጽ እዩ። ሰብ ብግዳማዊ ትርኢቱ ጥራይ ንካልእ ነገር እንተመሰለ፣ ሓደጋ ኣለዎ። እቶም ብሓቀኛ እምነት ጌሮም ንገዛእ ርእሶም ዘይሃንጹ ሰባት ዉን፣ ብናይ ዲያብሎስ ግዳማዊ ሽፋን ተሸፊኖም፣ ዘይኮንዎ መሲሎም ይነብሩ። ከምቲ ህበይ ንሉዝ፣ በለስን ካልኦት ፍሩታታት እተፍቕር፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዉን፣ ከንቱ ዉዳሴ፣ ጽምኢ ስልጣን፣ ፍቕሪ ገንዘብ፣ ስጋዊ ፍትወትን፣ ሓጢኣትን የፍቅሩ። ከምቲ ናይታ ህበይ ሓቀኛ መንነት በቲ ንሳ እትፎትዎ ነገር ዝተጋህደ፣ ናይዞም ህበይ-መሰል-ነፍሲ (ape like souls) ዝሓዙ ሰባት በቲ ንሳቶም ዝፎትዎ ዲያብሎስ ዘላመዶም ሓጢኣት ኣቢሉ መንነቶም ክገሃድ እዩ። ከምዚኦም ዓይነት ብዙሓት ሰባት ክርስቲያናት ተመሲሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝመላለሱ ኣለዉ። ንክመሳሰሉ ጥራይ፣ ትሑታት፣ ህድእ ዝበሉ፣ ለዋሃት ይመስሉ፣ ኮይኑ ግና ስጋዊ ፈተና ከጋጥም እንከሎ፣ ሓቀኛ መንነቶም ይፍለጥ።

እምበኣር ክርስቲያን ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጦ። እምበር`ከ፣ ስሙ ዘይሕብሮ ካልእ ምስሊ ሒዝና እንተጸኒሕና እቲ ሓደጋ ንዓና እዩ። ትርጉም ፈልጥና እንድሕሪ ጸኒሕና፣ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ኮይንና ክንነብር ንኽእል። ብዙሓት ነቲ ስም ጥራይ ተቐቢልና እንነብር፣ ስማዊ ክርስቲያናት ኣለና።

ሓደ ንስም ክርስቶስ ዝሓዘ ሰብ ከምቲ `ቲ ስሙ ዝሕብሮ ኮይኑ  እንድሕሪ ዘይጸኒሑ፣ እዚ ሰብ`ዚ ንስም ክርስትና ዘነዓዕቅ፣ ህይወት ኣልቦ ማስክ ዝተኸድነ እዩ፤ ምክንያቱ ንሱ ክህልዎ ዝግባእ ህይወት ስለዘይሓዘ። ሕሰብዎ`ሞ፣ ክርስቶስ`ዶ ካብ ፍትሒን፣ ሓቂን ርሒቁ፣ ክፋእ ክገብር ይኽእል?! ፍጹም ኣይኽእልን! ነዘን ስነ ምግባራት ዘይሓዘ ሰብ ዉን ክርስቲያን ክበሃል ኣይከኣልን። ነዘን ሰናይ ነገራት ኣብ ህይወቱ ዘይሓዘ ሰብ፣ ክርስቲያን ኣይኰነን።

ሓደ ሰብ 'ትርጉም ክርስትና' እንታይ`ዩ ኢሉ እንድሕሪ ሓቲቱ፣ መልሰይ ዉን እዚ'ዩ፣ "ክርስትና ማለት መለኮታዊ ባህሪ ምምሳል እዩ"። 

ሕጂ ጌሌኩም ከምዚ ብምባለይ ሕርኽርኽ ክብለኩም እዩ፣ ከምዚ ንገዛእ ርእስና ልዕሊ`ቲ ዝተነግረና ክብ ዘበልኩ ክመስለኩም እዩ። የግዳስ ሓንሳብ ህድእ ኢልና፣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ንመርምሮ እሞ፣ እዚ ዝበልክዎ ቅኑዕን ግቡእ ምዃኑ ክንርዳእ ኢና። እቲ ብመጀምርያ ዝተፈጥረ ሰብ፣ ብመልክዕን ምስሊን ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ። ሙሴ ዉን ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብ ክዛረብ እንከሎ፣ "ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ" በለ /ዘፍ 1፥27/። ብመሰረቱ ሰብ ክፍጠር እንከሎ፣ ንኣምላኽ ክመስል እዩ። 'ክርስትና' ድማ ናብዚ ናይ ቀደም ክብርና ምምላስ እዩ።
እምበኣር ሰብ ክፍጠር እንከሎ፣ ብመልክዕ ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ ካብ በልና፣ "ክርስትና ማለት ንመለኮታዊ ባህሪ ምምሳል እዩ" ምባልና ካብቲ ግቡእ ኣይወጻእናን። ናይዚ ስም ተስፋ ብሓቂ ዓቢ እዩ። ነዚ ክንጥቀመሉ እንኰለና ድማ፣ ሓደ ነገር ከነረጋግጽ ይግባእ፣ "ነቲ ስም ዝበቅዕ ህይወት ኣለና ድዩ?" ነዛ ነጥቢ ብኣብነት ጌረ ከብርሃ።

ንበል፣ ሓደ ንጉስ ምእንቲ እቶም ኣብ ርሑቕ ዓዲ ዘለዉ ገጹ ርእዮም ዘይፈልጡ ሰባት ምስሉ ክፈልጥዎ፣ ንሓደ ሰኣላይ ጸዊዑ ነቲ ናቱ መልክዕ ክስእል ይነግሮ። እቲ ሰኣላይ ዉን ንበል፣ ነቲ ናይ ንጉስ ምስሊ፣ ከም ሓደ ዓሻን ክፉእ ጌሩ ስኢሉ፣ 'እዚ እቲ ንህዝብና ዝገዝእ ሞገስ ዘለዎ ንጉስና እዩ' ኢሉ እንተዝእዉጅ፣ እንታይ መጋጠመ ትብሉ?! ርግጸኛ እየ፣ እዚ ምድራዊ ሓይሊ ዘለዎ ንጉስ፣ ኣዝዩ ምተቖጥዐ፤ ምኽንያቱ እቲ ግርማ ዘለዎ ጽባቐ መልክዑ ብካልእ ክፉእ ኣገባብ ተጌሩ ስለዝተሳእለ። እቶም ገጹ ርእዮም ዘይፈልጡ ህዝቡ ዉን፣ በቲ ህማቕ ስእሊ ኣዝዮም መላገጹ፤ ምክንያቱ ነቶም ህዝቢ፣ ናይቲ ንጉስ መልክዕ ዝዉኽል ስእሊ ንሱ (እቲ ብሕማቕ ዝተሳእለ) ምዃኑ ጌሮም እዮም ዝርድእዎ። ስለዚዉን ነቲ ንጉስ ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ስእሊ ዝርእይዎ፣ ዓሻን ክፉእ ጌሮም ይሓስብዎ።

እምበኣር ትርጉም ክርስትና፣ ንእግዚአብሔር ምምሳል እዩ ካብ በልና፣ ንሕና እቶም ክርስቲያናት ዝተባሃልና ንገብሮ ዘበለ ኲሉ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ብፍላይ እቶም ፍልጠት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት፣ ብዛዕባ መንነት እግዚአብሔር ዘይተማህሩ ሰባት፣ ኲሉ እቲ ንሕና ንገብሮ፣ ነቲ ንሕና እነምልኾ ኣምላኽ መረዳእታ ጌሮም እዮም ዝወስድዎ። እንድሕሪ እቶም ኣመንቲ ሰናይ ዝገብሩ እንድሕሪ ኮይኖም፣ እቶም ህዝቢ ኣምላኽና ሰናይ ምዃኑ ይርድኡ። በንጻሩ እንስሳዊ ጠባያት እነርኢ፣ ምስ ዂሉ ሰብ ንበኣስ፣ ስምዒታዉያን፣ ጨኻንን ብፍትወት ዝተገዛእናን እንድሕሪ ኮይንና፣ ንስምና ዝዉኽል ነገራት ንገብር የለናን ማለት እዩ።

ሓደ ሰብ 'ኣነ ክርስቲያን እየ' ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ዝገልጻ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ናይ ስሙ ትርጉም፣ "ንእግዚአብሔር ክመስል ዝጽዕር ሰብ" ማለት እዩ። እዚ ማለት ዉን፣ ንመለኮታዊ ባህሪ ዘጥሪ ሰብ ማለት እዩ፣ ናይዚ ባህሪ ህላወ ዉን፣ ኣብ ዉልቃዊ ህይወትና እዩ ዝገሃድ። ሰናይ እንድሕሪ ኮይኑ ተካፈልቲ መለኮታዊ ባህሪ ንኸዉን /2ይ ጴጥ 1፥4/፣ ሓጢኣት እንገብር እንድሕሪ ኮይንና ግና ንዘይኣምነቲ፣ ምኽንያት ጸርፊን፣ ንክወቅሱና ድማ ዕድል ንኸፍት ኣለና ማለት እዩ።ንኸምዚ ዝገብር ሰብ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የጠንቅቐና፣ "እቲ ብሰሩ ስም ኣምላኽ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከምዝጽረፍ ዝገብር ወይልኡ" (ሮሜ 2፥24)።
ጐይታ "እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ" ዝበለና ነዚ ከረድኣና እዩ። ንሱ ነዚ ስም ኣቡኡ ጸዊዑ፣ ብዛዕባ ፍጽምና ዝተዛረበና፣ ንሕና ነዚ እሙን ዝዀነ ስም ሰማያዊ ኣቦና ሒዝና፣ ብናቱ ልደት ተወሊድና፣ ብዛዕባ ኣቦ እንዳሓሰብና፣ ብፍጹም ሓድነት ምእንቲ ክንነብር እዩ።
ምስጋና ንኣቦን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን፣ ኣሜን!

ምንኣስ ሓዉ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ ዝነበረ፣ ኣብ ኮቦዶቅያ እትርከብ ኒሱን እትበሃል ንኢሽቶ ከተማ ጳጳስ ዝነበረ፣ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ ጽሑፍ። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን ሓደ ካብቶም ናይ ኮቦዶቅያ ኣቦታት ተባሂሎም ዝፍለጡ ሊቅ ናይ ቤተክርስቲያን እዩ። 
Reference: Fathers of the Church Series, Volume 58, Gregory of Nyssa, Ascetical works.

Saturday, October 19, 2013

ዝሑል ክርስቲያን-ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ዝሑል ክርስቲያን-ብቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ  

ብዛዕባ ድሕነት ካልኦት ዘይግደስ ሰብ፣ ዝሑል ክርስትያን ጥራይ እዩ!
ድኽነት ምክንያት ክኾነካ ኣይኽእልን፤ ንድኽነት ከም ምኽንያት እንድሕሪ ተጠቂምካሉ፣ እታ ክልተ ሳንቲም ኣብ ሳጹን ዘዉደቐት ሰበይቲ ከሳሲትኻ ከይትኸዉን (ሉቃ 21፥1)። ንጰጥሮስ ዉን ዘኽሮ "ወርቂ ኮነ ብሩር የብለይን" (ግብ 3፥6)። ጳዉሎስ ዉን እንተዀነ፣ ኣዝዩ ድኽነት ዝነበሮ፣ ናይ ዕለት መግቢ ዘይረኽብ፣ ዝበዝሐ ግዜ ብጥሙይ ከብዱ ዝዉዕል ኣገልጋሊ ነበረ።
ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ ክብረት ዘይወሃበኻ ንዑቕ ሰብ ምዃንካ ዉን ብርሃንካ ንኸይተርኢ ከም መዐንቀፊ ኣይትግበሮ። ንሳቶም ዉን ካብ ንዑቃት ስድራቤት ዝተወልዱ፣ ንዑቃት ሰባት`ዮም ኔሮም። 'ትምህርቲ ዘይብለይዉን' ኣይትበል፣ ንሳቶም ዉን "ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት" እዮም ኔሮም (ግብ 4፥13)። ምናልባት ዉን ኣብ ትሕቲ ባርነት ዘለኻ ወይ ዉን፣ ካብ ጐይታኻ ዝሃደምኻ ግዙእ ኹን፣ ግቡእኻ ካብ ምግባር ዝዕንቅጸካ ማንም የለን። ኦኔስሞስ ዉን ከምኡ እዩ ኔሩ፤ ቅዱስ ጳዉሎስ ግና ናብ ከመይ ዝበለ ክብሪ ከምዝሓረዮን፣ ባዕሉ ጳዉሎስ ዉን "ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ" (ፊሊሞ 1፥13) ብምባል ክሳዕ ዝምስክረሉ ኮነ።
ጥዕና ምስኣን ዉን ምኽንያት ኣይዀነን። ጢሞቴዎስ ሕማም ዝመላለሶ ብጥዕና ዝሽገር ኣገልጋሊ ነበረ ነዚ ዉን`ዩ፤ እቲ ሓዋርያ "ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ" ዝበሎ (1ይ ጢሞ 5፥23)።
ኲሉ ሰብ ዕጃሙ እንድሕሪ ፈጺሙ፣ ኲሉ ካብ ጎረቤቱን ብጻዩን ክረብሕ ይኽእል።
ነተን ፍረ ዘይብለን ኣእዋም እስከ ጥመቱ፣ ገዘፍቲ፣ ጽቡቓት፣ ነዋሕቲ፣ ልሙጻት እየን። ግን ሕርሻ እንተዝህልወና፣ ከምዚ ዓይነት ምሓዝና እንታይ ይጠቕመና? ንትርኢት ጥራይ እንተዘይኾይኑሲ፣ እንታይ ረብሓ ይህብ? ካብ ከምዚ ዓይነት ገዚፍ ኦም ግን ኸኣ ዋላ ሓንቲ ፍረ ዘይብሉ፣ ገረብ ዓዉሊዕን፣ ገረብ ሮማን ይበልጽ። እምበኣር ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝሓስቡ ሰባት፣ ልክዕ ከምቶም ፍረ ዘይብሎም ኣእዋም እዮም፣ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሎምን፣ ግዲኦም ዉን ኣብ ሓዊ ተደርብዮም ክቃጸሉ እዩ። ዎረ ካብ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት`ሲ እቶም ኣግራብ ይሕሹ፣ ገረብ`ሲ ብዉሕዱ ጻላል ይዀነካ፣ ገዛ ዉን ትሰርሓሉ።

እተን ደናግል ዉን ከምዚ ነበራ። ዋላዉን ንሳተን፡ ደናግል፡ ስነስርዓት ዘለወን፡ ምቕሉላትን ትሑታትን እንተነበራ፣ ንዋላ ሓደ ኣይጠቐማን፣ ስለዚ ዉን ኣብ ሓዊ ተደርበያ (ማቴ 25፥1)።

እቶም ንክርስቶስ ዘይመገቡ ዉን ከምኦም እዮም። ኣብዚ ሓደ ነገር ነስተዉዕል፣ ንሳተን ብዋላ ሓደ ሓጢኣት ኣይተፈርዳን፣ ብዝሙት ድዩ ዋላስ ብሓሶት ወይ ብካልእ ዉልቃዊ ሓጢኣት ኣይተከስሳን፣ ኮይኑ ግና ንካልኦት ረብሓ ዘይህባ ነበራ፣ ናታተን በደል ንካልኦት ዘይጠቕማ ምንባረን ጥራይ እዩ።
እቲ መኽሊቱ ዝሓብአ ዉን ከማታተን ተመሳሳሊ ዕጫ ረኺብዎ። ኩሉ ህይወቱ ዋላ ሓንቲ ኣበር ኣይነበሮን፣ ግና ንካልኦት ዝጠቅም ህይወት ኣይሓዘን (ማቴ 25፥25)።

ከመይ ኢሉ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክርስቲያን ክበሃል?

መባኲዕቲ ምስ ሕሩጭ ለዊስካ ምስ ሓወስካዮ፣ መሊሱ ነቲ ቢሑቚ ሓፍ እንድሕሪ ዘየብሊዎ፣ ነዚ ነገር መባኲዕቲ ክንብሎ ንኽእል`ዶ? ጨና`ኸ ኣብ ገዛ ጌርናዮ ነቲ ገዛ ብጥዑም ጨና እንድሕሪ ዘይመሊእዎ፣ ነዚ ነገር ጨና ክንብሎ ንኽእል`ዶ?

"ንካልኦት ናብ ክርስትና ክዕድም ፈጺሙ ከቢድ እዩ" ኣይትበል። ምክንያቱ ክርስቲያን እንድሕሪ ኮይንካ ንካልኦት ናብ ክርስትና ክትዕድም ባህሪያዊ እዩ። ከምቲ ሓደ ነገር ባህሪያዊ ጠባያቱ ከርኢ ልሙድ ዝዀነ፣ ንስኻ ዉን ክርስቲያን እንድሕሪ ኮይንኻ ባህሪያዊ ልማዳትኻ ከተንጸባርቕ ግድን እዩ።

ንእግዚአብሔር ኣይንጽረፎ! 

ጸሓይ ብርሃን ክትህብ ኣይትኽእልንያ ምባል፣ ንኣምላኽ ምጽራፍ እዩ፤ ንክርስቲያን ዉን ሰናይ ነገር ክገብር ኣይኽእልን እዩ፣ ምባል ንዕዑ ነቲ ልዑል ሓሳዊ ምግባር እዩ። ካብ ሓደ ክርስቲያን ብርሃኑ ከብርህ ኣይኽእልን ምባል፣ ንጸሓይ ብርሃናን ሙቐትን ክትህብ ኣይትኽእልን`ያ ምባል ይቐልል። ካብ ከምዚ ምባል፣ ብርሓን ክጽልምት ይቐልል!

'ፍጹም ክኸዉን ኣይኽእልን' ኣይትበሉኒ፣ በንጻሩ ፍጹም ክኸዉን እዩ ደኣ በሉኒ። ንኣምላኽ ኣይነዋርዶ። ንሕና ነቲ ናትና ህይወት በቲ ቅኑዕ መንገዲ እንድሕሪ መሪሕናን፣ ህይወትና ኣብታ ቅንዕቲ መንገዲ ከም እትመላለስ እንድሕሪ ጌርና፣ ሽዑ ካልኦት ዉን ክስዕቡና እዮም፣ ምክንያቱ እዚ ባህሪያዊ ዉጽኢትን ኣድላይን እዩ።
ከምቲ ብርሃን ናይ ሓንቲ ሓንቲ ፋኑስ ክንክዉሎ ዘይከኣል፣ ብርሃን ናይ ሓደ ክርስቲያን ዉን ክትሓብኦ ፈጺሙ ኣይኸኣልን። ግዲ ኣልቦ ኣይንኹን!
ስነ ምግባር ዘለና ንጹሓት ክርስቲያናት እንድሕሪ ዀይንና፣ ንገዛእ ርእስናን ንካልኦትን ክንረብሕ ኢና። ብተመሳሳሊ ዉን፣ ምግባረ ክፋእ ዝመላእና እንድሕሪ ኰይንና፣ ዉጽኢቱ ድርብ እዩ፤ እቲ ሃስያ ቅድም ንገዛእ ርእስና፣ ቀጺሉ ዉን ነቲ ጉድኣት ዝወረዶም ሰባት።

ካብ ካልእ ሰብ ብዙሕ ጉድኣትን መከራን ዝወረዶ ሰብ እንድሕሪሃልዩ፣ ንክፋእ ብክፋእ ዘይኰነሲ፣ ብሰናይ ይመልሶ። ምክንያቱ ልዕሊ`ዚ ዝዓቢ ትምርቲ የለን! ኣየናይ ቃላት ኣየናይ ስብከት`ዩ ነዚ ግብሪ ክመዓራረዮ ዝኽእል? ኣየናይ ብዝሒ መከራ እዩ፣ ነዚ ግብሪ ከጥፍኦ ዝኽእል? እምበኣር ንሕና ነዚ ነገር ነስተዉዕሎ`ሞ፣ ብስነ ምግባር ዝተሃነጽና ንኹን። ምክንያቱ ብዘይ ሰናይ ግብሪ ድሕነት የለን። ኣብዚ ህይወት`ዚ ብሰናይ ግብሪ ተመሪሕና ንነብር እንድሕሪ ኰይንና፣ ደሓር ኣብታ ትመጽእ ህይወት ድማ ሰናይ ዓስቢ ክንቅበል ኢና። ብጸጋን ምሕረትን ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ክብርን ምስጋናን ዉዳሴን ኣምልዀን ዂሉ ሳዕን ንዘለዓለም ንዓኻ ይኹን ኣሜን።
ምንጪ፣ ካብ ትሩጓሜ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ኣብ ግብረ ሃዋርያት ዝተወስደ።

Wednesday, October 9, 2013

ቅድስት ባርባራ

ቅድስት ባርባራ

"ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እጽልይ አሎኹ።" ፊሊ 1፥9-10
ነዚኣ ስዕሊ ዝረኣየ ዘበለ ኹሉ፣ "እዚኣ ደኣ ኣርሴማ ቅድስት እንድያ!" ኢሉ ዝደናገር ብዙሕ እዩ። ወረ ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚ ከማን፣ ቅድስት ኣርሴማ ተባሂላ፣ እዚ ስእሊ ንጥቀመሉ ኢና። የግዳስ እዚኣ፣ ቅድስት ባርባራ ትበሃል። ኣብቲ ስእሊ ምስ ንርእዮ፣ ሓደ ስም ክንረክብ ኢና። ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ግሪክ ፊደላት "Η ΑΓΙΑ ΒΑΡΒΑΡΑ" ብትግሪኛ Η ΑΓΙΑ ማለት ቅድስት፣ ΒΑΡΒΑΡΑ ባርባራ እዩ። ምስ ቅድስት ኣርሴማ ዝመሳሰል ታሪኽ ዘለዋ እዛ ቅድስት ሰማዕት፣ ባራባራ ትበሃል። ንሎሚ ምስኣ ከላልየኹም።

እዛ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዕለት ሸሞንተ ታሕሳስ እትዝከር ባርባራ፣ ብሰማዕትነት ዝዓረፈት፣ ሓንቲ ካብቶም ብዙሕ ተፍላጥነት ዘለዎም ቅዱሳን ኣንስት እያ።  በዚ ምክንያት ዉን "ቅድስት ባርባራ ዓባይ ሰማዕት" ተባሂላ ትጽዋዕ።

ካብ ሰብ ምብራቕ ዝሞበቀሉ፣ ኣቦ ባርባራ ዲዮስቅቆሮስ ዝበሃል ኮይኑ፣ ፍሉይ ቦታ ኒክሮሜድያ ኣብ ዝበሃል ቦታ ይነብር ነበረ። እዛ ቦታ ጎዶቦ ናይታ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ሄልዮፖሊስ እትበሃል ኣብ ግብጺ እትርከብ ዓባይ ከተማ እያ። ኣቦ ባርባራ ኣብዛ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ሃብታም በዓል ጸጋ ነበረ። ንጓሉ ባራባራ ኸኣ ኣዝዩ ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮ። ንሳ ኣዝያ ዉቕብቲን መስታውዓሊት ዉን ነበረት። `ቲ ዘመን፣ ጨካን ኣራዊት ማክሲማኖስ ሮማዊ ንግብጺ የማሓድረሉ ዝነበረ ግዜ እዩ።

ኣቦ ባራባራ፣ ንጓሉ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮ ሰብኣይ ስለዝነበረ፣ ድሌታ ዘበለ ዂሉ የማልኣላ ነበረ። ንሳ በይና እትነብረሉ ዓቢ ገዛ ሃነጸላ። ንሳ ዉን ኣብቲ ኣቡኣ ዝሃነጸላ ገዛ ኮይና፣ ናብ ሰማያት ብምጥማት ፍጥረታት ተድንቕ ነበረት። ካብ ብዝሒ ልማድ ዉን፣ ብዛዕባ ጸሓይ፣ ወርሒ፣ ከዋኽብቲን ትመራመርን፣ ንዘለወን ስርዓት ዉን ትከታተል ነበረት። በዚ ተመሪሓ ዉብ፣ ሓደ ዓቢ ርድኢት ሓዘት። "ነዚ ዂሉ ዝፈጠረ፣ ካልእ ፈጣሪ" ከመዘሎ፣ ብልባ ደምደመት። እቲ ኣቡኣን፣ ነበርቲ`ታ ከተማን ዘምልኽዎ ጣኦት፣ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምዘይዀነን፣ ካልእ ንዂሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ዘሎ ልባ ስለዝነገራ፣ ነዚ ከተናድይ ሃሰው በለት። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፣ ኣብ ግብጺ መምህር ክርስቲያናት ዝነበረን፣ ንብዙሓት መማህራን ቤተክርስቲያን ዘፍረየ፣ ኦሪገን ኣብታ ኸተማ ነበረ። ብዛዕባ ባራባራ ዉን ስለዝሰምዐ፣ ንሱ ብዛዕባ ሓቀኛ ኣምላኽ እግዚአብሔርን፣ እምነት ክርስትናን መሃራ።  

ንሳዉን በቲ ዝተዋህባ ምህሮ ኣዝያ፣ ስለዝተረድአት፣ ንጣኦት ምምላኽ ሓዲጋ፣ ናብ እምነተ ክርስትና ተጸንበረት። ኣቡኣ ኣብ ዝሓነጸላ ገዛ፣ ነብሳ ትሕጸበላ ናይ በይና ክፍሊ ነበራ፣ እዛ ክፍሊዉን ክልተ መሳኹቲ ነብርኣ። ክርስቲያን ኮይና፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከተምልኽ ምስ ጀመረት ድማ፣ ኣብታ መሕጸቢት ክፍላ፣ ሳልሰይቲ መስኮት፣ ኣብ ልዕሊ`ቲ ነብሳ ትሕጸበሉ ጋብላ ዉን መስቀል ከምዝከዉን ገበረት። ኣብኣ ክርእያ ኢሉ ምስ መጽአ ዉን፣ ብዛዕባ`ዚ ነገራት ሓተታ።
"ኣቦ ኣይትፈልጥን ዲኻ፣ ኣብ ሥሉስ ቅዱስ ኲሉ ነገር ሙሉእን ፍጹምን እዩ። እዘን ሰለስተ መሳኹቲ ንሰለስትነት ሥላሴ ተመልክት፣ እዚ መስቀል ድማ፣ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምልክት እዩ፣ በዚ መስቀል`ዚ ከኣ ድሕነት ረኺብና። ኣቦይ መዓረይ ነዚ ዝብለካ ዘለኹ ምሕጽንታ ስምዓኒ፣ እቲ ንስኻ እተምልኾ ዘለኻ ጣኦት፣ ናይ ሓሶት ኣምላኽ እዩ፣ ፍጡር እዩ፣ ካብዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ጌጋ ኣምልኾ፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተመለስ፣ ንሱ በይኑ እዩ ፈጣሪ" ብምባል መለሰትሉ።
በቲ ዝሰምዖ ነገር ዝተገረመ ኣቡኣ፣ ኣዝዩ ሰዝሓረቐ፣ ሴይፉ መዚዙ ክቐትላ ተበገሰ፣ ንሳ ዉን ሃደመት። ካብ ኣቡኣ ዝሃደመት፣ ባርባራ ቅድስት፣ መእተዊ ምስ ሰኣነት፣ ኣዒናታ ናብ ሰማያት ኣቢላ፣ ምሕረት ካብ ኣምላኽ ሓተተት። ብኡንብኡ ዉን እቲ ኣብ ቅድሚኣ ዝነበረ ከዉሒ፣ ንኽልተ ተገሚዑ ኣፍደገ ከፈተላ። ንሳዉን ተቐላጢፋ ናብኡ ኣተወት፣ እቲ ከዊሑ ዉን፣ ናብ ናይ ቀደሙ ቅርጹ ተመሊሱ ተዓጽወ።

ነዚ ዝረኣዩ ክልተ ጓሶት፣ በቲ ነገር ኣዝዮም እንዳተገረሙ እንከለዉ፣ ኣብኡ ኣርኪቡ ከፋጥጦም ጀመረ። እቲ ቀዳማይ እኳ ሱቕ እንተበለ፣ እቲ ካልኣዩ ግና፣ ሴይፊ ፈሪሑ ዝተሓብኣትሉ ቦታ ኣመልከቶም። ብኡንቡኡ ዉን ኣተን ናቱ ማል ናብ ኣንበጣ ተቐየራ። ኣቡኣ ዉን ብድሕሪ እቲ እምኒ ብምኹላል፣ ኣብቲ ዝተሓብኣቶ ቦታ ከይዱ ረኸባ። ወሲዱ ዉን፣ ናብቲ ንብዙሓት ክርስቲያናት ኣሳቕዩ ብምቕታል ዝፍለጥ ማክሲማኖስ ኣረከባ።

ማክሲማኖስ ኣብ መጀምርታ ብሉስሉስ መንገዲ ጌሩ፣ ብዙሕ ተስፋታትን ዘታልሉ ነገራትን ብምዝራብ፣ ሓሳባ ንኽትቕይር ብዙሕ ፈታነታት ገበረ። ምስላጥ ምስ ኣበዮ ዉን፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣቢሉ፣ ከሳቕያ ጀመረ። ብዙሕ ፈተነታት እዃ እንተገበረ፣ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ግና ክፈልያ ዝኽእል ኣይነበረን።

ንጽንዓትን ትዕግስቲን ባርባራ ትኽታተል ዝነበረት፣ ዩሊያና ዝተባህለት ሓንቲ ጎርዞ ዉን፣ በቲ ነገር ኣዝያ ስልዝደንጸዋ፣ ምእንቲ ባርባራ ክትነብዕ ጀመረት። ኣብቲ ሽዑ ኣጋጣሚ ዉን፣ ጐይታና ካብ ሰማያት ወሪዱ ንቅድስት ባራባራ ከጸናንዓን ክርደኣን እንከሎ ረኣየት፣ በዚ ምኽንያት ዉን፣ ዩልያና ብጐይታ ኣሚና ክርስቲያን ተቀየረት። ጨካን ንጉስ ማክሲማኖስ በቲ ነገር ኣዝዩ ስለዝሓረቐ፣ ንክልቴአን ኣዋልድ፣ ርእሰን ክስየፋ ኣዘዘ። ዩልያናን ባራባራን ዉን ኣብ እምነተ ክርስትንአን ጸኒዐን፣ ሰማእትነት ተቐበላ።

ኣቦ ቅድስት ባራባራን፣ ጨካን ኣማሓዳሪ ማክሲማኖስን፣ ኣይጸንሑን ኣምላኽ ብመዓቱ ኣጥፍኦም። እቲ ንሳ ነብሳ ትሕጸበሉ ዝነበረት መስቀል ዝነበሮ ማይ ድማ፣ ንብዙሓት ሕሙማት ፈዉሲ ኮኖም። ዓጽሚ ናይዘን ክልተ ቅዱሳን ኣንስቲ ካብ ከተማ ገላትያ ወጻኢ ኣብ ዝነበረ ቦታ ኣንበርዎ። ድሕሪ  ብዙሕ ዓመታት ዉን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ብሽማ ኣብ ዝተቀደሰ ቤተክርስቲያን ዓጽማ ዓረፈ። 

ነዚ ስእሊ`ዚ ክንዕዘቦ ኣንከለና ቅድስት ባርባራ መስቀል፣ ስየን፣ ጽዋእን ሒዛ ንርእያ። ጽዋእ፣ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ክትብል ዝተቀበለቶ ናይ ሰማዕትነት ምልክት እዩ። መስቀል መግለጺ እምነታን ናታ ተጋድሎን የመልክት። እቲ ስየ ድማ፣ ከም ንፈልጦ ኣብ ቤተክርስቲያን 'ስየ' ምልክት ንጽህ እምነት እዩ። "ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ፣ ከም ጽህዲ ሊባኖስ ዉን ይዓብዩ" /መዝ 92፥12/ ኢሉ ዳዊት ዝዘመሮ ዉን፣ ጻድቃን ብእምነት ከምዝዓብዩ መረጋገጺ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዉን ስየ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጠቒሱ ንረኽቦ /2 ነገ 6፥29, ራእ 7፥9/። ስለዚ ካብዚ ቅዱስ ስእሊ እንመሃሮ፣ ነገር ሰማዕት ቅድስት ባርባራ፣ ምእንቲ መስቀለ ክርስቶስ ክትብል፣ ብንጹህ እምነት፣ ሰማእትነት ከም ዝተቐበለትን፣ ናይዚ ዓስባ ዉን ኣክሊል ህይወት ምዃኑ እዩኣባ ጊዮርጊስ ዘግስጫ ዉን፣ ኣብ ምስጋና ኣርጋኖን ዝተባህለ መጽሕፉ ዘሰንበት፣ ተቒስዋ ይርከብ።


እምበኣር ክቡራት ምእመናን፣ ንሕና ክርስቲያናት ንሰማዕታት ብዙሕ ክብሪን ፍቕሪን ኣለና፣ ብቃል ኪዳኖም ዉን ንምሕጸን ኢና። ኣብዚ ከይተሓጸርና ግና ንሕና ዉን ኣሰር ሰማዕታት ክንስዕብ ይግባእ። ፍቑራት ኣሕዋተየ ዋላዃ ንሕና ምእንቲ ስም ክርስቶስ መድሓኒና ኢልና እንቕበሎ መከራን ስደትን፣ እንእሰሮ ማእሰርቲን፣ ኣብ ኢድ ደቂ ሰባት ወዲቕና ኣንቕበሎ መግረፍቲን ሞትን እንተዘየለ፣ ሰማእትነት ግና በዚ ዝተሓጽረ ጥራይ ኣይኰነን። ስየ ሰማእትነት ኣንጾረሉን፣ ጽዋእ መድሓኒናን እንጥዕመሉ ብዙሕ ናይ ሰማዕትነት መንገዲታት ኣሎ። ገዛ ስጋና ብንጽህና እንድሕሪ ዓቂብናን፣ ስጋና ንነፍስና እንድህሪ ኣግዚእና፣ ብዂሉ ልማኖን ጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ቀሪብና ብትሕቱ መንፈስ ምስ ንልምኖን፣ ብዂሉ  ሰናይ ግብሪ እንድሕሪ ተጊህና፣ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘበለ ኲሉ ብትዕግስቲ ምስ ነጥሪ፣ ሰማእታት ኢና። ጸሎትን በረኸትን ቅድስት ኣዴና ባራባራ ምስ ዂልና ይኹን!ኣሜን።

Tuesday, October 8, 2013

ምእንቲ እቶም ዝጠፍኡ ነፍሳት

ምእንቲ እቶም ዝጠፍኡ ነፍሳት

ኢየሱሱ ስዱድ  ተስፋሆሙ ለስዱዳን፣ ኢየሱስ ግፉዕ ምስካየ ግፉዓን፣ እግዚአብሔር ማኅደር ዘአልቦ ከመ ነዳያን። ኢየሱስ ነግድ ወፈላሲ እንዘ ዉእቱ ሕፃን። ወልደ አብ ፍቁር ብኀበ ሰብእ ምኑን። መኀልየ ብካየ ኰነኒ ዘእሙ ኃዘን። ትርጉም፣ ኢየሱስ ስዱድ ተስፋ ናይ ስደታኛታት፣ ኢየሱስ ግፉዕ መዕረፊ ግፉዓን፣ እግዚአብሔር ከነስኻ መሕደሪ ኣይነበረካን ከም ነዳያን፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተሰደድካ ንስኻ ህጻን፣ ብሰብ ዝተነዓቕካ ወልደ እግዚአብሔር ምኑን፣ ናይ ኣዴካ ሓዘን ንዓይ ኣዉያተይ ኰነኒ።


ቅንያቱ ቅድስት ቤተክርስቲያን ንስደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ፍቕርቲ ኣዲኡ ድንግል ማርያምን ጻድቅ ዮሴፍን ሳሎሜን፣ ብፍሉይ መልክዕ እትዝክረሉ፣ ወርሓት ጽጌ ዝበሃል ቅንያት እንሸባሸበሉ ግዜ እዩ። እዚ ቅንያት፣ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ምእንቲ እቲ ርጉም ሄሮድስ ነቲ ህጻን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ከይቐትለላ ፈሪሓ ዝተሰደቶ ስደትን፣ ዝተቐበለቶ መከራን ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 6 እንዝክረሉ ኮይኑ፣  ወርሓ ጽጌ ድማ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዓቕሚን ጥዕናን ዘለዎ ሰብ፣ ብጾም ከሕልፎ ቤተክርስቲያን ትላበው። ኣዚ ጾም` ካብተን ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ፍልይ ዝበለ ኮይኑ፣ ናይ ፍቓድ ጾም ዉን ይበሃል። እዚ ማለት ሰብ ባዕሉ መሪጹ፣ ሰብ ከይፈለጦ ብዉልቁ ይጸዉም። ወርትግ ሰንበት ዉን ማህለተ ጽጌ ኣሎ። ካብ ሰዓት 11:00 ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 4:00 ማህሌት ምስጋና ይቐርብ፣ ብድህሪ ድማ ኪዳንን ቅዳሴን ይስዕብ። ትሕዝቶ ናይዚ ማህሌት ንናይ ስደት ድንግል ማርያም ምስ ወዳን ዝዘንቱን፣ ንኹሉ ኩነታት ዘንጸባርቕን ኮይኑ፣ ምእንቲ ካብ ገነት ዝተሰደድናዮ ስደት ኣዳም ክክሕስ ዝተቀበሎ መከራ ብምዝካር፣ ንኣምላክ ምስጋን ዝቐርበሉ እዩ። ብዘይካ`ዚ ዉን ሰብ ጸጋ ንድኻታት ሃብቶም ዘካፍሉሉ ግዜ እዩ። ማንም ኦርቶዶክሳዊ ዉን ካብዘን ሰለስተ ኣማራጺታት ማለት ብጾም፣ ማህሌት ብምስታፍ፣ ወይ ንድኻታት ብምርዳእ፣ ብዉሕዱ ሓደ ዝሰማምዖ መንገዲ መሪጹ፣ ስደት ድንግል ማርያም ክዝክር ይግባእ።

ወርሓ ጽጌ ማለት ናይ ዕንባባ ወርሓት ማለት እዩ። እቲ ኣብ ክረምቲ ዝተዘርአ ኣእኻል ዝዕንብበሉ ወርሃት እዩ። ዕንባባ ፍሉይ ሕብሪን መኣዛን ይሃልወን እምበር፣ ምስኡ ዉን እሾክ ኣለዎን። እቲ ዕንባባታት ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ መጋቢነት ዘዘካከረና ክከዉን እንከሎ፣ እቲ እሾኽ ግና፣ ንመከራ ስደት ድንግል ማርያም ዘዘካኸረና እዩ። ኣብዚ ወርሓት፣ በረኻታት ብዕንባባ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዝዉቅባሉ ግዜ ኮይኑ፣ ኣዕዋፍ ይሕጎሳ፣ ኣናህብ ይወፍራ፣ ሓረስታይ ተስፋ ይገብር፣ ኣመንቲ ክርትና ግና፣ ነቲ ኣብዚ ቅንያት ዘጋጠመ፣ ስደት ጐይታ ንዝክር። 

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ፣ ሰብኣ ሰገል ካብ ምዕራብ ማለት ከባቢ ኢራን ተበጊሶም ኮኮብ ብምርኣይ፣ ናብ ኢየሩሳሌም በጽሑ፣ እቲ ዝረኣይዎ ኾኾብ ንጉስ ከምዝተወልደ ዘመልክት ስለዝዀነ፣ ንጉስ ዉን ኣብ ቤተመንግስቲ ስለዝዉለድ፣ ናብ ቤተመንግስቲ መጺኦም፣ “እቲ ዝተወለደ ህጻን ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፣” ኢሎም ሓተቱ። ኣብቲ ሽዑ ንጉስ ዝነበረ ሄሮድስ፣ በቲ ነገር ኣዝዩ እንዳተገረመ፣ ነቶም ናይ መጽሓፍቲ ፈላጣት ዝዀኑ ‘ጸሓፍት’ ጸዊዑ ሓተቶም፣ ንሳቶምዉን ኣብ ቤተልሄም ናይ ይሁዳ ከምዚ ዉለድ ነገርዎ፣ ንሱዉን፣ ነቶም ሰብኣ ሰገል ሓበሮም። ሰብኣ ሰገል በቲ ኾኾብ ተመሪሖም ናብቲ ጐይታ ዝተወልደሉ ቦታ በጽሑ፣ ጐይታ ዉን ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ፣ ብጓሶት ተኸቢቡ፣ ረኸብዎ። ኣትዮም ዉን ሰገዱሉ፣ ዕጣን-ኣምላኽ ስለዝዀነ፣ ወርቂ-ንጉስ ስለዝዀነ፣ ከርበ-ንዝቐበሎ መከራን ዝጥዕሞ መሪር ሞትን፣ ምልክት ክኸዉን ወፈዩሉ። መላኣኽ እግዚአብሔር ብሕልሚ ስለዝነገሮም ዉን ብካልእ መንገዲ ናብ ዓዶም ተመልሱ። /ማቴ 2/

"ሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮዶስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሔ። ሽዑ ሄሮዶስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ።" ማቴ 2፥13-16
ኣብዚ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ስደት ዝነበረ መከራ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ክትገልጾን ኣዝዩ ኸቢድን ነበረ። ነዚ ዉን'ዩ ኣብቲ ሰቆቃወ ድንግል ዝብል መጽሓፍ፣ ከምዚ ዝብል፣ "እፎ ቈቊዓ በሓዊረ ፍኖት መከየደ እግርኪ ወርኃ ዘይሴዓን፣ ለባሲተ ፀሓይ ማርያም ወለተ ብርሃን፣ ኣመ ኣጒየይኪ ወልደኪ በጒጒዓ እምገጸ ሄሮድስ ተመን፣ ዘብጽሓኪ ምንዳቤያተ ሶበ ይሰምዕ በዕዝን፣ ሰብእ ኣኮ እምበከየ ዕብን።
ትርጉሙ ብዝርዳእ መንገዲ ክንገልጾ እንከለና ከምዚ ማለት እዩ ማርያም ድንግል ንስኺ ጸሓይ እትለብሲ ጓል ብርሃን ከነስኺ፣ ስለምንታይ እተን ወርሒ ኣብ ሳእነን ዝወድያ ኣእጋርኺ ብንዉሓት መንገዲ ቈሰላን በስበሳን፣ ምእንቲ ዉላድኪ ካብ ገጽቲ ተመን ዝዀነ ሄሮድስ ከተህድምዮ እዚ ዂሉ መከራ ተቀበልኪ፣ ብሰንኪ'ዚ ስደት ዝበጽሓኪ መከራ ኣብ እዝኒ ምስ ዝስማዕ፣ ኣይኰነን ሰብሲ እምኒ ከማን ምበከየ ።

እዚ ዂሉስ ምእንቲ ድሕነትና ቅድሚ 2000 ዘመናት ተፈጸመ። ጐይታ እዚ ዂሉ መከራ ዝተቐበሎ ዉን ነቶም ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱን፣ ስደቶም ክባርኽን፣ ተስፋ ምእንቲ ክኾኖምን እዩ። ስደት ብዙሕ'ዩ ምኽንያቱ፣ ጌሌና ዝሓሸ እንጀራ ደሊና፣ ገሌና ኣብ ሃገርና ጽቡቕ ስለዘይረኸብና፣ ገለ ማእሰርቲን ሞትን ፈሪሑ፣ ገሊኡ ጥሜትን ኲናትን ጸሊኡ። ነዞም ብዝተፈላለየ ምክንያት ዝስደዱ ዉን ተስፋ ዝዀንዎም፣ ንሱ'ቲ ብህጻንነት ዘመኑ፣ ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ ኮይኑ ስደት ዝባረኸ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ከም ፍቓድ ኣምልኽ ዉን ገሌና ባሕሪ ዓለማት ሰጊርና ኣብቲ ይሓይሽ ዝበልናዮ ቦታ በጺሕና። ኮይኑ ግና ብዙሓት ኣብ ባሕሪ ተሪፎም።

ኣብ 2011 ዓም ልዕሊ 300 ዝዀኑ መናእሰያት፣ ክሓልፈሎም እንዳበልና ኣብ ባህሪ ተሪፎም። ብናታቶም ሞት ዉን ገዛ ኲሉ ኢርትራዊ ብሓዘን ተኻሕኩሐት። ናቶም ከይኣክል ዉን፣ ቅድሚ ሶምን 13 ሰባት፣ ቅድሚ ሳልስቲ ዉን ልዕሊ 111 ሰባት ጥፊኦምና። ልብና ብሓዘን ተወግአ፣ ኲሉ ሰብ ኣብ በረኻታት ወጺኡ፣ ተጠሊኡ ከእዊ ይደሊ፣ የግዳስ ናተይ እባ ኣትዮም ይዀኑ፣ ናተይስ እባ ኣይተበገሱን ይዀኑ ብዝብል ሓሳብ ተደዓዒሱ ስቕ መሪጹ። ገለ ከምዚ ከማይ ሓጢኣት ዝመልኦ፣ ልቡ ብፍቕሪ ሓጢኣት በረድ ተቀዪሩ ዘሎ ግና፣ ልዕሊ ጸሎት ምስትምቃር ሓጢኣት ስለዝመረጸ፣ ንጸሎት ዉን ኢዱ ከልዕል ኣይመረጸን። ከንፈሩ ጥራይ ረምጢጡ ሱቕ ይብል።  ኣቱም የሕዋተይ፣ እድያት ናይ ነጸላይ ንድህሪት ገልቢጠ ክበኪ፣ ወይ ኣእዳወይ ንድሕሪት ጌሪ ምእንቲ ክሓዝን'ሲ፣ እቲ ዝሞተ ሰብ ብስጋን ክዛመደኒ ግድን ድዩ?! እዚ ድዩ ክርስትና?! ብዉሕዱ ከማና ዜጋና፣ ኣብ ባሕሪ ስለዝተረፈ፣ ኣእዳዉና ብንብዓት ኣጠልቂና ናብ እግዚአብሔር ኣንቃዕሪርና ክንጥምት`ዶ ኣይግባኣናን።

ወረ'ቲ ቀደምሲ ዕድሚኦም ልዕሊ 30ን ከባቢኡን ዝዀኑ ይስደዱ ነበሩ፣ ሕጂ ደኣ ዕድሚኦም ካብ 11-17 እዮም። ነዚኦም ኢና ኣብ ባሕሪ ሲኢናዮም ዘለና። እምበኣር ኣስከ ኩላትና ብጸሎት ንተንስእ። ክስቶ ክጽልይ እዩ፣ ክስቶ ክምህለልዩ እንዳበልና፣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይንጸባበይ፤ ከምኡ ክንብል፣ ኩልና ዓዲ ዉዒል ተሪፍና፣ እዚ መከራ`ዚ ዉን ኣጋጢሙ። ኩልና ንተንስእ፣ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወሪዱ ስጋ ሰብ ለቢሱ፣ ዝወረደ እኰ፣ ንብዓት ህዝቡ ሰሚዑ እዩ። 

እስራኤል ኣብ ግብጺ ብባርነት እንከለዉ፣ ኣዝዩ ጽዑቅ ባርነት ነበሮም። ማንታ ኣብ ከብዳ ዝጾረት ራሄል ዉን ሓደ ካብቶም በቲ መከራ ዝሳቐዩ ነበረት። ዕለተ ሕርሳ ቀሪቡ ስለዝነበር፣ ካብቲ ኣድካሚ ጡብ ናይ ምቡዃዕ ስራሕ ከተዕርፍ እንተበለት፣ ወታሃደረኣት ግብጺ ኣብይዋ፣ ከማን ኣብኡ ክትወልዶም ነገርዋ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፣ ጡብ ክስራሕ ዝጠቁሙሉ ጭቃ ብእግሪ ይቦክዕ ነበረ። ራሔል ዉን ብእግራ እንዳኣቡከዐት እንከላ፣ ማናቱ ናጽላ ደቃ ኣብቲ ጭቃ ወደቑ፣ ከተልዕሎም ድንን እንተበለት ዉን ጨቃናት ፎርኦናዉያን ከልከልዋ፣ ካብኡ ሓሊፎምዉን ደም ንመንደቕ የትርሮ`ዩ`ሞ ርገጽዮም በልዋ። ዝወለደ ማህጸና እንዳረበሻ ዉን ደቃ ረገጸቶም፣ ደም ማናቱ ደቃ ዘየክኣላ፣ ራሄል ኣምሪራ ነብዐት። ነብዪ ኤርሚያስ "ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት" ኢሉ ዝተነበየ ዉን ነዚ ነከመልክት እዩ/ኤር 31፥15 ማቴ 2፥17-18/። ራሄል ግና ለባም ነበረት፣ ደበስ ዝዀና እግዚአብሔር ጥራይ ምዃኑ ፈሊጣ፣ "ኣምላኽ ኣቦታትና የለኻን ዲኻ?!" ብምባል ንብዓታ ናብ ሰማያት ነጽገት፣ ናብ እግዚአብሔር ዉን የእወየት። ሽዑ እግዚአብሔር ነቶም ህዝቢ መሪሑ ዘዉጽኦም ሙሴ ሰደደሎም። ተመሪሖም ዉን ጸባን መዓርን ዝፈሰላ ናይ ተስፋ ምድሪ ወረሱ።

እምኣር ንሕና ዉን ንንባዕ። ንብዓት ምረት ሓዘንና ዉን ናብ ሰማያት ንንጸጎ፣ ሽዑ ኣምላኽ ብምሕረት ክምልስ እዩ። "ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን።" ንበሎ /መዝ 25፥6/ "ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።" /ሰቆ ኤርሚ 3፥22-23/። ሽዑ ኣምላኽ ክሰምዓናን ነዚ ዂሉ መከራናን ዉን መወዳእታ ክገብረሉ እዩ። "ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፣ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፣ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ፣ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፣ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ውን ተመለሱ።" /ኢዩ 2፥13/።

ኦ እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣብኡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ኣቦታትናን ኣሕዋትናን፣ ኣሓትናን ንልምነካ ኣሎና። ነፍሶም ኣብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ከተሕድሮምን፣ ኣብ ሑቕፊ ኣብራሃም ከተንብሮም ንልምነካ ኣለና። ኣባታ ዓይኒ ዘይረኣየቶ፣ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፣ ልቢ ሰብ ዉን ዘይሓለኖ፣ ቦታ ዕርፈቲ ተቐበሎም።

ኦ ምልዕተ ጸጋ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ጽላል ረድኤትኪ ዘርግሒ፣ ንህዝቢኹ ዉን ተከላኸሊ፣ ብኪዳንኪ ለምንልና። ምእንቲ ስደት ወድኺ፣ ምእንቲ ስቕለቱ ናይ ፍቑርኪ፣ ምእንቲ ሞቱ ናይቲ ሓደ ወድኺ፣ ኣብ ናትኺ ሓዘን ሳተፍ ኣለና`ሞ፣ ኣብቲ ናትኪ ሓጎስ ድማ ንስኺ ኣሳትፍና። ንዓይ ነገልጋሊኽን፣ ንኩላትና ህዝብኺን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።

Thursday, October 3, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 18

 ምዕራፍ 18. ጸሎት-4ይ ክፋል


ናይ ንግሆ ጸሎት ምስ ገበርካ፣ ጸሎት በዚ ዘብቀዐ ኣይምሰልኻ። ጸሎት ጌርካ ምስ ወዳእኻ፣ ነዚ ናይ ጸሎት ሃዋሁ ወይ መንፈስ ክትዕቅቦ ይግባእ፣ ዋላ እብታ መዓልቲ ብዙሕ ደስ ዘይብል ነገራት ይግጠመካ፣ ናይ ጸሎት ሓሳባት ዓቅቦ። 

ነዚ ክንገብር ዝሕግዙና ብዙሕ ሜላታት ኣለዋ፣ ንኣብነት ጳጳስ ቅ.ቴኦፋን ባሕታዊ ከምዚ ኢሉ ይምዕደና። “ናይ ዳዊት መዝሙራት ብዙሕ ሓጸርቲ ጸሎታት ኣለዎ፣ ስለዚ ካብ መዝሙረ ዳዊት ደስ ዝብላን ሓጸርቲ ናይ ጸሎት ሓረግ ምረጽ፣ ንኣብነት፤ 'ኦ እግዚአብሔር ንሓገዘይ ቀለጥፍ'፣ 'ንጹህ ልቢ ፍጠረለይ'፣ 'ኦ ጐይታ ንስኻ ብሩኽ ኣምላኽ ኢኻ'፣. . ዝኣመሰሉ ጸሎታት መሪጽና፣ ኣብቲ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታት ክንደግመን ንኽእል”። 

ክንጽልየን እንኰለና፣ ኣብ ጥቓና ሰባት እንተሃልዮም፣ ትሕት ብዝበለ ድምጺ፣ ወይ ብስቕታ ኣብ ኣእምሮና ብምድጋም ንጸልየን፤ በይንና እንድሕሪ ኰይና ድማ ዓዉ ኢልና፣ ነታ ዘሎ ከባቢ ብዘርብሽ መልክዕ ክንጽልየን ንኽኣል። ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ንጠቀመሉ፣ ኣብ ባስ ንሃልዉ፣ ኣብ ሊፍት፣ ኣብ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ፣ ኣብ ናይ ሻሂ ሰዓት፣ ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ፣ ሕሊናና ብምእካብ፣ ነተን ቃላት ብምዝካር፣ ኣድህቦና ዉን ኣብተን ንደግመን ሓረግ ጸሎት ጌርና፣ ንጸልይ። ኸምዚ ብምግባር ዉን፣ ክሳብቲ ኣብ ገዛና ኣቲና፣ ቅድሚ ሰዓታት ድቃስ እነቕርቦ ጸሎት፣ ሕሊናና ብናይ ጸሎት መንፈስ ተዓቂቡ ይጸንሕ። መዓልቲዉን ንኣምላኽ ክብሪ ብምሃብ ተወሲና ትሓልፍ። ኣብ ናይ ምሸት ጸሎትናዉን፣ መጽሓፍና ሒዝና ብምጽላይ፣ ዝበለጸ ጸሎት ክነቕርብ ንኽእል። 

እዚ ልማድ`ዚ፣ ብፍላይ ነቶም ብሕትዉ ዝበለ ግዜ ብቐሊሉ ክረኽቡ ዘይኽእሉ፣ ሰዓታት ስርሖም ወይ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ብብዝሒ ሰባት ዝተሓዝኣ ሰባት ሓጋዚ እዩ። ምክንያቱ እዚ ሜላ`ዚ፣ ቦታን ግዜ ብዘየገድስ፣ ኣብ ዝዀነ ቦታን፣ ኣብ ዝዀነ ግዜን፣ ክንጥቀመሉ ንኽእል። ከባቢያዊ ጽጥታ እዃ እንተዘየተረኽበ፣ ነዚ ሜላ ኣብ ግብሪ ብምዉዓል ግን፣ ዉሽጣዊ ሰላም ክርከብ ይኽኣል። 

ነዚ ጸሎት ብዘይምቑራጽ ደጋጊምካ ምጻላይ የድሊ። ነዚ ምስንገብር፣ እቲ ጸሎት ሓይሊ ይህልዎ፣ ሓሳብና ዉን ኲሉ ግዜ ብናይ ጸሎት መንፈስ ተገዚኡ ይዉዕል። ዓሳታት ባሕሪን ኣዕዋፍን ንመልከተን፤ ኣዕዋፍ ክነፍራ እንከለዋ፣ መንገብገበን ከየዕረፋ ደጋጊመን ብምንቕስቃስ ይነፍራ፣ ዓሳ ዉን ኣክናፉ ደጋግጊሙ ብምሕንባስ ይንቀስቃስ። ኣዕዋፍ ኣብ መንጎ መንገብገበን ካብ ምንቅስቃስ ደው እንተቢለነኦ፣ ናብ መሬት ይወድቃ፣ ዓሳ ዉን ምሕንባስ እንተቋሪጽዎ፣ ናብ ድቅድቕ ጸልማት ትሕቲ ማይ ይኣትዉ። ኣብ ናይ ጸሎት ጉዕዞ ዉን ከምኡ እዩ። ጸሎትና ደጋጊምና እንድሕሪ ዘየብጺሕናዮ፣ ሓደጋ ክጋጥመና ይኽእል። 


ስለዚ ከይሰልኸካ፣ ኣብ ሰዓት ሰዓት፣ ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ጸሎት ግበር። ዝሕቱል ኣይትኹን፣ ብዛዕባ ጽባሕ ዉን ኣይትጨነቕ (ማቴ 6፥34)፣ ጥርጥር ዉን ኣይሃልዉኻ፣ እንታይ ደኣ ጥራይ ሱቕ ኢልካ ጸልይ። ኣብ ግዚኡ ንኩሉ መልሲ ክትረኽበሉ ኢኻ፣ ካብ ጸሎት ግና ኣይተቛርጽ።

እስከ ንኣብራሃም ጠምቶ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ህዝብኻ ተፈለይ ኣነ ናብ ዘርእየካ ቦታ ኪድ ምስበሎ፣ ብዙሕ ኣይተመራመረን። እታ እግዚአብሔር ዝህበኒ ሃገር ከመይ ትመስል፧ ኣብኡ እንታይ ኣሎ፧ ለምለም ድያ፣ ማይ ኣለዋ ድዩ፧ ወዘተ ኣይበለን። ጐይትኡ እግዚአብሔር ምስ ኣዘዞ፣ ብቀጥታ ናብቲ ዝተባህሎ ቦታ ኸደ። ከም ኣብራሃም ግበር፣ ናቱ ኣሰር ሰዓብ። ኣብራሃም ኩሉ እቲ ናቱ ዘበለ ምስኡ ተማሊእዎ፣ ንስኻ ዉን ከምኡ ግበር፣ ኩሉንትናኻ ምሳኻ ተማልኣዮ፣ ገለ ኣብ ድሕሪት ኣይትግደፍ፣ ምክንያቱ ኣብ ድሕሪት ዝገደፍካዮ ዘበለ ኩሉ፣ ናብታ ጣኦት ዝምለከላ ድሕሪት ዝገደፍካያ ቦታ ክመልሰካ እዩ።

ንኖህ ዉን ዘኽሮ፣ ንሱ ነታ መድሓኒት ዝዀነቶ መርከብ ክሃንጽ 120 ዓመት ወሲዱሉ። ንነፍሲ ወከፍ ጣዉላ፣ በብመስርዑ ተጠንቂቁ እንዳላገበ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፣ መርከቡ ሃነጸ። ንስኻ ዉን ከምኡ ክትገብር ይግባእ፣ ንዕብየትካ ነፍስኻ ዘገልግለካ ነፍሲ ወከፍ ጣዉላ ኣክብ፣ ብትዕግስቲን ስቕታን ዉን ምህናጽ ገዛእ ርእስኻ ጀምር፣ መዓልታዊ ኣብ ምሃንጽ ድሕነትካ ተሳተፍ። ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ነገራት ኣይትገደስ። 


ዘክሮ`ሞ ኣብ ገጽ ምድሪ`ኮ ብዘይካ ኖህ፣ ካልኦት ኩሎም ዓልዮም ኔሮም፣ ኖህ ጥራይ በይኑ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ (ዘፍ 6፥9)። መርከቡ ምስ ሃነጸ ዉን፣ ኣብታ ዉጽኢት ጻዕሩ ዝዀነት መርከብ ብዙሕ መዓልታት ገበረ። ኣብዚ ነዊሕ ግዜ፣ ንዝነበረ ጯቕጫቕ፣ ጸልማትን፣ ማዕበላትን፣ ክጻወር ኔርዎ፣ ናብ ጥዑም ኣየር ክሳብ ዝወጽእ ዉን ተጻዊሩ ሓለፎ። ናብቲ ንፋሱ ጥዑም ዝዀነ ቦታ ምስ ወጽአ ዉን፣ ንኣምላኽ መሰዉኢ ሃነጸሉ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ነቲ ኖህ ዝተዓገሶ ኲሉ እንድሕሪ ተዓጊስካን፣ በታ ጸባብ ኣፍደገ ዉን እንድሕሪ ተመላሊስካን፣ እቲ ጥዑም ንፋስን፣ መሰዉኢን ኣብ ዉሽጥካ ክትረኽቦ ኢኻ”።

ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘካ ንዅሉ ነገር ከምኡ ግበር (ዘፍ 6፥22)። ካብቲ ዘለኻዮ ናይ ስጋዊ ፍትወት ዓለም ኣዉጺኡ፣ ናብ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ህይወት ዘሰጋግረካ ቢንቶ፣ ብጸሎት እናተጸመምካ ህነጾ (ኤፈ 6፥17)። “እቲ ሓደ ንሱ በይኑ ጐይታ ዝዀነ፣ ኣብ ልብኻ እንድሕሪ ሰፊሩ፣ ኩሉቲ ፍትወታት ክጠፍእ እዩ” ቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ። ንሱ ንዂሉ ዓለም ብኢዱ ስለዝሓዘ፣ ነቲ ናትኻ ህይወትን ዓለምን ዉን ዉሕስ ክገብረልካ እዩ፣ ንሱ ባዕሉ ክሕልወካ እዩ።

Wednesday, October 2, 2013

ካላንደር ዓመተ 2006 ግእዝ

ግእዝ ካላንደር ዓመተ 2006 ዓ.ም.

ንኩለን በዓላትን ኣጽዋማትን ዝሓዘለ፣ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ብፒዲኤፍ ፋይል ክትዕቅብዎን፣ ወይ ዉን ኣብ ወረቐት ፕሪንት ጌርኩም ክትጥቅሙሉ ትኽእሉ። ነቲ ስጋዊ ንጥፈታትና ካላንደር ከም ዘድልየና፣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ዉን፣ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት መዳለዊ ካላንደር የድልየና። ቤተክርስቲያን ዉን ካብ ጥንቲ እትጥቀመሉ ካልንደር ኣለዋ። 

እዚ ካላንደር ብልምዲ ናይ ግእዝ ኢልና እንጽዉዖ ኮይኑ፣ መበቆሉ ካብ ዘመን ፎርኦን ኣብ ግብጺ እዩ። መበል 12 ሊቀ-ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ዴሜጥሮስ ድማ፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኣጠቃቅማ ስርዓተ ካላንደር፣ ምስ መንፈሳዊ መደባት ከምዝኸይድ ጌሩ ከምዝሰርዖን፣ በዚ ካላንደር መሰረት ዉን በዓላት ትንሳኤ ይዉሰን ከምዝነበረ ታሪክ ይሕብረና። ነዚ ካላንደር ከነዳልወሉ እንጥቀመሉ ናይ ሕሳብ ስራሕ `ባሕረ ሓሳብ` ይበሃል። 

በዚ ካላንደራዊ ስርዓት ብዘይካ ናይ ፊንላንድ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፣ ኩለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ይጥቀማሉ። ዋላ እተን ናይ ምብራቅ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዝበሃላ በዓል ሩስያ፣ ግሪክ ቆጵሮስ ካልኦትን ነዚ ስርዓት ይጥቀማሉ። ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዉን ነዚ ትጥቀመሉ እያ፣ ኮይኑ ግና ናቶም ዓመተ ምሕረት ካብ ዘመነ ሰማእታት ስለዝጅምራ፣ "ናይ ሰማዕታት ካላንደር" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስለዚዉን ካባና ብ284 ዓመት ድሒሩ ይርከብ።

ኣብ ምድሪ ሓበሻ እንጥቀመሉ ካላንደር ካብቲ ናይ ጎርጎሮሳዉያን ኣዎጻጽራ ካላንደር (ናይ ፈረንጂ ካላንደር) ብ7/8 ዓመት ድሕር ይብል፣ እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምክንያት ኣብ ናይ ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍልልይ ስለዘለና እዩ። ታሪክን ወንጌልን ከምዝሕብረና፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክዉለድ እንከሎ ዝነበረ ኣቆጻጽራ ዘመን፣ ካልእ ዓይነትን፣ ዘይምዕቡልን እዩ ኔሩ። ኩነት ፍጻሜ ዉን ብልክዕ ይምዝገብ ኣይነበረን። ስለዚ ዉን ጐይታ ኣብ ዘመን ሄሮድስ ተወሊዱ ዝብለና ወንጌል። ንኣብነት ኣብ ሃገርና እኝተመጺእና፣ ዕለተ ልደት ዝምዝግቡ ዉሑዳትን ሙሁራትን ጥራይ እዮም ኔሮም። ኦለት ክንድዚ ወርሒ ክንድዚ ኣብ ከምዚ ዓመተ ምሕረት ተወሊደ፣ ዝበሃል ዘረባ ኣብ ሃገርና ኣብቲ  ናይ ቀደም ግዜ ልሙድ ኣይነበረን። እኳ ደኣ ክስቶ ምስ ተመርዓወ፣ ኣብ ክልተ ወርሑ ሓሪሰዮ፣ እንዳተባህለ፣ ብናይ ሓደ ነገር ፍጻሜ መወከሲ ጌርካ ይንገር ነበረ። ኣብ ዘመን ልደት ጐይታ ዉን ከምኡ ነበረ። ጐይታ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳን ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ከምዝተወልደ ይነገረና፣ ስለዚ ሄሮድስ ዝነገሰሉ ዘመን ተመልኪቶም እዮም ሊቃዉንቲ፣ ክርስቶስ ኣብ ከመዚ ዘመን ተወሊዱ ክኸዉን ይኽእል ዝብል ግምት ሓዙ። እዚ ግምት ካብቲ ቤተክርስቲያንና እትቕበሎ፣ ኣብ ምዕራብ ሃገር ናይ 7/8 ዓመት ፍልልይ ጌሩ። ብዙሓት ተመራመርቲ  ስነ ታሪክ፣ 7/8 ዓመት ምዉሳኹ፣ ኣይቅበልዎን እዮም። ብሓጺሩ ጐይታ ዝተወልደሉ ዘመን ኣብ ምዉሳን ዘጋጠመ ፍልልይ እዩ እምበሪ ካልእ ኣይዀነን። 

ቀንዲ መሰረት ናይ ቤተክርስቲያን ካላንደር፣ በዓለ ትንሳኤ እዩ። ኩሉ ግዜ ትንሳኤ ጐይታ፣ ድሕሪ ናይ ኣይሁድ ትንሳኤ ክትዉዕል ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ ሊቃዉንቲ ኣቦታት ወሲኖም እዮም። ዓመት ዓመት ዉን፣ በዓል ትንሳኤ መዓስ ዕለት ክምትዉዕል ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን ንኩሉ ዓለም ዝነበሩ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ብደብዳቤ ተፍልጥ ነበረት። ደሓር ግና ኩለን ቤተክርስቲያናት ኣጠቃቕማ ናይዚ ካላንደር ምስ ኣትኣታተዉዎ፣ ባዕለን ዕለት ትንሳኤ ክፈልጣ ጀመራ።

ወርሒ መስከረም ናይ ዓመት መቀየሪና ኮይኑ፣ ኣብዙ ወርሒ`ዚ ሓድሽ ዘርኢ ዝፈርየሉ፣ ስለዝዀነ ከም መቀየሪ ዘመን ቤተክርስቲያን ትጥቀመለኡ። ብዘይኻዚ ዉን ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት፣ ከም ነቢዪ ዝተነበየ፣ ከም ሓዋርያ ዉን ዝሰበከ፣ መሰጋገሪ ነቢዪን ሓዋርያን እዩ። ካብ ብሉይ ናብ ሓድሽ በቲ ናቱ ናይ መንገዲ ምጽራግ ስብከት ተሰጋጊርና። እዚ ልዕሊ ዂሉ ኣወዳት ዝኸበረ መጥምቀ መለኮት ቅ.ዮሓንስ ኣብ መስከረም 2 ርእሱ ተሰዪፉ ዓሪፉ። ቤተክርስቲያን ዉን፣ ከምቲ በቲ ናቱ ስብከት ካብ ዘመነ ብሉይ ኣርጊት ሕጊ፣ ናብ ዘመነ ሓድሽ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ሓርነት እነስተማቕረሉ ዝመን ስለዝተሰጋገርና፣ ሓድሽ ዓመት መስከረም ኮይኑ።

ኣብዚ ኣቆጻጽራ ዕለትን ወርሒን ብሓፈሻ ዉን ንስርዓት ካላንደር ክንምርምሮ እንከለና፣ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ምፍላስ ዘምጽእ ዘይኰነስ፣ ዝጥዕመካ ስርዓት ኣቆጻጽራ ምጥቃም እዩ። ካልኦት ናይ ባዕሎም ካላንደር እንተተጠቕሙ ዉን ከም ጌጋ ጌርና ክንወስዶ ኣይግባእን።

ኣብ መጨረሽታ ዝዓቕመይ፣ ናይ ግእዝ ካላንደር ምስ ናይ ፈረንጂ ዕለት ዘለዎ፣ በዓላትን ኣጽዋማ ዝሓዘለ ኣብዚ ታሕቲ ጠዊቕኩም ዳዉንሎድ ክትገብርዎን፣ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ክትሕዝዎን ትኽእሉ። ብሩኽ ዝመን ይግበረልና።