Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Tuesday, July 9, 2013

ኦርቶዶክስ እንታይ ማለት እዩ፧?!

ኦርቶዶክስ እንታይ ማለት እዩ፧!

ነዚ ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፣ ካልእ ሕቶ ክንሓትት። እዚ ሕቶ`ዚ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓተቶ ቀንዲን ኣገዳሲን ሕቶ እዩ። "ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧" /ማቴ 22፥43/ "ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧" /ማቴ 16፥13/። ኦርቶዶክስ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ፣ ነዚ ሕቶ ኣቐዲምና ክንምልስ ይግባእ። ንሱ ዉን እዩ፣ መልሱ። ክርስቶስ መን ምዃኑ ምፍላጥ፣ ኦርቶዶክሳዊነት እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓቂ "ኣንተ ዉእቱ ክርስቶስ ወልደ እግዚአብሔር ሕያው/ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።" /ማቴ 16፥16/። ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ብዛዕባ ምስክርነት ጴጥሮስ፣ ብስጋን ደምን ማለት ብሰባት ሓሳብ ዝትገልጸ ዘይኰነስ፣ ሰማያዊ ኣቦና ባዕሉ እግዚአብሔር ነዚ ነገር ከመዝገለጸሉ ነገረና።

ክርስቶስ ኣምላኽና ኣብዚ ምድሪ ብስጋ ዝነበሮ ህይወትን፣ ዝመሃሮ ትምህርቲን፣ ነዚ ሕቶ መልሲ ኰይኑ። ንኲሉ ህዝቢን፣ ንዘለዓለምን፣ እዚ መልሲ ባዕሉ ክርስቶስ ሂቡና እዩ። ብትምህርቱን ህይወቱን፣ መን ምዃኑ ኒጊሩና። መን`ዩ ክርስቶስ፡ ተልእኹኡ እንታይ ነበረ፡ ነዚ ኲሉ ሓቂ ንደቀ-መዛሙርቱ ገለጸሎም። ደቀ-መዛሙርቱ ድማ፣ ነዚ ሓቂ ብምልኣት ተቀቢሎም ዓቀብዎ። ኣይወሰኹሉ፡ ኣይጉደሉሉ፡ ነቲ ሓደ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ`ቲ ካልእ ጸብለል ከየበሉ፣ ናብቲ ዝቀጸለ ወለዶ ቤተክርስቲያን ኣወፈይዎ፣ ኣሰጋገርዎ። ቤተክርስቲያን ዉን ነዚ ሓቂ ብምልኣት ዓቂባ፡ ክሳብ ሕጂ ግዜን ዘመንን፡ ንዝትወፈየቶ ከየጉደለትን፡ ከየመልአትን ዓቂባቶ ኣላ። ነዚ ዂሉ ዘመናት ዉን ብምልኣት ኣብ ምዕቃብ ተጋዲላ።

ቤተክርስቲያን ገና ካብ ጥንቲ፣ ንክሕደትን ምንፍቅናን (ግጉይ ትምህርቲ) ብምልኣት ዝተቀወመትሉን ዝተቃለሰትሉን ቀንዲ ምክንያት፣ ነዚ ትምህርተ ክርስቶስ (ነገረ ክርስቶስ) ናብ ኲሉ ወለዶ ብቅንዕናን ምልኣትን ንምስግጋር እዩ። ኦርቶዶክስ ማለት ልዕሊ ካልእ ትርጉም፣ 'ቅኑዕ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ' ማለት እዩ። እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ድሕነት ዓለምን ደቂ ሰባትን ኣብዚ ትምህርቲ`ዩ ዝዉሰን። ብዛዕባ ክርስቶስ ቅኑዕ ትምርህቲ ምሓዝ፣ ንድሕነት ወሳኒ ግደ ኣለዎ።

ሓሳብ፤ ቅዱሳን ሓዋርይትን፡ ኣብ ጉብኤ ቤተክርስቲያን ዝተሳተፉ ቅዱሳን ኣቦታትን፣ ዉን እዚ`ዩ ኔሩ። ብዛዕባ ክርስቶስ ቅኑዕ ትምህርቲ ንምሃብ። እዚ ትምርህቲ (ነገረ ክርስቶስ/doctrine of Christ) ብፍጹም ከይዝረግ ብዙሕ መስዋእትነት ከፊሎም። በዚ ምክንያት`ዚ ዉን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ፡ ናይ ኃይማኖትና ጸሎት ተዳልዩ፡ ትርጉም ተነጊሩ፡ መአረምታታትን ጽሑፋትን ተደሪሱ። ቤተክርስቲያን ዉን "እምነት ኦርቶዶክስ" ክትገልጽ እንከላ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጉባኤታት፡ ንጸሎተ ሃይማኖት፡ ወይ ንትርጉማት ትጥቀም። ምክንያቱ "እምነት ኦርቶዶክስ" ኣብኡ ስለዘሎ።

ጽማቚ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ኣብ ጉባኤ ቤተክርስቲያንን ዝተዋህበ ትምህርተ ክርስቶስ ዉን ኲሉ ግዜ ኣብ ቅዳሴና ደጋጊምና ንዝምሮ። እዚ መዝሙር ኦርቶዶክስ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቃላት ናይዚ መዝሙር፣ ኣገደስቲን፣ ሕመረት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያንን እዩ።
 "ሓደ ወዲ ንኣቦን ቃለ እግዚአብሔርን ዝዀንካ፣ ዘይትመዉት፣ ምእንቲ ድሕነትና፣ ካብ ወላዲተ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ድንግል ዝዀነት ቅድስት ማርያም ብዘይ ለዉጢ ሰብ ዝዀንካ። ንስኻ ምእንታና ተሰቐልካ። ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ብሞትካ ንሞት ዝሰዓርካ፣ ሓደ ኣካል ካብ ሥላሴ፣ ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስ እትምስገን። ኣድሕነና!!"

ከምቲ ታሪኽን ተሞክሮን ዝምህረና፣ ካብዚ ምልኣት ሓቂ ገለ ንገር ምጉዳል፣ ናብ ጥርጥርን፣ ፍልልይን የስዕብ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ኣብ ዓለም ብስም ክርስትና ዝፍለጡ እምነታት ልዕሊ 20,000 በጺሖም ኣለዉ። ሕጂ ዉን ወሲኹ ይኸዉን፣ መን ይፈልጥ። ዳርጋ ዝበዝሑ ዉን፣ መሰረት እምነቶም ጌሮም ዝገልጽዎ፣ ንጐይታ እዩ። ሓደ ጐይታ ብዙሕ ዝተፈላለየን ኣንጻራዊን ትምህርቲ ክህሉ ግና ፍጹም ዘይክአል እዩ።

ካብ ትምህርቲ ሓዋርያትን፡ ቅዱሳን ኣቦታትን ተበጊስና ብዙሕ ክንብል ምኸኣልና፣ የግዳስ ሓንቲ ነገር ንፍለጥ። ኣብ ቤተክርስቲያን ዘሎ ኩሉ ነገር ምስዚ ትምህርቲ ዝተሓሓዘ እዩ። ክርስቶስ ስጋ ምልባስ፣ እምነ ኩርናዕ ቤተክርስቲያንና ስለዝዀነ፣ ዳርጋ ኩሉ ትምህርቲ፡ ስርዓትን፡ ሕጊታትን ቤተክርስቲያን ምስዚ ዝተሓሓዘ እዩ። ኲሉ ኣብ ቤተክርስቲያንና ዘሎ፡ ንወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያምን ንቅዱሳንን ምኽባርና፡ ቅዱሳን ኣሳዕል ምጥቃምናን፡ ቅዳሴ ምሓዝና. . . ኲሉ ምስ ነገረ ክርስቶስ ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚ ሓደ ካብዚ ትምህርቲ ምንዓቅ ወይ ምንጻግ ማለት፣ ብተዘዋዋሪ ንነገረ ክርስቶስ ምንጻግ እዩ።

ቀንዲ ዕላማ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፣ ነቲ ስጋ ለቢሱ ዝተሰገወ ኣምላኽ፣ ኣብ ምድሪ ብምልኣት ምክባር እዩ። ናይ ኲሉ ትምህርቲ ዕላማ ዉን፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምላኽን፣ ምስጋድን፣ ምምስጋንን እዩ። ንቅዱሳን ምኽባርና፣ ንክርስቶስ ምኽባር እዩ። ስግኡን ደሙን ምቅባልና፣ ንክርስቶስ ኣብ ሰብነትና ንክሓድር እዩ። ስዕለ ቅዱሳን ኣብ ጸሎትናን ምጥቃምና፣ ነቲ ዝተሰገወ ቃል ምምስካርና እዩ። ነቲ ሰማያዊ ስርዓት ዝዀነ ቅዳሴ ካብ ስርዓተ ኣምላኮ ጌርና ምሓዝና፣ ኣብ ሰማያት ንክርስቶስ ከነኽብሮ ምልምማድና እዩ።

ኦርቶዶክስ ክርስትና፣ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝገለጾ ምስጢር፣ ብምልኣት ምቕባልን፤ በዚ ህይወት ምንባርን፤ በዚ ስርዓት ምግልጋልን እዩ። ኦርቶዶክሳዊነት ግና ህይወት እምበር ፍልጠት ጥራይ ዘይምዃኑ ነስተብህል`ሞ ነቲ ህይወት ንንበሮ።
ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጢሩ ይግለጸልና!
ወላዲተ ኣምላኽ ብኣምላድነታ ኣይትፈለየና!
ኣሜን

Monday, July 8, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 13

ምዕራፍ 13. ኣዕሚቕካ ገስግስ

ግዳማዊ ፍልማዊ ስጉሚታት ናብቲ ኣብ ውሽጢ ዚፍጸም ኵናት ይመርሑና። ከምቲ ሓደ ንሽጉርቲ እንተቐሊጥናዮ ካልእ ቅላጥ ዚጸንሖ፣ መሥርሕ ምቕላጥ ምስ ቀጸለ ዉን ነ ውሽጣዊ ኣካል ማለት እቲ ምስተዘርአ ናብ ብርሃን ዚበቁልን ዓካር ዚረክብ፣ ከምኡ ድማ ብተመሳሳሊ ነቲ ኣፋኣዊ ፍልማዊ ስጉሚታት እናወሰድካ ነቲ ቅላጣት ምስ ትቐልጦ ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊኻ ነቲ ሰማያዊ ክፍሊ ግልጽ ኢልካ ክትጥምቶ ትኽእል። ከመይ እቲ ውሽጣዊ ክፍልኻ ምስቲ ሰማያዊ ክፍሊ ሓደን ንሱ ስለ ዝኾነ ብምባል ቅዱስ ይስሓቅ ሶርያዊ ይምህረና።

ናብ መዓሙቕ ዉሽጥኻ ኣቲኻ ገዛእ ርእስኻ ክትምርምር ምስ ጀምርካ፣ ነቲ ሓቀኛ ገጽኻ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ዉሽጥኻ ዘሎ ሓጢኣትካ ክትምርምሮ ዉን ትኽእል። ነዚ ኣብ መዓሙቕ ዉሽጥና ዝርከብ ኲነት "ናይ ሓሳባትና ጸለምቲ ገጻት" ይብሎ ቅዱስ ኄስኮስ ዘኢየሩሳሌም። ቅዱስ መቃርስ ዉን "ኣብ ዉሽጢና ብለመምታ ኣትዩ ሰፈር ሰሪሑ ዘሎን፣ ኣብ ዉሽጥና ኰይኑ ንነፍስና ዘቑስላ ዘሎን" ብምባል 'ተመን' ጌሩ ይገልጾ። እምበኣር ኣብ ዉሽጥና፣ ጸለምቲ ገጻትን፣ ንወሰንቲ ኣካላትና እንዳነኸሰ ንመንፈሳዊ ግብሪ ከመዘይንነቅሕ ዝገብር ተመን ኣሎ። ነዚ ክሳብ ዝጸርይን፣ ክሳብ ዝመዉትን ኣይንደቅስ። "ነዚ ኣብ ዉሽጥኻ ሰፊሩ ዘሎ ተመን እንተደኣ ቀቲልካዮ ፣ ኣብ ቅድሚ ቅድሚ ኣምላኽ ብንጽህናኻ ተሓጐስ፤ ግን እንተደኣ ዘይተኻእለካ፣ ከም ሓደ ድካ ሓጥኣተኛ፣ ስለ`ቲ ዂሉ ዝጎድለኻ ዘበለ ናብ እግዚአብሔር ለምን" ቅዱስ መቃርስ።

ክሳብ ሕጂ ንልብና ክንሰብሮ ኣይከኣልናን፣ ስለዚ ከመይ ጌርና ናብ መዓሙቕ ዉሽጥና ክንኣቱ፧? "ኳሕኩሁ ኪኽፈተልኩም" /ማቴ 7፥7/ ከም ዝበለ ጐይታ፣ ኣብ ደገ ደዉ ኢልና፣ ብጾምን ጸሎትን፣ ደጋጊምና ንኳሕኩሕ። ምኹሕኳሕ ማለት ግብራዊ ህይወት እዩ። ኣብ ቃላት ጐይታ ጸኒዕና፣ ብድኽነት፡ ትሕትና፡ ኲሉ ኣብ ወንጌል ተነጊሩና ዘሎ ንምፍጻም እንዳተጋህና፣ ለይቲን መዓልቲ ኣብ መንፈሳዊ ማዕጾ ኣምላኽ ደዉ ኢልና እንድሕሪ ኳሕኩሕና፣ ነቲ ንደልዮ ዘበለ ክንረኽብ ኢና።  ዝዀነ ሰን በዛ ማዕጾ ኣቢሉ፣ ካብ ባርነትን ጸልማትን ናብ ሓርነት ክንሰጋገር ይኽእል። "ኩሉ ሃብቲ ናይ መንፈሳዊ ሓርነት፡ ናብቲ ሰማያዊ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ከብጽሕ ዝኽእል ዕድላት ክረኽብ ይኽእል" ቅዱስ መቃርስ።

Thursday, July 4, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 12

ምዕራፍ 12. ተኣዛዝነት


ናይ ገዛእ ርእስና ፍቓድ ንምስዓር ኣብ ንገብሮ ቃልሲ፣ ተኣዛዝነት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ መስራሒ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ክሊማኩስ ከም ዝገልጾ፤ 'ተኣዛዝነት፡ ሰብነትና ብዝያዳ ንመፈሳዊ ህይወት ምእንቲ ኸገልግለና እንላመደሉን ነመዓራርየሉን ሜላ እዩ'። ተኣዛዝነት፣ ንፍቓድ ገዛእ ርእስኻ ቀቢርካ፣ ብትሕትና ምትንሳእ እዩ።

ብፍታዉኻ ገዛእ ርእስኻ ንባርነት ኣሕሊፍካ ምሃብን፣ መስቀል ጐይታ ኣብ ዝባንካ ምስካምን እዩ። ገዛእ ርእስካ ብፍታዉ ንባርነት ኣሕሊፍካ ብምሃብካ ዉን፣ ሓርነት ክትረኽብ የኽእለካ። ሓደ ነገር ግና ዘክር፣ ባርያ ኣዛዚ ዘይኮነስ ተኣዛዚ`ዩ፣ ፍቃድ ገዛእ ርእሱ የብሉን፣ ፍቓድ ጐይትኡ ጥራይ ይፍጽም።
'ንመን ክእዘዝ፧' እንድሕሪ ኢልካ፤ ኣቦታትና፣ 'ንመራሒኻ ተኣዘዝ' ይብሉ። ዕብ 13፥7
መን`ዮም መራሕተይ፧? ኣብዚ ሕጂ ግዜ ከመይ ጌረ ቅኑዕ መራሕ ክረክብ፧? ኣበይ፧? ዝብል ሕቶታት ትሓትት ትህልዉ፣ ሕጂ ዉን ቅዱሳን ኣቦታትና ዝምልስዎ መልሲ ስማዕ። ቤተክርስቲያን ዘመናት ናይ ምስዓር ሓይሊ ስለዘለዋ፣ ንዂሉ ዘመን ዘገልግለና፣ ኣቀዲማ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ሓደ መራሒ ሂባትና ኣላ። እዚ መራሒ፣ ንኲሎም መማህራን ዝሓልፎም፡ ኣብ ኲሉ ቦታ ዝርከብ፡ ኣብ ዝዀነ ኩነት ዝርከብ፡ እዩ። ኣብ ከተማ ይዂን ገጠር፡ ንድካ ይኹን ሃብታም፡ ንበዓል ሓዳር ዲኻ ዘይምርዕው፤ ኣብ ኲሉን ንኲሉን፣ እዚ መምህር ኲሉ ግዜ ምሳና ኣሎ፤ ንዕዑ ዘለና ተኣዛዝነት ኣብ ዝዀነ ግዜ ከነርእዮ ንኽእል። ናይዚ መራሒ ስሙ ክነግረካ፧? ቅዱስ ጾም ይበሃል።
"እግዚአብሔር ናትና ጾምን ናትና ጸሎትን ዘድልዮ ኣይኰነን። ንሱ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ዝጐድሎ ነገር ዉን የለን። ካባና ካብ ፍጡራቱ ዝደልዮ ነገር ዋላ ሓንቲ የለን። ካባና ዉን ዝሓቶ ሓንቲ ነገር የለን። እንታይ ደኣ፣ ምእንቲ ድሕነት ክንወርስ፣ መስዋዕቲ ከነቕርበሉ ይፈቕደልና" ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ።
ናብ እግዚአብሔር ከነወፍየሉ ንኽእል ዝዓበየ ህያብ ገዛእ ርእስና እዩ። ገዛእ ርእስና ከነዉፍየሉ ንኽእል ዉን፣ ገዛእ ፍቓድና ምስ ሰዓርና እዩ። ነዚ ዉን ብተኣዛዝነት ጥራይ ኢና ክንገብሮ ንኽእል። ገዛእ ፍቓድና ምስዓር ንኽንክእል ብተኣዛዝነት ክንመሃሮ ኣሎና፤ ንተኣዛዝነት ዉን ብምልምማድ (practice)። ንተኣዛዝነት ክንላመደሉ ንኽእል ዝዓበየ መሳርሒ ድማ፣ ቤተክርስቲያን ዝሰርዓትልና ናይ ጾም መዓልታትን ወቕቲን እዩ። 

ብዘይ ጾም፣ ካልእ ንተኣዛዝነት ክንላመደሉ ዝኽእላና ብዙሕ መንገዲታት ኣለዋ። እንድሕሪ ኣለሊናዮ፣ እዚአን ነገራት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና የጓንፋና እየን። ንኣብነት ሰበይትኻ፣ ናይ ዝናብ ካፖት ክትማላእ ትሓተካ፣ ከምቲ ዝበለትካ ግበር፤ ከምዚ ዓይነት ኲነት ተኣዛዝነት ክትላመድ ዕድል ይዀነካ። መስርሕትካ ከተፋንዎ ይሓተካ፣ ከምቲ ዝሓተተካ ግበር። ቃሉ ዘየጽረየ ህጻን ክትሓቑፎን ከተሰራስሮን ይሓተካ፣ ከምቲ ዝሓተተካ ግበር። ከምዚ ብምግባር ዉን ተኣዛዝነት ተላመድ። ካብዚ ዝበለጸ ዕድል ኣይክትረክብን። ብሓቂ ተኣዛዝነት ክትላመድ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ንኲሉ ዕድላት ተጠቀመሉ። ኣብ ኣመክሮ ዘሎ መነኰስ ልዕሌካ ዕድል ከም ዘይረክብ ፍለጥ። ኸምቲ ንስኻ ኣብ ቤትካ እትረኽቦ ዕድል፣ እቲ ኣብ ኣመክሮ ዘሎ መነኰስ ኣይረክብን፣ ስለዚ ኣብ ረብሓኻ ኣዉዕሎ። ኣብ ስራሕካን፣ ጐረባብትኻን ዉን ተኣዛዝነት ክትላመደሉ ዝኽእለካ ዕድል ክትረክብ ከሎኻ ሱቅ ኣይትበል፣ ተጠቀመሉ።

ተኣዛዝነት ንብዙሕ መሰናክል ዘፍርስ ሓይሊ ኣለዎ። ብዘይ ዕረፍቲ ንተኣዛዝነት እንድሕሪ ተላሚድካ፣ ልብኻ ናጽነትን ሰላምን ትረኽብ። ተኣዛዝነት እንድሕሪ ኣርኢኻ፣ ኣብ ህይወት ዘለዉ እሾኽ ባዕሎም ይርሕቁ። ሽዑ ፍቕሪ ናብ ዉሽጥኻ ይመልእ። ብተኣዛዝነት፣ ነቲ ኣብ ተሪር ድርዒ ኣሲሩ ሒዙኻ ዘሎ ባዕላዊ ጥበብ፡ ትዕቢትን፡ ምጽራርን፤ ክትሰብሮ ትኽእል። ኣብታ ተራር ድርዒ ኰይንካ፣ ነቲ ናይ ናጽነትን ፍቕርን ኣምላኽ ዝዀነ እግዚአብሔር ክትረክቦ ኣይከኣልን።

ስለዚ፣ ተኣዛዝነት እትላመደሉ ኣጋጣሚ ክርከብ እንከሎ፣ ተሓጎስ፣ ተጠቀመሉ ዉን። ምእንቲ ብከንቱ ዉዳሴ ከይትወድቕ ግና፣ ንኲሉ ኣስተዉዕለሉ። ብዕላማ ተኣዛዝነት ከተጥሪ ክትብል፣ ናብ ግብዝና ከይትወድቅ ተጠንቀቕ። ነቲ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ንዂሉ፣ ከከም ኲነቱ ተጠቀመሉ። ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ከይተጠቀምካሉ ምስ ዝሓልፍ፣ ንገዛእ ርእስኻ ገስጻ፤ ምክንያቱ ንስኻ ከምቲ ጽቡቕ ንፋስ እንዳረኣየ ከይተጠቀመሉ ሱቕ ዝበለ በዓል ጃልባ ኮይንካ ኣለኻ። 

እቲ ንፋስ ከም መንገዱ ክሓልፍ ግድን`ዩ፣ ተጠቀመሉ ኣይትጠቀመሉ ብዙሕ ኣየግድሶን። ግን ነቲ በዓል ጃልባ፣ ናብ መዕረፊ ቦትኡ ቀልጢፉ ዝበጽሓሉ ዕድላት የባኽን ኣሎ። ስለዚ ንስኻ ዉን ከምኡ ግበር፣ ንኲሉ ኣጋጣሚታት ተጠቒምካ፣ ንተኣዛዝነት ኣጥርያ። ሥሉስ ቅዱስ ነዚ ባህርይ እተጥርየሉ ኣጋጣሚታት ፈጢርልካ ኣሎ፣ ንስኻ ዉን ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ተኣዛዝነት ሕሰብ።

መንገዲ ባሕታዉያን 11

ምዕራፍ 11. ዉሽጥኻ ምጽራይ    

  
ግዳማዊ  (ዓለማዊ) ፍትወታትኻ ምርሓቅ ማለት፣ ዉሽጥኻ ዉን ምጽራይ እዩ። ንስጋኻ ካብ ዝኣስሩኻ ስጋዊ ሓልዮታት ሓራ ምዃን፣ ንልብኻ ካብ ዉሽጣዊ ቃንዛ ምፍዋስ`ዩ። ነዚ ነገር ምእንቲ ክትበጽሖ፣ ኣንጻር ገዛእ ርእስኻ ኲናት ክትእዉጅ ይግባእ። ቅዱሳን ኣቦታትና፣ ነዚ ኲናት`ዚ ናይ ነፍሲ ፈዉሲ (መድኃኒት) ይብልዎ። ዋላ እኳ ኣዝዩ ጽንኩር እንተዀነ፣ ንድሕነት ኣድላዪ እዩ። ሕማምን ቃንዛን ይሃልዎ፣ ንነፍሲ ግና ጥዕና ክህባ ይኽእል። ነፍስኻ ጥዕይቲ ክትከዉንን፣ ዉሽጥኻ ካብ ዂሉ ኣበሳ ክጸርን እንድሕሪ ደሊኻ፣ ኣንጻር ገዛእ ስጋኻ ዂናት ኣዉጅ።

ነዚ ነገር ብምግባርኻ፣ ከም ሓደ ዓቢ ጽድቒ ስራሕ ጌርካ ኣይትዉሰዶ። ገዛእ ርእስኻ ምቅጻዕን ምግዛእን ማለት፣ ተራን መሰረታዊን ነገር ስለዝዀነ፣ ከም ናይ ጽድቒ ግብሪ ጌርካ ክትርድኦ ኣየድልይን። ንነብስኻ ከም ሓደ ብሸለልትነት ዝመልኦ ኣካይድኡ፣ ኣብ ጉድጓድ ዝወደቐ`ሞ፣ ካብ ዝወደቖ ተንሲኡ ናብ ደገ ክወጽእ ዝጽዕር ዘሎ ሰብ ጌርካ ዉሰዳ። እስከ ሕሰቦ`ሞ፣ ሓደ ሰብ ከምዚ ነገር እንተዘጋጥሞ፣ በቲ ዝተዋህቦ መሳርሒ ጌሩ ገዛእ ርእሱ ካብ`ቲ ጸልማትን፡ ትንፋስ ሕጽረትን ዘለዎ ጉድጓድ ከዉጽኣ ምጽዓሩ፤ ባህሪያዊ`ዶ ኣይኰነን፧? ነዚ ባህሪያዊ ነገር እንድሕሪ ዘይተግቢሩ፣ `ቲ ሰብ`ቲ ከም ሓደ ጽሉል`ዶ ኣይምተቖጽረን፧?

ካብዚ ምስላ`ዚ ሓደ ጥበብ ተማሃር። ካብቲ ነፍስኻ ኣትያቶ ዘላ ታኼላ ክትወጽእ ዝሕግዘካ መሳርሒ፤ ትእዛዝ ወንጌል፡ ናይ ቤተክርስቲያን ሚስጢራትን፡ ኲሉ ንድሕነት ዘድልዩ ነገራትን እዮም። እዘን ኲለን ኣብ ግዜ ጥምቀትና ረኺብናየን ኣለና። ሕጂ ንጠቐመለን። እንድሕሪ ኣብ ግብሪ ዘየዉዕልናየን፣ ጥቕሚ የብለንን። በቲ ቅኑዕ ኣገባብ እንድሕሪ ተጠቂምናለን ግና፣ ናብ ብርሃንን ሓርነትን ከብጽሓና እየን።

"እስመ በብዙኅ ፃማ ወሕማም ሀለወነ ንባኣ ለመንግስተ እግዚአብሔር/ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ" /ግብ14፥22/። ንገዛእ ርእስና ከም ሓደ ብሞቁሕ ዝተኣስረ እሱር ጌርና ንዉሰዳ። እዚ ሰብ`ዚ ገዛእ ርእሱ ካብ ሞቁሕ ናጻ ክሳብ ዘይገበራ ኣይክድቅስን። ካልኦት ክድቅሱን ክዛናግዑን እንከለዉ፣ ንሱ ግና ንዓይኑ ሰላምታ እዃ ኣይፈቕደላን፣ ዕረፍቲን ምዝንጋዕን ኣይገብርን። ምክንያቱ ነብሱ ሓራ ምእንቲ ክገብራ። ንስኻ ዉን ከምኡ ግበር። ብሞቁሕ ሓጢኣት ተኣሲራ ዘላ ነብስኻ ሓራ ከተዉጽኣ ከየዕረፍካ ጸዓር። መሳርሒታትካ ዕጠቅ፣ መኩዓትኻ ኣልዕል፣ ካብ ማእሰርት ክትሃድም ዉን፣ መንገዲ ክፈት። ካብዚ   ዘላኻዮ ቤት ማሕቡስ ናጻ ዘዉጽኣኻ መሳርሒታት፣ ጾም፡ ጸሎት፡ ንቅሓትን፡ ጐይታ ንክሕልወን ዝኣዘዘና ነገራት እየን /ማቴ 28፥20/። እዚ ነገር ክብድ እንቴሉካ፣ ገዛእ ርእስኻ ገድድ። ናይ ፍቓድ ሓይልኻ ተጠቂምካ፣ ንስጋኻ ገድዳ። ሓራ ክሳብ ትኸዉን ዉን ኣይተዕርፋ።

እዚ ምግባርና እንታይ ዋጋ ንረኽብ፧? ሓደ እሱር እዚ ዝኣኽል ጻዕሪ ምግባሩ እንታይ ዋግኡ፧? ዝረኽቦ ረባሓ ኣሎ`ድዩ፧? መጀመርታ ባዕሉ እቲ ድኻም ረብሓ እዩ። ብተስፋን እምነትን ናይ ዝጥቀመሉ መስራርሒ፣ ንሓርነቱ ብዘለዎ ፍቅሪን፤ ባዕሉ`ቲ ድኻምን ጻዕሪን ረብሓ ይህቦ። ብዝገብሮ ትግሃትን ጻዕሪን፤ እምነት፡ ተስፋን፡ ፍቕሪን ይዓብዩን ይሕይሉን። ብዙሕ ክደኽም ምስ ጀምረ፣ ንገዛእ ርእሱ ዝህልዎ ሓልዮት ይጐድል፤ በዚ መጠን ዉን ዝቕበሎ በረኸት ይበዝሕ። ንገዛእ ርእሱ ዝያዳ እንዳፈለጣ ይመጽእ፣ ኣብ መንጎ እሱራት ዝርኸብ 'እሱር' ጌሩ ንነብሱ ይቖጽራ። ንነብሱ 'ሓጥእን' ሓደ ካብቶም ኣብ ዉሽጢ ዓለም ዘለዉ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ይዝኽር። ኮይኑ ግና፣ ንሳቶም ተስፋ ቆሪጾም ግዜኦም ብድቃስን ጻዉቲን ከሕልፍዎ ከለዉ፤ ንሱ ግና በንጻሩ ብትግሃት ይጽዕር። መዝገብ ረኺቡ ኣሎ፣ ወሲዱ ዉን ሓብኢዋ /ማቴ 13፥12/፤ መንግስተ ሰማያት ኣብ ዉሽጡ ጌርዋ ኣሎ። እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ ኣብ ዉሽጡ ሰፊረን። ኻብ ዉሽጡ ዝምንጩ ህይወት ስለዘለዎ ዉን፣ ናብ ካልኦት ዉን ክጸሉ ይኽእል። ብርግጽ ሕጂ ዋግዋጎ ኮይኑ ይርኣዮ`ሎ፣ ብተስፋ ግና ሓራ እዩ። ብተስፋ ኢና ድሒና፤ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን /ሮሜ 8፥24/። ሕጂ ኣብ ብዙሕ ጻዕሪ ስለዘሎ፣ ሓራ ምዃኑ ብዋግዋጎ ይርእዮ፣ እንድሕሪ በዚ ትግሃት ቀጺሉ ደሓር ማለት ብተስፋ ግና ሓርነቱ ርጉጽ እዩ። እዚ እሱር ኣብ መወዳእታ ናብዚ ዓወት ምስ በጽሐ፣ ሓርነቱ ብምልኣት ክረኽቦ እዩ፣ ሽዑ ዉን ገጽ ብገጽ (ብንጹር) ክርእይ እዩ። ሽዑ ኣብ መንጎ እሱራት ዘሎ እሱር ዘይኰነስ፣ ሓራ ዝወጽአ እዩ። ኣብ ሓርነት ምህላዉ ክርድኦ እዩ፤ ነቲ ኣዳም ዝተፈጥረሉ ቀዳማይ መልክዕን፡ ደሓር ዉን ብክርስቶስ ዝተሓደሰን ክብረት ዉን ከስተማቕር እዩ።

ከምቲ ብተስፋ ሓራ ዝወጽአ እሱር፣ ንሕና ዉን ብተስፋ ድሒንና ኢና። ድሕነትና ምልኣት ዝህልዎ ግና ኣብዚ ምድሪ ብህይወት እንከሎና ዘይኮነስ፣ ኣብ ሰማያት ኣብ ዘለዓለምዊ ህይወት`ዩ፣ ድሕነትና ርጉጽ ዝኸዉን፤ ሽዑ "ብሓቂ ድሒነ" ክንብል ንኽእል። ምክንያቱ፤ "ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ" ዝብል ትእዛዝ ጐይታ /ማቴ5፥48/፣ ኣብዚ ምድሪ`ዚ ክንበጽሖ ኣይከኣልን። ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙና፧? ኣቦታት ከምዚ ይምልሱ፡ እዚ ትእዛዝ ዝተዋህበና ቀንዲ ምክንያት፣ ነቲ ናብ ፍጽምና ዘብጽሕ ጉዕዞ ኣብ ምድራ ብስጋ እንከለና ምእንቲ ክንጅምሮን፣ ደሓር ኣብ ሰማያት ክንፍጽሞን እዩ።

"ሓደ ሰብ ሓርነቱ ክረኽብ ዝክእል፣ብናቱ ወይ ብናይ ካልኦት ሰባት ዘይኰነስ፤ ብኣምላኽ ጥራሕ እዩ" ቅ. ቴኦፋን።

ሓርነትና ንረኽበሉ እንኮ መንገዲ፡ ንስሓ እዩ! እቲ ጻዉዒት ዉን፡ "ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ"። እንታይ`ዩ `ቲ ጻዕሪ፧? ግዚያዊ፡ ስጋዊ፡ ምድራዊ ጻዕሪ። እቲ 'ከቢድ ጾር' ዝበሃል ዘሎ`ኸ፧? ብዓለማዊ ምድራዊ ሓልዮት እሱር ምዃን። 'ግን'፤ ኢሉ ይዉስኽ ቅ. ቴኦፋን፤ ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ምክንያቱ ጐይታ ቀጺሉ ዝተዛረቦ ነስተዉዕለሉ፤ "ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም"። ካባይ ተማሃሩ በለ ጐይታ፣ ምክንያቱ ንሱ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ህይወት ብስጋ ኣብ ዝነበረሉ፣ ብግዚያዊ ነገራት፡ ምድራዊ ሓልዮትን፡ ስጋዊ ድሌታትን ኣይተኣስረን። ስለዚ ካብኡ ንመሃር። /ማቴ 11፥28.../

እቶም ንድሕነቶም ዝጽዕሩን፤ ነቲ ኣብ ህይወቶምን፡ ኣብ ህይወት ካልኦትን ዝመጽእ ዓለማዊ ፈተናታት ከም ጾር ዝተሰከሙን ሰባት ዕረፍቲ ክረክቡ እዮም። ኣርዑት (ጾር) ክርስቶስ ዝጾሩን፣ ከምቲ ንሱ ዝነበሮ ህይወት ዝነብሩን፣ ካብ መላእክቲ፡ ካብ ሰባት፡ ካብ መጽሓፍቲ ዘይኰነስ ካብ ባዕሉ ካብ ጐይታ፡ካብ ህይወቱ፡ ካብ ብርሃኑ፡ ካብ ግብርታቱ ዝተማህሩ ሰባት ዕረፍቲ ክርኽቡ እዮም። ከምቲ ንሱ ምንባር ማለት፣ ልክዕ ከምኡ ምምሳል እዩ። ንሱ ለዋህን ልቡ ዉን ትሑት፡ ገዛእ ርእሱ ከም ተራ ሰብ ጌሩ ዝረኣያ፡ ነብሱ ልዕሊ ካልኦት ጌሩ ክብ ዘየበላ፣ ንካልኦት ክፋእ ዘይሓሰበ፣ ብግብሩን ብዘረብኡን ጻድቅ። ብሓቂ ከምዚ እንድሕሪ ክንከዉን ጀሚርና፣ ዕረፍቲ ክንረኽብ ኢና፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ዕረፍቲ ክህበና እዩ። ካብ ፈተና፡ ጭንቀት፡ ዉርደት፡ ፍርሒ፡ ዓቕሊ ጽበት፡ ኰታስ ንልቢ ካብ ዝርብሽ ዘበለ ኲሉ ነገር ዕረፍቲ ክንረኽብን፣ ሓራ ክንወጽእን ኢና።

እዚ ቅዱስ ዮሃንስ ክልማኩስ ዝመሃሮን፣ ናባና ብትዉፊት ኣቢሉ ካብ ክርስቲያናት ናብ ክርስቲያናት እንዳተሰጋገረ ዝመጽአ ትምህርቲ`ዩ። ኣቦታትና ብዘሕለፍዎ ተሞክሮ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ነዚ እዩ። ነቶም ብልቢ ንእግዚአብሔር ዘፍቅርዎ ሰባት፣ ብሓቂ ኣርዑት ክርስቶስ ኣዝዩ ፎኪስ፣ ጾሩ ዉን ብርሃን እዩ።

"እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ" /ማቴ 10፥22/፤ እቲ ህኩይን፣ ኣብ ዝወደቆ ዝተርፍን ኣይክድሕንን። እቲ ዘለዓለማዊ ተስፋ ንከምዚኣቶም ኣይኮነን።

ስለዚ ኣይንተሓለል። ጽኑዓትን፣ ኣብ ስራሕ ጐይታ ጽሙዳትን፣ ዘይንናወጽን ንኹን። "ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።" /1 ቆሮ 15፥58/። ነዚ ጀሚርናዮ ዘለና ጉዕዞ፣ ናይ ንስሓ ፍረ ከየፍረና ኣብ መንጎ ከነቋርጾ ኣይግባእን። ኣስትዉዕሉ ምዕራፍ ማለት ጥሮታ ምዉጻእ እዩ።

Monday, July 1, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 10

ምዕራፍ 10. ሓጢኣትኻን ሓጢኣት ካልኦትን


እምበኣር ሓጥእ፣ ዘይትጠቅምን፣ ድርቡይን ምዃንካን ካብ ተገንዘብካ፤ ከምቲ ኣፍ ልቡ ዝወቅዐ ተጋዊ /ሉቃ 18፥13/፣ ንስኻ ዉን ምሕረት እግዚአብሔር ለምን። "ኦ እግዚአብሔር ንዓይ ንሓጥ መሓረኒ!" በል። "ካብቲ ተጋዊ ዝገደድኹ ሓጥእ እየ። ከምቲ ፈሪሳዊ ልበይ ዕቡይ፣ ዓይነይ ዉን ብንዕቀት ዝተመልአት እያ፣ 'ከምዚ ተጋዊ ስለየገብርካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ' ዝብል ደፋር እየ።" በል።

ቅዱሳን መማህራንና ከምዚ ይብሉ፡ "ኣብ ልብኻ ዘሎ ጸልማትን፣ ኣብ ስጋኻ ዘሎ ግብሪ ሓጢኣትን እንድሕሪ ተገንዚብኻ፤ ንብጻይካን ጎረቤትካን (ንካልኦት ሰባት) ክትፈርድ ኣይክትመርጽን"። ኣባኻ ዘሎ ጸልማት እንድሕሪ ኣስትዉዕሊካዮ፣ ዕብየት ነቲ ኣብ ኩሉ ዘብርህ ሰማያዊ (ኣምላኻዊ) ብርሃን ክትርድኦ ኢካ፤ ሓጢኣትካ ዓቢ ምዃኑ ዉን ትፈልጥ፣ ሽዑ ንናይ ካልኦት ሓጢኣት ክትምርምር ኣይክትፍትንን። ናብ ፍጽምና ክትበጽሓ ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ፣ እቲ ቀዳማይ እትርድኦ ነገር 'ፍጹም ዘይምዃንካ' እዩ። ፍጹም ዘይምዃንካ (ሓጥእ ምዃንካ) ምስ ተርዳእኻ ጥራሕ`ዩ፣ ናብ ፍጽምና ክትበጽሕ ትኽእል። ስለዚ ፍጽምና፣ ካብ ድኽመትካ ምፍላጥ ከም ዝብገስ ተርዳእ።

"ጸላኢኻ መጠን ክንዲ`ቲ ዝተቃወምካዮ እዩ ዝርሕቀካ" ይብል ቅ. ይስሓቅ ሶሪያዊ። 

መን`ዩ ጸላኢና፧? እዚ ቅዱስ ኣቦ ጸላኢ ኢልዎ ዘሎ፤ እቲ ሓደ እዋን ምስሊ ተመን ብምውሳድ ንቀዳሞት ወለድና ዘስሓተ፣ ካብቲ እዋን እቲ ኣትኂዙ ድማ ኣባና (ኣብ ደቂ-ሰባት)፤ ፍትወት፡ ዓቅሊ ምጽባብ፡ ሕርቃን፡ ፍርሒ፡ ጽልኢ፡ ስንባደ፡ ቅሬታ፣ ዘይምዕጋብ፡ ታህዋክ፡ ስንፍና፡ ጥርጥር፡ ተርባጽ፡ ጓሂ፡ ትህኪት፡ ኣተኣታትዩ፤ ንገዛእ ርእስና ጥራሕ ከነፍቅር ዝገብረና፥ ንሱ ዲያብሎስ ሰይጣን እዩ። ምክንያቱ ንሱ፣ ካብ ቅድም ንጐይትኡ ክእዘዝ ዘይደለየ ስለዝዀነ፣ ካልኦት ዉን ክእዘዙ ኣይደልይን።

እቲ ብምጥዓስ መንፈስ፣ ንጐይትኡ ከመዘይተኣዘዘ ዝተረድአ ሰብ፣ ካልኦት ሰባት ክእዘዝዎ ኣይጽበይን። ስለምንታይ ኢኻ፣ ነገራት ከምቲ ዝተመነካዮ ኮይኑ ምስ ዘይሰምረልካ፣ ትጉህይ፡ ትርበጽን ትዕግስትካ ተጥፍእን፧?  ኣበምኔት ኣባ ዶርቴዎስ "እቲ ዋላ ሓደ ነገር ዘይትምነይ ሰብ፣ ኲሉ ትምኒቱ ክሰምረሉ እዩ" በሉ። ምክንያቱ እዚ ሰብ`ዚ በተጋድሎ፣ ዋላ ሓደ ትምኒት ከየሕድር ጽዒሩ`ዩ። ኲሉ ድሌታቱ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ሓድነት ስለዘለዎ፣ ዝለመኖ ዘበለ ይሰልጦ /ማር 11፥24/።

እቲ ንገዛእ ርእሱ ብሓቂ ዝፈልጥ፣ ክሳዕ ክንደይ ዝኣኽል ድኽመት ከም ዘለዎ፣ ዘስተዉዓለ ሰብ፣ ንገዛእ ነብሱ ልዕል ልዕል ኣየብላን። ኣብ ካልኦት ዉን ቅንኢ ኣየሕድርን። እኳ ደኣ በንጻሩ፣ ካልኦት ሰባት ካብኡ ዝሓሹን ዝኸበሩን ምዃኖም የስተብህል። ታሪክ ናይቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሽፍታ እስከ ንዘክር፣ ኲሉ ሰብ ኣብ መወዳእታ ከከም ግብሩ ከም ዝፍደ፣ /ሉቃ 23፥41/ ኢና ንመሃር። ነዚ ታሪክ ዘኪሩ ነብሱ ዝምርምር ሰብ፣ ጓሂን ጭንቀትን ኣይክቀርቦን። ምክንያቱ ሰብ ከም ተግባሩ ስለዝፍደይ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ፣ ትህኪት ኣይቀርቦን`ዩ፣ ምክንያቱ መዓልታዊ ገዛእ ርእሱ ስለዘንጽህ። ጓሂ ኣብ ልቡ ኣይክዓስልን፣ ምክንያቱ ጓሂ ዘስዕብ ነገር ስለዘይምነይ። ኲሉ ጽልኢ ናብ ገዛእ ርእሱ ጥራይ የቅንዖ፣ ጽልኣቱ ነቲ ኣብ ህይወቱ ዘሎ ክፍኣትን ሓጢኣትን ጥራይ ይኸዉን /ሉቃ 23፥41/። "ህይወቱ ዘይጸልዕ ንዓይ ኣይበቅዕን" ከም ዝበለ ጐይታ። ጥርጥር ዝበሃል የለን፣ ምክንያቱ እቲ ዝዉከሎ ኣምላኽ፣ እግዚአብሔር ሰናይ ምዃኑ ጥዒሙን ርእዩን እዩ /መዝ 34፥8/፣ እግዚአብሔር እዩ ካብ ኲሉ ነገር ዘናግፎ። በዚ መልክዕ ዉን፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝህልዎ ፍቕሪን እምነትን እንዳሓየለ ይዉስኽ። 

"እቲ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝተዓርቀ (ዕርቂ ዝገበረ)፣ ሰማይን ምድሪን ዉን ምስኡ ክዕረቃ እየን" ከምዝበለ ሶሪያዊ ቅ.ይስሓቅ፤ ፍረ ትሕትንኡ ክበልዕ እዩ። እዚ ኲሉ ግና፣ ኣብታ ዉሕዳት ጥራይ ዝመላለስዋ፣ ኣብታ ጸባብ መንገዲ ጥራይ እዩ ዝርኸብ /ማቴ 7፥14/።