Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Monday, April 29, 2013

ተግሳጽ ዘቅዱስ ኣባ ሲኖዳ


ተግሳጽ ዘቅዱስ ሲኖዳ፣ሶኒ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ሠርክ ስግደት

ገለ ገለ ኣካይዳ  (ግብሪ) ኣለዋ፣ ብናትና ኣተሓሳስባ ሰናይ ጌርና ንቆጽረን፣ ብዓይኒ እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ሓጢኣት እየን። ንኣብነት፣ ንስሓ ዘይኣተወ ሰብ፣ ናብቲ ቅዱስ ቦታ ምልስምልስ ይብል`ሞ፣ ከምዚ ብምግባሩ ዉን ኣብ ሓጢኣት ዘለዎ፣ ኣረኣእያ ይፎክስ። ንሓጢኣት ዉን ተጠንቂቁ ኣይከታተላን። 

እግዚአብሔር ኣብ ገነት፣ ጽቡቕን ሕማቕን ኣግራብ ኣይተኸለን፣ ጽቡቓት ኣግራብ ጥራይ እዩ ተኺሉ። ፍረ ዘይብሉ ኣእዋም ዉን ኣይተኸለን፣ ወይ ዉን፣ ሕማቕ ፍረ ዘፍርያ ኣእዋም ኣይተኸለን። ሰብ ትእዛዝ ምስ ጠሓሰ ዉን፣ እግዚአብሔር ንሓጢኣት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወ፣ ብኡንብኡ፣ ካብ ገነት ሶጊግዎ። 

ፍቑራት ኣመንቲ፣ ካብዚ ንመሓሮ ነገር እንተሎ፣ ንቤተ እግዚአብሔር ሕያዎትን፣ ክፉኣትን ሰባት ክንመልኣ የብልናን። ከምኡ ንረኽብ ኣብ ዓለም እዩ። ኣብ ዓለም እቲ ሓጥእን፣ ቅዱስን፥ ንጹሕን ርኹስን ኲሉ ተሓዋዊሱ ንረኽቦ። ኣንቱም ናብ ቤት እግዚአብሔር (ቤተክርስቲያን) እትመጽኡ ሰባት፣ ኣብ ቤተክርስቲያን ብስነስርዓት ተሳተፉ። 

ኩላ ዓለም ናይ እግዚአብሔር ምዃና ፍሉጥ እዩ፣ ግን ነዛ ቤት ኣምላኽ ዉን ልክዕ ከምቲ ካልእ ዓለማዊ ቦታ እንተጌርናያ፣ ከመይ ጌርና ደኣ ኢና፣ ከም ቤት ኣምላኽ ከነኽብራ። ኣነ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ምዃነይ፣ ከምቶም ካልኦት ሓጢኣት ዝገብሩ ሰባት፣ ሓጢኣት ዝገብር እንተዀይነ፣ ኣገልጋሊ ኣማልኽ ተባሂለ ክጽዋዕ ኣይግባኣንን። 

ብዙሕ ግዜ ሓጢኣት ስለንገብር፣ ከምቲ ንካልኦት ሰባት እንፈርደሉ መስፈርት ጌርና ንገዛእ ርእስና ኣይንፈርዳን። ዕድል እንተዘይሂብካዮም፣ ማንም ኣብ ዉሽጥኻ ረስሓት ከእትወልካ ዝኽእል የለን። ኣብ ቤት ንጉስ ዉን ተመሳሰሊ ነገር ንረኽብ፣ ዝኰነ ሰብ፣ ናይ ንጉስ ኣዋጅ የኽብር እዩ ተባሂሉ፣ ብዘይ ፍቓዱ ንጉስ ናብ ቤተመንግስቲ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን። ካብዚኣ እንተ ኣልጊሶም ይቅጽዑ።

ተፈጸመ ተግሳጽ ኣባ ሲኖዳ፣ በረከቱ የኃሉ ምስለ ኲልነ ህዝበ ክርስቲያን! ስብሓት ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ኣሜን።
ካብ መጽሓፈ ሕማማት ዝተወስደ ተግሳጽ


Saturday, April 27, 2013

መልእክቲ ትንሳኤ


መልእክቲ ፋሲጋ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

መልእክቲ ፋሲጋ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስን አሐዱ አምላኽን አሜን። (ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ኣብ 4 ክፍለ ዘመን ዝጸሓፈ መልእክቲ ኮይና፣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ በዓል ፋሲጋ ማለት ኣብ ዕለት ትንሳኤ ድሕሪ ሊጦን እትንበብ፣ ብልጽቲ መጸናንዒት መልእክቲን እያ። ኣብ መጽሓፈ ሕማማት ብግእዝ ፈቲሸ ኔረ ግን ክረኽባ ኣይከኣልኹን።)

ንእግዚአብሔር ብሙሉእ ልቡ ዘፍቅሮን ዝግዝኦን እንተደኣ ሃልዩ፣ ሎሚ በዛ ኣዝያ ክብርቲ፡ ጽብቕቲን ብርሃናዊት በዓልን ይተሓጎስ። እሙን ኣገልጋሊ እንተደኣ ኮይንካ፣ ብባህታ ናብ ሓጎስ ጐይታኻ እቶ። ብጾም ነፍሱ ዘድከመ እንተሃልዩ፣ ዓስቡ ይቀበል። 

ካብ ቀዳመይቲ ሰዓት ጀሚሩ ዝሰርሐ እንተደኣ ሃልዩ፣ ግቡእ ክፍሊቱ ይርከብ። ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት ዝመጽአ እንተሃልዩ፣ ብኣኰቴት በዓሉ የብዕል። ኣብ ሻዱሸይቲ ሰዓት ዝኣተወዉን፣ ምንም ኣይስኣን፣ ምኽንያቱ ዝጐድሎ ነገር ስለዘየለ። ክሳብ ታሽዐይቲ ሰዓት ዝዶንገየ ዉን፣ ከየተወላወለ ይቕረብ። እቲ ኣብ ሰዓት ዓሰረተሓደ ዝመጽአዉን፣ ዶንግየ ኢሉ ኣይፍራሕ፣ ምክንያቱ ጐይታ ህይዋይ እዩ። 

ነቲ ዳሕረዋይ፣ ከምቲ ቀዳማይ ጌሩ ዝቅበል እዩ። ነቲ ሰዓት ዓሰርተሓደ ዝመጽአ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳመይቲ ሰዓት ዝመጽአ ጌሩ፣ ዕረፍቲ ይህብ። ነቲ ዳሕረዋይ ምሕረት ይገብር፣ ነቲ ቀዳማይ ዉን ይሓሊ። ነቲ ሓደ ከምትግሃቱ ይከፍሎ፣ ነቲ ዳሕረዋይ ብጸጋ ይዕድሎ። ነቲ ዝሰርሕን ነቲ ዝሕልንን፣ የኽብር። እምበኣር ኩሉኹም፣ ዳሕረዎትን ቀዳሞትን፣ ናብ ዕረፍቲ ጐይታኹም እተዉ፣ ዓስብኹም ዉን ተቐበሉ።

ድኻታትን ሃብታማትን፣ ብሕብረት ዘምሩ! ኣንቱም ትጉሃትን፣ ከምኡዉን ኣንቱም ዘይግዱሳትን፣ ነዛ ዕለት ኣብዕልዋ! ኣንቱም ዝጾምኩምን፣ ዋላ ኣንቱም ጾም ዘየኽበርኩም፣ በዛ ዕለት ተሓጎሱ! መኣዲ ተቐሪቡ ኣሎ፣ እንጀራ ዉን ተዳልዩ፣ ኩሉኹም ብኽብሪ ኣብዕልዎ። ስብሕቲ ላም ተሓሪዳ ኣላ`ሞ፣ ኩሉኹም ጽገቡ። ኣብዛ ናይ እምነት በዓልና፣ ኩላህና ንሳተፍ። ካብ ሃብቲ ለዋህነቱ ኩላህና ንቐበል።

ሰማያዊ ንጉስ ስለዝተገልጸ፣ ማንም ብድኽነቱ ኣይብከይ። ምሕረት ካብ መቃብር ትበርቕ ኣላ`ሞ፣ ማንም ብበደሉ ኣይጉሃይ። ሞት መድሓኒ ዓለም ሓራ ኣዉጺኡና እዩ’ሞ፣ ንሞት ኣይንፍራሕ። ብሞቱ ንሞት ሰዓረልና። እቲ ናብ ሲኦል ዝወረደ፣ ንሲኦል ማሪኽዋ ኣሎ። ናብ ሲኦል ብስጋ ምስወረዳ፣ ሰዓራን፣ ኣቅሓራን። ነብዪ ኢሳይያስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ፣ “ኣብ መዓሙቕ ክፍሊ ምድሪ ምሳኻ ምስ ተራኸበት፣ ሲኦል ቀሓረት።” [1]

ሲኦል ቀሓረት፣ ምክንያቱ ስለዝተሳዕረት። ቀሓረት ምክያንያቱ ስለዝተናዕቀት። ቀሓረት ምክንያቱ ጥራያ ስለዝተረፈት። ኩሉ ሓይላ ስለዝተሳዕረ፣ ሲኦል ቀሓረት። 

ሲኦል፣ ስጋ ዝወሰደት መሲልዋ፣ ግን ምስ ኣምላኽ ተራኸበት። ምድራዊ ዝኣተዋ መሲልዋ፣ ግና ሰማያዊ ኮይኑ ረኸበቶ። በቲ ዝረኣየቶ ተታሊላ ክትወርሶ ሓሰበት፣ ግን ካልእ ዘይረኣየቶ ስዓራ። 

“ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ 
ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧”[2]




ክርስቶስ ተንስአ፣ ንስኺ ዉን ዓነውነው በልኪ።
ክርስቶስ ተንስአ፣ ኣጋንንቲ ተሳዕሩ።
ክርስቶስ ተንስአ፣ መላእክቲ ተሓጎሱ።
ክርስቶስ ተንስአ፣ ህይወት ተረኽበ።
ክርስቶስ ተንስአ፣ ሓደ ምዉት እኳ ኣብ መቓብር ኣይተረፈን።

ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ብምትንስኡ፣ ቦክሪ ናይቶም ደቂሶም ዘለዉ ዀነ።

ክብሪን ምስጋናን ንዘለዓለም ዓለም ንክርስቶስ ኣምላኽና ይኹን፣
ኣሜን!



ትርጉም



[1] እዚ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናይ ግሪክ (ኢሳ 14፥9) ዝርከብ ኮይኑ፣ ኣብቲ ናይ ትግሪኛን ግእዝን ትርጉሙ ፍልይ ዝበለ እዩ። ቅ.ዮሃንስ ኣፈወርቅ ነዛ መልእክቲ ብግሪክ  እዩ ጽሒፍዋ።
[2] 1 ቆሮ 15፥55

Friday, April 5, 2013

መንገዲ ባሕታዉያን 8

ምዕራፍ 8. ዝሰዓርካዮ ሓጢኣት ዳግማይ ከይምለሰኻ ተጠንቀቕ


ንገዛእ ስጋኻ ክትስዕር ካብ ጀሚርካ፣ እዚ ምልክት ዓወት እዩ። በዚ ዓወት`ዚ ንኣምላኽ ደኣ ኣመስግን እምበር፣ ንገዛእ ርእስኻ ሓያል ጌርካ ኣይትቑጸራ፣ ምኽንያቱ ንሱ`ዩ ነዚ ሓይሊን ዓወትን ዝሃበካ። ካብ ዓቀን ንላዕሊ ኣይትተሓጎስ፣ ጉዕዞኻ ደኣ ቐጽል። እንተዘይኮይኑ፣ ግና ክፉእ መንፈስን ክፋእ ኣመልን ክምለሰካ እዩ፣ ካብ ዉሽጢዉን ክስዕረኻ ይኽእል። እስራኤላዉያን፣ ሕጊ ዝተዋህቦም፣ ነቶም ኣብታ ምድሪ ንዝነበሩ ኣህዛብ ምእንቲ ክሶጉዎም እዩ /ዘሁ 33፥52/። ንሕና ዉን ካብዚ ክንማሃር ይግባእ።

ምናልባት እቲ ዝረኸብካዮ ዓወት ንኢሽተይ ወይ ዓቢ ክኸዉን ይኽእል። ማለት ዓቢ ወይ ንእሽተይ ሓጢዓት ስዒርካ ትኸዉን፣ በዚ ግና ኣይትዛነይ። ኹሉ ግዜ ብድሕሪት ካልእ ፈተናን ቃልሲን ከም ዘሎ ዘክር።  ስለዚ ዕረፍቲ የለን፣ ክትዓርፍ ኢልኻ ዉን ትጽቢት ኣይተሕድር።

ኸምቲ ቅድም ዝበልናዮ፣ ሕጂ ዉን ስቕታ ኣይትረስዕ። ምስቲ ዘይርአ ኣምላክ ትዓዪ ስለዘለኻ፣ ስራሕኻ ኩሉ ዘይርአ ይኹን። ኣብ መንገዲ እንዳዘረዉኻ ትኸይድ እንድሕሪ ኮይንካ፣ ዲያብሎስ ዝለኣኾም ኣዕዋፍ ኣጋንንቲ መጺኦም ካብ ልብኻ ክሰርቅዎ እዮም። ኣብ ብዝሒ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን` እሞ፣ ብገዛእ ርእስኻ ዕጉብ ኣይትኹን።

ስለዚ ኣቦታትና፣ ኲሉ ግዜ ነገራት ክንምርምር ይምዕዱና። እንታይ ትገብር ከምዘለኻ ክትፍለጥ ኣይትብሃግ። እዚ ናይ ኩሉ ግዜ ሕግካ ግበሮ። ብዛዕባኻ ኣይትዛረብ፣ እንታይ እዩ መደብካ፣ ከመይ ትነብር፣ እንታይ እዩ ሓሳብካ፣ ኣይትዛረብ። ብዉሑዱ ከይተሓተትካ ኣይትመልስ። እዚ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን ናይ ስጋ ጥራይ እዩ። ዕግበት ፈጢሩ ብዛዕባኻ ጥራይ ንክትሓስብ ዝገብር ሕማም እዩ።

ኣብ ዝዀነ ግዜ ቦታን ዂነታትን ፈተና ኣይሰኣንን ስለዝዀነ፣ ስራሕኻ፣ መንበሪኻ፣ ዝኣመሰለ ነገራት ክትቕይር ኣይትድለይ። ምናልባት ጠንቂ ፈተናን፣ ክፋእ ሓሳብን ዝኸዉን እንድሕሪ ኾይኑ ጥራይ ቀይር።


ዝዓበየ መዓርግ፣ ስልጣንን፣ ሓላፍነትን ኣይtብሃግ። ትሕት ዝበለ ሓላፍነት ክህልወኻ እንከሎ፣ ብእኡ መጠን፣ እቲ ፈተና ዉን ክጐድል እዩ። በቲ ሒዝካዮ ዘልኻ ህይወት ዕጉብ ዂን። ፍልጠትኻ ኽእለትኻ ከተርኢ ኣይትፈትን። ከምዚን ከምትን ኢልኻ ሓሳብ ካብ ምቕራብ ተቖጠብ። ኣብ ክትዕ ኣይትእቶ፣ ንዝዀነ ሰብ ዉን ኣይትቓወም። ሓሳብኻ፣ ልዕሊ ሓሳብ ብጻይኻ ኣይትግበር። ከምዚ ምስትገብር፣ ተኣዛዝነት ክትመሃር ኢኻ፣ ትሕትና ዉን ከተጥሪ ትኽእል። ትሕትና ብዋጋ ዘይትመን ሃብቲ እዩ።

ሰባት ርእይቶ ከቕርቡልካ እንከለዉ፣ ከየማረርካ ተቐበል። ክትጽረፍን፣ ክተንዓቅን እንከሎኻ ኣመስግን፣ እምበር ምስኺንኪን ኣይትበል። ሰባት ምስኪንኪን ክትብል እንድሕሪ ርእዮምኻ፣ 'እዚ ሰብ ትሕትንኡ ደስ ክብል' እንዳበሉ ብዛዕባኻ ጥራይ ክዘረቡ እዮም። እዚ ኣማናዊ (ሓቀኛ) ትሕትና ኣይኮነን፣ ኣማናዊ ትሑት ሰብ፣ ብሰብ ክፍለጥ ኣይደለይን። ዓለም ኣይትፈልጦን፣ ምኽንያቱ ዓለም ንዕዑ ዋላሓንቲ ኣይኮነትን (1 ዮሃ 3፥1)።

በዓል ጴጥሮስን እንድርያስን፣ ዮሃንስን ያዕቆብን፣ መረቦም ሓዲጎም መዋዕልቶም ራሕሪሖም፣ (ማቴ 4፥20) ኽከዱ እንከለዉ፤ ብጾትና እንታይ ክብሉና እዮም ኢሎም ስክፍታ ኣየሕደሩን። እዞም ክልተ ጽምዲ የሕዋት ዉን ብቕጽበት ተሰወሩ። እምበኣር ካብዚኦም ሃዋርያት ትምህርቲ ዉሰድ። ካብዚ ዘማዊን ሓጢኣተኛን ወለዶ ክትፍለ ግዜ ኣይትዉሰድ። ኣይትወላወል። ነየናይ ኢኻ ከተድሕን ትደሊ፣ ንዓለም'ዶ ዋላስ ንነፍስኻ (ማቴ8፥34-38)? ኣንቱም ሰባት ጽቡቕ ዝዛረቡልኩም፣ ወይለኹም! ሉቃ 6፥26 

መንገዲ ባሕታዉያን 7

ምዕራፍ 7. ካብ ፍትወት ስጋ ናብ ፍቕሪ ክርስቶስ


ቅዱስ ቴዎፋን ባሕታዊ ከምዚ ኢሉ ይሓትት`ሞ ዝምልሶ መልሲ ኸኣ ንስማዓዮ፣ "ካብ ስጋና እንድሕሪ ወጺእና ንመን ንረኽብ?" "ንኣምላኽን ንብጻይናን ክንረኽብ ኢና።" በዚ ምክንያት`ዩ እምበኣር፣ ገዛእ ሰብነትናን ስጋናን ክንቀብጽ ዝተነገርና። ብመድኃኒ ዓለም ክርስቶስ፣ ድሕነት ክረክብ ዝደሊ ሰብ፣ ነዚ ነገር ክፍጽም ኣለዎ። ስጋዊ ሰብ ንስግኡ ጥራይ ዘማዕኸለ ህይወት ይህልዎ። ኣምላኽ ዘማእኸሎ ህይወት ንደሊ እንድሕሪ ኮይንና፣ ገዛእ ርእስና ንቕበጽ። ሽዑ ነቲ ኣምላኽናን፣ ጎረቤትናን፣ ብጻይናን ዝዀነ ንክርስቶስ ክንረኽቦ ኢና።

እዚ ማለት፣ እቲ ኣብ ስጋና ሓዲሩ፣ ንስጋዊ ፍትወት ክንግዛእ ዝገበረና ሓይሊ፣ ክሰዓር እዩ። ብዘይ ገለ ምጽራርዉን እቲ ኣብ ፍትወት ስጋ ጥራይ ዘድህብ ዝነበረ ሰብ፣ ሕጂ ናብ እግዚአብሔር ክምለስ እዩ። በዚ ዉን ኣቢሉ ናብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሰጋገር ይኽእል። ብፍቕሪ ኣምላኽ ኸኣ ናብ ፍቕሪ ብጻይ። እቲ "ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ" /ማቴ 6፥3-4/ ዝተባህለ ዉን ነዚ`ዩ። ናብ ኣማላኽ ዝገበርካዮ፣ ናብ የሕዋትካ ናብ ሰባት ይበጽሕ። ነዚ ምስ ንገብር`ዩ፣ እቲ ነንሕድሕድና ምምዕዓድ ዝዀነልና፣ ስጋዊ ሜላ ዘይብሉ፣ ልዕሊ ዂሉ ዝዀነ ምልኣት ፍልጠት ክንረኸብ ንኽእል። ብባዕላዊ ሜላ ዝምራሕ፣ ካብ ባዕላዊ ዕላማ ዝብገስ፣ ዉልቃዊ ኣካይዳ፣ ኣብዚ ኣየድልይን። እዚ ኲሉ ግዜ ናብ ዉልቃዊ ዕግበት ጥራይ ስለዘምርሕ፣ ሓደጋ ኣለዎ። ስለዚ ጽድቂ ይሰርሕ ኣለዂ ኢልካ፣ ገዛእ ርእስካ ከይተታልል ተጠንቀቕ።

ገዛእ ርእስኻ ብስራሕ፣ ብኣኼባ፣ ብዝተፈላለዩ ሓላፍነት፣ ጽሙድ ኣይትግበራ። ሙሉእ ግዜኻ ኣብ ስራሕ ጽሙድ ምዃን፣ ርእሱ ዝኸኣለ ስሚ'ዩ፣ ክቐትለካ ዉን ይኽእል። ገለ ገለ እዋን ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ትገብር ኢኻ፣ ይኹን እምበር ነዚ ንኽትገብር ዝደረኸካ ዉልቃዊ ድሌታትካን፣ ንገዛእ ርእስኻ ባህ ከተብል ደሊኻ ኢኻ እምበር፣ ንኣምላኽ ከተሐጉስ ኢልካ ኣይኮንካን (ሮሜ 15፥1)። ገዛእ ርእስኻ መርምር እሞ፣ እዚ ነገር ሓቂ ምዃኑ ክትርዳእ ኢኻ።

እግዚአብሔር ፤ ፈቃር፡ ወሃቢ ሰላም፡ በጃ ኮይኑ ዘድሕን ፍጹም ርህሩህ ኣምላኽ እዩ። እዚ ኣምላኽ ኣብ ማእኸል ግብዝናን፣ ኣምሰሉ ህይወት ኣብ ዝነገሶን፣ ኣይነብርን። እንታይ ደኣ ሓቀኛን ልባዊ ህይወትን ይፎቱ። በዚ ዝስዕብ መንገዲ ገዛእ ርእስኻ መርምር። ንኣብነት ክትገብሮ ዝመደብካዮ ሰናይ ነገር ብገለ ምክንያት ክትገድፎ ምስእትግደድ፣ ትሓርቕ'ዶ፧ ትቑጣዕ፣ ሰላምኻ ተጥፍእ፣ ትጉህይ'ዶ፧? ከምዚ እንድሕሪ ጌርካ፣ ብሓቂ ህይወትካ፣ ብስጋዊ ፍትወት ተመሊኡ ከምዘሎ ከተረጋግጽ ትኽእል።

ምናልባት ስለምንታይ? ዝብል ሕቶ ተቕርብ ትኸዉን። እቶም ምኩራት ኣቦታትና እዚ መልሲ ይህቡ። እቲ ገዛእ ፍቓዱ ናብ ፍቓድ ኣምላኽ ዘየግዝአ ጥራይ'ዩ፣ ተቓዉሞ ዝገጥሞ። ምክንያቱ ኣምላኽ ተቓዉሞ ኣይስዕሮን እዩ። ካብ ስጋዊ ፍትወት ዝረሓቐ ገዛእ ርእሱ ክሳዕ ምዉፋይ ዝበጽሕ ፍቕሪ፣ ናይ ዉልቂ ዘይኮነስ ናይ ኣምላኽ'ዩ። ስለዚ ተቃዉሞ እንተ መጽአ ከማን፣ ክሓርቅ፣ ክጉህይ ኮነ፣ ክቁጣዕ ኣይግባእን። ክበልዕ፣ ክሰቲ፣ ከጽንዕ፣ ክሰርሕ፣ ንህዝበይ ከገልግል፣ ወዘተ፣ ብምባል ብዉልቀይ ዘዳልዎ መደባት፣ ካብ ዉልቃዊ ድሌት ጥራይ ተበጊሰ ዝሰርዖ ዉጥን፣ ተቃዉሞ ከጋጥሞ ንቡር'ዩ፣ ስለዚዉን እየ ዝጉህይ። በታ ናብ ህይወትን ናብ ኣምላኽን እተብጽሕ ጸባብ ኣፍደገ ዝኣቱን በኣ ዝመላለስን ሰብ፣ ሓደ ነገር ጥራይ'ዩ ክዕንቅፎ (ተቃዉሞ ክገጥሞ) ዝኽእል፣ እዚ ኸኣ፣ ሓጢኣት ዝመልኦ ስጋዊ ድሌት ወይ ፍቓድ እዩ። ኩሉ ፈተናታት ካብ ስጋዊ ፍቓድ'ዩ ዝብገስ። ሓደ ነገር ክገብር መዲቡ ከብቅዕ፣ ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይፈቒዱ'ሞ እንተተረፈ፣ ስለምንታይ ይጉህይ፧? ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ መደብ ኣይትስራዕ (ያዕ 4፥13-16)።

ሕጂዉን ቅዱሳን ኣቦታት ዝብልዎ ንስማዕ።

ኣይትታለሉ፣ ክርስቲያን ንበሃል ኩላትና ከምቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመላለሶ ክንመላለስ ኢና ተጸዊዕና (1ይ ዮሃ 2፥6)። ንሱ ማለት ክርስቶስ ፍቓዱ ዘይኮነስ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኾ ዝገበረ፣ ኣብ ሓሰር ዝተወልደ፣ ኣርበዓ መዓልቲ ለይቲን ዝጾመ፣ ሙሉእ ለይቲ ብጸሎት ዝተግሀ፣ ኣጋንንቲ ዝገሰጸ፣ ሕሙማት ዝፈወሰ፣ ሙታን ዘተንስአ፣ ንሱ እወ እዚ ወሃቢ ህይወት መድኃኒዓለም ርእሱ ዘጸግዓሉ ቦታ ኣይነበሮን፣ ኣብ መወዳእታ ዉን፣ ክጸፍዕዎ፣ ጡፍ ክብሉሉን ክሰቕልዎን ዝፈቐደ እዩ።

እስከ ቅሩብ ገዛእ ርእስኻ ምስኡ ኣነጻጽር፣ ደምበር'ዶ ብገለ ኣጋጣሚ ንዕዑ መሲልካ ትፈልጥ፧? ሓንቲ ለይቲ ብጸሎት ተጊህኻ'ዶ ትፈልጥ? ሓንቲ መዓልቲ ጾይምኻ'ዶ ትፈልጥ? ሓደ ጋኔን ገሲጽካ'ዶ ኣዉጺእኻ ትፈልጥ? ገዛእ ርእስኻ ክትጽረፍ፣ ጡፍ ክብሉልኻን ክጸፍዑኻን ፈቒድካ'ዶ ትፈልጥ? ፍቓድካ ሓዲግኻ፣ ስጋኻ'ዶ ኣብ መስቐል ሸንኺርካያ (ገላ 5፥24) ትፈልጥ? መዓልታዊ ነዚአን ሕቶታት ንነብስኻ ሕተታ።

ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድ (ምንዓቕ) እንታይ ማለት እዩ? ገዛእ ርእሱ ዝኸሓደ ሰብ ''ሕጉስ ኣሎኹ'ዶ? ዕጉብ ድዬ?'' ኢሉ ኣይሓትትን። ገዝእ ርእስኻ ብሓቒ እንድሕሪ ክሒድካ፣ እዚ ሕቶታት ኣብ ህይወትኻ ቦታ ኣይክህልዎን። ምክንያቱ ምእንቲ ሰማያዊ ሓጎስ ኢልኻ ገዛእ ርእስኻ ክሒድካ ኣሎኻ።

ገዛእ ርእስና ጥራይ ከነሐጉስ ስለንደሊ ዉን እዩ፣ ኲሉ ግዜ ዕግርግርን ጽልኢን ኣብ ህይወትና ዝነግስ። ስለዚ ካብዚ ሓሳብ'ዚ ኣልግስ፣ ኣንጻሩ ዉን ተቓለስ፣ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ከተሐጉስ ኣይትድለይ፣ ሽዑ እቲ ዝተረፈ ክምልኣልኻ እዩ።