መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ /Sola
Scriptura/
መልሲ ኦርቶዶክስ ንትምህርቲ ፕሮቴስታንት
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ
ኣሜን!
መእተዊ
ኦርቶዶክሳዉያን ኣመንቲ፣ ምስ ፕሮቴስታንት ኣብ ንገብሮ ዘተ፣ ዝበዝሐ ግዜ ዘይምርድዳእ
ዝነገሶ ከንቱ ክትዕ ኮይኑ ክተርፍ ይርአ። እዚ ዝኮነሉ ቀንዲ ምክንያት፣ ኣብ ፕሮቴስታንት ዘለና ፍልጠት ድሩት ብምዃኑ እዩ። “ናይ ፕሮቴስታንት ዶክትሪን ወይ ዶግማ ካብ ምንታይ ይብገስ፧”፣
መሰረታዊ ፍልጠት የድልየና። መሰረታዊ ፍልጠት ሃይማኖቶም ዘለዎም ኦርቶዶክሳዉያን፣ ምስ ፕሮቴስታንት ክዛተዩ እንከለዉ፣ ተመሳሳሊ
ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተጠቐሱ፣ ግን ኣይረዳድኡን፣ ምክንያቱ ሓባራዊ ዘሰማምዖም ናይ ስነ-መለኮት ርድኢት (common
theological basis) ስለዘይብሎም። እዚ ማለት፣ ፍልልዮም ክዛተይሉ ዘኽእሎም ሓባራዊ ርድኢት ስነ-መለኮት የለን። ንልዕሊ
ዒስራሽሕን ካልኦትን ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ፕሮቴስታንት፣ እሞ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ቅኑዕ ርድኢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ መሰረትና፣
ምስዝብሉ ክትዛተይ፣ ብጣዕሚ ጸገም እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ሰባት፣ ኣብ ኦርቶዶክስ ዘለዎም ተገዳስነት እንዳዛየደ ክመጽእ
ተራእዩ። ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ትምህርቲ ፕሮቴስታንት ናብዚን ናብቲን ምባል ዘሰልቸዎም፣ ሓቂ ዝደልዩ ክርስቲያናት፣ ናብታ ሓዋርያዊትን
ኣጽናፋዊትን ዝኮነት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ተመሊሶም፣ “ጥንቲ ክርስትና
ከመይ እዩ ኔሩ፧” ኢሎም፣ ኣፍደገ ቤተክርስቲያን ብሕቶ ዝኩሕኩሑ ዉሕዳት ኣይኮኑን። ነዚ ኣገልግሎት ብጸጋ ኣምላኽ ንምዕያይ
ከኣ፣ ዓሙቚ ፍልጠት ዘለዎም፣ ንክርስቶስ መስሊም ዝነብሩ ንፉዓት ኦርቶዶክስ ክርስቲያናት የድልዩ። መስረተ እምነቶም ኣጸቢቖም ዝተማህሩን፣
“ፕሮቴስታንት’ኸ ካብ ምንታይ ይብገሱ፧” ዝብል ኣፍልጦ ዘለዎም ኦርቶዶክሳዉያን ክርስቲያናት ከነፍሪ ኣለና።
እዋኑ ናይ ሓበሬታን ናይ ትምህርትን ኮይኑ፣ ክርስትና ግና ናይ ህይወት ጉዕዞ እዩ። ብዉልቅና
ንክርስቶስ ንምምሳል ኣብ ንገብሮ ምግዳል ኣበርቲዕና ብጸጋ ጐይታ እንዳተቓለስና፣ ህይወትና ናብ መንገዲ ቅድስና፣ ብንስሓ ክንመርሕ
ኣለና። እዚ ናይ ኩሉ ግዜ ዕማምና ኮይኑ፣ ጎኒ ጎኒ እዚ ክልተ ዓበይቲ
ነገራት ክንዓምም ኣለና። እቲ ቀዳማይ፣ ናብ ዉሽጢ ቤተክርስቲያና ሶሊኹ ካብ ዝኣቱ ትምህርቲ ምንፍቕና ክንቃለስ ኣለና፣ እቲ ካልኣይ
ከኣ፣ ቅኑዕ ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ናብ ፕሮቴስታንትን ካልኦትን ብግህዶ ክንምስክር ይግብኣና። ነዚ ክንገብር ከኣ፣ ነቲ ኣብ ቅድሜና
ዘሎ መሰናኽል ክንብድህ ዘክእለና እኹል ፍልጠት ሓቂ ክንዕጠቕ የድሊ።
ኣብ ፕሮቴስታንት ካብ ዝርአ ኣዝዩ በዳሂ ነገር፣ ኣብ ነንሕድሕዶም ዘለዎም ብዙሕ ፍልልይን
ምጽራርን እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤታቶም ንዘሎ ግጉይ ትምህርቲ ወይ ምንፍቅና መልሲ ንምሃብ፣ ንኹሉ ኣርእስቲ ፈሊኻ ምጽናዕ
የድሊ። እዚ ግና ፍታሕ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ንእምነት ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ፕሮቴስታንት ክርዳእ እንተደልዩ፣ ታሪክን ሓፈሻዊ ኣበጋግሳ
ፕሮቴስታንት ቅድም ክፈልጥ ኣለዎ። ነዚ ፈሊጡ ኸኣ መሰረታዊ ርድኢት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቶምን፣ ስርዓተ ኣምልኮኦምን ዓሙቚ ምርምርን.
. . ወዘተ፣ ከምኡዉን ንህሉው ኣካይዳኦም ማለት ስምዒታዊነት\emotionalism\ ወይ ሓርነታዊነት \liberalism\ ዝምልከት
ኣፈናዊ ርድኢት ክህልዎ የድሊ። ዋላዉን ነዚ ኹሉ ጌርና፣ ዳርጋ መዓልታዊ ዝተፈላለየ እምነት ዘለዎም ሓደስቲ ጉጅለታት ካብ ዶርሆ
ፕሮቴስታንት ይጫጭሑ ከምዘለዉ ኣይንዘንግዕ። ክንድዚ ዝኣክል ፍልልይ ይሃሉ ደኣ እምበር፣ ኩሎም ብሓፈሻ ፕሮቴስታንት ተብሂሎም ኣብ ዝፍለጡ
እምነታት፣ ሓንቲ ናይ ሓባራዊ ጠርናፊት ትምህርቲ ኣላቶም። ዳርጋ ኩሎም ጉጅለታት ፕሮቴስታንት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቅኑዕ
ከምዝተረድእዎ ይኣምኑን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌሩ ክትርጎም ከምዘለዎ ይሰማምዑን፣
ዋላኳ ነንሕድሕዶም ብዛዕባ መጽሓፍቅዱስ ዘይሰማምዑሉ ነጥብታት ይሃሉ። ኩሎም፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትዉፊት ቤተክርስቲያን
ወጻኢ፣ ብዉልቒ ክትርጎም ከምዘለዎ ይሰማምዑ።
እዚ ትምህርቲ’ዚ ስለምንታይ እዩ ጌጋ ኮይኑ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ’ኸ ከመይ ጌርና ክንርድኦን
ክንጸንዖን ኣለና፧ ንዝብል ሕቶታት፣ ጽቡቅ ጌርና እንድሕሪ ተረዲእናዮ፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣልዕልናዮ ዘለና ነገራት ፍታሕ ክንረኽበሉ
ንኽእል። ናብ ዝተፈላለዩ እምነታት ኣጸቢቕና ምርምር ምስ ነካይድ፣ ዳርጋ ኩሎም፣ ብግዳማዊ ትርኢቶም ዝተፈላለዩ ይመስሉና። ንኣብነት
ኣብ መንጎ ባብቲስትን /Baptist/ የሀዋ መሰካክርን/ Jehovahs Witness / ዘሎ ፍልልይ፣ ብግዳም ብዙሕ ይመስል። ነዚ ኣቐድም ኣቢልና ዘጥቐስናዮ ሓሳብ
ተረዲእና ምስ ንዕዘቦም ግና ዳርጋ ብዙሕ ፍልልይ የብሎምን። ከማን ዕድል ጌርና፣ ሓደ ባብቲስትን የሀዋ መሰካክርን ብጥቅሲታት መጽሓፍ
ቅዱስ ክኻራከሩ እንትንርእዮም፣ ክልቲኦም ተመሳሳሊ ጥቅሲ እንዳመላለሱ ከምዝጠቕሱን ግን ከኣ ክረዳድኡ ከምዘይኽእሉ ከንስተዉዕል
ምኸኣልና። እዚ ንምንታይ ኮይኑ እንቴልና፣ ክልቲኦም ኣብ ኣተረጓጉማ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ርድኢትን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣቀራርባን
/ approach / ጌጋ ስለዝኾነ።
ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ
ጥራይ፧
Sola Scriptura ማለት ካብ ክልተ ናይ ላቲን ቃላት ዝተወስደ ኮይኑ “sola” በይኑ
ወይ ጥራይ፣ “Scriptura” መጽሓፍ ቅዱስ ፣ ብሓጺሩ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ ማለት እዩ። ፕሮቴስታንት፣
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ካልእ ኹሉ ትዉፊት ቤተክርስቲያንን ትዉፊት ሓዋርያትን ፍጹም ኣይጥቀሙሉን፣ ኣይቅበልዎን። ንዓና ኦርቶዶክሳዉያን
ዉን ትዉፊት ሃዋርያት ኣጽኒዕና ብምሓዝናን ንስርዓት ኣምልኾናዉን ስለንጥቀመሉ ከም ዝተጋገና ጌሮም ይምህሩ።
ንፕሮቴስታንት ክንርድኦም እንተደሊና፣ ስለምንታይ ነዚ እምነት ከም ዝሓዙ ክንምርምር ኣለና።
ብፍላይ ኣብ ቦታ እቶም ቀዳሞት ጀመርቲ ፕሮቴስታንት /
early reformers/፣
ማርቲን ሉተር፤ ኮይና ነዚ ነገር ምስ ንምርምሮ እቲ ሓሳብ ብዝያዳ ንጹር ይኸዉን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ኣካይዳ ናይ ሮም ካቶሊክ
ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ብልሽዉና (corrupt) ዝመልኦ ካብ ሓቀኛ ትዉፊት ዝረሓቀ ትምህርቲ ተዘዉትር ኔራ። ንዝነበራ ጌጋ ትምህርቲ
ብሸፈነ ትዉፊት ትከላኸል ነበረት። ኣብ ሹመት ዝመጽኡ ፖፕ ንዕዖም ዝመሰሎም ዝተፈላለየ ትምህርቲን ስርዓትን ይጅምሩ፣ ነቲ ዝተበገሰ
ትምህርቲ ድማ “ትዉፊት” ብምባል ይኸላከሉ ኔሮም። ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ በዳሂ ኣካይዳ ክገጥም እንከሎ፣ ማርቲን ሉተር እንትርፎ
“መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ዝብል ትምህርቲ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ብቐንዱ ናይ ሮማ ካቶሊክ ብናይ ትዉፊት እንዳመኽነዩ
ጌጋ መንገዲ ይስዕቡ ኔሮም፣ ሉተር ኸኣ፣ ንትዉፊት ሒዙ፣ ነቲ ጌጋ ክእርሞ ፍጹም ከምዘይኽእል፣ ስለዝተረድኦ፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ
ግጉይ ኣካይዳ ሮም፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ክብድሆ ከም ኣማራጺ ወሰዶ። ብናይ ሉተር ኣተሓሳስባ፣ ትዉፊት ኡዩ ተጋግዩ። ነታ ቤተክርስቲያን
ክሕድሳ እንተኮይኑ ከኣ፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ እንዳመሳኸረ ነቲ ተቃዉሞ ከበግሶ ኔርዎ። የግዳስ ንሱ ክጅምር እንከሎ፣ ንኩሉ ትዉፊት
ፈጺሙ ከርሕቆ ኣይደለየን ኔሩ። ዋላ ንሱ ክምህር እንከሎ ብመጽሓፍ ቅዱስ “ጥራይ” ኣይኮነን። ኣብጋግሳ ሉተር፣ ነቲ ኣብ ናይ ሮም
ቤተክርስቲያን ዝነበረ ግጉይ ትምህርቲን ስርዓትን ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌሩ ከርሕቆን ክኣልዮን እዩ ደልዩ። ኮይኑ ግና ንሰዓብቱ ዘስመዖ
መደረ፣ ካልእ ዝተፈልየ ጽልዋ የሕዲሩ፣ ናብዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና ኣካይዳ ፕሮቴስታንት በጺሑ። ብፍላይ እቶም ድሒሮም ንምንቅስቃስ
ፕሮቴስታንት ዝመርሑ (radical reformers) ሓዳስያን፣ ነዚ ትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጽሕዎ።
ኣብ ትምህርቲ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ”, ዘሎ ጌጋ ርድኢት
ሀ. ኣብ ብዙሕ ግጉይ ርድኢት ዝተመስረተ ትምህርቲ እዩ
ቀንዲ ጸገም ናይዚ ትምህርቲ’ዚ ኣብ ግምት (Assumption) ዝተመስረት ምዃኑ። ግምት
ማለት ሓደ ዝጭበጥ መርትዖ ኣብ ዘይህልወሉ ኩነታት “ክኸዉን ይኽእልዩ” ኢልካ እትወስዶ ኣብ ሓሳብ ዝተመስረተ ነገር እዩ። እዚ
ግምት ቅኑዕ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ጽቡቅ፤ ግጉይ ምስ ዝኸዉን ግና፣ ዋላ ካብዚ ግምት ተበጊስካ እተማዕብሎ ሓሳብን መደምደምታን ከይተረፈ
ጌጋ ይኸዉን። ሓደ ሰብ፣ ግምት ወሲዱ ናብ ሓደ መደምደምታ ይበጽሕ እሞ፣ እቲ ዝበጽሖ መደምደምታ ጌጋ ምስ ዝኸዉን፤ ‘ኣብ ምንታይ
ተጋግዬ ኔረ’፧ ኢሉ ነብሱ ክሓትት ይግባእ። ንህልው ኩነታቶም ተገንዚቦም ብቅንዕና ንእምነቶም ክምርምሩ ዝደልዩ ፕሮቴስታንት፣
“ኣካይዳ ፕሮቴስታንትን፡ ትምህርቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ዝብልን ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ዝነቐለ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ስለምንታይ መጽሓፍ
ቅዱስ ሒዞም ነንሕድሕዶም ክሰማምዑ ዘይክእሉ ልዕሊ ዒስራ ሽሕ ዝኾኑ ጊጅለታት ተፈጢሮም፧ ስለምንታይ ኣብ መሰረታዊ እምነት ክርስትና
ክሰማምዑ ዘይከኣሉ፧ ካብ ትዉፊት ወጻኢ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እኹል እንተኾይኑ፣ ስለምንታይ ባብቲስት፡ የሀዋ መሰኻክር፡ ካሪዝማቲክ፡
ሜቶዲስት ኩሎም፣ ዋላዃ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ንኣምን እንተበሉ፣ ክሰማምዑ ግና ዘይክእሉ፧ ስለምንታይ ክልተ ካብዞም ዝጠቐስናዮም
እኳ ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሰማምዑ ዘይኽእሉ፧ ብኹሉ መለኪዒታት መዚናካዮ ጌጋ ኮይኑ ንረኽቦ፣ እቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ
ጥራይ’ ዝብል መሰረታዊ ትምህርቶም እዩ። ፕሮቴስታንት ኣብ እምነቶም ንዘሎ ብዙሕ ጉድለታትን ጌጋታትን ብብዙሕ
ካልእ ምክንያታት ይግለጽዎ እምበር፣ ነቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ዝብል መበገሲ ኩሉ ጌጋታቶም ንዝኾነ ትምህርቲ ፍጹም ኣብ ምልክት
ሕቶ ከእትዉዎ ኣይደልዩን። ነዚ መሰረተ ሃይማናቶም ዝኾነ ግጉይ ትምህርቲ’ዚ ምጥርጣር ወይ ምምርማር ማለት፣ ልክዕ ንህላወ ኣምላኽ
ምጥርጣር ጌሮም እዮም ዝቖጽርዎ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝበሎ “ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፣
ሕማቕ ኦም ድማ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ” /ማቴ 7፥17/ ስለዝኾነ፣
ነቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ዝብል ትምህርቲ ብፍሪኡ ምስ ንምርምሮ፣ ሓንቲ መደምደምታ ጥራይ ኢና ንረኽብ። ንሱዉን፣ እቲ ኦም እቲ
“ይቚረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ” /ማቴ 7፥19/።
ግጉይ ግምት ቁ.1፦ ኣብ እምነት፡
ስነምግባርን፡ ስርዓት ኣምልኮን፣ ንዝህልወና ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ናይ መወዳእታ በያኒ ቃል እዩ።
ፕሮቴስታንት፤ መጽሓፍ ቅዱስ ንኩሉ ሕቶታት ዝምልስን፣ ዘድልየና ሓበሬታ ዝህበና፣ ናይ መወዳእታ ቃል ኣምላኽ እዩ፣ ኢሎም ስለዝኣምኑ ንትዉፊት ሃዋርያትን ቤተክርስቲያን ኣይቅበልዎን። ግን ንሱ ድዩ እቲ ሓቂ!፧
ፕሮቴስታንት፤ መጽሓፍ ቅዱስ ንኩሉ ሕቶታት ዝምልስን፣ ዘድልየና ሓበሬታ ዝህበና፣ ናይ መወዳእታ ቃል ኣምላኽ እዩ፣ ኢሎም ስለዝኣምኑ ንትዉፊት ሃዋርያትን ቤተክርስቲያን ኣይቅበልዎን። ግን ንሱ ድዩ እቲ ሓቂ!፧
፩. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይብል፧
‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ንምባል ብቐዳምነት ዝወሰድዎ ግምት፣ ንዂሉ ኣብ “ክርስቲያናዊ ህይወት”
ዘድልየና መምርሒን፡ መልሲ ንሕቶታትናን፣ መጽሓፍ ቅዱስ እዂል እዩ። ንእምነት፡ ስነምግባርን፡ ስርዓት ኣምልኮን፣ ኲሉ ኣብ መጽሓፍ
ቅዱስ ኣሎ። ነዚ መወከሲ ዝጠቕስዎ 2ይ ጢሞ 3፥15-17፦
“ካብ
ህጻንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትፈልጠን ኢኻ። ንሳተን
ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ናብ ምድሓን ኬብጽሕ ዜኽእል ጥበብ ክህባኻ ይኽእላ እየን። እታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፣ ንሠናይ ግብሪ
ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ኪኸዉን፣ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ
ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፣ ንተግሣጽ፣ ንምእራም፣ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።”
ነዛ ጥቅሲ ከም መወከሲ ብምሓዝ፣ “እንድሕሪ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ንሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ፣
ፍጹምን ኣጸቢቑ ዝተዳለወን ክገብርኦ ዝኽእላ እንተኮይነን፣ ስለምንታይ ትዉፊት የድሊ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እዂልዩ” ይብሉ።
ብሓቂ እዛ ጽሕፍቲ ኸምዚ ዝገልጽዎ ዘለዉ መልእኽቲ ድዩ ዘለዋ፧
መጀመሪ ክኾነና ሓንቲ ሕቶ ክንምልስ ኣለና። ቅዱስ ጳዉሎስ ንጢሞቴዎስ ካብ ህጻንነትካ ጀሚርካ
ትፈልጠን ኢኻ ዝብሎ ዘሎ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ኣየኖት እየን፧ መቸም ቅ.ጳዉሎስ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ይዛረብ ከም ዘየሎ ርግጸኛታት
ኢና፣ ምክንያቱ ጢሞቴዎስ ህጻን እንከሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጽሑፋት ገና ኣይተጻሕፋን ኔረን። ዋላ ቅ.ጳዉሎስ ነዛ መልእኽቲ ክጽሕፋ
እንኸሎ ዉን፣ ገና ኣይተወድኣን ኔረን። ኹሉን ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ተኣኺበን ብቀኖና ሓቀኛ ምዃነን ተረጋጊጹ ኣብ ኣገልግሎት ክርስትና
ዝዋዓላ ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት እዩ። ካብዚ ብምብጋስ፣ ኣብዚ መልእኽቲ`ዚ ‘ቅዱሳት ጽሑፋት’ ኢሉ ጳዉሎስ ዝጠቐሰን፣ ንናይ ቡልይ
ኪዳን መጽሓፍቲ እየን። ስለዚ ነዛ ጥቅሲ`ዚኣ ከም መወከሲ ሒዝና ‘ትዉፊት ኣየድልይን!’ ኽንብል እንድሕሪ ኮይኑ፣ ንትዉፊት ጥራይ
ዘይኮነ፣ እንኮላይ ንመጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳንን፣ ከምኡዉን ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣየድልይን ክንብል ኢና።
ብካልኣይ ወገን ዉን፣ ቅ.ጳዉሎስ ብሓቂ ንትዉፊት ኣየድልይን ዝብል እምነት እንተኔርዎ፣
ስለምንታይ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘይርኸብ መወከሲ ተጠቒሙ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ (2ይ ጢሞ
3፥8) ንሊቀ ነብያት ሙሴ ዝተቓወምዎ ክልተ ኣስማት ጠንቆልቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ብምባል ጠቒስዎም። ኣስማት ናይዞም ጠንቆልቲ
ግና ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣይንረኽቦን። ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምስ ነንብብ፣ ክልተ ግብጻዉያን ጠንቆልቲ ንሙሴ ከምዝተቃወምዎ ጥራይ ይነግር
እምበር ኣስማቶም ኣይጠቅስን (ምዕ 7-8)። ጳዉሎስ ነዚ ኣስማት ካብ ትዉፊት እዩ ረኺብዎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ኣብ መልእክቲ
ይሁዳ እንተሪእና፣ ካልእ ኣብነት ትዉፊት ንረኽብ። ኣብ መልእክቲ ይሁዳ 14-15 ካብ መጽሓፍ ሄኖክ ዝተወስደ ካልእ ጽሑፍ ኣሎ።
ቤተክርስቲያን ንጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ኣኪባ፣ ነተን ቅኑዓት ዝኾና መርሚራ፣ ብሓይሊ መንፈስ
ቅዱስ ፈልያ፣ ብቀኖና ኣጽዲቓ ንዓና ዘረኸበትና ቀንዲ ዕላማ። ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ከሓድያን መናፍቃን ብስም ሓዋርያት
እንዳገበሩ መጽሓፍቲ የዳልዉ ኔሮም፣ ንኣብነት ናይ ቶማስ ወንጌል። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ጉጅለ መናፍቃን፣ ትምህርቶም ኩሉ ካብ ቤተክርስቲያን
ወጻኢ ስለዝነበረ፣ ኣብ ትዉፊት ሓዋርያት ዝተመስረተ ትምህርቲ ክምህሩ ኣይከኣሉን። ስለዚ ከም ኣማራጺ፣ ብስም ሓዋርያትን ናይ ብሉይ
ኪዳን ቅዱሳንን ጌሮም፣ ዉሽጡ ዝተመረዘን ክሕደት ዝመልኦን መጽሓፍቲ ኣዳልዮም ንምእመናን የጋግዩ ኔሮም። ብኸምዚ ዓይነት ዉዲት
ሰይጣን፡ ምእመናን ከይንታለል እያ እምበኣር፣ ቤተክርስቲያን ንኹለን መጽሓፍቲ ብቀኖና ዘጽደቐተን። ኣብቲ ግዜ`ቲ ዉን ቤክርስቲያን ነቲ በዳሂ ሽግር ካብ ሓዋርያት ብዝተረኸበቶ ቅዱስ ትዉፊት
ጌራ እያ ስዒራቶ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተክርስቲያን ዝነበሩ መራሕቲ (ጳጳስ ወይ ኤጲስቆጶስ) ብቀጥታ ካብ ሓዋርያዊ ሹመት ዝተወራረደ
ስልጣን ስለዝተቐብኡ፣ ነቲ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ታሪካዊ መበቆል ከም ዘይብሉ ብንጹር ንምእመናን የረድኡ ኔሮም።
ኣጽናፋዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን (ኦርቶዶክስ ቅድሚ 2000 ዘመን ዝነበረትን ኣብ ኩሉ ቦታ ዘላን ሓንቲ ንሳ እያ) ብመንፈስ
ቅዱስ ሕብረት ሓድነት ስለዝነበራዉን ነዚ ጸገም ብቐሊሉ በዲሃቶ እያ። ካብቲ ዝመጽእ ዝነበረ ክሕደት ዝመልኦ መጽሓፍቲ ኸኣ፣ ዝርዝር
ብቀኖና ዝጸደቐ ሓቀኛ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣዳልያ፣ ገዛእ ርእሳ ክትሕሉ ከኣለት። ኣብ ዝርዝር ዝኣተዋ፣ እተን ኣብ ብሉይ ኪዳን
ዝነበራን፣ ሓዋሪያትዊት መበቖል ዘለወን ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን እየን።
ነዚ ዝርዝር ቅዱሳት መጽሓፍቲ ኣዳልያ ብቀኖና ኣጽዲቓ ክትእዉጅ እንኸላ ግና፣ ኩሉ ዘድሊ
(ማለት ብዛዕባ እምነት ስርዓት ኣምልኮን) ኣብዘን ቅዱሳት መጽሓፍቲ ኣሎ፣ ካልእ ምዉሳኽ ኣይድልይን፣ ኣይበለትን። ኣብ ታሪክ ክንዕዘቦ
ከም ንኽእል። ቤተክርስቲያን ንቅዱሳት ጽሑፋት ብቀኖና ዘጽደቐተን መራሕቲ ኣቦታት ኣብ ጉባኤ ተኣኪቦም እዮም። ነዚ ክገብሩ ቀንዲ
ዝሓገዞም ከኣ፣ እቲ ኣብ ኩለን ቤተክርስቲያን ዝነበረ እምነትን ኣምልኮን እዩ። ንቀኖና ዝምልከት ሕቶ ክለዓል ኣንከሎ፣ ኩሎም ኣብ
ዓለም ዝነበሩ ጳጳሳት ተኣኺቦም፣ ብዛዕባ ዶግማን ስርዓትን ተዛትዮም መዕለቢ ይገብርሉ።
፪. ሓድሽ ኪዳን ንምንታይ ዕላማ ተጻሒፉ፧
ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ (ዋላ ኣብ ፕሮቴስታንት) ከነስተዉዕለሉ ካብ ዝግብኣና ነገራት
ብዙሕ እኳ እንተኾነ፣ ቀንዲ ግን፣ ዓይነት ናይቲ መጽሓፍን፣ ከምእዉን ዕላማ ናይቲ መጽሓፍን መልእክቱን እዮም። ዝተፈላለዩ ዓይነት
መጽሓፍቲ ዝተፈላለዩ ዓይነት መልእክቲን ኣገልግሎትን ኣለዎም። ዕላማ ናይቲ መጽሓፍ ወይ ክፋል ጽሑፍ (passage) ዉን ምስትዉዓል የድልዮ። ብሓፈሻ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጉጅለ
ንመቕሎም፣ ወንጌል፡ ታሪካዊ ፍጻሜታት (ግብረ ሓዋርያት)፡ መልእክቲታትን፡ ናይ ትንቢት መጽሓፍ(ራእይ ዮሃንስ) እዮም። ወንጌል፣
ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወት፡ ሞቱን፡ ትንሳኤኡን ንክምስክር ተጻሒፉ። ታሪካዊ ፍጻሜታት ዘዘንትዋ መጽሓፍቲ፣ ቀዳሞት ክርስቲያናት
ከመይ ኢሎም ይነብሩ ኔሮም፡ ኣብቲ ህይወት ዝነበሩ ቀንዲ ሓያላት ሰባትን፡ ፍጻሜታትን፣ የዘንትዉ፣ ኣብዚ ኹሉ ኸኣ ግብሪ እግዚኣብሔር
ክሳዕ ክንደይ ዕዙዝ ከምዝነበረ የረድኣና። መልእክቲታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቤተክርስቲያናት ንዝተላዕለ ሕቶታትን ሽግራትን ንምፍታሕን
ንምምላስን ተጻሕፋ። ሓዋርያት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዞይሮም፣ ህዝቢ ናብ ክርስትና እምነት ቀይሮም፣ ቤተክርስቲያን መስሪቶም ናብ
ካልእ ቦታ ይኸዱ ኔሮም። እዘን ዝተመስረታ ቤተክርስቲያናት (ማሕበራት) ዝተፈላለየ ሕቶታት፣ ዘይምስምማዕን፡ ጸገማትን፡ ምስዘልዕሉ
ሓዋርያት ብመልእክቲታት (ደብዳቤ) ጌሮም የረድእዎም ኔሮም። ኣብዘን መልእክቲታት፣ ዶግማዊ ሕቶታት ተመሊሶም፣ ናይ ስርዓት ኣምልኮ
(1ይ ቆሮ 11-14) ጸገማት ተፈቲሖም። ራእይ ዮሃንስ ናይ ትንቢት መጽሓፍቲ ኮይኑ፣ ብሓፈሻ እግዚኣብሔር ኣብ
ኹሉ ነገራት ዘለዎ ዓወትን ልዕሉናን የረድኣና።
ኣብዘን ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ብግህዶ ንርድኦ ነገራት ኣሎ። ኩለን ጽሑፋት ንስርዓተ ኣምልኮ
ከም ቀንዲ ዕላማ ጌረን መልእክተን ኣየመሓላልፋን፣ ማለት ንጹርን ዝርዝራዊ መምርሒ ክርስቲያናዊ ስርዓት ኣምልኮ ኣይምህራናን። ኣብ
ብሉይ ኪዳን፣ ህዝበ እስራኤል ንእግዚአብሔር ዘምልክሉ ንጹርን ዝርዝራዊ ስርዓትን ኔርዎም (ኦሪት ዘሌዋዉያን፣ መዝሙር ዳዊትን)።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና ቀዳሞት ክርስቲያናት ዝነበሮም ስርዓት ኣምልኮ ብዉሑድ መልክዑ ጥራይ’ዩ ተገሊጹ። ስለምንታይ፧ ስርዓት ኣምልኮ ስለዘይነበሮም ኣይኮነን፣ ቀዳሞት ክርስቲያናት ካብ ሓዋርያት ዝወረስዎ ምስ ስርዓት ኣይሁድ ዝመሳሰል
ክርስቲያናዊ ስርዓት ኣምልኮ ከምዝነበሮም ናይ ታሪክ ተመራመርቲ (liturgical historians) ኣርጋጊጾምልና ኣለዉ። ንጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ኣስተዉዒልና ምስ ንምርምሮም፣ ክሪስቲያናት ብድሌቶምን ባህ ብዝበሎም
መንገዲን ናጽነት ዝዓብለሎ ስርዓት ኣምልኮ ዘይኮነስ፣ እኳ ደኣ ብቅዳሴ ስርዓት የምልኩ ከምዝነበሩ፣ ጸሎት ናይ ሰዓታት ይሕልዉን
(ግብ 3፥1)፣ ኣብ ቤተመቅደስን ሙክራብን ይግልገሉን (ግብ 2፥46፡ 3፥1፡ 18፥4፡ 21፥26) ከምዝነበሩ የረድኣና።
እቲ ካልእ ኸኣ፣ ብዛዕባ ዶግማዊ ትምህርቲ ኮይኑ፣ ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን፣ ብፍሉይ ምልኣት
ዘለዎ ኩሉ ትምህርተ ሃይማኖት ኣይንረኽብን። ንኩሉ ኣርእስቲታት ትምህርተ ሃይማኖት (comprehensive doctrinal instruction) ብዝሽፍን መንገዲን ዕላማን ኣይተጻሕፋን። ስለዚ፣
መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እኩል እንድህሪ ኮይኑ፣ ስለምንታይ ኩሉንትናዊ ነጥቢታት ዘማልአ ዶግማዊ ትምህርተ ሃይማኖት ጽሑፋት ዘይንረኽብ፧
ሕሰብዎ እሞ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሉ ዶግማዊን ሃይማኖታዊን ሕቶታት ብንጹር እንተ ዝምልሶ፣ እዚ ኹሉ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ኣይምሃለወን።
የግዳስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይንረኽቦን።
እዚ ክንብል ከለና ግና፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምንእኣስ ኣይኮነን። ካብ ከምዚ እግዚአሔር ይሓልወና!
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን መጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ቦታ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብመሪሒነት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ፡ ፍጹም ጌጋ
ዘይብሉ፡ ናይ ልዕልና መዝነት ዘለዎ ምዃኑ ንኣምን፣ ኮይኑ ግና ንቤተክርስቲያን ዘድልያ ኹሉ ክርስቲያናዊ ነገራት ብምልኣት ኣይምህርን።
ኸምቲ እቀዲሙ ዝተባህለ፣ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ስርዓት ኣምልኮ ብዉሑድ መልክዕ ጥራይ እዩ ዝገልጾ፣ ስርዓት ኣምልኮ ግና ኣብ ክርስትና
ዓቢ ቦታ`ዩ ዘለዎ። ልዕሊ ኹሉ ክንፈልጦ ዝግባኣና ነገር እንተሃልዩ፣ ቤተክርስቲያን እያ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓቂባ ዘረከበትና። እዛ
ቤተክርስቲያን ኸኣያ ንሓዋርያዊ ስርዓት ኣምልኮ ዓቂባ ሒዛቶ ዘላ። ነዛ ቤተክርስቲያን፣ ሓዋርያዊ ስርዓት ኣምልኮ ኣይዓቀበትን ንብል
እንተኾይንና፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዉን ኣይዓቀበቶን ንብል ኣለና ማለት`ዩ።
፫. ኣብ ግብሪ
ምስ ንርእይ፣ ንፕሮቴስታንት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ “እኹል”
ድዩ፧
ፕሮቴስታንት “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እመኑ” ብምባል ደጋጊሞም ይዛረቡ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ
ኸለኻ ግና ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እኹል እንተኾይኑ፣ ስለምንታይ ንዶግማን ክርስቲያናዊ ህይወትን
ዝምልከት ዝተፈላለየ መጽሓፍቲ የሕትሙ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ ንክርስቲያናዊ ህይወት እኹል እንተኾይኑ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ
ዘይህብዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ “እኹል” እንተኾይኑ
ስለምንታይ ቀጻልነት ዘለዎ ሓደ ዓይነት ዉጽኢት (consistent
results) ዘይህበና፧ ማለት
ስለምንታይ ኹሎም ፕሮቴስታንት ሓደ ዓይነት እምነት ዘይህልዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እኹል እንተኾይኑ፣ ስለምንታይ ቁጽሪ
ዘይብሉ መደባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ፧ ስለምንታይ ስብከትን ትምህርትን ኣድለየ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘየንብቡሎም፧ ነቲ
ሓቂ ኣይቅበልዎን እምበር፣ እቲ መልሲ፣ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ ክትርድኦ ኣይከኣልን። ኹሎም ፕሮቴስታንት “ትዉፊት” ኢሎም ኣይሰየምዎን
እምበር፣ ናይ ባዕሎም ትዉፊት ኣለዎም! ኩሎም የሀዋ መሰኻክር ሓደ ዓይነት እምነት ክህልዎም፣ ኩሎም ባብቲስት ሓደ ዓይነት እምነት
ክህልዎም ወዝቢ ኣይኮነን። እዞም ክልቲኦም ጉጅለታት በብወገኖም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌሮም ኣይኮኑን ኣብዚ እምነት በጺሖም፣
መስረቶም ሓደ ዓይነት ትዉፊት እዩ። ካብ ተመሳሳሊ ትዉፊት እዮም ተበጊሶም። ስለዚ እቲ ቀንዲ ሕቶ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ትዉፊት
ኣይኮነን። ማለት “ንመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዲና ክንኣምን፣ ወይስ ትዉፊት ዉን ክንጥቀመሉ ኣለና፧” ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ሕቶ፣ “መጽሓፍ
ቅዱስ ንምቱርጓም ነየናይ ትዉፊት ኢና ክንጥቀም፧” ኣየናይ
ትዉፊት ኢና ክንቕበል፧ ሓዋርያዊ ትዉፊት ኦርቶዶክስ፣ ዋላስ ኣብ በብግዚኡ ዝቀያየር፡ ሱር ዘይብሉ ትዉፊት ፕሮቴስታንት፧ . . . . . ይቅጽል!