Pages

Subscribe:

Ads 468x60px

Wednesday, February 27, 2013

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 1


መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ /Sola Scriptura/
መልሲ ኦርቶዶክስ ንትምህርቲ ፕሮቴስታንት
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!
መእተዊ
ኦርቶዶክሳዉያን ኣመንቲ፣ ምስ ፕሮቴስታንት ኣብ ንገብሮ ዘተ፣ ዝበዝሐ ግዜ ዘይምርድዳእ ዝነገሶ ከንቱ ክትዕ ኮይኑ ክተርፍ ይርአ። እዚ ዝኮነሉ ቀንዲ ምክንያት፣ ኣብ ፕሮቴስታንት ዘለና ፍልጠት ድሩት ብምዃኑ እዩ። “ናይ ፕሮቴስታንት ዶክትሪን ወይ ዶግማ ካብ ምንታይ ይብገስ፧”፣ መሰረታዊ ፍልጠት የድልየና። መሰረታዊ ፍልጠት ሃይማኖቶም ዘለዎም ኦርቶዶክሳዉያን፣ ምስ ፕሮቴስታንት ክዛተዩ እንከለዉ፣ ተመሳሳሊ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተጠቐሱ፣ ግን ኣይረዳድኡን፣ ምክንያቱ ሓባራዊ ዘሰማምዖም ናይ ስነ-መለኮት ርድኢት (common theological basis) ስለዘይብሎም። እዚ ማለት፣ ፍልልዮም ክዛተይሉ ዘኽእሎም ሓባራዊ ርድኢት ስነ-መለኮት የለን። ንልዕሊ ዒስራሽሕን ካልኦትን ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ፕሮቴስታንት፣ እሞ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ቅኑዕ ርድኢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ መሰረትና፣ ምስዝብሉ ክትዛተይ፣ ብጣዕሚ ጸገም እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ሰባት፣ ኣብ ኦርቶዶክስ ዘለዎም ተገዳስነት እንዳዛየደ ክመጽእ ተራእዩ። ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ትምህርቲ ፕሮቴስታንት ናብዚን ናብቲን ምባል ዘሰልቸዎም፣ ሓቂ ዝደልዩ ክርስቲያናት፣ ናብታ ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኮነት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ተመሊሶም፣ “ጥንቲ ክርስትና ከመይ እዩ ኔሩ፧” ኢሎም፣ ኣፍደገ ቤተክርስቲያን ብሕቶ ዝኩሕኩሑ ዉሕዳት ኣይኮኑን። ነዚ ኣገልግሎት ብጸጋ ኣምላኽ ንምዕያይ ከኣ፣ ዓሙቚ ፍልጠት ዘለዎም፣ ንክርስቶስ መስሊም ዝነብሩ ንፉዓት ኦርቶዶክስ ክርስቲያናት የድልዩ። መስረተ እምነቶም ኣጸቢቖም ዝተማህሩን፣ “ፕሮቴስታንት’ኸ ካብ ምንታይ ይብገሱ፧” ዝብል ኣፍልጦ ዘለዎም ኦርቶዶክሳዉያን ክርስቲያናት ከነፍሪ ኣለና።
እዋኑ ናይ ሓበሬታን ናይ ትምህርትን ኮይኑ፣ ክርስትና ግና ናይ ህይወት ጉዕዞ እዩ። ብዉልቅና ንክርስቶስ ንምምሳል ኣብ ንገብሮ ምግዳል ኣበርቲዕና ብጸጋ ጐይታ እንዳተቓለስና፣ ህይወትና ናብ መንገዲ ቅድስና፣ ብንስሓ ክንመርሕ ኣለና። እዚ ናይ ኩሉ ግዜ ዕማምና ኮይኑ፣ ጎኒ ጎኒ  እዚ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ክንዓምም ኣለና። እቲ ቀዳማይ፣ ናብ ዉሽጢ ቤተክርስቲያና ሶሊኹ ካብ ዝኣቱ ትምህርቲ ምንፍቕና ክንቃለስ ኣለና፣ እቲ ካልኣይ ከኣ፣ ቅኑዕ ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ናብ ፕሮቴስታንትን ካልኦትን ብግህዶ ክንምስክር ይግብኣና። ነዚ ክንገብር ከኣ፣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መሰናኽል ክንብድህ ዘክእለና እኹል ፍልጠት ሓቂ ክንዕጠቕ የድሊ።
ኣብ ፕሮቴስታንት ካብ ዝርአ ኣዝዩ በዳሂ ነገር፣ ኣብ ነንሕድሕዶም ዘለዎም ብዙሕ ፍልልይን ምጽራርን እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤታቶም ንዘሎ ግጉይ ትምህርቲ ወይ ምንፍቅና መልሲ ንምሃብ፣ ንኹሉ ኣርእስቲ ፈሊኻ ምጽናዕ የድሊ። እዚ ግና ፍታሕ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ንእምነት ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ፕሮቴስታንት ክርዳእ እንተደልዩ፣ ታሪክን ሓፈሻዊ ኣበጋግሳ ፕሮቴስታንት ቅድም ክፈልጥ ኣለዎ። ነዚ ፈሊጡ ኸኣ መሰረታዊ ርድኢት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቶምን፣ ስርዓተ ኣምልኮኦምን ዓሙቚ ምርምርን. . . ወዘተ፣ ከምኡዉን ንህሉው ኣካይዳኦም ማለት ስምዒታዊነት\emotionalism\ ወይ ሓርነታዊነት \liberalism\ ዝምልከት ኣፈናዊ ርድኢት ክህልዎ የድሊ። ዋላዉን ነዚ ኹሉ ጌርና፣ ዳርጋ መዓልታዊ ዝተፈላለየ እምነት ዘለዎም ሓደስቲ ጉጅለታት ካብ ዶርሆ ፕሮቴስታንት ይጫጭሑ ከምዘለዉ ኣይንዘንግዕ። ክንድዚ ዝኣክል ፍልልይ ይሃሉ ደኣ እምበር፣ ኩሎም ብሓፈሻ ፕሮቴስታንት ተብሂሎም ኣብ ዝፍለጡ እምነታት፣ ሓንቲ ናይ ሓባራዊ ጠርናፊት ትምህርቲ ኣላቶም። ዳርጋ ኩሎም ጉጅለታት ፕሮቴስታንት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቅኑዕ ከምዝተረድእዎ ይኣምኑንመጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌሩ ክትርጎም ከምዘለዎ ይሰማምዑን፣ ዋላኳ ነንሕድሕዶም ብዛዕባ መጽሓፍቅዱስ ዘይሰማምዑሉ ነጥብታት ይሃሉ። ኩሎም፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትዉፊት ቤተክርስቲያን ወጻኢ፣ ብዉልቒ ክትርጎም ከምዘለዎ ይሰማምዑ።
እዚ ትምህርቲ’ዚ ስለምንታይ እዩ ጌጋ ኮይኑ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ’ኸ ከመይ ጌርና ክንርድኦን ክንጸንዖን ኣለና፧ ንዝብል ሕቶታት፣ ጽቡቅ ጌርና እንድሕሪ ተረዲእናዮ፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣልዕልናዮ ዘለና ነገራት ፍታሕ ክንረኽበሉ ንኽእል። ናብ ዝተፈላለዩ እምነታት ኣጸቢቕና ምርምር ምስ ነካይድ፣ ዳርጋ ኩሎም፣ ብግዳማዊ ትርኢቶም ዝተፈላለዩ ይመስሉና። ንኣብነት ኣብ መንጎ ባብቲስትን /Baptist/ የሀዋ መሰካክርን/ Jehovahs Witness /  ዘሎ ፍልልይ፣ ብግዳም ብዙሕ ይመስል። ነዚ ኣቐድም ኣቢልና ዘጥቐስናዮ ሓሳብ ተረዲእና ምስ ንዕዘቦም ግና ዳርጋ ብዙሕ ፍልልይ የብሎምን። ከማን ዕድል ጌርና፣ ሓደ ባብቲስትን የሀዋ መሰካክርን ብጥቅሲታት መጽሓፍ ቅዱስ ክኻራከሩ እንትንርእዮም፣ ክልቲኦም ተመሳሳሊ ጥቅሲ እንዳመላለሱ ከምዝጠቕሱን ግን ከኣ ክረዳድኡ ከምዘይኽእሉ ከንስተዉዕል ምኸኣልና። እዚ ንምንታይ ኮይኑ እንቴልና፣ ክልቲኦም ኣብ ኣተረጓጉማ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ርድኢትን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣቀራርባን / approach / ጌጋ ስለዝኾነ።
ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ፧
Sola Scriptura ማለት ካብ ክልተ ናይ ላቲን ቃላት ዝተወስደ ኮይኑ “sola” በይኑ ወይ ጥራይ፣ “Scriptura” መጽሓፍ ቅዱስ ፣ ብሓጺሩ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ ማለት እዩ። ፕሮቴስታንት፣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ካልእ ኹሉ ትዉፊት ቤተክርስቲያንን ትዉፊት ሓዋርያትን ፍጹም ኣይጥቀሙሉን፣ ኣይቅበልዎን። ንዓና ኦርቶዶክሳዉያን ዉን ትዉፊት ሃዋርያት ኣጽኒዕና ብምሓዝናን ንስርዓት ኣምልኾናዉን ስለንጥቀመሉ ከም ዝተጋገና ጌሮም ይምህሩ።
ንፕሮቴስታንት ክንርድኦም እንተደሊና፣ ስለምንታይ ነዚ እምነት ከም ዝሓዙ ክንምርምር ኣለና። ብፍላይ ኣብ ቦታ እቶም ቀዳሞት ጀመርቲ ፕሮቴስታንት / early reformers/፣ ማርቲን ሉተር፤ ኮይና ነዚ ነገር ምስ ንምርምሮ እቲ ሓሳብ ብዝያዳ ንጹር ይኸዉን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ኣካይዳ ናይ ሮም ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ብልሽዉና (corrupt) ዝመልኦ ካብ ሓቀኛ ትዉፊት ዝረሓቀ ትምህርቲ ተዘዉትር ኔራ። ንዝነበራ ጌጋ ትምህርቲ ብሸፈነ ትዉፊት ትከላኸል ነበረት። ኣብ ሹመት ዝመጽኡ ፖፕ ንዕዖም ዝመሰሎም ዝተፈላለየ ትምህርቲን ስርዓትን ይጅምሩ፣ ነቲ ዝተበገሰ ትምህርቲ ድማ “ትዉፊት” ብምባል ይኸላከሉ ኔሮም። ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ በዳሂ ኣካይዳ ክገጥም እንከሎ፣ ማርቲን ሉተር እንትርፎ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ” ዝብል ትምህርቲ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ብቐንዱ ናይ ሮማ ካቶሊክ ብናይ ትዉፊት እንዳመኽነዩ ጌጋ መንገዲ ይስዕቡ ኔሮም፣ ሉተር ኸኣ፣ ንትዉፊት ሒዙ፣ ነቲ ጌጋ ክእርሞ ፍጹም ከምዘይኽእል፣ ስለዝተረድኦ፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ግጉይ ኣካይዳ ሮም፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ክብድሆ ከም ኣማራጺ ወሰዶ። ብናይ ሉተር ኣተሓሳስባ፣ ትዉፊት ኡዩ ተጋግዩ። ነታ ቤተክርስቲያን ክሕድሳ እንተኮይኑ ከኣ፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ እንዳመሳኸረ ነቲ ተቃዉሞ ከበግሶ ኔርዎ። የግዳስ ንሱ ክጅምር እንከሎ፣ ንኩሉ ትዉፊት ፈጺሙ ከርሕቆ ኣይደለየን ኔሩ። ዋላ ንሱ ክምህር እንከሎ ብመጽሓፍ ቅዱስ “ጥራይ” ኣይኮነን። ኣብጋግሳ ሉተር፣ ነቲ ኣብ ናይ ሮም ቤተክርስቲያን ዝነበረ ግጉይ ትምህርቲን ስርዓትን ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌሩ ከርሕቆን ክኣልዮን እዩ ደልዩ። ኮይኑ ግና ንሰዓብቱ ዘስመዖ መደረ፣ ካልእ ዝተፈልየ ጽልዋ የሕዲሩ፣ ናብዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና ኣካይዳ ፕሮቴስታንት በጺሑ። ብፍላይ እቶም ድሒሮም ንምንቅስቃስ ፕሮቴስታንት ዝመርሑ (radical reformers) ሓዳስያን፣ ነዚ ትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጽሕዎ።
ኣብ ትምህርቲ  “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ”, ዘሎ ጌጋ ርድኢት
ሀ. ኣብ ብዙሕ ግጉይ ርድኢት ዝተመስረተ ትምህርቲ እዩ
ቀንዲ ጸገም ናይዚ ትምህርቲ’ዚ ኣብ ግምት (Assumption) ዝተመስረት ምዃኑ። ግምት ማለት ሓደ ዝጭበጥ መርትዖ ኣብ ዘይህልወሉ ኩነታት “ክኸዉን ይኽእልዩ” ኢልካ እትወስዶ ኣብ ሓሳብ ዝተመስረተ ነገር እዩ። እዚ ግምት ቅኑዕ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ጽቡቅ፤ ግጉይ ምስ ዝኸዉን ግና፣ ዋላ ካብዚ ግምት ተበጊስካ እተማዕብሎ ሓሳብን መደምደምታን ከይተረፈ ጌጋ ይኸዉን። ሓደ ሰብ፣ ግምት ወሲዱ ናብ ሓደ መደምደምታ ይበጽሕ እሞ፣ እቲ ዝበጽሖ መደምደምታ ጌጋ ምስ ዝኸዉን፤ ‘ኣብ ምንታይ ተጋግዬ ኔረ’፧ ኢሉ ነብሱ ክሓትት ይግባእ። ንህልው ኩነታቶም ተገንዚቦም ብቅንዕና ንእምነቶም ክምርምሩ ዝደልዩ ፕሮቴስታንት፣ “ኣካይዳ ፕሮቴስታንትን፡ ትምህርቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ዝብልን ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ዝነቐለ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ነንሕድሕዶም ክሰማምዑ ዘይክእሉ ልዕሊ ዒስራ ሽሕ ዝኾኑ ጊጅለታት ተፈጢሮም፧ ስለምንታይ ኣብ መሰረታዊ እምነት ክርስትና ክሰማምዑ ዘይከኣሉ፧ ካብ ትዉፊት ወጻኢ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እኹል እንተኾይኑ፣ ስለምንታይ ባብቲስት፡ የሀዋ መሰኻክር፡ ካሪዝማቲክ፡ ሜቶዲስት ኩሎም፣ ዋላዃ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ንኣምን እንተበሉ፣ ክሰማምዑ ግና ዘይክእሉ፧ ስለምንታይ ክልተ ካብዞም ዝጠቐስናዮም እኳ ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሰማምዑ ዘይኽእሉ፧ ብኹሉ መለኪዒታት መዚናካዮ ጌጋ ኮይኑ ንረኽቦ፣ እቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ዝብል መሰረታዊ ትምህርቶም እዩ ፕሮቴስታንት ኣብ እምነቶም ንዘሎ ብዙሕ ጉድለታትን ጌጋታትን ብብዙሕ ካልእ ምክንያታት ይግለጽዎ እምበር፣ ነቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ዝብል መበገሲ ኩሉ ጌጋታቶም ንዝኾነ ትምህርቲ ፍጹም ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዉዎ ኣይደልዩን። ነዚ መሰረተ ሃይማናቶም ዝኾነ ግጉይ ትምህርቲ’ዚ ምጥርጣር ወይ ምምርማር ማለት፣ ልክዕ ንህላወ ኣምላኽ ምጥርጣር ጌሮም እዮም ዝቖጽርዎ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝበሎ “ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፣ ሕማቕ  ኦም ድማ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ” /ማቴ 7፥17/ ስለዝኾነ፣ ነቲ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ዝብል ትምህርቲ ብፍሪኡ ምስ ንምርምሮ፣ ሓንቲ መደምደምታ ጥራይ ኢና ንረኽብ። ንሱዉን፣ እቲ ኦም እቲ “ይቚረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ” /ማቴ 7፥19/።
ግጉይ ግምት ቁ.1፦ ኣብ እምነት፡ ስነምግባርን፡ ስርዓት ኣምልኮን፣ ንዝህልወና ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ናይ መወዳእታ በያኒ ቃል እዩ። 
ፕሮቴስታንት፤ መጽሓፍ ቅዱስ ንኩሉ ሕቶታት ዝምልስን፣ ዘድልየና ሓበሬታ ዝህበና፣ ናይ መወዳእታ ቃል ኣምላኽ እዩ፣ ኢሎም ስለዝኣምኑ ንትዉፊት ሃዋርያትን ቤተክርስቲያን ኣይቅበልዎን። ግን ንሱ ድዩ እቲ ሓቂ!፧
፩. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይብል፧
‘መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ’ ንምባል ብቐዳምነት ዝወሰድዎ ግምት፣ ንዂሉ ኣብ “ክርስቲያናዊ ህይወት” ዘድልየና መምርሒን፡ መልሲ ንሕቶታትናን፣ መጽሓፍ ቅዱስ እዂል እዩ። ንእምነት፡ ስነምግባርን፡ ስርዓት ኣምልኮን፣ ኲሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ነዚ መወከሲ ዝጠቕስዎ 2 ጢሞ 3፥15-17፦
ካብ ህጻንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ  ትፈልጠን ኢኻ። ንሳተን ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ናብ ምድሓን ኬብጽሕ ዜኽእል ጥበብ ክህባኻ ይኽእላ እየን። እታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፣ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ  ኪኸዉን፣ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፣ ንተግሣጽ፣ ንምእራም፣ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።” 
ነዛ ጥቅሲ ከም መወከሲ ብምሓዝ፣ “እንድሕሪ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ንሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ፣ ፍጹምን ኣጸቢቑ ዝተዳለወን ክገብርኦ ዝኽእላ እንተኮይነን፣ ስለምንታይ ትዉፊት የድሊ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እዂልዩ” ይብሉ። ብሓቂ እዛ ጽሕፍቲ ኸምዚ ዝገልጽዎ ዘለዉ መልእኽቲ ድዩ ዘለዋ፧
መጀመሪ ክኾነና ሓንቲ ሕቶ ክንምልስ ኣለና። ቅዱስ ጳዉሎስ ንጢሞቴዎስ ካብ ህጻንነትካ ጀሚርካ ትፈልጠን ኢኻ ዝብሎ ዘሎ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ኣየኖት እየን፧ መቸም ቅ.ጳዉሎስ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ይዛረብ ከም ዘየሎ ርግጸኛታት ኢና፣ ምክንያቱ ጢሞቴዎስ ህጻን እንከሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጽሑፋት ገና ኣይተጻሕፋን ኔረን። ዋላ ቅ.ጳዉሎስ ነዛ መልእኽቲ ክጽሕፋ እንኸሎ ዉን፣ ገና ኣይተወድኣን ኔረን። ኹሉን ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ተኣኺበን ብቀኖና ሓቀኛ ምዃነን ተረጋጊጹ ኣብ ኣገልግሎት ክርስትና ዝዋዓላ ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት እዩ። ካብዚ ብምብጋስ፣ ኣብዚ መልእኽቲ`ዚ ‘ቅዱሳት ጽሑፋት’ ኢሉ ጳዉሎስ ዝጠቐሰን፣ ንናይ ቡልይ ኪዳን መጽሓፍቲ እየን። ስለዚ ነዛ ጥቅሲ`ዚኣ ከም መወከሲ ሒዝና ‘ትዉፊት ኣየድልይን!’ ኽንብል እንድሕሪ ኮይኑ፣ ንትዉፊት ጥራይ ዘይኮነ፣ እንኮላይ ንመጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳንን፣ ከምኡዉን ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣየድልይን ክንብል ኢና።    
ብካልኣይ ወገን ዉን፣ ቅ.ጳዉሎስ ብሓቂ ንትዉፊት ኣየድልይን ዝብል እምነት እንተኔርዎ፣ ስለምንታይ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘይርኸብ መወከሲ ተጠቒሙ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ (2 ጢሞ 3፥8) ንሊቀ ነብያት ሙሴ ዝተቓወምዎ ክልተ ኣስማት ጠንቆልቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ብምባል ጠቒስዎም። ኣስማት ናይዞም ጠንቆልቲ ግና ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣይንረኽቦን። ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምስ ነንብብ፣ ክልተ ግብጻዉያን ጠንቆልቲ ንሙሴ ከምዝተቃወምዎ ጥራይ ይነግር እምበር ኣስማቶም ኣይጠቅስን (ምዕ 7-8)። ጳዉሎስ ነዚ ኣስማት ካብ ትዉፊት እዩ ረኺብዎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ኣብ መልእክቲ ይሁዳ እንተሪእና፣ ካልእ ኣብነት ትዉፊት ንረኽብ። ኣብ መልእክቲ ይሁዳ 14-15 ካብ መጽሓፍ ሄኖክ ዝተወስደ ካልእ ጽሑፍ ኣሎ።
ቤተክርስቲያን ንጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ኣኪባ፣ ነተን ቅኑዓት ዝኾና መርሚራ፣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ፈልያ፣ ብቀኖና ኣጽዲቓ ንዓና ዘረኸበትና ቀንዲ ዕላማ። ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ከሓድያን መናፍቃን ብስም ሓዋርያት እንዳገበሩ መጽሓፍቲ የዳልዉ ኔሮም፣ ንኣብነት ናይ ቶማስ ወንጌል። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ጉጅለ መናፍቃን፣ ትምህርቶም ኩሉ ካብ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ስለዝነበረ፣ ኣብ ትዉፊት ሓዋርያት ዝተመስረተ ትምህርቲ ክምህሩ ኣይከኣሉን። ስለዚ ከም ኣማራጺ፣ ብስም ሓዋርያትን ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳንን ጌሮም፣ ዉሽጡ ዝተመረዘን ክሕደት ዝመልኦን መጽሓፍቲ ኣዳልዮም ንምእመናን የጋግዩ ኔሮም። ብኸምዚ ዓይነት ዉዲት ሰይጣን፡ ምእመናን ከይንታለል እያ እምበኣር፣ ቤተክርስቲያን ንኹለን መጽሓፍቲ ብቀኖና ዘጽደቐተን። ኣብቲ ግዜ`ቲ  ዉን ቤክርስቲያን ነቲ በዳሂ ሽግር ካብ ሓዋርያት ብዝተረኸበቶ ቅዱስ ትዉፊት ጌራ እያ ስዒራቶ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተክርስቲያን ዝነበሩ መራሕቲ (ጳጳስ ወይ ኤጲስቆጶስ) ብቀጥታ ካብ ሓዋርያዊ ሹመት ዝተወራረደ ስልጣን ስለዝተቐብኡ፣ ነቲ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ታሪካዊ መበቆል ከም ዘይብሉ ብንጹር ንምእመናን የረድኡ ኔሮም። ኣጽናፋዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን (ኦርቶዶክስ ቅድሚ 2000 ዘመን ዝነበረትን ኣብ ኩሉ ቦታ ዘላን ሓንቲ ንሳ እያ) ብመንፈስ ቅዱስ ሕብረት ሓድነት ስለዝነበራዉን ነዚ ጸገም ብቐሊሉ በዲሃቶ እያ። ካብቲ ዝመጽእ ዝነበረ ክሕደት ዝመልኦ መጽሓፍቲ ኸኣ፣ ዝርዝር ብቀኖና ዝጸደቐ ሓቀኛ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣዳልያ፣ ገዛእ ርእሳ ክትሕሉ ከኣለት። ኣብ ዝርዝር ዝኣተዋ፣ እተን ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበራን፣ ሓዋሪያትዊት መበቖል ዘለወን ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን እየን።     
ነዚ ዝርዝር ቅዱሳት መጽሓፍቲ ኣዳልያ ብቀኖና ኣጽዲቓ ክትእዉጅ እንኸላ ግና፣ ኩሉ ዘድሊ (ማለት ብዛዕባ እምነት ስርዓት ኣምልኮን) ኣብዘን ቅዱሳት መጽሓፍቲ ኣሎ፣ ካልእ ምዉሳኽ ኣይድልይን፣ ኣይበለትን። ኣብ ታሪክ ክንዕዘቦ ከም ንኽእል። ቤተክርስቲያን ንቅዱሳት ጽሑፋት ብቀኖና ዘጽደቐተን መራሕቲ ኣቦታት ኣብ ጉባኤ ተኣኪቦም እዮም። ነዚ ክገብሩ ቀንዲ ዝሓገዞም ከኣ፣ እቲ ኣብ ኩለን ቤተክርስቲያን ዝነበረ እምነትን ኣምልኮን እዩ። ንቀኖና ዝምልከት ሕቶ ክለዓል ኣንከሎ፣ ኩሎም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ጳጳሳት ተኣኺቦም፣ ብዛዕባ ዶግማን ስርዓትን ተዛትዮም መዕለቢ ይገብርሉ። 
. ሓድሽ ኪዳን ንምንታይ ዕላማ ተጻሒፉ፧
ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ (ዋላ ኣብ ፕሮቴስታንት) ከነስተዉዕለሉ ካብ ዝግብኣና ነገራት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፣ ቀንዲ ግን፣ ዓይነት ናይቲ መጽሓፍን፣ ከምእዉን ዕላማ ናይቲ መጽሓፍን መልእክቱን እዮም። ዝተፈላለዩ ዓይነት መጽሓፍቲ ዝተፈላለዩ ዓይነት መልእክቲን ኣገልግሎትን ኣለዎም። ዕላማ ናይቲ መጽሓፍ ወይ ክፋል ጽሑፍ (passage) ዉን ምስትዉዓል የድልዮ። ብሓፈሻ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጉጅለ ንመቕሎም፣ ወንጌል፡ ታሪካዊ ፍጻሜታት (ግብረ ሓዋርያት)፡ መልእክቲታትን፡ ናይ ትንቢት መጽሓፍ(ራእይ ዮሃንስ) እዮም። ወንጌል፣ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወት፡ ሞቱን፡ ትንሳኤኡን ንክምስክር ተጻሒፉ። ታሪካዊ ፍጻሜታት ዘዘንትዋ መጽሓፍቲ፣ ቀዳሞት ክርስቲያናት ከመይ ኢሎም ይነብሩ ኔሮም፡ ኣብቲ ህይወት ዝነበሩ ቀንዲ ሓያላት ሰባትን፡ ፍጻሜታትን፣ የዘንትዉ፣ ኣብዚ ኹሉ ኸኣ ግብሪ እግዚኣብሔር ክሳዕ ክንደይ ዕዙዝ ከምዝነበረ የረድኣና። መልእክቲታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቤተክርስቲያናት ንዝተላዕለ ሕቶታትን ሽግራትን ንምፍታሕን ንምምላስን ተጻሕፋ። ሓዋርያት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዞይሮም፣ ህዝቢ ናብ ክርስትና እምነት ቀይሮም፣ ቤተክርስቲያን መስሪቶም ናብ ካልእ ቦታ ይኸዱ ኔሮም። እዘን ዝተመስረታ ቤተክርስቲያናት (ማሕበራት) ዝተፈላለየ ሕቶታት፣ ዘይምስምማዕን፡ ጸገማትን፡ ምስዘልዕሉ ሓዋርያት ብመልእክቲታት (ደብዳቤ) ጌሮም የረድእዎም ኔሮም። ኣብዘን መልእክቲታት፣ ዶግማዊ ሕቶታት ተመሊሶም፣ ናይ ስርዓት ኣምልኮ (1 ቆሮ 11-14) ጸገማት ተፈቲሖም። ራእይ ዮሃንስ ናይ ትንቢት መጽሓፍቲ ኮይኑ፣ ብሓፈሻ እግዚኣብሔር ኣብ ኹሉ ነገራት ዘለዎ ዓወትን ልዕሉናን የረድኣና።
ኣብዘን ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ብግህዶ ንርድኦ ነገራት ኣሎ። ኩለን ጽሑፋት ንስርዓተ ኣምልኮ ከም ቀንዲ ዕላማ ጌረን መልእክተን ኣየመሓላልፋን፣ ማለት ንጹርን ዝርዝራዊ መምርሒ ክርስቲያናዊ ስርዓት ኣምልኮ ኣይምህራናን። ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ ህዝበ እስራኤል ንእግዚአብሔር ዘምልክሉ ንጹርን ዝርዝራዊ ስርዓትን ኔርዎም (ኦሪት ዘሌዋዉያን፣ መዝሙር ዳዊትን)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና ቀዳሞት ክርስቲያናት ዝነበሮም ስርዓት ኣምልኮ ብዉሑድ መልክዑ ጥራይ’ዩ ተገሊጹ። ስለምንታይ፧ ስርዓት ኣምልኮ ስለዘይነበሮም ኣይኮነን፣ ቀዳሞት ክርስቲያናት ካብ ሓዋርያት ዝወረስዎ ምስ ስርዓት ኣይሁድ ዝመሳሰል ክርስቲያናዊ ስርዓት ኣምልኮ ከምዝነበሮም ናይ ታሪክ ተመራመርቲ (liturgical historians) ኣርጋጊጾምልና ኣለዉ። ንጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ኣስተዉዒልና ምስ ንምርምሮም፣ ክሪስቲያናት ብድሌቶምን ባህ ብዝበሎም መንገዲን ናጽነት ዝዓብለሎ ስርዓት ኣምልኮ ዘይኮነስ፣ እኳ ደኣ ብቅዳሴ ስርዓት የምልኩ ከምዝነበሩ፣ ጸሎት ናይ ሰዓታት ይሕልዉን (ግብ 3፥1)፣ ኣብ ቤተመቅደስን ሙክራብን ይግልገሉን (ግብ 2፥46፡ 3፥1፡ 18፥4፡ 21፥26) ከምዝነበሩ የረድኣና።
እቲ ካልእ ኸኣ፣ ብዛዕባ ዶግማዊ ትምህርቲ ኮይኑ፣ ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን፣ ብፍሉይ ምልኣት ዘለዎ ኩሉ ትምህርተ ሃይማኖት ኣይንረኽብን። ንኩሉ ኣርእስቲታት ትምህርተ ሃይማኖት (comprehensive doctrinal instruction) ብዝሽፍን መንገዲን ዕላማን ኣይተጻሕፋን። ስለዚ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እኩል እንድህሪ ኮይኑ፣ ስለምንታይ ኩሉንትናዊ ነጥቢታት ዘማልአ ዶግማዊ ትምህርተ ሃይማኖት ጽሑፋት ዘይንረኽብ፧ ሕሰብዎ እሞ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሉ ዶግማዊን ሃይማኖታዊን ሕቶታት ብንጹር እንተ ዝምልሶ፣ እዚ ኹሉ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ኣይምሃለወን። የግዳስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይንረኽቦን።
እዚ ክንብል ከለና ግና፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምንእኣስ ኣይኮነን። ካብ ከምዚ እግዚአሔር ይሓልወና! ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን መጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ቦታ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብመሪሒነት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ፡ ፍጹም ጌጋ ዘይብሉ፡ ናይ ልዕልና መዝነት ዘለዎ ምዃኑ ንኣምን፣ ኮይኑ ግና ንቤተክርስቲያን ዘድልያ ኹሉ ክርስቲያናዊ ነገራት ብምልኣት ኣይምህርን። ኸምቲ እቀዲሙ ዝተባህለ፣ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ስርዓት ኣምልኮ ብዉሑድ መልክዕ ጥራይ እዩ ዝገልጾ፣ ስርዓት ኣምልኮ ግና ኣብ ክርስትና ዓቢ ቦታ`ዩ ዘለዎ። ልዕሊ ኹሉ ክንፈልጦ ዝግባኣና ነገር እንተሃልዩ፣ ቤተክርስቲያን እያ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓቂባ ዘረከበትና። እዛ ቤተክርስቲያን ኸኣያ ንሓዋርያዊ ስርዓት ኣምልኮ ዓቂባ ሒዛቶ ዘላ። ነዛ ቤተክርስቲያን፣ ሓዋርያዊ ስርዓት ኣምልኮ ኣይዓቀበትን ንብል እንተኾይንና፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዉን ኣይዓቀበቶን ንብል ኣለና ማለት`ዩ።
. ኣብ ግብሪ ምስ ንርእይ፣ ንፕሮቴስታንት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ “እኹል” ድዩ፧
ፕሮቴስታንት “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እመኑ” ብምባል ደጋጊሞም ይዛረቡ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ ኸለኻ ግና ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እኹል እንተኾይኑ፣ ስለምንታይ ንዶግማን ክርስቲያናዊ ህይወትን ዝምልከት ዝተፈላለየ መጽሓፍቲ የሕትሙ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ ንክርስቲያናዊ ህይወት እኹል እንተኾይኑ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይህብዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ “እኹል” እንተኾይኑ ስለምንታይ ቀጻልነት ዘለዎ ሓደ ዓይነት ዉጽኢት (consistent results) ዘይህበና፧ ማለት ስለምንታይ ኹሎም ፕሮቴስታንት ሓደ ዓይነት እምነት ዘይህልዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ በይኑ እኹል እንተኾይኑ፣ ስለምንታይ ቁጽሪ ዘይብሉ መደባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ፧ ስለምንታይ ስብከትን ትምህርትን ኣድለየ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘየንብቡሎም፧ ነቲ ሓቂ ኣይቅበልዎን እምበር፣ እቲ መልሲ፣ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ ክትርድኦ ኣይከኣልን። ኹሎም ፕሮቴስታንት “ትዉፊት” ኢሎም ኣይሰየምዎን እምበር፣ ናይ ባዕሎም ትዉፊት ኣለዎም! ኩሎም የሀዋ መሰኻክር ሓደ ዓይነት እምነት ክህልዎም፣ ኩሎም ባብቲስት ሓደ ዓይነት እምነት ክህልዎም ወዝቢ ኣይኮነን። እዞም ክልቲኦም ጉጅለታት በብወገኖም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌሮም ኣይኮኑን ኣብዚ እምነት በጺሖም፣ መስረቶም ሓደ ዓይነት ትዉፊት እዩ። ካብ ተመሳሳሊ ትዉፊት እዮም ተበጊሶም። ስለዚ እቲ ቀንዲ ሕቶ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ትዉፊት ኣይኮነን። ማለት “ንመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዲና ክንኣምን፣ ወይስ ትዉፊት ዉን ክንጥቀመሉ ኣለና፧” ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ሕቶ፣ “መጽሓፍ ቅዱስ ንምቱርጓም ነየናይ ትዉፊት ኢና ክንጥቀም፧”  ኣየናይ ትዉፊት ኢና ክንቕበል፧ ሓዋርያዊ ትዉፊት ኦርቶዶክስ፣ ዋላስ ኣብ በብግዚኡ ዝቀያየር፡ ሱር ዘይብሉ ትዉፊት ፕሮቴስታንት፧ . . . . . ይቅጽል!

ጸሎት ዘዘዉትር ብትግሪኛ


ብስም አቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ብዝኸዉን ብቅድስት ስላሴ እናተማሕጸንኩን ኣብ ቅድሚ እዛ ኣደይ 
ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፣ ሰይጣን እኽሕደካ ኣሎኹ። ንሳዉን ናይ ዘለዓለም ጸግዐይ ምስክረይ ዝኾነት ማርያም እያ። 

ነአኵተከ 

ኦ ጐይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና፣ ኦ ጐይታ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና፣ ንቅዱስ ስምካዉን ንግዛእ ኣሎና፣ ናይ ኩሉ 
ብርኪ ዝሰግደልካ፣ ናይ ኩሉ ልሳን ዚግዝኣልካ ጐይታ ንሰግደልካ ኣሎና፣ ናይ ኣማልክት ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ። ናይ 
ጐይቶት ጐይታ፣ ናይ ስጋን ናይ ኵላ ነፍስን ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣ ክቡርን ምስጉንንወድኻ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ 
ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ንጽዉዓካ ኣሎና። 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፣ መንግስትኻ ትምጻእ፣ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡዉን ኣብ ምድሪ 
ይኹን፣ ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና፣ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና፣ ካብ ክፉእ 
ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፣ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልዓለም ናትካ እዩ እሞ፣ ኣሜን። 

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ 

ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም እብለኪ፣ ብሕልናኪ ድንግል ኢኺ፣ ብስጋኺዉን 
ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚአብሔር ጸባዖት (ጐይታ ሰራዊት) ሰላም እብለኺ ኣሎኹ። ንስኺ ካብ ኣንስት ብርኽቲ ኢኺ 
ፍረ ከርስኺ ዉን ብሩኽ እዩ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ፣ ኦ ፍስሕትደስ ይበልኪ፣ ሓጢኣትና 
ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና። 

መእተዊ ጸሎተ ሃይማኖት 

ኦ ኣደ ሓቀኛ ብርሃን ነኽብረኪ፣ ኦ ቅድስት ድንግል ወላዲተ ኣምላክ፣ መድሕን ዓለም ስለ ዝወለድክልናን፣ መጺኡ ኸኣ 
ንነፍስና ስለ ዘድሓነናን ነምስግነኪ። ኦ ጐይታናን ንጉስናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ንዓኻ ይኹን። ንስኻ 
ንሓዋርያት ሞገሶም፣ ንሰማዕታት ኣኽሊሎም ንጻድቃን ዕልልታኦም፣ ንቤተክርስቲያን ጽንዓታ፣ ንሓጥኣን ሕድገት። 
ብሓደ ዝመለኮቱ ስሉስ ቅዱስ ነበስር፣ ንሰግደሉን ነኽብሮን። ኦ ጐይታ መሓረና፣ ኦጐይታ ይቕረ በለና፣ ኦ ጐይታ 
ባርኸና፣ ኣሜን። 

ጸሎተ ሃይማኖት 

ንኵሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዚረአን ዘይረአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ እግዚአብሔር ኣብ ነኣምን። 
ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብዋሕድውን ነኣምን። ካብ ብርሃን 
ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ሓቀኛ ኣምላኽ፣ ዝተወልደ እምበር  ፍጡር ዘይኮነ፣ ብመለኮቱ ምስ 
አብ ማዕረ ዝኾነ፣ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ኣብሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ 
የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ደቂ-ሰባት፣ ምእንቲ ምድሓንና ካብ ሰማያት ዝወረደ። ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት 
ድንግል ማርያም ስጋ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታናተሰቕለ፣ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ 
ሞተ ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ፣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካም ምዉታን ተፈልዩ ተንስአ። ብኽብሪ 
ናብ ሰማያት ዓረገ፣ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐመጠ። ከም ብሓድሽ ድማ ንሕያዋንን ንምዉታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ 
እዩ። ንመንግስቱ መወዳእታ ይብሉን። 
ጐይታን መሕወዩን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ነኣምን፣ ምስ ኣብን፣ ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን 
ንሱ ኣብ ነብያት ሓዲሩ ዝተናገረ እዩ። 
ልዕሊ ኵሉ ብዝኾነት ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስትያን ነአምን።  ሓጢኣት ንምስትስራይ ብሓንቲ 
ጥምቀትዉን ነኣምን፣ ንትንሳኤ ምዉታንን ንዘለዓለመ ዓለም ዚመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር። ኣሜን። 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ጐይታ ሰራዊት ናይ ጐይትነቱ ምስጋና ፈጺሙሰማይን ምድርን ዝመልአ እዩ፣ 
ኦ ክርስቶስ መጺእካ ኣድሒንካና ኢኻሞ፣ ምስ መሓርን ሰማያዉን ኣቦኻ፣ መሕወዩን ምስ ዝኾነ ቅዱስ መንፈስካ 
ንሰግደልካ ኣሎና። 
ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ስግደት (3 ግዜ)፣ ሓደ እንከለዉ ሰለስተ፣ ሰለስተ እንከለዉ ሓደ፣ ዝኾኑ፣ 
ብኣካላት ሰለስተ ብመለኮት ሓደ እዮም። 
ኣምላኽ ንዝወለደት ብስጋን ብነፍስን ንጽሕት ንዝኾነት እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም እሰግድ፣ 
ዓለም ንምድሓን ንዝተሰቕለሉ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል እሰግድ። 
መስቀል ሓይልና እዩ፣ 
መስቀል ጽንዓትና እዩ፣ 
መስቀል ቤጃና እዩ፣ 
መስቀል መድሕን ነፍስና እዩ። 
ኣይሁድ ከሓድዎ ንሕና ግን ኣመንናዮ፣ ዝኣመንና ንሕና ድማ ብናይ መስቀሉ ሓይሊ ደሓንና። 

ሰላም ለኪ 

እንሰገድና ንዓኺ ሰላምታ ይግባእ ንብል፣ ኦ ኣዴና ማርያም ካብ ሃዳናይ ኣራዊት ዲያብሎስ ክተድሕንና ንልምነኪ፣ 
ናባኺ ከኣ ንምዕቈብ ምእንቲ ኣዴኺ ሓናን ምእንቲ ኣቦኺ ኢያቄምን ኦ ድንግል ሎሚ ማሕበርና ባርኺ። 

ናይ እግዝእትነ ማርያም ጸሎት 

ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፣ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ ምድሓንየይ ባህ ይብላ። ዉርደት ባርይኡ ርእዩ እዩሞ 
እንሆ ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብጽዕቲ ኪብሉኒ እዮም። እቲ ኵሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ጌሩለይ እዩሞ፣ ስሙቅዱስ 
እዩ ምሕረቱዉን ኣብቶም ዝፈርኍኦ ንዉሉድ ወለዶ እዩ፣ ብቕልጽሙስልጣኑ ሓይሊ ገበረ፣ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም 
በተነሎም፣ ንሓያላት ካብ ዙፋዉንቶም ኣዉረዶም ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም፣ ንጥሙያት ካብ በረኸቱ ኣጽገቦም፣ 
ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም ንዘለዓለም ምሕረቱ እናዘከረ 
ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ። ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ንዘለዓለም ዓለም ምስጋና ይኹን፣ ኣሜን። 

ርእሰ መነኮሳት ኣባ እንጦንስ


ምንኩስና ካብ ዝጀመሩ ቀዳሞት ኣቦታት እዩ፣ ኣባ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት። ቅዱስ እንጦንስ ዓቢ (St Anthony the Great)፣ ርእሰ መነኮሳት፣ ኣቦ ምንኩስና. . .ካብተን ቤተክርስቲያንና እትጽዉዓሉ ናይ ክብሪ ኣስማቱ እዩ። ክርስቲያን ካብ ዝኾኑ ሓረስቶት ስድራቤት እዩ ተወሊዱ። ኣብ ከባቢ 269 ዓ.ም. ኣብ ቤተክርስቲያን ወንጌል ክንበብ እንከሎ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ እሞ፣ "ዘለካ ኲሉ ሸይጥካ፣ ንድኻታት ሃብ፣ . . . ንዓ ሰዓበኒ" ትብል ቃል ወንጌል ኣብ ልቡ ሓደረት። በዚ ተደሪኹ፣ ነዛ ጥቅሲ ኣብ ህይወቱ ተግበራ፣ ዘለዎ ኲሉ ሃብቱ ሽይጡ ንድኻታት ብምሃብ ዉን ናብራ ብሕትዉና ኣብ ከባቢ`ታ ከተማ ጀመረ። ሓደ ባሕታዊ ዉን ነዚ ህይወቱ ይመርሖ ነበረ። ኣብ ከባቢ 285 ዓ.ም. ናብ በረኻታት ግብጺ ብምኻድ ዉን ኣብኡ ፍጹም ናብራ ብሕትዉና ተታሓሓዞ። ዕዮ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ስለዝዓዘዘ ከኣ ብዙሓት ደቀመዛሙርቲ ከፍሪ ጀመረ። ኣብ ከባቢ 305 ዓ.ም. ካብ በዓቱ ብምዉጻእ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኣባታዊ ጉስነቱ ክመርሖም ጀመረ፣ ድሕሪ 5 ዓመት ከኣ መሊሱ ናብ በዓቱ ተመልሰ። ክልተ ግዜ ናብ ከተማ እስክንድርያ ምብጻሕ ጌሩ፣ ሓንሳብ ክርስቲያናት ክስደዱ እንከለዉ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ፣ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣንጻር ኣርዮሳዉያን ኣብ ዝቃለሰሉ ዝነበረ። ቅዱስ እንጦንስ ህይወት መላኣኽቲ ዝመቐረቱ ናብራ ምንኩስና መስረት ዘንበረን፣ ዘስፋሕፈሐን ኮይኑ፣ ድሕሪ ነዊሕ ተጋድሎ ኣብ 105 ዓመቱ ዓረፈ። ታሪክ ህይወቱ ዝጸሓፈ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ እዩ።

ብሂል ቅዱስ እንጦንስ

1.  ሓደ መነኮስ መጺኡ ንኣባ እንጦንስ "ሰብ ንእግዚአብሔር ከሐጉሶ እንድሕሪ ደልዩ እንታይ ክገብር ኣለዎ፧?"  ኢሉ ሓተቶ፣ ኣባ እንጦንስ ከኣ ከምዚ ምባል መለሰ "ነዚ ዝብለካ ኣስተዉዕለሉ፣ መንናትካ ብዘየገድስ፣ ኲሉግዜ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣንብሮ፤ ዝኾነ ነገር ክትገብር ከሎኻ ብመርሒነት ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን፤ ኣብ ዝዀነ ቦታ ንበር፣ ሱቕ ኢልካ ኣይትግደፎ። ነዘን ስለስተ ነገራት ተግብረን ሽዑ ክትድሕን ኢኻ።" 

2. ኣባ እንጦንስ ንኣባ ጳሞን ከምዚ ኢልዎ "ሰብ፤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደዉ ኢሉ ስለቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ገዛእ ርእሱ ዝወቅሳን፣ ክሳብ መወዳእታ ትንፋሱ ዉን ከይተዘናገዐ ፈተና ዝጽበይን እንድሕሪ ኮይኑ፣ ኣዝዩ ሓያል እዩ"።

3. "ፈተና ዘይሰገረን ዘይተሞክረን ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣትዉን፣ ብዘይ ፈተና ማንም ክድሕን ኣይኽእልን"

4. ኣባ ጳሞን "እንታይ ክገብር፧" ብምባል ንኣባ እንጦንስ ሓተቶ። ኣባ ዉን ከምዚ ኢሉ መለሰሉ "ኣብ ገዛእ ጽድቓ ኣይትመካሕ፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ኣይትጨነቅ፣  ከብዲኻን ምልሓስካን ዉን ሓሉ"


Monday, February 25, 2013

ስግዉ ቃል 1

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።

መዘኻከሪ

ሓደ ጽሑፍ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ክትቱርጉሞ ከቢድ እዩ፣ ብፍላይ ናይ ቴኦሎጂካዊ ትርጓሜን፣ ዓሙቊ ጽሑፋዊ ስራሕ ምትርጓም፣ ምርምርን ዝያዳ ጻዕሪን ይሓትት። ብወገነይ፣ ኣንባብያን ዝርድእዎ መንገዲ ክኸዉን ይኽእል`ዩ ኢለ ብዝሓሰብክዎ፣ ቶርጊመዮ ኣሎኹ። ግን ገለ መረዳኣታ ክህልወኩም ነዘን ነጥቢ ኣብ ግምት ሓዝወን።
  1. ስልቲ ትርጉም ዳርጋ 97% ቀጥታዊ እዩ፣ እዚ ዉን ዝኾነ ነገር ክዉስኽ ድሌት ኮነ ዕላማ ስለዘይብለይ እዩ። ግን ገሊኡ እንግሊሽ ነዊሕን ዝተሓሓዘን ስለዝኾነ፣ ነዚ ናብ ዝተፈላለየ ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳብ ብምቕያርን ተወሰኽቲ መራኸቢ ቃላት እንዳእተኹን ኣቕሪበዮ።
  2. The Word (Word) ትብል ሓረግ ኣብዛ መጽሓፍ 163 ግዜ  ተደጋጊማ ንረኽባ። ስለዚ ነዛ  ሓረግ ካብቲ ካልእ ንክትፍለ ቦልድ ጌረ ጽሒፈያ።
  3. ኣብዛ መጽሓፍ ቅ.ኣትናቴዎስ፣ ን ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብስሙ ወይ ዉን  ቃል፣ ወልድ፣ መድሓኒ እንዳበለ ይጽዉዖ። ኣብ ገሊኡ ከምቲ ንሱ ዝበላ፣ ኣብ ገሊኡ ኣብ ሓጹር () መወሰኽታ ሽም እንዳእተኹ፣ ኣብ ገሊኡዉን ነዊሕ ናይ ኣኽብሮት ኣገላልጻ ብምእታዉ ጽሕፈዮ።
  4. ቀንዲ ሕመረት ናይዚ መጽሓፍ ኣብ ክልተ ቃላት ዘተኮረ እዩ፣ the Word & Corruption. ነታ ቀዳመይቲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ኮይኑ፣ ነታ ካልአይቲ ግና ብዝተፈላለየ ቃላት ክትክኣ መሪጸ። Corruption ማለት ብግእዝ ምምሳን ብትግርኛ ምምሽማሽ እዩ። ነዘን ቃላት ጥራይ ኣብ ትርጉም ምጥቃም፣ ዳርጋ ነቲ መልእኽቲ ሕንፍሽፍሽ ምግባር ኮይኑ ስለዝተራእየኒ፣ ኣብ ሓጹር ወይ ከኣ፤ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት ብምባል ቶርጊመዮ።
  5. ኢንግሊሽ ከተንብቡ ትኽእሉ ንዑ ኣንቢብኩም ነዚ ትግርኛ እንተትርእይዎ ምመረጽኩ። እግረ መገድኹም መኣረምታ ክትገብሩ ዕድል ስለዝህብ። ነዚ ጽሑፍ እተንብቡ ዘለኹም የሕዋት፣ መንፈሳዉያን ምኳንኩም እምነት ስለዘለኒ እርማት ኣብ ምሃብ ድሕሪ ከይትብሉ፣ ብስም ድንግል ማርያም ይምሕጸነኩም።

ምዕራፍ 1. ስነፍጥረትን ዉድቀትን (Creation and the Fall)

1.   ኣብታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ (Against Heathen) ብዛዕባ ናይ ኣህዛብ ኣምልኮ ጣኦትን ከንቱ ኣምልኮኦምን ከመይ ኢሉ ከምዝጀመረ፣ ብጸጋ ኣምላኽ ገሊጸልካ ኔረ። ከምኡዉን፣ ብዛዕባ ቃል ተዘራሪብና ኔርና፣ ንሱ መለኮታዊ ምዃኑን፣ ኩሉ ፍጥረታት ንፍቓዱን ስልጣኑን ዝግዝኡሉን፣ እግዚአብሔር ኣብ ንዓለም ብእኡ (ብቃል ማለት ብወልድ) ኣቢሉ ከምዝፈጠረን፣ ኩሉ ነገር ብእኡ ከምዝመሓደርን፣ ህላዌኦምዉን ብእኡ ከምዝኾነ ገሊጸልካ ኔረ። መፍቀሪ ክርስቶስ ዝኾንካ መቃርዮስ፣ ሕጂ ኸኣ፣ ቃል ከመይ ኢሉ ሰብ ከምዝኾነን፡ ኣብ ማእከልና ከምዝሓደረን እናተዘራረብና ብዛዕባ እዛ ቅድስቲ እምነትና ኣዕሚቕና ክንማሃሃር ኢና። ንኣምላኽ ዘለኻ ፍቕርን ቃሉ ንምጽናዕ ዝህልወካ ተወፋይነትን ልዕሊ ዂሉ ክኸዉን ግና ይግባእ።
     ኣይሁድ ዝንዕቅዎ፣ ግሪካዉያን ዝጸርፍዎ፣ ንሕና ግና ኣዚና እነኽብሮ ሚስጢር ክርስቶስ ንምስክር። ብስጋዊነቱ (ብሰብኣዊነቱ) ንኡስ ክብሪዉን ዘይግብኦ ይመስል። ነዚ ርእዮም ዘይኣመንቲ ኣጽዋር ጸርፊታቶም ኣዝነቡሉ፣ እቲ ዝገርም ግና፣ ኣብ ከምዚ ኩነት`ዩ ኣምላክነቱ (መለኮታዊነቱ) ዝያዳ ዝተገልጸ። ብዓይኒ ሰብ ጠሚቶም ዘይከኣል (impossibleንዝበልዎ፣ ኩሉ ከምዝከኣል ብግልጺ ኣርኣየ፡ ነቲ ዘይብቁዕ ( unfitting) ኢሎም ዝተጸየፍዎ፣ ብምሕረቱ (ቸርነቱ) ብቁዕ ገበሮ፡ ፈላጣት ኢና በሃልቲ ናይ ሰብ ነገር መሲልዎም ዘላገጽሉ፣ መለኮት ኣወሃሂዱ ኣኽበሮ።  በቲ ንዑቅን ድኩምን ዝመስል ሞት ኣብ መስቀል ኣቢሉ፣ ንኣምልኮ ጣኦትን ርኹስ ስርዓቶምን ሰዓሮ። ብስቅታን ህድኣትን መንገዲ ጌሩ ንልቢ ዘይኣመንቲ ኣህዛብን መላገጽቲ ዓለማዉያንን ብምስሓብ፣ ኣምላኽ ምዃኑ ኣሚኖም ከምዝቅበልዎ ገበረ።
        እምበኣር ነዚ ኹሉ ክንርዳእ፣ ነቲ ቅድም ዝበልናዮ ከንምለሶ ኢና። `ስለምንታይ እዩ፣ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ቃለ ኣብ ብስጋ ሰብ ዘተግልጸ፧’  ንባህሪኡ ዝመዓራረዮ ኣካል ኣይኮነን ዝተዋሃሃደ፣ ንዕዑ ዝብቅዕ ኣካል ዉን ኣይርከብን፣ ምክንያቱ ንሱ ኣካል  ዘይብሉ ቃል (Word without body) ስለዝኾነ። መሓሪ ኣምላኽን፣ ድሕነት ደቂ-ሰባት ዝደሊ ፈቃርን ስለዝኾነን ጥራይ እዩ፣ ስጋ ሰብ ዝለበሰ። ስለዚ እግዚአብሔር ንዓለም ከመይ ጌሩ ከምዝፈጠራ ብምርኣይ ክንጅምር ኢና። ነዚ ነጥቢ ኣቐዲምካ ክትርድኦ ይግባእ። ፍጥረት ዝደሓነን ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ዝተመልሰን፣ በቲ ኣብ መጀምርታ ዝፈጠሮ ቃል እዩ (the renewal of creation has been wrought by the Self-same Word Who made it  in  the beginning)። ዓለም ዝተፈጥረት ብቃል (ብወልድ) እዩ፣ መሊሳ ዉን ዝደሓነት ዉን ብእኡ ብቃለ አብ እዩ።  ኣብ መንጎ ስነፍጥረትን ድሕነት ደቂ ሰባትን ርክብ ኣሎ። አብ ነዚ ክልቲኡ ዕዮ ክዓዪ ሓደ መሳርሒ እዩ ተጠቒሙ። አብ ብወልድ (ቃል) ኣቢሉ ንዓለም ፈጠራ፣ መሊሱዉን ብወዱ (ብቃሉ) ኣድሓና።
ኣብ ፍቕዲ ሓደ፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ስነመጎታዊ መእተዊ እዩ ዝገብር። ንመቃርዮስ ኣብ ፍቕሪን ቃል ኣምላኽ ክጸንዕ ብምዝክኻር፣ ናብታ ሕመረት መልእኽቲ ናይ ኦርቶዶክስ ይመጽእ። "ፍጥረት ዝደሓነን ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ዝተመልሰን፣ በቲ ኣብ መጀምርታ ዝፈጠሮ ቃል እዩ። ዓለም ዝተፈጥረት ብቃል (ብወልድ) እዩ፣ መሊሳ ዉን ዝደሓነት ዉን ብእኡ ብቃለ አብ እዩ።  ኣብ መንጎ ስነፍጥረትን ድሕነት ደቂ ሰባትን ርክብ ኣሎ። አብ ነዚ ክልቲኡ ዕዮ ክዓዪ ሓደ መሳርሒ እዩ ተጠቒሙ። አብ ብወልድ (ቃል) ኣቢሉ ንዓለም ፈጠራ፣ መሊሱዉን ብወዱ (ብቃሉ) ኣድሓና።"  ንኣብነት ሓደ ሰብ ሓንቲ ጽብቕቲ ምዕብልቲ መሳርሒ፣ ምሂዙ ንበል። እዛ ምህዞ እንተተባላሽያ፣ መን እዩ ከዐርያ ዝኽእል፧?! ባዕሉ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝመሃዛ፣ መሃዛይ እዩ፣ መሊሱ የዐርዩ፣ ናብ ናይ ቀደም ኣገልግሎታ ክመልሳ ዝኽእል። ከምኡ ዉን ንሰብ ፈጣሪኡ፤  ቃል (ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) እዩ፣ መሊሱ ሰብ ብናቱ ሸለልተኝነትን፣ ብዲያብሎስ ምትላልን ብሰንኪ ሞት ናብ ዘልኣለማዊ ምምሳን ክኸይድ ምስ ጀመረ፣ እቲ ኣብ መጀመርታ ፈጣሪኡ ዝዀነ ቃል ንሱ እዩ መጺኡ ከም ብሓድሽ ክሕድሶ ዝኽእልን፣ ናብ ቀደም ክብሩ ዝመልሶን። ነዚ ዉን ኣብ ዉዳሴ ማርያም ናይ ሶንይ "ፈቀደ እግዚእ ያግእዞ ለኣዳም፣ ህዙነ ወትኩዘ ልቡ፣ ወያግብኦ ሃበ ዘትካት መንበሩ" /ጐይታ ነቲ ትኹዝን ሕዙን ልቢ ንዝነበረ ኣዳም ከድሕኖ ፈተወ፣ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ዉን መለሶ (ናብቲ መልክዕ ምስሊን ኣምላኽ መለሶ) ንብል
2.  ብዛዕባ ስነ-ፍጥረትን ኣፈጣጥራ ዓለምን፣ ብዙሕ ኣበሃህላ ኣሎ፣ ነፍሲ ወከፎምዉን ንገዛእ ርእሶም ዝጥዕሞም መግለጺ ይህቡ። ንኣብነት ናይ ገሊኦም ሃበስ ቀደስ፣ ዓለም ባዕላ ንባዕላ እያ ተፈጢራ ይብሉ (all things are self-originated)። ዓለም ዝፈጠረ ጥበብ ከምዘሎ ዝክሕዱ  ኤፒኩሪያን (The Epi-cureans) ኣብነት ናይ ከምዚኦም እዮም። እዚ ኣብሃህላ ግና፣ ንኹሉ ህላዌታትን ንናይ ገዛእ ርእሶም ህላዌ`ዉን  ከይተረፈ ዝጻረር እዩ። ኩሉ ነገር ብኸምዚ ዝባሃል ኣገባብ ዝመጽአ እንተዀይኑ ደኣ ስለምንታይ ኩሉ ነገር ሓደ ዓይነትን ተመሳሳሊን ዘይከዉን። ምኽንያቱ ባዕሉ ንባዕሉ ዝፍጠር ነገር ሓደ ዓይነትን ተመሳሳሊን`ዩ ዝኸዉን። ኣብ ኣድማስ ኩሉ ነገር ጸሓይ፡ ወይ ወርሒ፡ ወይ ሓደ ዓይነት ነገር ጥራይ ምኾነ። ኣብ ኣካላትና ዉን ተመሳሰሊ ነገር ምኾነ፣ ኩሉ ኣካልና ኢድ ጥራይ፣ ወይ ዓይኒ፣ ወይ እግሪ ጥራይ ምኾነ። ግን ኣብ ባይታ ዝተፈላለየ ነገር ኢና ንረኽብ፣ ጸሓይ፣ ወርሒ፣ ዓለም. . . ወዘተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ኣብ ኣካልና ዉን፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣሎና፣ እግሪ፣ ኢድ፣ ርእሲ . . .ወዘተ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ዓለም ዘሎ ፍልልይን ዘይምምስሳልን፣ ነገራት ባዕሎም ዝተፈጥሩ ዘይኮነስ፣ እዃ ደኣ ነዚ ኹሉ ምኽንያት ከምዘለዎን፣ ነዚ ኩሉ ፍሉያት ነገራት ዝፈጠረ ጥበብን ኣእምሮን ከምዘሎን የረድኣና። ናይዚ ኩሉ ሃንዳሲን ፈጣሪን ጥበብን ኣእምሮን ኸኣ እግዚእብሔር ባዕሉ እዩ።
ገለ ሰባት ዓለም ባዕላ ንባዕላ እያ ተፈጢራ (Self Originated) ዝብሉ ኔሮም፣ ኣብ ግዜ ቅ.ኣትናቴዎስ (ኣብ ግዜና ዉን ኣለዉ)። ንመረዳእታ ቅዱስ ኣቦና ናብ ተፈጥሮ ንጠምት። ንኣብነት ብእሳተጎመራ ዝተፈጥሩ ጎቦታት ንርአ። ኩሎም ዳርጋ ተመሳሰልቲ እዮም። ከመይሲ ብሓደ መስርሕ ስለዝተፈጥሩ። ግን ኣብ ደቂ ሰባትን ኩሉ ስነፍጥረትን ከምኡ ኣይኮነን፣ ከማን ብጣዕሚ ፍልልይ ኣሎና (diversified)። እዚ ፍልልይ ኸኣ ህላወ ኣምላኽ መረጋገጺ እዩ። ነዚ ኹሉ ዝተፈላለየ ቅርጺታት፣ ትሕዝቶን ዕላማን እንዳሃበ ዝፈጠረ፣ ዉን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ገሊኦም ናይቲ ሓያል ግሪካዊ ፈላስፋ ፕላቶ ኣተሓሳስባ ይስዕቡ። ንሱ፣ ኣምላኽ ካብ ህልው ነገር እዩ ንዓለም ዝፈጠረ፣ ይብል። ከምቲ ሓደ ጸራባይ ካብ ዕንጨይቲ ዝተፈላለየ ኣቕሑት ዝሰርሕ፣ ንኣምላኽ ዉን ከምኡ ጌሮም ይገልጽዎ። ነዚ ብምባሎም ዉን ንእግዚእብሔር ይድርትዎ። ኣምላኽ ናይ ነገራት ኩሉ ምንጪን፣ ምክንያተ ህላወን ምዃኑ ይክሕዱ። ጸራባይ እንጨይቲ እንድሕሪ ዘይረኺቡ ኣቕሑት ክሰርሕ ከምዘይኽእል፣ ኣምላኽ ዉን ካብ ህሉው ነገር ንዓለም ፈጢሩ ምባል፣ ንኣምላኽ ምድራት እዩ። ኣምላኽ ንዓለም ክፈጥር ኣብ ካልእ ግዳማዊ ነገር ዝምርኮስ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ከመይ ጌርና ፈጣሪ ንብሎ፧ ካብ ህሉው ነገር ተበጊሱ ዝፈጥርን፣ ንነገራት ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላው ዘምጽአ ሓይሊ እንድሕሪ ዘይኮይኑ፣ ጸራባይ እምበር ፈጣሪ ኣይንብሎን። እግዚአብሔር ግና ከምኡ ኣይኮነን፣ ካብ ዘይምንባርን ዘይምህላዉን ዝፈጠረ፣ ፍጹም ኣምላኽ እዩ።
ስነ-ሓሳብ ናይ ግኖስቲክ ኸኣ ንዉሰድ፣ ንሳቶም ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቡኡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ ኣሎ፣ ይብሉ። እዚ ግና ጌጋ እዩ፣ ነዚ መረዳእታ ዝኾነና ጐይታ ምስ ኣይሁድ ዝገበሮ ዝርርብ እዩ። ጐይታ፤ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ክጣበቅ ከምዝግባእ ከረድኦም እንከሎ፣ “እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም”   ይብሎም። እዚዉን ካብ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ጠቂሱ ፣ መሊሱ ነዚ ሓሳብ ምስ ፈጣሪ ኣተሓሒዙ “ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ሰብ ኣይፍለዮ ብምባል መደምደምታ ጌሩሉ /ማቴ 19፥4-6/። ካብ አብ ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ ከመይ ይርከብ፧ ቅዱስ ዮሃንስ ዉን ከምዚ በለ ብእኡ ዂሉ ዀነ፣ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን’’’ /ዮሃ 1፥3/። ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ፣ ከመይ ይህሉ፧!
 ይቕጽል. . . . . . . . . 

Wednesday, February 20, 2013

ስግው ቃል ብቅ.ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ዝኾነ ሰብ ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጽሑፍ እንተረኺቡ፣ ነቶም ዘይረኽብዎ ምእንቲ ከንብብዎ ወረቐት ዘለዎ ኣብ ወረቐት፣ ወረቐት ዘይብሉ ኣብ ክዳኑ ይጽሓፎ”። ኣባ ቆዝማ (መበል 44 ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ)
ነዛ መጽሓፍ ካብ ዘንብባ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ይገብር፣ ምስ ኣነበብክዋ ብሓቂ ኦርቶዶክሳዊ ምዃነይ ሓበን ተሰሚዑኒ። ከመይሲ ፣ ኣብዛ ሓጻር ግን ዓሟቕ መጽሓፍ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ንዘሎ መልእክቲ ወንጌል ኣዝዩ ዉሕሉልን መንፈሳዊን፣ ሎጂካዊን፣ መጽሓፍ ቅዱሳዊን ብዝኾነ ኣገባብ ሰፊሩ ንረኽቦ። ወዲ 19 ዓመት ዲያቆን እንከሎ ዝተጻሕፈት ኮይና፣ ትምህርታ ግን ኣዝዩ ሰፊሕን ንጹርን እዩ። ዲያቆን ክነሱ፣ መልእክቱ ግና ዕድመ ናይ ዚጸገበ ዓቢ መምህር እዩ። ብሓቂ ነዚ መጽሓፍ ተዓጊስኩም ኣንቢብኩም እንድሕሪ ወዲእኹሟ፣ ኣብ ብርኪኹም ሰጊድኩም፣ ነዚ ጥበብ ኣብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንዘሕደረ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከተመስግኑ ኢኹም። ኢንግሊሽ ተንብቡ ካብዚ ሊንክ ወሲድኩም ኣንብብዋ፣ http://www.copticchurch.net/topics/theology/incarnation_st_athanasius.pdf ነቶም ትግርኛ እተንብቡ ግና፣ ብዓቕመይ ቶርጊመ ኣቕሪበልኩም ኣሎኹ። እቲ ጽሑፍ ኣዝዩ ዓሙቚን ክትትርጉሞ ኣዝዩ ስለዘሽግር፣ ኣብ ገሊኡ ነቲ ኢንግሊሽ ኣስፊረዮ ኣሎኹ። ብሕብሪ ተሰነየ ጽሑፍ ዉን ወሲኹሉ ኣሎኹ፣ እዚ ነቲ ብትግሪኛ ክሰፍር ኣዝዩ ዘሸግር ቃላት መረዳእታ ክኸዉንን፣ እንኮላይ ነቲ መጽሓፍ ንክትርድእዎ ክሕግዘኩምን እዩ።

ዝተጻሕፈትሉ ዘመን

ቅድሚ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ከባቢ 322-4 ዓ.ም. ከመ ዝተጻሕፈት ይንገር። 

ናብ መን ተጻሒፋ

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ናብ መቃርዮስ ዝበሃል ዓርኩ እዩ ነዛ መጽሓፍ ጽሒፍዋ። ኣብቲ መጽሓፍ ኣብ ቀዳማይ ቁጽሪ "መፍቀሪ ክርስቶስ ዝኾንካ መቃርዮስ፣" ብምባል ስሙ ዝጠቀሶዉን ናብኡ ስለዝጸሓፋ እዩ። ቀደም ኣቦታትና ብዛዕባ እምነትን ክሪስቲያናዊ ህይወትን ደብዳቤ ብምጽሓፍ ነንሕድሕዶም ይመሃሃሩ ኔሮም። ቅ.ኣትናቴዎስ ነዛ መጽሓፍ በብምዕራፍ ብምምቃል በብርእስቲ ጌሩ ናብ መቃርስ ይሰደሉ ነበረ። ብርግጽ እቲ መጽሓፍ ከምዚ ሕጂ ቁጽሪ ተዋሂብዎ ኣይኮነን ዝተዳለወ፣ ነዚ ኣቦታት እዮም ንምክክትታሉ ክጠዕመና ቁጽሪ ዝገበርሉ (ከም መጽሓፍ ቅዱስ)። ቅድሚ ነዛ መጽሓፍ ምጽሓፉ፣ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ናይ ኣህዛብ ኣምልኮ ጣኦት እትገለጽ መጽሓፍ Contra Gentes (Against Heathen) ሰዲዱሉ ነበረ። ስለዚ እዛ ስግዉ ቃል እትብል መጽሓፍ ናታ መቐጸልታ እያ።

ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ

ቀንዲ ዕላማ ናይዛ መጽሐፍ፣ ብዛዕባ ተዋህዶ ንምግላጽን፣ ነቶም ኣብቲ ግዜቲ ንዝነበሩ ፈላስፋታትን ኣህዛብን መልሲ ንምምላስ ኮይኑ፣ ዝያዳ ብዛዕባ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይነት፣ ንምንታይ ስጋ ሰብ ከምዝተወሃሃደን፣ ከመይ ጌሩ ከምዘድሓነናን ጸቒጡ መረዳእታ ይህብ። ኣብቲ ግዜቲ፣ ብዛዕባ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነቱ ዝጠራጠሩ፣ ኣብ መሬት ዘሕለፎ ህይወት ንከንቱ ከምዝነበረ ጌሮም ዝምህሩን፣ ኣብ መስቀል ንዝነበረ ኩነተ ኣማዉትኡ ከም ናይ ድኹም ሰብ ጌሮም ዝገልጽዎ፣ ብዙሓት ሓሰዉቲ መማህራን፣ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣህዛብን፣ ፈላስፋታት ናይ ግሪክ ዝበዝሑሉ ዘመን ነበረ። ብፍላይ ናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ንቤተክርስቲያን ኣዝዩ ይፍትነሉ ዝነበረሉ ግዜ እዩ። በዚ ተበጊሶምዉን፣ ብዘይካ እቲ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ፈላስፋታት ተቃዉሞ፣ ብዙሓት ኣህዛብ ብዛዕባ ክርስቶስ ብዙሕ ሓሶት ጽሑፋት ይጽሕፉ ኔሮም። እምበኣር ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ቀንዲ ዕላማ ነዚ ኩሉ ምጽራር መልሲ ንክህበሉን ንዓርኩ መቃርዮስ ኣብ ክርስቲያናዊ ህይወቱ ንክጸንዕ ንምግባርን ነበረ።

ጽማቚ

ብሓፈሻ እዛ መጽሓፍ ትሽዓተ ምዕራፍ ሃሊይዋ፣ እታ መበል ታሽዐይቲ መደምደምታ እያ። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዛዕባ ስነ-ፍጥረትን ዉድቀት ደቂ-ሰባትን ይገልጽ። ንሰብ ዝፈጠሮ ወልድ ምዃኑን፣ በዘይብኡ ካልእ ፈጣሪ ከምዘየልቦ፣ ይምህር። ወልድ (ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ንሱ ባዕሉ ንሰብ ስለዝፈጠሮን፣ ደጊሙዉን ከድሕኖ ዝኽእል ንሱ ምዃኑን ብዝተፈላለየ ኣገባብ የረድእ። ኣብዚ ንናይ ፍልስፍና ፕላቶን፣ ናይ ግኖስቲክ ትምህርቲን መልሲ ሂብሉ ንረኽቦ።

ካልአይትን ሳልሰይቲን ምዕራፍ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ጸገምን መፍትሒን ይምህር። ማለት ኣዳም ዕጸ በለስ ምስ በልዐ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ከምዝነገሰን፣ ናብ ደቂ ሰባትዉን እዚ ሞት ከምዝተመሓላለፈን ብምስትምሃር፣ ነዚ ኹሉ ፍታሕ ክኸዉን ዝኽእል እንታይ እዩ ብምባል ንኩሉ ነገር መርሚሩ፣ ኣብ መወዳእታ፣ እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ወልድ ማለት ቃል ባዕሉ ስጋ ለቢሱ ከድሕነና ጥራይ ምኻኑ፣ ይምህረና።

ራብኣይን ሓምሻይን ምዕራፋት፣ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤኡን ኮይኑ፣ ስለምንታይ ሞቱ፣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ተራእዩ፣ ትንሳኤኡ ግና ብዉሕዳት ተራእዩ፣ የረድእ። ዝቕጽላ ሰለስተ ምዕራፋት፣ ንኣይሁድን፣ ንኣህዛብን መልሲ ሂቡሉ ኣሎ። ኩለን ምዕራፋት ናይዚ መጽሓፍ ሓጸርቲ፣ ብሩሃት፣ ሎጂካዊን፣ መንፈሳዊን ኮይነን፣ ቋንቋ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና ኣዝዩ ከቢድ እይ። ኮይኑ ግና እዘን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ምዕራፋት ኣዝየ እየ ዝፎትወን።

እምበኣር ቀዳማይ ክፋል ጀባእ እብለኩም፣ ሓደራ ኣንቢብኩም፣ ሓንቲ ኣቡነዘበሰማያት ኣይትረስዑ።
ብክርስቶስ ድኹም ሓዉኩም 


Wednesday, February 13, 2013

ገለ ካብ ኣጋጣሚታት ቅዱስ ኣትናቴዎስ

 ኣብ ስንክሳር ተመዝጊቡ ካብ ዘሎ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ካብ ዘጋጠሞ ነገራት ሓደ፣ ኣብ ዕለት 13 መስከረም ዝንበብ ክፋል ናይ ሲሳየ ዕለት እዩ። እዚኣ ዕለት እግዚአብሔር ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝገበረሉ ተኣምራት ንዝክረሉ እዩ። ከምቲ ኣብ ታሪክ ህይወት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝረኣናዮ፣ 5 ግዜ ካብ መነበሩ ተሰዲዱ እዩ። ኣብታ ሳልሳይ እግሪ ስደቱ፣ ኣብ ክንድኡ ንጊዮርጊስ ኣብ እስክንድርያ ጳጳስ ክኸዉን ምስ ሾምዎ`ዩ እዚ ነገር ኣጋጢሙ።
ንጉስ ቆንስጣንጤዎስ (ወዲ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ) ነቲ ወልዲ ፍጡር እዩ፣ ዝብል ትምህርቲ ኣርዮስ ምስ ተቐበለ፣ ኣብ ክንዲ ኣትናቴዎስ ካልእ ጊዮርጊስ ዝበሃል ብምሿም፣ ንኣትናቴዎስ ገዘቶ። ነዚ ክገብር እንከሎ ኸኣ 500 ወታሃደራትን፣ ኣብ ክንዲ ኣትናቴዎስ፣ ጊዮርጊስ ዝበሃል ሰባኣይ ከምዝተሾመ ዝሕበር ደብዳቤ ኣትሓሒዙ ናብ እስንክድርያ ለኣኾ። ንጊዮጊስ ዉን ኣርዮሳዊ ክርስትና ክምህርን ክድግፍን ገበሮ። ነቶም ነዚ ትምህርቲምቕባል ዝኣበዩ ኸኣ ቐተሎም። እዚ ሰብኣይ መጺኡ ትምህርቲ ኣርዮስ ክምህር ምስ ጀመረ ግና፣ ዉሕድ ህዝቢ ጥራይ ተቐቢልዎ። ነቶም ምቕባል ዝኣበዩ ህዝቢዉን በብሓድ ቀተሎም። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና ን ሽዱሽተ ዓመት ዝኣኽል ተሓብአ። ድሕሪዚ ናብ ቁስጥንጥንያ ብምኻድ፣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብትብዓት ደው ኢሉ፣ ናብ መንበሩ ክመልሶ፣ ወይ ከኣ ኣክሊል ሰማዕትነት ክወርስ ሕጂ ክቐትሎ ሓተቶ። ንጉስ ግና ንዓሳኽሩ፣ ኣብ ሓንቲ ንኢሽቶይ ጃልባ ጌሮም ብዝይ ምግቢ ብዘይ ማይ ናብ ባሕሪ ክሰድዎ ኣዘዞም። ንጉስ ብጥሜትን ብጽምእን ተሳቕዩ ክመዉት እሞ፣ ኣርዮሳዊ ትምህርቱ ከስፋሕፍሕ እዩ ሓሲቡ። 
እታ ጃልባ ግና ወሰናወሰን ኣቢላ፣ ብመልኣኽቲ ተዓጂባ፣ ብጐይታ ሰላም ረኺባ ናብ እስክንድርያ በጽሐት። ህዝቢ ጓስኦም ከምዝተመልሰ ምስ ሰምዑ፣ ናብ ወሰን ባሕሪ ብምኻድ ብዓቢ ድምቐት ተቐበልዎ። ኣዝዮም ዉን ተሓጎሱ። መዝሙር ምስጋና ብምዝማርን፣ ጧፍ ብምብራህን ተቀበልዎ። ናብ ቤተክርስቲያን ብምውሳድ ከኣ ንጊዮርጊስ ሶጊጎም፣ ኣብታ ክብርቲ መንበሩ ኣንበርዎ። ኩሎም ኣርዮሳዉያንን ሰዓብቶምን ካብ ቤተክርስቲያን ረሓቁ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዉን ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ነዛ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኣገልገላ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኹልና ይኹን። ኣሜን!


Sunday, February 10, 2013

ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን መን እያ፧

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ወንጌላዊት እያ፣ ግና ፕሮቴስታንት ኣይኮነትን። ኣጽናፋዊት እያ ግና ካቶሊካዊት ኣይኮነትን። ቅድሚ ምግምማዕ እምነታት ዝነበረት ሓንቲን ሓቀኛን እያ። ተኣሚና፣ ምሂራ፣ ሞጊታ፣ ዓቂባ፣ ተከላኺላ ዝጸንሐት እንኮ እያ። ምእንቲ እዛ እምነት ብዙሓት ብሰማእትነት ሞይቶም፣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ግዜ ጀሚሩ ንልዕሊ 2000 ዓመት ተዓቂባ ዘላ ክርስቶስ ብደሙ ዝመስረታ ቤተክርስቲያን ኣምላኽ እያ።
ኣብ ግዜና ገሌኦም ብጉድለት እምነት፣ ወይ ከኣ ብምትእትታዉ ፖለቲካ፣ ነዛ ቤተክርስቲያን ከጽንትዋ ዝሓስቡ ብዙሓት ኣለዉ። ነዚኦም ብኽልተ መንገዲ ኢና ክንካኸሎም ዘለና። ሓደ ጋሻ ትምህርቲ ናብ ቤተክርስቲያን ንኸይኣቱ ብምሕላዉ። ነዚ ክንገብር እንተዀይንና፣ ገዛእ ርእስና ብትምህርቲ ቅዱሳኣን ኣቦታት ዝበሰልና ክንኸዉን። እቲ ካልኣይ ከኣ ሓቀኛ ምስሊ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ብህይወትን ብትምርህቲን ምምስካር።
ከምቲ ሓደ ናይ ቤተክርስቲያን መምህር ዝበልዎ "ናይ ኦርቶዶክስ ቴኦሎጂካዊ ትምህርቲ ድርብ (ክልተ) ዕማም`ዩ ዘለዎ። ቀዳማይ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ቅንዒቲ ምዃና ምምሃርን ምርግጋጽን። እቲ ካልኣይ ከኣ ምእመናን ነዚ እምነት ብህይወት ክነብሩሉን፣ ክሕልዉዎን ምሕጋዝ እዩ።"
ስለዚ ብኹሉ ሸነኻቱ ማለት ሓቂ ምዃኑን፣ ብህይወት ምትጋብሩን የድሊ። ኹሉ ናይ ቤተክርስቲያንና ትምህርቲ መንፈሳዊን ቴኦሎጂካዊን መረዳእታ ዘለዎ ድርብ እዩ። ንበይኑ፣ ማለት ቴኦሎጂ ብዘይ መንፈሳዊ፣ ወይ ከኣ መንፈሳዊ ብዘይ ቴኦሎጂ ክቀዉም ኣይኽእልን።
ኦርቶዶክስ ማለት "ናብ ሕብረት እምነት፣ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፣ ናብ እኹል ሰብኣይ፣ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ. ." ኤፈ 4፥11 እትመርሓናን ብርሓናዊት ኣደ፣ ኣትፍዉሰና ሓኪም፣ ናብ ሰማያት እተብጽህ መሳልል እያ። 
ጉዕዝኡ ንዝጀመረ፣ ብርግጽ ናብ መዕረፊ እተብጽሕ መርከብ እያ። ሕጂ ንደይባ። ናብዛ ጃልባ ክትድይቡ ዘድልየኩም ትኬት፣ ተበግሶ ይበሃል። ኣብ ልብኩም እንተበጊስኩሞ፣ ጐይታ ባዕሉ ኢድኩም ሒዙ ታተ እንዳበለ ክሳዕ ደልዲልኩም እትረግጹ ክመርሃኩም እዩ። ብደመና ሰማይ ከቢቦምና ዘለዉ ቅዱሳን ከኣ ኣብነትና እዮም። ብጸሎትዉን ይድግፉና። ምሕረትን ጸጋን ናይ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ምስኹልና ይኹን!


ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሐዋርያ መን እዩ፧


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ስለቲ ዝነበሮ ክርስቲያናዊ ህይወት፣ ዝገበሮ ተጋድሎን ዘርኣዮ መሪሒነትን፣ ቅዱስ ኣትናትዮስ ዝተፈላለየ ናይ ክብሪ ሽም እዩ ተዋሂብዎ። ቅ.ኣትናቴዎስ ዘሐዋርያ (ሓዋርያዊ)፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ዓቢ (The Great)፣ ቅ. ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ (ናይ እስክንድርያ ፓትሪያሪክ)፣ ሓላዊ ቤተክርስቲያን፣ ሓቀኛ መራሒ. . . ወዘተ።  

ግዜ ንእስነቱ

ኣትናቴዎስ (ኣትናትዮስ) ኣብ ከባቢ 295-298 ዓም ካብ ዘይአመንቲ ስድራ ቤት ኣብ እስክንድርያ ተወልደ። ሓደ ግዜ ምስቶም ክርስቲያናት ዝኾኑ ደቂ ገዛዉቱ ንኽጻወት ኢሉ ኸደ’ሞ፤ ኣጋጣሚ ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝረኣይዎ ስርዓት  ገሊኦም ከም ካህናት፤ ገሊኦም ከም ዲያቆናት፤ ሓደ ኸኣ ከም ጳጳስ ተመዳዲቦም ክጻወቱ ጸንሕዎ። ከምዚ ኮይኖም ምስረኣዮም ምስኦም ተጸንቢሩ ክጻወት ሓተቶም። እቶም ህጻናት ግና፣ “ንስኻ ዘይኣማኒ ኢኻ፣ ምሳና ዉን ተጸንቢርካ ክትጻወት ኣይፍቑድን” ኢሎም ከልእዎ። ንሱ ግና፣ “ኣነ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ክርስቲያን ኮይነ ኣለኹ” ብምባል መለሰሎም። ነዚ ዝሰምዑ ቆልዑት ብጣዕሚ ስለዝተሓጎሱ፣ ኣብቲ ናቶም ጻዉቲ ሓዊሶም፣ ኣብ ክንዲ ኩላቶም ናይ ፓትሪያሪክ ገጸባህሪ ሒዙ ኣብቲ ጻዉቶም ከምዝዋሳእ ገበርዎ። ኣብ ክብ ዝበለ መንበር ኮፍ ኣቢሎም፣ ብዙሕ ክብሪ ዉን ሃብዎ። ኣብ ከምዚ ኩነት፣ ቅዱስ እለስክንድሮስ ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ፣ በቲ ከባቢ ይሓልፍ ነበረ እሞ፣ ነቲ ዝጻወትዎ ጻዉቲ ምስ ረኣየ፣ ብዛዕባ ኣትናቴዎስ “እዚ ህጻን ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓቢ ክብሪ ክበጽሕ እዩ” ብምባል ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ተዛረቦም።

ግዜ ትምህርቲ

ኣቡኡ ናይ ኣትናቴዎስ ምስ ሞተ፣ ኣዲኡ ናብ ቅዱስ እለስክንድሮስ ወሰደቶ። ንሱ ዉን ኩሉ ትምህርቲ ክርስትናን ሕጊታትን ሚሂሩ ንክልቲኦም ኣጠመቆም። ብድሕሪዚ ኣዲኡን ኣትናቴዎስን ዘለዎም ኩሉ ሃብቲ ሸይጦም ምስ ቅዱስ እለስክንድሮስ ክነብሩ ጀምሩ። ፖፕ እለስክንድሮስ ከኣ ንኣትናቴዎስ ኩሉ ናይ ቤተክርስቲያን ትምህርቲታት መሃሮ። ኣብ ህይወት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዉን መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ስለዝነበረ፣ ብጸጋ እንዳዓበየ መጽአ። ብድሕሪዚ ቅ.እለስክንድሮስ ንኣትናቴዎስ ዲቁና ቀቢኡ፣ ናቱ ጸሓፊን ወደ መዝሙርን ገበሮ።  ኣብዚ ግዜ እዚዩ ቅ.ኣትናቴዎስ ነተን ክልተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ፣ ኣንጻር ዘይኣመንት  Against Heathenስግዉ ቃል The Incarnation of the Word ዝብላ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን። ነዚአን ዓበይቲ መጻሕፍቲ ክደርሰን እንከሎ ገና ወዲ 19 ዓመት ነበረ።
ኣብ ትሕቲ እግሪ ቅዱስ እለስክንድሮስን ናይ ቤተክርስቲያን መማህራንን ተማሂሩ ምስተኮስከሰ፣ ብፍቃዱ ናብራ ብሕትዉና ስለዝመረጸ፣ ኣብ ገዳም ቅዱስ እንጦስ ርእሰ መነኮሳት ከይዱ ባሕታዊ ኮነ። ኣብኡ ከኣ ናይ ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ ኣባ እንጦንስ ወደ መዝሙር  ብምዃን፣ ካብዚ ዓቢ መምህር ብዙሕ ህይወት ተማህረ። ብዛዕባ ታሪክ ህይወት ቅዱስ እንጦንስ Vita Anthony  እተዘንቱ መጽሓፍ ዉን ንሱ ባዕሉ ቅ.ኣትናቴዎስ እዩ ጽሒፍዎ። ድሕሪ ዕረፍቲ እለስከንድሮስ ኣብ ዕለት 5 ግንቦት 328 ዓ.ም. ከኣ ናይ እስክንዲርያ ፓትሪያርክ ክኸዉን ተመርጸ።

 ሓለዋ እምነትን ህይወት ጵጵስናን

ፖፕ እለስክንድሮስ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብድሕሪኡ ንኣትናቴዎስ ክሾምዎ ተላቢዎም ነበረ። ኣትናቴዎስ ኣብቲ ግዜ ናይ ርእሰ መነኮሳት ኣባ እንጦንስ ኣሰር ምምስዓብ ኣብ ገዳም ብብሕትዉና ይነብር ነበረ። ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ክሟጎቶ እንከሎ ብዘርኣዮ መንፋዕቲ፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ኣብ ምእመናንን መራሕቲ ቤተክርስቲያንን ሽሙ ገኒኑ ነበረ። ኣርዮስ፣ “ወልድ ንኣብ ይመስል እምበር ምስ ኣብ ማዕረ ኣይኮነን” ምስ በለ፣ ቅ.ኣትናቴዎስ ግና ብሓቂ “ወልድ ምስ ኣብ ማዕረ ከምዝኮነ” ብመጽሓፍ ቅዱስን ትዉፊት ሓዋርያትን ጌሩ ኣረዲኡ ሞጊቱ ሰዓሮ።
ቅ.ኣትናቴዎስ ናይ .እለስክንድሮስ ዕረፍቲ ምስ ሰምዐ፣ ገዛእ ርእሱ ብቁዕ ጌሩ ኣይቆጽራን ስለዝነበረ፣ ምእንቲ ከይሾምዎ ኣብ በረኻታት ሃዲሙ ተሓብአ። ምእመናንን መራሕቲ ሃይማኖትን ግና ኣብ ኩሉ ቦታ ደልዮም ረኸብዎሞ፣ ኣብ 328 .. ፖፕ ጌሮም ቀቢኦም ሾምዎ።
ናይ ታሪክ ጸሓፋይ ሶቅራጦስ ብዛዕባ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከምዚ ብምባል መስኪሩሉ ኣትናቴዎስ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብዘርኣዮ ዉሕሉል ናይ ምርዳእ ክእለቱን፣ ነገራት ናይ ምርዳእ ዓቕሙን ኣብ ህይወቱ ብዙሕ መከራ ከምዝቐበል ጌርዎ እዩ። ”።
ፖፕ ኮይኑ ጉስነቱ ምስ ጀመረ፣ ናብ ሃገርና መጺኡ ወንጌል ዝስበኸ ንኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ጳጳስ ኮይኑ ክጓስየና ቀቢኡልና። ካብቲ ግዜቲ ጅሚሩ እምበኣር ሃገርና ኤርትራ ምስ መንበረ እስክንድርያ ርክብ ጸኒሕዋ። ዳርጋ ኩሉ ክርስቲያናዊ ስርዓትና፣ ትምህርቲናን ምስ ግብጻዉያን ተመሳሳሊ እዩ።

 እንተ ጸረፉኹምን እንተ ስጎጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፋእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን ብጹኣን ኢኹም ማቴ 511። ቅዱስ ኣትናቴዎስ 5 ግዜ ካብ መንበሩ ተሰዲዱ እዩ።

ቀደማይ ስደት

ኣርዮስ ብዝመሃሮ ምንፍቅና ተመኺሩ ምስማዕ ምስ ኣበየ፣ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ተፈልዩ ተወገዘ። ብድሕሪዚ ግና ኣርዮስ ሱቅ ኣይበለን፣ ዘደናግጽ ደብዳቤ ናብ ንጉስ ቆስጥንጢን (ድሕሪ ቆስጠንጢኖስ ዝነገሰ) ብምልኣኽ ናብ እስክንድርያ ክምለስ ጸዓረ። ቆስጥንጢን ዉን ብኣርዮስ ተደናጊጹ፣ ንፖፕ ቅ.ኣትናቴዎስ ንኣርዮስ መሊሱ ክቕበሎ ሓተቶ። ቅ. ኣትናቴዎስ ግና ንኣርዮስ ከይተጣዓሰ ምቕባል ማለት ምስ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ምጽራር ስለዝኾነ፣ ነቲ ሕቶ ነጸጎ። ብድሕሪዚ ኣርዮሳዉያን ንቅ.ኣትናቴዎስ በዘን ዝስዕባ ምክንያታት ከሰስዎ፡
1.   ኣንጻር መንግስቲ ተቃዉሞ ንዝገበረ ፖፕ ፊሎሚኖስ ደጊፉ ብምባል
2.  ኢስኪራ ናይ ዝባሃል ካህን ጻዋእ ሰይሩ፣ ታቦቱ ከምዘዕነዎ
3.  ንጳጳስ ኣርሳንዮስ ኢዱ ቆሪጹ ንጥንቆላ ከምዝተጠቐመሉ
4. ንሓንቲ መነኮሳዪት ከም ዝደፈረ
ኣርዮሳዉያን ብብዝሒ ኣብ ዝተሳተፉሉ ቲረ (Tyre) ኣብ ትበሃል ቦታ ጉባኤ ተጌሩ ጉዳዩ ተራእየ። ቅ.ኣትናቴዎስ ዉን ንዝቐረበሉ ክሲ ሓደ ብሓደ ክምልሰሉን ክስዕሮምን ጀመረ።
ቀዳመይቲ ክሲ ብዘይ ሞገተ ፈሺላ፣ ነቲ ካልኣይ ክሲ ክምርመር ምስ ተጀመረ፣ ኣምላኽ ንልቢ እቲ ብሓሶት ንክምስክር ኣርዮሳዉያን ዘስድዕዎ ካህን ከምዝጠዓስ ስለዝገበሮ፣ ኣብ ጉባኤ ቀሪቡ ኣትናቴዎስ ካብዚ ገበን ናጻ ከምዝኾነ መስከረሉ።
እቲ ሳልሳይ ክሲ ግና ሕፍረቶም ከምዝቅላዕ ዝገበረቶም ነበረት። እቲ ምስ ኣርዮሳዉያን ተሰማሚዑ ኢዱ ከም ዝተቖርጸ ጌሮም ዝተዛረቡሉ ጳጳስ ኣርሳንዮስ ናብቲ ጉባኤ መጺኡ ነበረ’ሞ፣ ቅ. ኣትናቴዎስ ከኣ ኣብ ካልእ ክፍሊ ከምዝጸንሕ ገበሮ። ኣርዮሳዉያን ከኣ ናይ ሓደ ካልእ ዝሞተ ሰብ ኢድ ኣምጺኦም ኣብቲ ጉባኤ ናይ ኣርሳንዮስ ኣእዳው ብምባል ከም መርትዖ ኣቕረብዎ። ብድሕሪዚ ኣርሳንዮስ ናብ ዉሽጢ ከምዝኣቱ ተገብረ፣ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ቀሪቡ ኣእዳዉ ብምርኣይ፣ ብዝገበሮ ከምዝተጣዕሰ መስከረ። ኣርዮሳዉያን፣ መሊሶም ኣትናቴዎስ ጦንቋላይ ስለዝኾነ፣ ብሓይሊ ሰይጣን’ዩ ኢድ ጌርሉ ኣምበር ከምዚ ኣይነበረን በሉ። በቲ ዝበጽሖም ፍሽለት ሓሪቆም ንኣርሳንዮስ ክሃርምዎ ጀመሩ ንሱ ዉን ናብቲ ንጉስ ሃደመ።
ነቲ ናይ ድፍረት ክሲ ዉን ክምርምርዎ ጀመሩ። ሓንቲ ኣመንዝራ ኣምጺኦም ኣትናቴዎስ ከም ዝደፈራ ዉን መስከረት፣ መን ምዃኑ ግና ብኣካል ኣይትፈልጦን ነበረት።  ንቅ. ኣትናቴዎስ ኣሰንዩ ካብ ዝመጽኡ ጢሞትዮስ ዝበሃል ካህን ግና፣ ልክዕ ኣትናቴዎስ መሲሉ ኣብቲ ጉባኤ ቀሪቡ “ከመይ ጌርኪ ንስኺ ንዓይ ኣብ ገዛይ መጽኡ ደፊርኒ ኢልኪ ብዘይሕፍረት ትከስኒ፧” በላ። ንሳ ዉን “እወ ንስኻ ኢካ” በለት። ብኸምዚ ዉን ኩለን ናይ ሓሶት ክሲታቱ ተሳዕራ።
ኣርይኦሳዉያን ብዝገበርዎ ምትእትታዉ ግና ቅ. ኣትናቴዎስ ምስ ንጉስ ክራኸብ ኣይከኣለን። ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከይዶም፣ ኣትናቴዎስ ስርናይ ካብ እስክንድርያ ከይወጽእ ኣዚዙ ብምባል ካልእ ክሲ መስረቱሉ። በዚዉን ቅ. ኣትናቴዎስ ናብ ግዘት ኣምረሐ። ዕለት 5 ለካቲት 335 ዓ.ም. ናብ ትረፈ (Treves) ትበሃል ኣብ ፈረንሳ ትርከብ ቦታ ተገዘተ (ተሰደ)፣ ኣብኡ ዉን ኩሎም ጳጳሳት ብዓቢ ክብሪ ተቀበልዎ።

ሞት ኣርዮስን ሓቂን

ኣርዮስ ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ሞተ። ሶቅራጦስ ንሞት ኣርዮስ ክገልጽ እንከሎ “እግዚአብሔር ንኣርዮስ መዓናጥኡ ብምፍንጣሕ ኣብ ሽቃቅ እዩ ቀዚፍዎ፣ ኩሎም ምእመናን ዉን ካብ ኣምላኽ ግቡእ መቅጻዕቲ ከምዝወረዶ በዚ ኣረጋገጹ” ይብል። እቲ ኣብ ዓራት ሞት ዝነበረ ንጉስ፣ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣትናቴዎስ ንጹህ በደል ዘይብሉ ምዃኑ ስለዘረጋገጸ ኣብ 337 ዓ.ም. ናብ እስክንድርያ ክምለስ ወሰነ።
ንጉስ ቆስጥንጢን ምስ ሞተ፣ እቲ ንግስነት ተመቓቀለ። ቆስጥንጢን 2ኣብ ፈረንሳ፣ ቆንስጣንስ ኣብ ኢጣልያ፣ ግብጺኸኣ ኣብ ትሕቲ ቆንስጣንጤዎስ ኮነት። ኣብ 338 ዓ.ም. ከኣ ብሽምግልና ቆንስጥንጢን ፖፕ ኣትናቴዎስ ናብ መነበሩ ተመልሰ፣ ህዝቢዉን ብዓቢ ሓጎስ ተቐበልዎ።

ካልኣይ ስደት

ኣርዮሳዉያን በዚ ደዉ ኣይበለኡን። ብዉልቆም ጉባኤ ጌሮም ንቅ. ኣትናቴዎስ ኣወጊዞም ካልእ ጎርጎርዮስ ዝስሙ ኣብ ክንድኡ ሾሙ። ነዚ ዉሳኔዉን ንዩልዮስ ናይ ሮም ጳጳስ ኣፍለጡ። ፖፕ ኣትናቴዎስ ግና ኣብ 340 ዓ.ም. ኣብ እስክንድርያ ጉባኤ ብምቅናዕ ኣንጻር ኣርዮሳዉያን ዝነበሮ ተሪር መርገጺ መሊሱ ብምትራር፣ ካብቲ ጌጋ ትምህርቶም ከይተመልሱ ከምዘይቅበሎም ኣፍለጠ። ነዚ ዉሳኔን፣ ናቱን ንጽህናን ዉን ደብዳቤ ብምጽሓፍ ንኩለን ቤተክርስቲያናት ኣፍለጠ። ኮይኑ ግና ኣርዮሳዉያን ንንጉስ ቆንስጣንጤዎስ ብምእማንን፣ ንፊሎጎርዮስ ብምጽላዉን፣ ነቲ ንሳቶም ዝመረጽዎ ፓትሪያሪክ ንጎርጎርዮስ ኣብታ ቤተክርቲያን ክስየም ገበሩ።
ህዝቢ እስክንድርያ በቲ ዝተገብረ ነገር ኣዝዮም ስለዝሓረቑ ክቃወሙ ጀመሩ።  ኣርዮሳዉያን ግና ክፍኣቶም ኣዝዩ ስለዝበዝሐ፣ ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቅለት ናብ ቤተክርስቲያን እስክንድርያ ብምእታዉ ነቶም ህዝቢን ኣገልገልቲን ክቅጥቅጥዎም ጀመሩ። ብዝሓት ተቀቲሎም፣ ብዙሓት ተዓሚጸን፣ ብዙሓት ዉን ቆሰሉ። ቅ. ኣትናቴዎስ ግና ሓገዝ ናይ ኩለን ቤተክርስቲያን ደልዩ፣ መንበሩ ገዲፉ ናብ ሮም ከደ። ኣብ ሳርዲቻ (Sardica) ኩሎም ኣቦታት ጉባኤ ብምቅናዕ ብሕብረት ነዚ ዝስዕብ ዉሳኔ ኣመሓላለፉ
1.      ፖፕ ኣትናቴዎስ ንጹህ ምዃኑ
2.     ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንዝተዋህበ ዉሳኔ ዳግማይ ከምዝጸንዕ
3.     ንኩሎም ኣርዮሳዉያን (ትምህርቲ ኣርዮስ ዝስዕቡ መራሕቲ) ጳጳሳት ኣወገዙ
4.     ንጎርጎርዮስ ካብ መንበሩ ክእለ
ዉሳኔታት ናይዚ ጉባኤ ኣተሓሒዞም ክልተ ጳጳሳት ናብ ንጉስ ቆንስጣንስ መራሒ ኢጣልያ ብምልኣኽ ነቲ ጉዳይ ኣፍለጥዎ፣ ንሱ ዉን በቲ ዝተወሰነ ተሰማምዐ። ንሓዉ ንጉስ ቆንስጣንጤዎስ ዉን፣ ንኣትናቴዎስ ናብ መንበሩ እንተዘይመሊስዎ፣ ኲናት ከምዝእዉጁ ኣፈራርሕዎ። ኮይኑ ግና ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ገለ ግብጻዉያን ምልዕዓል ጌሮም ንጎርጎርዮስ ኣብ 349 ዓ.ም. ቀተልዎ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዉን ካልኣይ ግዜ ናብ መንበሩ ተመልሰ፣ ምእመናን ዉን ብዓቢ ክብሪ ተቀብለዎ።
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት (ቅዳሴ ዝደረሰ) ነዚ ህዝቢ ሰቲ ብምሓዝ፣ ምንጻፍ ብምንጻፍን ብጣቅዒትን ዝገበርዎ ኣቀባብላ ኩነት ክገልጽ እንከሎ፣ “እቲ ህዝቢ ዉን ልክዕ ከም ፈለግ ኒል ፈሰሰ” ይብል።

ሳልሳይ ስደት

ኣትናቴዎስ ናብ መነበሩ ምምላሱ ዘየሐጎሶም ኣርዮሳዉያን፣ ንጉስ ቆንስጣንስ ክሳብ ዝመዉት ተጸበዩ። መሊሶም ኣርዮሳዉያን፣ ኣትናቴዎስ ምስቲ ማግነይቶስ ዝበሃል ቀንዲ ጸላኢ ናይቲ ንጉስ ምሕዝነት ከምዝመስረተ ከሰስዎ። ሓደ ኣብ ኣርለስ ካልእ ከኣ ኣብ ሚላን ጉባኤ ጌሮም፣ ንኣትናቴዎስ ፈረድዎ፣ እዚ ዉሳኔ ዉን ንቆንስጣንጤዎስ ምስ በጽሖ፣ ነቲ ዉሳኔ ተቐቢሉ ንኣትናቴዎስ ገዘቶ። ፖፕ ቴኦናስ ኣብ ዝሃነጾ፣ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን፣ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጸሎተ ኪዳን እንዳብጸሐ እንከሎ፣ ወታሃደራት መጺኦም ኣኽበብዎ። ናብ ዉሽጢ ኣትዮም ክኣስርዎ ምስ በሉ ግና፣ እግዚአብሔር ዓይኖም ስለዘጸልመቶ፣ ካብቲ ካልእ ምእመን ፈልዮም ከለልይዎ ኣይከኣሉን።
ኣትናቴዎስ ዉን ተሓቢኡ ብምዉጻእ ኣብ ገዳማት ምስ መነኮሳት ክነብር ጀመረ። ኣርዮሳዉያን ከኣ ጊዮርጊስ ዘቆጶዶቅያ ኣብ ክንዲ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ክኸዉን ሾምዎ። ኦርቶዶክሳውያን ግና ነዚ ጉዳይ ብምንጻግ ኣወገዝዎ። ንሱ ግና ናይ ኩሉ ቤተክርስቲያናት ንብረት ክግብቶ ጀመረ። ይኹን’ምበር ንሱ ዘሳደዶም ዝነበሩ ኣህዛብ (መምለኽቲ ጣኦት) ንዕዑ ቀቲሎም ስግኡ ኣቃጸልዎ።   

ራብዓይ ስደት

ቆንስጣንጤዎስ ምስ ሞተ ኣብ ክንድኡ ዩሊያን ወዲ ሓወቡኡ ነገሰ። ንህዝቢ እስክንድርያ ከሖጉሶም ስለዝደለየ ከኣ፣ ንቅ. ኣትናቴዎስ ናብ መነበሩ መለሶ። ቅ. ኣትናቴዎስ ዉን ኣብ 362 ዓ.ም. ጉባኤ ብምግባር ናብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ክምለሱ ዝደልዩ ኣርዮሳዉያን ከማልእዎ ዝግባእ ቅድመ ኩነት ኣዉጸአ። ከምኡዉን ናብ ኣህዛብ ወንጌል ምስባክ ዝብላ ኣጀንዳታት ኣዉጸአ። ይኹን እምበር ንጉስ ዩልያን (ዓላዊ) ንርእሱ መምለኺ ጣኦት ስለዝነበረን፣ ካብ ኣህዛብ ዉን ብዙሕ ደገፍ ስለዝረክብን፣ ኣትናቴዎስ ንዘዉጽኦ መደብ ኣይፈተወን። በዚ ምክንያት ዉን ኣትናቴዎስ ንክእሰር ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።
ቅ. ኣትናቴዎስ ካብ እስክንድርያ ወጺኡ፣ ብጃልባ ናብ ላዕላይ ግብጺ ኸደ። ናይ እስንክድርያ ኣማሓዳሪዉን ደድሕሪኡ ብመርከብ ሰዓቦ። ኣትናቴዎስ ንዝነበራ ጃልባ ከርኽባ ምስ ቀረበ ብዛዕባ ኣትናቴዎስ ዘለዋ ጃልባ ነቶም ሰባት ሓተቶም። ንሳቶም ዉን ኣብ ቀረባ ከምዘሎ ነገርዎ። ኣትናቴዎስ ኣብ ካልእ ቦታ ስለዝተሓብአ ግና እቲ ኣማሓዳሪ ክረኽቦ ኣይከኣለን።
ንቅ. ኣትናቴዎስ ዘፍቅርዎ ምእመናን ዉን በቲ ነገር ኣዝዮም ጓሃዩ። ነዚ ቅኑዕን ጽኑዕን ኣቦ ኣዚ ዝኣኽል መከራ ብምርካቡ ሓዘኑ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና፣ ኣብ ግዜ መከራን ስደትን ኣዝዩ ሰላም ከምዝስምዖ ነገሮም። መከራ ክኸዉን እንከሎ እግዚአብሔር ኣብ ትሕቲ ጽላል ረድኤቱ ከምዝሕልዎን፣ ልዕሊ ማንም ግዜ ጸጋ ከምዝበዝሓሉን ነገሮም። ብዛዕባ ዩልያን ዓላዊ ንጉስ ዉን “ስደትን መከራን ዩልያን ከም ማይ ክረምቲ ጽርግ ኢሉ ክሓልፍ እዩ” በሎም።  ከምዚ ኢሎም እንዳዕለሉ እንከለዉ፣ ንጉስ ዩልያን ኣብ ኲናት ፋርሳዉያን (ፐርሺያን)  ከም ዝተቐትለ ዜና ሰምዑ። ኣብ ኲናት ዝቐተሎ ከኣ፣ ቅ.መርቄርዎስ ሰማእት (ኣቡ ሰይፌን) እዩ፣ ቅድሚ ሙሟቱ ዩልያን፣ “ኦ ወዲ ማርያም ስዒርካኒ!” ኢሉ ተዛረበ።

ሓሙሻይ ስደት

ድህሪ ሞት ዩልያን፣ ዮቪያንን ቫልንስን በተኸታታሊ ነገሱ። ቫለንስ ከኣ ኣርዮሳዊ ስለዝነበረ ንኣትናቴዎስ ኣብ 367 ዓ.ም. ገዘቶ። ቅ. ኣትናቴዎስዉን ንእስክንድርያ ሓዲጉ ኣብ መቃብር ኣቡኡ ተሓብአ። እቲ ንጉስ ዉን ንኣትናቴዎስ ዝደግፉ ንዝነበሩ 30 ጳጳሳት ቀተለ። ኣቶም ህዝቢ ዘለዎም ጽንዓት ምስ ረዓየ ግና፣ ነቲ መከራ ኣቋሪጹ፣ ንኣትናቴዎስ ኣብ 368 ዓ.ም. ናብ መንበሩ መለሶ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዋላ ወዲ 72 ዓመት ሽማግለ እንተነበረ፣ ግቡኡ ካብ ምዕያይ ቦኺሩ ኣይፈልጥን። ጽንዓቱን ገድሉን ዓለም ምስ ረኣየት፣ “ኣትናቴዎስ ኣንጻር ዓለም”  ብምባል ገሊጻቶ።
ኣንጻር ኣርዮሳዉያንን ብዛዕባ ተዋህዶን (ሚስጢረ ስጋዌን) ብዙህ መጽሓፍቲ ጽሒፉ። ዓመት ዓመት ዉን፣ ኣብ ግዜ በዓል ትንሳኤ ናብ ኩለን ቤተክርስቲያን ደብዳቤ ይጽሕፍ ኔበረ። ንመጀመርያ ግዜ ናይ ሓድሽ ኪዳን 27 መጽሓፍቲ ኣየኖት ምኳነን በብስመን ጠቂሱ ዝዘርዘረን ዉን ንሱ እዩ። ኣብተን ዓመታዊ ደባቤታት፣ ብዛዕባ ሓዳር፣ ቤተክርስቲያን፣ ወዘተ ኣርእስቲታት ጽሑፉ እዩ። ናቱ ጽሑፍ ዉን፣ ዓሙቊ፣ ቀሊል፣ መንፈሳዊን ርዱእን ነበራ።
መበል 44 ፓትሪያሪክ ናይ እስክንድርያ ዝነበሩ ኣba ቆዝማ፣ ናይ ኣትናቴዎስ ጽሑፋት ከድንቑ እንከለዉ ከምዚ ይብሉ “ዝኾነ ሰብ ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጽሑፍ እንተረኺቡ፣ ነቶም ዘይረኽብዎ ምእንቲ ከንብብዎ ወረቐት ዘለዎ ኣብ ወረቐት፣ ወረቐት ዘይብሉ ኣብ ክዳኑ ይጽሓፎ”።
ንመጀምርያ ግዜ ናይ ምንኩስና ክዳን ክኽደን ዝጀመረ ፖፕ ኣትናቴዎስ እዩ። ንኹሎም ጳጳሳትን ፓትሪይሪክን  ዉን ዩኒፎርም ክኸዉን ገበረ። ንቅዱስ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት፣ ስልጣነ ክህነትን ዝቀብኦን ደሓርዉን ናብ ሊቀ ካህናት ደረጃ ዝሾሞ ንሱ ኣትናቴዎስ እዩ። ጉይኡ ወዲኡ፣ ገድሉ ተጋዲሉ፣ በታ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ሓቀኛ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክሳብ መወዳእታ ጸኒዑ፣ ዕለት 7 ግንቦት ኣብ 373 ዓ.ም. ብጐይታ ዓረፈ።
ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ኣቦና ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ምስ ኹልና ይኹን።
ስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Sunday, February 3, 2013

ዕላማ ናይዚ ብሎግ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ክርስቲያን ምዃነይ ካብ ዝዝክሮ ከም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ህይወትን ትምህርትን ጌሩ ዝመሰጠኒ የለን። ንሱ ኣብ ትሕቲ መማህራን ተኮስኪሱ ዝዓበየ፣ ህይወት ቅዱሳን ብግብሪ ተማሂሩ ዘስተማቐረን፣ ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ እምነት ወልድ ዋሕድ ጸኒዑ ዝነበረ ኣቦ እዩ። ከም መነኮስ ባሕታዊ፣ ከም መምህር ሰባኪ፣ ከም ሰማዕት መከራ ዝጸገበ፣ ከም ኣቦ ምእመናን ዝጓሰየ፣ ኮታስ ብኩሉ ህይወቱ ንሓዋርያት ዝመሰለ መራሒ ነበረ። ነዚዉን ቤተክርስይቲያን ሓዋርያዊ ኣቦ ብምባል ናይ ክብሪ ሽም ወሲኻትሉ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኩሉንትናዊ መራሒ ዘብሎ ብዙሕ ነጥብታት ኣለዎ። ገለ ካብኡ፣ ካብ እግሪ መማህራን ከይተፈልየ ተኮስኪሱ ዝዓበየ። ብፍልጠት ጥራይ ዉን ኣይነበረን፣ ናይ ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ ወደ መዝሙር ኮይኑ ኣብ ብሕትዉና ፍቕሪ ኣምላኽ ብግብሪ ዘስተማቐረ። ንኡስ እየ ኢሉ ነቲ ዝተማህሮ ካብ ምምስካር ሱቕ ዘየበለ ኣማናዊ ሰማእት (መስካሪ) እዩ። ወዲ 19 መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ ነታ ኣዝያ ፍልጥቲ መጽሓፉ ስግዉ ቃል De Incarnatione ዝደረሰ ትጉህ እዩ። ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ሞጊቱ ዝሰዓረ ጽኑዕ መምህር፣ ፓትሪያሪክ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዉን ነዛ ሓቀኛ እምነት ክምስክር ብዙሕ ሓሳረ መከራ ዝጸገበ፣ ነባጊዑ ዝሓሊ ሕያዋይ ጓሳ ነበረ። ብሓጺሩ ህይወት ቅ.ኣትናቴዎስ ተራ simple፣ ዓሚቊ፣ ቅኑዕ፣ ቅድስ፣ ጽድቂ፣ ፍቕሪ፣ መንፈሳዊን፣ ሓቂን እዩ። ከምዚ ብምኳኑ ዉን ብዓለም ተጸሊኡ ነበረ።
ኣትናቴዎስ "ዓለም ጸሊኣትኻ" ምስበልዎ። "ዓለም ንዓይ ከይጸላእትኒ እንኸላ፣ ኣነ እየ ንዓለም ቀዲመ ዝጸላእኽዋ" ብምባል ኣንጻር ዓለምን፣ ዓለማዊ ምንቅስቓስን ጸኒዑ ብጸጋ ኣምላኽ ዝበደሀ፣ ሓቀኛ መራሒ እዩ።
ፍኖት ማለት መንገዲ ማለት ኮይኑ ናይ ብሎገይ ስም ብሓጺሩ መንገዲ ኣትናቴዎስ እዩ። መንገዲ ኣትናቴዎስ ማለት፣ መንገዲ ክርስትና፣ መንገዲ ህይወት፣ መንገዲ ሰማያዊ ርስቲ፣ ብሓጺሩ መንገዲ ክርስቶስ እዩ።
"ንሕና ኣምላኽቲ ምእንቲ ኽንከዉን፣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ" እዚኣ  መሰረተ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እያ። ጐይታ ካብ ሰማያት ዝወረደ ናብ ናይ ቀደም ክብርና ንክመልሰና እዩ። እቲ መንገዲ ኸኣ፣ ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃረናን፣ ኣብነት ኮይኑ ዘርኣየናን ናይ ወንጌል ህይወት እዩ።
ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ህይወት፣ ብፍልጠትን ርድኢትን፣ ብጽንዓትን ግብሪን፣ ብፍቅሪን ትሕትናን እዩ። እዚ መንገዲ ንዓይ ህይወት ሂቡኒ ይርኸብ። ከመይሲ ሃይማኖታዊ ትምህርቱ ቅኑዕ፣ ቀሊልን፣ ዓሙቊ እዩ። መንፈሳዊ ጉዕዞ ህይወቱን ዝጸገቦ መከራን ኸኣ፣ ኣብ ኩሉ ቦታ ኮሊዑ ዝበረሀ፣ ኣማናዊ ህይወት ነበሮ። ብፍጹም ልቡ፣ ብኩሉ ሓይሉ፣ ብኩሉ ነፍሱ  ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዘፍቀረ፣ በታ ሓንሳብ ንቅዱሳን ዝተዋህበት እምነት ጸኒዑ ዝተቃለሰ፣ ክሳብ ሞት እሙን ክይኑ ኣኽሊል ህይወት ዝወረሰ ቅዱስ እዩ። ብጸሎት ክዝክረኒ ዝምሕጸኖ ቅዱስ ኣቦይ እዩ።
በዚ ህይወት እንድሕሪ ተጓዒዘ ህይወት ከምዝወርስ ሙሉእ እምነት ኣሎኒ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ልደቱ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝነበረ ምድራዊ ህይወቱ ንዓና መንገድና እዩ። ኣቦታት ዉን ነዚ መንገዲ ህይወት ሓሊፎሞ ኣሰር ሓዲጎምልና ኣለዉ። ነዚ ኣሰር ክንስዕብ ኸኣ ናይዚ ዘመን መንእሰያት ግዴና እዩ። እነ እንዳወድቕኩ እንዳተንሳእኹ ጉዕዞይ ጀሚረ ኣሎኹ። ነዚ ህይወት ሓቢርና ክንጓዓዝ ከኣ ይዕድመኩም።
ኣብ ሶምን ብዉሕዱ ሓንቲ ጽሑፍ ክጽሕፍ እየ። ኹሉ ጽሕፋተይ ብቐጥታ ካብ ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት፣ ናይ ቴኦሎጂ መጻሓፍቲ፣ መጽሓፈ መነኮሳት፣ ሃይማኖተ ኣበው፣ ስንክሳርን፣ ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ስርዓት መጽሓፍቲን ዝተወስደ ክኸዉን እዩ። ብተወሳኺ ዓምደ ጸሎት ትብል ቀጻሊነት ዘለዋ ጽሕፍቲ ኸቕርብ እየ። ኣብዚ ዓምዲዚ ዝተፈላለየ ጸሎታት እንዳቶርገምኩ ፖስት ምግባር ኮይኑ ፕሪንት ጌርኩም ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ።
ታሪክ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ብምዝንታው ክጅምር፣ ቀጺለ ብዛዕብኡ ገለ ገለ ሓጸርቲ ጽሑፋት ይስዕብ። ደሓር ግና ብተኸታታሊ ናቱ መጽሓፍ በብክፋል ከቕርብ እየ። ሓንቲ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብኩም ግና ሓደራ ብጸሎት ዘክሩኒ። ነዚ ጽሑፍ ዝጸሓፈ ምሕረት ኣብዝሓሉ ኢልኩም ኣብ ቅድም ኣምላኽ ዘኽሩኒ።  ስብሓት ለእግዚአብሔር!